Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Tuesday, March 10, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ስነ-ስርዓት ቀብሪ ፍሉጥ ስነ-ጥበበኛ ኣቦና ትካቦ ወልደማርያም

ስነ-ስርዓት ቀብሪ ፍሉጥ ስነ-ጥበበኛ ኣቦና ትካቦ ወልደማርያም

0
By Mekonnen T. on June 28, 2016 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ብዕለት 24 ሰነ ዓሪፎም ብዕለት 27 ሰነ ኣብ መንደፈራ ሓመድ ኣዳም ለቢሶም። ዝርዝሩ፡ 28 ሚያዝያ 1925 ካብ ኣቡኦም ወልደማርያም ይመር ኣዲኦም ወይዘሮ ኣለፈሽ ንጉሰ ኣብ ኳዓቲት ተወሊዶም ኣብ መንደፈራ ዓብዮም። ዕድሚኦም ንትምህርቲ ምስ ኣከለ ኣብ እንዳ ሃለቃ ኣብ ቤተ ክርስትያን ፊደል ቆጺሮም። ኣብ ቤት ትምህርቲ ሳንጆርጆ ክሳብ 4 ክፍሊ ድማ ዛዘሙ። ኣብተን ጥልያን ዝደኮነን ሲነማታት፡ ፊልምታት ጥልያን ብምዕዛብ ቛንቋ ጥልያን ክመልኩ ከኣሉ። ኣቦና ስነጥበበኛ ትካቦ ወልደማርያም፡ ኣብ ሲነማ  ይሰርሑ ብምንባሮም፡ ኣብቲ ጽምው ሲነማ ድምጾም ዓው ኣቢሎም ክደርፉ እንከለዉ ብዙሓት መንእሰያት ንኽሰምዕዎም ኣብቲ ማዕጾ ይጽግዑ ምንባሮም ፈለጥቶም ይዛረቡ። ዓቢ ስነጥበበኛ ኣቦና ኣስረስ ተሰማ ሓደ ግዜ፡ “ንኣሽቱ እንከለና ኣያና ትካቦ ዓው ኢሉ ክደርፍ እንከሎ ጽን ኢልና ንሰምዖ ነበርና። በቲ ናቱ ድምጺ ተጸልየ’የ ናብ ሙዚቃ ክኣቱ ዝኸኣልኩ” ብምባል ቃል ምስክርነቶም ሂቦሙሎም ነበሩ። ኣቦና ትካቦ ወልደማርያም ኣብቲ ማሕበር ተዋስኦ ደቀባት ማተደ ኣብ ካልኣይ ጉዕዞኣ ጉጅለ ሙዚቀኛታት ጠርኒፋ ኣብ ዝተንቀሳቀሰትሉ እዋን 1947 ምስቶም 13 ተወዳደርቲ ተመዝጊቦም ኣብ ሲነማ ኣስመራ ኣብ ዝተገብረ ውድድር ተሳቲፎም ሳልሳይ ብምውጻእ ድምጻዊ ናይ ምዃን ብቕዓቶም ኣመስከሩ። ሽዑ በታ ባዕሎም ግጥምን ዜማን ዘውጽኡላ፡ “ናይ ውሽጢ ልበይ ንመን’የ ዝነግሮ ፍቅሪ እምበር ሒዙኒ ድኻ ዘይኽእሎ” እትብልዮም ተወዳዲሮም። ኣብ ዝተፈላለየ መድረኽ ድራማ ከም ተዋሳኣይን ደራስን ክሰርሑ እንከለዉ፡ ጣልያን ኦፔራ ኣብ ዝጻወትሉ ዝነበሩ እዋን ኣብ ሲነማ ሰራየ ተባሂሉ ዝፍለጥ ሲኔማ መንደፈራ ነቲ ኦፔራ ክደግምዎን ክደርፍዎን ጀመሩ። ብፍላይ ናይ ሓደ ማርዮ ላንዞ ዝብሃል ደራፊ ብትኽክል ይደርፍዎ ብምንባሮም ማርዮ ዝብል ሳጓ ወጺዎም ነበረ።

13432420_10208493653931481_1927391721478987130_n

ካብዚ ዝነቐለ እቲ ስነጥበብ ኣብ መንፈሶም ሰረጸ። ኣብ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ ብምኻድ ምስቶም ናይቲ እዋን ህቡባት ዝነበሩ ከም በዓል ኣበበ ተስፋይን ሻምበል ጽገን ዝኣመሰሉ መስረትቲ ሙዚቃ ኢትዮጵያ ብምድራፍ ዓቢ ስነጥበባዊ ስራሕ ሰርሑ። ኣብ ኣስመራ ምስተመልሱ ፡ ኣብ ፊልድ ፎርስ ተቆጺሮም ይሰርሑ ኔሮም። ብድሕሪ እዚ ኣብ ፊናንሳ ተቆጺሮም ኣብ ኩለን ከተማታት ኤርትራ እናተዘዋወሩ ሰርሑ።   ኣብ 1961 ድማ ሓደ ካብ መስረትቲ ማትኣ ብምዃን ካብ ሓደ ጥልያን ገንዘብ ተለቒሖም ምስ ተወልደ ረዳ ብምዃን ነታ ዓባይ ጉጅለ ሙዚቃ ማትኣ ከም ዝመስረትዋ ይንገር። ሓደ ካብቶም ወላዕቲ ሽምዓ ዘመናዊ ስነጥበብ ምዃኖም ድማ ይፍለጥ። ብድሕሪዚ ኣብተን ኣብ ኣስመራ ዝነበራ ባንድታት ኣስመራ ባንድ፡ ሳባ ባንድ፡ ዳግማይ  ትንሳኤ ማትኣን ራስ ዱሜራን ኣባል ብምዃን ስነጥበባዊ ኣበርክትኦም ዝወፈዩ ስነጥበበኛ እዮም። ድሕሪዚ ኣብ ማትኣ ኣብ ዝነበርሉ ግዜ ኣዝዩ ብርክት ዝበለ ግጥምን ዜማን ኣበርከቱ። ኣብ ጉዳይ ሲኔማ፡ መንዘልህቦ፡ ወግዒ ሱሳታት፡ ወግዒ 70 ታት።  መንዩ ሓጥያተኛ፡ሰልሚ፡ ደልሃመት፡ ግራጭ፡ ናፍቆት፡ ጸላም ዕንቅርቢት፡ ዝብላ ፊልምታት ከም ተዋሳኣይ ብምዃን ክሳብ ዕለተ ሞቶም ሰሪሖም። ኣቦና ትካቦ ወልደማርያም ንንውሕ ዝበለ ግዜ ሓሚሞም ብስድርኦም ክእለዩ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ መበል 91ዕድሚኦም ካብዛ ዓለም ተፈልዮም። ዕለተ ዕረፍቶም ሰዓት 11 ዓርቢ ምሸት 23 ሰነ 2016 ነበረ። ሶኒ ዕለት 27 ሰነ ድማ ኣብታ ዝዓበዩላ ከተማ መንደፈራ ልክዕ ሰዓት 12 ፋዱስ ሓመድ ኣዳም ለቢሶም። ኣብ ስነስርዓት ቀብሮም ብርክት ዝበሉ ኣፍቃሪ ስነጥበብን ስድራቤቶምን ኣብ ዝተረኽበሉ በቶም ዓበይቲ ብሂወት ዘለዉ ብጾቶም ከም ጃብር ማሕሙድ፡ ድምጻዊ ግርማይ ሰለሞን፡ መምህር ጸጋይ ኣስፍሃን ድምጻዊ በረኸት መንግስትኣብን ተዓጂቦም ነበሩ።

13524384_1725592157706881_5758221731322816577_n

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleተባዕ ፍርሒ
Next Article ደርዘን ሕቶ ንገጠምቲ : ኣማን ተኸስተ
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?