Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»መተዓብይቲ

መተዓብይቲ

0
By Mekonnen T. on March 31, 2016 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ከሜሎኻ ሳህለ?

ዪየህ…ነዊሕ ኰይኑ ካብ ንፈላለ፥
ድሕሪ ዓመታት ካብ ዓሰብ መጺእካ
ብቐዳማይ’የ ሰሚዐ ዓዲ ከም ዘሎኻ፡፡

ሳህለ ከመሎኻ’ሞ?
ደቅኻ ኸ ጎቢዞም ዶ?
ጠፊአካ ኣመና ኣይትሓዘለይ
ሰብ ኣይፈልጦን’ዩ ዘለኹዎ ባዕለይ፥
እቶም ስድራና ንባዕሎም
ስደት ማለት ገንዘብ ዝሕፈሶ እዩ ዝመስሎም፥
ዝዀለሱዎ ከይወሓጡ
‘ስደድ’ ጥራይ’ዮም ዝፈልጡ፥
ተረዲኡካ’ሎ!? ኣብ’ዚ
ስራሕ ክትደሊ ብገንዘብ
ክትሕከም ብገንዘብ
ቈልዑ ክተምህር ብገንዘብ
(ኦ ማይ ጋድ!)
ኣይትኣምንን፡ ዩናይድድ ስተይድስ ማለት ከቢድ’ዩ
በቃ ኵሉ ብገንዘብ’ዩ፡፡

በጃኻ ነታ ለተብርሃን ኣረድኣያ
ምሳይ ፈጺማ ኣይትረዳዳእን’ያ፥
ልክዕ’ዩ፡ ጸገም ዝግባኣ’ይኰነትን
ግን ዕድል ኣይገበረትን – ፒርየድ!
ጓል እገለ ኤውሮጳ ከስግር
ወዲ እገለ ካብ ሊብያ ይድውል
ሺት! ኣነ ናብ ክንደይ’የ ክምቀል!?

ብዝዀነ ዓድና ከመይ ኣሎ?
ኣግሪካልቸር ይድንፍዕ ዶ’ሎ?
ብዘይ መጠን ስደት ጸሊእናዮ
ዓድና ናፊቕናዮ፥
ክሳብ ንራኸብ ግዜ ምስ ተቐየረ
ኣብ ዝጠዓመካ ጸሓፈለይ ሳህለ፡፡

* * * * * *
ሳኺቱለይ ኣየናይ’ኳ’ይለዮ
ብኣምሆ… ከም’ዙ ናይ ናፍቖት ገይረዮ፥
ኣደይ ትብለጽ ጎፍ ኢለናኒ
ከም ኣመለን ደሃይካ ምስ ነገራኒ
“ግርም ምህላወይ’ሞ ንገርኦ
ስልኪ ኣብ ዝሃረመሉ
‘ወረቐት ስደድ ኢሉካ’ በላኦ”
ኢለየን ናብ ሓዳረይ ጐይየ
ምስ ነገራኻስ ሻዓ ሰዲድካለይ
ኣይረሳዕካን ግዲ’ንታ’ኻዓየ?
እምበር በዙ ሎሚ ዶ ወረቐት መድለየ ፥
ኣመንጉው ኣቢልና
ድምጽኹም ክንሰምዕ መኣስ ጸሊእና
ከይነሰክፈኩም ወሰን ወሰን ንኸይድ ኣኻዓየ፡፡

ብዝዀነ ጥዕናኻ ከመይ ትኸውን?
ስደት ከ ከመይ ይገብር?
ወረቐትካ ምስ በጽሓኒ ሕጕስ ኢለ
ኣብ’ቱ ንባብ ግዳ ቁሩብ ተሸጊረ፥
“ድሽክነሪ ሒዝኪ ቕረቢ”
ምስ በልኩዋ ነታ ዓባይ ጓለይ
እና ሰሓቐትኒ ግሩም ተርጒማትለይ፡፡
ኣብ ኢመሪካ ተዋሒጥኩም
ቋንቋ፡ ባህሊ፡ ታሪኽ እንተረሳዕኩም
‘ታይ ሕማቕ ኣለዎ፡ ዘይ ስደት ነዊሑኩም፡፡

እወ…ህ፡ ከምቱ ዝበልካዮ’ንድዩ
ስድራ ድኣ ንዓኻ ምስ ሃበ ኸ ንመን ሂቡ
ይጽገቡ’ይጽገቡ
ወትሩ ምስ ሰሓቑ
ወትሩ ምስ መረቑ፡፡
ተብርሃን ሓውትኻ ውን ከምኣ’ይላ’ላ
ብኽፉእ ዘልዕላ ሓደ’ኳ ዘይብላ
እንተ ዀረየትልካስ
ኣንታ ይዓየ፡ ሓንቂቓ – ኣቕሪባ’ንድኣላ!
ድሓር ክኣ፡ ወዮ ዃዕናን ሰብኣያ
ሲና ምስ ረገጸ ኣብኣ’ንድዩ ሓቒቑ
(…እህም) ተብርሃን ድኣ ጸግዒ’ባ ትደሊ
ሎሚ ሎምስ እንድዕሉ ነብሳ’ኳ ርሒቑ፡፡

እምበር ሓቅኻ
ንመን ከ ጥዒሙዎ፡ ይሓስመካ’ወ
ውሉድ ኣይረግአ፡ ወላዲ’ይተቐድወ፡፡

ዓድና ዘላቶ ሑንቋዕ ኣይትርእዮ
ውለድ – ኣይትለድ ኵሉ ወዮ፥
ወዲ ሃለቃ ሕድሩ ምስ ወዲ ዘርእሰናይ
ጸሓይ ዕራብ ዓዲ ከም ዘይተራእዩ
ህ? ተበልካስ
ደርሆ ንቆ ኣትዮም ግርሁ ስርናይ፡፡
መርዓ ዝኣኸለት ነይራ ጓል ምዘሎ
ምስ ጓል ዒስባኖ ወደቦኻ’ስማዒሎ
ምህሮ ወዲአን ሳዋ ምስ ወረዳ
ከይሓደራ ከሰላ ተራእየን ይብሃል ኣሎ፡፡

ድሓር… ቈልዑ ዝቝርጥጦም፡ ዝምህሮም ስኢኖም
ተጸይቖም መስተን ገለን ኰይኖም፥
ሰጋብር ሓወይ’ኳ’ቱ ንእሽቶ ወዱ
ጸጕሩ ተዳዕቢሉ ከም ሰናዱ
ከየፍረጨ ሽጋራ ለሚዱ
ሰጋብር ዓቢዱ ዓቢዱ ዓቢዱ
ዛ ንእዲ ሒዙ ብጓሂ ነዲዱ
እቱ ቘልዓ ንምሸቱ…ዋእ
ድሓን ይእቶ ንሱዳኑ ኸይዱ፡፡
እተን ኣዋልድ ውን
ውንጭሕቲ ሰፍየን ይኽኣላ ኣይኽኣላ
ቀልቢ ኸይገበራ፡ ጡብ ከየብቈላ
ንሀዋልካ ንቒድምአን ይዕዘራ፡፡

ሓቅኻ ይዓየ
ኣብ ዓሰም ሰለስተ ዓመት ገይረ
ስድራ ኸይረኣኹ እምንሓጀር ተቐይረ
ድሓር’የ ዓዲ ኣትየ እግረይ ሰይረ፡፡

ከምኣ’ይሎም ኣለዉ ዓሰም ዶ እምንሓጀር ይብሉ
ንሕና ክኣ ብትእዛዞም ዶብ ንሕሉ
ንሕሉ – እንታይ ከም ንሕሉ
‘ጸላኢ’ ይብሉና ድሃይ ንዘይብሉ
ዝወጽእ እምበር ዝመጽእ ዘይብሉ
ክንሕሉ ውዒልና ንሓድር ክንሕሉ፡፡
“ምእንቲ መጎጎ ትሕለፍ ኣንጭዋ” ቢልና
ኣንጭዋ ንህልኽ ዓዲ ውዕል ኰይና፥
መጎጎ ስኣን ዘርስና
ስኣን ዝታውና
ዘይመልክዓ – ዘይግርማኣ
ኰይና ሰፈር ሳሬት ምስ ዓለባኣ፡፡
ስቕ ኢልና ንሕሉ ይዓየ
ዓንዴል ንሓቍፍ – ዘይፍቀር ነፍቅር
መኣስ’ሞ ዓሺና፡ ከብዲ ሰብኣይ ክንደይ’ዩ ዝዓቍር?

ሕርሻ…ድሓን’ዩ
ናብራ ቐደምና ዘይ ንሱ እዩ፥
ግዳ ዘይከም ቀደም
ኣዝርእቲ ይናፍቑ ሓመዶም
ኣብዑር ብድቃስ ሰቢሖም – ሞንጒዶም፡፡
ገደናን ስግር ሩባን መን ክኸዶ
ዛ እግሪ ዓዲ – ዘርኢ’ንጣጢዕ’ኳ ንጋዶ!
ይዓየዋ ኣብኡ ኸለኻ
ከይጽላኣካ’ምበር ከጻውተካ፥
ድሮ’ዛ ትማሊ መድሂነ ኣለም
ዝደቀሰ ዘረባ ሰሰንቂሩ
ማሕራይ ይተዃትኾ ንተስፋኣለም፡፡
ትዝክሮ’ንድኻ ፊት ታሕታይ ዓዲ ዘሎ ግራውቲ
ኣብታ ዓባይ ደረት – መሻይኖ’ንስቲ፥
ማሕራይ ብጸርፊ ምስ ዓብለሎ
ስፋኣለም መሸም እሳት’ዩ
ኣ’ቂድሚ ሰበይቱ፡ ብበትሪ ተደሰቖ! ተበሎ! ተቦሎ!
ከምዛ ድኑስ እናተገምሰሰ
ነጸልኡ’ልዒሉ “እንተዘይከሲሰ!”
ውዕል ኢልናያ ክንልምኖ
መጠረሽትኡ ኣቦኻ ቐሺ ዓንድሓይራት ኣስሚዖሞ
ንተስፋኣለም ገኒሖም
ብዝዀነ፡ ንዕኡ’ንካ ባህ ክብሎ ኣምበሳ’ምሲሎሞ፡፡

ክላ በል ዘረባ’ንዊሐልካ ይዓየ
ሎሚ ተራኸብና ኢለ’ንድኣየ፥
ንደቅኻ “ኣኻዓየ ሰላም ኢሉኩም!” በሎም
ካብ ሰረቶም ፍጹም ኣይተግልሎም፡፡
ኣንታ’ኻዓየ
ብምህሮ ኸም ብዕራይ ከተማ ዓፍቲኹም
ሎሚ ዶ ኻባና ልቢ ደሊኹም፥
ግናሲ፡ ጽባሕ ከይጋግየኩም ወይ ከይትጋግዩዎ
ንሕሉፍኩም እምብዛ ኣይትጸየኑዎ፡፡
ንሰብ እንታይ ሓይሉ እንትርፎ ሕሉፉ?
ዞም ኣውቲስቲ’ኳ ከም ንፋስ እና ሃፈፉ
ንምንታይ ድዮም ስቦክዮ ምርኣይ ዘይገድፉ?

መጋቢት 2016
ቦኽረ ገብረየሱስ

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleወግዒ ምስ ስነ-ጥበበኛ ሃይለሚካኤል ሃይለስላሴ
Next Article ደርዘን ሕቶ ንገጣሚ ማይኮ ተኽለ
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?