Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ወግዒ ምስ ድምጻዊ ምስ ዑስማን ዓብደልርሒም፧

ወግዒ ምስ ድምጻዊ ምስ ዑስማን ዓብደልርሒም፧

0
By Mekonnen T. on April 5, 2016 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ኣብ ገለ ክፋል ናይ ሙዝቃዊ ሂወቱ ኣተኲራና ጥራይ ኢና ኣዕሊልና፡ እቲ ምንታይ ብሰፊሑ እንተ ኣቲናዮስ ነዊሕ ኣዝዩ ነዊሕ እዩ። ብዉህደት ዜማታቱን ግጥምታቱን እዩ ዝልለ። ደርፍታቱ እናከተስተማቕር ንግጥሙ ዶ? ንዜምኡ? ወይስ ንቕመርኡ ከም እተድንቕ ይሕርብተካ። ሓደ ካብ’ቲ ሓደ ዝበላአጽ’ዩ ናይ ዑስማን ዓብደልርሒም ደርፍታት። ንፉዕ ኣዘንታዋይ እዉን እዩ። ቅድሚ ሓያሎ ዓመታት እተድርፉ ናቱ ይኹኑ ናይ ካሎኦት ደረፍቲ ደርፍታት፡ ብቐሊሉ ይዝክሮም። ኣብ ነፍስ ወከፍ ዕላሉ ድማ ከም መወከሲ ይጥቀመሎም። እዚ ናይ ምዝካር ክእለቱ ድማ ንዕላልና መቐረት ወሲኹሉ።

ከም ድምጻዊ፡ ኣብ ነዊሕ ናይ ስነጥበብ ጉዕዞኡ፡ ንሂወት ብኹሉ መዳይ ዳህሲስዋ እዩ። ተስፋ ዘስንቑ፣ ንፍቕሪ ዝገልጹ፣ ዘጸናንዑ፣ ንኽብርታት ሕብረተሰብና ዘንጸባርቑ፣ ንጥቕሚ ስፖርት፣ ንማሕበራዊ ናብራ፣ ንፍቕሪ ሃገር፡ ወዘተ ዘይተንከፎ ኣርእስቲ ዳርጋ የልቦን እሞ ድማ ብምዑዝን ነባርን መንገዲ። ነዚ ድማ እዩ ዋላ እቶም ደርፍታት ዑስማን ኪወጽእ ዘይተወልዱ ወለዶታት ከም ናይ ዘበኖም ደርፊ ጌሮም ዘስተማቕርዎ። ሓደሽቲ ደረፍቲ እዉን ዝደጋግምዎ። ዜማታት ዑስማን ኣዝዮም መሰጥቲ ምዃኖም ዝምስከር፡ ዳርጋ ብሙሉኦም ዜማታቱ ብገዳይምን ሓደሽትን ሙዚቀኛታት ብዝተፈላለየ ኣረንጅመንት ብሙዚቃ ጥራይ (ኢንስትሩመንታል) ምጽዋቶም እዮ። እዚ ድማ ንኣበርክቶ ዑስማን ኣብ ኤርትራዊ ሙዚቃ ሓደ ካብ ብሉጻት ይገብሮ። ብደረጃ ሃገር ከም ሓወልቲ ክቑጸራ ዝኽእላ ከም “ኣብ ከተማ ምጽዋዕ” ዝኣመሰላ ዘይምነዋ ደርፋታት ኣእምሮ ዑስማን ዘፈልፈለን እየን። ገና እዉን ኣብ ጉዕዞ ስነጥበብ ዝምርሽ ዘሎ ኤርትራ ዘፍረየቶ ሃብቲ ሃገር እዩ።
ብምዑዝ ዜማታት ናይ’ዞም ገዳይም ድምጻዉያን፡ ወለዶታት ተላጊቦም እዮም። ይዝከረኒ ቆልዓ ኮይነ ኣደይ በታ ናይ ቀደም ሲንጀር ዝዓይነታ ሰፋይት ማኪናኣ፡ ኣጭርቕቲ እናለገበት “ኣብ ከተማ ምጽዋዕ” ናይ ዑስማን “ሓምራ ላመይ” ናይ ኢንጂነር ኣስገዶምን ካሎኦትን ከትዝይም ሎሚ ኮይኑ ይረኣየኒ። እዚ ንወለድናን ብድሕሪኦም ዝመጹ ወለዶታትን ዘተኣሳሰረ ደርፍታት ሃብቲ እዩ። ሃብቲ ህዝቢ። ሃብቲ ሃገር። ንገዳይም ደረፍትናን ሙዚቀኛታትናን እምበኣር ዝግባእ ክብሪ ክንህብን ክንሕብሕቦምን፡ ክንብርብሮምን፡ ክንመሃረሎምን ናይ ሕጂ ዕማም እዩ! ኢለ፡ ምስ ዑስማን ክገድፈኩም።

ኣጀማምራኻ ከመይ ነይሩ? ሙዚቃ ክትጅምር ከለኻ ወዲ ክንደይ ዓመት ነይርካ? ብኸመይ ተጸሊኻ? መን ደፋፊኡካ?

ሙዚቀኛ ኪኸውን ዘይኮነስ፡ ስምዒት ክሓድረኒ ዝኸኣለ፡ ገና ቆልዓ ከለኹ ጀሚሩ እዩ። ዝሰማዕኩዎ ወይ ዝረኣኹዎ ምስ ሙዚቃ ዝተኣሳሰር ነገራት እፈቱ ነይረ። ወዲ ሸሪፍ ዝበሃል ነይሩ ዑድ ዝሃርም፡ ሓደ መዓልቲ ኣብ ጥቓ ገዛና መርዓ ነይሩ፡ ኣብ’ቲ ገዛ ከምዚ ዓሱር እንድ’ዩ ነይሩ፡ ኣብኡ ዑድ ክሃርም ምስ ርኣኽዎ በቃ ተመሲጠ። እታ ካብ ገዛና ናብ’ቲ ዉራይ ዝነበሮ ቦታ ዝወሰደትኒ፡ “ይኣኽለና ንዓናይ ገዛና!” ትብለኒ እሞ፡ ኣነ ድማ ግደፍኒ ንስኺ ኪዲ እንተ ደሊኺ እብላ። ስሒቡኒ እኳ’ዩ ቆልዓ’የ ብዕድመ ግን….። እቲ ገዛ ነጸላ መንድቕ ናይ ገዛና’ዩ፡ ጎረቤትና እዮም እቶም መርዓ ዝገበሩ። ካብ’ዛ መዓልቲ እዚኣ ጀሚሩ ዓቢ ጽልዋ ሓዲሩኒ፡ ዋላ ኣዴታት ተኣኪበን ክደርፋ ከለዋ፡ ወይ ኣንስቲ ክሓጽባ ከለዋ ዝደርፈኦ ደርፊ ደስ ይብለኒ፡ ክደጋግመኦ ድማ ይምነ። ሕጂ ከምዚ እናበልኩ ሙዚቃዊ ዝምባለይ ኣለልየ።
ድሓር ወዲ ሸሞንተ- ትሽዓተ ዓመት ኣቢለ ምስ ኮንኩ፡ ስኮላ ምስ ጀመርኩ፡ እቲ ንመሃሮ ብዓረብኛ ሰለ ዝነበረ፡ ናይ ሱዳን ደረፍቲ ከም በዓል ኣሕመደል ሙስጦፋ፡ ናይ ሰይድ ኸሊፋ፡ ኢብራሂም ዓወድ ዝበሃሉ ነይሮም፡ ሽዑ ናታቶም ንሰምዕ ገለመለ። ኣሕመድል ሙስጦፋ እዩ ዝያዳ ፍሉጥ ነይሩ። ተዓዲሙ ክልተ ሰለስተ ግዜ ንኤርትራ መጺኡ፡ ምስ ኦርኬስትራ ዘይኮነስ ንመርዓ። ኣብቲ ግዜ እቲ ሃብታማት ዝነበሩ፡ ሓደ ኩርዲ ዝበሃል ኣብ ባጽዕ፡ ኣቦይ ስራጅ ዑመር ዝበሃሉ ድማ ኣብ ኣስመራ ዓዲመሞ ንመርዓ ወዶም እዩ መጺኡ። ሕሰቦ’ሞ! ኤርትራውያን ኣብ’ቲ ግዜ’ቲ ደረፍቲ ካብ ሱዳን ኣዚዞም የምጽኡ ኔሮም። ብዘይካ እዞም ዝበልኩኻ ኣሕመደል ሙስጦፋ ዝበሃል፡ ሰይድ ኸሊፋ ዝበሃል’ውን ይፍተዉ ኔሮም ኣብ ኤርትራ። “እዘየኩም” ገለ ዝብል ደርፍታት ኣዝዩ ፍትው ነይሩ ሽዑ። ብኸምዚ እናኸደ ድማ ማሓመድ ወርዲ ይመጽእ፡ ናይ ትግርኛ እዉን ኣብ እንዳ ሻሂ ገለመለ ክስማዕ ጀሚሩ። ናይ በዓል ኣቶብርሃን ሰጊድ ናይ ተወልደ ረዳ ናይ በዓል ጃብር፡ ናይ ግርማይ ሰለሙን’ውን ”ኣነን ንስኽን ንስኽን ኣነን” ትብል ጽብቕቲ ደርፊ ኔራ። ናይ ተወልደ ረዳ ድማ “ገምገም ባሕሪ፡ ኮፍ ኢለ ኣብ ሑጻ” ገለ ዝብላ ደርፍታት ኔረን። በብዓይነቱ’ዩ ነይሩ ሽዑ። ጓይላታት እዉን ምስኡ ይወጽእ ኔሩ፡ ደስ ዘብል እዩ ኔሩ።
ናይ ኣቶብርሃን” ዋይ ትግምባረይ፡ ዋይትዕድለይ ብሰንኪ ፍቕርኺ ኣልኮል’ዩ ቀለበይ” ካልእ እዉን ኔራ ደስ ትብለኒ፡
“ሓቂ ኣበይ ኣሎኺ ክደልየኪ! ሓቂ ሓቂ ክልተ ፊደላ…..”
ሕጂ ኩሉ ተሓዊሱ፡ ምስ’ቲ ኣብ ናይ ሱዳን ደርፍታት ዝነበረኒ ስምዒት፡ ከምኡ’ውን ናይ ኣምሓርኛ፡ ናይ ብዓል ጥላሁን ገሰሰ፡ ናይ ኣለማየሁ እሸቴ፡ ናይ በዓል መንግስቴ፡ ዳሕራይ ማሕሙድ ኣሕመድ መጺኡ፡ ኩሉ ምስ’ቲ ናይ ህንዲ ፊልም ንርእዮ፡ ናይ ዌስተርን ኣብ ቃኘው ስተሽን ንሰምዖ ዝነበርና፡ ናይ በዓል ኤልቪስ ፕረስሊ፤ በዓል ሳም ኩክ ዝነበረ፡ ሽዕኡ ናይ በዓል ሊትል ሪቻርድ፣ በቲ ናይ ጥልያን ደርፍታት ናይ ዶመኒኮ ሞደኖ፡ ሞራንዲ ገለመለ እዚኣቶም፡ ሪታ ባቦኒ ዝበሃሉ ናይ ጥልያን ነይሮም። እዚ ኹሉ ተሓዋዊሱ ትምህርቲ ኮይኑኒ ንዓይ ክብለካ እኽእል ። ምኽንያቱ ምስማዕ ንባዕሉ ትምህርቲ’ዩ።
ደሓር ናብ ትግርኛ ዘምቢለ፡ ናተይ ክፍትን ጀሚረ። ወዲ ዓሰርተ ዓመት ምስ ኮንኩ ግጥሚ ምጽሓፍ ጀማረ። ሽዑ ወዲ ዓሰርተ ሓደ ዓመት ከም ሰርዓት ድሓን ዝኾነ ግጥሚ ክገብር ጀሚረ። እቲ ቅድሚኡ ጀሚረዮ ዝነበርኩ ሓጊዙኒ። ድሓር ወዲ ዓሰርተ ክልተ ዓመት ”ፍቕሪ ዕውር ኣሚነ” ትብል ደርፊ ጽሒፈ። ቅድሚአ ግን ካልእ ነይራ ዘይደረፍኩዋ።
“ፍጹም ኣይገድፋን’የ ፍቕራ’ዩ ማርኹኒ ጸላእየይ እዩ ሕደጋ ዝብለኒ” ገለ እያ ትብል ነይራ፡ ኣይደረፍኩዋን ኣለኹ ጌና። ኣይቀዳሕኩዋን።
ፍቕሪ ዕውር ኣሚነ ሽዕኡ እቲ ግጥማ ብቐሊሉ ዝተሓዝ፡ እቲ ህርመታ ድማ ዉዑይ ሰለ ዝነበረ፡ ኣብ ፓርቲ ተዓዲመ እንተ ኸይደ ድረፈልና ይብሉኒ ነይሮም። ህርመታ ከም’ዚ ናይ ትዊስት ስለ ዝነበረ ደስ ትብሎም። ኣምፕሊፋየር እንተረሲና እሞ ሙዚቃ ጠጠው እንተኢሉ “ንዓ ዑስማን በጃኻ ኣስምዓና” ይብሉኒ፡ ነቶም ሱዳን ጥራይ ክደርፍ ዝፈልጡኒ ዝነበሩ፡ ናይ ትግርኛ ድማ ከስምዖም ጀሚረ።
“ኣፍቅራና ኣፍቅራና ኢልናየን ኣብየናና” ትብል ሓዳሽ ናይ ኣብራሃ ገብረትንሳኤ ደርፊ ሽዑ ጽቡቕ ተወርያ ኔራ። ኣነ’ዉን ፈትየያ እደርፋ ከኣ ኔረ።
ኣልኣሚን ድማ ሽዑ፥
”ህልኽ ድዩ ሓፍተይ ናትክስ ወይስ ፍቕሪ፡
እሞ ንቡር ድዩ ከም’ኡ ንኽትገብሪ፡
መስጣይ ድ ኣ ይውረድኪ ካብ ልዑል ፈጣሪ፤፡
ትማሊ ምሳይ ነይርኪ ሎሚ ትቕየሪ” ትብል ደርፊ ጌሩ። ጥዑም ደርፍታት ነይሩ።

ሕጂ ከምዚታት እናበልኩ “ ፍቕሪ ዕዉር ኣሚነ” ትብል ደርፊ የስምዖም’ሞ፡ እተን ኣዋልድ፡ ክልተ ሰለስተ ግዜ ምስ ደረፍኩዋ ፡ ፍቕሪ ዕውር ኣሚነ ክብል ከለኹ ምሳይ ክደርፋኣ ጀሚረን ድሮ ኣጽኒዔናኣ። ሕጂ ነገራት ከምዚ ከሎ “ናብ ማ.ት. ኣ ዘይትጽሕፍ ገለ ኢሎም ደፋፊኦሙኒ ሰባት” ደብዳቤ ጽሒፈ፡ ማ.ት.ኣ ድማ ከም ደራፋይ ተቐቢሎምኒ። ነታ ዓንቶቦይ ዝበልኩኻ ደርፊ ”ፍጹም ኣይገድፋን’የ ፍቕራ …” ትብል ደርፊ፡ ናተይ ኣለኒ ኢለ፡ ምስቲ ድሩፍ ደርፊ ሓዊሰ ናተይ ደሪፈሎም። ኣነ ናተይ ሓዳስ ደርፊ ኣስሚዐዮም ብዙሕ ተሓጒሶም በቃ። ንሳቶም ከእትውኒ እዩ ነይሩ መደቦም፡ ግን “ኣቡኡ ሓጂ ዓብደልረሒም’ዩ ኣብ መንግስትን ህዝብን ድማ ተሰማዕነት ስለ ዘለዎ፡ የስግኣን’ዩ፡ ከሲሱ’ዉን ጠጠው ከብለና’ዩ” ኢሎም፡ “ስግኣት ብስድራኻ ሰለ ዘሎና፡ ደብዳቤኻ ንግዚኡ ውንዝፍቲ ኮይና ንኽትጸንሕ’ያ” ኢሎምኒ። ሕጂ ኣነ ሓርቐ፡ ዋይ ኣነ ዋላ ነጸላ ኣይተወንዘፍኩ ዋላ ገለ ኢለ ሓርቐ።
ሽዑ በጋጣሚ ወዲ ሓትነይ ካብ ኣዲስ ኣበባ ክምርዖ መጺኡ። ሕጂ ክደርፍ ምስ ሰምዓኒ ተሓጒሱ
“ኣንተ ምን ትሰራለህ እዚህ ከኔ ጋር እንሂድ “ ኢሉኒ
ኣነ ድማ “ እሺ እሄዳለሁ “ ኢለዮ።
“ጥሩ ዘፋኝ ትሆናለህ እዛ ኣዲስ ኣበባ” ኢሉኒ። (ኣዲስ ኣበባ ክወስደካ እየ ኣብኡ ንፉዕ ደራፋይ ክትከዉን ኢኻ እዩ)

ሽዑኡ ክረምቲ’ዩ ኔሩ። ናብ ኣዲስ ኣበባ ድማ ብ1964 ከይደ። ኣብ’ቲ ግዜ’ቲ ወዲ 15 ዓመት ኮይነ ከለኹ፡ ንመጀመርያ ግዜ አብ ቀዳማዊ ሃይለስላሴ ኣብ መድረኽ ዝደረፍኩዋ “ ፍቕሪ ዕውር አሚነ” ትኸውን ኣላ ማለት እዩ።

 

“ኣቦይ ዓብደልረሒም ንዑስማን ሙዚቀኛንክኸዉን ብዙሕ ይድግፍዎ ኣይነበሩን” ዝhqdefaultበሃል ዘርባ ተደጋጊሙ ይስማዕ እዩ፡ ከምኡ ድዩ እቲ ሓቂ? እቲ ናይ ማ.ት.ኣ. ስግኣት ከ ካብይ’ዩ ዝብገስ?

ኣቦይ ኣብ’ቲ ዓዲ ፍሉጥ’ዩ ነይሩ። ኣብ ዕዳጋ እኽሊ እንዳ ንግዲ ስለ ዝነበሮ፡ ካብ ምሉእ ኤርትራ ክሳብ ተሰነይ ጫፍ ክሳብ ሑመራ፡ ናብ ኣቦይ መጺኦም’ዮም ዝተዓማመሉ ኔሮም። ኣብ ዕዳጋ እኽሊ ኣዝዩ ፍሉጥ ነጋዳይ እዩ ኔሩ። ኢንፖርት ኤክስፖርት ዝነበሮም ዓበይቲ ነጋዶ፣ ዋላ ካብ ኦፊቺኖ ኮመርቾ፣ ካብ ፖሊስ፣ ምንቹብዮ ‘ሞ ግደፎም ናብ ኣቦይ በብስርሖም ዘይመጽእ ኣይነበረን፡ በዚ ዝኣክል ይኽበር ኔሩ። ናይ ማ.ት.ኣ ስግኣት እዉን ካብዚ እዩ ዝብገስ ዝኸዉን፡ ይኹን እምበር ኣቦይ ኣብቲ ግዜ እቲ “ደረፍቲ ዓዋሉ እዮም” ይበሃል ስለ ዝነበረ ከም ኩሉ ወላዲ ከይዕዉል ካብ ዝብል ስግኣት እዩ ከምኡ ጌሩ። ብነብሱ ድማ ኮንሰርቫቲቭ እዩ ኔሩ። ሓደ ሰብ ኮንሰርቫቲቨ እንተ ኮይኑ ድማ ኮንሰርቫቲቨ እዩ።

እሞ ኣብ ማ.ት.ኣ ኣይቀጸልካን ማለት ድዩ?

ሽዑ እንታይ ጌሮም ማ.ት. ኣ፡ ነታ ዝበልኩኻ ደርፊ “ፍጹም ኣይገድፋን እየ ፍቕራ እዩ ማሩኹኒ” ትብል በሽር ኑር ዝበሃል ሕጂ ኣብ ኣመሪካ ኣሎ፡ ካብ’ቶም ሳዕሳዕቲ ናይ ማ.ት.ኣ ምስ በዓል ሃይለ ወደ’ለፈሽ ዝበሃሉ ዝነበረ እዩ፡ ንሱ ነታ ደርፊ ፈትይዋ ደሪፍዋ እዉን። ግጥምን ዜማን ናይ ዑስማን ኢሉ፡ ሽዑ ኣዲስ ኣበባ ኣይከድኩን ኣብ ኣዳራሽ ከም ተዓዛቢ ኮፍ ኢለ ኔረ፡ ናይ’ዛ ግጥምን ዜማን ደራሲ ዑስማን ዓ/ርሒም ኢሎም ነጊሮሙለይ። ግን ድምጹ ብዙሕ ብቕዓት ኣይነበሮን ግዲ ኮይኑ እታ ደርፊ ክትዉረየሉ ኣይከኣለትን።ንሱ እዉን ከም ደራፋይ ክቕጽል ኣይከኣለን። እታ ደርፊ ግን ናይ መጀምርያይ ስለ ዝኾነት ኢንሻላህ ኣብ ዝጠዓመኒ ግዜ ክገብራ እየ።

ብደሕሪ እዚ ኣዲስ ኣበባ ኬድካ እንታይ ጌርካ?

ኣብኡ “ፍቕሪ ዕዉር ኣሚነ” ትብል ደርፊ ደሪፈ። ዘይተጸበኽዎ ብዙሕ ኣድንቖት ረኺበ። ጽቡቕ ዕድል ኮይኑ ድማ ተሌቭዢን ናይ ኢትዮጵያ ሽዑ ጀሚራ። በዓል ምንሊክ፡ በዓል ጠለላ ዝበሃሉ ናይ ሽዑ ፍሉጣት ደረፍቲ ሐሓሙሽተ ገለ ደርፍታት እናሃለዎም፡ ኣነ ሓንቲ ደርፊ ሒዘ ጽቡቕ ከንጸባርቕ ክኢለ። ሽዑ “ካልአይቲ ደርፊ በል ከነጽንዓልካ” ኢሎሙኒ “ከም ዓለባ ሳሬት” ትብል ደርፊ ሂበዮም ኣጽኒዖሙለይ፡ ኣብ ተሌቭዢን ተቐዲሓ ማለት እዩ። ንሰን ጥራይ ዘይኮና ኣብ መፋርቕ ናይ 1969 “ኣቲ ትሃድምኒ ከም ዑፍ በራሪት፣ ብስልኪ ምልላይ” ዝብላ ድማ ኣብ ስቱድዮ ቐዲሐየን። ኣብ ቲቪ ከኣ ተቐዲሐን ኣለዋ። “ትነብር ኔራ ቆጸራ ጠሊማ” ትብል ደርፊ ከኣ ሽዑ ደሪፈ። ንሳ ግን ኣብ ረድዮ እምበር ኣብ ቲቪ ኣይተቐድሐትን። ምስ ማ.ት.ኣ ደሪፈየን ከብቅዕሲ ኣብኡ ከይደ ድማ ደጊመየን።

ሕጂ እዘን ክትጠቕሰን ዝጸናሕካ ደርፍታት፡ ግጥመን ዋላ ዜምአን ኩለን ብሉጻት እየን፡ ኣብ’ቲ እዋን እቲ ግጥሚ ዋላ ዜማ ከመይ ኢኻ ትሰርሖ ኔርካ? እንታይ እዩ እቲ ምስጢር ጽባቐ ናይዘን ደርፍታት?

መጻሕፍቲ ናይ ዓረብ የንብብ ኔረ። ኣብ ናይ ዓረብ ትምህርቲ እዉን እየ ተማሂረ፡ ኣብ ትምህርቲ ድማ ንፉዕ ተመሃራይ እየ ኔረ። ቀዳማይ ብልጫ እየ ዝወጽእ ኔረ። ሕጂ ኣብ ገዛና ካብ ግብጺ ዝመጽእ ዝነበረ ናይ ዜና መጋዚናት ኔሩ ኣቦይ ዘምጽኦ፡ ሕጂ ንዑኡ እናምበብኩ፡ ናይ ምንባብ ፍቕሪ ኣሕዲረ።ሓወይ ከኣ ከንብብ ይደፋፍኣኒ ኔሩ። ካብ’ቲ መጻሕፍቲ ንሓንሳብ ኣርእስቲ እወስድ፡ ንሓንሳብ ሓሳባት እወስድ፡ ዳሕራይ ኣዕሩኽተይ ብዛዕባ ሂወቶም ገለ ዘዘንተዉለይ እዉን ንሱ ናብ ግጥሚ እቕይሮ። እቲ ስእላዊ ድርሰት ዝደርሶ ዝነበርኩ ገሊኡ ኣብ ሓቀኛ ዛንታ እተመርኮሰ እዩ።

ኣብዚ ግዜ እዚ ብዙሕ መወከሲ ዝኸዉን ነገራት ከሎ፡ እቲ ቴክኖሎጂ እዉን ኣብ ጥርዙ በጺሑ ብዙሕ ኣናበርከተ ከሎ፡ እቲ ኣብ ግዜኹም ዝነበረ ግጥምታት ኩሉ ‘ኳ ተዘይበልና መዛሕትኡ ዝሓየለ ኔሩ ንኣብነት ሓንቲ ካብ ግጥምታትካ ብቐሊሉ ኣብ ሓሳብ ናይ ሰብ ክመጽእ ይኽእል እዩ ብዘይትብሎ ቃላት ተተኽቲኻ፡ ብብልጹነታ ድማ ግዜ ኣልቦ ኮይና ንረኽባ፥ ንሳ እንታይ እያ ትብል፥

“ዝሓበጠ ሳንቡአይ ተተኲሱ ነዲዱ
ሰዉነተይ ማሲኑ ኣካለይ ተላቢዱ
ጠቐር ተኸዲኑ ገጸይ መሲለ ጸለሎ
ልበይ ምድረበዳ ኮይኑ ፍቕሪ ዘይቦቕሎ።”

“ኣካለይ ተላቢዱ” ብቐሊሉ ዘይትረኽቦ ቃል እዩ “ለበዳ ዓሶ ወይ ምስ ካልእ ሕማማት ዝተኣሳሰር ለበዳ ትሰምዕ ኢኻ። ኣካለይ ተላቢዱ ግን ሓያል መግለጺ እዩ?

ድሕሪ ምልባድ ከ እንታይ ይመጽእ ይመስለካ? ንሓዊ ከማን ተላቢዱ ሙሽ ይበሃል እዩ፡ ድሕሪ ምልባድ ጽልም ስለ ዝብል ጠቐር ተኸዲኑ ገጸይ፡ መሲለ ጸሎሎ፡ ልበይ ምድረበዳ ኮይኑ ፍቕሪ ዘይቦቕሎ።
ሕጂ ኣብዚኣ ሓንቲ ሓበሬታ ክህበካ፡ ሓደ እድሪስ ዝበሃል ዓርከይ ኔሩ፡ እታ “ልበይ ምድረበዳ ኮይኑ ፍቕሪ ዘይቦቕሎ።” ትብል ሓረግ ካብኡ እየ ወሲደያ። ግጥምታት ኔርዎ ንሱ፡ ንፉዕ ኣንባባይ እዉን እዩ ኔሩ። ሕጂ ፍቕሪ ኔርዎ ምስ ሓንቲ ኣይኮነሉን ግን፡ ብኸምኡ እዩ ጽሒፍዋ ኔሩ። ነታ ሓረግ ክወስዳ ኣፍቂዱለይ ኣስፊሐያ ድማ “ዝሕው ኢሉ መዓንጣይ…” ኢላ እያ ትጅምር። ንሱ ተጋዳላይ እዩ ኔሩ ሕጂ ስዉእ።

ብፍቕሪ ምስራሕ? ምሉእ ኣድህቦ ምሃብ? ብሓባር ምስራሕ? እንታይ እዩ እቲ ምስጢር ናይዞ’ም ክንዲ ዕድሚኦም ዝዑምቀቶም ግጥምታት?

ካብ “ተዝፈልጥ ኔረ…” ትብል ደርፈይ ኣብ1965 ምስ በዓል “ድሕሪ ስቓይ፡ ድሕሪ ዚኩሉ ጸገም” ዝወጸት፣ “ዓለባ ሳሬት” ዉን ዋላ’ኳ ቅድም ኢላ ወጺኣ ተነበረት ኣብ 65 እያ ተደሪፋ።ደሓር ኣብ ከተማ ምጽዋዕ ኣብ 1966 ተደሪፋ፡ ኣብ ሪል ግን ቀልጢፋ ኣይወጸትን ኣብ 67 እያ ዝያዳ ተሰሚዓ ተወርያ። ኣብ ምሉእ ኤርትራ ተሰሚዓ ጽቡቕ ተቐባልነት ድማ ረኺባ። ሽዑ ንኣዲስ ኣበባ እዉን ስለ ዝኸድና፡ ኣብኡ እዉን ጽቡቕ ተሰሚዓ። 1968 ከኣ “ዝሕው ኢሉ መዓንጣይ” ኣብ 1969 ድማ “ትነብር ኔራ” ምስ ኣተን ከኣኒ በዓል “ኣብ ለምለም ሰፊረ፣ ጸላም ብሮት” ወጺኤን። ብሓፈሽኡስ ኣብ60ታትን 70ታትን እንተ ርኢኻ፡ ኣብ ምሉእ ዓለም ኣርት ሃብታም ኔሩ። እቲ ዝሕታለ ናይ ኣርት ሕጂ እዉን ኣብ ምሉእ ዓለም እዩ። ሕጂ ኣነ ናይ ልበይ ክነግረካ፡ ሙዚቃ ቁዱስነት እዉን ኣለዎ እኳ’ዩ። ሕጂ ቅሉዕ ናይ ዝምዉና ዝምባለታት እናኣርየ ምስ መጸ፡ እናተበላሽወ መጺኡ። ኣብዚ ግዜ እዚ ኣብ መብዛሕትኡ ደርፍታት ናይ ግጥሚ ቃላት ኣይኮንካን ተስተማቕር። ወይ ጥዑም ሙዚቃ ኣይኮንካን ትሰምዕ። ንዝሙት ዝዕድም ክዳዉንቲ ተኸዲንካ ሳዕስዒትን፡ ፍሉይ ናይ ሳዕስዒት ቅዲ ጌርካ ቀልቢ ሰማዕቲ ምስራቕ እዩ። ቀደም እቲ ተዓዛባይ ጽቡቕ ተኸዲኑ ናብ ኮንሰርትታት ይመጽእ ኔሩ፡ ሕጂ ግን እቲ ኮንሰርት ናብ ናይት ተቐይሩ።
ኣብዚ ንሕና እቶም ሙዚቀኛታት ንሙዚቃ ሃገርና ክብሪ ክንህቦ ኣሎና፡ ብኣና ክጅምር ኣለዎ። ንባዕላትና ድስፕሊን ጌርና ንህዝብና ድስፕሊን ክንምህሮ ይግባእ። መደባትና ናይ ኮንሰርት መልክዕ ከነልብሶ ኣሎና፡ ሰማዒና ካብ ኩሉ ዓይነት ሙዚቃ ክሰምዕ ኣለዎ። ዝሑል ሙዚቃ እንተ ጀሚርካ ኣብ መንጎ ጓይላ እንተ ጌርካ ተመሊስካ ዝሑል ከትስምዖ፡ ብቕልጥፍ ዝበለ ዘመናዊ ህርመት ከተሳዕስዖ እዉን ግቡእ እዩ። ሎሚ እቶም ሙዚቀኛታት ንባዕሎም “ጓይላ ተጻወት፡ ጓይላ እዩ ዝፈቱ ህዝብና” እዮም ዝብሉኻ ዋላ ዝሑል ክትጻወት እንተ ደለኻ። ስለ’ዚ ከምቲ ናይ ቀደም ሰም ኮፍ ኢሉ ኩሉ ዓይነት ሙዝቃ ከስተማቕር ዝኽእለሉ ባይታ ምፍጣር ኣድላይ እዩ እብል ኣነ። ንዜጋታትና ብባህሎም ክንምልምሎም ሓላፍነትና እዩ። ሰሪሕካ ገንዘብ ወሲድካ ምኻድ ጥራይ ክኸዉን የብሉን።

pq9tu9o6wmtrqm9hqllj

እዘን ደርፋታትካ ኣብ ግጥመንን ዜምአንን እንተ ተዛሪብና፡ ኣብ ምውህሃድ ምስ በዓል መን ኮይንካ ኢኻ ኣረንጅ ትገብሮ ኔርካ?

ዓቕሊ ጽበትን፡ ኣይፋልክን ግርህነተይን፡ ምስ ዘርኣይ ደረስ በዓል ዓብደላ ኣቡበከር ዘለዉዎ እየ ገረየን። ኣብኡ ዓብደላ፡ ሚኪኤል ወዲ ሪኮ ኔሮም። እተን ሶሎ ናይ ጊታራ ወዲ ሪኮ እዩ ጌርወን። ከም’ቲ ትፈልጦ ብኣረንጅመት መሸም ንዓብደላ ዘርክብ የልቦን። ብጣዕሚ ዘዕግበካ እዩ ናይ ዓብደላ። ብሓፈሽኡ ናይ ሓባር ስራሕ እዉን ስለ ዝነበረ ኩሉ ነናቱ ሓሳባት ይዉስኽ እቲ ስራሕ ከኣ ብኡ መንጽር ይጽብቕ።
ኣብ ማ.ት.ኣ ግን ተወልደ ረዳን መምህር ኣስረስን እዮም ዝያዳ ዘማእክሉ። ጃብር ማሕሙድ እዉን ባንድ ሊደር ከምኡ እዉን ድራመር ስለ ዝነበረ፡ ኢዱ ይሕዉስ እዩ። ዝያዳ ግን ምስ ተወልደ ረዳን መ/ም ኣስረስን ኮይንና ኢና ንገብሮ ኔርና ጽቡቕ ከኣ ይመጽእ ኔሩ እቲ ደርፍታት።

ስለ’ዚ ካብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ተመለስካ ኢኻ ምስ ማ.ት.ኣ ተሓዊስካ ማለት እዩ?

እወ ሓንቲ ዓመት እያ ግን እታ ምስ ማ.ት.ኣ ዝነበርክዋ። ደሓር ሮኬት ትበሃል ባንድ ኣነ ሃይለ ገብሩ፡ ተኽለ ተስፋዝጊ፡ ማሓሪ ኣብራሃ (በዓል ወይዘሪት ኪታራ፡ መፍትሕ ልበይ) ገለ ዝደረፈ፣ ዘርእዝጊ እዉን ኔሩ። ኮይንና መስሪትና። ቅድሚኡ ግን ምስ ማ.ት.ኣ ኮይነ እዛ “ቅርኒብ ዓይና ኣዉዲቓትለይ ዘዝዉር ንኣእምሮ” ትብል ደርፊ ጌረ። ሽዑ ድማ ኣቶብርሃን ሰጊድ ናተይ ክልተ ደርፊ “እባሳጮ ኣለኹ ብንኡሰይ ከለኹ” ከምኡ እዉን “ንዘልኣለም ትምኒተይ ዝነበረት” ዝብላ ደርፍታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ መጺኡ ከሎ ስለ ዝፈተወን “ዑስማን ወደይ እዚኤን ፈትየየን ኣለኹ ክትህበኒ ኢኻ” ኢሉኒ። ኣያይ፡ ኣቦይ ክነሱ ብኽብሪ ሓቲቱኒ፡ ሙሽ ከም’ዞም ካልኦት ምንጥል ኣቢሎም ዝደርፉ! ሽዑ ኣብ ሓደ ምርኢት ናይ ማ.ት.ኣ ኣርኣያ በላይ ግጥምን ዜማን ናተይ ምዃነን ኣቃሊሑ ኣቶብርሃን ደሪፍወን። ሽዑ ኣነ ንመጀመርያ ኣብ ናይ ማ.ት.ኣ መድረኽ ዝደየብኩሉ እዩ ኔሩ፡ ናተይ ደርፊ ብኣቶብርሃን ክድረፍ ድማ ክብሪ ተሰሚዑኒ።

ኣብርሃም ገብረመድህን ዝበሃል ኢትዮጲያዊ ደራፋይ ነታ “እባሳጮ ኣለኹ” እትብል ደርፊ ኣብ ሲዲ ጌርዋ ክነሱ፡ ዋንነታ ግን ኣይገለጸን ‘ተዘይተጋግየ።

እወ ንሓደ ዓርኩ ኣብ ኣዉስትራሊያ ረኺበ ነጊረዮ ኔረ፡ መእተዊ እዉን ኔርዋ ቆሪጹላ ጽቡቕ ኣይመጸትን። ክቕጽለልካ ካብኡ ቁሩብ ጸኒሔ ኣነ ወጺኤ ማለት እዩ ካብ ማ.ት.ኣ፡ ከምቲ ዝበልኩኻ ሮኬት መስሪትና። ብድሕሪኡ በዓል ዓብደላ ምስ ሃይለ ኮይኖም ዘርኣይ ደረስ ክምስርቱ ከለዉ፡ በዓል ተኽለ ተስፋዝጊ ካብ ሳባ ባንድ “ብላክ ሶል” ትበሃል ባንድ መስሪቶም። ኣነ ሽዑ ንነብሰይ ርእየያ ክዓቢ እንተ ኾይነ ኣብ ማ.ት.ኣ ኮይነ ከም ዝዓቢ ኣሚነ፡ ማ.ት.ኣ እያ ተዋጻኒ ኢለ። ናብኣ ተመሊሰ። ሽዑ ነዊሕ ምስ ማ.ት.ኣ ተጓዒዘ። ዝሕዉ ኢሉ መዓንጣይ፣ ትነብር ኔራ ገለ ምስኦም ደሪፈዮ።
ነፋሒቶ ተዝኸዉን፡ ኣደይ ዝብላ ደርፍታት ድማ ምስ ፍላይምስ ባንድ በዓል ኣኽሊሉ ዳኒኤል ዝነበርዋ ተስፋልደት ኣብርሃም ጊታራ ይጻወት ኔሩ፡ ደሓር እዉን ምስ ደሃይ ባህሊ ኤርትራ ኣብ ሱዕድያ ይጻወት ኔሩ፡ ተስፋንኬል ቀለታ፡ ሕጂ ኣብ ኣብ ናይ ማዕድን ዘሎ፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣዝዩ ንፉዕ ጊታሪስታ ኔሩ፡ ሓዉ ዓቢ ገብሪሂወት ቀለታ ከኣ ኣኮርድዮን ሒዙልና ምስ እዚኣቶም እየን ተቐዲሐን።

እቲ ዕላል ክንዮ እዚ ምኸደ ንሎሚ ኣብዚ ይኣኽለና፡ እቲ ካብኡ ዝቐጸለ ክፋሉ ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ክንቅጽሎ ተስፋ ኣሎኒ፡ ንግዜኻን ንምቑልልነትካን ኣዝየ አመስግነካ አቐንየልይ ዑስማን።

ኣነ እዉን አመስግነካ።

ሃብቶም ደበሳይ ጥሪ 2014

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous ArticlePrevious Post
Next Article ዘሎ ተክኖሎጂ ንጠቐመሉ ናብራና ክማሓየሽ
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?