Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Tuesday, June 17, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»ዝባን ጥበብ»ውልቃዊ ገምጋም ደርፊ ክሊፕ፡ “ስደት”

ውልቃዊ ገምጋም ደርፊ ክሊፕ፡ “ስደት”

0
By Mekonnen T. on March 20, 2016 ዝባን ጥበብ
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

AMAN TEKESTE W.

ደርፊ፥ ስደት (2016)
ድምጻዊ፥ ሮቤል ሚካኤል
ሕደማ (ግጥሚ)፥ ተስፊት ዮሃንስ
ኣቕራቢ፥ LYE.tv

መራግእቲ፤ ሓደ ስነ-ጥበባዊ ዕዮ፥ ደርፊ ይኹን ስነ-ጽሑፍ፡ ፊልም ይኹን ድራማ፡ ግጥሚ ይኹን ቅብኣ፡ ስነ-ቅርጻ ይኹን ስነ-ህንጻ (ኣርኪተክቸር) — ጽባቐ ወ ሓቂ ዘጣመረ እዩ። ሓቂን ጽባቐን ኣይነጻጸላን እየን ኣብ ስነ-ጥበብ፡ እኳ ደኣ ተወሃሂደን ሓደ ዝልለ መልክዕ ህይወት (ስራሕ) ዝካየደሉ’ዩ — ስነ-ጥበብ። ስነ-ጥበብ፡ መትከሉ ዘይተመናንሀ ሓቂ፡ ጽባቐ፡ ስምዒት ምቅራብ ኢዩ። እዚ ክሳብ ዝኾነ ከኣ ነዚ ጽባቐ ንምጭባጥ ብመንገብገብ ቅንዕና፡ ንጽህና፡ ብልሒ /ጥበብን ክጓዓዝ ኣሎዎ። ኮነ ተገብረ፡ ግዝያዊ፡ መብከዪ ዘቅርብ ዘይኮነስ ኣድማሳዊ ቃና ሒዙ መንፈስ ከሐድስ፡ ህይወት ከሐድስ፡ ኣተሓሳስባ ከሐድስ፡ ንያት ከበርኽ … ዘኽእል ብቕዓት ወኒኑ ከም ራእይ ክመርሕ ክኽእል ኣሎዎ። ኣብ ዕምቈት ስነ-ጥበብ ንዘሎ፡ ስነ-ጥበብ ከም ፍልስፍና ህይወት እዩ።
ስነ-ጥበብ፤ ጽባቐኡ ርቀት ኣመሓላልፋ መልእኽቱ፣ ዘሕድሮ ተምሳጥ፣ ዝፈጥሮ ጽሬት መንፈስን ህይወትን፣ መሃዛዊ ኣሰራርሓኡ፣ ዝዝርግሖ ራእይ፡ ሰብኣውነት፡ መበቈላውነት፡ ኣድማሳውነት፡ ገስጋሲ ባህርያቱ፡ ብስእለ-ኣእምሮን ገምርን ተዳልዩ ዝፍጠር ሓሳብ /ኲርናዕ ርእየት … ወዘተ. “ምልኣት” ፈጢሮም ንውሽጢ ኣስተማቓሪ ፍስሃ ወ ባህታ ይህቡ።
ከምቲ ቅድሚ ሰሙን ብዛዕባ “እሙን ዓርከይ” እትብል ናይ ሳንድሮ ደርፊ ክሊፕ ብዓይኒ ቴክኒካዊ ርቀት ዝረኣኹዋ፡ እዛ ደርፊ’ውን ኣብ ግጥማ፡ ተኣማንነት ቴማኣ፡ ቴክኒካዊን ስነ-ጥበባውን ብቕዓታ ኣሕጺረ ክህይሳ እየ።
ደርፊ ክሊፕ ‘ስደት’ ንምህያስ ኣብ ኣርባዕተ ማይ-ቤታት ከፋፊለ ከቅርብ’የ፤ 1ይ) ሕደማ /ግጥሚ ደርፊ፣ 2ይ) ቴክኒካዊ ርቀት ክሊፕ፣ 3) ቴማን ተኣማንነቱን፣ 4) መደምደምታን ውልቃዊ ገምጋመይን።

1) ሕደማ /ደርፊ ግጥሚ፤ ደርፊ ‘ስደት’ – ሓደ ብንእስነቱ ናብ ስደት ዝኸደ’ሞ ዕድሚኡ ኣብ ስደት ዘሕለፈ፡ ድሕሪ ነዊሕ “ስደት መወድኢ ዕድመ … ናብ ዓደይ ዘይትመልሰኒ” ኢሉ ዘስተማስል ወይ ዝቊዝም ገጸ-ባህርይ ሒዛ እትዝየም እያ። እዛ ደርፊ ናይ 2016 ምስ ምዃና፡ ብኣዝዩ ንጹር ካሜራ ብምስራሓ ካብዘን ክትርእየን ደስ ዝብላኻ ‘ክሊፓት’ እያ። ብዓቢኡ ምስዚ ዘሎ ህሉው ኩነታት፡ ከምቲ ደራሲ በየነ ዝብሎ ‘ብምስሊ ቃኤል ዝልለ ኤርትራዊ ወለዶ’ ዲያስፖራ፡ ዝኸይድ ትሕዝቶ ስደት ብምሓዛ ሰሓቢት የምስላ። ናብታ ሕደማ (ግጥሚ ደርፊ) ምስ እንሰግር፤

*- “ስደት በላዒ ዕድመ /ኣበይ ክኽእለካ ገጢመ /ብናፍቖት ኣዒንተይ እናፈሰሳ /ነበርኩልካ’ባ ከምዛ ዋዛ” — እታ ደርፊ በዘን ነግሕታት ትጅምር። ኣብ ስደት፡ ምስ ክብደት ናብራን ናፍቖትን ከምዛ ዋዛ ንነዊሕ ከም ዝነበረ ኢዩ። ዛንታ ታሪኽ ወዲ-ሰብ፡ ዛንታ ስደትን ከርተትን እኳ እንተዀነ፡ እዚ ገጸ-ባህርይ ዕድሚኡ ኣብ ስደት እናተበልዐን ምስ ስደት ብድሎ ገጢሙ ክኽእሎ ካብ ዘይከኣለን፡ እንታይ ደኣ ኮይኑ ሽግሩ ዘይፈትሐ (ናፍቖትን ክብደት ስደትን) ዝብል ሕቶ ይቕጀለካ’ሞ ምስማዕ ትቕጽል።

*- “ስደት … ኣንታ ሸለብ ገለብ (2) /እንታይ ገበርኩኻ እህህታ ትኸልእ /ብርእሰይ ብእግረይ ካብ ትሕዘኒ /ናብ መረበተይ ግዳ ዘይተፋንወኒ።”
ንስደት ‘ሸለብ-ገለብ’ ምባሉ ጽቡቕ ውክልና ሂብዎ ኣሎ። ኣብዛ ግጥሚ ካብ ፋልማያ ንስደት ከም ሓደ ሂወት ዘሎዎ ኣካል ወሲዱ ማዕረ ‘ኣበይ ክኽእለካ ምሳኻ ገጢመ /ብኢደይ ብእግረይ ካብ ትሕዘኒ ናብ መረበተይ ግዳ ዘይተፋንወኒ’ ይብሎ ኣሎ። ንስደት ከም ሓደ ቀያዲ ዓርሞሽሻዊ ፍጥረት መሲሉዎ፡ እዚ መሰሌታ (Personification) ካብ ቀመማት ስነ-ጥበብ ምዃኑ ጽቡቕ ሜላ’ዩ። ክሳብ’ዚኣ ህሞት እቲ ሳዕቤን እዩ ዝነግረና ዘሎ፡ ጠንቂ ንስደት ዘስደዶ ምኽንያት ኣይጠቐሰን፣ ስደት እንታይ ኮይኑ ቀፊዱ/ቀይዱ ሒዝዎ ኣሎ ኣይሓበረን፡ ማለት ዝኾነ ስእሊ ኣይሃበን። ምናልባት ነዚ ዘይተመለሰ ሕቶታት እንተ መለሰ ምስማዕና ክንቕጽል።
*- “ኣበይ ንፋለጥ ኣነን ንስኻን /ከመይ’ልና’ሞ ሓደ ምዃን /ኣነስ ዓደይ ደኣ ዓደይ’ያ ዓለመይ /ማያን ሓመዳን፡ ማይ ድጋመይ”
ምስ ስደት ባህርያዊ ምውህሃድ ክህልዎ ከም ዘይከኣለ በታ “ከመይ’ልና’ሞ ሓደ ምዃን” እትብል ሓረግ ሓቢሩ’ሎ። ጸኒሑ ግን ጠንቂ ዘስደዶ ምኽንያት ከይሓበረ፡ “ዓደይ ደኣ … ዓደይ’ያ ዓለመይ /ማያን ሓመዳን ማይ ድጋመይ” ብምባል ንሳ’ያ ደኣ ዓለመይ ሂወተይ ዝብል ሓፈሻዊ ኣዘራርባ ኣብ ዲያስፖራ ዘሎ ኣዳሚጹ። “ዓደይ’ያ ዓለመይ!” ማሕረ! ዓዱን ህዝቡን ዘይፈቱ ዘሎ ኣይመስለንን፡ ብፍላይ’ኳ ኣብ ኤርትራውያን፣ ተመርዕያ ሕጹነታ ዘይወደአት ሃገር ስለ ዘላትና። ግና ስለምንታይ እዩ ንዘሎ ህሉው ኩነታት (ጠንቂ ስደት) ብውሑዳት መስመራት ክግለጽ ዘይተደልየ። ምናልባት ኣብቲ ኣዝማች ከይህሉ ንባብና ክንቕጽል።
*- “ጓህየይን ቃንዛይን መታን ከይረአ /ተቓሊሰካ .. ጭጓር ንውሽጢ ሓቢአ /ልበይ ብሕዝኑ ጉዳየይ ብኽዱኑ /ስደተኛ ካብ ዝብሃል ክንደይ ድዩ ኮይኑ” .. “ስ ደ ት … ሕ ሱ ም!”
“ስደተኛ ካብ ዝብሃል ክንደይ ድዩ ኮይኑ” … ወዘተ. ዘሎዉ ሓረጋት፡ ስለምንታይ ስእሊ ብዝህቡ ቃላት ዘይተነድቐ? ከምዚ ኩሉ ኤርትራዊ ይኹን ካልእ ስደተኛ ዝዛረቦ ቃላት፡ ብዘይ ዝኾነ ጻዕሪ ዝመጹ መስመራት ግጥሚ እዩ፣ ተራ (mediocre) ኣገላልጻ እዩ። ዝኾነ ስእሊ ናይ ስደት ኣይተፈጥረን ክሳብ’ዚ። “ልበይ ብሕዝኑ፡ ጉዳየይ ብኽዱኑ” – ብርግጽ ሕቡእ ኣገላልጻ’ዩ። ብኽድኑ ብሽፉኑ ኢላ እትትርኽ ደርፊ፡ ብእንግሊዝኛ ወይ ዓረብኛ ተርጒምካ ሓይላ ከመይ ክርደኦም ይኽእል?! ኣድማሳውነት የብሉን። ከም ስደተኛ ምዃኑ እንታይ እዩ ዘጸግሞ ዘሎ? “ጉዳየይ ብኽዱኑ” ዝብሎ ዘሎ ኣብቲ ዘለዎ ሃገር ምቅባል ድዮም ኣብዮሞ ወይ ካልእ ጉዳያት ኣሎዉዎ? ገጣሚ ብጽላሎት ፍርሒ ተጐልቢቡ ዝጽሓፋ ትመስል። ንኣብነት ክኾነና ግን ቅድሚ ከባቢ 30 ዓመት ዝተደርፈ ናይ የማነ ባርያ፡ ‘ዘመን’ እትብል ደርፉ ምስ እንፍትሻ፥ “መሬት ከም ዘይናቱ ኣትሪሩ ዘይረግጽ /ርእይቶ ዘይብሉ፡ ኣይምረጽ ኣይመርጽ” ዝብል ንረክብ፣ ካብዚ ስእላዊ ገለጻ ሰብኣዊ ናጽነት፡ ፍትሒ፡ ሓርነት ከም ዘይብሉ ክትርዳእ ይከኣል።
*- “ዘቃጽለኒ’ሎ ኣብ ልበይ፡ ሕምም ዝብለሉ /ኩሉ ግዜ ዓደይ እናበልኩ ዝጽልለሉ”
ዘቃጽሎን ዝጽለለሉን ጉዳይ፡ ጉዳይ ናፍቖት ዓዱ እዩ።
*- “ይሓስባ’ሞ ይጨንቀኒ፡ ይጥምታ’ሞ ትርሕቀኒ /ሽዑ ውሽጠይ ይናፍቕ፡ ይቖረኒ”
ኣብዚኣ ቊሩብ ትሓይሽ ትመስል እዛ ደርፊ። ሕቡእ መልእኽቲ ዝሓዘለ ወይ ዘውከአ (Allusion) ይመስል። ስደት ከም ዝመረሮ ብእዋኑ ብተራ ገለጻ ሓቢሩ፣ ክወሃሃዶ ፈቲኑ ምዃን ከም ዝኣበዮ ጠቒሱ። ኣብዘን ክልተ ነግሒ ከኣ ብኽድንታ /ብሽፍንታ “ይሓስባ’ሞ ትጨንቀኒ፡ ይጥምታ’ሞ ትርሕቀኒ” ኢሉ፣ ከም ስነ-ጥበባዊ ገለጻ ንኡድ እዩ፣ ንጹር መልእኽቲ ግን የብሉን።
*- “ዓደየ ወለሎ – ዓደየ ወለሎ /እዚ ፈቃር ልበይ ይናፍቐኪ’ሎ … ይናፍቐኪ’ሎ (x4)”
ኣብዛ ደርፊ ሓሓሊፍካ ዘለዋ ምውካእ፡ ሕቡእ መልእኽቲ እንተ ዘይኮይኑ ዳርጋ ብተራ ዘረባ ዝተሃንጸት እያ። ዕምቈት ቋንቋ ኣይሰማዕናን፣ ክብደት ስደት ብውስጠዛኣዊ ገለጻ ኣይመዘናዮን፣ ሕሰም ስደት ብስእላዊ ገለጻ ኣይረኣናዮን፣ ጠንቂ ስደት ይኹን ምኽንያት ንዓዱ ዘይመምለሲ ኣይበርሀን – ብሽፉኑ ተሓሊፉ። ህርመት ሙዚቃ ድማ ዝኾነ ፈጠራ ኣይነበሮን።
ሕደማ = C

2- ድርሰትን ቴክኒካዊ ርቀትን፤

2-1 ድርሰት ክሊፕ (ዳይሬክቲን፥ ትልሚ፡ ምከና፡ ኣልባሳት፡ ሜክ-ኣፕ፡ ኣወሳስኣ)፤
ዳይሬክተር ደራሲ ናይዛ ክሊፕ እዩ። ከም ደራሲ መጠን እቲ ትልሚ ወይ ዛንታ፡ ኣልባሳት፡ ሜክ-ኣፕ፡ ምከና፡ ኣወሳስኣ፡ ምንቅስቓሳት … ወዘተ. ይሕንጽጽ፡ ይመርሕ፡ የተግብር። ድርሰቱ ንምሕላው ድማ ምስ ሲነማቶግራፊ (ስነ-ካሜራን ብርሃንን)፡ ምስ ኤዲቲን (ኣርታዒ)፡ ምስ ኩሮያግራፊ (ስነ-ምንቅስቓሳት)፡ ምስ ክኢላ ድምጽን ኣቐናባሪ ሙዚቃን ኮይኑ ብቀረባ ይሰርሕ። ከም ደራሲ ክሊፕ መጠን ንዝኾነ ዝረአ ጌጋታት ብቐረባ ዝሕተት ኣካል’ዩ።
ኣብዛ ክሊፕ ክልተ ገጸ-ባህርያት ዝመስሉ ዓብን መንእሰይን ይረኣዩ እንተኾነ ግና ሓደ ገጸ-ባህርይ ኣኣብ ዝተፈላለየ እዋን ከም ዝኾኑ ብኽልተ ሕብሪ ቪድዮ ተሰንዩ ቀሪቡ’ሎ። እቲ ሕብራዊ ቪድዮ ንናይ ሕጂ ምከና ዝውክል ኮይኑ፡ እቲ ጻዕዳ/ጸሊም ቪድዮ ከኣ ናይ ቀደም ምዃኑ’ዩ። ምስቲ ጋግ ናይዞም ክልተ ሰባት ኣብዛ ቪድዮ ዝረኣዩ ኣነጻጺርካ እቲ ጻዕዳ/ጸሊም ተሳኢሉ ዘሎ ምከና፡ እቲ ገጸ-ባህሪ ንስደት ዘምርሓሉ ዘመን ናይ መወዳእታ ሰማንያታት ወይ ከኣ መጀመርያ ቴስዓታት ክንብሎ ይከኣል። ግጥሚ’ውን “ስደት በላዒ ዕድመ … ነበርኩልካ’ባ ከምዛ ዋዛ” ኢሉ ኣተንቢሁ ኣሎ። ናብታ ክሊፕ ምስ ንሰግር፡ ፋልማይ ክትዕዘባ ከለኻ ደሓን እኳ እንተ መሰለት፡ ኣስተብህሎኻ ምስ ተዕዝዝ፡ ጎሊሖም ካብ ዝረኣዩ ጉድለታት ንምጥቃስ፥
*- ኣብ 0፡43-0፡45 ደቓይቕ – መንእሰያት ንኤውሮጳ ንምስጋር ምድረ-በዳ ሳህራ ይኸድዎ ከም ዝነበሩ የርእየና። እዚ ገጸ-ባህርይ ኣብ መወዳእታ 80ታት ወይ መጀመርታ 90ታት ከም ዝሰገረ ገሚትናዮ፡ ግና ብሓቂ ነዚ መስመር ብመኪናን እግሮምን ይጥቀምሉ ነይሮም ድዮም? እዚ ናይ ሕጂ ወለዶ ከም መሰጋገሪ ይጥቀመሉ ብምህላዉ ደሓን ንሓፈሻዊ ውክልና ክጥቀመሉ’ዩ ደልዩ ትብል።
*- ኣብ 0፡49 ዘላ ባቡር ንናይ 80ታት ወይ ፋልማይ 90ታት ትውክል ኣይኮነትን። ቅድሚ 25-30 ዓመታት ክንድዚ ዝምግፍሑ ኤሌትሮ-መካኒካል ማዕጾ ባቡር ኣይነበረን። ሓሓሊፉ ንምከና ሰማንያታት ወይ ቴስዓታት ይውክል ኢዩ ተባሂሉ ከም ድሕረ-ባይታ ተኻቲቱ ዘሎ ዓይነት ህንጻታት፡ ዓይነት መካይን፡ ቴክኖሎጂያዊ ንብረታትን መሳርሒታት፡ ከተማ (ፍራንክፈርት) ንምስሊ 80ታት-90ታት ኣይፈጥርን እዩ። እዚ ብጻዕዳን/ጸሊምን ንርእዮ ዘለና ቪድዮ ኣዝዩ ምዕቡል ከተማ ምስ ቴክኖሎጂኡ ኮይኑና፣ ንቅድሚ 20-25 ዓመታት ትመስል ፍራንክፈርት እንተ ደልዮም ስለምንታይ ናብተን ንኣሽቱ ከተማ (ከም ማንሃይም፡ ቦን፡ ኑረምበርግ ይኹን ንኣሽቱ ሓውሲ ከተማ) ከይዶም ስእሊ ዘየልዓሉ? ብሓፈሻ ኣብቲ ናይ ቀደም ምከና ተመሪጹ ዘሎ፡ እቲ ፍረ ሓሳብ ጽቡቕ’ኳ እንተዀነ ግና “ውዱቕ ፈተነ ስራሕ” እዩ።
*- ኣብ 2፡18 ወይ 2፡27 ደቒቕ፡ እቲ ሓድሽ መንእሰይ ስደተኛ (ጌና ኣብ ናይ መወዳእታ 80ታት – ፋልማይ 90ታት ኢና ዘሎና) ንሓደ ሓበሻ መሰል ሰብ ረኺቡ ከዛርቦ ከሎ፡ እቲ ነባር ዝመስል ስደተኛ ‘ከመይ ዝበለት ሞባይል’ ኣብ እዝኑ ኣጸጊዑ ክድውል ወይ ክቅበል ትዕዘብ፡ እዋእ! ኣብ ናይ 80ታት ወይ ፋልማይ 90ታት ምከናስ ዘመናዊት ሞባይል?! ዝዓበየ ድኻም ዳይሬክተር።
*- ኣብ 2፡54 ደቒቕ እቲ ሓዲሽ ስደተኛ ተኸዲንዎ ዘሎ ጎልፎስ ደሓን ይኸይድ እዩ፣ እንተ’ቲ ወዲዎ ዘሎ ጫማ፡ ለቢስዎ ዘሎ ጂንስ ስረ ንናይ 80ታት ወይ 90ታት ኣይውክልን ኢዩ። ናይ 80ታት-90ታት ጂንስ ስረ ንምዝካር ኣብ ፊልምታት፡ ቲቪ-ድራማን ደርፍታትን ናይቲ ዘመን ምዕዛብ የድሊ። ኣልባሳት ኣብቲ ናይ ሕጂ ግዜ ጽቡቕ ይመስል፡ እንተ’ቲ ናይ ቀደም ዘመን ግና ድኹም ስራሕ ዝተራእየሉ’ዩ። (ናይ ቅድሚ 20-30 ዓመታት ዝነበረ ምዕባለ፡ ክዳን፡ … ወዘተ. ኣብ “ዩቱብ” ምዕዛብ ይከኣል)
*- ኣብቲ ደርፊ፥ “ስደት በላዒ ዕድመ … ነበርኩልካ’ባ ከምዛ ዋዛ” እናበለ ኣብቲ ቪድዮ ግና “ግዜ” ይኸይድ ከም ዘሎ ንምሕባር ናይ ክዳን፡ ሜክ-ኣፕ፡ ጥበብ ኣይተራእየን። (ብመገዲ ኤዲቲን ምናልባት እንተ’ሎ ከኣ ኣብ ማይ-ቤት ቊ3.2 ተወከስ)። ኣብቲ ደርፊ፥ “ተቓሊሰካ ስደት ኣይከኣልኩኻን” እናበለ፡ ኣብ ክሊፕ ግና ብዘይካ ርእስን ኣፍን ምሓዝ ካልእ ብድሆ ኣይረኣይን። እቲ ዓቢ ገጸ-ባህርይ ኣብ ገጹ ዘርእዮ ስምዒታት ደኣ ደሓን እምበር፡ ብሓፈሻ ናይ ምውሳእን ምንቅስቓስን ክእለት ኣይነበረን። እቲ ጋሻ ስደተኛ ጌና ሽዑ ካብ ባቡር ወሪዱ ሰባት እናደለየን እናጣየቐን ከሎ (ስደት ከየስተማቐሮ)፡ እቲ ደርፊ ድማ ‘ዓደይ ደኣ ዓደይ’ያ ዓለመይ፡ ማያን ሓመዳን ማይ ድጋመይ’ እናበለ ይዝይም። ውህደት ደርፍን ስእልን ጠቕላላ የለን፣ ውህደት ምንቅስቓስን ደርፍን የለን። ኣብዚ መዳይ’ውን “ውዱቕ ስራሕ” እዩ ተራእዩ። ገለ ካብ ዝስሕብ ጽቡቕ ውክልናታት፥ እቲ ዓቢ ገጸ-ባህርይ ኣብ ትሕቲ ዝነቐጸት ገረብ ኮፍ ምባሉ፡ ካብታ ገረብ ንቊጽ ቈጽለመጽሊ ምርጋፉ፡ ንሓንቲ ዝነቐጸት ዓባይ ቈጽሊ ኣልዒሉ ቈራሪጹ ዝፈጥሮ ምስሊ … ወዘተ. ጽቡቕ ነይሩ።
ድርሰት ክሊፕ = D

2-2) ቴክኒካዊ ርቀት — ሲነማቶግራፊ፡ ኤዲቲን፡ ኩሮያግራፊ፡ ምቅንባር ድምጺ፤

*- ሲነማቶግራፊ፡ ብልጸት /ንጻረ ቪድዮ፡ ዓቐን ብርሃን ወ ጸላም፡ ኣተኲሮ ካሜራ፡ ቅርበትን ርሕቐትን ኣወሳስዳ ካሜራ፡ ቴክኒካዊ ምትዕጽጻፍ ካሜራ … ወዘተ. ዝዓዪ ኣካል’ዩ ሲነማቶግራፊ። ኣብዛ ፊልም ዝተጠቐመሉ ዓይነታት ሾት Long, Extreme Long, Medium Long, Medium, Medium Close-up, Extreme close-up, Cut-in, Close-up ኣሎ፣ ኣቐማምጣ ገጸ-ባህርያትን ቦታታትን ኣብ ዓይኒ ካሜራ ንምእታው፡ ኣተኲሮ ንምሕባር … ወዘተ. ከከም ዓይነቶም የገልግሉ። ካብ ናይ 90ታት ዘመን ናብ ናይ ሕጂ ዘመን ከሰጋግረና (“ግዜ” ኣብ ስደት ይኸይድ ምህላዉ ንምሕባር) ፍሉይ ቴክኒክ ካሜራ ማለት ንኽልተ ዛንታታት ዚኣስር መላግቦ ስእሊ (Bridging shot) ክጥቀም ዝግበኦ ኣየተግበሮን። ፍሉይ ቴክኒካዊ ርቀት ኣይረኣናን።
*- እንተ ነቲ ዕድሚኡ ኣብ ስደት ዘብለየ (ዓቢ ገጸ-ባህርይ) ወይ እንተወሓደ ንደራፋይ፡ ከም ኣብ ሰንፈላልን ክብደት ስደትን ምህላዉ መጠን፡ ብርሃንን ጸላምን እናቀያየረ እንተ ዘርእየና ውጺኢት ምሃሎዎ። ኣብነት ክኾነና፡ ብናይ ሶርያውያን ወይ ፍልስጤማውያን ዝዳሎ ክሊፕ ምስ እንምልከት፥ እቲ ደርፊ ንስቅያት፡ ግፍዒ፡ ስደትን ገልታዕታዕን ዝገልጽ እንተዀይኑ ዝበዝሐ ድሕረ-ባይታ ጸላም ዝዓብሎሎ እዩ። እዛ ክሊፕ ‘ስደት’ ብዘይ ደርፊ (sound, mute) ጌርካ ምስ እትርእያ፡ ክብደት ናብራ ኣይጎልሕን፣ ሰንፈላላዊ ህይወት ኣይንጸባረቕን፣ ብናፍቖት ከም ዝተበልዐ ኣይረኣይን፣ (እቲ ዓቢ ገጸ-ባህሪ ቊሩብ ብኣወሳስኡኡ ይሓይሽ)።
*- ካብቲ መንእሰይ ገጸ-ባህርይ ናብዚ ዓቢ ገጸ-ባህርይ ዝወስድ ትልሚ ይኹን ዛንታ ኣይነበረን። ሜክ-ኣፕን ኣልባሳትን እናቐያየርካ ኣይተንጸባረቐን። ብካሜራ bridging shot ኣይተላዕለን። ብሓፈሻ ማእከላይ ደረጃ ቴክኒካዊ ብቕዓት ካሜራ እኳ እንተዀነ፡ ሓሳብ ግን ይጎድሎ።
*- ኤዲቲን (ኣርትዖት)፤ ካብቲ ዝተላዕለ ብዙሕ ስእልታት መሪጹ፡ ዋሕዚ ዛንታን ትርጉምን ከይተበታተኸ ንምትሕልላፍ እዩ ዝሰርሕ። ነታ ክሊፕ እናረኣኻያ ከለኻ፡ ኤዲተር ሲ “ከምዚኣ እንተዝገብር ኔሩ” ዘብል ሓሳባት ከም ዘይተልዕል ክገብር እዩ ጻዕሩ። እዚ ማለት እቲ ዋሕዚ ስእልታት፡ ዋሕዙ ዓቒቡ ከም ሓደ ነዊሕ ቪድዮ ብሓንሳብ ዝተሳእለ ክመስል ኣሎዎ (ኤዲተር ካብ ሓሳብ ተዓዛቢ ክስወር ኣሎዎ)። ረቂቕ ጥበብ ከም ምዃኑ፡ ብልሒ ዘድልዮ ዓውዲ እዩ። ኤዲተር ስእልታት (scene) እናቈራረጸ ዘቐናብር ጥራይ ኣይኮነን — ንስእሊ፡ ሙዚቃ፡ ዘረባ፡ ምከና/ቦታ፡ ምንቅስቃሳት ገጸ-ባህርያት … ወዘተ. ሚዛን እናሓለወ ኣወሃሂዱ ዘቐናብር እዩ። ኣብዛ ክሊፕ ደሓን ዝኾነ ስራሕ ኤዲቲን (ኣርትዖት) እኳ እንተ ነበረ፡ ሲነማቶግራፊ ዘየማልኦ ኣብ ኣርትዖት ብሜላ ክሰርሓሉ ዝግበኦ ነይሩ። ገለ ካብኡ ንምጥቃስ፡ ኣብ 3፡10 “ተቓሊሰካ፡ ጭጓር ንውሽጢ ገይረ” ኢሉ እናዳመጸ፡ እቲ ገጸ-ባህርይ ድማ ኮፍ ኢሉ ይረአ። ኣብ ገሊኡ ዘሎ ኣክሺን ምስቲ ድምጺ ኣይከይድን። ካሜራ፡ ንግዜ ዘላግብ ድልድል (bridging shot) ኣየልዓለን፡ ኤዲተር ግን ብገለ ሜላ ‘ግዜ’ ይሓልፍ ከም ዘሎ ክሕብር ነይሩዎ። ክብደትን ዕቱብነትን ቴማ ንምንጽብራቕ ድማ ገለ ናይ ጸልማት ድሕረ-ባይታ ክጣበበሉ ምተገበአ።
ቴክኒካዊ ርቀት = C

3) ቴማን ተኣማንነቱን፡ ሓይሊ (ስምዒት)፡ ሞራል፤

ቴማ ናይዛ ክሊፕ፡ ናፍቖት ምዃኑ ኣብ ላዕሊ ተገሊጹ’ዩ። ስነ-ጥበብ መጋርያ ፖለቲካን ካልእ ጉዳያት ዓለምን ኣይኰነን። ስነ-ጥበብ ጸግዒ ናይ ዝዀነ ኮይኑ ክገልጽ ክሕብር ሓላፍነት የብሉን፣ እንተዀነ ኣብቲ ዘልዕሎ ኣርእስቲ ንጽህና፡ ቅንዕና፡ ትብዓት፡ ሓቂ፡ ጽባቐ ክጣመር ክንጸባረቕ ኣሎዎ። እዛ ‘ስደት’ እትብል ደርፊ፡ ብዛዕባ ስደትን ማሕበራዊ ሂወት ኤርትራውያን ካብ ኣልዓለቶ፡ ነዚ ዘሎ ዝዓበየ ሕቶ ማለት ጠንቂ ስደትን ዘይመምለሲና ህሉው ኩነታትን ብጥበባዊ መገዲ ክትገልጽ ትብዓት ክህልዋ ነይሩዎ። (ንኤርትራዊ ምከና ይደርፈሉ ምህላዉ፡ ስእሊ ኣስመራ ናይ ሰለስተ ምስሊ መቕደሳት ኣብ 4፡20 ደቒቕ ይርአ)። ቅንዕናን ንጽህናን ዘይብሉ፥ ሓቂ የብሉን፡ ተኣማንነቱ የጥፍእ፡ ጽባቐኡ ድማ ይድወን።
እዛ ደርፊ፡ ንሕና ኤርትራውያን ምስቲ ዘሎ ህሉው ኩነታትና (Context) ኣብ ግምት ኣእቲና፡ እምበኣር ከምዚ እዩ ኮይኑ ኢልና ከነላግባ ንግደድ። ብክድኑ ብሽፉኑ ኢላ እትትርኽ ደርፊ፡ ብእንግሊዝኛ ወይ ዓረብኛ ተርጒምካ እንታይ ክርደኦም ይኽእል? ኣድማሳውነት ኣየማልአትን። ኣብ መወዳእታ ብሕጓ ዝኣተወ ሓንቲ ኣዝያ ዝውትርቲ ብሂል “እቲ ጉዕዞ ቀጻሊዩ ዘሎ’ሞ ዎ ልዑል ፈጣሪ ስደትና የሕጽሮ!” ትብል እንተዘይኮይኑ ካብቲ ሕደማ ሞራላዊ መልእኽቲ ኣይተሰጋገረን። ምስዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስኩዎ ጸገማት ናይዛ ክሊፕ፡ ምስ ዘይንጹር መልእኽትን ኣድማሳውን ሓሳብ ክሳብ ዘየቐመጠት፡ ትፈጥሮ ስምዒት የለን።
ተኣማንነትን ስምዒትን = C-

4) መደምደምታ፤
ጽባቐ ንምፍላጥ፥ ውህደት ኣገላልጻ /ኣዘያይማ፡ ድምጺ፡ ሕብሪ፡ ምንቅስቓስ፡ ምከና፡ ዛንታ፡ ስእሊ፡ ሓይሊ ስምዒት፡ ዝስመዓካ ፍስሃ፡ ኣድማሳውነት፡ ፍሉይ ኲርናዕ … ወዘተ. ኣጠቓሊልካ “ምልኣት” ምስ እትረክብ እዩ። ኣብዛ ደርፊ ምልኣት ኣይተራእየን።
ንሓደ ስነ-ጥበባዊ ዕዮ፡ ንጽህናን ቅንዕናን ሕላገት ተጠቒመ፡ ብዓይኒ ህየሳ ፈቲሸ ምስ መዘንኩዎ፡ ውልቃዊ ሚዛን ክህቦ ውልቃዊ መሰለይ እዩ፣ ህየሳ ባዕላዊ (Subjective) ኢዩ። ንብሉጽ ስነ-ጥበባዊ ስራሕ ‘A’ ደረጃ ክህቦ ወይ’ውን ማእከላይ ኮይኑ ምስ ዝረኽቦ ‘C’ ክህቦ፣ ምናልባት’ውን ውዱቕ ስራሕ ኮይኑ እንተረኺበዮ ‘F’ ክህቦ እኽእል እየ።
ካብዚ ልዒለ ዝጠቐስኩዎ ድኽመታት ተበጊሰ እምበኣር፤
ሕደማ = C
ድርሰት = D
ቴክኒካዊ ብቕዓት = C
ተኣማንነትን ስምዒትን = C-

እዛ ደርፊ ክሊፕ ‘ስደት’ እምበኣር ብናተይ ገምጋም = “C- -” (C double minus). እዚ’ውን ይገፍሓ’ምበር ኣይጸባን።

AMAN TEKESTE W.
19/03/2016

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleጭዕንዶግ
Next Article ሮዛን ሰሌን
Mekonnen T.

Related Posts

ሓዳሚን ድምጻዊን – ጎፍ ንጎፍ

October 4, 2020
Read More

ተረፍ ፡ ነጸብራቕ ህይወት ሓደ መንእሰይ”መጽሓፍ፡ ተረፍ እኵብ ሓጸርቲ ዛንታታት

August 4, 2020
Read More

እታ ዘሕዘነትኒ ደርፊ

December 28, 2016
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?