Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ኮኾብ ወዲቓትና !!

ኮኾብ ወዲቓትና !!

0
By Mekonnen T. on January 19, 2016 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ከመይ ከመይ ዳኣሉ እዚ ጉዳይ? ወረ ከመይ ከመይ እዩ እዚ ነገር? ናይ ባሓቂ ድዩ? ኣቱም ዓድና ኮኾብ እምበር ወዲቓትና! ኮኾብ ስነጥበብ ኤርትራ! እታ ኩሉ ዘምሕረላ! እታ ሸውዓተ ቐመም ኣብ ጉዕዞ ተዋሰኦ ሃገርና ከምዘይትድሕንን ከም ዘይትምለስን “ራዕ!” ኢላ ወዲቓ።
ከመይ ከመይ ዳኣሉ እዚ ጉዳይ? ወረ ከመይ ከመይ እዩ እዚ ነገር? ሓቂ ግዲ እዩ “ኮኾብ ‘ውን ይወድቕ’ዩ!” ዝተባህለ። ሓቂ ካኣ ክኸውን ኣለዎ’ምበር! እዚ ዶ ዘይ’ዚ!? እታ “ስም ስኢነላ” ኢለ ቅድሚ ሳምንታት ዝጻሓፍኩላ ወይኒ፡ እታ ዕላላ ወይኒ፡ ጠባያ ወይኒ፡ እታ እምኒ ኣንጎሎ ናይ ተዋሰኦ ሃገርና፡ እታ መልክዕ ተዋሰኦ ሃገርና፡ እታ ንፊልምን ተዋሰኦን ሃገርና ልክዕ ከም ስማ ዘቢበ-ወይኒ ዘጥዓመቶ ወይኒ እናረኣናያ ምሉቕ ኢላትና-ከም ዋዛ።
ምእማኑ ዘጸግም ዓይነት ኣሞላልቓ ሞሊቓ ወይናረግ ቤኪ. . .እታ’ኳ ካብ ሃገርና ወጻኢ ኣብ ከባቢና ከይተረፈ ከም ኮኾብ ድምቕቲ ወይኒ ሞሊቓ! እቲ ድሕሪ ሓያል ምቖት ብሓያል ቀዝሒ ክልብልበና ዝቐነየ ክሊማ ሱዳን ናይ ሓዘን ተሳታፍነቱ ዘረጋግጽ ዘሎ ክመስል ብሓያል ንፋስ መሬት ከጨንቓ ኣርፊዱ። ዘይሰንበደ የለን! እቶም “ንዒ ምሳና፡ ንዒ ናባና፡ ንዒ ገዛና. . .” እናበሉ ክንከባኸቡዋ ዝሓገዩ ሱዳናውያን ፈዚዞምን ቀዚዞምን። ባዓልቲ ገዛ ተጸሊላ። ኩሎም ክጽብጽቦም ኣይክእልን’የ። እቶም ቀንዲ ግን ትእለየሉ ገዛ ፈልዮም ኣብ ኩሉ ንጥፈታታ ካብ እግራ ዘይተፈልዩ ስድራቤት ዓብደልስምዕ፡ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ትግርኛ መሊኹ ካብ ጎና ዘይተፈልየ ኣይመን፡ ኣብ ምእላያ ለይትን ማዓልትን ከይደቀሰ ብፍላይ ሎምቅነ ሕማቕ ኣብ ዝቐነየትሉ ቕነ ብሓይሊ ዝተዋሰአ ካልድ፡ ሕሉፍ ሓሊፉዎ “ሬሳኣ ኣብ ምዕራፉ ከየብጻሕኩ ኣይዓርፍን እየ” ብምባል ሎሚ ፍርቂ ማዓልቲ ሬሳ ሒዙ ብማኪና ነስመራ ዝተበገሰ መሓመድ. . .መዛረቢ የብሉን። ብኸምዚ ክግለጽ ስለዘይካኣል ምምርሳሕ ከይከውን።
ማዓት ተሌፎናት’ዩ! ኢትዮጵያውያን ፈተውትን ኣድነቕትን(ካብ ሱዳንን ኢትዮጵያን) ሓዚኖም። ምግላጹ ስለዝኸብድ ግን ሰንቢዶምስ ፈዚዞምን ቀዚዞምን ምባል ይቐልል። የቕዝዝን የፍዝዝን እንድዩ! ዝኽሪ ቅንያት ሰሓቕ ገና ከይሃሰሰ ንብዓት ኣርኪቡና። ክልተ ዓይነት ንብዓት ነቢዕና-ናይ ሳሓቕን ናይ ብኽያትን። እታ ኣብ ዝሓለፈ ቕነ ኣኪባ ዘስሓቐትና ወይኒ ሎሚ ረፍዲ ኣኪባ ኣንቢዓትና።
ነቢዕናላ ንብዓት ስንብታ! እታ ህላውነታን ቀጻልነት ሂወታን ከተረጋግጽ ምስ ሞት ኣብ ሓያል ጥምጥም ዝቐነየት ወይኒ ኣብ መወዳእታስ ተሰኒፋ። ተመኒዩዋ ግዲ ኮይኑ ኣዘንጊዓ ናብ ሞት ኢዳ ሂባ። እታ ጎይታ ሓቦን ሞራልን ወይኒ ቃንዛ ግዲ በዚሑዋ፡ እታ ጎይታ ተስፋ ወይኒ መሪሩዋ ተስፋ ግዲ ቆሪጻስ ስዕረተ-ሞት ተቐቢላቶ። እታ ሰሓቕን ጸወታን ዘይፍለያ ወይኒ ብርኡይ ኣፋ ተዓቢሱን ተዓጽዩን። ዓይና ተዓሚቱ። እታ ኣፍካ ዘይተኽድን ዕላል ዘይትስእን ንጻዕዳ ወረቐት’ውን ዕላል ከምዝርከቦ እትገብር ወይኒ ዕላል ተሳኢኑዋ ዕላል ኮይና።

12507170_1010083425719875_1231653822516479894_n
እታ ዕላላ ክንሰምዕ ኣፍና ሃህ ዘበለትና ወይኒ ኣፍዚዛን ኣርሚማን ኣፍና ኣኽዲናትና። እታ ኣስሒቓ ዘንባዓትና ወይኒ ኣብክያ ኣንቢዓትና። ክልተ ዓይነት ንብዓት ኣንቢዓትና። “ሕጂ ዶ እዛ ሕማም እዚኣ ገዲፋትኒ ባህ ከይብላ እዛ ዓለም ክስሕቕ’የ” እናበለት ከም ሕሱም ስሒቓ። ንሳ ክትላገጽን ከተስሕቐናን ንሕና ክንስሕቕን ክንፈዝዝን መነና እዩ ሕሙም ክንብል ኣሕሲባትና። ቃንዛኣን ስቓያን ብውሽጣ እናወሓጠት “ባህ ኣይበልኪ ዓለም!” ኢላታ። ንጭንቀትን ምኒንን ዲል ከይሃበት ኣብ ሞራልን ሓቦን ተስፋ ከይቆረጸት ክሳብ መወዳእታ ተቓሊሳ። እታ ዕለተ ልደት ጎይታና እየሱስ ክርስቶስ ምስ ደቃ ዝጸምበለት ወይኒ ጥምቀት ከየርከበት ኣብ ድሮኣ ኣርሒቓ ገይሻ። እዛ ዕረፍታስ ምስ ደቃ ዳኣ ዘይትኾነላ ዝነበረት! “ሞትካስ ትመጻ’ምበር ኣይትመጸካን’ያ” ክባሃልስ ሓቂ እባእዩ። ከምኡ እባእያ እዛ ዓለም ትማሊ ነይሩስ ሎሚ የለን!? እታ ኣብ ዕለተ ሕዳር ጽዮን “ኣነ ዝምነ ንዓመታ እዛ እዋን ከምዛ ቕነ” ኢላ ዝተመነየት ወይኒ ኣብ ፍርቂ ዓመትን ፍርቂ ጉዕዞን ተኾሊፋ። ነታ “ባህ ኣይበልኪ ዓለም!” እናበለት ክትቃለሳ ዝጸንሐት ዓለም ሎሚ ወጋሕታ “ዳሓን ኩኒ ዓለም” ኢላ ተሰናቢታታ። እታ ብሕማም መንሽሮ (ካንሰር) እናተሳቐየት ግን ካኣ ብሞራል ክትቃለስ ዝጸንሐት ወይኒ ነብሰ ስጋኣ ተፈላልዩ። ነፍሳ ንዓዲ እዝጊሀር ስጋኣ ንዓዲ ትውልዳ ኣፋኒናዮ። ሬሳ ወይናረግ ሃይለ(ቤኪ) ዝሓዘት ኣምቡላንስ ሎሚ ፍርቂ ማዓልቲ ጥሩምባ እናነፍሐትን ብናህርን ካብ ዓይንና ተሰዊራ። ዳሓን ኩኒ ወይኒ! ብሰላም ዕረፊ ወይኒ ሳሓቒት! ፈጣሪ ኣብ ገነቱ ይቀበልኪ ወይኒ!
ግርማይ ዮሃንስ

12410543_1010084699053081_409827755464027264_n

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleሮዛን ሰሌን
Next Article እምነት
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?