Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ሮዛን ሰሌን

ሮዛን ሰሌን

0
By Mekonnen T. on December 23, 2015 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል (ሃንችባክ)

ምዕራፍ 14

መበል 107  ክፋል

ኩላቶም ሕጕሳት ስድራቤታት ተመሳሰልቲ ክኾኑ ይኽእሉ‘ዮም፡ ነብስወከፍ ዘይቅስንቲ ስድራቤት ግን ናይ ገዛእ ርእሳ ጣጣ ኣለዋ።

             ካውንት ሌዮ ቶልስቶይ

ጐደና ኣንድነት (ጐደና ዋርሳይ) እቲ ልሙድ ምንቅስቓስ ኣውቶቡሳትን ጸጸኒሐን ብናህሪ እናተወንጨፋ ዝሓልፋ ወተሃደራዊ መካይንን ኣይተፈልያን። ሰንበት ስለ ዝነበረ፡ ናብ ጥምቀት ወይ መርዓ ክኸዱ ኣውቶቡስ ዝጽበዩ፡ ክዳውንቶም ዘጻዕደው ሰብኡትን ኣንስትን’ውን ኣብ መጸበዪ ኣውቶቡስ ዘዘው ክብሉ ይረኣዩ ነበሩ። ሮዛ ኣብ ዓንዲ ኤለትሪክ ኵዕሶ ካልሲ ኣንጠልጢሎም ይጻወቱ ንዝነበሩ ቈልዑ ሓሊፋ፡ ንየማን ድሕሪ ምዕጻፍ መንገዳ ቀጸለት።

ንሰለስተ ሰዓታት ዝቐጸለ ናይ ኣደራጅ ኮሚቴ ኣኼባ ኣዝዩ ስለ ዘድከማ፡ ጥዕምቲ ቡን ጥራይ’ያ ትረኣያ ነይራ። ክብሃል ዝወዓለ ኵሉ ተጸሚማ እያ ሰሚዓቶ። ዝያዳ ኵሉ ቅጭ ዘምጽኣላ ግን ናይታ፡ “ብግዝያዊ ዓወት ወንበዴታት ኣብዮትና ኣይንብርከኽን’ዩ። ሶማል ኣዋሽ በጺሓ ነይራ እያ። ወንበዴታት’ውን ኣብ ኣፍደገ ኣስመራ በጺሖም ነይሮም’ዮም። ሕጂ’ውን ጅግና ኣብዮታዊ ሰራዊትና ከም ልማዱ ንወንበዴታት በቲ ሓያል ቅልጽሙ፡ ከም ሓደ ብርቱዕ ውሕጅ ካብ ገጽ ምድሪ ጸራሪጉ ከጥፍኦም’ዩ። ንሕና ኣብዮታውያን ድማ ኣብ ውሽጥና ኣትዮም ንህዝቢ ዘታልሉ ዘለዉ ሰርጎ ገቦች ቅልጽምና ኣተሓባቢርና ክንድምስሶም ኣለና። ብቅኑዕ ኣመራርሓ ሊቀመንበር ጓድ መንግስቱ ክንዕወት ኢና!” እናበለት ትምድርን ትጭርሕን ዝነበረት ኣባል ኢሰፓ’ዩ።

ብሓሳብ ኣብቲ ኣኼባ ናብ ዝወዓለ ኵነታት ጥሒላ፡ ብጸግዒ ጸግዒ ናይቲ ጽቡቕ ቪላታት ዘሎ መንገዲ ኣጋር ሒዛ እናኸደት ከላ፡ ሃንደበት፡ “ዉሕ!” ዝብል ብርቱዕ ድምጺ ኣሰንቢዱዋ ናብ ጽርግያ ክጅትሃድም ክትብል እግራ ተቘጽያ ኣብ መሬት ረፋዕ በለት። ወድያቶ ዝነበረት ነዊሕ ታኮኡ ሳእኒ ጽቡቕ ኣይሃባን። ንገለ ካልኢታት፡ “ሃ. . .ይ! ዋ. . .ይ!” እናበለት እግራ ድሕሪ ምድራዝ፡ ናብቲ ኣብ መናፊት ናይቲ ማዕጾ ተጸጊዑ ገና፡ “ዉሕ! ዉሕ!” እናበለ ክጥሕራ ዝደሊ ዝነበረ ጐፍጓፍ ከልቢ ጠመተት። ቅድሚ ዓመታት፡ ሰለሙን ኣብ ግዮን ሆቴል ኮፍ ኢሎም ከለዉ ካብ ዘዕለላ ከልቢ ዘይፍለ ኮይኑ ተራእያ። ሕርቕ ኣምጺኡላ፡ “ዲስግራዝያቶ! ቤሽትያ!” ኢላ ጸረፈቶ። ብኾፋ ከባቢኣ ጠሚታ ሰብ ከም ዘይረኣያ ምስ ኣረጋገጸት ብድድ ኢላ ንሓጺር መንገዲ ሓንከስ እናበለት ሰጐመት።

ማዕጾ ከፊታ እትው ክትብል ከላ፡ መለስ ወዳ ኣብ ሳሎን ጸኒሑ ገልጠም ምስ ሰምዐ ናብ ኣፍደገ ጐይዩ ማዕጾ ብምኽፋት፡ “ማማ’ቲ፡ እቲ ረጒድ ዘመድና መጺኡስ፡ ‘ማማኻ ደኣ ኣበይ ኣላ?’ ኢሉኒ። ኣነ ድማ ካብ ስራሕ ኣይመጽአትን ኢለዮስ ኣብ ሳሎን ኮፍ ኢሉ ይጽበየኪ ኣሎ፡” በላ እናላህልሀ።

ካብ ዘይቅልቀላ ድሮ ካልኣይ ዓመት ቀሪቡ ስለ ዝነበረ ረሲዓቶ፡ “መን ረጒድ፡” ሓተተቶ፡ ማዕጾ ገም ኣቢላ ንመለስ ብኢዱ ሒዛቶ ንገዛ እናምርሐት።

“እቲ’ኳ ሓደ መዓልቲ ኣራንቺ፡ መንደሪኒ ሒዙልና መጺኡስ ኣብ ገዛና ሓዲሩ ዝኸደ። እቲ’ኳ ሓደ መዓልቲ ፓስተ ዓዲጉልና ዝነበረ ቀይሕ ሰብኣይ።”

“ፓስተ ዝዓደገልኩም ደኣ’ሞ መን ክብሎ እየ ኣንታ መለስ ወደይ?”

“እቲ’ኳ ሰብኣይ ኣሞኹም’ዩ ዝበልክና።”

“ፍስሃየ መጺኡ?” በለቶ ብታሕጓስ ገጻ እናበርሀ።

ኣብ ሰብዓን ሸሞንተን፡ ኣስመራ ብሓይልታት ሰውራ ተኸቢባ ናይ እኽሊ ሽግር ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ኣብ ካሻ ናይ ፉል እኽሊ እናሓብአ ዝኣኽላ ቀለብ የምጽኣላ ነይሩ ጥራይ ዘይኮነ፡ ከም ሰብ ለጋስ ስለ ዝነበረ ኣብ ሞት ወይዘሮ ገብርኤላ’ውን ንተዝካር ሓገዝ ክኾና ሽሕ ቅርሺ ሂቡዋ። ክበጽሓ ኢሉ ካብ ከረን ክነቅል ከሎ ድማ ጥራይ ኢዱ መጽአ ማለት ዘበት’ዩ። ሮዛ ኣብ ሳሎን ኣትያ ብናፍቖት ሰዓመቶ’ሞ፡ “ኣንታ ፍስሃየ፡ ህልም ኢልካ’ንዲኻ ጠፊእካ። ‘ፍስሃየስ ናይ ደሓን ድዩ ጠፊኡ?’ ክብል’ንድየ ሓግየ፡” በለቶ ቡን ንምቕላው እናተሸባሸበት።

“ኤእ! ትብሊ’ወ። ነስመራ ካብ ዘይቅልቀል ነዊሕ’ንድዩ ኾይኑ። መቸም ጠሊሙ ኢልክኒ ሕምይ ኣቢልክኒ ትኾኒ።”

“ጸላኢኻ ይጠለም! እንታይ ኣጕዲልካ ኣንታ ፍስሃየ ሓወይ። ሕማቕ ግዜ ስለ ዝኾነ ምሽቓል ስለ ዘይተርፍ እየ’ምበር።”

“ሳልስቲ ቅድሚ ምትሓዝ ኣፍዓበት፡ ገለ ዘይጠቕማ ኣቕሑ ሒዘ ናብዚ ተበጊሰ ነይረ። ካብ ገዛ ውጽእ ክብል ግን ኣይትሙትኒ ሞት ናይ ሓደ ዝፈትዎ  መሳርሕተይ ኣጋጢሙኒ ተጐናዲበ። ብድሕሪኡ ኸኣ እዞም ተካላት ኣምሓራ፡ ድሕሪ ምትሓዝ ኣፍዓበት ድንጋጌ’ባ ገለ’ባ ኢሎም ካብ ስራሕ ምስ ዓናቐፉና ዳርጋ ካብ ከረን ኣይወጻእኩን። ሎምዘበን ስራሕ ኣይግድን ኮይኑና ሓግዩ ኣይተሓለፍ ኢና ሓሊፍናዮ። ሕጂ ኢና ምስ ምኽፋት መስመር ሓጋዝ ቍሩብ ፍሕትሕት ክንብል  ጀሚርና’ምበር፡ ካን ስራሕ ዝሒሉና ሃለዋት ኣይኮንናን ዝነበርናዮ።”

“ደቅኻ’ኸደሓንዶ’ለዉ፡ ትምኒትከ ትጥዒዶ’ላ?”

“ዋእ! ኣምላኽ ይመስገን ደሓን’ዮም። ትምኒት’ውን ጸጸኒሓ ስቶማኮይ ተላዒላትኒ ትብል እያ’ምበር፡ ሰይጣን ኣይስማዕ ደሓን’ያ። ብኣኺ ግን ኵሉ ግዜ ምስ ተሻቐለት’ያ። ‘መስኪነይቲ ሮዛ ከመይ ኮን ትህሉ? ዝሕግዝ ዘይብላ ንበይና ቈልዑ ክተዕቢ ተዋሪዳ። ሓደ መዓልትስ ርእይ ኣቢለያ ምመጻእኩ፡” እናበለት ካብዛ ኣፋ ኣይተውጽኣክን’ያ።”

‘ወሪዱዋ ቖልዑ ሒዛ ከመይ ኢላ ኣንታ ፍስሃየ! ደቅኻኸ ከመይ ኣለዋ? ትምህርቲ ይነፍዓዶ’ለዋ?’

“ሕጂ ደኣ እቶም ክልተ ንኣሽቱ ኣወዳት ጥራይ እዮም’ኮ ተሪፎም። ሎምዘበን ካብ ስክፍታ ድሒነ’የ ሓውኪ ምኽንያቱ ነተን ኣዋልድ ተዓዊተለን’የ። ብሱዳን ኣቢለ ንዓዲ ጣልያን ናብ ኣሞአን ሰዲደየን። ኣብ ሚላኖ ዝብሃል ዓዲ እያ ትቕመጥ ዘላ’ታ ንእሽቶ ሓውተይ።”

“ዶ ትብለኒ! ጽቡቕ ጌርካም’በር። ምንኣስ’ቲ በረኻ ዘሎ ድየን? ኣነስ’ኮ ጽቡቕ ገይረ ክፈልየን ኣይክእልን’የ።”

“ጽቡቕ ኣለኺ፡ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ምስ ረኣኽየን እንዲኺ። ክልቲአን ምንኣስ’ቲ ተጋዳላይ እየን’ሞ፡ ካን ጐቢዘን ሞኽ ኣቢለናኒ’የን ነይረን። ነዛ ከረን ክልተ ከረን ገይረናኣ ካን መዛረብ ሰብ ኮይነ ነይረ።”

ብኸም’ዚ ቡን ፈሊሓ ክሳዕ ትወርድ፡ ኣብ ስድራቤታዊ ዕላላት ጥራይ ተሓጺሮም ጸንሑ። ኣወል ተቐዲሓ እናተሰተየት ከላ፡ “እሕሕ!” ኢሉ ናብ ቀንዲ ዘምጽኦ ጕዳይ ክኣቱ እናሓሰበ ከሎ ቈልዑ ክጻወቱላ ዝጸንሑ ኵዕሶ ብመስኮት ናይ ሳሎን ነጢራ ኣብ ጥቓ ሮዛ ዓለበት።

“እዞም ግናያት ቈልዑ ኣሰር ፈናጅል ሰይሮምለይ ነይሮም፡” ኢላ እናንጸርጸረት ብምትሳእ ነታ ኵዑሶ ኣልዒላ ብመስኮት ተቐልቀለት። ንወዳ ምስ ሓደ ቈልዓ ጐረቤት ምስ ረኣየቶ፡ “መለስ፡ ፍረወይኒ ሓውትኻ ናበይ ከይዳ?” ክትብል ሓይሊ ቃል ሓዊሳ ሓተተቶ።

“ኣብ እንዳ ኣደይ ኣስመረት ቪድዮ ትርኢ ኣላ፡” መለሰላ ነታ ኵዕሶ ክትድርብየሉ ዓይኒ ዓይና እናጠመተ።

“እንታይ ገይረካ’የ መለስ? ክንደይ ግዜ ክነግረካ እየ? ካብ ካንሸሎ ወጺእኩም ተጻወቱ ‘ዝወደይ፡” ኢላ ነታ ኵዑሶ ክንዮ ቀጽሪ ደርበየታ።

“ብቐዳማይ ግርማይካ ቀንየ ንከረን ክምለስ ከለኹ፡” ኢሉ ዘረባኡ  ጀመረ ፍስሃየ። ከም ነጋዳይ መጠን ናብ ብዙሕ ቦታታት ስለ ዝንቀሳቐስን ምስ ብዙሓት ሰባት ስለ ዝራኸብን ዓወታት ሰውራ እናተዓባበየ፡ ስዕረት ጸላኢ ድማ እናጋነነ ተስፋ ዝህብ ወረ የስንቓ ስለ ዝነበረ፡ ሓድሽ ነገር ክትሰምዕ ኣእዛና ኵር ኣበለት። ክሳዕ ክንድ’ዚ ልብኻ ዝሰቅል ብስራት ግን ኣይተጸበየትን።

ቡን ቀዲሓ ክሳብ ትውድእ ምራቑ ወሓጠ። ፍንጃሉ ተቐቢሉ ክልተ ሳዕ ፊት ድሕሪ ምባል፡ “ይዋእ ዝሞተ! ዘሎ ይራኸብ’ዩ ሮዛ። ንስኺ ድማ ብሓቂ ጸሎት ወለድኺ ኣይተጋደፈክን። ንኣምላኽ እንታይ ዘይሃብካኒ ኣይትበልዮ። ፍጥር ክትብሊ ዕድለኛ ኢኺ።”

“እንታይ ገይረዮ’የ ዘየቃብጸኒ፡” በለት ብልባ።

“ቅንዕቲ ኢኺ። ኣምላኽ ከኣ ቅንዕናኺ ርእዩልኪ።”

“ትሕሾ ደኣ፡” ኢላ ኣዒንታ ተኺላ ጠመተቶ። እንታይ ክብል ከም ዝደለየ ምርዳእ ስኢኑዋ ዝያዳ ተቐልወት። ካብቲ ብሩህ ገጹ ከም ዝተረድኣቶ ግን ዘሕጕስ ወረ ጥራይ ክትሰምዕ ብታህዋኽ ተጸበየት።

ኣብ ንግዳዊ ስርሑ ግዲ ለሚዱዎ ወይ ባህሪኡ ኮይኑ፡ ንዝሓሰቦ ወይ ክብሎ ዝደለየ ነገር ቶግ ኣየብልን’ዩ። ፍንጃሉ ፊት፡ ፊት፡ ኢሉ ወዲኡ ምስ ኣቐበላ፡ ‘ቅዱሳን ኣብ ዘይተቛጸሩሉ ይራኸቡ፡ ሓጥኣን ከኣ ኣብ ዝተቛጸሩሉ ይሰኣኣኑ፡’ ይብል ነይሩ ሓወቦይ ተኽላይ። ኣምላኽ ክትሕጐሲ ኢሉኪ፡ እታ ዝመጻእናላ መኪና በጋጣሚ ኣብ ኣቑርደት ኣውዒላትና። ሽዑ ኣነ ኣግማል ኣራጊፈ ምስ ብጾተይ ናብ ከተማ እናከድኩ ከለኹ ንዘማይ ሰለሙን. . .” ኢሉ ዘረባኡ ከይወድአ፡ ንስለሙን ዝረኸበት መሲሉዋ ብዘይልባ ብድድ ኢላ ክትስዕሞ ጀመረት። ንገለ ካልኢታት ተዓኒዳ ኸኣ ትም በለት።

ናይ ዓመታት ሃንቀውታኣ መፈጸምታ ብምርካቡ፡ ዝተሰምዓ ሓጐስ ብቓላት ክትገልጾ ስለ ዘይከኣለት፡ ካብ ኣዒንታ ጸረር ዝበለ ንብዓት ኣብ ምዕጕርታ ከረር ክብል ተራእየ። ልባ ብብርቱዕ ሃልሃልታ ፍቕሪ ናይ በዓልቤታ ክሳብ ክንደይ ነዲዱ ከም ዝነበረ ኣብቲ ፍሱህ ገጻ ይንበብ ነበረ። ፍስሃየ ብኣንክሮ ኣተኵሩ ጠመታ። ንበዓል ኪዳና ዘለዋ ዓሚቝ ፍቕርን ናፍቖትን ብጋህዲ ትገልጽ ጓልሄዋን ክርኢ በዅሪ ዓይኑ እዩ ነይሩ። “ናይ በዓል ትምኒት’ኳ ንበይኑ እዩ። ይትረፍ ኣብ ቅድሚ ሰብ ኣብ በይንና’ኳ ከም ዘፍቅራና ክገልጻ ዘይደፍራ። ምዃን ንሕና’ውን ካብኣታተን ዝገደድና ቃልዓለመኛታት ኢና። ንሳተንስ’ኳ ስለ ዝሓፍራ’የን ዝኾና። ናትናከ እንታይ ክበሃል’ዩ? ግን ከኣ ደቂተባዕትዮ ከም እነፍቅረን ብጋህዲ እንተ ንገልጸለን ኣብ ርእስና ምሸናልና ነይረን። ብፍላይ ትምኒት ሸይሸይ ምበለትለይ ነይራ፡” ዝብል ሓሳባት ኣብ ኣእምሮኡ ዕንክሊል እናበለ ከሎ፡ ሮዛ ንብዓታ ብኸብዲ ኢዳ ደሪዛ ኮፍ በለት። ሓፍ ክትብል ከላ ዝኸዓወታ ፍንጃል ቡን ኣልዒላ፡ “ሰለሙን ብሓቂ ብህይወቱ’ሎ? ኣምላኽ ጸሎተይ ሰሚዑኒ ማለት’ዩ፡ ጥዕናኡኸ ከመይ ኣሎ?” በለት ንበይኑ ከም ዝዛረብ ዘሎ ሰብ ናብኡ ከይጠመተት።

“ደሓን’ዩ ጽቡቕ ኣሎ። እቲ ቀንዲ ዘረባ ብሕጂ እዩ ዘሎ ሮዛ። ዘማይ ብፍሉይ ስራሕ ንወርሒ’ዩ ናብ ኣቑርደት መጺኡ ዘሎ። ከም ዝበለኒ ክሳዕ በዓለ ሚካኤል ጥቅምቲ ከይጸንሐ ኣይተርፍን’ዩ። ስለዚ ንሳሕል ከይተመልሰ ኸሎ መታን ክተርክብዮ ፍቓድ እንተ ረኺብኪ ጽባሕ ጕዳይ ይለፍ ወዳድኢ’ሞ፡ ሰሉስ ድማ ብሓደ ክንብገስ ኢና፡” በላ ኢዱ እናወሳወሰ።

“ኣንታ ፍስሃየ፡ ሰለሙን ኣብ ዓለም ምህላዉ እንቋዕ ፈለጥኩ’ምበር፡ እንታይ ከይተርፈኒ፡ ጽባሕ እንተኾነ’ውን በተግ ኢለ ክብገስ’የ። ኵሉ ድሕሪ ሰለሙን ኢዩ’ኮ፡” ክትብል መለሰትሉ።

“ጽባሕስ ኣይጥዕምን’ዩ፡ ገለ ዝሳለጥ ስራሕ ኣሎኒ። ፍቓድ ዘይድንጒዩኺ እንተኾይኖምን ግን ንሰሉስ ንግሆ ጥራይ ተዳለዊ።”

“ፍቓድ ምሕታት’ኳ ዘይተርፍ ነገር’ዩ። ዕረፍቲ ከይወሰድኩ ክልተ ዓመት ሓሊፉ ስለ ዘሎ ይኸልኣኒ ኣይንብልን’የ። ካብኡ ተረፈ ግን ወላ እንተ ኣበየኒ ባዕሉ ይፈልጥ ክብገስ’የ፡” ኢላ ረሲዓታ ዝጸንሐት ጀበና ማይ ገይራ ሰኽተተታ።

“ግርም! ከምኡ እንተኾይኑ ጽባሕ ድሕሪ ቐትሪ ደሃይኪ ክፈልጥ’የ። ፈሊጥክዮ ክትጸንሒ መንገድና ክሳብ ሓጋዝ ብመኪና’ዩ። ነቑርደት ግን ብገመል ወይ ሪፍ’ዩ ክኸውን። ሕጂ ይለፍ ክተውጽኢ ከለኺ፡ መን ይፈልጥ እዞም ርጉማት ‘ናበይ ትኸዲ ኣለኺ’ ኢሎም እንተ ኣዋጠሩኺ፡ ቤተሰብ ክበጽሕ ንከረን ኢልኪ ኢኺ ትምልስሎም። ካብ ከረን ባዕለይ ካልእ ይለፍ ከውጽኣልኪ እየ፡” ድሕሪ ምባል፡ ኣብ ጕዕዞ ከድልያ ዝኽእል ነገራት ብዝርዝር ሓበራ። ካልኣይቲ ቡን ምስ ሰተየ ድማ ሰዓቱ ርእዩ ብድድ በለ።

“ኣይፋልካን ፍስሃየ። ኮፍ በል፡ ናበይ ደሊኻ? ብፍጹም ኣይትኸይድን ኢኻ። ክተዕልለኒ ክትሓድር ኣለካ፡” እናበለት ብኢዱ ከነው ኣቢላ ሓዘቶ።

“ግደፍኒ ደኣ ሮዛ፡ ብእዋኑ ስርሐይ ከሳልጥ። ሒዘዮ ዝመጻእኩ ንብረት ግድነት ክወጋግኖ ኣለኒ። ሎሚ ክረኽቦም ዘለኒ ሰባት’ውን ኣለው። ጕዳየይ ክነሱ ቈጸራ ክጠልም ግቡእ ኣይኮነን። ስራሕና ንሓደ ለሚንካ፡ ንሓደ ኣፍቲኻ ስለ ዝኾነ ግደፍኒ ጥራይ፡ ጽባሕ ኣዕልል ክንሓድር ኢና፡” ምስ በላ ከይፈተወት ፈነወቶ። ሒዙዎ ዝመጽአ ዕምባባ ኣሜሪካን ተምርን እትው ምስ በለ’ዩ ሸይጡዎ። ካብ ሜዳ ኤርትራ ዝሽምቶ ጅንጅብልን ብስም ራስ ገዝ ካብ ምኖፖል ዝወጽእ ኢድያል ሽጋራን ስለ ዝነበሮ ግን ይህወኽ ነይሩ።”

ፍስሃየ ንከተማ ቅድሚ ምኻዱ፡ ብጕዳይ ሽጋራ ንሓላፊ ስለያ ሰራዊት ክረኽቦ ስለ ዝነበሮ፡ “እተዊ በሊ ገዛኺ፡ ደሓን ሕደሪ፡” ኢሉዋ ናብ ሆቴል ንያላ ገጹ ኣምርሐ። ሮዛ ንዑኡ ኣፋንያ ኣብ መደቀሲ ክፍላ ብምእታው ኣብ ርእሲ ዓራታ ኣብ ዘላ ለይቲ ለይቲ እተብርህ ምስሊ ኣደይ ማርያም ተደፊኣ ናይ ምስጋና ጸሎት ኣብጽሐት። ኣብ ዓራታ ኮፍ ኢላ ቍሩብ ድሕሪ ምሕሳብ፡ ከብሒ ከፊታ ንይለፍ ዝኾና ስእሊ ሃሰስ ክትብል ጀመረት። ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ንናይ መኢሴማ ኣባልነት ኢላ ዝተሳእለቶ ፎቶግራፍ ረኺባ ኣብ ቦርሳኣ ኣእተወቶ። ንጽባሒቱ ከም ዘይተርክበሉ ፈሊጣ ኣብ መንገዲ ዘድልያ ነገራትን ንሰለሙን እትማልኣሉ ክዳውንትን ክትቀራርብ እናሓሰበት ከላ፡ ድምጺ ደቃ ስለ ዝሰምዐት፡ እቲ ጕዳይ ምስ ደቀሱ ክኾነላ ብምሕሳብ ናብ ሳሎን ኣምርሐት።

ይቕጽል

መበል 108  ክፋል   ዝመጽእ   27/12/2015

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleምስ መዕበያኻ ጥፋእ
Next Article ጥሪ ይመጽእ ኣሎ
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?