Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ንግስነት ኣርወ

ንግስነት ኣርወ

0
By Mekonnen T. on December 11, 2015 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ዘበን ገበል ዝሃበካ ተቐበል
ካብታ ብዶክተር ኣባ ኢሳቕ ገብረየሱስ ዝተጻሕፈት ፍረዱ ዘርእስታ መጽሓፍ ዝተረኽበ ጽሑፍ

ንግስነት ኣርወ ብኻልእ ኣዘራርባ ንግስነት ገበል ማለት እዩ። “ብዘበን ገበል፡ ዝሃበካ ተቐበል” ዚብል ምስላ ቀዳሞት ከኣ ነዚ ዚዝክር ይመስል። ኣብ ምድረ ሓበሻ ሓደ ከም ኣምላኽ ዝስገደሉ ሓያልን ዓብን ገበል ያኢ ነበረ። ሓንቲ ጽብቕቲ ጎርዞ ጓል ንጉስ ከኣ ነበረት። እቲ ንጉስ ኣቦ እታ ጓል፡ ስሙ ኣብቲ ታሪኽ የሎን። እታ ጓል ግን ትውልዳ ካብ መደባይ ዝተባህለ ኣብዚ ናይ ሎሚ መደባይ ታቦር ዝነበረ ብርቱዕ ህዝቢ ያኢ ነበረት። ስም ናይ’ታ ጓል’ውን ኣይጠቅስን።
ሓደ መዓልቲ ኣብ ገምገም ሓደ ዓቢ ዛራ ንበይና ብዕራቕ ጸሓይ ክትጽሎ እታ ጽብቕቲ ድንግል ዝኾነት ጎርዞ፡ ሓደ ንሱ’ውን ስሙ ዘይጠቅስ፡ ዝቃጸያ ዝነበረ ወዲ ኻልእ ንጉስ ንኽብረ ንጽህናኣ ብዓመጽ ደፈራ። እዚ ኩነታት’ዚ ክፍጸም እንከሎ ወዮ ገበል በቲ ሓደ ማዕጾ ገምገም ሩባ ኮይኑ ብኸምኡ ስምዒት ይጥምታን ይዕዘባን ነበረ’ሞ። ንሱ’ውን ብምትህርራፍ ዝኣክል ጾታዊ ዘርኡ ያኢ ናብቲ ማይ ከዓወ።
ዓመጸይና ወዲ ንጉስ ተግባሩ ፈጺሙ ነታ ጓል ገዲፉዋ ከደ። እታ ጓል ነቲ ዝወረዳ ምምርኻስ በቲ ፈልፋሊ ማይ ተሓጺባ ከተንጽሆ ምእንቲ፡ ኣብቲ ሩባ ተሓጽበት ፡ ከይፈለጠት በቲ ጾታዊ ዘርኢ ናይቲ ገበል ከኣ ተለኽፈት። ካብቲ ጥንሲ ከኣ ኣየምለጠትን።
መከይረይና ጓል በቲ ዝውረዳ ሕሰም ካብ ህዝቢ ምእንቲ ክትክወል ኣብ በረኻ ሰፈረት። ኣብ መጠረሽታ ከኣ ሓንቲ ጓልን ሓደ ገበልን ወለደት። ነቲ ገበል ክትሓርስ ከላ ግን ህይወታ ሓለፈት።
ኣሕዋት ገበልን ጓልን ከኣ ኣብ በረኻ ብሓባር ይዓብዩ ነበሩ’ሞ ጓሶት ርእዮም’ዎም ምስ ነገሩ፡ ህዝቢ ተኣከበ። ህዝቢ ነታ ጓል፡ ነቲ ውላድ ገበል ቀቲላ ናብ ሰብ ክትጽምበር ምስ ሓተታ ግን “ሓወይን ወዲ ኣምላኸይን’ሞ ከመይ ጌረ ክቐትል” ኢላ ኣበየት። እቲ ውላድ ገበል ኣጋቦስ ወይ ኣንጋቦስ ተባሂሉ ይጽዋዕ ነበረ።
ኣጋቦስ ዓበየ። 70 እመት ዝንውሓቱ ከኣ ኮነ። ነብሰ-ወከፍ ሓሙሽተ እመት ዝቑመቱ ሰብዓ ኣስናን ዘለዎ ዘስካሕክሕ ግናይ ከኣ ኮነ እሞ። ኣረርኪቡ እናሃደነ ንህዝቢ ኪለቅም ጀመረ። ንኣጋቦስ ክዓግት ዝኾነ ተቛውሞ ከኣ ከንቱ ነበረ። ህዝቢ ንኣጋቦስ ተቛዊሙ ኪንክዮ ዚኽእል ምዓት ስለ ዘይነበረ። ምስታ ጓል ኪራዳዳእ መረጸ። ኣብ መወዳእታ እታ ጓል ምስቲ ገበል በቲ ቋንቁኡ ብዘሰማምዓቶ ሰጥ ኢሉ ኪግብር ከምዝኾነ እቱ ህዝቢ ምስታ ጓል ተረዳድአ።
ኣጋቦስ ድሕሪ ክንደይ ናይ ሓውቱ ልማኖ
ዓሰርተ ብዕራይ
ዓሰርተ ላም
ሓምሳ በጊዕ
ሓምሳ ጤል
ሓደ ገንኢ ምዓር
ሓደ ገንኢ ጸባ
ሓንቲ መንእሰይ ድንግል ጓል
ዕለት ዕለት እንድሕሪ ዚኸፍልዎ ኮይኖም፡ ኪሰማማዕ ሕራይ በለ። ብኸምዚ ከኣ ኣጋቦስ እቲ ዓቢይ ገበል ንኣርባዕተ ሚእቲ ዓመት ዝኣክል ያኢ ገዝአ። ነተን ዕለት ዕለት ዝውፈያኦ ዝነበራ ኣዋልድ ከኣ ድሒሪ ምዕማጽ ይቑርጥመን ነበረ።
እቲ ብርቱዕ ዝብሃል ዝነበረ ህዝቢ መደባይ ብኸምዚ በቲ ሕሱም ኣራዊት (ኣርወ) እናተገዝአ ምስ ጸንሐ ግን ሓደ ግብጋቦ ዝበሃል ጅግና ሓማሴናይ ወዲ መስፍንቶ ንመደባይ መጸ እሞ፡ ህዝቢ መደባይ ምስ ግብጋቦ ተሰማምዐ፡ ካብ መግዛእቲ ገበል ነጻ እንድሕሪ ኣውጺኡዎ ንግብጋቦን ንትውልዱን ኪግዛእ ተወዓዓለ።
ግብጋቦ ኣብ ዙርይ እንዳ ገበል፡በጉናድን ገመልን ዝደልደለ ሸውዓተ ናይ ዕንጨይቲ ቀጽሪ ሰርሐ። ነታ ማእከለይቲ ቀጽሪ በርባዕተ መኣዝን ሓዊ ረኩዓላ። ብሓዊ ይልብለብ ምስ ዝነበረ ገበል እናተዋግአ፡ ነታ ካልኣይቲ፡ ድሕሪኣ ከኣ ነታ ሳልሰይቲ ኣንደዳ። ከምኡ እናበለ ከኣ ገበል ካብ ዝቐደመ ቀጽሪ ተኾልሲሱ እንተምለጠ በቲ ዝደሓረ እናተደግመ ብኩናት ግብጋቦ’ውን እናተሸንድሐ ኣብ ሻብዓይቲ ቀጽሪ ጻሕ ኢሉ ወደቐ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ግብጋቦ ነቲ ግናይ ብማሕጸ ርእሱ ፈግኦ እሞ፡ ካብቲ ዝተፈግአ ርእሲ ገበል፡ ምስ ደም ዝተሓወሰ ደቂቕ ዘርኢ ያኢ ናብ መሬት ፈሰሰ። ዝናብ ምስ ሃረመ ከኣ Eragrostis Abissinica ዝተባህለ ጣፍ ያኢ ናብ ህዝቢ ምእንቲ ክምገብ ንመፈለምታ ግዜ በቖለ። “ወቀተልኮ ለከይሲ መወሃብኩሙ ሲሳዮመ ለኢትዮጵያ” ንተመን ቀቲልካ ንኢትዮጵይ ከኣ ሽሻዮም ሃብካዮም” ዝተባህለ ከኣ በዚ ምኽንያቲ እዚ እዩ ያኢ።
ገብጋቦ ነታ ጓል ተመርዕዩ ብምንጋስ፡ እቲ ፈለማዊ ስርወ ንግስነት ዓድሓበሻ፡ ማለት ስርወ ንግስነት ኣርወ ምስ መስረተ ኣብ ኣኽሱም እዉን ተቐብረ። ደቁ ጸኒሖም እዉን ደቅ-ደቁ ከኣ ነገስታት ኣኽሱም ኮኑ። መበል ሻብዓይ ወሎዶኡ ንገብጋቦ፡ ስም ኣባሓጎኡ ብምውሳድ ኣጋቦስ ይበሃል ነበረ።
ባህሊ ብባህሊ ስለዝትካእ ወይ ስለዚዝረግ፡ ኣብዚ ግዜ’ዚ ሃሲሱ ካብ ዝኽርታት ሕብረተ-ሰባት ሓበሻ እዉን በኒኑ እምበር ቅድም ዝበሉ ሓበሻውያን ኣቦታትስ “ቀዳማይ ንጉስ ሓበሻ ኣርወ(ገበል) ነበረ። መግዛእቲ ኣርወ ከኣ ዘስካሕክሕ ነበረ” ዝብል ያታ ነበሮም። ናይ ዘበን ኣርወ ትዝታ ከኣ ምስ ኣስማት ናይ ቦታን ናይ ሰባትን ባህርያውያን ኣምራት ብርቀት ተኣሳሲሩ እናተዘርዘረ ዚኸይድ ያታ ነበረ። እቲ ርሑቕ ናይ መከራ መዋእል “ዘበን ገበል ዝሃበካ ተቐበል” ዚብል ቅድም ኢልና ዝጠቐስናዮ ንትዝታ ናይ’ዚ ያታ’ዚ ጥራይ’ዩ ዝወሃብ።
ስለምንታይ ህዝቢ “ንእንስሳ” እሞ ከኣ ንገበል (ኣርወ) ብዝበለ ኣራዊት ንግዛእ ኔርና ዚብል ትዝታ ዝቕበል ስለምንታይስ እቲ ቀዳማይ ስርወ-ንግስነት ሓበሻ “ስርወ-ንግስነት ኣርወ” ዚበሃል?
ኣእምሮ ዘይብሉ እንስሳ ነእምሮ ዘለዎ ወዲ ሰብ ኪገዝእን ኬመሓድርን ከም ዘይክእል ዘየካትዕ’ኳ እንተኾነ ከምኡ መበልን ብኡ ቢሉ ከኣ ንኸምኡ መእመንን ጭቡጥ ዝኾነ ምኽንያት ኣይነበረን ክበሃል ግን ኣይከኣልን። ገለ ካብቲ ምኽንያት
ብዙሓት ወይ ኩሎም ህዝብታት ጥንታዊ ዓለም፡ ኣብ ዝተፈላለየ ጣኦታት የምልኹ ነበሩ። ሓደ ካብቶም ግኑናት ናይ ጥንቲ ጣኦታት ኣምልኾ ከኣ ኣብ ገበል ወይ ተመን(ኣርወ) ነበረ። ካልእ ኣጸዋውዓ ኣርወ ኣብ ግእዝ (ከይሲ)ዝብል እዉን እዩ።

ቀዳም 5 ታሕሳስ ኣብ ሬድዮ ኤስቢኤስ መደብ ሞዛይክ ባህሊ ዝተፈነወ ጽሑፍ

12347729_10205310952313797_7870808735601522162_n

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleሮዛን ሰሌን
Next Article መጽሓፍ “መባእታ ሰዋስውን ስነ-ጽሑፍን ትግርኛ 2015”፣ ማእከል ልዝብዶ ክርክር፧
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?