Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ፍትሕ

ፍትሕ

0
By Mekonnen T. on October 24, 2015 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

Micheal Measho ( wedi Roma)

“ሎሚ፣ ህይወተይ ዝቐየረት መዓልቲ’ያ!” ኢሉ ኣኽመስመሰ። ክምስታኡ ኺንዮ እቲ ኣብ ውሽጡ ዝገማዳሕ ሓጐስ ኣንጸባረቐ። ንሱ፣ ንልዕሊ ርብዒ ዘመን ምስ ብርዕን ወርቐትን ተቓሊሱ’ዩ። ኰይኑ ግና ሓንቲ ዘፍረያ መጽሓፍ ኣብ ከብሒ ደረስቲ ኣየንበረን። ንበይኑ’ዩ ኣብ እዝኑ ለዓት ህዝባዊት ስልኪ ኣጸጊዑ ብሕሹኽታ ኽዛረብ ዝጸነሐ። “ሄሎው!” ዝብል ድምጺ ካብቲ ፈንጠዝያዊ ሓሳብ ኣበራበሮ። “ሄሎው ቤት-ማሕተም ዘመናዊ ድዩ፧” በለ ብታህዋኽ እናተንፈሰ። “እወ ኣይተጋገኻን። እንታይ ክእዘዝ፧” “ይትባረኽ ሰረቐ እበሃል። ‘ፍትሕ እንተዘይህሉ’ ትብል መጽሓፍ ከሕትም ምሳኹም ተሰማሚዐ ነይረ። ኰይኑ ግን ናይ ገንዘብ ሕጽረት ኣጋጢሙኒ ደንጕየ። ሕጂ ግን ሰዓቱ ዝኣኸለ’ዩ ዝመስል። ብዝዀነ ምስ ኣካያዲ ስራሕ ብኮምፕዩተር ክትጽሕፉለይ ተረዳዲእና ነይርና’ሞ፣ እቲ ጽሑፍ ጽባሕ ከምጽኦ ኢለ’የ ደዊለ፣” ህርመት ልቡ ዕጽፊ ወሰኸት። “እወ፣ ጽጉም’የ ስለ ዝበልካ’ምበር ከምኡ ምግባር ካብ ኣሰራርሓና ወጻኢ’ዩ።” “ብልቢ’የ ዘመስግነኩም!” ቃናኡ ልዕሊ ቃላቱ ተናገረ። ዝርርቡ ምስ ዓጸወ፣ ብዛዕባ’ታ መጽሓፍ ርእይቶ ክብዎ ምስ ሓደ ዝኣምነሎም ደራሲ፣ ቈጸራ ስለ ዝጸነሖ ናብኦም ክኸይድ ተበገሰ። ውሑድ ስጕምቲ ምስ ከደ ግን ምድረ-ሰማይ ብደበና ጸልመተ። ጕዕዞኡ ኣቋሪጹ ኣብ ምምላስን ምቕጻልን ተቐርቀረ። ብቑዕ ምኽንያት ኣለዎ። ገዛኡ ብቝርጽራጽ ዚንጎ ዝተላሕመ’ዩ። ማይ ክመጽእ ከሎ ኸኣ ደቁን ሰበይቱን ይረኣዩዎ፣ ብዓቢኡ ኸኣ እታ ኣብ ከምዚ ዓይነት ትሑት መነባብሮ ንኽነብር ዝደረኸቶ መጽሓፉ’ውን ኣላ። ባህሪ በዓልቲ ቤቱ ምስ ነብሪ’ዩ ዘዛምዶ። ግን ፍትሕ ዝበሃል ካብ ዝሰምዕ፣ ሞት’ዩ ዝምነ። ብሰንኪ ፍትሕ ወለዱ፣ ዘሕለፎ ህይወት ንዝዀነ ጸላኢኡ’ኳ ኣይምነየሉን። ካብቲ ንዕኡ ዝገደፈሉ ስምብራት ተበጊሱ’ውን ጽሒፉን ተፈላሲፉን። ፍትሕ ከየጋጥም ጸግዒ ውጹዓት ቈልዑ ኰይኑ ተማጒቱ’ዩ። “ፍትሕ ጠንቂ ዅሉ ጸገማት’ዩ” ዝብል ርድኢት ኣለዎ። እቲ ተጻዒኑ ዝጸንሐ ደበና፣ ከንጠብጥብ ጀመረ። ጕዕዞኡ ኣቋሪጹ መንገዲ ገዛኡ ሒዙ ብናህሪ ኽጕዪን ፍሩይ ማይ ክወድቕን ከኣ ሓደ ዀነ። ናብ ገዛኡ ኣንፈት ኣማዕደወ። እቲ ኸባቢ ብንፋስን ብርቱዕ ማይን ተሸፊኑ ረኣየ። ዝያዳ ግን ብህይወት ስድራኡ ሰግአ። ኣእምሮኡ ብስክፍታ መሊኡ፣ ንሱ’ውን ከም ንፋስ ተሓንበበ።

ድሕሪ ቝሩብ ጕያ ግን ውግኣት ተሰሚዑዎ ደኒኑ ኣብራኹ ብምድጋፍ ንገለ ደቓይቕ ኣዕረፈ። እዚ ዅሉ ማይ ኣይሂ ኣብ ዝባኑ ኽዓልብ ኣይተፈለጦን። ምድረ-ሰማይ ክኽፈት ምስ ጀመረ፣ ኣስናኑ ነኺሱተበገሰ። መገዲ ምስ ኣፋረቖ፣ በዓልቲ ቤቱ፣ ማይ እናተሃርመት፣ ንፋስ ንዝቐንጠጦ ዚንጎ ኽትጽግን ኣብ ናሕሲ ተሰቒላ ረኣያ። ማይ እናነከየ ንፋስ እናበርትዐብምኻዱ ንሰበይቱ ንየማነ-ጸጋም ሸለውለው ኣበላ። ይትባረኽ፣ ሕማቕ ከይርኢ እናጻለተ ኸይተፈለጦ ናህሩ ወሰኸ። በቲ ኻልእ ወገን ገዛኡ ምስ ኣተወ፣ብሰበይቱ ዝወርዶ ኣደራዕ ተቐጂሉዎ ኣብ ቅልውላው ተሸምመ። ካብ ስክፍታኡ ኸይወጸ፣ በዓልቲ ቤቱ ኤልሳ፣ ካብቲናሕሲ ብንፋስ ተቐሊዓ ኽትወርድ ረኣየ። ብኡ ንብኡ ውግኣቱ ረሲዑ ኸም ጥይት ክውንጨፍ ኣይጸገሞን። ልክዕ ኣብ ከባቢ ቤቱ ኽበጽሕ ከሎ፣ እቲ ኽዘንብ ዝጸነሐ ማይ ጸጥ በለ። ሃለዋት ሰበይቱ ኽፈልጥ ኣግለጽለጸ። “ኤልሳ! ኤልሳ!” ተዳህየ። ዋጭዋጭ ዝብል ድምጺ ደቁ’ውን ሰምዐ። ነቲ ዝተዓጽወ ቤቱ ብሓይሊ ኣርሕዩዎ ምስ ኣተወ፣ በዓልቲ ቤቱ፣ ንዝደመየ ኣካላ ብጨርቂ እናደረዘት፣ ኣብ ከቢድ ቃንዛ ጸንሓቶ። ይትባረኽ፣ ብስክፍታ ናብ ውሽጢ ኣተወ። ከምዚ ዓይነት እንከጋጥም ከሎ ዝወርዶ ኣደራዕ ይፈልጦ’ዩ። ኤልሳ፣ “ጠንቂ ቝጠባዊ ኣታዊና ዘንቈልቈለሉ፣ ደራሲ ምዃንካ’ዩ!” እያ ትብሎ። ንሱ፣ ኣብ ቤት ሕብስቲ እናሰርሐ፣ ካብተን ዝረኽበን 1800 ደመወዙ እተን 700 ንሰበይቱ’ዩ ዘረክባ። ዝተረፈ ግን ነቲ ዘፍቅሮ ሞያ የወፍዮ።

ይትባረኽ፣ እናላህለሀ “ኤልሳ ደሓን ዲኺ፧” ንሳ፣ መልሲ ኸይሃበት ቃንዛኣ ተጻዊራ፣ ኣፍጢጣ ጠመተቶ። በቲ ስቕታ ትብሎ ኸም ዘለዋ ተረድአ። ከተሃዳድኣ ኣብ ጐድና ኮፍ በለ። “ኤልሱ ኣብ ላዕሊ ምስ ረኣኹኺ ኣዝየ ሰንቢደ። ምስ ወደቕኪ’ውን ሓዚነ፣ እንቋዕ ጥራይ ካብዚ ኣይከፍአ፣” መንኵባ እናደራረዘ ተዛረባ። “ካብ ናሕሲ ምውዳቐይ ጥራይ ኣሕዚኑካ፧ ካብ ህይወት ምውዳቐይ’ዩ ኸሕዝነካ ዝግባእ። ይትባረኽ! ምሳኻ ሓዳር ምግባረይ’ዩ ዘሕዝን!” ነጺጋቶ፣ ናብቲ ብናይ ቤቶም ነዃላት ዘሩቑ ኸንጠብጥብ ዝረኣየቶ ማይ ከተዕቍር ሸሓኒ ኣልዒላ ኸደት። ሕርቃና ምስ ኵሉ ኣብ ቕድሚኣ ዝጸነሐ ንብረት እናተጻፍዐት ከም ትኸይድ ገበራ። “ኣንቲ ኤልሱ! ንምንታይ ሕማቕ ዘረባ ጥራይ ትዛረቢ፧” ሽዑ’ውን ከህድኣ ፈተነ። ጠባይ ካብ ትቕይር ዓመታት’ያ ኣቝጺራ። “ኣይትሓፍርን ዲኻኸ!፧” ሽምጣ ሒዛ ደው በለት። ይትባረኽ፣ እቲ ዘረባ ናብ ካልእ ከይዓርግ ክጥምዝዞ ፈተነ። “እሓፍር’ምበር! ግን እንታይ’የ ዘይገበርኩ፧” ብስምዒት ኣዒንቱ ጠቐሰ። “ትገብሮ ደኣ ብዙሕ፣ ምጽሓፍ ኣቋሪጽካ ደቅኻ ተዕቢ! ሰሪሕኻ ናብራና ትቅይር!” “ኣንቲ ኤልሳ! ክንደይ ዓመት ዝጸዓርኩሉ ኣብ ፍረ ምስ በጸሐ!” “ኣነ ኸኣ ኽንደይ ዓመት ተጸሚመ ኣብ ጽላለ ምስ በጻሕኩ፣” ዘሪቝ ማይ ኣትዩዎ ኸንቀጥቅት ንዝጸነሐ ወዳ፣ ክዳን እናኣውጻአትሉ ተዛረበት። ይትባረኽ’ውን ብወገኑ ማይ ንዝኣተዎ ንብረት ክወጋግን ኣብ ስራሕ ተጸምደ። “ዘይነገርኩኺ ኸኣ ንጽባሕ ቤት ማሕተም ክትኣቱያ፣” ተስፋ እንተዀና ነቲ ሓቂ ነገራ። “መን ይፈልጥ ኣነ ኸኣ ቕድሚኡ ኻብ ገዛ ተሓቲመ እወጽእ እኸውን!” ቃናኣ ኣዕጺቓ ጨደረት። እንታይ ከም ትምልሰሉ ግምት ኣለዎ። ኰይኑ ግና ንኽብሪ ስድራኡ ዓቕሊ ክገበር መረጸ። ንሱ ዘሕለፎ ህይወት ኣብ ደቁ ኻብ ዝርእዮ ኽዋረድ ይሕሾ። ንዘረባኣ ኸይመለሰ፣ ብውሽጡ ሕሩር ክንሱ ኣኽመስመሰ። “ኢሂ ደራሲ!፧” ንይትባረኽ፣ እታ ናይ ባጫ ጻውዒት ስምዒቱ ወግአቶ። ክተሕርቖ እንተ ደልያ እትጥቀመላ ልምድቲ ቓል’ያ። “ኤልሳ፣ እንታይ’የ ገይረኪ፣ ስለ’ዞም ቈልዑ ኢልና ዘይንከባበር! ከምኡ ኣይትበልኒ‘ኮ ኢለኪ’የ!” “ደራሲ ዝብል መዓርግ ክትቅበልዶ ኣይኰንካን ህይወትና ድርሰት ቀይርካዮ ዘለኻ፧” መሊሳ ነደረት። “ኣብ ብርከይ ተሳሊምካ፣ በቲ ለመጭ መልሓስካ ኸተጋግየኒ ኸለኻ ኸምዚ ድየ ነይረ!፧ ንኸምዚ ድየ ኻብ ክንደይ ደለይተይ ንዓኻ መሪጸ፧ ብቝርጽራጽ ታኒካ ኣብ ዝተላሕመ፣ ካብ ዛዕዛዕታ ዘየዕቅል ቤት ክነብር ድየ ኻብቲ ማሙቕ ቤተይ ወጺአ፧” ይትባርኽ፣ እንተ ኣምጺኣ ስለ ዝፈልጣ ስቕታ መረጸ። ዘዐግሳ መድሃኒት እንተ ሃልዩ ስቕታኡ ጥራይ’ዩ። “መልሰለይ’ባ!፧” ሰሪቡ ዝጸንሐ ንብዓታ ፈሰሰ። ይትባረኽ ደኒኑ ስለ ዝጸነሐ ኣየስተውዓለላን። ፊቕታኣ ምስ ሰመዐ ግን ርእሱ ኣቕንዐ። ብርህረሀ ክእብዳ ኢሉ ቐረበ። ዝዀነ ግበረ መልሲ ከይ ሃበት ናብ ምድሪ ቤት ተደፊኣ ኣስቀጠት።

ነዚ ዅሉ ኽከታተሉ ዝጸንሑ ቘልዑ‘ውን ክእበዱ ናብ መንጎ ወለዶም ኣተዉ። ይትባረኽ ስምዒቱ ተሰባበረ። ኤልሳ፣ ጸጕራ እናመዓራረየት ወጸት። ማይ ዝኣተዎ ኣጭርቕቲ እናወገነት ከላ ወረቓቕቲ ዝመልአ ኸብሒ በዓል ቤታ፣ ማይ ኣትዩዎ ድርሰታቱ ጠልቅዩ ረኣየት። ቀይናን ፍሽኽታ ሓዊ ኽትኣጕድ ናብ ክሽነ ሓለፈት። ይትባረኽ፣ ንኵነታታ ገሚቱ ናብኡ ኸደ። ድርሰቱ ፍርቃ ማይ ኣትዩዋ ረኣየ። ረስኒ ኣካላቱ ጥርዚ በጽሐ። ነቲ ሓቝፉዎ ዝጸነሐ ህጻን ደርብዩ ኽነጋግፍ ጀመረ። ኵሉ ወረቓቕቱ በስቢሱ ጸንሖ። ኣብ ዓራት ዛሕዚሑ ኣእዳዉ ንድሕሪት ብምጥማር ንገለ ደቓይቕ ኰለለ። ኤልሳ፣ ሓዊ ኣጕዳ ንቐዝሒ ናይቲ ቤት ክተማሙቕናብ ውሽጢ ኣተወት። ይትባረኽ ንኽልተ ደቁ ሓቚፉ መጻሕፍቱ ኽጸሉ ኣብረዀ። ኤልሳ ብወገና ድራር ኣብ ምድላው ተጸምደት። ሃንደበት ካብ ጐረቤት ጻውዒት ናይ ስልኪ ኸም ዘሎዎም ምስ ተሓበረት ክትቅበላ ኸደት። እቲ መልእኽቲ፣ ናይ ሰብኣያ ብምንባሩ ደስ ከይበላ ሓበረቶ። ናብ ስራሓ ኸኣ ተመልሰት። “ሄሎ መን ክብል፧” “ይትባረኽ! እንታይ ደኣ ቘጸራኻ ረሲዕካዮ ዲኻ፧” “ይቕረታ ግበሩለይ! ዘይረሳዕኩዎ! ማይ መጺኡኒ እምበር።” “እታ ጽሕፍቲ ግደፈለይ ኢለካ ነይረ፣ ከይንሰርቀካ ዲኻ ደኣ መጺእካ ወሲድካያ፧” ዋዛ ሓዊሶም ተዛረቡዎ። “ኣይፋለይን! ቅዳሕ እምበር ዘይብለይ ኰይኑ” “በል ብዛዕባኣ ኽብለካ ዝደለኹ ስለ ዘሎ ዝገደፍካ ገዲፍካ ጥብ በለኒ!” ንዕኡ ዘሐጕሶ ዜና’ዩ። ለዓት ዓጽዩ ኽብገስ ክዳን ደረበ። ኤልሳ ብተግባሩ ሓሪቓ ሽምጣ ብምሓዝ ንዝገብሮ ኽትከታተሎ ጸንሐት። “ናበይ ኢኻ፧” ተሃወኸት። “ኣገዳሲ ቘጸራ ኣለኒ ኤልሱ ሓፍተይ! ቀልጢፈ ኽመጽእየ።” “እውይ! ኣነስ ዘይሓልፈለይ! እዚ ዚንጎኸ መን ክሰቕለልካ!፧” ዓውታ ወሲኻ ብንዕቐት ጠመተቶ። “ኣይደንጕን’የ ዕስራ ደቒቕ…!” ክወጽእ ተበገሰ። ኤልሳ፣ ኣብ ቅድሚኡ ተገተረት። “ኣነ!” ዘረባኣ ኣቋሪጻ ኣሕነቕነቀት። “ደቅኻ ጠንጢነልካ እግረይ ናብ ዝመርሓኒ ሃጽ ኢለ ኽጠፍኣልካ’የ። ሽዑ ተደሊኻ ትደርስ ተደሊኻ ትጽሕፍ!” “ኤልሳ! ንደቓይቕ እኰ’የ ኢለኪ!” ንሱ’ውን ነደረ። “ኣነ እነግረካ ኣሎኹ ዓቕለይ ይውደኣኒ ኣሎ። ግደፍ! ይብለካ ኣሎኹ ግደፍ!” ሽዑ’ውን ንብዓታ ኣርገፈት። ይትባረኽ፣ ኣብ ሽዑ በጺሑ ንብዓታ ንብዓት ሓርገጽ ኰይኑ ተሰምዖ። ኣትኪሉ ኽጥምታ ድሕሪ ምጽናሕ ጥሒሱዋ ሓለፈ። ንዕቐቱ ንሕርቃና መሊሱ ኣሳወሮ። ኣብ ቅድሚኣ ኻብ ዝረኣየቶ ፈልጺ ኣልዒላ ኽትፍግጾ ሓሰበት። ድሮ ግን ካብኣ ማሕደገ። “ደራሲ! ዝሓሰብኩዎ እንተ ዘይየተግቢረ ኣይኣነን’የ። ንዒቕካኒ ሓቅኻ!” ብዓውታ ፈከረት። ይትባረኽ ከይተገደሰላ መንገዱ ቐጸለ። ኣብ መንጎ ወረቓቕቱ ኸይጠርነፈ ኸም ዝተበገሰ ተዘከሮ። ተመሊሱ ኣብ ቈየቛ ኻብ ዝኣቱ ዝዀነ ኽኸውን ነቲ ጕዳይ ሓደጎ። ኤልሳ፣ ካብቲ ኽትሓስቦ ዝጸነሐት ዝኣጐደቶ ሓዊ ብትኪ ዒግ ኢሉ ምስትንፋስ ምስ ከልኣ፣ ከተቃጽሎ ናብኡ ቐረበት። ኣብታ ምሸት ህይወት ስድራኣ ኸትልውጥ ከም ዘለዋ ብሓሳባ ኣገማደሐት። እንተ ሓሪቓ ናብ መሓዙታ’ያ ትድውል ነይራ። ኣብዛ መዓልቲ ግን ንነብሳ ኣሚና በዓል-ቤታ ኽሳብ ዝመጽእ ንለውጢ ኽትሓስብ ወሰነት።

ይትባረኽ፣ ምስቶም ዝቘጸሩዎ ሰብኣይ ተራኺቡ። ቀልጢፉ ናብ ዛዕባኡ ኽኣቱ ዘረባኡ ጠምዘዘ። “ከምቲ ዝበልኩኹም ካብ ህይወተይ ተበጊሰ’የ ጽሒፈያ። ብናይ ስድራይ ፍትሕ ንዝወረደኒ ስቓይ ክምልስ ኣብ ባሕሪ ስነ-ጥበብ ክጥሕል ተገዲደ’የ።” “ይብለካ እንድየ ዘለኹ። ካብ ኣርእስቲ ጀሚርካ ኣልዒልካዮ ዘለኻ ዛንታ፣ ህይወት ብዙሓት ሰባት ክልውጥ ዝኽእል’ዩ። ካብዚ ተበጊሰ፣ በዚ መጽሓፍ ክዓብድ ደልየ ኣለኹ። ክንደይ ኣንቢበን ጽሒፈን’ሞ ኸምዚኣ ገይሩ ዝተንከፈኒ የለን። ናይ ግድን ተሳታፊ ኽኸውን ኣለኒ ኢለ’ውን ባዕለይ ክምውላ ወሲነ ኣለኹ፣” ኣበሰሩዎ። እቲ ንነዊሕ ግዜ ደቁ ኣጥምዩ ዝኣከቦ ገንዘብ፣ ንስምዒት ሰበይቱ ኽድብሰሉን ህይወቱ ኽቕይረሉን ተራእዮ። ካብኡ ናብ ኤልሳ ኽበርር ተሃወጸ። ከመይ ኢሉ ተፋንዩዎም ኣይተፈለጦን፣ ድሮ መንገዲ ኣፋረቖ። ይትባረኽ ሓጐስ ዝደፍኦ ዘይንቡር ኣኳሓኵሓ ተጠቕመ። ደሓር ግን ስለ ዝደንጐየቶ ኣዕገርገረ። ማዕጾ ተኸፊቱ ምስ ኣተወ፣ ኤልሳ ብጸዋግ ገጻ ተቐበሎቶ። መሪሓቶ ናብቲ ኽትጥርንፎ ዝጸነሐት ክዳውንቲ ኸደት። “ኤልሲ! ፍረ-ጻማኺ እትርእይሉ ኣጋጣሚ ተረኺቡ። መጽሓፈይ መዋሊ…!” ዘረባኡ ኸይወደአ ገዲፋቶ ወጸት። ተስፋ ኸይቈረጸ ሰዓባ። ነቲ ንእሽቶ ወዱ ሓቚፉ ናብ ዘላቶ ቐረበ። እቲ ዝዓበየ ወዱ ግን ንኣቦኡ ደጋጊሙ ጸወዖ። ከይተገደሰሉ’ውን ሓለፈ። “ባባ ባባ! ወለገትካሲ እ እ!” በለ በቲ ዘይጸረየ ላህጃኡ። ሽዑ‘ውን ከይተገደሰ ናብ ኤልሳ ኣድሃበ። “ኤልሳ ብልቢ’የ ዝብለኪ ህይወትና እትቕየረላ መዓልቲ ሎሚ’ያ፣” ነቲ ንፋስ ዘውረዶ ዚንጎ ኽትሰቅል ከም ዝደለየት ኣልዓለቶ። ኣትዩ ስለ ዝረስዖ እናተሰከፈ ኣሕዲጉ ኽሰቕሎ ደየበ። ኤልሳ ኣብ ውሽጢ ገዛ ምጥርናፍ ክዳውንታ ቐጸለት። ይትባረኽ፣ ነቲ ዝኣረገ ዚንጎ በቲ ረኺቡዎ ዘሎ ትርፊ ገንዘብ ክትክኦ ምዃኑ ተኣማሚኑ፣ ዕሩይን ዘይዕሩይን ከየረጋገጸ ብታህዋኽ ወረደ። ኣብ ድርኵኺት ከይበጽሐ እቲ ኣቓልቦ ስኢኑ ዝጸንሐ ወዱ፣ “ባባ ወለገትካ’ኰ ነዲዱ’ዩ፣” ኣፍኣመሉ። ይትባረኽ ነቲ ወዱ ዝሃቦ ሓበረታ ከረጋግጽ፣ ብጥርጣረ ናብቲ ወራቓቕቲ ዝገደፈሉ ቦታ ኣዒንቱ ለኣኸ። ከምቲ ዝበሎ ዝዀነ ኣሰር ሰኣነ። ናብ እቶን ብናህሪ ሓለፈ። ገለ ኽፋል ጫፍ ናይ ድርሰቱ ኽትቃጸል ጸንሐቶ። ኣብ ኣካላቱ ኸኣ እሳት ተኻዕወ። ብናህሪ ወጺኡ፣ ኤልሳ ናብ ትርከበሉ ስፍራ ኸደ። ኣስናኑ እናሓርቀመ ጠመታ። ከይሓተታ፣ ብዕማኾ የማናይ ኢዱ ናብ መሬት ኣውደቓ። ኤልሳ፣ ካብቲ ዝወደቐቶ ድሕሪ ውሑዳት ደቓይቕ ተንሲኣ ኸም ቈልዓ ኒን እናበለት ክዳናን ክዳን ደቃን ጠራኒፋ ወደአት። “ከምዚ ኢለ ክነብር ስለ ዘይክእል ክፋታሕ ወሲነ ኣለኹ ስድራይ ሒዘ ኽጸንሕ’የ ስድራኻ ሒዝካ ንገዛና ትመጽእ!” ትእዛዝ ሂባቶ ወጸት። ንሱ’ውን ብልቡ ወግዓዊ ፍትሕ ወሰነ። ብዛዕባ ፍትሕ ዝነበሮ ርድኢት ክድምስሶ ተዳደነ። ንክትፋታሕ ኢላ ንድርሰቱ ምቅጻላ ግን፣ ዘይተፈትሐ ግድል ኰኖ።

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleዝኽሪ ዜማ : ሓይሊ ዜማ መለይ ኣብ ክውንነት !
Next Article ሮዛን ሰሌን
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?