Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Monday, March 9, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ሮዛን ሰሌን

ሮዛን ሰሌን

0
By Mekonnen T. on October 18, 2015 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል (ሃንችባክ)

መበል 93 ክፋል

ዶክተር ኣብርሃም ኣብታ ጸባብ ሸላ ንገለ ካልኢታት ዘዘው ድሕሪ ምባል ኣብ ምድሪቤት ኮፍ በለ። ፍርሒ ወይ ስንባደ ዝብሃል ኣይነበሮን። ኣስናቀ ተመሊሱ ክሳዕ ዝመጽኦ ካብ’ቶም ባዕሉ ዝወደቦም ሓሙሽተ ኣባላት መን ክኽሕድ ከም ዝኽእል ንምግማት ንነፍስወከፎም ኣብ ገምጋም ኣእተዎም። በብሓደ ድኹም ጐድንታቶምን ብልጫታቶምን ክምርምር ጸኒሑ፡ ኣብ ታደሰ ምስ በጽሐ ዝን በለ። ግንባሩ ኣዕጢሩ ኣዕሚቚ ሓሰበ። ታደሰ መስተ ዘዘውትር፡ ገፋሕፋሕ ዝፈቱ፡ ህርፋን ሓላፍነት ዝነበሮ ኮይኑ፡ ብደርግ ማርክስነት ክመሃር ንዓመት ንቡልጋሪያ ተላኢኹ ጸኒሑ ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ’ዩ መጺኡ። ካብ ቡልጋርያ ድሕሪ ምምላሱ ምስ ብርክት ዝበሉ ሓለፍቲ ክራኸብ ከም ዝጀመረ ዘኪሩ ርእሱ ነቕነቐ።

ዳግማይ ሕስብ ኣቢሉ፡ “ግን ምስ ሰበስልጣን ዘይሩ’ባ መስተ ሰትዩ’ባ ኢለ ብዓይኒ ጥርጣረ ክርእዮ ጌጋ’ዩ። በየናይ ሜላ ደኣ’ሞ ሓበሬታ ክእክብ? ከም ናቶም ሰብ ክቕበሉዎ እንተኾይኖም ንዓታቶም ክመስል ኣለዎ፡” ኣብ ዝብል መደመደምታ በጽሐ። ኣብ ልዕሊ ታደሰ ዝነበሮ ጥርጣረ ሰሪዙ ድማ ነቶም ዝተረፉ ኣባላት ኣብ ምፍታሽ ኣተወ። ኣብ ኩላቶም ኣበር ክረክብ ግን ኣይከኣለን።ስለያዊ መርበብ ጸላኢ ክፍጽሞ ዝኽእል ስልኳ፡ ምስላም ናይ ገለ ተጋደልቲ፡ ኣብ ግምት ከየእተዎ ዝጸንሐ ናይ ኣሰራርሓ ጕድለት፡ ወይ ደቂቕ ነገራት ዝመበገሲኡ ጥርጣረ ዝፈጠሮ ሳዕቤን ክኸውን ይኽእል’ዩ ኣብ ዝብል ትንታኔ ተጸሚዱ ነዊሕ ተመራመረ። ዝኾነ ፍንጪ ክርክብ ግን ኣይከኣለን። ኣብ ሌ/ኮለነል ቦጋለ ክበጽሕ ከሎ ማዕጾ ሸላ ተኸፍተ። ኣስናቀ ኣንበሳ በረኻ ክመስል ኣብ ልዳት ሸላ ጠጠው ኢሉ ንገለ ካልኢታት ምስ ጠመቶ፡ “እንታይ ሓሲብካ ዶክተር?” ክብል ተወከሶ።

“እንታይ እየ’ሞ ክሓስብ? ሃንደበት ካብ ስርሐይ ሒዝኩምኒ መጺእኩም። መምጽእየይ ግን ፈጺሙ ክርድኣኒ ኣይከኣለን።”

ኣስናቀ በተን ፍርይ ኢለን ኣስናኑ እናሰሓቐ፡ “ዶክተር! ባዕልኻ እንተ ተዛረብካ ይሓይሽ። ሕጂ ንጹህ ሰብ ተመሲልካ ከምኡ ክትብል ከለኻ ንጹህ ሰብ ስለ ትመስል ንኻልእ ሰብ መጋገኻ። ተሓባባሪ ሻዕቢያ ምዃንካ ኣጻሪና ፈሊጥና ስለ ዘለና ግዜ እንተ ዘይቀተልካ ዝሓሸ’ዩ። ሓንሳብ ኣብ መንጋጋ ኣንበሳ ከም ዝኣተወት ስጋ መውጽኢ የብልካን። ስለዚ፡ ግዜ ኣይትቕተል፡” በሎ።

“ንሻዕብያ ዘይፈልጣ ከለኹ ብኸመይ ተሓባባሪ ክኸውን እኽእል?’

“ክሳዕ ሕጂ ከም ምሁርን ዶክተርን መጠን ኣኽቢረካ እየ ጸኒሐ። ሕጂ ግን በዓል መን ከም ዝተሓባበሩኻ ቀልጢፍካ ክትዛረብ ፍቓደኛ እንተ ዘይኴንካ ኣንጻር ድሌተይ መርመራ ክጅምረልካ ክግደድ’የ። እዚ ከይኮነ ኸሎ ግን ነፍስኻ እንተ ዘየሕሰምካ ዝሓሸ’ዩ። I am sorry! The game is up! ስለዚ ግዜ ሂበካ’ለኹ፡ ሕሰብ!” በሎ ድምጹ ኣትርር ኣቢሉ።

ኣብርሃም ቅጭጭ ኣይበሎን። “ሓቂ ንምዝራብ ኣነ ዝፈልጦ ነገር የብለይን። ምናልባሽ ግጉይ ሓበሬታ ከይከውን ኣጸቢቕካ ኣረጋግጽ። ንጹህ ሰብ ምዃነይ’የ ዝፈልጥ። በንጻሩ ዝዛረብ ሰብ እንተ’ሎ ኸኣ ኣብ ቅድመይ ክተቕርቦ ትኽእል ኢኻ፡” ዝብል ደረቕ መልሲ ሃቦ።

ኣስናቀ በቃጫጭ ካርካር ኢሉ ሰሓቐ። መነጽሩ ኣውጺኡ ኣዒንቱ ድሕሪ ምድራዝ፡ “እዚ ግዜኡ ዘሕለፈ ናይ ሻዕብያ ታክቲክ ምሳይ ኣይሰርሕን’ዩ። ገለ ዘይተማህሩ ገርሀኛታት ብናይ ሻዕብያ ፖለቲካን ሽሕጣንን ተታሊሎም ቍልቍል ዝኣፋ ኣሉ እንተ በሉ ዘገርም ኣይኮነን። ንስኻ ግን ተራ ሰብ ኣይኮንካን። ከም ምሁር መጠን ንዅሉ ክትግምግምን ክተገናዝብን ትኽእል ሰብ ክነስኻ፡ ሕጻብ እግርኻ ዘይኣኽሉ ተገንጸልቲ መሳርሒ ክገብሩኻ ኣይምተገብኦምን ነይሩ። ብዙሕ ዕድል ዝጽበየካ ዘሎ ሰብ ኢኻ። ኣብዮትና ኸኣ ብባህሪኡ ኣራሚ’ምበር ቀጻዒ ከም ዘይኮነ ደጋጊሙ ብግብሪ ኣመስኪሩ እዩ። Therefore, it’s not too late!  ብእዋኑ እንተ ተገላገልካ ይሕሸካ። እዚ ክብለካ ከለኹ ከም ሓውካ መጠን’የ ዝምዕደካ ዘለኹ። ክትርድኣኒ ፈትን፡” ብምባል ክሽሕጦ ፈተነ።

ኣብርሃም ምስሉይነቱ ቅጭ ኣምጺኡሉ፡ “ዝበልካዮ ኵሉ ይርድኣኒ እዩ። ኣይትሓዘለይ ግን ዝፈልጦ ነገር የብለይን። ዝፈጸምኩዎ ነገር እንተ’ልዩ እንታይ ዘጸቢ ኣሎኒ? ስለምንታይከ ናይ ኩላትና ግዜ ዘባኽን?’ ኢሉ ኣተኵሩ ጠመቶ።

ኣስናቀ ከም ቅጽበት ናብ ነብሪ ተቐየረ። “ጸብጻብ ውጉኣት ወተሃደራትና እንተ’ላይ ናይ ሓለፍቲ ንሻዕብያ ተተሓላልፍ፡ መድሃኒት ተቐብል፡ ዕጥቅን ስንቅን ሰራዊትና ትሕብሮም፡ ምጭዋይን ቅትለትን ትፍጽም፡ ካልእ’ውን ብዙሕ ኣሎ። ካብ ሓደ መራሒ ቦጦሎኒ ወይ ሓላፊ ስለያ ሻዕብያ ተፈሊኻ ከም ዘይትርአ ፍለጥ!” በሎ ነድሪ ብዝተሓወሶ ቃና። ኣብርሃም ካብ ዝገመቶ ንላዕሊ ሓበሬታ ኣኪቡ ምጽንሑ፡ ‘ሌ/ኮሎነል ቦጋለ ኣሕሊፉ ሂቡኒዶ ኮይኑ? ምኽንያቱ ንብጾተይ ሒዙዎም እንተዝኸውን ተሓባበርትኻ በዓል መን’ዮም? ክብል ኣይምሓተተንን ነይሩ” ኣብ ዝብል ጥርጣረ ኣተወ። እቲ ነገር ሓረዱዋ ሞተት ነጸዩዋ ሞተት ኮይኑዎ፡ ‘እንቋዕ ንበዓል በላይ ኣይረኸቦም’ምበር ኣብ መትከለይ ክጸንዕ ኣለኒ፡’ ዝብል ውሳኔ ብምውሳድ ድማ፡ “እዚ ትብሎ ዘለኻ ዘረባ ንዓይ ሓዲሽ ነገር’ዩ ሓለቓ ሓምሳ፡” ክብል ንመጀመርያ ግዜ መዓርጉ ጠቒሱ መለሰሉ።

“ደሓን በል! ክልተ ግዜ ክትዛረብ ኢኻ። ካብ ብኽብረት ብሓሳር ይሕሸኒ ካብ በልካ ቀሊል እዩ’ቲ ነገር፡” ኢሉ ብምፍካር ጠንጢኑዎ ከደ። ናብ ሓላፊኡ ተመሊሱ” ብርቱዕ ናይ ሻዕብያ ድሲፕሊን ዘለዎ’ዩ ዝመስል። ኣብ ገጹ ዘንበብኩዎ  መልእኽቲ ንሱ’ዩ። ዘየምለጠና ዕድለኛታት ኢና፡” እናበለ ሽጋራ ወሊዑ ኮፍ በለ።

“እቲ ዛጊት ረኺብናዮ ዘለና ሓበሬታ ንእሽቶ ዓሳ ከም ዘይኮነ እዩ ዘመልክት። ብኡ’የ ድማ ነቲ ጕዳይ ብፍሉይ ሓላፍነት ናባኻ ከም ዝምራሕ ዝገበርኩዎ። ስለዚ ግድነት ክትሰብሮ ኣለካ። ስለዚ ዝህቦ ሓበሬታ ኣገዳሲ ክኸውን ስለ ዝኽእል ቀልጢፍካ መርመራ እንተ ገበርካሉ ዝሓሸ እዩ። ኣነ ኣብ ማእከላይ ቤትጽሕፈት ኣኼባ ስለ ዘሎኒ ምኻደይ’ዩ፡” ኢሉ ሓፍ ክብል ቴለፎን ተደወለት።

“ሃለው፡” ኢሉ፡ “ንዓኻ’ያ ኣስናቀ፡” ብምባል ኣቐበሎ። ኣስናቀ ናይ ቴለፎን መልእኽቲ ተቐቢሉ ምስ ወድአ ገጹ በርሀ። “ተዓዊትና! በላይ ንጉሰ ኮምፕላስዮነ ተኸዲኑ ክሓልፍ ከሎ ኣብ ብሎኮ ከረን ተታሒዙ፡” ኢሉዎ መልሲ ሓለቓኡ ከይተጸበየ መኪና ኣተሲኡ ብናህሪ ተወንጨፈ።

እናተሃንፈፈ ኣብ ብሎኮ ከረን ምስ በጽሐ፡ ምስቲ ኣብኡ ዝጸንሖ ሓላፊ ብምርኻብ መምጽኢኡ ገለጸሉ። ብርክት ዝበሉ ሰባት መንገዲ ተኸልኪሎም ከዕለብጡ ይረኣዩ ነበሩ። ሓላፊ ብሎኮ በርጠጥ እናበለ ንኣስናቀ መሪሑዎ ናብታ ጸባብ ብጣውላ ዝተሰርሐት ክፍሊ ብምእታው ንሓደ ጸሊም መንእሰይ ኣረከቦ። ኣስናቀ ቅድሚ ቐትሪ ናብ ፋርሚኮር ክኣትው ከሎ ዝርኣዮ በላይን ኣብ ቅድመኡ ተገቲሩ ዝነበረ መንእሰይን ብመልክዕ ይኹን ብዕድመ ዘይራኸቡ ኮይኖሞ ተስፋ ቈረጸ። ክገብሮ ዝኽእል ነገር ስለ ዘይነበረ ነቲ መንእሰይ ወረቐት መንነት ሓተቶ። ጋን ተሰሪሑ ዝጸንሐ መንእሰይ ወረቐት መንነቱ ኣቐበሎ። ዝተሰንዐት ከይትኸውን ገላቢጡ ምስ ተዓዘባ ተስፋ ቈረጸ። ነቲ ኣብ ፋብሪካ ክርቢት ዝሰርሕ መንእሰይ መንገዱ ክቕጽል ሓቢሩ ድማ ገጹ ናብ ሓላፊ ብሎኮ ኣዞረ።

“ዝፈጸምኩሞ ስራሕ ኣዝዩ ዝምስገን’ዩ፡ በጋጣሚ ግን እዚ ዝሓዝኩሞ ሰብ ኣይንሱን’ዩ። ኣስማቶም’ዩ ተጋጢሙ ጸኒሑ። ንደልዮ ዘለና ሰብ ስእሉ ክሳብ ዝሰደልኩም፡ ነዊሕ ብርሕ ኢሉ ከደራይ ኮይኑ፡ ኣብ ፋርሚኮር’ዩ ዝሰርሕ። ኣዝዩ ሓደገኛ ሰብ ስለ ዝኾነ ግን ተሞኽልዩ ከይሓልፈኩም ምጥንቃቕ። ኣይትሕመቑ ጥራይ፡ ምክትታልኩም ኣይተቋርጹ ኢኹም፡” ኢሉዎ  ንመኪና ዝያዳ ነዳዲ ሂቡ ብናህሪ ተበቈጸ። ጕዳይ ስእሊ ክውድእ ስለ ዝደለየ፡ ኣቐዲሙ ናብ ፋርሚኮር ብምኻድ ውልቃዊ ማህደር በላይ ንጉሰ ክሓትት ኣብ መንገዲ ዝጸንሖኦ መካይን እናጠሓሰ ጕዕዞኡ ቀጸለ። ኣስናቀ ኣብ ተብተብ ከሎ ግን ኣብርሃም መርመራ    ከይጀመሩሉ ከለዉ ኣብ ህይወቱ ስጕምቲ ክወስድ ወሰነ። ነተን ኵሉ ግዜ ኣብ ፕላስቲክ ጠቕሊሉ ኣብ ዕጻፍ ናይ ካምቻኡ ዝሓብአን፡ ኣብ ናይ ቴትራሳይክሊን ካፕሱል ዝኣተዋ ክልተ ሳይናይድ ከኒናታት ተጣቢቡ ድሕሪ ምውጻእ፡ ንኽልቲአን ውሒጡ ከም ኩላቶም ቅድሚኡ ዝሓለፉ ተቓለስቲ ርእሰ መስዋእትነት ፈጸመ።

ኣስናቀ ኣብ ፋርሚኮር ዝነበሮ ስራሕ ወዳዲኡ ናብ ኣብርሃም ኣምርሐ። ማዕጾ ከፊቱ ምስ ኣተወ ኣብርሃም ዝባኑ ሂቡዎ ብጐድኒ ደቂሱ፡ ኣብራኹ ድማ ዕጽፍ ኣቢሉዎ ተዓዘበ። ‘እንታይ ዓይነት ቅሱን ሰብ’ዩ’ ኢሉ እናተገረመ ብእግሩ ረግሖ። ደሪቑ ፍሕት ምባል ምስ ኣበየ ድንን ኢሉ እንተ ጠመቶ ዓይኑ ፈጢጡ፡ መልሓሱ ቍሩብ ውጽእ ኢላ ሰብነቱ’ውን ዝሒሉ ከም ዘሎ ፈለጠ። ንኸረጋግጽ ኢዱ ሰዲዱ ህርመት ልቡ ተቘጻጸረ። ልቡ ምልክት ናይ ህይወት ኣይነበራን። ኣስናቀ ብሕርቃን ኵምተር ኢሉ፡ “ተጻዊቱልና’ዚ ወዲኸልቢ!” ኢሉ ብዓውታ ጨደረ። ኣብ ዝነበሮ ንገለ ካልኢታት ንሬሳ ዶክተር ኣብርሃም እናጠመተ ሰብነቱ ጽቡቕ ገይሩ ከይፈተሾ ትም ምባሉ ብጣዕሳ ርእሱ ኣድነነ። ሸላ ዓጽዩ ሰላሕ ኢሉ ናብ ሓላፊኡ ብምምላስ እቲ ዘጋጠመ ኵነታት ሓበሮ። ንሱ’ውን ብግደኡ ብሕርቃን ተቓጸለ። ድሕሪ ብዙሕ ምክታዕ ኣብርሃም ብምስጢር ክቕበር፡ ቤተሰቡ ብዛዕባኡ ክሓቱ እንተ መጺኦም ከኣ ከም ዝሞተ ክሕበሩዎም ከም ዘይብሎም ተረዳዲኦም ነቲ ጕዳይ ክዓጽውዎ ወሰኑ።

ይቕጽል

መበል 94 ክፋል ዝመጽእ ረቡዕ

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleረቡዕ ምስ ህየሳ ግጥሚ!
Next Article “ሰብ ጸውዕ እንተበልኩዎስ በዓል በለስ”
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?