Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Thursday, May 8, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ዳሃይ ወላዲት ናብ ሳሚ ዓርከይ

ዳሃይ ወላዲት ናብ ሳሚ ዓርከይ

0
By Mekonnen T. on October 3, 2015 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ብግርማይ ዮውሃንስ
ኣብ ዘለኻዮ ሰላም ኣስመሪኖ ነብሲ። መርሓባ ሳሚ ዓርከይ። ኣለና ዶ? ሰላማት ዝዓርከይ-ሳሚ። ነብሲኮ! እንታይ ደኣ ስቕ ትብል? ስቕ መባህልቲ ዲና? ሰላም እባ’ታ! በል ዳሓን ኣብ ዘለኻዮ ሰላም።
ዳሃይ ማዘርካ ክህበካ እየ ካብ ዝብለካ ድሮ ክልተ ዓመት ኮይኑ። እዚ ክልተ ዓመት ደኣ ኣበይ ኔርካ? ከምዘይትብለኒ ርግጸኛ እየ። ዳሃይ ማዘርካ ዝህቡ መተዓብይቲ የለዉን። ሰብ የለን። “ቃሬት ሸቲቱ መጎጎ የለን ዝጉጎ. . .” ድዩ ዝበለ ገጣሚ? ኩሉ ይኸይድ ይኸይድ ይኸይድ በቃ! ኩሉ ይኸይድ’ዩ ዘሎ። ዳሃያ ስለዝጠፍኣኒ’የ ጠፊአካ።
ሳሚ ዓርከይ ጥዑም ዳሃይ ወይ ጥዑም ወረ ክህበካ ኣይትጸበ። ጥዑም ሕክያ የብለይን። “ቀደም ጥዑም ነይሩ” ትብል ነበርካ ንስኻ እንተኾንካ። ጥዑም የለን ሳሚ። ሂወት ካብቲ ጠጥዑሙ ከይተጥዕመና ኣብያ። ሌላን ጉሌላን ገይራትሉ።
ንዓኻ’ውን ተረዲኡካ’ሎ። ከመይ ኢሉ እዩ’ሞ ክጥዕማ ወደይ? ዘይመስል! ብድሕሬኻ!? ክላእ ዘይመስል! በል ዳሓን ካብ ሰብ ከይትሰምዖ ፈጺሙ ኣይጠዓማን። ጥቓ ምጥዓም ከማን ኣይቀረበትን-ፈጺማ። ተዳኺማ። ዓቕሚ ጉልበት ድማ ሓጺሩዋ።
ዓቕሚ ቁጠባ’ሞ ትሑዝን ርኡይን እንድዩ። ጉልበት ድማ ጠሊሙዋ። ሰለይን ትልኽን እናበለት ንዓለም ፈቲናታ። ክኾነላ ግን ኣይከኣለን። ዋላ በታ ዘላታ ክትቃለስ’ውን ዕድል ስኢና። ወስን ተንከስን ዝኸልእ ግዜ ዕድል ከሊኡዋ።
ጻሓይ ንፋስን ኣስሓይታን ከም ትሑዝ ወሲዳ መውዓሊ እንተኾናን ኣቋሪፋ ሂወት እተሕድረላ ባኒ እንተገዝአትን ትውዕለሉ ማርሻፔዲ ስኢናቶ። ምኑቹብዮ ኮፍ ምባል ከሊኦማ። ካብ ማርሻፔዲ ናብ ማርሻፔዲ እና ኣናጠሩ ዕረፍትን ሰላምን ከሊኦማ። ነቲ ሓደ ተልዕሎ ፍርቁ ናብ መሬት ዛሕ ይብል። ዝተረፈ ሒዛ ትሃድም።
ንጽባሒቱ ዝተረፈ ሒዛ ትወፍር። ሽዑ’ውን ከም ቀደሙ ፋሕፋሕ ይብላ’ሞ ዝተረፈ ሒዛ ትምለስ። በብቑሩብ ጥርሓ ተሪፋ። ዝርካበን ኣብተን ትሽቅጠን ኣስቤዛ ዝነበራ ቁንጣሮ መሻቐጢ ገንዘብ ፋሕፋሕ ኢለን ተወዲአን። ጥርሓ ተሪፋ። ናይ ቡን የለ ናይ ባኒ።
“ሞት ክዳን’ዩ. . . .” ዝብል መርገጺ’ኳ እንተሓዘት፡ ኣማራጺ ስለዘይብላ ግን ክትልምን ፈቲና-መሬት ኣጸልሚታ። ዝተኩብን ዝትኮበሉን ዘይፍለጠሉ ግዜ ግን ዕድል ከሊኡዋ። ነገራት ተኾሚሮም ምድፋእ ኣብዮማ። ልዕሊ ዓቕማ ኮይኖማ።
ወይለይ ወይለይ ረሲዐልካ ኻኣ’ባ። እቶም ኣይግዳዶም ዋና ገዛኹም፡ ገዛ ኽራይ ምኽፋል ስለዝሳኣነቶ ውጽእልና ኢሎማ። ትዝክሮም እንዲኻ? ተመሲሖም ከማን’ኮ ኣይድረሩን’ዮም ነይሮም። ባዓል ኩስቶ ካብ ጣዓሞትካ እዮም ዝምቀሉ ነይሮም። ነዲኦም ነደይ መንሽመን’ውን ማዘርካ ካብቲ ትሽቅጦ ሽሮን ሓምልን ሓፊሳን ዓቲራን ትህበን ነይራ። ዘይርሳዕ ምስክርነት ዝኽሪ ቁልዕነተይ እዩ እዚ።
ክዳና ተኸዲነን። ሳዓታ ሓልየን ቡናን ቁርሳን ተቛዲሰን። ኣሰይ እናበላ ካብ ልኻያ ተለኽየን-ተርኪሰን። ሳላ ማዘርካ ኣጉሲዐን። ከመይ ክንርሰዖ ሳሚ! ሕጂ ዳኣ’ሞ ቀዳመይቲ ጸላኢት ማዘርካ ተቐይረን ዘልዋ ንሰን እኳእየን። ንሰን እኳእየን ሳሚ ዓርከይ። ንሰን እኳ እየን “ገዛ ክራይ ክትከፍልዮ ዓቕሚ ስለዘይብልክስ ዓቕሚ ንዘለዎም ከነካርዮ ኢና ውጺ” ኢለናኣ። “ዝበላዕክዮ ቅድም ምለስላ” ዝብል እንተዝረኽባ’ኮ ቡኡነት ከም ብጽሒት ፍርቂ ካብቲ ገዛ ምተመቕለት ማማ ኣብረሀት። ግን. . . እንታይ’ሞ! ዓለም ብላሽ! ዝበልዓሉ ጻሕሊ ሰይረን። ዝበልዐኦ ይሕነቀን እንተብልኩስ ይበጽሐን ዶ ይኸውን ወደይ? ኣበይ’ሞ ቡኡነት።
“ሓደ ድልዱል ክስታይ ኣውዲቐን ክኾና ኣለወን” ይብል ዳንዱላ እንተኾነ። ሓቁ’ዩ። እዘን ንፈልጠን ኣደይ መን ሽመን፡ ኣዲኦም ንበዓል መንሽሙን መንሽማን ዳኣ’ሞ ካበዲአን ኣምጺአነኦ ክንብለን ኢና ወደይ!
“መንሽማ መንሽሙ እናበልካስ ፕሮናዉን ኣብዚሕካ ግርሜሶ” ዶ ትብለኒ ኣለኻ ሓቀይ? ሽሞም ክላዓል ስለ ዘይደለኹዎ እኳ እየ ሳሚ- ስሞም ትጥፋእ!
ሳሚ ዓርከይ ገዛውትና ተባላሽያ እየ ዝሰምዕ ዘለኹ ኣነ’ውን። “ጎደና ድኻ ተወገን” ይብሉዋ ኣለዉ ገሊኦም ተላገጽቲ። ተበላሽያ ተኸፋፊላ እያ መስለኒ። እንታይ ዳኣ’ሞ ክንብል ኢና!? ድኻ ተወገን ኢልካ ዘረባ ድማ’ሎ!? ወይ ጋዶ! ጉጅለ ሃብታማት ጉጅለ ድኻታት ማለት እኮ እዩ! ካብ ማዓስ? ምዃን ግዜ ከምኡ’ዩ!
ማዘርካ ማማ ኣብረሀት ሕሉፍ ዘኪራ ነዚ ክትጻወሮ ኣይካኣለትን-ሳሚ። ትኽ ትንፋሰይ ዓርከይ ትብሎ ዝነበርካ መንሽሙ ዓርክኻ’ውን ኣይዓጠጦን። “ትካል እኮ እዩ እዚ። ትካል ድማ ግድን ገንዘብ ከምጻልካ ኣለዎ። ሓቃ ኣላ ማማ” ከምዝበለ ሰሚዓ ኣላ እዝኒ-እዝኑ ዳኣ ትቆረጽ’ምበር። ኣነ’ኳ ካብ ቀደመይ’ውን ኣይፈትዎን’የ ነይረ-ስሱዕ ዘመድ ከብዱ ስለዝነበረ። ስሱዕ በላዒ! ዓማጺ! ትዝክሮ እንዲኻ “ቶቢ” ክንባሃሃል ከለና። ማዓልታዊ እንድዩ ቶቢ ዝብለካ ነይሩ። ሽዑ ክንዲ ንስኻ ትህቦ ባዕሉ ኣተርንዕ ኣቢሉ ቆሪሱ ክወስድ ክርእዮ እንከለኹ የሕርቐካ በቃ! ዓማጺ!
ሎሚ ግን ሳሚ ዓርከይ ተረሲዑ ኩሉ። ሽወያ ጉርሽ ገይሩስ “ድኻ ንሃብታም ከሸግር ኢሉ’ዩ ዝፍጠር” ክብል ይውዕል ኣሎ ትሰምዕ ኣላ እዝኒ-ተምትም ዓርከይ። ከሙኡ እያ ዓለም።

12072582_959897017405183_5028582517389357002_n
እዛ ተምትም ከ እባ ትዝክራ ዶ? ኣብ ግዜ ጸወታ፡ ንሓድሕድና እናተሓታተትና እንከለና “ኮሚደረ በምሓርኛ እንታይ ይባሃል” ኢልናካ “ተምትም” ክትብለና። ኮሪኻ ኢና ገዲፍናያ’ምበር ከይዳ ለጊባትካ ነይራ።
ናብ መንሽሙ ዓርክኻ ክመልሰካ ደማሙ ዳኣ ይዕረኻሉ’ምበር። ብጠዓሞትካ ከምዘይጎበዘ ኣይዘከሮን ኣይዘከረካን ካኣ።
ግዜ ድማ ከምኡ’ዩ መስለኒ በጃኻ። እንታይ ደኣ’ሞ ክንብል ኢና!? ምጥልላምን ምክሕሓድን በዚሑ እንዶ ናዓ ራኣዮ ቅልቅል ኢልካ እዚ ሂወትና ቡኡነት። “ሶልዲ” ድዩ ዝብሎ ነይሩ እዚ በላዒ ዓርክኻ ሶልዲ ጸገም ፈጢሩ’ሎ ሳሚ።
ምዃን ንሱ እንታይ ገይሩ በጃኻ! ተሓዝቱ እዮም ከም ገለ ተቐይሮም። ራኣዮም እንዶ እዞም ንብሎም ዘለና ስድራ ሳሚ ዓርከይ።
ኩላትና ስኡናት ከለና ሓያል ፍቕሪ ነይሩና። ሎሚ ምስ ናይ ገንዘብ ኣፍልጦኦም ዝፍጠሩ በዚሖምስ ተገማሚዕና። ገዛውትና ከማን ከም ገለ ኮይና ኢሎማ ኣነ’ኳ ምስ ወጻኹ ኣይተመለስኩን’ምበር። ዝበጽሓኒ ዘሎ ወረ ግን ርእስኻ ዘሕምም እዩ። “ሱዳኔ ኣንቲ ምናምኔ ወረኽስ ኣይጠዓመንኔ የወየ!” ይብሉ ስመጃና እንተኾኑ። ወረ ገዛውትና ኣይጠዓመን ዘሎ። ክትጠላለምን ክትከሓሓድን ጀሚራ።
ከምዚ ዝበልኩኻ ጎደና ድኻ ተወገን ተባሂላ ኣላ። ኣንስቲ ገዛውትና ድማ ማሕበር ናይ ሰብ ትሕዝቶን ናይ ታሕተዎት ደረጃን ኣቚመን ሰሚዐ ኣለኹ። ሓቂ ዶ ይኸውን ትብሎ ኢኻ ወደይ እዝስ? እንድዒ ወደይ! ከመይ ከመይ ክኸውን ማለት’ዩ? እታ ናይ ሱኡናት ማሕበር ብጀለብያ እታ ናይ ርኹባት ድማ ብዙርያን ጥልፍን ማለት ድዩ!? ችድችድችድችድ! ክትሰምዮ’ኳ መልሓስካ ይጉምድደካን ይዕርዕረካን እዝስ! መወዳእታ ዓለም ዝባሃል ዳኣ’ሞ እዚ ክኸውን ኣለዎ ቡኡነት! እተን ፉልን ዓተርን ንማቐል ኔርና ዝብላና ዝነበራስ ተፈላልየን ብጎቦ ዓይነን ይጠማመታ ኣለዋ ማለት ድዩ ወደይ? ዋእዋእዋእዋእ! ኔው ንበሎ እዝስ ሰይጣን ከይሰምዖ’ሞ ሓቂ ከይገብሮ።
ግዜ’ውን ከምኡ’ዩ ዝገብር መስለኒ ስቒሉ ይገማጠል በቃ’ምበር ንሰን ዶ ከምኡ ምገበራ ንስኹም ከምኡ ምረኸብኩም!? ማዘር ዘይኢዳ ረኺባ ሳሚ።
ሳሚ ዓርከይ የዕሪኻ ደኣ ከይትጉሂ’ምበር ዘይፈልጠኦን ዘይሓሰበኦን ዝረኸባ ኣካራይትኩም ሃሃሃሃሃ. . . .ናይ ዝተካረየኦ ክኸፍላ ዘይክእላ ዝነበራስ. . . . ይገርም! ሓሊፉለን ግርም ምርሰዐን ግን ግናይ!
ኣደይ መንሽመን፡ ኣደይ መንሽመን ምባል ይሓይሽ ስመን ኣይትሰመ ድህልቲ በላዒት ክልተ ስጋ. . . .ቅድሜኻ ንማዘር ሓዋን ሓብታን መይቶማስ ኣብ ገዝኣ ሓዘን ገይራ ነይራ እያ። ናትካ መርድእ ሞትካ ንምድረ ሰማይ ናይ ገዛውትና ኣንቀጥቂጡዎ ጎደናና ብስንባደ እናተሓቑነት እንከላ፡ ብኣውያትን ጫቕጫቕን ተጨኒቓ እንከላ፡ ኣዳም ኩላ ዝሰምዓቶ ኣርሚሙዋ ምእማን ስኢና ኣፋ ሃህ ኣቢላ እንከላ፡ ጎደናና ብሓዘን ደቢኑ ዘፍርሕ ከባቢ ተቐይሩ እንከሎ፡ እንታይ ኢለን ይመስለካ? “እዚ ገዛና እምበር እንዳ ሓዘን ተቐይሩ” ኢለን ተበዲዐን ነዛ ነብሰን ዝሓዛላ ከምዘለወን። ክንዲ ምሕዛንን ምጉሃየንን እኮ እዩ መታዓብይቲ ነብሲ። ኤፐ! እንታይ’ሞ ይገበር ሳሚ ግዜ እንድዩ በዲሉ።
ማዘር ኩሉ ነገር ተደራሪቡዋ ሳሚ ዓርከይ። ኩሉ ነገር ልዕሊ ዓቕማ ልዕሊ ግምታን ትጽቢታን ኮይኑስ ስምባደ ፈጢሩላ። “ውጽልና” ምስ በላኣ ነብሳን ኣእምሮኣን ክትቆጻጸር ኣይካኣለትን። ብኣ ገይራ ካብ ሓንጎላን ካብታ ገዛን ምስ ወጸት ኣይተመልሰትን። ኣብ ዝዓበየትሉን ናዓኻ ዘዕበየትሉን ከባቢ ተኻፊኣ። መመክሒ ሰብ ኮይና’ላ። እንቋዕ’ኳ ኣይትርእያ ወደይ!
“እዚ ጠላም” ጥራይ እያ መውጽኢት ኣፋ። ፍሉጥ ናዓኻ እያ። ሓቃ እንድያ ሳሚ። ንዋና ገዛኹም ግዲ ኮይና ኻኣ’ባ “ካሓድቲ” ዝብላ ቃላት ሳሕቲ ተምሉቕ።
ኩዕሶ ንጻወተሉ ዝነበርና ጎላጉል ክትዘሮ ትውዕል ኣላ። ኣብ ገለ ኣጋጣሚ ካኣ. . . .” ‘ኣምበሳ ዝወደይ. . . .በላ እንዶ’ታ. . . .ቅልዓያ. . . .ጎል! ኣትያ። ንፉዕ ዝወደይ. . . .’ እናበለት ተጣቕዕ። ምስ ደኸመት ካኣ ኣብታ ማእከል ጎልጎል ኮፍ ትብል’” እናበሉ ቆልዑ ገዛውቲ የዕሊሎምኒ።
እናደገፍካዮ ብስግረዶብ መጺኡ ንስኻ ኣብ ባሕሪ ክትተርፍ እንከለኻ ንሱ ኤውሮጳ ዝሰገረ መንሽሙ ድማ ክልተ ካብ ሚእቲ ከፊሉ ሃገር ተመሊሱስ ገለ ቁሩብ ዶላራት ኣሽሪፉ ነስመራ “ኣይትጽርኒ” ይብላ ኣሎ ኢለሞ። እቲ ዝገርም ግን. . . .ግን ካኣ ዘገርም ኣይኮነን. . .ዘበኑ ከምኡ ስለዝኾነ. . ። ንማዘርካ ኣይረኣያን ሰሚዐስ ተደናጊሩኒ’ዩ ዘሎ። ሳይሞን መተዓብይቲ ግን ኣይጠለመን ሳሚ ዓርከይ። ክትሕጎስን ክትሕገዝን ኢሉ ሓሲቡ ያኢ ብሰብ ገይሩ ገንዘብ ሰዲዱላስ ንብሙሉኡ ጭርምርም ኣቢላ ሰንድያቶ። ኤፐ! ኦሮማይ! ሓቢአሉ’የ ነይረ። ጠጥዑሙ ጥራይ ይሕክዮ ነይረ። ሕጂ ግና እንኳዕ ኣይትርእዮ። ክጽለል ደልዩ። “ኦሮማይ ዝሓንቀቕናላ ገዛ ተዓጽያ” ኢሉ ሃተፍተፍ ኣድሂቡሉ ኢለሞ። ቆዚሙልኩም-ከምዘይሓልፍ። ንማማ ኣብረሀት “ኣንቲ ኩሉ ግዜ ውጽዕቲ ሓንሳብ እባ ጽንሒ ባዕለይ ኣለኩኺ እንዶ። ተስፋ ዲኺ ቆሪጽኪ። ኣነ ክኽእለኪ እንድየ. . . ተሃዊኽኪ እኮ ኢኺ. . . “ እናበለ ቆዚሙላ። ናትካ ምስ ሰምዐ’ሞ ሰሙን ዓራት ከምዝሓዘ ሰሚዐ። ደሪፉልካ ኻኣ’ባ። እታ ማማ ኣብረሀት ትደርፈልካ ዝነበረት ደርፊ-ሳሚ ወደይ ናዓ’ሞ ሱዋ ኣዴኻ ጣዓሞ ትብል ደርፊ ደሪፉልካ ሳሚ ዓርከይ።
ሳሚ ዓርከይ ኣነ’ኳ ቡኡነት ካብዚ ዘላቶስ ሞት ክዳን’ዩ ምበልኩ። ማማ ኣብረሀት ክልተ ግዜ ትረአ ኣላ። ሂወት ናይ መወዳእታ ፍርዳ’ስከ ድማ ንርአ ዳሓን። በል’ስከ ኣብ ዘለኻዮ ሰላም ሳሚ። “ኣብ ሞት ዶ ሰላም ኣሎ’ዩ ዓሻ እባ ኢኻ!” ዳኣ ከይትብለኒ’ምበር ሰላም እብል ኣለኹ። ኣብ ቀጻሊ ዳሃይ ኣደኻ፡ ዳሃይ ዝዓበናሉ ጎላጉልን ጎደናታትን ገዛውትናን ዳሃይ መታዓብይትን ኣርእስቲ ጌርና ምሕካይና ኣይክተርፈናን’ዩ መቸም። ስለዚ ሕጂ’ውን ሰላም። ሰላም ሳሚ ዓርከይ! ኣታ ሰላም እንዶ! ሰላም’ባ’ታ!

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleእንታይ እስከ ነይሩዎ!?
Next Article ደርዘን ሕቶ ንገጣማይ ጸጋይ መሓሪ (ተመርዖ)
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?