Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ንምንታይ ንጽሕፍ᎒

ንምንታይ ንጽሕፍ᎒

2
By Zara on May 30, 2014 Home, ቅኒት ብርዒ
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ኣማን ተኸስተ
ኣቡ ዳቢ
ስነ-ጥበብ ኣዝዩ ሰፊሕ ዓውዲ’ኳ እንተኾነ፡ ብሓፈሻዊ ኣዘራርባ ንስነ-ጽሑፍ፡ ሙዚቃ፡ ትልሂት፡ ቅብኣ፡ ቅርጻ፡ ስነ-ህንጻ፡ ትያትር፡ ሲነማን ካልእን የጠቓልል። ስነ-ጥበብ፡ ሰብኣውነትና እንገልጸሉ፣ ንህይወት ዓለም ትርጒም ዘለዎ ጽባቐ ንምፍጣርን ንዝዓበየ ተኽእሎታት ዘሳልየናን መድረኽ’ዩ። ገሊኦምስ ስነ-ጥበብ፡ ማዕረ ከም ፍልስፍና ህይወት’ዩ ዝብሉ ኣለዉ።
ካብ ፈለማ…! ኣብ እዋን ጽምብላዊ ወግዒ (rituals) ይኹን ተራ ናብራ፡ ሰባት ኣብ ውሽጦም ዘሎ ስምዒት ይኹን ሓሳብ ክገልጹ ምስፈተኑ’ዮም። ያታዊ ወግዒ፡ ጽንጽዋያዊ ዛንታ፡ ሳዕስዒት፡ ትልሂት፡ ቅብኣ፡ ሙዚቃ፡ ቅርጻ ወዘተ. ውክልና ወይ ምልክት መተንፈሲ ስምዒት ውሽጥን ሓሳብን ኢዮም ነይሮም። ምስ ግስጋሰ ወዲ ሰብ ስነ-ህንጻ፡ ስነ-ጽሑፍ፡ ሲነማን ካልእን ተወሲኹዎም። ስነ-ጥበብ፡ ሕጂ ዝበቘለ ዘይኰነስ ካብ ክውንነት ህይወት ወዲ ሰብ ነጺልካ ኣይረኣይን።
ኣብ ኣድማሳዊ ግስጋሰ ወዲ-ሰብ፡ ቅድምን ድሕርን ቋንቋ ኢልካ ዘይትረኸሉ ምኽንያት የለን -ንወዲ ሰብ፡ ሰብ ዘበሎ ግስጋሰ እንተልዩ ምፍጣር ቋንቋን ኢዩ። ብመንጽር’ዚ ድማ ቅድምን ድሕርን ጽሕፈት (ሕትመት) ኢልካ ዕቤት ዘመናዊ ስልጣኔኡ ዘይግለጽሉ ምኽንያት’ውን የለን። ንዓለም ብመገዲ ቋንቋ ንርደኣ። ግንዛቤናን ርድኢትናን ብቛንቛ ይግለጽ ወይ ይጽሎ። ቋንቋ ንወድ ሰብ ኩሉ’ዩ፡ መተካእታ የብሉን። ሄድጋር ከምኡ’ውን ቪትገንስታይን ብዛዕባ ቋንቋ ክገልጹ ከለው፥ “ሓሳባትና ብቛንቛ ዝተሃንጸ እዩ። ብዘይ ቋንቋ ዝምስረት ሓቂ የለን፡ ሓቅን ቋንቋን ክንፈልዮም ኣይኸኣልን” ይብሉ። ሓሳባትናን ግንዛበናን ብቛንቛ ዝተሃንጹ ካብ ኮኑ፡ እቲ ነዚኦም ብቕዲን ጽባቐን ኣቀናቢሩ ከቕርብ ዝጽዕር፡ ስነ-ጥበብ ወይ ስነ-ጽሑፍ እዩ።
ጸሓፍቲ ግን ንምንታይ ምኽንያት ይጽሕፉ᎒
ዓቢ ኤርትራዊ ጸሓፊ በየነ ሃይለ፡ ኣብታ ነባሪት መጽሓፉ ድኳን ትበርህ (2003)፤ “ቀንዲ መበገሲ ጽሑፈይ እንታይ ምዃኑ እንተ ዘይሕተት ምፈተኹ። ብዘይካ ጽሓፍ ጽሓፍ ዝብል ውሽጣዊ ድፍኢት ካልእ ምኽንያት የብለይን። ከምቲ ኣነ ዝብህጎ ዓይነት ጽሑፍ’የ ዝጽሕፍ። ናተይ ኣጠማምታ ናብራ ዓለም ክገልጸልኩም እሞ ምናልባት ዝመሳሰል ኣረኣእያ ድሕሪ ረኺብኩም እምበኣር ኣብ ሓደ ዓለም ኢና ዘለና እንተ በልኩም እንታይ ይፍለጥ! … ካብ ጽምዋ ዓለም ቍሩብ ትድሕኑሞ ንገጣጠም ንኸውን” ኢሉ ጽሑፉ ይጅምር።
ኣብታ ናይ 2006 ብራኸ ተዋስኦን ስነ-ጥበብን እትገልጽ መጽሓፉ ማለት ትጽቢት ባህጉ “ዕላማ ስነ-ጽሑፈይ ንደቂ ሃገረይ ንምሕጓስ ኢዩ። እንተ ኾይኑለይ፡ ሰብ ዝዀንዎም ጠባያት ኣብ መጽሓፈይ ክገድፈሎም እደሊ። … ፍንጫል በረኻኦምን ጎቦታቶምን ዝዀኑ ኣማልኽቲ፡ መላእኽትን ጻድቃናትን ክፈጥረሎም እብህግ። … ንህዝቢ ትእምርቲ ኣምልኾ ዝዀኑ ዓንድታት ኣምራት ክምህዝ፣ ብሓይሊ ቃላትን ጽባቐን ኣርኣያ ዝኾኑዎም ጠባያት ክገድፈሎም፣ ቀንዲ ግና ክመክር ዘይኮንኩ ንምሕጓስ ኢዩ ዕላማ ጽሑፈይ” ኢሉ ይገልጽ።
ጸሓፊ ንምንታይ ይጽሕፍ? እንታይ ይድርኾ ወይ ይቕስቅሶ? ንዝብል ሕቶ ዓይነታዊ ምኽንያታት ክወሃብ ይከኣል። ቱርካዊ ጸሓፊ ኦርሃን ፓሙክ፡ ብ 2006 ኣብ ስቶክሆልም ሽልማት ኖበል ይወስደሉ ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ምኽንያት መጽሓፊኡ ዘርዚሩ ነይሩ።
“ርእሰ ነገር ምኽንያት መጽሓፊየይ፡ ዘይጋደፍ ተፈጥሮኣዊ ድሌት ስለዘለኒ’ዩ። ብውሽጢ ጸሓፍ ጸሓፍ ዝብል ድርኺት ስለዘለኒ’የ ዝጽሕፍ …! ግደ ሓቂ ከም ካልኦት ተራ ስራሕ ክሰርሕ ስለ ዘይከኣለኒ’የ ብርዐይ ዝሕዝ። ከምቲ ኣነ ዝጽሕፎ ድርሰታት፡ ብኻልኦት ዝተጻሕፈ እንተ ኣንበብኩ ብተስፋ ይጽሕፍ …! ካልእ ንኽጽሕፍ ዘገደደኒ፡ ኣብ ልዕሌኹም ዘለኒ ቅሬታን ቁጠዐን ንምግላጽ ኢዩ። ኣብ ክፍለይ፡ ምሉእ መዓልቲ ክጽሕፍ ስለዝብረሃኒ፣ ሽታ ወረቓቕትን ቀለምን ስለዘፍቅር ይጽሕፍ። ካብኡ ተበጊሰ እንታይ ዓይነት ናብራን ሂወትን ነሕልፍ ከም ዘለና ንዓለም ክሕብር ስለ ዝደሊ ይጽሕፍ።
ንክጽሕፍ እንታይ’ከ ዘይቕስቅሰኒ?! ኣብቲ ንሂወት ክመርሕን ክልውጥን ዝኽእል ዓውዲ ስነ-ጥበብ፡ ብፍላይ ግን ስነ-ጽሑፍ ንክሳተፍ ስለ ዝሃርፍ፣ ልዕሊ ዝኾነ ኣብ ድርሰት ስለዝኣምን’የ ዝጽሕፍ …! ምጽሓፍ ፍቕሪ’ዩ ነዓይ፣ ምጽሓፍ ስምዒት’ዩ፣ ምጽሓፍ ኣመል፡ ወልፊ፡ ተምሳጥ’ዩ ኮታ! ጥፉእ ከይከውን ብምፍራሕ ኣለኹ ንምባል ይጽሕፍ። ኣቓልቦ ክወሃበኒ፡ ንኽንበብ’ውን ይጽሕፍ፡ ብመንጽሩ’ውን ንኽጽሕፍ ኢለ ስለ ዘንብብ። ብምጽሓፍ ዝመጽእ ክብርን ብልጽግናን ስለዝዓጅበኒ፣ ሕጉስ መንፈስ ስለዝፈጥረለይ ይሓናጥጥ። በይነይ ኣብ ጽምዋ ኰይነ ብተመስጦ ክበርር፡ ብሓይሊ ቃላትን ጽባቐን ክዝቕብብ ስለዝሃርፍ ይጽሕፍ። ዝጀመርኩዎ ድርሰት፡ ሓጺር ዛንታ ወይ ቴማ ንምዝዛም ከምኡ’ውን ንኽጽሕፍ ዝጽበዩ ሃንቀውታኦም መዓልቦ ንምግባር ኢለ ይጽሕፍ።
ንምንታይ’ከ ዘይጽሕፍ?! ኣብቲ ናይ ታሪኽ ስነ-ጽሑፋዊ ሓረግ፡ እጃመይ ንምብርካት፡ ድርሰተይ ቦታ ሒዙ ክሪኦ ብምምናይ ብርዐይ ይተክል። እንተዀነ ግን ዛንታ ክነግር ዘይኮንኩ፡ ኣቀናቢረ መኣዛ ናብራ ዝኾኑ ድርሰታት ከዳሉ’ዩ ሕልመይ …! ናይ ሂወት መልክዕ፡ ጽባቐኣን ጸጋኣን ብሓገዝ ወረቐትን ቀለምን ናብ ቃላት ምቕያሩ ስለዝምስጠኒ እየ ዝጽሕፍ። ብጽሑፈይ ኣብቲ ዕንደራውን ፈንጠዝያውን ሂወት እነብር። ዘሐጉሰኒ ነገር እንተሎ ሓደ ስነጽሑፍ ስለዝኾነ’የ ዝጽሕፍ፡ ንክሕጎስ ኢለ እጽሕፍ!”
ብርግጽ ቱርካዊ ጸሓፊ ብዙሕ ተንቲኑ፡ ንድራኼ ጽሑፉ። ከምቲ ዝበሎ ቁጠዐኡ ንምግላጽ፡ ዓለም ዘላቶን ክትኮኖ ዝግባኣን ንምሕባር ይጽሕፍ። ብስልጡን ኣገባብ፡ ብርትዓዊ ኣካይዳ ምስ ዓለም ክቃለስ፣ ቆላሕታ ክግበረሉ ዝግባእ ንምሕባር፣ ኣቃልቦ ንምሃብ፣ ኣመታት ንምግላጽ፣ ብሓፈሻ ዝስምዖ ክናዘዝ፡ ክናሳሕ ብምድላይ ይጽሕፍ።
ጸሓፊ ብስምዒት ተደሪኹ’ዩ ዝጽሕፍ። ብዓንደ ርእሱ ስምዒት፡ ሓሳብ ወሊዱ ናብ ሓይሊ ቃላት ንምልዋጥ’ዩ ዝጽሕፍ። ብሕርሻ እንስሳን 1984ን ዝፍለጥ እንግሊዛዊ ጆርጅ ኦርወል፡ ንጸሓፊ ዝድርኾ ሓይልታት ኢሉ ዘቕረቦ ምኽንያት ንምጥቃስ፤
“ሰባት ቆላሕታ ክገብሩልካ ምድላይ፣ ብዛዕባ ሓሳባትካን ቅዲ ጽሑፍካን ክዛረቡ ምምናይ፣ ንዝተናውሐ እዋን ተዘካሪ ንምዃን፣ ተዓቢጡ ዝነበረ ቃንዛኻ ንምውጻእ ዝኣመሰሉ ዘይከሓዱ ውልቃዊ ድልየታት ይብሎም። ካብዚ ሓሊፍካ’ውን ጽባቐ ንምግላጽ ወይ ንምጭባጥ፣ ሓቂ ንምንዳይ፡ ሓቂ ንምግላጽ፡ ሓቂ ንምህናጽ፣ ሓላፍነት ዘበገሶ ታሪኽ ንወለዶ ምስግጋር፣ ማሕበረ ፖለቲኻ ጽልዋ ንምሕዳር።” ብምባል ይትንትን። ከም መግለጺኡ፡ ካብ ተመኲሮ ብምብጋስ ሰባት ገለ ነገር ከስተማቕሩን ጦብላሕታ ብዝገድፍ መገዲ ክጽሕፍ ይደሊ። ንባህርያት ሰባትን ፖለቲካዊ ባይታን ከምዝጸሉ ፈሊጡ ይጽሕፍ። ንሰባት ዕጋበት ንምፍጣር ዘኽእል ሓይሊ ኣብ ስነ-ጥበብን ስነ-ጽሑፍን ከምዘሎ ኣሚኑ ይጽሕፍ። “ምጽሓፍ፡ ንኽሓስብ ስለዝድርኸኒ፣ ኣብ መስርሕ ጽሕፈት ድማ ሓሳባት ስለ ዝፍቱሕለይ፣ ከምኡ’ውን ብጽሕፈት ንሰባት ክቕይር ክፍትን ከለኹ ንባዕለይ’ውን ይቕየር ብምዃነይ ንኽጽሕፍ ይተባባዕ” ይብል።
ብሓቂ ከም ዝገለጽዎ ንጽሕፈት ዝመስልዎ የለን። ንገለ ጸሓፍቲ ሃገርና ተወኪሰ ከም ዝረኸብኩዎ ካብዚ ዝፍለ ዳርጋ ኣይነበረን። ከም ጽማቝ ርድኢቶም፤ “ኣብ ዕብየት ባህልን ቋንቋን ኣስተዋጽኦ ንምግባር፣ ብዛዕባ ዘሎ ሂወት ንምብህሃል፣ ሰንሰለታዊ ታሪኽ ሃገር ንምምዝጋብ፣ ብዛዕባ ሂወትን ተፈጥሮን ንምስትንታን፡ እናስተንተንና ንነብስና ንውሽጢ ንምፍታሽ፣ ምንባብ ምስ ውድዓዊ ሓቂ ከራኽበና ከሎ፡ ምጽሓፍ ግና ምስ ባዕላዊ ሓቅታት ስለ ዘገጣጥመና ምጽሓፍ ንመርጽ” ኢሎምኒ። ከምቲ በየነ ድሒሩ ዝትንክፎ ግን ዓንዲ ሕቘ ቃላት፡ ጾር ራኢ ንኽስከም ብብቅዓቱ ክምካሕ ይኽእል’ዶ?
ገጠምቲ ብሓፈሻዊ ኣገላልጻ፡ ቀንዲ ምኽንያት መጽሓፊኦም ክዛረቡ ከለው፤ “ሽሕ’ኳ ግጥሚ፡ ሓሳብን ጽባቐን ዘጣመረ እንተዀነ፡ ልዕሊ ኩሉ ንገጣማይ – ጽባቐ የገድሶ። እንታይ ኢለ (ሓሳብ) ዘይኮነ ዘገድሶስ ከመይ ገይረ ኢለዮ (መልክዕ) የቐድም። እምበርከ ገጣሚ ስነጥበባዊ ደኣ’ምበር ሓሳቢ ወይ ተፈላሳፊ ኣይኰነን”።
እቶም ነንዝመጸ ሓድሽ ምህርቲ ፈጠራዊ ስነ-ጥበብ ዝምልሹ ሃየስቲ፤ ስነ-ጥበባዊ ስራሓት ኣብ ምግምጋምን ምእራምን ብኡ ኣቢሎም ድማ ደረጃ ብቕዓት ምህርቲ ስነጥበብ ኣብ ምብራኽ መሪሕ ተራ ይጻወቱ። ህዝቢ፡ ዕምቈት ስነ-ጥበባዊ ጽባቐ ንምልላይን ንምስትምቓርን ዓቢ ኣበርክቶ ከም ዘለዎም ርዱእ’ዩ።
ጸሓፍቲ ብኸመይ ይጽሓፉ᎒ ካብቲ ዘዛርብ ዘሎ’ዩ፡ ኣብ መንጐ ኤርትራውያን ጸሓፍቲ። ኣብ ፈኵስ ኣጸሓሕፋን ንጹር ኣዘናትዋን ዝኣምኑ፣ ፍሉይ ቅዲን ዝተጠናነገን ኣጸሓሕፋ ከማዕብሉ ዝደልዩ፣ ማይ ዘይጠዓመ ኣሎና ዝብሉ፣ ፍሉይ እድያት ኣጸሓሕፋ ንኣልም ዝብሉ፣ ሕብራዊ ኣገላልጻ ኢዩ ዝብራሃና ዝብሉ፣ ኣይትሓዙና ብዝመሰለና ዝብሉን ካልኦትን ክርክር ዝረኣየሉ ዘሎ ዘመን’ዩ። ግጥምታት፡ ሓጸርቲ ዛንታታት፡ ኖቬላ፡ ልቢ ወለዳትን ካልእ ፈጠራዊ ጽሕፈትን ብሓፈሻዊ መለክዒ ቅዲ ኣጸሓሕፈኦም ‘ኩሎም’ ከምዚ እንተ ዝዀኑ ክንብል ኣይከኣልን። ፍኵሰት ኣዘናትዋን እድያት ኣጸሓሕፋን ከከም ዓይነት ስነ-ጥበብ ክፈላለ ይኽእል።
እንተስ ገጠምቲ እንተስ ደረስቲ ወይስ ሃየስቲ ብምዃን ጽሑፎም፡ መተካእታ የብሉን። ንኩሉ ዓይነታት ዓለም ምስ ገለጸ እዩ። ንዓለም ልብን ኣእምሮን፡ ንስምዒትን ሓሳብን፡ ንሕልምን ራኢን፡ ንመንፈስን ኣካልን፡ ንፍቕርን ስነ-ሞጎትን፡ ንስነ-ጥበብን ስነ-ፍልጠትን፡ ንምህላውን ምዃንን፡ ንሸክስፐራውነትን ኣሪስቶትላውነትን ይገልጽ።
ኣየርላንዳዊ ኦስካር ዋይልድ ብዛዕባ ስነ-ጥበብ ዝሃቦ ትንተና ምግላጽ ኣገዳሲ ‘መስለኒ። ኦስካር ከም ዝገልጾ፥ “ስነ-ጥበብ ንተፈጥሮ ክትምላኣ፡ ጽባቐኣ ክትዛዝመላ፡ ንሂወት ድማ ራኢ ኮይና ንኽትቅድማ ኢዩ ቀንዲ ሸቶኣ”። ኢሉ ጽሒፉ ኣብታ ‘ዘ ዲከይ ኦፍ ላዪን’። ኣብቲ ብርቂ ጽሑፉ፡ “ሓቅን ጽባቐን ኣብ ስነ-ጥበብ’ዩ ዘሎ፣ ሂወት ግና ካብ ስነ-ጥበብ እናተቐለበት’ያ ትናበር። ሂወት ቅዳሕ ስነ-ጥበብን ስነ-ጽሑፍን’ያ። ንሂወት ክንመርሕ ኢልና ንጽሓፍ፡ እምበርከስ ስነ-ጽሑፍ ንሂወት ቀዲማታ ስለ ትጓዓዝ። ስነ-ጥበብ ትንቢት እያ፡ ትንቢት ሂወት፣ ደረስቲ ድማ ነብያት እዮም። ኩሉ ውጽኢት ስነ-ጥበብ’ዩ። ስነ-ጥበብ ሓቂ ኢያ፡ ሂወት ግና ንስነ-ጥበብ ክትመስል ክትነብር’ያ” ኢሉ ይዛዝም ጽሕፉ።
ካልኦት ዓበይቲ ምንቅስቃሳት ስነ-ጽሑፍ፡ ድራኸን ዕላማን ጽሕፎም ካብ ታሪኽ (Thee Oxford Companion to English Literature) ክንርደኦ ይክኣል።
ስምዒታውነት (Romanticism)፤ እቲ ስነ-ጥበባዊ፡ ብመንጽር ስምዒትን ምስትምቓርን ከስተንፍሰሉ ዝፍትን ዝነበረ ኣገባብ ኢዩ። ንስእለ ኣእምሮን ገምርን ጥበበኛ፡ ልዕሊ ርትዒ ዝርኢ፣ ተምሳጡ ኢዩ ሕጊ ስነ-ጥበበኛ ዝብልሉ ዝነበሩ እዋን የመልክት።
ዘመናውነት (Modernism)፤ ኣብ መጀመርያ ዕስራ ክፍለ-ዘመን ዝመጸ ምንቅስቓስ፡ ደይ መደይ ኢሉ ነቲ ዝነበረ ዝኣረገ ኣካይዳ ስነ-ጽሑፍ፡ ብሓዲሽ ኣገባብ ክቕይር ዝፍትን’ዩ።
ምንቅስቓስ ሃርለም፤ ናይ ጸለምቲ ኣመሪካውያን ባህላዊ ምንቅስቓስ ኰይኑ ነቲ ዝነበረ ዓሌታውነት፡ ልሙድ ፈላላዪ ኣተሓሳስባታት፡ ብስነ-ጽሑፋዊ ኣገባብ ንምብዳህን፣ ሰብኣውነትን ማዕርነትን ንምንጋስ’ዩ ነይሩ።
ዲክታቶሪያዊ ስነ-ጽሑፍ፤ ኣብ መፋርቕ 20 ክፍለ-ዘመን ዝገነነ ናይ ላቲን ኣመሪካውያን ቅዲ፡ ንባህላዊ፡ ማሕበራዊ፡ ፖለቲካዊ ሓሳባት ዘካተተ ነቶም ምልካውያን ዝብድህ ጽሑፍ ዘጠቓልል ኢዩ።

ጸሓፍቲ (ፈጠራውን ዘይፈጠራውን)፡ ግዜን ቦታን ኵነታትን ደሪኹዎም ክጽሕፉ ይኽእሉ። ነገር ግን …! ንሕና ኤርትራውያን ከ ንምንታይ ንጽሕፍ᎒!
*****

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleመደራጋሕ
Next Article ነቐፌታን ነቐፍትን
Zara

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

2 Comments

  1. ዳኒኤል on June 1, 2014 9:54 am

    ኣዚዩ ዝነኣድ ስራሕ፡ የቀንየልና ኣማን

  2. efrem on June 15, 2014 7:22 am

    wawwwwwwwww ema u did a great job. keep it up!!!

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?