Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Monday, June 9, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ፍቕሪ’ዩ ዝስዕር

ፍቕሪ’ዩ ዝስዕር

0
By Mekonnen T. on August 19, 2015 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ብዳኒኤል ክብረት

ትርጉም መኮነን ተስፋይ

ኣብ ሓደ መርዓ ሓደ ብዕድመ ዝደፍኡ ኣቦ መርዓውቲ ክምርቑ ደው በሉ’ሞ “ኣጻሊኡ ዘፋቕር፡ኣጋጭዩ ከኣ ዘጣብቕ ፍቅሪ ይሃብኩም” ኢሎም ክምርቑ ሰማዕኩ። ክሳዕ ሕጂ ኣብ ብዙሕ መርዓታት ተዓዲመ ከይደ መርዓውቲ ክምረቑ ሰሚዐ ኣለኹ። ከምዛ ምርቓ እዚኣ ግን ሰሚዐ ኣይፈለጥን። “እንታይ ማለቶም ኮን ይኸውን” እናበለኩ ኣብ ሓሳብይ ብሕልናይ ክስእሎ ፈተንኩ። “ኣጻሊኡ ዘፋቕር፡ ኣጋጭዩ ዘጣብቕ ፍቕሪ” ደጋጊመ ሓሰብኩ።

ነዚ ሓሳብ ከውርድ ከደየብ ናይ ዕድል ነገር እቶም ኣቦ ናብታ ዝነበርኩዋ ጠረጴዛ መጽዮም ኮፍ በሉ። ክሓቶም ኣለኒ በልኩ። ክሳደይ ናብ ጠረጴዛ ገጽ ኣድንን ኣቢለ ከኣ
“ደሓንዶ ውዒልኩም ኣቦ᎒” በልኩዎም።

“እግዚኣብሄር ይመስገን ደሓን’የ” በሉኒ።

“ዓንተቦይ ዝመረቕኩሞ ምርቓ ሰሚዐዮ ስለዘይፈልጥ ገሪሙኒ”

“ንስኻ ጥራሕ ኣይኮንካን ብዙሓት ይግረሙ’ዮም” መለሱለይ ፍሽኽ እናበሉ

“እንታይ ማለትኩም’ዩ ግን᎒”

“ፈለማ ሓደ ታሪኽ ክነግረካ”   ክዳኖም ናብ የማናይ ወገን ስሕብ እናበሉ። ኣነ’ውን ኮፍ መበሊ ቀይረ ኣብ ጥቕኦም ኮፍ በልኩ።

“ሓደ እዋን ሓንቲ ሓውቲ ምኽሪ ክትሓተኒ መጸት። ከምዚ ክትብል ከኣ ኣዕለለትኒ። ኣነን በዓል ቤተን ካብ ንምርዖ ሸሞንተ ዓመት ጌርና ኣለና። ክልተ ቆልዑ’ውን ወሊድና። ናይ ገዛእ ርእስና ገዛን መኪናን ድማ ንውንን። ክልቴና እኹል ዝኾነ ደመወዝ ንረኽበሉ ጽቡቕ ስራሕ ኣለና። እዚ ኩሉ ዓመታት ኣብ ሓዳር ክንነብር ተገራጪና ወይ ድማ ተባኢስና ኣይንፈልጥን። ይተረፍ ንባእሲ፡ ንፍቕሪ ዝኸውን ግዜ’ውን ኣይነበረናን። ቆየቛ፡ ሰሓቦ ጉተቶ ኣብ ገዛና ተራእዩን ተሰሚዑን ኣይፈልጥን። ጎረባብትና ይኹኑ ካልኦት ንዓና ዝፈልጡና ሰባት ኩሉ ግዜ ብኣና ይቐንኡ። ንበዓል ቤተይ “ከመይ ዝተባረኸት ሰበይቲ ኣላትካ” ክብልዎ እንከለው ንዓይ’ውን “ክንደይ ዝሓዊ በዓል ቤት ኣለኪ” ይብሉኒ። ሓደ እዋን መሓዛይ ክበጽሕን ብኡ ኣቢለ ከኣ ክዛወርን ናብ ናይሮቢ ከይደ። በዓል ቤተይ ስራሕ ስለዝነበሮ ምሳይ ኣይከደን። መሓዛይ ሓዳራ ካብ ትወጽእ ሓሙሽተ ዓመት ጌራ ኔራ። በዓል ቤታ ኣብ ውሽጢ ቤት ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ስለዝሰርሕ’ዩ ናብ ኬንያ ከይዳ። ምስ መሓዛይ ሓደ ሰሙን ምስ ገበርኩ ሓዳረይ፡ ሓዳር ምዃኑ ክሳብ ዝጠራጠር ኮንኩ። መሓዛይ ንበዓል ቤታ ብስሙ ኣይትጽውዖን’ያ፡ ንሱ’ውን ከም ኡ። ደኺሙ ክመጽእ እንከሎ እግሩ ትሓጽቦ። ንሱ’ውን ደኺማ እንተመጽያ እግራ ይሓጽባ። ክምገቡ እንከለው እናተኾልላለሱ’ዮም ዝውድእዎ። ሓደ ሓደ ግዜ ኣትሪሮም ይካትዑ’ዮም። እዉይ ሕጂስ ክተሃራረሙ’ዮም ኢሉ ይፈርሕ’ሞ ንሶም ግን ንቑሩብ ግዜ ተዃርዮም መሊሶም ይዕረቑ። ሓደ መዓልቲ ንመሓዛይ “ተባኢስኩም ትፈልጡዶ᎒” ክብል ሓተተኩዋ፡ ንሳ ድማ “ብዙሕ ግዜ እምበር ድሕሪ ምብኣስና ዘሎ ፍቕሪ ክንርእዮ እንከልና ብኻ ኩሉ ግዜ ተባኢስና ዘበል’ዩ”  ድሕሪ’ዚ ብዛዕባ ገዛእ ርእሰይ ሓሲበ። ኣነን ብዓል ቤተይን ተባኢስና ኣይንፈልጥን ኢና። ሕማቕስ የርሕቖ ደኣ በልኩ ንባዕለይ። እንተኾነ ካልእ ሕቶ ሓተትኩዋ ንነብሰይ ንሕና ተሓላሊና ዲና እንነብር ወይ ተፋቒርና ዝብል ሕቶ። ሽዑ ሓሲ በ ሓሲበ ሓዳራይ ጸላእኩዎ። ኢላትኒ። ጸገማ ተረዲኡኒ ኔሩ። ሽዑ ሓደ ሕቶ ሓተትኩዋ

“ፍቕሪ ንዓኺ ባእሲ ዘይምህላው ድዩ ዋላስ ንባእሲ ምስዓር’ዩ᎒ “ዝብል ሕቶ። ሓንሳብ ቅንዕ ኢላ ጠመተትኒ። ኣይመለሰትለይን። ሱቕ ኢላ ጥራሕ ኣብ ሓሰብ ጠሓለት።

“ንምዃኑ ስለምንታይ ከም ዘይትባኣሱ ትፈልጢዶ” ዝብል ሕቶ ኣቕረብኩላ

“እንድዒ ስለምንታይ ይመስለኩም᎒” ተመሊሳ ንዓይ ሓተትኒ።

“ዘይትባኣሱ ስለዘይትራኸቡ ኢኹም። ኣበይ ምስ ተራኸብኩም እሞ ክትባኣሱ፥ መኣስ ምስ ተዘራረብኩም፥ መኣስ ምስ ተኻታዕኩም፥ መኣስ ምስ ተቐራረብኩም ኢኹም እሞ ክትበኣሲ። ግርጭት እኮ ካብ ምቅርራብ’ዩ ዝመጽእ። ንስኹም ንባእሲ ኣይኮንኩምን ስዒርኩም። ካብ ባእሲ ኢኹም ሃዲምኩም። ምስዓር ግን ከምዚ’ዩ።

“ሓካይም ስለምንታይ ክታበት ከም ዝወግኡና ትፈልጢ ዲኺ᎒ እቲ ክታበት ካብ ዝሞተ ቫይረስ’ዩ ዝስራሕ። ስለምንታይ᎒  ዝተዳኸመ ቫይረስ ናብ ሰብነትና ክኣቱ እንከሎ ሰብነትና ኩናት ተኸፊቱለይ ብምባል ምድላዋት ይገብር። ፈውሲ የፍሪ። ባዕሉ ሕማም ንምክልኻል ድሉው ይኸውን ኣሎ ማለት’ዩ። ነቲ ሕማም ከመይ ጌሩ ከም ዝስዕሮ ተመኩሮ ኣጥርዩ ማለት’ዩ። ሓዳር’ውን እዚ ዓይነት ክታበት የድልዮ እዩ። ኣብ መጻኢ እቲ ሓያል ናይ ሓዳር ቫይረስ መጽዩ ጸራሪጉ ከይወሰደኩም ከሎ እቲ ዝሞተ ቫይረስ ምኽታብ የድልየኩም። ሓይልን ዓቕምን ክትፈጥሩ ይግባኣኩም። ዝተኸተበ ቆልዓን ዘይተኸተበ ቆልዓን ተላባዒ ሕማም ምስ መጸ ኢኻ መን ክጻወር ከም ዝኽእል ትፈልጦም። ክልቴኹም ነንፋንጣኹም ትውዕሉ ኣለኹም። ካብኡ ገዛ ትመጹ። ድራር ትበልዑ። ከምኡ ኢሉ ይቕጽል። ዋላ ኣብ ገዛ እንተኾንኩም ንስኺ ኣብ ክሽነ ኢኺ። ንሱ ከኣ ተሌቭዥን ይርኢ። ናብ እንዳ ሓዘን ክትከዱ ከለኹም ንሱ ምስ ደቂ ተባዕትዮ ንስኺ ከኣ ምስ ደቂ ኣንስትዮ ኮይንኩም ኢኹም ትበጽሑ። ንሱ ክዳን ሰብኣይ ተኸዲኑ ሓለፈ የብል። ንስኺ ከኣ ክዳን ሰብይቲ ለቢስኪ ትጽብቒ። ምግቢ ይቕረብ ትበልዑ። በቃ።

‘ዛ ጓለይ ዘይፈስስ ማይ ምስ እምኒ ኣይጋጮን’ዩ። ዝዓቖረ ማይ ይስብብ እምበር ኣይጋራጮን’ዩ ። ወሓይዝ ኮይኑ ክኸይድ እንከሎ ግን ምስ  ቆጥቋጥ ፡ ምስ እምኒ፡ ምስ  ጸድፊ ይጋጮ። ክጋጮ ኢሉ ኣይኮነን ዝኸይድ። ክኸይድ እንከሎ ግን ይጋጮ። ካብ ምንዋሕ ናብራ ድማ ወሓዚ ይሰርሕ። ካብኡ ንደሓር ሰተት ኢልካ ምፍሳስ’ዩ።ኣብቲ ደረጃ ክትበጽሕ ግን ክንደይ ቃልሲ፡ ክንደይ ምጉርፋጥ፡ ክንደይ ውረድ ደይብ ኣሎ። እዚ ኩሉ  ወሓዚ ዝፈስስ ዘሎ ካናለ  ስለዝተዃዕተሉ ከይመስለኪ። ንዘበናት ተቓሊሱ ብዝጸረጎ መንገዲ’ዩ ከምዚ’ሉ ክፈስስ ዝረአ ዘሎ። ሓዳር’ውን ከምኡ’ዩ። ዕብየት እንተልዩዎ፡ ህይወት እንተልዩዎ ይፈስስ’ዩ። ክፈስስ እንከሎ ከኣ ምግጫው፡ ምጉርፋጥ ከጋጥም ንቡር’ዩ። እዚ ግን እናተፈትሐ ይኸይድ እሞ ኣብ መወዳእታ ወሓዚ ይፈጥር። ብድሕሪኡ ሰተት እናበለ ምኻድ’ዩ። ገፊሕ ሩባ ድማ ይህልዎ። መልክዕ ከኣ ይኾኖ።

ገለ ገሊኦም ምስ ተመራዓው ከም ሓውን ከም ሓፍትን ኮይኖም ይነበሩ። ገሊኦም ከኣ ከም ተኻረይቲ ገዛ። እቶም ካልኦት ከኣ ከም ሰብ ብርኪ። ገለ ገለ ሰብኡት ገንዘብ ክህቡ ኣይጽገሙን’ዮም። ሓሳብ ክህቡ ግን ኣዚዮም ይሽገሩ። ገለ ገለ ኣንስቲ ገዘአን ምምሕዳር ኣይጽግመንን’ዩ። ሰብኡተን ከማሓድራ ግን ኣይክእላን’የን። ዝብዝሑ ንጽልኢ ይኹን ንፍቕሪ ግዜ የብሎምን። መኣስ ምስ ተዘራረቡ’ሞ ክበኣሱ’ዮም። መኣስ ተኻቲዖም። መኣስ ተሳሓሒቦም። ኣብ ዓለም ሰለስተ ዓይነት ሰብ ሓዳር ኣለው። ቀዳሞት ዝዋሃሃዱ፡  እቶም ካል ኦት ዝዋሃሃዱ ዝመስሎም ግን ፈጺሞ ዘይወሃሃዱ፡ እቶም ሓደ ድማ ፈጺሞም ዘይወሃሃዱ። እቶም ዝወሃሃዱ ሰብ ሓዳር እናተቛየቑ፡ እናተገራጨው፡ እናተሰማምዑ፡ እናተሸገሩ፡ ተሸጊሮም ከኣ ሽግሮም እናፈትሑ፡ ብሓሳብ እናተፈላለዩ ኢዮም ዝነበሩ።

እቶም ዝወሃሃዱ ዝመስሎም ግን ዘይወሃሃዱ ከኣ ክትርእዮም ከለኻ ዝሰማምዑ ዝመስሉ፡ ዝፋቐሩ ዝመስሉ፡ ሓደ ዝኾኑ፡ ባእስን ፍልልይን ዘይብሎም ዝመስሉ፡ ብውሽጦም ግን ዝቖሰሉ፡ ኣብ ሓደ እዋን ዝትኮሱ፡ ዘይተፈተሹ ቁስልታት ዘለዎም ኢዮም። እዚኦም’ዮም ዝወሃሃዱ ዝመስሎም፡ ሰብ ክርእዮም እንከሎ’ውን ኣዚዮም ዝወሃሃዱ’ዮም ዝመስሉ። ግደ ሓቂ ግን ፈጺሞም ኣብ ዝኾነ እዋን ዝጋጠሙ ወይ ዝወሃሃዱ ኣይኮኑን።

እቶም ሳልሳይ ሰብ ሓዳር ጎኒ ጎኒ ዝኸዱ’ዮም። ፈጺሞም ኣይወሃሃዱን’ዮም። ከም ዘይተወሃሃዱ’ውን ዝፈልጡ። ዘይተፋትሑ ከኣ ንደቆም ክብሉ፡ ንሕጋዊ ጉዳያት ክብሉ፡ ንስድራቤቶም ክብሉ እንተዘይኮኖም ሰብ ሓዳር ኮይኖም ብሕልና ፍቱሓት’ዮም።  ስለዚ እዛ ጓለይ ነብስኹም ፈትሹ። ባእሲ ኣብ ሓዳር ኣገዳሲ’ዩ ኣይኮንኩን ዝብለኪ ዘለኹ። ኣብ መንጎ ሰብ ሓዳር ምግርጫው ኣሎ ማለት ናይ ጽልኢ ምክልት ክሳዕ ዘይኮነ ምግርጫው ዘይብሉ ሓዳር ከኣ ናይ ፍቑራት ምልክት’ዩ ማለት ኣይኮነን። ምንባር፡ ኣብ ሓደ ዓራት ምድቃስን ሓቢርካ ምድቃስን፡ ኣብ ሓደ ገዛ ምንባርን’ውን ይፈላልዩ’ዮም”

ካብታ ዝተዘራረብናላ ሰዓት ንዳሓር ናብ በዓል ቤታ ከይዳ ንሓዳራ ግዜ ክትህቦ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ጉዳያት ክትዘራረብ፡ ናይ ገዛ ዕዮ ክስራሕ ስለዘለዎ ጥራይ ዘይኮነ ምንጪ ሓጎስ ሓቢርካ ብዛዕባ ምስራሕ ከም ዝኾነ ዘረባ ምስ ጀመረት ምግርጫው ክመጽእ’ዩ። በሊዑ ዘይፈልጥ ሰብ ምብላዕ ከም ዘሕምሞ መጠን። ተገራጭዩ ዘይፈልጥ ሰብ ክጋራጮ እንከሎ ኣየውርድ’ዩ ዘብል። ዓረብያ ምሉእ ጸጸር በብሓደ ክድርበየካን ብሓንሳብ ኣብ ነብስኻ ክካዓውን ኣብ ክብደቱ ዘሎ ፍልልይ ርዱእ’ዩ። ተገራጪና እንድሕሪ ተረዳዲእና ብፍቕሪ ፈቲሕና’ዮ ካብዚ ዝበልጽ የለን። ስለዚ’የ ከኣ “ኣጻሊኡ ዘፋቕር፡ ኣገራጭዩ ዘጣምር ፍቕሪ ይሃብኩም”  ኢለ ክምርቕ ዝጀመርኩ። ጽልኢ ዝስዕር ፍቕሪ፡ ውግእ ዝስዕር ሰላም፡ ጸላማት ዝስዕር ብርሃን‘ዩ ዘድልየና።

ብድሕሪ’ዚ ዝውሰኽ ዘረባ ስለዘይነበረ ኢዶም ስዒመ ኣመስጊነዮም ብድድ በልኩ።

 

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleንስኻን መሬትን
Next Article ሮዛን ሰሌን
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?