Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, June 8, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ጽምዋ ብልሳኑ

ጽምዋ ብልሳኑ

0
By Mekonnen T. on August 22, 2015 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ብገዛኢ ነጋሲ( መንኮሴን)

ሰብ ካብ ሰብ ተነጺሉ፡ በይኑ ዝዓሞ ተኣምራታዊ ዕዮ ሰሚዐ ኣይፈልጥን።
ም/ት ውልቃዊ ዕላማን ርሑቕ ራእን በይንኻ ክትጉዓዝ ዘኽእል ባእታ እህልዎ ይኸውን። ዋላ ድኣ እዚ ይኹን ‘ምበር፥ኣብዚ እውን ካብ ጽላሎት ሰብ ትርሕቀሉ በይናዊ ዓለም የለን።ም/ቱ እቲ ንስኻ ትኸዶ ዘለኻ መንገዲ፡ ቅድሜኻ ወይ ‘ ውን ምሳኻ ዝጉዓዙ፡ ስለ ዝህልዉ። ነቶም ዝሓለፉ ምስዓብ፡ ንዘለዉ ምጽንባር ባህሪ ሰብ ካብ ሰብ ዘየነጻጽል ድምቀተ ጥምረት ብቁሊ ሰብ ምዃን፡ ዘብርህ ዳዕሮ ሕብረት ኢዩ። ጸሓይ ራኢኻ ከትብርቕ ገዛእ ርሃጽካ ክትኩዑ ፡ነብስኻ ክትገንሕ ፡በይናዊት ዓለምካ ናብ ሰብ ከትግህዳ ሰለምካ ክትንኪ ግዳማዊ ውርጻጸ ናብ ናብ ውሽጢ ክትልውጦም ሒጊግ ከም ትብል ንጹር ኢዩ። ነዚ ንምትግባር፥
ንፉሉይ ሰዓታት፥ ከም መጽናዕቲ፡ ምርምር፡ ዕላል ውሽጢ፡ ደኺምካ ጸኒሕካ ከተዕርፍ ዝኣመሰሉ ንድሩት ሰዓታት ወይ መዓልታት ክውንኑኻ ይኽእሉ ኢዮም። ካብኡ ነጢሩ ለይትን ቀትርን ብምልከት ጽምዋ ብንጉስ ብሕትውና ብግዝኣት በይናውነት ክትውነን ፡ ዓቕልኻ ዝምሑ ትዕግስትኻ ዝብርቁቕ ፈተንቲ ደቓይቅ ጠበሽ ይብሉ ኢዮም።

ግልጺ ንምዝራብ፥ ኣነ ከም ኣነ ነብሰይ ካብ ዘለሊ ጽምዋ ጸሊአዮ ኣይፈልጥን። ንሱ ‘ውን ልዕሊ’ቲ ኣነ ዝፈትዎ ኢዩ ዘፍቅረኒ። ውዕለቱ እውን ኣዝንግዖን እየ። ኣነ ምዃነይ ንኣነ ክፈልጥ ውሽጠይ ክበጽሖ ትዕድልተይ ከለሊ ሰብን ሰብነትን ተፈጥሮን ፈጣርን ከስተብህል፡ ዕላማ ከለሊ ፡ ብተስፋ ክጉዓዝ፡ ብዓቕሊ ክነብር ፡ ምኻደይ ክሳብ ዘለኹ ክኸይድ ምዃነይ ሓጊዝኒ ኢዩ። ከየጋነንኩ ናብኡ ዘምርሕ ሓዲድ ኣርጊጽኒ እብል።
ካብ ናተይ ወጻኢ ዝተገንዘብኩዎ እንተሃልዩ ‘ውን ብዚሕ ኢዩ።

ኣብ ሂወት ብዙሓት ደረስቲ ጽምዋ ቀዳማይ ደረጃ ከም ዝሕዝ ፡ ካብ ልሳን ሓያላት ደረስቲ ብብርዖም ይኹን ብልሳኖም ዝሰማዕኹዎ ሓቂ ኢዩ። ኣነ ጽምዋ ምፍታወይ ውልቃዊ ባህረይ ድኣ ‘ምበር ምስ ድርሰት ዘራኽብ የብልናን። ዝተሰምዓኒ፡ ዘጋጠሚ ፍሉይ ተርእዮ፡ ጎፍ ዝበለኒ ፍሉይ ፍጻመ፡ ዓይነይ ዝሰርቕ ልበይ ዝጨዊ ኣእሙሮይ ዝወርር ተኾይኑ ብዘለኒ ዓቕሚ ክሕንጥጥ እፍትን። እዚ ማለት ግን ንዓይ ንባህታይ ድኣ ‘ምበር ምስ ክእለት ድርሰት ኣዛሚደዮ ኣይፈልጥን። ብርዐይ ጸዊዐያ ስለ ዝሰማዓትኒ ንብዓታ ከይበቐቐት ስለ ዝነብOት ስነ -ጥበባዊ ከብለኒ ዘኽእል ኣይኮነን። ክብሪ ደራሲ ብማንም ክራኸስ ጎርዳዕ ኢልለይ ኣይፈልጥን። ድርሰት ፍሉይ ጥበብ ካብ ካልኦት ደረስቲ ዝፈሊ ተዘይሃልይዎ ነቲ “ጥበባዊ እየ” በሃላይ ጥበባዊ ከጸውዖ ዝኽእል ኣይመስለንን። ክንዲ ዝኾነ እየ ንምጽሓፈይ ምስ ልምዲ እምበር ምስ ክእለት ጥበብ ዘየዛምዶ።
ናብ ጽምዋ ክምለስ እንተ ድኣ ኮይነ ግን፥ ንክልቴና ዘየረሓሕቕ ምድልላይ ኣለና። ሎሚ ግን፥
ዘይከም ቀደም ብሕትውና በዚሕኒ በይናውነት ጸሊአዮ ምስ ጽምዋ ተዃሪና ንርከብ። ካብ መዓስከር ወጺአ ናብራ ሆላንድ ካብ ዝጅምር ድሮ ውርሐይ ሓሊፉ። ኣብዚ ወርሒ’ዚ ምስነብሰይ ዘዕለልኩዎም ዕላላት ቆጻሪኡ ይቑጸሮ። ሕብረተ -ሰብ እዚ ዓዲ ከም ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ዘይምዃኑ ንጹር መስለኒ። ንግሆ ክወጹ ምሸት ክኣትዉ ጥራይ ኢኻ ትርእዮም። “ዓዲ ከመይ ረኺብካዮ? ከመይ ኣለኻ? ገዛ ተዛወር” ዝብል ንፈውሲ ሞት እንተትብሎም ካብ ከናፍሮም ኣይመንጠቡን። ኣብ ከምዚ ሕብረተ-ሰብ ስለ ዘይዓበኹ ምጻሩ ሰኣንኩ። ገጽ ጽምዋ ጸሊአ ደገ ተዛዊረ ንከተማ ኣስተን ኮሊለ ንገዛይ ተመለስኩ። ማዕጾ ኣርሕየ ድርኩኲት ክሰግር ገዛ ወኒንዎ ዝጸንሐ ኳዕናን ጽምዋ ንግዝያት ምሸት ተጠቂሙ ሸልዳዕ ከንፈሩ ጋሊሁ” ሎሚ ዝጸላእካኒ ትመስል ኣለኻ። ገዲፍካኒ ደገ -ደገ ምውጻእ ካብ ተብዝሕ ነዊሕ ኮይኑ ።ሓቀይ ዶ ተጋግየ?” ኣርዓዲ ድምጹ ምስቲ ድሃሊ ትርኢቱ ቀልብኻ ዘህድም ወጅሁ ንምምላሱ ዝኸበደኒ ሕቶ ጨንጉዓለይ። ምስኡ ክመሳሰል ስለ ዝነበረኒ ከቐይሞ ስለ ዘይደለኹ ተተቐይምኒ ኣንጻረይ ‘ውን ከይዕጠቕ ኣህዳኢ ዝበልኩዎ ቃል ክምልስ ዘየዋልእ ግድነት ክትግብሮ ዝነበረኒ ዝነበረ ኢዩ። “ጸሊአካ ኣይፈልጥን ክጸልኣካ ‘ውን ኣይደልን። መሊስካ ትፍቀር ሰፈር ፍቕሪ ኢኻ። የግዳስ ነብሰይ ከይሓፍስ ጅማውተይ ከይቅየድ ማዕረ -ማዕሬኻ ምንቅስቓስ ስለ ዝፈትዎ ‘የ ክንቀሳቐስ ዝወጽእ።” ተባላዒ ኮይኑ ዝተራኣየኒ ጨጓር ግዳሙ መንፈሰይ ከይጋልብ ነብሰይ ኣማዕቲበ ብውሽጣዊ ልማኖይ ናብ ፈጣሪየይ ተማሕጺነ ምስኡ ክመሳሰል እቲ ህሞት ዝመረጾ ውሳነ ኮነ።

ንናይ ምምስሳል ኩነታተይ ተዓዚቡ” ናይ ምምሳሳ ባህርኻ ፈትየዮ።ባህ’ውን ኢሉኒ። ክትፈልጥ፥ ሕብሪ ገጸይ ባህ ዘይበሎም ፡ግዳማዊ ትርኢተይ ዝድሃሎም ባህሪሮም ካባይ ዝርሓቑ መፍቀዲ የብሎምን። ንግዝኣተይ ዘይፈተዉ ተገዛእቲ ስፍራይ ዝጸልኡ ንምፍጣረይ ከም ምፍጣሮም ዘይሓስብዎ ፡ ነብሰ ቅትለት ከም ዝፍጽሙ ዝገበርኩዎምን ኣንፈቶም ኣጥፊኦም መሳምሮም ዘምለቑ ተንቀሳቐስቲ ሬሳ ገይረ ዝሓደክዎምን መቑጸሪ ዝኸውን ኣሃዝ የብለይን። ወይ ‘ውን ውርጹጽ ጸብጻብ ኣየዳለኹን። ብሓጺሩ ግን፥
እዚ ክትግብር ዝኽእል ደርማስ ሓይሊ ከም ዝውንን ከእምነካ እደሊ። ከም ቀደምካ ተሰጢምካኒ ሕቡእ ጽባቐ ከም ዝውንን ፡ ብገዛእ ልሳነይ ክድርጉሓልካ ኣይፈርሕን። ኣነ እንታይ ይመስል ሕብረይ ኣለሊ። ትሑዝተይ ‘ው ን ብመስአ ኣእምሮ በርብሮ። ባህርያዊ ውቅያኖሰይ ሓንብሰሉ። ኣብ መዓምቑ ዘለዉ ጸጋታት ብጽሓዮም። ኮታ ኣነ ዝውንኖን ከባብየይን ኣስተብህል። ዝያዳ ፍቕሪ ብዝያዳ ቅርበት ከም ዝስረት ኣይትደንሻእ። ነዚ ነጥቢ ካብ ሽክናኻ ኣይተርሕቆ። ብዝኾነ መሓድርና ብሓደ ኢዩ ብሓደ ‘ውን ኣለና። ስፍሓት ግዝኣተይ ዘወር በሎ። ” ንኩሉ ዝውንኖ ባህርያዊ ጸግኡ ብህድኣት ክድህስስ ኣብ ቁጽጽሩ ዘለዉ ከድህበሎም ፡ ስፍሓት ግዝኣቱ ዘገም ኢለ ክርኢ ርክብና ዘይነጻጸል ምዃኑ ካብ ጎነይ ከም ዘይፍለ ኣነጸረለይ። ንምቕባሉ ኣዝዩ እናከበደኒ ንምውሓጡ ካብ ዕረ እና መረረ ክመሳሰል ተዋሳኢ ባህሪ ለቢሰ ምስኡ ክነብር ምርጫ ዘይብሉ ዕጫ ኮነኒ። ኮበርታይ ስሒበ ከኣ ምስ ገበታ ሻቕሎተይ ኣብ መዓሙቅ ኮበርታይ ጠለቕኩ። እንተ ‘ቲ ብልሳኑ ክድህለኒ ዘምሰየ ጎረኛ ጽምዋ ግን ብሕልሚ ‘ውን ክርኣየኒ ሓደረ። ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ተሓይረ ከኣ ካብ ሳሎን ናብ ዓራት እናበልኩ እነብር ኣለኹ።

ዕለት9/8/2015 ሆላንድ

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Article***ስቕታ!***
Next Article “ኣብኡ ‘ሓይሽ”
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?