Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Monday, June 9, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ሮዛን ሰሌን

ሮዛን ሰሌን

0
By Mekonnen T. on August 19, 2015 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል (ሃንችባክ)

መበል 83 ክፋል

ርሂጸ በላዕ ነታ ካስትሮ ዝሃባ ስታር ዝዓይነታ ሽጕጥ ሒዛ ኣብ ጋቢና ኣተወት። ብሸነኽ የማን ኮፍ ኢላ ዝባኑ ሂቡዋ ንቕድሚት ይግስግስ ንዝነበረ ካስትሮ ካብ ዓይና ክሳዕ ዝኽወል ኣትኪላ ክትጥምቶ ጸኒሓ፡ ድሕሪ ርብዒ ሰዓት ኣቢሉ ብርኽ ንዝበለ ሑጻ ምስ ሃተፈ ኣቓልቦኣ ናብታ ሽጕት መለሰት። ነታ ሽጕጥ ፈቲሻ ሽዱሽተ ጠያይቲ ከም ዝነበራ ድሕሪ ምርግጋጽ፡ ጥይት ኣሕሊፋ ኣብ ቅድሚኣ ኣብ ዝነበረ ክሪስኬቶ ኣቐመጠታ። ድሕሪ ሰዓት ኣቢሉ ብርቱዕ ካምሲን ተላዒሉ ደቂቕ ሑጻ ክግጭባ ስለ ዝጀመረ ሃሩር ከይኮና ኢላ ከፊታቶ ዝነበረት መስኮት መኪና ክትዓጽዎ ተገደደት። ነዊሕ ከይጸንሐት ግን ብሃሩር ተለቝመጸት። ካምቻኣን ስረኣን ብረሃጽ መጠግጠግ ኢሉ ከም ማስቲካ ምስ ሰብነታ ጠቢቑ ዓቕላ ኣጽበበላ። ብሓቦ ክትጽመም’ኳ እንተ ፈተነት፡ እቲ ኵነታት ግን ዘይጽወር ኮና። ሰብነታ ዘይተኣደነ ማይ ክነትዕ ጀመረ። ኣብቲ ገሃነም ዝኾነ ሃሩር፡ ይትረፍ ከምቲ ቀጥ ኢሉ ዝሓዛ ስረን ካምቻን፡ እታ ዝረቐቐት ገፍላው ክዳን’ውን ኣብ ነፍስኻ እንተ ለጊባ እሾኽ ኮይና እያ ትስምዓካ። ኣብ ዝሑል ማይ ክትእለኽ ወይ ኣደኻ ከም ዝፈጠረትካ ጥራይ ነፍስኻ ክትከውን ኢኻ ትምነ።

ተጻዋርነታ ምስ ተጸንቀቐ ንከባቢኣ ብዓይና ኰለለቶ። ብዘይካ’ቶም ብሸነኽ ምዕራብ ብርሑቕ ዝርኣዩ ዝተሓናገሩ ጎቦታት፡ መወዳእታ ዘይብሉ ሌጣ ጐልጎል ጥራይ’ዩ ነይሩ። ሓሓሊፎም ዝርኣዩ ሓጸርቲ ጊንድዐ ሓዲግካ ንፈውሲ ማሕላ’ውን ኦም ዝብሃል ኣይነበሮን። እቲ ዝነበረቶ ቦታ፡ ብፍላይ ኣብቲ እዋን’ቲ ፍጡር ዝብሃል ክንቀሳቐሶ ዘይሕሰብ’ዩ። ከም ተመን፡ ዕንቅርቢት ወይ ኣንጭዋ ምድረበዳ ዝኣመሰሉ ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ፍጡራት’ውን፡ ቀትሪ ካብቲ ዘየናሕሲ ሙቐት ንኽሃድሙ ኣብ መዕቈቢኦም ደቂሶም ውዒሎም፡ ጸሓይ ዓሪባ መሬት ጠለስ ምስ በለሎም’ዮም ምግቦም ክምእርሩ ካብ ተሓቢኦምሉ ዝወዓሉ ጐዳጕድን  መንቀራቕሮታትን ሰላሕ ኢሎም ዝወጽኡ። ርሂጸበላዕ ኣብ ምሉእ ህይወታ ብዘይካ ቅድሚ ዓመት ዝረገጸቶ ጀልሃንቲ ኣጻምእን ብርቱዕ ሙቐትን ዘለዎ ቦታ ርእያ ስለ ዘይትፈልጥ እምብዛ’ያ ትድነቕ ነይራ። ሓንቲ መዓልቲ ምስ ኣደኣ ንሽዕብ ገይሻ ነይራ። እቲ ወቕቲ ዛሕሊ ስለ ዝነበረ ግን ክሊማኡ ካብ ናይ ዝዓበየትሉ ቦታ ክሊማ ብዙሕ ዝፍለ ኮይኑ ኣይረኸበቶን። ብኸምዚ፡ ሰብነታ ብረሃጽ እናተሓጽበት ኣዒንታ ናብቲ መወዳእታ ዘይብሉ ድኹም ሑጻ ዝተሸፈነ ጐልጎል ብምስዳድ ኣብ ተዘክሮታት ናይ ዝዓበየትሉ ቦታ ተሸመመት።

ርሂጸበላዕ፡ ካብ ሓረስቶት ስድራቤት ኣብ ሰሜናዊ ባሕሪ ተወሊዳ፡ ስድራኣ ፋጥና እናብሉዋ ኣጣል ጓስያ ዝዓበየት ምጭውቲ መንእሰይ’ያ። ተወጊኣ ካብ ድፋዕ ክሳዕ ትወርድ ፈቐዶ ታባ ክትድይብን ክትወርድን፡ ኣብ ባሕሪ ደድሕሪ ኣጣል ሩባን ኩርባን እናዘለለት ስለ ዘሕለፈቶ ቅርጺ ኣካላታ ስሩዕን ድልዱልን ነይሩ። ሰሜናዊ ባሕሪ ምንቅስቓስ ህዝባዊ ሓይልታት ተፈልዩዎ ዘይፈልጥ ቦታ ብምንባሩ፡ ጓል ዓሰርተ ሰለስተ ዓመት ከላ ኣትሒዛ’ያ ተጋደልቲ ክትርኢ ጀሚራ። ብዝጸንሑ ጸኒሖም ኣብ ደምበኦም የዕርፉ፡ ይበልዑ፡ ምስ ስድራኣ የዕልሉ። ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ብዘይርድኣ ምኽንያት ህልም ኢሎም ይጠፍኡ። ኣብ መንጎቶም ተጋደልቲ ትርእዮ ዝነበረት ሓድሕዳዊ ፍቕርን ምትሕልላይን ኣዝዩ የገርማ ነይሩ። ክቱር ፍቕሪ ወለዳን ከም ብሌን ዓይናን ትጥምተን ጥሪትን ስለ ዝነበራ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብዕድመ’ውን ንእስቲ ስለ ዝነበረት ሽዑ ብዛዕባ ጕዳይ ሃገር ሓሲባ ኣይትፈልጥን። ንዓኣ ሃገር ማለት፡ ካብ ሰሜናዊ ባሕሪ ክሳብ ሽዕብ፡ እንተ ረሓቐ ድማ ክሳብ ባጽዕን ሕርጊጎን ዝበጽሕ ከባቢ ጥራይ ነይሩ።

ብዕድመ እናደፍአትን ልቢ እናሰዅዐትን ብዝኸደት መጠን ተጋዳሊት ክትከውን ሃረር ክትብል ጀመረት። ይኹን’ምበር ጓልኣንስተይቲ ከምቶም ኵሉ ግዜ ትርእዮም ጨጓራት ዳንጋ ብረት ተሓንጊጣ ምስ ደቂተባዕትዮ ጎቦ ክትድይብን ክትወርድን ከም ዝነምግባር ቅቡል ይመስላ ኣይነበረን። ኣተሓሳስባኣ ግን ብኽልተ ንጕዕዞ ህይወታ ዝቐየረ ፍጻሜታት ተጸልዩ።

እዋኑ ሸውዓተ ወርሒ ድሕሪ ውግእ ኣስመራ ኮይኑ፡ ሓንቲ ንከበሳ ትድይብ ዝነበረት ሰለስተ ደቂኣንስትዮ ዝነበራኣ ሓይሊ ህሓሓኤ ኣብ ፍሸይ ምራራ ኣተወት። ፋጥና ኣፍልበን ብጡብ ግትር ኢሉ ምስ ረኣየት ነዒንታ ክትኣምነን ኣይከኣለትን። ድምጸን ምስ ሰምዐት ግን ግርጸኛ ኮይና ቀረበተን። ብፍላይ ሓንቲ ካብኣተን ጽቡቕ ትግረ ትዛረብ ስለ ዝነበረት ብዛዕባ ዕላማታት ህዝባዊ ሓይልታት፡ ማዕርነት ደቂኣንስትዮን ታሪኽ ኤርትራን ብዝርዳኣ መንገዲ ገለጸትላ። ፍጥና ከም ቅጽበት ብርቱዕ ናይ ምግዳል ባህጊ ሓደራ። ኣብ ዓመቱ ምስ ሓትኖኡ ኣብ ቤትትምህርቲ ጃልያ ዝምሃር ዝነበረ ኣመና ትፈትዎ ዝነበረት ስዒድ ሓዋ ብጦርሰራዊት ተቐቲሉ። ድሕሪ ሞቱ ሰለም ኣቢላ ኣይትፈልጥን። ናብ ኣጣል ክትወፍር ከላ ተዝዪሞ ዝነበረት ደርፍታት ተሪፉ ንሓዋ እናዘከረት ኣብ ደንጐላ ኮፍ ኢላ ወይ ኣብ እግሪ ኦም ኮይና ክትነብዕ ትውዕል ነበረት። ከተማ ኣፍዓበት ሓራ ድሕሪ ምውጻኣ ነተን ትፈትወን ጥሪታ ጠንጢና ንታዕሊም ወረደት።

እቲ ንኮፎኖ መኪና ብሑጻ ክሽፍኖ ዝጀመረ ሓያል ካምሲን ደው ዝብል ይመስል ኣይነበረን። ርሂጸበላዕ ክሳብ ግንባራ ኰረር ኢሉ ዝወረደ ርሃጽ ኣብ ዓይና ኣትዩ ማርማር ስለ ዝበላ ብክሹኻ ገይራ ደረዘቶ። ካምሲን ፈጺሙ ዘየረኣኢ ኮነ። ንኣየር መእተዊ ኢላ ብዝገደፈቶ ፈቓቕ ዝኣተወ ድኹም ሑጻ ኣብ ገጻን ክሳዳን ዓሊቡ ከም ኣምዐ ቀጭቀጭ ስለ ዘበላ፡ “ዋይ ጓል ኢብራሂም! ክመውት መዓስ ኮይነ፡ ዘይ በይነይ ዘለኹ፡” እናበለት ድሮ መላጕሙ ፈቲሓቶ ዝነበረት ካምቻኣ ኣውጽኣቶ። ስረኣ ኣውጺኣ ድማ ኣብ ርእሳ ዝነበረት ክሹኽ ተዓጥቀት። ነጡባታ ቀጠው ኣቢሉ ሒዙወን ዝነበረ ረጂበቶ’ውን ዓቕላ ስለ ዘጽበበላ ፈቲሓ ኣብ ልዕሊ ኵርሲ ምስ ደርበየቶ ሰብነታ ቍሩብ ፍዅስ ኢሉዋ ትንፋስ ረኸበት።

ርሂጸበላዕ፡ ኣብ ታዕሊም ረጂ ምስ ተዋህባ ናይ ሸራሙጥ ኮይኑ ይስምዓ ስለ ዝነበረ ብፍጥረታ ትፈትዎ ስለ ዘይነበረትን ምቕባል ኣብያቶ ነይራ እያ። ብመንጎ ምሉኣት ኣጡባታ ኰረር ኢሉ ንዝወረደ ጸረርታ ርሃጽ ክትደርዝ ምስ  ተናኸፈተን፡ ድሕሪ ዕረፍታ ዝወሰኻ ኮይነን ተሰሚዐናኣ ከም ንላዕሊ ሓፍ ብምባል ምሉእ ብምሉእ ዓሚዃ ሓዘተን። ‘ቍሩብ ወሲኸን ኣለዋ፡’ በለት ብውሽጣ። ኣዒንታ ካብ ኣፍልባ ከየልገሰት ንበዓልቤታ ዘኪራ፡ “ወዲመሓመድ ከም’ዚኣ ኢለ እንተ ዝርእየንስ እንታይ ኮን ምበለ?” ኢላ ንበይና ብሰሓቕ ክርትም በለት።

ካስትሮ ካብ ዝብገስ ብግምት ልዕሊ ሰዓት’ኳ እንተ ሓለፈ፡ ሰዓታት ዝገበረ ኮይኑ ተሰምዓ። ኣብ ጽንኵር ኵነታት ግዜ ከም ማስቲካ ከም ዝምጠጥ ተረዲኡዋ፡ ካብ ዓቕሊ ጽበት ዝተላዕለ ግዜ እንተ ሓለፈላ ኢላ ክትደርፍ ጀመረት። ኣብ ታዕሊም ከላ ምስ መሓዙታ ትደርፋ ዝነበረት፡ ‘ኣደይ ተበጊሳ ላሎየ፡ ነሕዋተይ ሒዛቶም፡ ከበሳ ከይበጽሑ ላሎየ፡ ዓወት ኣርኪባቶም፡’ ትብል ደርፊ ዘኪራ ሰለሰተ ኣርባዕተ ግዜ ደጋገመታ። ጽንሕ ኢላ ድማ፡ ‘ኣብ ጋዛት ኢትደመር ሰውረት ገቢል፡ ሙናድልና ሓጥርቱ ሓር ኢልብል፡ ምን በዲር ቃንጻም ሕና ኢናቐብል . . .’ እናበለት ምድራፍ ቀጸለት። ኣብ እንዳ ሓምሳን ሓደን ኣብ ድፋዕ ከላ ንጓልሓለፋ ኣብ ናይ በጦሎኒ ባህሊ ብኣካል ክትደርፋ ከላ ስለ ዝተዓዘበታ ቃል ብቓል’ያ ሸምዲዳታ ነይራ። ቍሩብ ምስ ደረፈት ግን ጐረሮኣ ጋርጋር ኢሉዋ፡ “ዋይ ጓል ኢብራሂም! ባዕለይ’ባ ሰበብ ኣምጺአ፡” ኢላ ማይ ክትሰቲ ብራኳ ኣልዒላ ኣብ ኣፋ ኣልግብ እንተ’በለቶ፡ ናብ ፍሉሕ ማይ ተቐዪሩ ከናፍራ ስለ ዝለብለባ ክትሰቲ ኣይከኣለትን። ጽምኢ ስለ ዝበርትዓ ግን ቀስ ኢላ በብመዓጐ ብምስታይ ጐረሮኣ ኣተርከሰት።

ጸሓይ ንምዕራብ ገጻ ክተንቈልቍል ከላ መሬት ቍሩብ ክዝሕል’ኳ እንተ ጀመረ ካምሲን ግን መመሊሱ እናበርትዐ ከደ። ዓይኒ ክሳዕ ዝሕዝ ብዓቕሊ ተጸበየት። ሰዓት’ኳ እንተ ዘይነበራ ካብ ዝብገስ ልዕሊ ሰለስተ ሰዓት ገይሩ’ሎ ኢላ ስለ ዝገመተት፡ ኣዒንታ ንቕድሚት ተኺላ መብራህቲ መኪና ክትቋመት ጀመረት። ንፈተነ መብራህቲ መኪና እንተ ወልዓቶ፡ ነቲ ሓያል ካምሲን ብጩራኡ ክስንጥቕ ዘይክእል ኮይኑ ረኸበቶ። መሬት ናብ ድቕድቕ ጸልማት’ያ ተቐዪራ። ኣንቃዕሪራ ንሰማይ ቍሊሕ እንተ በለት ይትረፍ ከዋኽብቲ ወርሒ’ውን ትርአ ኣይነበረትን።

ዘፍርሕ ጸልማት ነገሰ። ግዜ እናነውሐ ምስ ከደ ነገሩ ምርዳእ ስኢኑዋ ኣብ ሓሳብ ኣተወት። ኣብ ጥርጣረ ኣትያ፡ ‘መንገዲዶ ጠፊኡዎ ኮይኑ? ናይ ሰዓትን ፈረቓን መንገዲ’ሞ ከመይ ኢሉዩ ክጠፍኦ? ግን ከኣ ክሳዕ ሕጂ ድሮ በጺሑ ክምለስ ምተገብኦ ነይሩ። ብድኻም ተኻኢሉ ክኸውን? ኣይመስለንን፡’ እናበለት ዝተፈላለየ ርእይቶታት ክተደይብን ክትወርድን ልዕሊ ርብዒ ሰዓት ሓለፈ። ብዓቕሊ ጽበት ጭልም ክትብል ሰዓት ዓሰርተ ሓደ ኣኸለ። ካምሲን ብመጠኑ’ኳ ዝግ እንተ’በለ ተሪሹ ግን ኣየቋረጸን። ጥሜት ተሰሚዑዋ ኣብ ባኮ ካብ ዝነበረ ማንጉስ ቅራፉ ብመስኮት ድሕሪ ምድርባይ ቍሩብ ማይ ጐርዳዕ ኣበለት። ብዙሕ ከይደንጐየት ድማ ኣብ ዝነበረቶ ድቃስ ሸለው ኣበላ።

ሰዓት ሓደ ኣቢሉ ቦታ ዘይመችኣ ግዲ ኮይኑ ዓይና እናሓሰየት ከባቢኣ ጠመተት። ካምሲን ፈጺሙ ደው ኢሉ ፡ መሬት ድማ ጸጥ ኢሉ ነበረ። ሓደ ክልተ ከዋኽብቲ ብልጭ ይብሉ’ኳ እንተ ነበሩ ሰማይ ገና ጠሪሹ ኣይገልሀን ነይሩ። እዋን ከም ዝሓለፈ ስለ ዝተረድኣ ካስትሮ መሬት ከይወግሐ ከም ዘይምለስ ተጋህደላ። ድቃስ ከይጸገበት ስለ ዝተስአት ክዳውንታ ኣልዒላ ካብ ጋቢና ብምውራድ ስረኣን ካምቻኣን ተኸድነት። ገና ባዕዚዛ’ያ ነይራ። ክሹኻ ኣንጺፋ ኣብቲ ልምሉም ሑጻ በጥ ድሕሪ ምባል ድማ ኣብ ዓሚቝ ድቃስ ብምእታው ከም ጕንዲ ነቐጸት።

ድሕሪ ክልተ ሰዓት ኣቢሏብቲ ከባቢ እትነብር ኣንጭዋ ምድረበዳ፡ ቅድሚ ሳልስቲ ዝወለደቶም ደቃ ኣብ ጕድጓዳ ሓዲጋ ድራራ ክትምእርር ንደገ ወጽአት። ቍሩብ ዘወርወር ድሕሪ ምባል ዝረኸበቶም ሕንጉጉታት ኣራማሲሳ ደቃ ስለ ዘሰከፉዋ ክትምለስ እናሓሰበት ከላ፡ ሃንደበት ብሸነኽ ጸጋማ ምኡዝ ሽታ ብዘለዎ ነገር ተሳሕበት። ብብርቱዕ ናይ ምሽታት ክእለታ ተመሪሓ ናብ’ተን ኣብ ጥቓ እግሪ ርሂጸበላዕ ዝነበራ ቅራፍ ማንጉስ በጽሐት። ኣብ መዋእላ ረኺባቶ ዘይትፈልጥ ዓቢ ሽሻይ’ዩ ነይሩ። ይኹን’ምበር ልክዕ ከምቲ ንሳ ድራራ ክትምእርር ፋሕተርተር ኢላ ጻማኣ ዝረኸበት፡ ካብ ርሑቕ ዝተኸታተላ ተመን፡ ክድረራ ሓሲቡ ኣድብዩ ይሕልዋ ከም ዝነበረ መስኪነይቲ ኣየስተውዓለትሉን።

እቲ ዕረረዋይ ተመን ለመም እናበለ ኣብ እግሪ ጐማ መኪና ናብ ዝነበረ ጊንድዐ ብምስጋር ነታ ብክቱር ህርፋን ሓንሳብ ነቲ ፍረ ማንጉስ፡ ሓንሳብ ነቲ ቅራፍ ተኳማስዕ ዝነበረት ኣንጭዋ ክጐብጥ ተዳለወ። ርሕቀቶም ናይ ክልተ ሜትሮ ጥራይ’ኳ እንተ ነበረ ግርም መኸወሊ ረኺቡ ስለ ዝነበረ ክተስተውዕለሉ ኣይከኣለትን። ብዘደንቕ ቅልጣፈ ተወርዊሩ ምስ ነኸሳ፡ “ጭጭ!” ዝብል ድምጺ ኣስሚዓ ኣየላበወትን ትንፋሳ ሓለፈት። ኣይደንጐየን ብርእሳ ኣብ ኣፉ ኣእተዋ። በብቝሩብ ጭዋዳታቱ ንቕድሚትን ንድሕሪትን እናንቀሳቐሰ ድሕሪ ብዙሕ ጻዕሪ ብምልእታ ወሓጣ። ከም ኩላተን ኣንጭዋታት ምድረበዳ ደቃቕ’ኳ እንተ ነበረት፡ ምስ ግዝፉ ትመጠጠን ስለ ዘይነበረት፡ መንድዓት ከም ዝሓዞ ሰብ ኣብ ሕቘኡ ጕልጭ ኣብ ርእሲ ምባላ ክብደት ፈጢራትሉ። ከም ሳዕቤን ድማ ኣብ ምንቅስቓስ ኣካላቱ ዘይምቹእ ኵነታት ፈጠረትሉ። መሬት ዝሕልሕል ስለ ዝበሎ ግን መውዓሊ ዝኾኖ ጕድጓድ ሃሰስ ክብል ግድነት ነይሩ። የማነ ጸጋም ቍሊሕ ምሊሕ እንተ’በለ ከም ጕንዲ ተገቲራ ዝነበረት እግሪ ርሂጸበላዕ ምስቲ ገይራቶ ዝነበረት ስረ ባህርያዊ ጕድጓድ መሲላ ተራእየቶ። ሰላሕ ኢሉ ድማ ንውሽጢ ተደርገመ። ርሂጸበላዕ ምስቲ ዝነበራ ድኻም መድፍዕ እንተ ዝትኰስ’ውን ኣይምሰምዐትን ነይራ። ብዘይንሱ’ውን ኣብ ድቃስ መጺእካ ቅስንቲ እያ ነይራ።

ይቕጽል

መበል 84 ክፋል ዝመጽእ ሰንበት

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleፍቕሪ’ዩ ዝስዕር
Next Article ምስትምቓር ግጥሚ “የቐንየለይ ወርሒ”
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?