Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Saturday, May 31, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ዛራታት ጥበብዶ…

ዛራታት ጥበብዶ…

4
By ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል on May 30, 2014 Home, ቅኒት ብርዒ
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ዛራታት ጥበብዶ ወይስ ዛራ ጥበባት᎒

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል

እታ ኣብ ሓጓዳይን ጸሓፋይን ሰፊራ ብበይኑ መልክዓትን መኣዝናትን እትግለጽ ጥበብ፣ ንሳ እታ እንኮ ጥበብ እምበር፣ “ጥበባት” ተባሂላ ክትበዝሕ ኣየምሕረላን’ዩ ንምባል እየ ዝጽሕፍ ዘለኹ።

ፈራዲ ንፍርዱ፣ ዘያሚ ከኣ ንደርፉ በበይኑ ዝዓይነቱ ጥበብ ከምዘድልዮም ኣየከራኽርን። ዓይነት እኳ እንተተፈላለየ እታ ምንጪ ኩሉ ዝኾነት ጥበብ ግን ሓንቲ እያ በሃላይ እየ። ከምቲ ንኽእለት ዘረባ ጥበብ ዘድልዮ፣ ንምስማዕ’ውን ጥበብ የድልዮ እዩ። ከምቲ ንምጽሓፍ፣ ንምንባብ ድማ፣ ከምቲ ንምፍቓር ንምጽላእ ድማ፣ ከምቲ ንምህናጽ ንምፍራስ ከኣ፣ ኮታ ጥበብ ዘይትቓንዮ ነገር የልቦን። ንጽቡቕን ክፉእን፣ ንኽቡርን ሕሱርን፣ ምስቲ ኹሉ ብዙሕነታ ግን ንሳ ሓንቲ እያ- እንኮ! “ጥበብ” ተባሂላ ደኣ ትስመ እምበር፣ “ጥበባት” ተባሂላ ክትበዝሕ ኣየምሕረላን፣ ዝሰማምዓ’ውን ኣይመስለንን ዝብል፣ ንጹር መርገጺ ሒዘ ድማ እየ ደው ኢለ ዘለኹ- እኳ ደኣ እንከየልክሙኒ ባዕለይ ንገዛእ ርእሰይ “ድሎ ከይትዕሎ!” ኣዊጀላ ኣለኹ።

“ኢደ-ጥበብ፣ ኪነ-ጥበብ፣ ስነ-ጥበብ” ዝብሉ ብሂላት ብገለ ጐፍ ኢሎሙኹም ከምዘለዉ ርግጸኛ እየ። ገለ ብግእዝ፣ ገለ ብኣምሓርኛ ገለ ድማ ብትግርኛ እናሓሰቡ ግዲ ዝጽሕፉ ኮይኖም፣ እንሓንሳእ ፍልልያቶም ክሳዕ ዘይርድኡና ሕውስውስ እናበልዎ እምበር፣ ነታ ብዝተፈላለየ መልክዓት እትግለጽ ጥበብ ግና፣ “ጥበባት” ክንዲ ምባል ብዝተፈላለየ ቅድመ-ጥብቆ (ኪነ፣ ስነ፣ ኢደ) ዝብሉ ምሂዞም ክገልጽዋ ምፍታኖም፣ ንሕና እዞም ዳሕረዎት ክንሓስበሉ ዝግባእ ይመስለኒ።
• ኪነ-ጥበብ ከነብዝሖ ምስ እንደሊ ኪነታት-ጥበብ
• ኢደ-ጥበብ ከነብዝሖ ምስ እንደሊ ኣእዳው-ጥበብ
• ስነ-ጥበብ ከነብዝሖ ምስ እንደሊ ስነታት-ጥበብ
• ቃል-ጥበብ ከነብዝሖ ምስ እንደሊ ቃላት-ጥበብ
• ዛራ ጥበብ ከነብዝሖ ምስ እንደሊ ዛራታት-ጥበብ

እዚ ብመምህር መኮነን ተስፋይ ዝኽፈት ዘሎ “ዛራ-ጥበባት” (እግረ መገደይ ዛራ-ጥበብ ወይ ዛራታት-ጥበብ እንተዝበሃል እየ ዝብል ዘለኹ) ብውሑዱ ነዚ ዕድል እዚ ክኸፍተልና ምኽኣሉ ግን፣ ክንጥቀመሉ ዝግብኣና ባይታ ፈጢሩ ምህላዉ ከስምረሉ እደሊ። እዞም “ኢደ-ጥበብ፣ ኪነ-ጥበብ፣ ስነ-ጥበብ” ወዘተ ተብሂሎም ብዝተፈላለየ ኣሰያይማ ዝስመዩ ዘለዉ፣ ፍልልያቶምን ርክባቶምን ብዝምልከት ዓሚቝ መረዳእታ ከጨብጠና ዝኽእል ሓሳባት፣ ኣብዚ ዛራ እዚ ክውሕዙ ድማ ተስፋ ንገብር። ብሓፈሻ ኣስተብሂለሉ ዘለኹ ግን፣ ስነ-ኪነት ምስ ዜማን ደርፍን፣ ኢደ-ጥበብ ምስ ጽገናን ምህዞ ነገራዊ ነገራትን፣ ስነ-ጥበብ ድማ ምስ ጽሑፋዊ ፍርያት ተኣሳሲሮም ከምዝጸሓፉ እዩ። እዚ ዝጅምር ዘሎ “ዛራ-ጥበብ” ንዅሉ ዓውድታት ዝሓቍፍ ከኸውን ከኣ ትጽቢተይ እዩ።

ጥበብ እንታይ ማለት’ዩ ናብ ዝብል ሕመረታዊ ሕቶ ዶ እሞ ከነላግስ? እቲ ብጥበቡ ዝስመ ንጉስ ሰሎሞን ንጥበብ ሕጽር ብዝበለት ንጽርቲ ትርጉም እዩ ዝገልጻ፣ “ንምስላጥ እትጠቅም” ብምባል ድማ የብርሃ። መክብብ 10፣10 ስለዚ እቲ ጥበብ ዘይብሉ ጉይይ ክውዕል ከሎ፣ እቲ ጥበብ ዝሰነቐ ግን ክሳድ እዩ ዝሕዝ። “ካብ ጉይይ ምውዓል ክሳድ ምሓዝ” ይብሉኹም ኣቦታት። ኣብዚ እንሀትልኩም ጥበብ! ብኻልእ ኣዘራርባ 20 ዓመት ናይ ዝተመሃርካ ዘይኮነስ ኣብ 20 ዓመት እንታይን ብኸመይን ኣስሊጥካ እዩ መለክዒ ጥበብ።

ዛራ-ጥበብ ብብዙሕ መገዲ ክግለጽ ከምዝከኣል ድሮ ጠቒስናዮ ኣለና። ሓደ ካብዚኦም ከኣ ምስላታት ወለዲ እዩ። ምስላታት፣ ቃል-ጥበብ እዮም። ምእንቲ ክመስለና ኢሎም ለባማት ወለዲ መሲሎም ይነግሩና፣ ብውሑድ ቃላት ከኣ ብዙሕ የዕልሉና። ኩላትና ብማዕረ ንርድኦ ማለት ግን ኣይኮነን። ንምስላ ዘውድቕ ካልእ ምስላ ድማ ኣሎ። ከመዮ ኣልበርት ኣንስታይን ኢልዎ ዝበሃል፣ “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ፣ ኩልና ብማዕረ ለባማት፣ ኩልና ድማ ብማዕረ ዓያሹ ኢና” ዝብል ብሂል ማለት እዩ። ነዚ ብሂል እዚስ ብምንታይ ዝዓይነታ ጥበብ ኮን ኢና ክንርድኦ እንኽእል?! እንድዒ ኸ ደቀይ!

ፍቕሪ ጥበብ ናብ ዝብል ካልእ ንኡስ ሓሳብ ድማ ንሕለፍ። ፍቕሪ ጥበብ፣ ፊሎሶፊ ከምዝበሃል ወይ ብኣንጻሩ፣ ፊሎሶፊ ማለትሲ ፍቕሪ ጥበብ ማለት ምዃኑ ኸ’ባ ዘኪርናዮ ዶ ኣለና?! ኣንቲ “ሶፍያ” ዝስምኪ ዕልል በሊ፣ ሓደው ጥበብ ጐዲሉኪ እንተሎ ድማ ስም ቀይሪ፣ ሶፍያ ማለት ጥበብ ማለት እዩ። ሶፍያን ዓሻን ሶፍያን በሰሮን ኣይመሳንይትን! በሉ፣ በሉ “ዘምጽኣኩም ግበሩ” ቢላ ሶፍያ (ጥበብ) ከይኰረየት ከላ ዘምጽኣና ክንገብር።

ጥበብ ሓንትን እንኮን ምዃና ንምእማን ክሳዕ ኣብዚ ዝመከትኩ ይመስለኒ። ምሒር ለፍሊፈ… ሕጂ ነታ “እንኮ” ዝብላ ዘለኹ ጥበብ፣ ኣይፋልን “ጥበባት” ተባሂላ ክትበዝሕ ትኽእል እያ ኢልኩም ክትምክቱኒ ደልየ ኣለኹ። ኣነ አዕርፍ ንስኹም ትጅምሩ፣ እንሀልኩም ብርዒ!

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleስነ-ጥበብ
Next Article መደራጋሕ
ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

4 Comments

  1. fishale tesfay on May 30, 2014 7:43 pm

    ኣሰይ! ኣሰይ! ምስኣ ከኣ’ባ ‘ተመስገን’ ክምልኣላ። ቀሺ ዮናስ ወ/ፋኤል እንቋዕ ንስኻ ኣቦና-ንሕና ደቅኻ ኮንና። መም. መኮነን ስለ’ቲ ህርኩትነትካ ምስጋናይ ደረት ኣልቦ’ዩ።

  2. Beyn Tesfamariam on June 1, 2014 1:28 pm

    Selam nakum aboy keshi yonas. kalehiwet yesmalna abi mkri hibkumna. eti ኪነ ጥበብ etbl ab websitey zela dma kikyra eye. degime sleti zhabkumna tmhrti amlak ybarkum. kemakum zbelu dma yebzhalna.

  3. shishay gebrehans on June 1, 2014 8:37 pm

    ብጥርኑፍ ርእይቶ ክህብ ኢለስ ነብሰይ ኣዐሽየ ጸኒሐ፡፡ ለካ ዛራ ጥበባት እግሪ ተኺላ ርሑቕ ተዓዚራ እያ፡፡ ኣነ ድማ ሓንሳብ ስራሕ ሓንሳብ ጽሕፈትን ንባብን ከመኽኒ ድሕሪት ተሪፈ፡፡ (ኣነ’ኳ ለሚደዮ እየ ድሕሪት ምትራፍ ንዓኹም ከይሕድሰኩም እምበር፡) ንመንገዳ ዘተዓናቕፉ ከይበዝሑ እናተመነኹ ነቶም ከም ዘለዉ ዝኣምነሎም ፈለጥና ዝብሉ ድማ ሕልና ከዐብዩ ምምሕጻን እዩ፡፡
    ቀሺ ዮናስ ንዘበርከቶን ንዝፈጠረለይ ሓድሽ ግንዛበን እመስግኖ፡ ፍሻለ ጽናዕ ከይትምናዕ፡፡ ክብሎ ምደለኹ። መኮነን’ኳ ዝብለካ የብለይን ዕድመን ጥዕናን ጥራይ።

  4. ዓብዱ እስማዒል on June 2, 2014 6:40 am

    ድሕሪት ‘ኳ ኣይተረፍካን ሽሻይ ግን ከምቲ ዝበልካዮ ዓንቀፍቲ ንበሎም ቆጸይቲ ከይገጥምዋ ምሕላወ እዩ።

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?