Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Tuesday, March 10, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ምስትምቓር ተዋሰብቲ ግጥምታት

ምስትምቓር ተዋሰብቲ ግጥምታት

0
By Mekonnen T. on July 31, 2015 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ፍቕረይ የማን

ነርወይ

ዳርጋ ኣብ ጫፍ ሰሜናዊ ዋልታ ኣብ ሓንቲ ካብ ሃብታማት ሃገራት ዓለምና ጥራይ ዘይኮነት ሲ ዓመት መጸ ምስ ቀዳሞት ክልተ ወዲ ሰብ ክነብረለን ዝመቸኣ ተባሂላ እትሰመ ሃገር ሰፊርካ፡ ምስ ኩሉ ሓለፋታት ንሂወት መቐረት ትስእነላ እሞ ትበሳጮ። እንታይ ከ ኣምጽኣኒ ናብዝስ ከኣ ትብል።
መትሓዚ ስኢንካ እናዕነነኻ ተስፉ ሓጐስ ዝበሃል ገጣማይ ምስ ግጥሙ ህሩግ ይብለካ።

“ውሽጥኻ ዝሃሲ ጸገምካ ኣለልዩ
ካብ ዘይምህላው ዶ ዝሓስም ሃልዩ!”

ይብለካ እሞ ድሕሪት ናብቲ መንፈስካ ዝሓደግካሉ ስፍራ ትምለስ። እዚ ውን ብመንፈስ። “ሞት ፈሪሕካ ኢኻ ተሰዲድካ” ድዩ ዝብለኒ ዘሎ? ኢልካ ትሓትት! ግድን ግን እወ ይኾነካ መልሲ ብዛዕባ ንዋታዊ ህላወ ይዛረብ ከምዘየለ ርዱእ ጌርካ ትቕጽል። መልሲ ንምርካብ ግን ምስታ ግጥሚ ምቕጻል ጥራይ እዩ።

“ህላወና ዘማዕርግ ጽባቐና ምስ ጠፍአ
”ሩፍታና” እናበልና ዕግበትና ዝርአ
ገዛና ገዲፍና ወጺእና ንግዳም
ንርኽበት ናፊቕና ካብ ስእነት ንምህዳም፥”

ዝብሉ ነግሕታት ድሕሪ ምንባብ፡ ንሂወት ትርጉም ዘልብሳ ምስሊ ሰላም ዘለዎ ናጽነት፡ ውሕስነት ዘለዎ ሂወት ስኢንና እንዲና ወጺእና ይብሉኻ ከም ዘለዉ ትርዳእ። ርኹባት ክንከውን ብንዋይ ዶ ወይ ሲ ሂወትና ክንረኽባ ዝብል ሕቶ ግን ቅጅል ይብለካ ድሕሪ እታ ራብዐይቲ ነግሒ ምንባብካ። ሂወትና ከይንስእን ዶ ዝሰኣንናዮ ክንደሊ!? ውን ትብል። ኩሎም ተመላላእቲ ምዃኖም ግን ኣይተርፎምን፡፡ ብሰንኪ ስእነት ናጽነት ዝኣተወ ድኽነት፡ ንምፍዋስ፡ ሂወትና ከይንስእናን ዝሰኣንናዮ ጽባቐ ሂወት ንምንዳይን ግዳም ምሕዳርና ተውክእ እዛ ግጥሚ። ቁጡብ ቃላት ንእልቢ ዘይብሉ ምስልታት ምስካሙ እናተገረምካ ንባብካ ትቕጽል። ኣብ መንጎ ግን ሕቶ ውሽጥኻ ይሕዘካ መን ኣውጺኡኒ፡ ከመይ ኢለ ወጺኤ ኣበይ ንምብጻሕ፡ ምስ መን ዝብሉ ሕቶታት ይለዓሉ። ካልእ ብርሃነ ገብረሂወት ገጣማይ እዚ ውን ምስ ግጥሙ። ኣብ ጥቓኻ ዘዘው እናበለ ‘ውርሻ’ ዩ የድምጽ። ናይ ምንታይ ውርሻ መን ወራሲ ካብ መን? እና ሓሰብካ፡

“ውሕጅ ዓሻ
ፈታዊ መገሻ፡
እትሓድሮ
ኣብዚ’ዩ ዘይትብሎ፡
ያኢ ክትመቘሉ
ወይ ክትብርኵተሉ
ሓዊ ንመእጐዲ
ተሰኪምካ ጕንዲ።”

ክብል ትሰምዖ። ሕስብ ምስ ኣበልካ ዕሽነት ታሪኽ ይስቆረካ። ኣብዚ መዕለብየይ ከይበለ ዝገይሽ ታሪኽ። መመላእታ ፍጻሜታቱ ዘዝረኸቦ እናተማልአ ዝገይሽ ታሪኽ። ንዓኻ ውን ከም ዝለከመካ ትርዳእ።

“እንታይ ክትረክብ?
ትጭክን ኣብ ገረብ፡
ትብርቁቖ ካብ ዝበቘለሉ
ገላቢጥካ ሃሙ ተጥፍኣሉ፡
ሓይልኻ ጠሊሙካ ንትጠልሞ
ሓንሳእ ተንሳፍፎ
ሓንሳእ ተላትሞ!”

ኣብ ዝብሉ መኣዛ ዘይብሎም ግን ምኡዛት ነግሕታት እቲ ጨካን ታሪኽ ካብ መበቆልካ ነቒሉ እናከላበተ ክወስደካ ህያው ትርኢት ትርኢ። ናበይ እዩ ክወስደካ!? ታሪኽ ፍጻሜታት ጸብጺቡ ዝሓልፍ እምበር ባዕሉ ዝቆጻጸሮ ሓይሊ ስለዘይብሉ ሃንደበት ካልእ ፍጻሜ ኣብ ዘጓንፈሉ ንኻልእ ሓይሊ ሓይሉ የረክብ ወይ ሃፊፉ ይተርፍ። እንታይ ይረክብ ግን እዚ ዝገብረኒ ኢልካ ክትሓትት ባህርያዊ ይኾነካ። ታሪኽ ዘየቋርጽ ተወራራሲ ባህሪ ዘለዎ ብምዃኑ ውርሻኡ ንምትግባር ንዘይወጠንካዮን ዘይሓሰብካዮን ሓደጋ ከቃልዓካ ድሕር ከምዘይብል ከኣ ይምለሰልካ። ኣብ ታሪኽ ሚዛንን ምምዝዛንን የለን። ባህሪ ታሪኽ ዕሽነት እዩ።

“ከይትልብም ኰይኑካ ናይ ኣቦ
ውርሻ ከኣ ንመን እሞ ክትህቦ?
እምበር ኣኽፊእካዮ
ብዕሽነትካ ንጕንዲ ጐዲእካዮ፡
ከይወጠኖ ከይሓሰቦ”

ኣብ ውነኻ ትምለስ ከመይ ኢለ ደኣ ኣብዚ በጻሕኩ ምስ በልካ፡ እቲ ቀዳማይ ዝረኸበካ ገጣማይ ይመጽእ።ንሱ ተስፉ ሓጐስ። ምስታ ዘይወዳእካያ ግጥሙ። ኣካል ሂወትካ ኮይኑ ስለዘዘንቱ ዝያዳ ንጹርነት ግጥሙ ይረአ።

“ምስ ኣራዊትን ኣረሜናትን እናተራጸምና፡
ብተፈጥሮን ፍጡራትን እናተጓደልና፡
ካብ ሃገር ናብ ሃገር
ካብ ኣህጉር ናብ ኣህጉር
ኣእላፍ ሓጹር እናተቓለስና ናጽነት ዝህግር
ጫፋት በጺሕናዮም ተወዲኡ ስግግር፡፡”

ምስ ኩሎም ኣራዊትን በረኻን ኣረሜናት ሸፋቱ ሲናይን ምድረ በዳ ሰሃራን እናተራጸምና፡ በጃ ሂወትና ሂወት ኣሓትን ኣሕዋትን ብባህራዊ ሓደጋን መጻወድያ ኣረሜናትን እናተኸፍለ ካብቶም ዝነቐልና ገሌና ኩሎም ጫፋት ዓለም በጺሕና። ንዘይምቕጻል እኳ እንተዘይ ወሰንና ኣድማስ ከምዝኸልከለና ንርኢ። ደው! ምቕጻል የለን፡፡ ጽባቐና ዘማዕርግ ሩፍታና ዝረኸብናዮ መስለና፡፡ ሃንደበት ግን፡ ኩሉ ከንቱ እዩ ከምዝተባህለ ኣካል እቲ ዛንታ ዝኾነ ገጣማይ የርእየና። ግጥሙ፥
“መለሳ ዘይብሉ ኮንቱ ላዕልን ታሕትን
ነዛ ንምስትንፋስ ከርተት ካብዝን ናብትን
ወጮ ‘ንተገምጠልካዮ ወጮ” ኮይናትና ዓለም
ኣብ ዝኸድናዮ ክንጭነቕ ርሒቑና ሰለም፡፡”
ኢላ ናብቲ ፈለማኻ ትመልሰካ። “ናብ ንጠፍኦ እኮ ጠፊኡና” ኢልካ ተማርር። ገጣማይ ይዕዘር። ንስኻ ቀንፈዘው ትብል። ካብ ርሑቕ ግን እቲ ትስፉው ገጣማይ ዳግማይ ይቕልቀል።
“ዓዲ ጥዕናኻ” ዝብል ደሃይ ትሰምዕ። እንታይ ኮን ይብል ይኸውን? ትህንጠ።

“ውሑጅ ስደት ግዳይ መዓት
ሕላፍ ፈተና በዓል ትብዓት
ኣለኻ ዶ ኣንታ ምስ ልብኻ?
ምስ ውኖኻ ምስ ወንኻ!

ኣሎኻ ዶ ኣንታ ምስ ሓይልኻ?
ምስ ብልሕኻ ምስ ሓቦኻ!”

ኣብዘን ነግሕታት ዝረኣኻዮ መከራን መሰናኽላትን ዘርኣኻዮ ጽንዓትን ትብዓትን የዘኻኽረካ እሞ፡ ገና ጽንዓትካን ዘይተመናንሀ ውነኻን ምስኻ ክሪኦ ይትስፎ። ኣየ’ባ ዝነበረካ ሓይልን ብልሕን እናበለ ከኣ ከነቓቕሓካ ይፍትን። ድሮ ምሳኻ ኮይኑ ርኢዎ ንዘሎ ዘይጠዓመካ ስደት ግን ክኽሕዶ ኣይደልን። ምስትምሳልካ ይረኣዮ እሞ ከጸናንዓካ ይደሊ።

“ቅንዕ እስኪ በል
ትርኢትካ ይምበልበል
ፍሽኽ እናበልካ ገጽካ ኣድምቆ
ራኢኻ እናሓለኻ ትዝታኻ ኣርሕቆ
ሕርን በል ኣይተስተማስል!
ሰብ ንርእሱ’ዩ ዝመስል።”

‘ ይእከልካ ምድናን ዋእ’ ይብለካ፡፡ ብርህርህ በል ፍሽኽታ እሞ ኣርኢ ጽንዓት ክስመዓካ እዩ ይምዕድ። ብቐንዱ ዘሰደደካ ምኽንያት ስእነት ናጽነት ይኹን እምበር ካብ ወጻኻ ከም ሰብ ራኢ ክህልወካ ግድን እዩ። እምበኣር ኣብ ትዝታ ምንባር ካብ ራኢኻ ዝኾልፍን ድሕሪት ዝመልስን ስለዝኾነስ ኩሉ ግዜ ራኢኻ ዘክር፡ ንዕኡ ስራሕ እሞ ምስትምሳልካ ክእለ ይብለካ። ብቐደሙ ጽንዓትን ብልሕን እዩ ኣብዚ ኣብጺሑካ እሞ ኣይተጥፍኣዮ ደኣ ምሰሎ እናበለ የዘኻኽር።
ዓሕ ምባል ዘምጽኦ ፋይዳ ከምዘየለን ዝጠፍአ ክትዝክር ዘለካ ከይትስእንን በቲ ሓደ ዘጥፋእካዮ ተኪእካ ካልእ ካብኡ ዝበልጽ ውን ንምውናን ሰፊሕ ዕድል ከምዘለካ ይነግረካ። እዚ ዝኸውን ግን ምሉእነት ህላዌኻ ምስ ሓይሊ መንፈሱ ኣገዳሲ እዩ ይብል።

“ንዝጠፍአ ግዲ ኣይትግበረሉ
ምስ ግዜ ተተካኢ እንዳኣሉ
ዘይበጻሕካዮ ውን ብዙሕ ይህሉ
ዕድመ ይሃብካ ‘ምበር ተርክበሉ
ዘድንን የብልካን ዘጸምሉ
ህላወኻ’ዩ ልዕሊ ኩሉ፡፡”

እምበር ከ ንእስነትካ እንታይ ተላዒልዎ! ክትሓስበሉ ዘለካስ እቲ ሕጂ ትገብሮ እዩ። ዘይተገብረ ከኣ መዓልቱ ሓልዩ ይግበር ልዕሊ ኩሉ ግን ጭንቀት ኣወግድ እናበለ ነቲ ኣቐዲሙ ህላዌኻ እዩ ኣገዳሲ ዝበሎ የራጉዶ።

“ጎበዝ እንዲኻ
እንታይ ግድኻ
ዝግበር ምበር ኣየሕስብካ ዘይተገብረ
ኣይትጨነቐሉ ክብጻሕ እዩ በብእብረ።”

ግዳ ኣብ ዓዲ ጓና ምህላውካ ዘይተርፍ ክንደየናይ ምሉእነት ከይህልዎ፡ ኩሉ ዓይነት ጸገም ከም ተነጽሎ፡ ምጒናይ፡ ውርደት ምዝርራይ ከጓንፈካ እዩ፡ ግን ንነብሶም ኣይበሉ መስጣኻ ክወርዶም እዩ እቶም እዚ ዝገብሩ። ስለዝስ ኣጆኻ!

“እንተ እቲ ብሰባት እትሓሞ
ዓዘራ ክኾኖም እዩ’ሞ፥
ስደተኛ እናበሉ ከስተማስሉኻ
ሰብ የብሉን ኢሎም እንተጓነዩኻ
መንገደኛ’ዩ እናበሉ ክንጽሉኻ
እንተጋየሹኻ እንተገለሉኻ
ኣጆኻ!
ኣይተውድቕ ናሎኻ!”

እቲ ዘገድስ ስራሕካ እዩ። እቲ ዘገድስ ውጽኢትካ እዩ። ሰብ እንታይ በለ፡ ብዛዕባኻ እንታይ ሓሰበን እንታይ ተሰመዖን ዘገድስ ኣይኮነን። ኣበይ ኣለኻ ብዘየገድስ ምስ ውነኻን ምስ ሓይልኻን፡ ምስ ጽንዓትካን ምስ ብልሕኻን ኮታስ ህላዌኻ ብምሉእነት እዩ ኣገዳሲ። ኩሉ ግዜ ነዚ ዘክር።

“እንታይ ትገብር ‘ምበር
እንታይ ትበሃል ዶ ከዳኒ
ከመይ ኣለኻ ‘ምበር
ኣበይ ኣይኮነን ወሳኒ።”

ተሰዲድካ ኢኻ። መጻኢ ግን ኣለካ። ንመጻኢኻ እትዓዮ ንስኻ ምዃንካ ዘክር። ነታ ክትፍትሻ ዝወጻእካ ሂወት ባዕልኻ ፍጠራ። እቲ ዘውጽኣካ ታሪኽ ገዲፉካ እዩ። እቲ ዝሓሸ እዩ ዝበልካዮ ስፍራ ስደት ውን መለሳ ኣይረኸብካሉን። እሞ ዋና ነብስኻ ኩን። ፍረ ዘይርከቦ የለን። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ፍረ ዕቤት ኣሎ። ኣይትረብርብ ጥራይ። ኣይትዳህለል ከኣ።

“በርትዕ ጥራሕ
ህይወትካ ምራሕ
መልክዕካ ሒዝካ ዘዂርዕ ግርማ
እምነትካ ኣሚንካ ብንጹር ዕላማ
ሰጉም – ንበር
ስራሕ – ክበር
በረኻ ይኹን ጎደቦ
ፍረ ጥራሕ ይረኸቦ

ኣይትተሓለል ኣይትተሃመል
ንዕቤትካ ቀጻሊ ተመልመል”

ሞራል ኣስኒቑካ ይዕዘር። ከም ቀደምካ ንበይንኻ ግን ምስ ሓድሽ መንፈስ። ናብ ዳግማይ ምስትምቓር ግጥምታት ትኣቱ። ብልጫታተን ትርኢ። ገለ ድኽመታት ውን ብልጭ ይብለካ።

ኣብዘን ሰለስተ ተዋሰብቲ ግጥምታት፡ ዝረኣኹዎ ጽባቐ ግቡእ ውክልና፡ ዘየቋርጽ ዋሕዚ፡ ስጥመት ቃላት ምስ ቴማ ከምኡ ውን ኣድማሳውነትን ዘልኣለማውነትን እዩ።
ውክልና፥
ኣብ ‘ውርሻ’ ትብል ግጥሚ ብርሃነ ገብረሂወት ታሪኽ ልክዕ ምስሉን ስርሑን ሒዙ ብግቡእ ተወኪሉ ኣሎ።
ዋሕዚ፥
ዋሕዚ ሰለስቲኤን ግጥምታት ከምቲ ኣብ ዝርዝር ውን ሪኢናዮ ዘለና ኣዝዩ ስጡም እዩ።
ስጥመት ቃላት፥
ቃላት ተሰከምቲ ናይ ሓሳብ ከም ምዃኖም መጠን ተመሪጾምን ውህደቶም ተለልዩን ኣብ ጥቕሚ ክውዕሉ ይግባእ። ከምኡ ውን ዝያዳን ጐደሎን ዘይብሎም ነፍሲ ወከፍ ቃል ብምኽንያትን ብምሉእነትን ኣብ ቦታኡ ክስኳዕ ትጽቢት ይግበር። ኣስተብህሎይ ኣብዘን ግጥምታት ዘለዉ ቃላት ነዚ ዝጠቐስኩዎ ዘማልአ እዩ።
ኣድማስውነትን ዘልኣለማውነትን፥
ግጥሚ ኣብ ውሱን ቦታን ግዜን ይጸሓፍ እምበር፡ ምስቲ ዝጸሓፈሉ ዘሎ ዛዕባ ብምትእስሳር ኣብ ኩሉ ኩርናዕ ዓለምን ንኹሉ ግዜን ዝስተማቐር ምስ ዝኸውን ብልጭኡ የመስክር። ሓይሊ ገጣማይ ውን ደሚቑ ይርአ። ስለዚ ገጣማይ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ካብ ጸቢብነት ሓራ ኮይኑ ክጽሕፍ ትጽቢት ይግበረሉ፡፡ እዘን ግጥምታት ምስ እንርኢ፡ ናብ ዝኾነ ቋንቋ ይተርጐማ፡ እቶም ንርብዒ ዘመን ግዳይ ስደት ዝኾኑ ሶማላውያን፡ ኣብ ርሑቕ ምብራቕ ዘለዉ ደቂ ኣፍጋኒስታን፡ ቀዳማይ ደረጃ ሒዞም ዘለዉ ሶርያውያን ካልኦትን በብቛንቋኦም ከስተማቕርወን ምቹኣት እየን፡፡ ንኣድማሳውነት ለቢሰንኦ ኣለዋ።
ጥንታውያን ደቂ እራኤል፡ እቶም ኣብ ቅድሚ ኣስታት ሚእቲ ዓመት ንኣሜሪካ ዝፈለሱ ልዕሊ 5 ሚልዮን ኖርዌጃውያን፡ ኣብ ዘመነ ናዚ ዝተኻላበቱ ኣይሁዳውያን፡ ኣብ ቴስዓታት ነናብ ዝጥዕሞም ፋሕ ዝበሉ ደቂ ምብራቕ ኤውሮጳ፡ ናይ ሎሚ ተሰደድቲ ንሕናን ከማናን እቶም ኣብ መጻኢ እቲ ጉዕዞኡ ዘየቋርጽ ታሪኽ ዝብድሎም ዜጋታት ውን ከስተማቕርወን ምንም ጸገም የብለንን። ካብ ጥንቲ ክሳብ ዘልኣለም ህሉዋት እየን። ንዘልኣለማውነት ውን ናተን ጌረንኦ ኣለዋ።

ዝተራእየኒ ድኽመት፥
መቐረት ግጥሚ ኣብ ክንዲ ሓፈሻዊ ኩርናዕ መሪጹ ከርኢ እንከሎ ዝያዳ ይጽብቕ። እዘን በብመዳየን ንጠንቅን ሳዕቤንን ስደት ከምኡ ውን መንገዲ ስደትን ምስሉን ዘርኣያና ግጥምታት ሓፈሻዊ ትሕዝቶ ሒዘን እየን ቀሪበን። ኣብ ክንድኡ ንእሽቶ ኩርናዕ መሪጸን ብምንጽጻር ንዛዕብአን እንተዘቕርብኦ ዝያዳ ተፈተውቲ ምኾና።
ከምኡ ውን ሓፈሻውያን ምዃነን ልሙድ ዋሕዝን ኣዝዩ ተራ ቃልን ክጥቀማ ኣገዲድወን እዩ። ኣብ ፍሉይ ኩርናዕ፡ ዝተራቐቐን ዝወርጸጸን ቃላት ክትጥቀም ርሒብ ተኽእሎ ኣሎ። ብተወሳኺ ኣዝዩ ልሙድ ዜማ ግጥሚ እየን ሒዘን ዘለዋ። እዚ ከኣ ሳዕቤን ናይ ንዓቢ ጉዳይ ከምዘለዎ ክተርእዮ ምድላይ እዩ። ፍሉይ ኩርናዕ መሪጽካ ንዓቢ ጉዳይ ከተርኢ ምኽኣል ዜማ ግጥምኻ’ውን ተዘካርን ተፈታውን ክኸውን ይገብሮ እዩ፡፡ ብዘይብኡ ካብ ንቡር ውጽእ ዝበለ ናትካ ዜማ ክህልወካ ይሕግዝ።

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleሮዛን ሰሌን
Next Article ሰንቢደ እንድየ!
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?