Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Monday, March 9, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ምስትምቓር ግጥሚ ”ዓዲ ከመይ ‘ሎ!? ”

ምስትምቓር ግጥሚ ”ዓዲ ከመይ ‘ሎ!? ”

0
By Mekonnen T. on July 18, 2015 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ብፍቕረይ የማን

ኣርእስቲ ግጥሚ~ ”ዓዲ ከመይ ‘ሎ!? ”
ገጣሚ ~ ካልድ ኣልኣሚን

ግጥምታት ትግርኛ ንምህያስ ኣብ ክንዲ ኣብ ምድብ ዝተፈላለየ ቅዲ ግጥሚ ኣእቲኻ ምርኣዮም፡ ኣብ በብመድረኹ ዝተፈጥሩ ምንቅስቓሳት ስነ ጽሑፍ ኣእቲኻ ክትርእዮም ተመራጺ ወይ ኣድማዒ ምዃኑ ክኢላታት ስነ ጽሑፍ ይመኽሩ። ብዘይካ እቲ ንስነ ጽሑፍ ትግርኛ ብፍላይ ከኣ ንግጥሚ ዝምልከት ዝተጸንዐ ምክፍፋል ናይ ምድብ ዘይምህላዉ ንባዕሉ እቲ ዘመናዊ ስነ ጽሑፍ ውን ዝያዳ ኣብ ምንቅስቓሳት ዝምርኮስ ህየሳ ክግበር ዝዕድም ምዃኑ ከኣ ኣብኡ ከተድህብ ዘገድድ ካልእ ረቛሒ እዩ፡፡
ኩሎም እኳ ዘይኮኑ ዝበዝሑ ፍርያት ስነ ጽሑፍ ካብኡ ናብኡ ግጥምታት ትግርኛ ብባህሪኦም ኣብ ማሕበራዊ ክውንነትን (social realism) ወይ ኣብቲ ድሕሪ ኤውሮጳዊ መግዛእቲ ኣብ ኣፍሪቃን ኤስያን ዝማዕበለ post colonial ዝበሃል ምንቅስቓስ ስነ ጽሑፍ ብምእታው ክህየሱ ልዑል ተኽእሎ ኣለዎም። እዚ ከኣ ነቲ ኣብ ምድብ ዘይኮነ ኣብ ምንቅስቓስ ኣእቲኻ ምህያስ ኣድማዒ እዩ ዝብል ኣምር የራጉዶ።
ንሎሚ ማሕበራዊ ክውንነት መዐየሪ ተጠቒመ ምስትምቓረይ ዝጽሕፈላ ግጥሚ “ዓዲ ከመይ ‘ሎ!?” ብኻልድ ኣልኣሚን ዝተጻሕፈት ግጥሚ እያ።
እዛ ሓታቲ ድሕሪ ሕቶኡ ብዝረኸቦ መልሲ ተገሪሙ ድሕሪ ምሕሳብ ፡ ምግራሙ ዘስዓቦ ሕጫጨ “ዓዲ ከመይ ‘ሎ!?” ኢላ ትሓትት ግጥሚ፡ ኣብ ቀዳማይ ቤታ እቲ ናብ ምግራም ዝመርሖ ምስሊ ተሓተትቲ እያ እተርእየካ። ኣቐዲሙ ዝፈልጦ ዝነበረ ድፍረት ዘጥፍአ፡ ግዜ ዝሰዓሮ ሽቑሩር ምስሊ። መንእሰይ እዚ እዋን፡፡
‘ካን ድዩ ኣኺልዎ
‘ዚ ግዜ ተሪሩ
ደፋር ትማልሲ
ሎሚ ተሸቚሪሩ!?
ነዚ ዘራጉደሉ ትዕዝብቲ ከኣ የርኢ ቀጺሉ። ዝፈልጦ ዝነበረ ናይ ምብህሃል መንፈስ ከምዘየለን፡ ትኽ ኢልካ ምምላስን ምብህሃል ተሪፉ ሰበይ ብጐቦ ጐቦ ምዃኑ ዝርርባን የርእየካ።
‘ኢሂን ምሂን ሲ ኣይግድን
ዘዝተሓተተ ትኽ ኢሉ
ኣይምልስን።’
ንኣብነት እኳ ይብል ሓታቲ ባዕሉ። እቲ ንቡር ሕቶን መልስን ድሃይ ሕድሕድን ቤተ ሰብን ኩነታት ናብራን ካልእን ዝሓተትካዮ ሰብ መልሲ ምሃብ ገዲፉ ኣብ ምፍጻይ ከም ዝኣቱ የርእየካ።
“”ከመይ ‘ለኻ
ዓዲ ኸመይ ‘ሎ
ከመይ ከ ‘ቲ ናብራ
ሓውኻ ‘ኸ ኣቤሎ?”
ኣብ ኤርትራዊ ሕብረተ ሰብ እዘን ሕቶታት እዚኣተን ኣዝየን ንቡራት ጥራሕ ዘይኮና፡ ነዚኤን እንተዘየቕረብካ ከም ካብ ንቡር ዝወጻእካን ብሰብ ዘይትግደስን ኢኻ ትሕሰብ። ሓታታይ እምበኣር ነዘን ንቡራት ሕቶታት ኣቕሪቡ መልሲ ምስ ሰኣነ እዩ ‘ደፋር ዝነበረ ጃጅዩ፡ ንግዜ ምግጣም ስኢኑ፡ ካብ ሓቂ ንምህዳም ኢሂን ምሂን ምብሃል ኣቕቢጹ ክብል ጸኒሑ። ክሳብ ብዛዕባ ሃለዋት ሕድሕድን ኣሕዋትን እኳ ክቕርበሉ ኣይደልን።
‘ኣንታ ‘ዚ ሰብ ሎሚ
ከመይ ‘ዩ መጺጹ
ዘዝተሓተትኩዎስ
ምፍጻይ መሪጹ።’
ይግረም፡፡ ዘዝሓተቶ ሰብ መልሲ ገዲፉ ኣብ ፋጻ ምስ ኣተወ ሓደ ነገር ይስወጦ። ምጸት!፡፡ ሰብ ድሕሪ ፍርሒ ሜላ ኣነባብራ ቀይሩ። ሓቀኛ መልሲ ዝጠልብ ሕቶ ክመጾ ኣይደልን። እንተመጾ ከኣ መልሲ ከይሃበ ይፋጺ። ‘ባዕልኻ እንዶ ተረድኣዮ’ ብምባል ባጫዊ መልሲ ይህብ። ድሕሪ ፋጽኡ ደርፊ የስዕብ። ነታ ብፋጻ ከዚማ ዝጸንሐ ደርፊ።
“”ኤረየ ኤረና
ከተማታት ኮይኑ
መዓስከርና፡
ኤረየ ኤረና
ከተማታት ኮይኑ
መዓስከርና”
ኣብዛ ማይቤት እዚኣ ክልተ ነገር ትርኢ። ሰብ ካብ ህሉው ኩነታቱ ንምህዳም ኣብቲ ሕሉፍ ዝኽሪ ተሓቢኡ ክነብር ይደሊ ከምዘሎ ትዕዘብ። እዚ ከኣ ነቲ ልዒሉ ከርእየና ዝጸንሐ ትረት ግዜን ሽቑረራ እቲ መንእሰይን የራጉዶ። ካልኣይ ‘ድሃይ ዓዲ ደኣ እንታይ ክትሓተሉ ኣብ ከተማታት ሰፊርና ኣበይ ርኢናዮ’ የስምዕ።
ይቕጽል። ንሱ ውን ናብታ ደርፊ ይኣቱ። ይፋጺ፡ይደርፋ። ሽዑ ይርድኦ። ለካ …………! ይብል። ኣነ እየ ዘንጊዐ እምበር መሊሶምለይ እባ እዮም ይብለና።
‘ዝገርም ‘ዩ!
ብዝኽሪ ቐደም
ድሕሪት ተመሊሶም
ድሕሪት መለሱኒ፡
ክፋጺ ውዒለ
ክደርፋ ውዒለ
ከም ዝመለሱለይ
ከይተረድኣኒ።’
ንሱ ውን ከይተረድኦ ኣብ ምቾት ናይታ ደርፊ ይሕባእ። መቐረት ሕሉፍ የስተማቕር። ካብ ህሉው ኩነታቱ ይገላገል። ሽዑ እታ ሕጫጨ ትመጽእ “ዓዲ ከመይ ‘ሎ!?”
ውህደት ሓሳባት፡ ምጥኑነትን ስጥመትን ቃላት፡ ስሙር ዋሕዚ፡ ልዕሊ ኩሉ ግን ኣብ ልቢ ዝውቀጥ ዜማ ዘማልአት ግጥሚ እያ ንዓይ። ዝያዳ ኣቓልቦ ዝገብረሉ እሞ ባህታይ ዝመልእ ጠመተ ኩርናዕ ግን እቲ ዝመሰጠኒ እዩ።
“ዓዲ ከመይ ‘ሎ!?”
ካን ድዩ ኣኺልዎ
‘ዚ ግዜ ተሪሩ
ደፋር ትማል ሲ
ሎሚ ተሸቚሪሩ!?
ኢሂን ምሂን ሲ ኣይግድን
ዘዝተሓተተ ትኽ ኢሉ
ኣይምልስን።
“ከመይ ‘ለኻ
ዓዲ ኸመይ ‘ሎ
ከመይ ከ ‘ቲ ናብራ
ሓውኻ ‘ኸ ኣቤሎ?”
ኣንታ ‘ዚ ሰብ ሎሚ
ከመይ ‘ዩ መጺጹ
ዘዝተሓተትኩዎስ
ምፍጻይ መሪጹ።
“ኤረየ ኤረና
ከተማታት ኮይኑ
መዓስከርና፡
ኤረየ ኤረና
ከተማታት ኮይኑ
መዓስከርና”
ዝገርም ‘ዩ!
ብዝኽሪ ቐደም
ድሕሪት ተመሊሶም
ድሕሪት መለሱኒ፡
ክፋጺ ውዒለ
ክደርፋ ውዒለ
ከም ዝመለሱለይ
ከይተረድኣኒ።

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleምቖት መንፈስ
Next Article ሮዛን ሰሌን
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?