Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»ዝባን ጥበብ»አእጃምና

አእጃምና

1
By Zara on May 27, 2014 ዝባን ጥበብ
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ብርሃነ ገብረሂወት

አእጃምና ኣብ ምጅማር መርበብ ሓበሬታ ዛራ ጥበባት ገለ ንኽብል ሓሳብ ምስ መጸኒ፡ ንግዚኡ፡ ካብዚ እዛ መርበብ እተካትቶ ጥበባዊ ጉዳያት ወጻኢ ክኹብልል ከም ዘይብለይ ፈሊጠ። ይኹን ደኣ’ምበር፡ እንታይን ብኸመይን ኣብ ዝብል ንክውስን ከይተጸገምኩ ኣይተረፍኩን። ድሕሪ ክንደይ ውረድ ደይብ ናይ ሓሳባት፡ ጸሓፍቲ፡ ነቐፌታን ነቐፍትን ኣብ ዝብል ዛዕባ  ከተኩር መሪጸ። ነዚ ንኽመርጽ ዝደፋፈኣኒ ኣብተን ኣብ ገጻት ‘ፈይስ ቡክ’፡ ዝበዝሕ እዋን ብተዓዛብነት ዝሳተፈን ጉጅለታት ዛራ ገጠምትን ስነ-ጽሑፍ ኤርትራን መጠኑ ዝሓለፎ ኣካይዳ ስለ ዝጐነፈኒ’የ። ሜላ ኣጸሓሕፋን ኣነቓቕፋን ከምዚ እንተኾነዶ ይሓይሽ ኢለ ዘቕርቦ ሓድሽ ሓሳብ ኣለኒ ኣይብልን። ከም ዘይብለይ እፈልጥ’የ። ክጽሕፍ’የ ዝበለ ኩሉ ከም ዝመጸሉ ይጽሓፍ ኣየገድስን’ዩ። እቲ ኣብዘን ጉጅለታት እዚኣተን ንነቐፌታ፡ ህየሳ ወይ ልበዋ መሲሉ ዝቐርብ ጸፋዕፋዕ ግን ዘራፍ በዚሕዎስ ብኣቀራርባኡ ኣሰልችዩኒ። ኣብ በይነይ ውን ኣይመስለንን። ከማይ ዝሰልቸዎም ኣይሰኣኑን’ዮም። ኣብ ገዛ ናይዘን ጉጅለታት፡ ዝውድሱን ዝውደሱን፡ ዝሓምዩን ዝሕመዩን፡ ዝጭፍጭፉን  ዝጭፍጨፉን በዚሖም። ካበይ ተበጊሱ ኣበይ ንምብጻሕ ምዃኑ ንምእርናቡ የጸግም። ካብቲ ቅጥዒ ዘይሓለወ ኣካይዳኡ፡ ብፍላይ ኣብቶም ዝጭፍጭፉን ዝጭፍጨፉን ገለ ክርደኣኒ ብዛዕባ ዝኸኣለ ግን ክዛረብ። ዕላማ ተበግሶ ናይዘን ጉጅለታት፡ ተመኩሮ ንምልውዋጥ ከይኰነ ኣይተርፍን። ካብዚ ወጻኢ ንዝህልወን ትርጉም ግን መስረትተን ኪገልጽዎ ይኽእሉ ይዀኑ። ብወገነይ፡ እዚ ከም ዕላማ ዝገለጽክዎ ምልውዋጥ ተመኩሮ፡ ኣብ ምትርጓሙ እንተ ዘይጠፊአስ ኣብ ባይታ ኣይረኸብክዎን። ኣብ ቦታኡ ኣሎ ዝብለኒ እንተሎ ድማ ከእምነኒ ክጽበዮ’የ። ኣብ ታሪኽ ምዕባለ ስነ-ጽሑፍ ጸሓፊ ዲዩ ቀዲሙ ተቐልቂሉ ወይስ ነቓፊ ዝብል ሕቶ ምልዓሉ ኣይተርፎን። ክልሰ ሓሳብ ስነ-ጽሑፍ ዲዩ ኣቐዲሙ ማዕቢሉ ወይስ ፈጠራዊ ጽሑፋት ዝብል ተወሳኺ ሕቶ ምብርባር ድማ ኣይጽላእን። ጸሓፊዶ  ኣንባቢ? ዝብል ክድረብ ይኽእል’ዩ። መልሲ ንኽትህበሉ ታህዋኽ ዘድሊ ኣይመስለንን። መጽናዕቲ የድልዮ። ደርሆ ዲያ ቀዲማ ተፈጢራ ወይስ እንቋቑሖ ዓይነት ክትዕ ከይከውን እሰግእ። ብሃውሪ እንተ ተመለሰ ጉድኣቱ ከይዓቢ እብል። እቲ መልሲ ውጽኢት ናይቲ መጽናዕቲ ኪዀነልና ከኣ ንሕጂ ክንሓልፎ እመርጽ። ኣብ ነቐፌታዊ መልክዕ ናይዘን ጉጅለታት፡ መዓሩ ወዲኡ ብዛዕባ ዝተመንወ ኣበሃህላታት ብተደጋጋሚ ይዝረብ’ዩ። ንመብዛሕትና ይሕድሰና ይኸውን። ግዳ ዝኣረገ ብሂል’ዩ። ግዜን መልክዕን ቀዪሩ ስለ ዝቐረበ ዘመናዊ ኣየብሎን። እቲ ‘ስነ-ጽሑፍ የሎን’ ዝብል ኣበሃህላ ውን እኮ ንባዕሉ መዓሩ ዝወደአ ዘረባ ኰይኑ ኣሰልችዩና’ዩ። ክንደይ ሳዕ ዘይተደጋገመ። ተዘሪቡን ተሰሚዑንስ ተመንዩ ውን። ከምዚታት ምስ በዘሐ’ንድዩ ገጣሚ መለስ ንጉሰ (መዋጸኦ ይፍጠረሉ) ‘ናፊቕናኪ ማመት’ ዝበለ። ‘ዘሎ’ዩ ዝህሉ’ ዝበለ ከኣ ብዘይምኽንያት ኣይነበረን። ኣብቲ የሎን ዝበሃል ዘሎ ስነ-ጽሑፋዊ ስራሓት፡ ፈጠራን ጥበብን ደረስትናን ጸሓፍትናን ትሑት ምህላዉ ኣይከሓድን።  ጠንቁ ብዙሕ’ዩ። ዘይምንባብ ዝወለዶ ድኻም ክኸውን ይኽእል። ከባብያዊ ጽልዋ ውን ተጐስዩ ዘይሕለፍ’ዩ። መወከሲ ዘይምርካብ ዝህልዎ ሃስያ ኣይዝንጋዕን። ኣብ ዝተረኽበሉ ግዜ ድማ ዓቕሚ ምስትምቓር ትሑት ምዃኑ ኣየማትእን። ኣይተረኽበን ዘሎ’ምበር፡ ክትንትንን ብዝተፈላለየ መኣዝን ፈቲሹ፡ ኣንባቢ ሓዲሽ ርእየት ንኸነማዕብል ዝሕግዝን ክኢላ መድለየ። ጥዕና ይሃቦ፡ ኣብ ማእከል እዞም ‘ኣደንቆርቲ’ ሓደ ይቀላቐል ከም ዘሎ አስተብህል’የ። እዞም ስነ-ጽሑፍ የሎን እናበሉ ኣፎም መሊኦም ዝድምድሙ፡ በየናይ መለክዒ ኮን ይዀኑ? ትጽቢት ሸውሃቶምን ኣብ ባይታ ዘሎ ክውንነትን ስለ ዘይተወሃሃደን ዶ ይኸውን? ብቕዓት ናይቶም መጻሕፍቶም ከም ዝምስጦም ዝገልጽዎም ደረስቲ ካበይ መጺኡ ኢሎም ይኣምኑ ይዀኑ? ካብ ምጽያቕዶ ካብ ፍጹም ትዕድልቲ? ብርዒ ዝሓዘ ዘበለ ከም ናይቶም ዝምስጥዎም (ዘምልኽዎም) ክጽሕፍዶ ይጽበይዎ ይዀኑ? በየናይ መለክዒ’ዮም ክፈርዱ ዝፍትኑ ዘለዉ? ብዓቢኡ ነቲ ዘሎ እንፋፎ ስነ- ጥበብ ከስተማቕር ዝኽእል ዓቕሚ ኸ ይህሉዶ ይኸውን? ክንደይ ሚእታዊት እዩ ንዝጀመሮ መጽሓፍ ኣንቢቡ ዝዛዝም? ከምዚኦምን መሰልቶምን ሕቶታት ካብ ኣእምሮይ ኣይርሕቁን’ዮም። ስራሕ ዘዝሰኣነ ናብ ስነ-ጥበብ ይጐዪ ኣሎ፡ ስነ-ጥበብ ብሓፈሻ፡ ስነ-ጽሑፍ ከኣ ብፍላይ መዕቈቢ ድኹማትን ስራሕ ዘይብሎምን ኰይኑ ይበሃል’ዩ። ኣበይ እሞ ምስ ኰነ?! ንስነ-ጥበብ ተደጊፉ ክትስእ ዝፍትን ድኑስ እንተተረኺቡ ደኣ ማሕረ’የ ዝብል! ተዋሳእቲ ናይ ድንቂ ዛንታታት ክነስና ጸሓፍቲ ዛንታታት ዘይምዃንና’ዩ እቲ ድኽመት። ትራጀዲያዊ ይዅን ተፈታተንቲ ጉዕዞታት (ምግናን ደኣ ከይመስል’ምበር) ክንዳና ዝረኣየ የሎን። ከም ተራ ፍጻሜታት ሂወትና ዝወሰድናዮም ብካልኦት ተጻሒፎም ምስ ቀረቡ ክምሱጡና ኣየስተውዓልናን ዲና? ብገዛእ ፍጻሜታትና ንጸሓፍቶም ኣየድነቕናን ዲና? ነዚ ዘይጸሓፍና ደኣ እንታይ ክንጽሕፍ? ልዕሊ ካልኦት ገጻት ሂወት ክንፍትሽ ዝበቓዕና ክነስና (እቲ ፈጠራዊ’ሞ ይጽንሓልና) ንዝፈተሽናዮ ሂወት ከም ዘለዎ ምጽሓፍዶ ምስኣንና! ኣብ ጒዕዞና ዝሓዝናዮም መዘከራት፡ ሂወት ከነልብሶምስ ይትረፍ ከም ዘለዉዎ ውን ኣየስፈርናዮምን። ንምዃኑ እንሕዞ መዘክር ከ ይህሉዶ? ክንደየናይ ከይህሉ! ብርዕን ወረቐትን ንኸይነሰዓዕም፡ መጸበዪ ቆጸራና መጽሓፍን ምጽሓፍን ከይከውን ዝመሓልናን ዝጠሓልናን ንመስል። ነዚ ባህሊ እዚ ክንውንን እንተ ንኽእል ብርክት ዝበሉ ከም ‘ሓደ ዛንታ’ን ‘መግዛእቲ ሲኞራ’ን ዝኣመሰሉ መጻሕፍቲ ምሃለዉና። ግዳ ኣይወዓልናዮን። ጎድኒ ጎድኒ እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ድኽመት፡ ክንቅበሎ ከይንቕበሎ ሓደ ዘይከሓድ ሓቂ ውን ኣሎ። እዚ ድማ ዓቕሚ ነቐፍትና ማዕረ ዓቕሚ ጸሓፍትና ምዃኑ’ዩ። ሽሕ ግዜ ኣለና ይበሉ ንሳቶም ውን የለዉን። ከመይ ኢሎም ክህልዉ? መረጋገጺ ህላውነቶም ኣበይ ኣሎ? ከምቲ ብሃውሪ ዝጽሕፍ’ዮም ብሃውሪ ዝነቕፉ ዘለዉ። ጸሓፍቲ የለዉን እናተባህለ ነቐፍቲ ካበይ መጺኦም? ነየናይ ጽሑፍ ክነቕፉ ወይ ከለብሙ? ከምቲ ዝኣክል መዓልትታት ሓቚፋቶም ድሕሪ ምጽናሕ፡ መዓልቲ ምጭጫሖም ከም ዝኣኸለ ኣረጋጊጻ ንሽፋን እንቋቑሖ እናተዀበት እትተዃተዅ ደርሆ ‘ውጹ ተጋለጹ’ እናበሉዶ ይተዃቱኹና ይህልዉ? ከምዚታት እንተዀይኑስ ከም ሓቂ ኣይምተጸልአን። ደረስትናን ጸሓፍትናን ጀመርቲ ምዃኖም እንተ ደኣ ኣሚንና፡ ሃየስቲ ንበሎም ነቐፍቲ ወይ ኣለበምቲ ውን ጀመርቲ እዮም። ካብ ሰማይ ከም ዝነጠቡ መላእኽቲ ኰይኖም እንተ ቐረቡ ኣየምሕረሎምን። ካብ ክስሑሉ ከጃጅዉ እንተ’ንቀዱ መጠበሪ ነብሶም’ዩ ዝኸውን። ካብኡ ሓሊፉ ዘምጽእዎ ለውጢ ክንደየናይ ከይህሉ። ብመንጽር’ቲ ዘንበብዎን ዝተመሓዘውዎን ክድብድቡ እንተፈተኑ ኣእምሮኦም ዘፍለቖ ነገር ከም ዘየሎ’ዩ ዘርኢ። ኣንቢቦም ከ እንታይን ብኸመይን ይብሉና ኣለዉ? ኣበይ ኣሎ ጥበብ ኣነቓቕፋኦም? እቲ ሕቶታት መወዳእታ የብሉን። ካብቲ ዘንበብዎ ከየካፉሉናስ ዘንበብዎ ክዝርዙሩና ይውዕሉ ኣለዉ። ዝርዝር’ሞ እንታይ ንበሎ? ዘንበብዎ መጻሕፍቲ ዝቕመጠሉ ከብሒ እንተ ዝነግሩ ከኣ ምሓሸ። ዝደለየ ከንብብ ሃሰስ ምበለ። ‘ውዱቕ ስራሕ’ እናበሉ ዝግምግሙ ዘለዉ ኣካል ናይቲ ውድቀት ምዃኖም ኣይተረፎምን። ርሑቕ ከይከድና፡ በቲ ሰሪሕናሉ ኢና ዝብልዎ ጽፍሒ ጥራይ ኣካሉ ምዃኖም ምስኩር’ዩ። ሽሕ ግዜ ንነብሶም ከውጽኡ ይፈትኑ ናብ ዘምልጥዎ የብሎምን። ናበይ ከብሉ? ብመንጽር ዝደለብዎ ትምህርቲ ክወራዘዩ ይረኣዩ’ምበር፡ ህየሳ ወይ ነቐፈታስ ኣይከኣልዎን። ንምዃኑ፡ ካብቶም ስሞም እናጠቐሱ ዘናሽውዎምን ዝዝንጥልዎምን ብምንታይ ይሕሹ? ስም ምልዓልከ ኣገዳስነት ይህልዎዶ? ንምንታይ ዕላማ? እቲ ሰብ ዲዩ እቲ ስራሕ እዩ ዝንቀፍ? ይሕሹ ከይንብሎም ካብ ምሕማይ ሓሊፎም ብልጫኦም ዘርኢ ንጥፈት ኣየርኣዩናን ዘለዉ። ሰብ ድኽመታት ካልኦት ክጽብጽብ እንከሎ’ዩ ከይተፈለጦ ድኽመቱ ዘርኢ። ከየርሓቕና ከምዚ ኸማይ ንምባል’የ። ካብ ምህናጽ ምፍራስ ከም ዝቐልል ምስክር ኣየድልዮን። ነቲ ዘሎ ነፍርሶ እንተ በሉ ንፍሩስ ደኣ እንታይ ከፍሩሱሉ? ንፍሩስ ከነፍርስ ኣይንዕጠቕን ምባል ከድሊ’ዩ። ክንሃንጽ ኢና ዝብል’ዩ ተሳኢኑ ዘሎ’ምበር ኣይ መፍረሲ ደኣ መሊኡ’ንድዩ! ፍርሰትስ በዚሑና’ኳ! ካብ ነብስና ጀሚርካ ምዃኑ’ዩ። ሰኣን ንድፊ ኣጸሓሕፋ ጣዕሚ ዝተሳእኖ ዛንታታትና ከመይ ጌርና ከም እንጽሕፎ እንተ ዝሕብሩና መምሓረ። ካብ ንዝጸየቕናዮ ቅርጺ መጽሓፍ ዘእውዩሉ ኣቐዲሞም ከመይ ክኸውን ከም ዘለዎ እንተዘስተምህሩና ኣበርክቶኦም ምተመስከረ። ንምዉት ትንፋስ ክትሰዂዓሉ ክሳዕ ዘይከኣልካ መሊስካ ኣይትቐትሎን ኢኻ። ቀተልቲ ምውታትስ ኣይወሓዱናን። ንምውት ምውት ከልቅሰሉ ከኣ ኣበይ ተራእዩ? ኣብዚ መዳይ’ዚ ሓደ ዝዘንጋዕናዮ ዘይስገር ክውንነት ከም ዘሎ ምዝኽኻር ኣገዳሲ ይመስለኒ። እዚ ድማ፡ ዓቕሚ እንተ ተረኺቡስ እንጽሕፈሉ’ምበር እንነቓቐፈሉ እዋን ዝኣኸለ ዘይምዃኑ’ዩ። ብካልእ ሸነኹ፡ ካብ ክትንቀፍ ክትነኣድ ምድላይ ሕላገት ኤርትራዊ ስነ-ጥበባት ኰይኑ ይነግስ ምህላዉ’ዩ። ክውደስ ዝጽሕፍ እኮ እናበዝሐ መጺኡ! እዚ፡ ፍንትት ከይበልና፡ ኣብቲ ዝወሃብ ግብረ መልሲ ጐሊሑ ዝረአ ባህሪ’ዩ። ጸሓፍቲ ኢና ዝብሉ ካብ ውደሳ ወጻኢ ዝዀነ ርእይቶ ወይ ሓሳብ ምስ ተዋህቦም ዘንጸባርቕዎ ጠባያት እኹል ምስክርነት እዩ ዝህብ። ባንዴራ ቅድሚ ምስቃላን ምውራዳን ኣብ ቅድሚ ተማሃሮ ኰይኖም እናገጠሙ ዝዓበዩ ብዘይካ ጨብጨባ ዝፈልጥዎ የብሎምን። ነዚኦም ክትነቅፍ ምፍታን ስሕታን’ዩ ዝኸውን። ነዚኣቶምሲ ከም ዝለመድዎ ደኣ። ብስኽራኖም ክውገኑ ምጽባዮም ይሓይሽ። ብክልሰ ሓሳብን ግብርን ዝበሰሉ ዝጽሕፉሉ እዋን ግዳ የምጸኣልና ንበል። ትምህርቲ ስነ-ጽሑፍ ከም ዘየሎን ከም ዘድልን ብተደጋጋሚ ይግለጽ’ዩ። ቅድም ኣይነበረን። ሕጂ የሎን። ጽባሕ ክህሉን ዘይክህሉን እንድዒ። ዕድመ እንተ ሂቡና ሓቢርና ንርእዮ። እዞም ኣለና ዝብሉ ዘለዉ፡ በቲ ኣሎና ዝብልዎ ዓቕሚ፡ ካብ መባእታ ክሳብ ላዕለዋይ ደረጃ ዝዝርጋሕ ስርዓተ ትምህርቲ ስነ-ጽሑፍ ንምትእትታው ተበግሶ ክንወስድ ኢና ክብሉ ንጽበ። ቀተልቲ ምውታት ኰይኖም ከይተርፉ ግን ይኽደነና። መላእኽቲ ጽሑፍ ምስ ልቦም ከላዝብዎም ንጸሊ።

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleእንጌራ ጀላዕ
Next Article ስነ-ጥበብ
Zara

Related Posts

ሓዳሚን ድምጻዊን – ጎፍ ንጎፍ

October 4, 2020
Read More

ተረፍ ፡ ነጸብራቕ ህይወት ሓደ መንእሰይ”መጽሓፍ፡ ተረፍ እኵብ ሓጸርቲ ዛንታታት

August 4, 2020
Read More

እታ ዘሕዘነትኒ ደርፊ

December 28, 2016
Read More

1 Comment

  1. ኣንገሶም ገብረመስቐል on October 18, 2014 2:49 pm

    ክቡር ሓው ክብረት ይሃብካ። እቶም ዘፍርሱስ ክፈርስ ስለዝግበኦ ጥራይ’ዶ ይመስለካ። እንሓንሳብስ ብዙሓት ኻብኣቶም ጎይቶት ስነጥበብ ሃገር ብምንባሮም(ብብቕዓት ዘይኮነስ፣ ነቲ ስርዓት ብዝነበሮም ተማእዛዝነትን ምውድልዳልን) ሕጂ ኣብቲ ንሶም ዘማእዝንዎ ባይታ ዘይኮነስ ኣብ ናጻ ጎልጎል ክብድሁ ምስ ጀመሩ፣ ተበለጽና፣ ተደፈርና ብዝሕመረቱ መስፍናዊ ኣካይዳ እንተጨፍጨፉ፣ እንተዕገርገሩ ዓቅሚ ኣብ ዝሃቦም ውን ክቕይዱን ክሰጉን እንተፈተኑ ኣየገርምን። ምኽንያቱ ዝለመድዎን ዘልመዶምን ኣካይዳ ስለዝኾነ።

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?