Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ሮዛን ሰሌን

ሮዛን ሰሌን

0
By Mekonnen T. on June 21, 2015 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል  (ሃንችባክ)

9ይ ምዕራፍ መበል 70 ክፋል

ዝብገሳሉ መዓልቲ ክሳብ ዝኣክል ሮዛ መዓልቲ ምኻድ ኣብዩዋ ሰንፈላል ኮይና ቀነየት። ቀትሪ ኣብ ስራሕ ይኹን ኣብ ገዛ ንሰለሙን እናዘከረት ክተስግል ከላ፡ ለይቲ ድማ ብሕልሚ ምስኡ ትሓድር ነበረት። ኣብ ከምዚ ኵነታት ሓደ ዓርቢ ድሮ ዝብገሳሉ ሰዓት ስለ ዝኣኸለ፡ ሮዛ ኣብ እንዳ መሻጢት ኣምስያ ድንጉይ ኢላ ኣተወት። ድሕሪ ድራር ምስ ሓማታ ሕምባሻ ክስንክታ፡ ሽኮር፡ ቡን፡ ካልእ ቀንጠመንጢ ክቘጻጽራ፡ ንመንገዲ ዝኾነን ምግቢ ከዳልዋን ንሰለሙን ዝማልኣሉ ክዳውንቲ ክጥርንፋን ኣጋ ፍርቂ ለይቲ ደቀሳ። ንጽባሒቱ ንግሆ ሰዓት ሽዱሽተ ድማ ንወ/ሮ ገብርኤላ ሰብኣይ ንዕልተን ዝብጽሑወን ኣቶ በራኺ መሪሖመን ዘዘንቢለን ተሰኪመን ብሸነክ ዓዲ ራእሲ ወጽኣ። ቍሪ እናተቐፍቀፋ ቍሩብ ምስ ተጓዕዛ፡ ብማዕዶ ተፍትሽ ዘካይዱ ወተሃደራት ርእየን ኣብ ብሎኮ ከም ዝበጽሓ ተረድአን። ሮዛ ናብ ከረን ኣብ ዝኸደትሉ እዋን፡ ብዘይካ ተሪር ተፍትሽ ዝኾነ ምጕብዕባዕ ስለ ዘይረኣየት ብዙሕ ኣይፈርሐትን። ኣቶ በራኺ ግን ምትእምማን ስኢኖም፡ “ኣጆኺ’ዛ ጓለይ፡ ቀጥ በሊ ኢኺ። ከምታ ዝመኸርኩኺ እንተ ጌርኪ ጸገም የሎን። ካልእ ዘረባ ናባይ ሕደግዮ፡” ኢሎም ኣተባብዑዋ።

ፍርሒ ዝተሓወሶ ኣቓልቦ ወ/ሮ ገብርኤላ ናብቶም ካብን ናብን ኣስመራ ዝተሓላለፍ ዝነበረ ሰብ ዝፍትሹን ዘጋፍዑን ዝነበሩ ወተሃደራት ቀኒዑ ነበረ። ኣብ ጥቓኦም ምስ ቀረባ ብውሽጠን፡ “ባዕልኻ ትፈልጥ ሚካኤል ሊቀመላእኽቲ፡” ድሕሪ ምባል፡ ኣብ ቅድሚአን ተገቲሮም ንዝነበሩ ክልተ ውተሃደራት፡ “ከመይ ሓዲርኩም’ዞም ደቀይ፡ ጸበል ናይ ገብርኤል’ዩ ጥዓሙዎ፡” ኢለን እናቀባጠራ ንእሽቶ ቈሪሰን ድሕሪ ምጥዓም ድጋም ሕምባሻ ሃብኦም።

“ጎሽ እናቴ! ገብርኤል ይስጥዎት፡” ኢሎም ሕምባሻኦም እናጐመዱ ከለዉ፡ ካብኣቶም ቍሩብ ፍንትት ኢሎም ዝነበሩ ካልኦት ወተሃደራት ንሮዛ ምስ ረኣዩ፡ ገምቢ ከም ዝረኣዩ ኣዛብእ ዕጕግ በሉዋ። ኣቓልቦ ወተሃደራት ንኸይትስሕብ ተባሂሉ ናይ ዓበይቲ ኣንስቲ ዝመስል እርግ ኢሉ ጀለብያ ተኸዲና፡ ጸጕራ ብጸሊም መንዲል ክትጥቕልሎ ከላ፡ ኣእጋራ ድማ በቲ ሓደ ንሒናኣ መሸፈኒ ክኾና፡ በቲ ካልእ ድማ ንፈውሲ ቍሪ መታን ከገልግላ ብካልሲ ሸፊናቶ ነይራ። እቶም ወተሃደራት ግን ርእይ ከብሉዋን ሃነን ክብሉን ቅጽበታዊ ነይሩ። ካብኣቶም ርሕቕ ኢሉ ብማዕዶ ንክልተ መንእሰያት ከዋጥር ዝጸንሐ ሓላፊኦም ዝመስል ከብዳም፡ ጥፍንቕ ዝበለ ወተሃደር ንሮዛ ርእይ ምስ ኣበላ ኣቓልቦኡ ስለ ዝሰሓበት፡ ንበይኑ መታን ክብሕታ ብቕLጣፈ ናብኣ ገጹ ሰጐመ። ኣብ ጥቓኣ ንዝነበሩ ወተሃደራት፡ “ወደየ ስራችሁ!” ኢሉ ብምቝጣዕ ኣርሓቖም። ኣዘራርባኡ፡ ግዝፉ፡ ጽልሙ ኣመና ዘፍርሕ’ዩ ነይሩ። “ወዴት ነሽ ቈንጂት?” ክብል ሓተታ በተን ገልሓጣት ኣዒንቱ ካብ እግራ ክሳብ ርእሳ ኣተኵሩ እናጠመታ።

ሮዛ ከምዛ ዘይሰምዓቶ መልሲ ከይሃበቶ ትም ብምባል፡ ኣቶ በራኺ ከም ዝሓበሩዋ ኣዒንታ ጥራይ ሰለምለም ኣበለት። ሽዑ ወ/ሮ ገብርኤላ ኣብ መንጎ ብምእታው ነቲ ዘይምሕር ኣራዊት ዝመስል ሃዝራጥ ሓለቓ ብኢዱ ሒዘን፡ “ካብኣ የድሕንካ ‘ዝወደይ ሕምምቲ እያ። ሕጂ ኸኣ መን ይፈልጥ እንተ ተመሰለላ ኢልና ኣብዚ ማርያም ፍቓይሕ ዝብሉዎ ማይጨሎት ክነሕጽባ ኢና ንኸይድ ዘለና። ገብርኤል ይሓግዝኩም፡ ይመሰለላ ኢልካ ጥራይ መርቐና፡” ኢለን እናተመሻኸና ካብ ዘመቢለን ርብዒ ስላም ሕማባሻ ኣቐበልኦ።

ሕምባሻኡ ተቐቢሉ፡ “ወይ ጉድ! ይቺ የምትመስል ቈንጆ እንዴት እንደዚህ ትሆናለች! ወይ የኣምላክ ቍጣ! በጣም የሚያሳዝን ነው። ለመሆኑ ምን ነካት እማማ?” ክብል ተወከሰን ቈላሕታኡ ካብ ሮዛ ናብ ወ/ሮ ገብርኤላ እናሰደደ።

ኣቶ በራኺ ናብኡ ቅርብ ብምባል፡ “እንታይሞ ፈሊጥና’ሞ ኣንታ ወደይ፡ እንሃልካ ካልኣይ ሰሙና ኮይኑ፡ ምጽእ ኢላ ኣፋ ልጕም ኢላ። ብዓንተቦ’ውን ብዙሕ ጥዕና ኣይነበራን። ኣምላኽ ምሕረት ይኣዝዘላ ኢልካ ጥራይ ኣፋንወና፡” በሉዎ ነቲ ጭዓ ዝመስል ጭሕሞም እናወጠጡ።

ንዘረባኦም ድሕሪ ምስማዕ ሕስይስይ እናበለ፡ “በሉ’ስቲ ገብርኤል ይማራት፡ መንገዳችሁ ቀጥሉ። ብቻ ወንበዴዎች እንዳያገኝዋችሁ ጠንቀቅ በሉ። ሕመምተኛ ብትሆንም ይችን የምትመስል ቈንጆ እንደማይለቋት እርግጠኛ ነኝ። እነዚህ ሙልጭ ያሉ ኣረምኔዎች መሆናቸው በድብምብ ኣውቃለሁ፡” ኢሉዎም ናብቶም ኣቐዲሙ ክሓቶም ዝጸንሐ መንእሰያት ገጹ ሰጐመ።

ወ/ሮ ገብርኤላ፡ “ተመስገን ኣምላኬ! ሓጥያትና ኣይትጸብጽበልና፡ እምበር ካብዞም ኣራዊትስ ተገላጊልና ኣለና፡” በላ ብትሑት ድምጺ መሬት ዝተንከፈ ነጸላአን ንላዕሊ እናሰብሰባን ንሮዛ ብኢደን እናመልከታላን።

“ኣምላኽ ናይ ልቢ’ዩ ዝርኢ ገብርኤላ። ሕምምቲ እያ እንተ ዘይንብሎም ኣይንላዕሊ ኣይንታሕቲ ምገበሩና ነይሮም። ብኣምሆ ኣብ ሓደ እንዳ ቐረባ ቤተሰብ ጸበል እናሰተና ንዘረባ ዘረባ የምጽኦ ከም ዝብሃል፡ እዞም ጦር ኣብ ብሎኮታት ዝገብሩዎ ዘለዉ ግፍዒ ነልዕለኪ። ሓደ ወዲዓድና እንታይ ይብለና ሽዑ፡ ቅድሚ ሳልስቲ ንሓንቲ ምስ’ዞም ተጋድሎ ሓርነት ዘሎ ሓዋ ክትርኢ ናብ መንደፈራ ትኸይድ ዝነበረት መንእሰይ ነገራ ሰለ ዝደለዩዋ፡ ‘ክትውንብዲ ኢኺ ትኸዲ ዘለኺ’ ኢሎም ካብ መኻይድታ ኣትሪፎማ። ክትጽብቕ ሚለንያ ትመስል ነይራ ኢሉዋ።”

“እቶም መኻይድታኸ ሓዲጎማ ከይዶም ማለት ድዩ? ክንደይ ይሓስሙ ደቀይ፡” በላ ወ/ሮ ገብርኤላ ህውኽ ኢለን።

“ኣይፋሉን፡ እቶም ሰባት ኣብ መንገዲ እያ ኣጓኒፋቶም’ምበር መኻይድታ ኣይነበሩን’ኮ። ለሚኖም ምስ ቀበጹ ግን መንገዶም ቀጺሎም። መስኪነይቲ ንምሸቱ ዝፈልጡዋ ሰባት ርእዮማ ንስድራኣ ክሳብ ዝነግሩላ፡ መጻወቲ እቶም ተካላት ጦር ኮይና ሓዲራ። እንታይ ኢና’ሞ ክንዛረበሉ፡ መዓንጣ ከብድኻ ዝቐርጽ ነገር’ዩ። ኣብ ኣስቢዳለ ደቂሳ ቀንያ ነይራ። ኣኺሉዋ ኣእምሮኣ ተዘናቢሉ ግን ክሳብ ሕጂ ናብ ቀልባ ክትምለስ ኣይከኣለትን ኢሎማ ይብል ነይሩ።’

ወ/ሮ ገብርኤላ ብዝሰምዖኦ ዛንታ ብምሕዛን፡ “ኣንታ ኣምላኽ፡ እንታይ ዝበሉ ፍጥረት ኣዳም ዘይብሎም ኣረሜናት’ዮም እዚኣቶም! ወይ ጓልኣንስተይቲ ትረኽቦ ግፍዒ! ምስጣኣ’ባ የውርደሎም እዞም ርጉማት ዘርኢ!” በላ።

ሮዛ በቲ ዝሰምዓቶ ልብኻ ዝትንክፍ ዘረባ ሰብነታ ኣንፈጥፈጠ። ከመይ’ሎም ከምኡ ዓይነት ጭካኔ ይፍጽሙ?” ወስኸት።

“ከሎ ገና ዘየዕለልኩኽን ንስኺ ከይትስንብዲ ኢለ እየ’ምበር፡ እዚኣቶም እንታይ ዘይገብሩ ኣቦኺ፡ ሮዛ ግን ኣይሓመቕክን ኣዕዊትክና! ኮርዒዳ’ዛ ጓለይ።”

“ኣውራ ኣውራ’ኳ ከም ገለ ዘረባ ከይመልቈኒ ጥራይ’የ ዝፈርሕ ነይረ። ልዕሊ ዅሉ ግን እቲ ገዚፍ ከርናፍ ሰብኣይ ናባይ ገጹ ምስ ቀረበ ካን ከምዛ ጕብጥ ዘብለኒ ኮይኑ ተሰሚዑኒ ነይሩ።”

“ይትረፍ ሮዛ ኣነ’ኳ ክሳብ’ታ ንሓልፎም ከብደይ ሓቝፈ ዝነበርኩ። ስምዑ’ስኪ፡ ኣምላኽ ተዓወቱ ኢሉና እዩ’ምበር ሰብዶ ሓይሊ ኣልዩዎ?

“ስለምንታይ እዮም ግን ንሰላማዊ ሰብ ዘጋፍዑ? ሓትያት’ዶ ኣይኮነን?”

“ከምኡ፡ ጨካናት ፍጥረት ሰብ ዘይብሎም ስለ ዝኾኑ’ምበር ሰላማዊ ህዝቢ ደኣ እንታይ በዲሉ ኣንቲ ሮዛ። ደሓር ከኣ ሎሚ መዓስ ኮይኖም ጀሚሮሞ፡ ካብ ጥንቲ ካብ ጥቅምቲ ምስ ተጻብኡና እዮም’ኮ። በዓል ኣደይ ከዕልላና ከለዋ፡ ደግያት ደበብን ውቤን ዝብሃሉ ተጋሩ፡ ኣብዚ ከበሳና ብዙሕ ግፍዒ ይፍጽሙ ከም ዝነበሩ እየን ዝዛረባ። ኣብ እዋን ክራማት እንታይ ከም ዝተዘርአ ክስልዩ ከሪሞም፡ ቀውዒ ዓሳክሮም ኣኽቲቶም ይምለሱ’ሞ፡ ንዘይገበረ ወይ ኣብያ ንዘርኣየ ሰብ ኣብ እዝኑ ርሱን ቆሎ የእትዉሉ ነይሮም ይብላና። ብኡ እዩ ድማ ብዘበን ውቤ ዝጸመመ ውቤ ክብል ነበረ ዝብሃል። ጥልያን ናብ ሃገርና ቅድሚ ምእታዉ እቲ ኣብ ነንሓድሕድካ ምውራር ኣብ ኵሉ ነይሩ እዩ። ስለምንታይ እንተ በልኪ ህዝቢ ከምዚ ናይ ሎሚ ስልጡን ኣይነበረን። ናይ ውቤ ወይ ናይ ተጋሩ ግኑን ዝገብሮ ግን እቲ ጭካኔ እዩ፡” ኢሎም ዘረባኦም ከይወድኡ፡ ሮዛ ነገራቱ ኣሰንቢዱዋ፡ “ደቂሰብዶ ከምዚ ዓይነት ጭካኔ ይፍጽሙ እዮም?” በለት ርእሳ እናሓዘት።

“እዚ ግዳ ቀቀሊሉ። ሕሉፍ ሓሊፉ ሓደ ነውራም ትግራዋይ ናብ ሓደ ዓዲ ናይ ኣከለጉዛይ ቀውዒ ቀውዒ እናመጽአ እኽሎም ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ነፍወከፍ ለይቲ ሓንቲ ሰበይቲ ቀርቡለይ ብምባል ኣነዋሪ ነገር ይፍጽም ነይሩ ይብሉዎ። ሓደ መዓልቲ እቲ ዕጫ ናብታ እምብዛ ጽብቕቲ ናይቲ ዓዲ ዝነበረት ሰበይቲ በጺሑ። በዓልቤታ ህጡርን ምኩሕን’ዩ ነይሩ፡ ‘በሊ እዚ ትግራዋይ ንዓይ ቀቲሉ ክወሰደኪ ኣለዎ’ምበር ብህይወተይ ከለኹ ተንከስ ኢሉ ኣይቀርበክን’ዩ’ ይብላ። ንሳ ግን ኣዝያ ለባም’ያ ነይራ፡ ‘ደሓን ዓቕሊ ግበር፡ በጺሐ ክምለስ’የ’ ብምባል ዝሓሰበቶ ጥበብ ተካፍሎ’ሞ ክትከይድ ይፈቕደላ። ብኸምዚ ንምሸቱ ናብቲ ትግራዋይ ዘለዎ ቦታ ምስ በጽሐት ገለ ትመስል ምስ ረኣያ፡ ‘እንታይ ልኾነት ጨናዊት ኢኹም ኣምጺእኩምለይ? ተላይ ካብ ቅድመይ ኣርሕቑዋ!” ኢሉ ከም ትምለስ ገይሩዋ። እታ ሰበይቲ ጸጕራን ሰብነታን ብዕነን ካልእ መሬት ዘሕድግ ጨናን ዝላላ ኣምሲላቶ ስለ ዝኸደት’ያ ክትዕወተሉ ክኢላ። ኣብ መወዳእታ ግን እቶም ዓዲ ምስ መረሮም ኣንጻር’ቶም ኣብ ዓዶም ዓስኪሮም ተኸኽ ዘበሉዎም ተጋሩ ገጢሞም ነቲ ገባር ክፉእ ቀቲሎሞ ይብሃል። ኣቦኡ ነቲ ገባር ክፉእ ዝነበረ ራእሲ’ውን ወዱ ግፍዐኛ ከም ዝነበረ ስለ ዝፈልጥ ሕነ ክፈዲ ኣይፈተነን ይብሉ።

“ሎሚ እንሃልኪ ብዘይ ውግእ ሰላሕ ኢሎም ኣብ ውሻጠና ኣትዮም። ምዃን ንሳቶም እንታይ በዲሎም ንሕና ካብ ታሪኽ ደግያት ወልደንክኤል ክንመሃር ነይሩና፡” ብምባል ዓሳክር ጸላኢ፡ ይትረፍ ንመንእሰያት ንጥኑሳት ከይተረፈ ብግፍዒ ከም ዝርሽኑ፡ ኣጥባተን ከም ዝቘርጹን ዓቕሚ ኣዳም ንዘይኣኸላ ይኹን ኣንስቲ ሓዳር ብሓይሊ ከም ዝጋሰሱን እናዕለሉወን ነዊሕ ተጓዕዙ።

ሮዛ ብኣንክሮ ክትሰምዖም ጸኒሓ፡ “ማዶና ሳንቲሲማ! እዚኣቶም ግን እንታይ ዓይነት ፍጥረት’ዮም፡ ሰብ ኣብ ልዕሊ ከምኡ ሰብ ከምዚ ዓይነት ጭካኔ ይፍጽም ድዩ? ንእንስሳ’ኳ ከምኡ ጌርካ ዘይትጭክነሉ፡” በለት።

“እዚኣቶም ሰብ ኣይኮኑን ሮዛ ጓለይ። ክንደይ ዓዲ ዘየንደዱ፡ ክንደይ ህዝቢ ዘየህለቑ፡ ዓድታት ባርካን ሰምሃርን ብኣታቶም እየን’ኮ ባዲመን፡ ህዝበን ከኣ ንሱዳን ተሰዲዱ። ከም ሰብ ዓቕሚ ወፊሮም ከብቅዑ፡ ጀጋኑ ደቅና ምዉትን ቍሱልን ምስ ገበሩዎም ዓንጾ ዓንጾ ንማዕጾ ከም ዝብሃል፡ ሕነኦም ኣብ ልዕሊ ንጹህ ህዝቢ ይፈድዩ። ሎሚ ግን ህዝባዊ በርቲዓ ሺርኮሎ ምስ ገበረቶም፡ ኣንሃልኪ ከም ኣናጹ ኣብ ጐዳጕዲ ሰፊሮም ይፍክሩ ኣለዉ። ቍሩብ እዛ ነፋሪት’ያ ብልጫ ዘላቶም፡ ንሳ ኸኣ ዓይኒ የብለይ ስኒ የብለይ ኢላ ኣብ ፈቐዶኡ ምድርባይ እንተዘይኮይኑ ዋጋ የብላን’ዮም ዝብሉዋ’ዞም ደቅና። ኣምሓራ ኸኣ ቀደም ኢና ንፈልጦም፡ ጃህራን ፈኸራን’ምበር ኩራጆ የብሎምን።”

ብኸምዚ፡ ንሶም ብዛዕባ ተጋደልቲ ዘለዎም ኣፍልጦ ከዕልሉወን ንሳተን ድማ ሂን ክብላ ዓዲ ገምበሎ በጽሓ። ኣብ እንዳ ሓደ ኣቶ በራኺ ዝፈልጡዎ ገዛ ቡን ሰትየን ኣብራኸን ስብር ምስ ኣበላ፡ ጽርግያ ቈሪጸን ጕዕዞአን ናብ ሰላዕ ዳዕሮ ኣቕንዓ። ጸሓይ ክትመርር ስለ ዝጀመረት ጽላላውተን ዘርጊሐን ሰላዕዳዕሮን ዓጸናፍን ድሕሪ ምስጋር መንገዲ እምበይቶ ተተሓሓዝኦ። ሮዛ ድኻም ክስምዓ ጀሚሩ’ኳ እንተ ነበረ፡ ንመጀመርያ ግዜ ትርእዮ ብዝነበረት ስንጭሮታት ይኹን በብዓይነቱ ኣግራብ፡ ሳዕሪ ዝበልዓ ጤለበጊዕን ከብትን መንፈሳ ስለ ዝተሓደሰ ብሓቦ ተጓዕዘት። ጸሓይ ብራኸ ወሲኻ ኣመና ክትብርትዕ ምስ ጀመረት ኣብ እግሪ ሓንቲ ኦም ኮፍ ኢለን ማይ ሰተያ። ሮዛ ሓንሳብ ኮፍ ምስ በለት ዳናጉኣ ረድረድ ስለ ዝበላ መንገዲ ምቕጻል ዓቐብ ኮይኑ ተሰምዓ።

ቍሩብ ጽንሕ ኢሎም ኣቶ በራኺ፡ “ንኺድ በላ፡” እናበሉ ተበገሱ።

ሮዛ ጠጠው እንተ’ይላ ትወድቕ ኮይኑ ስለ ዝተሰምዓ፡ “ሓንሳብ ነዕርፍ፡” እናበለት ኣንቃዕሪራ ክትጥምቶም ጀመረት።

“ንዒ ደኣ ሓቦ ግበሪ’ዛ ጓለይ። ምስ ቀረብና! ገብርኤላ ብዓባያ’ኳ ከምኡ ዘይበለትስ ንስኺ ደኺመ ክትብሊ ዘየምሕረልኪ! ኣብ ዝግብ ክንሓድር እንተዄንና ኣብ እምበይቶ ክንምሳሕ ኣለና። ምስ ሰብኣይኪ’ባ ኣዕልል ክትሓድሪ፡” ምስ በሉዋ ንሰለሙን ከይረኸበቶ መታን ከይትሓድር ስና ነኺሳ ብድድ በለት። ድኻማ ረሲዓ ምስ ሰለሙን ዘሕለፈቶ ጥዑም ህይወት ጥራይ እናሓሰበት መንገዳ ቀጸለት። ኣብ ሓሳብ ጥሒላ ክትተርፍ ከላ፡ “ኣርክቢ’ባ ሮዛ፡” ይብሉዋ። ከም ቈልዓ ዘብዘብ እናበለት ተርክቦም። ከምዚ እናበለት ሓያል መንገዲ ምስ ተጓዕዘት ሰዓት ሓደ ገጸን እምበይቶ በጽሓ። ኣብቲ ናብ ሸነኽ ምብራቕ ዝጥምት ዓቢ ህድሞ እንዳ ኣቶ በራኺ ምስ ኣተዋ፡ ኣእጋረን ብውዑይ ማይ ተሓጺበን ቍሩብ ትንፋስ ድሕሪ ምምላስ እንጌራ በሊዐን ኣወል ቡን ሰተያ።

ሮዛ ድኻማ ተዘርዘረላ። ቡን ክሳብ ትውዳእ ኣብ ልዕሊ ንእዲ ጎቦ ኮይና ንኣሰራርሓ ናይቲ ህድሞ ክትዕዘብ ጀመረት። እቲ ህድሞ፡ ይትረፍ ካብ ከተማ ወጺኣ ንዘይትፈልጥን ህድሞ ክትርኢ ናይ መጀመርያ ግዜኣ ንዝነበረ ሮዛ፡ ንሓደ ኣብ ገጠር ዝዓበየ ብዛዕባ ህድሞ ጽቡቕ ኣፍልጦ ዘለዎ ሰብ’ውን እጹብ ድንቂ ዘብል ነበረ። ህድሞ እንዳ ኣቶ በራኺ ብዅሉ መዳዩ ኣብ እምበይቶ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ምሉእ’ቲ ከባቢ ፍሉጥ ነይሩ። እቲ ትኽ ዝበለ ነዋሕቲ ኣዕኑድን ተጻዒኑዎ ዝነበረ ኣግማልን ሰረወን፡ ነንሓድሕዱ ብልዑል ጥበብ ስለ ዝተገጣጠመ፡ ካብ ሓደ ምሉእ ኦም ተጸሪቡ ዝወጽአ እዩ ዝመስል። ንቝመት ካብ ልዳት ክሳብ ውሻጠ፡ ንጐድኒ ድማ ቆፎ ንህቢ ካብ ዝነበሮ ቦታ ክሳብ ንእዲ መርዓውቲ ዘሎ መንደቕን ምድሪቤትን፡ ንእሽቶ ኣበር ዘይወጽኦ ፍሉይ ክእለት ናይ ሃነጽቱ ዘመስከረ ስራሕ ምዃኑ ዝኾነ ተዓዛቢ ዝሰማምዓሉ እዩ። መኪና ወይ ካሮሳ፡ ቦያን መጋዝን፡ ማርቴሎን መብረድን ኣብ ዘይነበረሉ እዋን፡ ብፋስን ምሳርን ከምኡ ዓይነት ህንጻ ምስራሕ ቀሊል ጥበብ ከም ዘይነበረ ብዙሓት ዓበይቲ ዝስምክሩዎ ሓቂ እዩ።

ሰዓት ኣርባዕተን ፈረቓን ምስ ኣኸለ፡ ኣቶ በራኺ ንበዓልቲቤቶም ተፋንዮመን ተበገሱ። በዓልቲቤቶም ንወ/ሮ ገብርኤላ ሮዛን ስዒመን ድሕሪ ምፍናው፡ ኣቶ በራኺ ብእዋኑ መታን ክምለሱወን ኣብ ልዳት ህድሞ ደው ኢለን፡ “ሓጻር መንገዲ እያ ተሪፋትኩም ዘላ። መሬት ከይጸለመተ ተመለሱ ኢኹም፡” በልኦም ብሓውሲ ለበዋ። ስቤት ዘር ዘበላ ሕጽር ኢለን ቀያሕ’የን  ነይረን።

ኣቶ በራኺ፡ ንዘረባ በዓልቲቤቶም ብእወታ ተቐቢሎም፡ “ሃየ በሊ ንቐልጥፍ ሮዛ፡ ጽቡቕ እንተኼድና ካብ ፍርቂ ሰዓት ንላዕሊ ኣይክትወስደልናን’ያ። መሬት ከይጸልመተ መታን ምሕዳረይ ክምለስ ከም ናይ ዓንተቦ ገፈፍ ኣይትበሊ’ዛ ጓለይ፡” እናበሉ ስጕምቶም ከቐልጥፉ ጀመሩ።

ሮዛ ብሓድሽ ሓይሊ እናሰጐመት ክትስዕቦም ከላ፡ ኣእምሮኣ ብዛዕባ’ቲ ኣዝዩ ዝመሰጣ ህድሞ ጥራይ ይሓስብ ስለ ዝነበረ፡ “ኣቱም ኣቦይ በራኺ፡ እዚ ገዛኹምሲ ክንደይ ይጽብቕ፡ ብኸመይከ ሰሪሕኩሞ?” ክትብል ተወከሰቶም።

ሕቶኣ ናብ ናይ ንእስነቶም ተዘክሮታት መሊሱዎም ዝን ድሕሪ ምባል፡ ንመስርሒኡ ዝኸውን ኣእዋም ካበይ ረኺብኩም ትብል ዘላ መሲሉዎም፡ “ነዚ ቀላጥ ጐልጎል ርኢኺ ክትግረሚ ሓቅኺ ኢኺ። ወዮ ሎሚ ደኣ መሬት በሪሱ ይረኣየኪ ኣሎ’ምበር፡ እዚ ዅሉ ዝሓለፍናዮ ጐላጉልን ስንጭሮታትን ጥልያን ከየብረሶ ከሎ ዘይድፈር ጫካ እዩ ነይሩ። ቈልዑ ዄንና ጤለበጊዕ ክንወፍር ከለና፡ ኣራዊት ዘገዳም ፈሪሕና ርሑቕ ንኸይድ ኣይነበርናን። ካብቲ ቀትሪ ዘዕረፍናሉ ቦታ ቍሩብ ነጀው ምጽእ ኢልካ ካብ ዘሎ ኮረቢት ንጸጋም ምልዖ፡ ዓየን ዓጋምን ክንበልዕ፡ ሰለል ክንብል፡ ኣብ ቀላይ ክንሕንብስ ክንውዕል ሕጂ ኮይኑ እዩ ዝስምዓኒ። ሽዑ ዝነበረ ኣጻሕድ፡ ኣዋሊዕ፡ ሰራዋት፡ ሓንሰ ንዝንተእለት ዝበርስ ኣይመስልን ነይሩ። እዚ ዅሉ ኣዕኑድን ኣግማልን ካብኡ እዩ ተጐኒኹ። ኣቦይ መንግስተ ሰማይ የዋርሶም፡ ነፍስወከፍ ዓንዲ ትኹን ገመል ካበይ ከም ዝተቘርጸት ክሳብ ዕለተሞቶም ይዝክሩዎ ነይሮም። ሽዑ፡ እዛ ኣስመራ ከይተረፈት ገጠር’ያ ነይራ። ቈልዓ ከለኹ፡ ኣቦይ ፌርሞ ዝብሃላ ኣባቕል ናይ ወተሃደራት ጥልያን ሒዙ ኣብዚ ሕጂ ጣባ ዝብሃል ቦታ ይሰርሑ ስለ ዝነበሩ፡ ተላኢኸ ናብ ኣስመራ እኸይድ ነይረ። ኣብቲ ግዜ’ቲ እዚ ሕጂ ገዛ ባንዳ ዝብሃል ዘሎ ቦታ በላልስ ዝመልኦ ዱር ኮይኑ፡ ባርኔጣ ዝወደዩ ጠላይን ግንጽል ገይሮም ማናቲለ ክሃድኑሉ ይውዕሉ ነይሮም። ሎሚ ግን እንሃልኪ መሬት ባዲሙ ንህድሞ መስርሒ ዝኸውን ገመል ኣበይ ክርከብ፡” ኢሎም ብምስትንታን መለሱላ።

ዘረባኦም ጋን ኮይኑዋ፡ “ሽዑ ኣግማልውን ብዙሓት ነይረን ዲኹም ትብሉኒ ዘለኹም?” ክትብል ከም ብሓድሽ ንድሕሪት መለሰቶም።

ኣቶ በራኺ ብሕቶኣ ፍሽኽ ድሕሪ ምባል፡ “ምዃን ሓቅኺ ኢኺ ከምኡ ክትብሊ። ኣብ እንዳ ሶራታት ዓቢኺ ኣበይ ክትፈልጥዮ፡” ብምባል ትርጕም ዓንዲ፡ ገመል፡ ሰረወ ወዘተ ብዝርዝር ኣረድኡዋ።

“እሞ ነዚ ህድሞኹም መን ሰሪሑልኩም፡ ብዙሕ ገንዘብዶ ወዲኡ?”

“እቲ ቀደም። ስዋን ሕሩድን ኣዳሊኻ ብወፈራ ስለ ትሰርሖ ደሓን’ዩ፡ ነቲ ሰብ ዓቕሙ እዩ ነይሩ። ሎሚ ግን ምእንቲ ርእሱ ኣግራብ የሎን። ግዜ ሓሲሙ ኸኣ ኵሉ ሰብ ድራሩ ክምእርር ነናብ ዋኒኑ ስለ ዝወፍር፡ ወፈራ ኣሎ ኢልካ ዝሰምዓካ ኣይትረክብን ኢኻ። ሎሚ ይትረፍ ወፈራ ነዛ ንእሽቶ ውራይ ክትገብር’ኳ መቕርብካ እንተ ዘይሓጊዙካ ዝከኣል ኣይኮነን። ሰብ ገንዘብ ለሚዱ ኣቦኺ። ኣብዚ እዋን’ዚ ህድሞ ክትሰርሕ ካብ ምፍታን ከምዚ ናይ ኣስመራ ዓቢ ቪላ ክትሰርሕ ይቐልል። ህድሞ ኸኣ ኣቦታትና ኣጽኒሖምልና’ምበር መዕነዊ ባህርያዊ ሃብቲ ሃገር ስለ ዝኾነ፡ ብወገነይ ክተባባዕ ዘይግብኦ ልምዲ’ዩ። ገረብ ዘይብሉ ሃገር ልክዕ ስልማታ ከም ዝተቐንጠተት መርዓት’ዩ ኣቦኺ። እምበር ኣቦይ ከም ዘዕለሉኒ፡ ብፍላይ ጥልያን ቅድሚ ምምጽኡ ዝባን ከበሳ ብምሉኡ ዱር’ዩ ነይሩ። ኣራዊት ስለ ዝበዝሑዎ ድማ ንበይኑ ዝገይሽ ሰብ ኣይነበረን። ጥልያን ድሕሪ ምእታዉ ግን መንገዲ ባቡርን ጽርግያን ተጀሚሩ፡ ፋብሪካታት ተሃኒጹ፡ ሰብ ገንዘብን ምቾትን ለሚዱ ሽዑ ወያ መሬት ዋና ዘይብላ ተሪፋ። ሎሚ ይትረፍ ንዓንድን ገመልን ዝኸውን ኦም፡ ኣንስትና ቡን ዝቐልዋሉ ቀሸም ስኢነን ኣእዳወን ከንድዳ ቍሩብ ተሪፉወን ኣሎ። ነዛ ስንና ዝኸውን መወጽ’ንድዩ ጨኒቑና ዘሎ! ነሕፎ ዘለና ናብራ ቀሊል መዓስ ኮይኑ! ኣንስቲ ሓጹር እናመሸታ ደምበ ጋህ ኣቢለንኦ ኣብዑር ብቝሪ ተካሎም’ዮም ዝሓድሩ ዘለዉ። ኣምላኽ ይሓግዝ’ዩ ዝብሃል ኣቦኺ።”

ትርር ኢላ ዓቐበት ወዲኦም ጽርግያ ምስ ሰገሩ፡ ኣብ ጫፍ ናይቲ ዓዲ ክልተ ዕጡቓት ተጋደልቲ ኣጓነፉወን።

ሰላምታ ድሕሪ ምልውዋጦም፡ “እዞም ቍጽሪ ሓምሳን ሓደን ዝብሃሉ ኣበይ ኮን ንረኽቦም’ዞም ደቀይ?” ሓተትኦም ወ/ሮ ገብርኤላ ከም ርብጽ ኢለን።

“እንዳ ሓምሳን ሓደን ደኣ ንመን ደሊኽን?” ሓተተ እቲ ጽቡቕ ጋምባለ ዝነበሮ እዝን ኢሉ ደልዳላ መንእሰይ።

“ንሰለሙን ዝብሃል ኢና ደሊና’ዝወደይ፡ ቀይሕ ንውሕ ኢሉ እዩ።”

“ሰለሙን፡ ሰለሙን፡” እናበለ ርእሱ ክደርዝ ጀመረ። “ኣብ በጦሎንና ሓደ ሰለሙን ብጻይ ኣሎ። ንሱ ግን ከደራይ ኮይኑ ሕጽር ኢሉ እዩ። መምህር እናበሉ እዮም ከአ ዝጽውዑዎ። ጌጋ ይኽልኣለይ’ምበር ቅድሚ ወርሒ ኣቢላ ሰበይቱ መጺኣቶ ክብሉ ሰሚዐ ነይረ።

ሮዛ እቲ ዝዝረብ ዝነበረ ቃላት ክወሓጠላ ኣይከኣለን። ናይ ከረን ፍጻሜ ዝድገም ዘሎ ኮይኑ ጥራይ ተሰምዓ። ነቶም ክልተ ተጋደልቲ ብዝተወጠረ ስምዒት  ክትጥምቶም ጸኒሓ፡ “ኣቱም ኣሕዋት፡ እዚ ሰለሙን ንብሎ ዘለና ኣብዛ ግንባሩ ንእሽቶ ብርቃሕ ኣላቶ፡ በጃኽትኩም ተሓጋገዙና። ደሓር ከኣ ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ኣደይ መብራት ኣብዚ ዓዲ ረኺበንኦ ነይረን’የን፡” በለቶም።

ወ/ሮ ገብርኤላ ብወገነን ኣብ ሻቕሎት ኣተዋ። ሮዛ ሰለስተ ቕነ ምባላ ደስ ስለ ዘይበለን ድማ፡ “እወ መብራት መሓዛይ ቅድሚ ክልተ ቕነ ኣብዛ ዝግብ ምስ ሓደ ንእሽቶ ተጋዳላይ ብኣካል ረኺበን ኣዘራሪበንኦ ነይረን። ተጋግየን ከይበሃል ከኣ ሓያል’የን ኣዕሊለንኦ፡” ኢለን ዘረባ ከዕርያ ፈተና።

እቶም ተጋደልቲ በቲ ገርሃዊ ኣቀራርባአን ፍሽኽ ድሕሪ ምባል፡ ንሓጺር ህሞት ዝን ኢሎም ጸኒሖም፡ “ኣታ’ዚ ኣብ እንዳ ክልተ ዘሎ ኮሚሽነር ጋንታ ደኣ ከይከውን፡” በለቲ ከይተዛረበ ዝጸንሐ ተጋዳላይ።

“እዚ ብጻይ ሓቁ’ሎ’ ልክዕ ነዚ ትብሎኦ ዘለኽን ሰብ ዝመስል ኣብ በጦሎኒ ክልተ ኣሎ። ንሱ ግን ካስትሮ እዩ ዝብሃል፡” ኣስዓበ’ቲ መጀመርያ ዝተዛረበ ሓንሳብ ናብኣተን ሓንሳብ ናብ ብጻዩ እናጠመተ።

“ንሱ ክኸውን ኣለዎ፡” እናበለ ብእወታ ርእሱ ነቕነቐ’ቲ ካልኣዩ።

“ወ/ሮ ገብርኤላ፡ “ካስትሮ ኢልካኸ እንታይ ዘረባኡ’ዩ? ኣይፋልካን ‘ዝወደይ፡ እዚ ዝብለካ ዘለኹ ሰለሙን ግራዝማች ስዩም’ዩ ዝብሃል። ኣብ ከረን ዝረኸብናዮም ብጮትኩም ወዲስዩም ከም ትብሉዎ ሓቢሮምና ነይሮም። ጽቡቕ ጌርካ ዘክር፡ ስም ተጋጊኻ ከይትህሉ፡” በልኦ ብውሽጠን ኣመና እናተሓቝና።

ብዛዕባ ተጋደልቲ ዝያዳአን ኣፍልጦ ዝነበሮም ኣቶ በራኺ፡ “ጽንሒ ገብርኤላ፡ ኣይትትሃወኺ ዓቕሊ ግበሪ። ከማና’ባ ኣይትሕሰብዮም። ሰራዊት ስለ ዝኾኑ ብሳጓ’ዮም ዝጸዋውዑ። ነፍስወከፎም ሳጓ ከም ዘለዎ ክትፈልጢ ኣለኪ። በሉወን ብሓውሲ መግናሕቲ።

እቶም ተጋደልቲ ሰሓቖም ክቈጻጸሩ ኣይከኣሉን። ኣብ ነንሓድሕዶም ብትሕቲ መልሓሶም ድሕሪ ምዝርራብ ድማ፡ “ስዓባና’ስኪ፡” ኢሎም ገጾም ብምግልባጥ መሪሖመን ተበገሱ። ሓጺር መንገዲ ተጓዒዞም ንምዕራብ ኣብ ትጥምት መረባዕ ምስ በጽሑ፡ ኣብ ልዳት ደው ኢሉ ንዝጸንሖም ጽልም ኢሉ ኰርዳድ ጸጕሩ ተጋዳላይ፡ “በል ዳግማይ መጺእናካ ጫረ። እዘን ኣጋይሽ ንሰለሙን ዝብሃል ብጻይና’የን ዝደልያ ዘለዋ’ሞ፡ ከም ገለ እንተ ፈለጥካዮ ኢልና ኢና ኣምጺእናየን፡” በሎ’ቲ ቍመት ውስድ ዘብል ቀይሕ።

ጫረ፡ ሓውቱን ኣዲኡን’የን ዝኾና ዝብል ግምት ኣሕዲሩ፡ “ክላ! ንሰሌ ደኣ ይትረፍ ንስኻትኩም ኢምዳድ ብርጌድ፡ ፖለቲካ ክምህሮም ዝውዕል ደቂ ሓይሉ’ኳ ብስሙ ዘይፈልጡዎ። ንካስትሮ እየን ዝደልያ ዘለዋ፡” በሎም ብኽምስታ ደርጊ ስኑ እናጋልሀ። ከም ጠባይ ፍሕሹውን ምቕሉልን ኮይኑ፡ ተጫራቓይ’ዩ።

እቶም ክልተ ተጋደልቲ፡ “ርኢኻ ጽቡቕ ገሚትና ኔርና፡” ኢሎም ኣራእሶም ነቕነቑ። ነንሓድሕዶም ድሕሪ ምጥምማት ድማ፡ “በላ እንቋዕ ሰለጠክን፡ ደሓን ኣምስያ፡” ኢሎመን ተመራሪሖም ብግስ በሉ።

“ጽንሑ’ዞም ደቀይ ብሩኻት፡ እዚ ዅሉ ኣድኪሙናኩምስ፡” እናበላ ዘምቢለን ብምኽፋት ድጋም ሕምባሻ ሂበን፡ “በሉ ጽኑዕ የርግጽኩም፡” በልኦም።

ጫረ፡ “በላ ሓንሳብ ኣብዚኣ ጽንሓኒ፡ ኣብ ቀረባ’ዩ ዘሎ ክጽውዓልክን’የ፡” ኢሉወን ንየማን ብምዕጻፍ ንገለ ካልኢታት ተፈልየን። ንኣባል ምልክት ዝነበረ ብጻዩ መልእኽቲ ከሕልፍ ምስ ነገሮ ናብኣተን ተመልሰ።

ሮዛ ንበይኑ ክምለስ ምስ ረኣየቶ ዝሰኣኖ መሲሉዋ ልባ ክትምሸት ቀረበት። “ኣይጸንሓካን ድዩ?” ክትብሎ እናሓሰበት ከላ፡ “ቀልጢፉ ክመጽእ ልኢኸሉ’ለኹ፡ ብዙሕ ኣይክድንጕን’ዩ፡” ኢሉወን ኣብ መረባዕ ኣተወ።

ሮዛ ብትሕቲ መልሓሳ፡ “ግራሴ ዲዮ!” ኢላ ኣብ ጸግዒ እቲ መንደቕ ኣብ ዝነበረት ዕብይ ኢላ ደንጐላ ኮፍ በለት። ኣቶ በራኺ፡ “እሞ ሕጂ ኣብ ዝብጻሕ በጺሕክን ኢኽን ኣነ መሬት ከይመስየኒ ክኸይድ። ሰኑይ ኣንጊሀ ክመጽእ ስለ ዝኾንኩ ተቐሪብክን ጽንሓኒ፡” ብምባል ምሕዳሮም ናብ ዓዶም ተበገሱ።

ጫረ መረባዑ ዓጽዩ መሪሑወን ናብታ ከም መቐበል ኣጋይሽ ዝጥቀሙላ ገዛ ተበገሰ። ዓሰርተ ስጕምቲ ዝኸውን ምስ ከደ፡ ኣብ ሓንቲ ብጐድና ምስ መረባዕ ዝለገበት ግፍሕ ኢሉ ደምበ ዝነበራ ህድሞ በጽሑ። “ኣለኺዶ ምሕረት?” ኢሉ ተዳህየ ኣብ ገበላ ናይቲ ህድሞ ኮይኑ።

ኣብ ውሻጠ ጸኒሓ፡ “ኣቤት!” እናበለት ናብ ምድሪቤት ተቐልቀለት ቀያሕ ምጭውቲ መንእሰይ። ርእይ ምስ ኣበለተን፡ ከም ሕፍር ኢላ ድንን በለት።

“ሃየ በሊ ካብ ኣስመራ ዝመጽኣ ኣጋይሽ ተቐበሊ፡” በላ ጫረ።

ምሕረት ብፍሕሹው ገጽ ምስ ሰዓመተን፡ “ኣዲኡን ሓውቱን ንካስትሮ እየን። ፈሊጥክዮዶ ኣለኺ ካስትሮ?” በላ ቈላሕታኡ ካብኣተን ናብኣ ኣሰደደ።

“በዓልቲቤቱ እያ ‘ዝወደይ፡” በልኦ ወ/ሮ ገብርኤላ።

ምሕረት መልሲ ከይሃበቶ፡ “በዚኣ ኮፍ በላ፡” ኢላ ኣብ ሕጽር ዝበለ ንእዲ ብርከን ምስ ኣስበረተን፡ ሓዊ ክተናኽስ ኣብ ሸበድበድ ኣተወት።

ጫረ ኣብ መንጎ ዘቋረጾ ስራሑ ክወዳድእ፡ “በሊ ቀልጢፈ ክመጽእ’የ፡ ኣይተጋይሽየን፡” ኢሉዋ ናብ ቦታኡ ተመልሰ።

ምሕረት ናውቲ ቡን ክትቀራርብ ናብ ውሻጠ ምስ ኣተወት፡ ሮዛ ነቲ ተኸዲናቶ ዝመጽአት ገፍላው ቀምሽ ኣውጺኣ፡ ነታ ሰለሙን ቅድሚ መርዓኦም ኣብ ኣዲስኣበባ ዝዓደገላ፡ ንመዘከርታ ክትኮና ኣብ ከብሒ ዓቝራታ ዝነበረት ሰማያዊት ጐና ካብ ዘምቢል ኣውጺኣ ተኸድነት። ነቲ ተጠቕሊሉ ዝነበረ ሃሪ ዝመስል ጸጕራ ዘርጊሓ ድሕሪ ምትዕርራይ ድማ ብዓቕሊ ተጸበየት።

ቡን ክሳብ ትፈልሕ ምሕረት ብዛዕባ ተጋደልቲ ኣልዒላ ክተዋግዐን ጀመረት። ወ/ሮ ገብርኤላ ተገዲሰን ክሰምዓኣ ከለዋ፡ ሮዛ ግን ሰለሙን ደንጕዩዋ ንዕላላ ብዙሕ ኣየቃለበትሉን እናናሳዕ ሰዓታ ትርኢ ነበረት። ኣወል ቡን ክትቅዳሕ ከላ፡ “እቲ ድፋዕ ዝብሉዎ ርሑቕ ድዩ ካብዚ?” ክትብል ተወከሰታ ንምሕረት።

ምሕረት ንገዛእ ርእሳ ክቱር ናፍቖት ተጋዳላይ ናይ ዝነበረ በዓልቤታ ስለ ዝነበራ፡ ናይ ሮዛ ምርባጽ ክትርድኦ ብዙሕ ኣይጸገማን። ቀረባ’ዩ። እዛ ቡን ከይሰተናያ ከርክበና እዩ፡’ ክትብል መለሰትላ። ቡን ፈሊሓ ክሳብ ትስተ ዘሎ ግዜ ግን ንሮዛ ኣዝዩ ነዊሕ ነይሩ።

 

9ይ ምዕራፍ መበል 71 ክፋል

 

ይቕጽል .. . . .

 

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleመርሃዊ
Next Article መልእኽቲ ጥበብ ናብ ሰዓብቱ
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?