Tuemzghi Tesfai
ድምጻዊ – ሓንቲ ግጥሚ እባ ግበረለይ፡ ከም’ዘን ንበዓል እከለ ዝገበርካሎም ጽቡቕ ግጥምታት. . .
ሓዳሚ – ብዛዕባ ምንታይ ክገጥመልካ ኢኻ ደሊኻ ዘለኻ? ሓሳብ ሒዝካ ዲኻ ወይስ ኣብ ሓሳባት እውን ናጽነት ክትህበኒ ኢኻ?
ድምጻዊ – እእእእእእእ. . . ክስታይ. . . ሓንቲ ዝሓሰብኩዋ ኣላትኒ፡ ሓደ ሰብ ብዛዕባ ማራ ዘፍቅራ ጓል፡ ካብኡ ምስ ተፈለየት ዝዀኖ ምሽ ኣለካ. . . ዝስመዖ ገለታት. . . እታ ዜማ ድማ ከም’ዚ ናይ ምስትምሳልን ምስቁርቋርን ስለ ዝዀነትሲ. . .
ሓዳሚ – ንዜማኻ ዝመስል ሓሳባት ወይ ፍጻመ ብምምራጽካ ጽቡቕ ነገር እዩ። ስለ’ዚ ‘ክገጥመልካ እየ’ እንተ ዘይበልኩ’ኳ ‘ክፍትነልካ እየ’ ክብለካ እኽእል እየ።
ድምጻዊ – ንዓኻ ደኣ እዛ ሓንቲ ግጥሚ እንታይ ግዜ ክትወስደልካ! ብቕልጡፍ ደልየያ ስለ ዘለኹስ እንተ ነውሐ ጽባሕ ክትውደኣለይ ኣለካ።
ሓዳሚ – ኣነ እውን ቀልጢፈ ክውደኣልካ ምፈተኹ። ግናስ ግጥሚ ባዕሉ ኣለኹ እንተ ዘይኢሉካ ብቖጸራ ዝመጽእ መዓስ ኰይኑ!
ድምጻዊ – ኣንታ እንታይ ኢኹም እዞም ጸሓፍቲ “ሙድ”ዶ ገለዶ እንተ ዘይኢልኩም ዘይብራሃኩም! ወድኣለይ ጥራይ እምበር ብዛዕባ ዋጋ ጸገም የለን። ብዝበልካኒ ዋጋ ‘ካሽ’ ክኸፍለካ እየ።
ሓዳሚ – ከም ፈለኛሞ ዲኻ ከም ሳርቶ ገይርካ ዝወሰድካኒ ኰይኑ ይስመዓኒ ኣሎ። ኣብኡ ከይድካ ኢኻ ‘ክንድ’ዚ ክኸፍለካ እየ’ሞ ጽባሕ ወድኣለይ’ ክትብል ትኽእል እምበር፡ ኣብ ግጥሚ ከምኡ ዝበሃል ነገር የለን። “ሙድ” ዝበሃል ነገር ከም ዘሎ እናፈለጥካ።
ድምጻዊ – ደሓን ናይ “ሙድ” ወዲ “ሙድ” እሞ ግደፎ፡ መበገሲ ምእንቲ ክዀነካ፡ ቅድም እዛ ፈቲነያ ዘለኹ ረኣያ፡ ኣተዓራሪኻን መላሊእካን ከም ዝዀነ ግበረለይ፡ ቅድሚ ሕጂ ዝሃብካዮም ግጥምታት ባህ ስለ ዝብሉኒን ዝና ስለ ዘለካን እየ ናባኻ መጺአ እምበር ክንገብረልካ ዝበሉኒ ብዙሓት እዮም።
ሰበይ ብድሕረኺ ብጽምዋ ተበሊዐ
ነብሰይ ረሲዐ፡ ብፍቕሪ ተገዲዐ
ኣብ መንጎ ሰባት ከለኹ
በይነይ ኰይነ ኣለኹ
ዘዛርቦ ስኢነ ጸገማይ ዘካፍሎ
ንዒባ ብተሎ
ኣፈርክቡ ከይተባህለ ከሎ. . .
ገጸይ ተደዊኑ . . .
ሓዳሚ – . . . “ተኸዲነ ጸሎሎ” ባዕለይ ክምላኣልካ።
ዋእ!!! ከመይ ገይርካ ደኣ ፈሊጥካያ፡ ቅድሚ ሕጂ ርኢኻያ ነይርካ ዲኻ?
ሓዳሚ – ኣሃሃሃሃሃሃ – ጅምር ምስ ኣበሉ፡ ዝዀነ ይኹን ሰብ ባዕሉ መሊኡ ክውድኦም ዝኽእል ግጥምታት ብዙሓት ከም ዝዀኑ ኣይትፈልጥን ዲኻ። እዛ ናትካ ግጥሚ ከኣ፡ ኣብ ከምኡ ዝበሉ ዓይነት ግጥምታት ትምደብ ይመስለኒ።
ድምጻዊ – እዚኣ’ኮ ባዕለይ ዝጸሓፍኩዋ ግጥሚ እያ። እቲ ሓሳባት ናተይ እዩ! ወላ’ኳ ብዙሕ ናይ ግጥሚ ክእለት ዘይብለይ እንተ ዀንኩ መበገሲ ክዀነካ ይኽእል እዩ።
ሓዳሚ – እዛ ግጥሚ ኢልካያ ዘለኻ፡ ናትካ ስለ ዝዀነት ኣብ ጁባኻ ኣክባ። ዝሓተትካኒ ግጥሚ ብዓቕመይ ምጽሓፍ ቅድሚ ምጅማረይ ግን ሓንቲ ሕቶ ክሓተካ። እቲ ኣፍቃሪ ካብ ኣፍቃሪቱ ተፈልዩ ኣሎ። ኣብ መንጎ ሰባት ከሎ፡ ምስ ሰባት ከም ዘይዛረብ ገይርካዮ ኣለኻ። ምኽንያቱ ሓሳብን ዝኽርን ናይ’ታ ጎይታ ልቡ “ቢዚ” ገይሩዎ። ሓሳባት ከገማጥል፡ ሃረር ክብል. . . ድቃስ ስኢኑ ኣሎ። ኣሳሕቓኣ ብዓይነ ሕልናኡ እናቐረጸ ምስኣ ክስሕቕ፡ “ንሳኸ ከመይ ኰን ትህሉ – ኣበይ ኰን ትህሉ” እናበለ ናይ ሓሳብ ቦታታትን ክስተታትን ክስእል፡ ኣብ’ቲ ብሓባር ሰናይ እዋን ዘሕለፉሉ ቦታታት እናኸደ ምስኣ ክዛወር፡ ምስ ካልኦት ክርእያ ከሎ ዝስመዖ ዝነበረ ቅንእን ጓሂን እናዘከረ ናቱ ክገብራ ብምኽኣሉ ብስብእነቱ ክሕበን፡ ዳግማይ ምስ ተራኸቡ ከመይ ገይሩ ከም ዝቕበላን፡ ከመይ ኰይና ከም እትጸንሖን. . . ክሓስብ ኣእምሮኡ ዕረፍቲ የብሉን። ኣእምሮ ከም ዝጽምዎን ስራሕ ከም ዝበዝሖን ዘይትርዳእ ኣይመስለንን። ስለ’ዚ “ብድሕረኺ ብጽምዋ ተበሊዐ፡ ዘዛርቦ ስኢነ. . .” ካብ ምባል፡ ብድሕረኺ ዕረፍቲ ስኢነ፡ ዝጋማድሑ፡ ዝትንተኑ፡ ባህታ ዝፈጥሩን ዘጉህዩን ሓሳባት ከሳሲ “ቢዚ” እየ ዘለኹ። ንዕላል ዝኸውን ግዜ ስኢነ እንተ በላኸ እንታይ ኣለዎ? ቃሕ እንተ ኢሉካ እውን ኣብስትራክት ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ’ኮ።
ከላእ እዚ ደኣ ዘይከውን! ኣፍቃሪትካ ስኢንካ ደኣ ጽምዋ ይስመዓካ እምበር ከመይ ገይርካ ኢኻ. . .
ንነብር ኣለና፡ ኣነን ዓለመይን
ኣእዛነይ ካልእ፡ ክሰምዓ ኣይደልያን
ኣዒንተይ ብዘይካኺ ኣይርእያን
ንስኺ እንተ ዘይሃለኺ፡ ወላ ሓንቲ የለን።
ዕላል የለን፡ ጽምዋ የለን
ድምጺ የለን፡ ስቕታ የለን
ምንባር ጥራይ፡ ናብራ ከም ሻሙ
ኣይሕጎስ ኣይቃዝን፡ ኣይሞትኩ ኣይተፈጠርኩ
ድምጻዊ – እንታይ እዩ’ታ እዚ? ዋዛ ገዲፍካ ጥዑይ ግጥሚ እንዶ ግበረልና። ከም’ዚ ደኣ ባዕለይ ምጸሓፍኩ‘ንዶ!
ሓዳሚ – እዚ ንስኻ ትብሎ ዘለኻ ሓሳባት፡ ወላ ሓንቲ ፍሉይ ወይ ሓድሽ ነገር የብሉን። ክንደይ ደረፍቲን ገጠምቲን “ናፊቐኪ፡ ጽምዋ ተበሊዐ፡ ብዘይብኣኺ ሂወት የብለይን፡ ንስኺ ምስ ከድኪ መሬት ጸልሚቱኒ፡ ተመለሲ ኣይትጨክኒ” እናበሉ ሰብ ፍጊዕ ክሳብ ዝብሎ ዘየዜሙ! ፈለማ ሓድሽ ሓሳባት ክህልወካ ዝበለጸ እዩ።
ድምጻዊ – እዞም ገጠምቲ ሓደሓደ ግዜ ኣብ ሕልሚ ኢኹም ትነብሩ። ኣብ ዓለም ዘይተራእየ ሓድሽ ነገር ካበይ ክፈጥረልካ ትደሊ ኣለኻ! እቲ ፍቕሪ – ፍቕሪ እዩ። ካልእ ትርጉም የብሉን። እቲ ምፍልላይ ድማ ምፍልላይ።
ሓድሽ ሓሳባት ማለት’ኮ፡ ዘይተባህለ እምበር ዘይተፈጥረ ማለት ኣይኰነን። ነቲ ዝተባህለ በየናይ ኩርናዕ ትጥምቶ ምፍላጥ ድማ ሓድሽ ሓሳባት ምፍጣር ማለት እዩ። “ኩርናዕ ጠመተ” ዝበሃል ነገር ትፈልጥዶ?
ጥቓይ ሰፈርኪ፡ መንከ ትበሃሊ
ኣብ ድርኩዂት ልበይ ቅልቅል ምልስ ትብሊ
ግደፊ ግደፊ ኣይተሻቐልኒ፡
ሃረር እናበልኪ ኣይትኾላልፍኒ. . .
ሓዳሚ – እዛ ግጥሚ ከመይ ትርእያ?
እዚኣ ደኣ ደሓን እያ፡ ወሳሲኽካስ ቤላ ምዀነት
ጥቓይ ዝሰፈርኪ መንከ ትበሃሊ
ኣብ ድርኩዂት ልበይ ቅልቅል ምልስ ትብሊ
ሸቐልቀል ደኣ ኣብልኒ መመሊስኪ
ፍቕሪ ወስኸለይ እናኾላለፍኪ
ምቁር ሃረርታ ፈትያቶ’ላ ነብሰይ
ኳሕኲሕኪ ህደሚ፡ ሃውኺዮ ልበይ
ሓዳሚ – እዚኣኸ?
ድምጻዊ – እንታይ ትብል ከም ዘለኻ’ኳ ተወጃቢሩኒ ሕጂስ! ቃንዛን ሸቐልቀልን ዝደሊ ሰብ ኣሎ ድዩ? ንዘፍቀርካያስ ‘ምሳይ ኩኒ፡ እንታይ ገበርኩኺ ሸቐልቀል ተብልኒ፡ ደንግጽለይ” ኢኻ ትብላ እምበር “ኣሻቕልኒ፡ ኣሳቕይኒ” እናበልካ ትልምና።
ሓዳሚ – ግጥሚ ካብ ካልእ ዘረባ ፍሉይ ዝገብሮ ደኣ ንሱ እንድዩ። ኣበሃህላኡ ምስ ካልእ ተራ ዘረባ ዝመሳሰል ኣይኰነን።ስግንጢርነት መልክዕ ግጥሚ እዩ። መለሳ ከኣ ኣለዎ። ወዲ-ሰብ ሓሓዲሹ እዩ ልቡ ዝሰልቦ። ከም መዓልካን ሓደርካን ዝለመዶን ዘጽነዖን ዘረባ ኣምጺእካ እንተ ዘየሰልከኻዮ ይሓይሽ።
የቐንየለይ ዝሓወይ፡ ንስኻ ጥዕና ከም ዝሰኣንካ እርእየካ ኣለኹ። ንባዕልኻ ሃውቲትካ ከተሀውትተኒ ኢኻ ደሊኻ መስለኒ። ጀሚረያ ስለ ዘለኹስ፡ ከም’ታ ድልየተይ ገይረ ጥዋዕ-ጥዋዕ ከብላ እየ ባዕለይ። ቻው ንስኻን ፍልስፍናኻን ጻዕዳ ይጽናሕኩም።
ሓዳሚ – ሃሃሃሃሃሃሃሃሃሃሃሃሃሃሃሃሃሃሃሃሃሃሃሃ