Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ሮዛን ሰሌን

ሮዛን ሰሌን

0
By Mekonnen T. on May 24, 2015 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል (ሃንችባክ)

መበል 62 ክፋል

ኣስመራ ብርቱዕ ጠሊ ተሰኪሙ ክነፍስ ብዝቐነየ ዘይእዋናዊ ንፋስ ክሊማኣ ናብ ቀዝሒ ተቐዪራ እያ ጸኒሓ። ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ዝነበረ ብዝሕ ኢሉ ተጸባያይ ጋሻ፡ ገለ ጋቢ ገለ ድማ ካቦትን ጎልፎን ዘራጐደ ኮይኑ፡ ኣብ ገበላታት ተጸጊዑ ሕቕብቅብ ክብል ይርአ ነበረ። ገያሾ ክወጽኡ ምስ ጀመሩ ኣብርሃም ንሮዛ ክቋመት ጸኒሑ፡ ጓላ ሓቝፋ ደው ኢላ ምስ ረኣያ፡ ፍሽኽ እናበለ ኢዱ ብሰላምታ ምስ ኣወዛወዘላ ክምስ ብምባል ግብረ መልሲ ሃበቶ። ነቲ ጽቕጥቅጥ እናበለ መንገዲ ዓጊቱ ዝነበረ ተጸባያይ ሰጊራ ምስ ኣብርሃም ድሕሪ ምስዕዓም፡ ነተን ኣብ ባኮን ባልጃን ዝነበራ ኣቕሑታ ኣብ መኪና ጽዒኖም ናብ ቲራቮሎ ተበገሱ።

ወ/ሮ ገብርኤላ ቡነን ኣዋዲደን ብሃንቀውታ ክጽበይኦም ጸኒሐን ድምጺ መኪና ምስ ሰምዓ ዘብዘብ እናበላ ናብ ኣፍደገ ብምኻድ ብዕልልታ ተቐበልኣ። ስዒመን ምስ ጸገባኣ ንፍርወይኒ ካብ ሕቝፈኣ ተቐቢለን ንውሽጢ ገዛ ብምምራሕ፡ “ኣንታ ቅዱስ ሚኪኤል ኣቦይ! እንቋዕ’ዚኣ ኣርኣኻኒ። ደሓንዶ መጺእኪ ኣንቲ ሮዛ ጓለይ?” በላኣ ጀበና ኣብ ፈርኔሎ እናሰኽተታ።

“ምምጻእስ ደሓን መጺእና፡ ካብ ነፋሪት ውርድ ክንብል ግን ኣስናን ዘለዎ ቍሪ ተቐቢሉና። ከመይ ዝበለ ቍሪ እዩ ዘሎ! ከምዚ ኦኣይነት ቍሪኸ ኣልዶ ድዩ? እንቃዕ ነፍሬታ ጓለይ ክዳን ኣየርቀቕኩላ፡” በለት ኮፍ መበሊኣ እናጣጥሐት።

“ስቕ ደኣ በሊ። ናይ ሎምዘበን ቍሪ ብዓንደርእሱ ሽኦል’ዩ፡ ኣብ ዓጽምኻ እዩ ዝኣቱ። ከምዚ ዓይነት ቍሪ ርኢና’ኳ ኣይንፈልጥን ኣደኺ፡ ዘይምሱል ኣምሲሉና’ሎ። እቲ ኣዲስኣበባኸ ደሓን ድዩ?”

“ኦይ! ኣብኡስ ደሓን’ዩ ዝምረር ቍሪ የሎን።”

ኣወል ተቐዲሓ ክትስተ ከላ ጕዳይ ሰለሙን ተላዕለ። ሮዛ ድማ ብዛዕባ’ቲ ዘጋጠመ ሽግርን ድሕሪኡ ዝሰዓበ ኵነታትን ኣሕጽር ኣቢላ ዘርዘረትሎም።

“ኣነ’ኮ ህይወቱ ማዕረ ክንድዚ ኣብ ሓደጋ ከም ዝኣተወ ኣይተረድኣንን ነይሩ። ሃብቶም ምስ ኣፋነዎ ስልኪ ደዊሉለይ ነይሩ። ኣብቲ ፈለማ ከይስንብድ ኢሉ ግዲ ኾይኑ ቀሊል ነገር ከም ዝኾነ’ዩ ገሊጹለይ። ድሒሩ ነቲ ዅሉ ታሪኽ ምስ ነገረኒ ግን ንኣምላኽ ኣመስጊነ። ካብ ኣፍ ሞት ምውጽኡ ብሓቂ ዕድለኛ እዩ። ሽዑ እንተ ዝሕዙዎ ብቐጥታ ምረሸኑዎ ወይ ድማ ንዕድመ ይፍታሕካ ምፈረዱዎ ነይሮም። ይትረፍ ከምዚ ረኺቦም ብዘይ ንሱ’ኳ ክንደይ ንጹሃት መንእሰያት’ኳ ቀዚፎም ዘለዉ፡” በለ ኣብርሃም ብምስትንታን ርእሱ ንላዕልን ታሕትን እናነቕነቐ።

ወ/ሮ ገብርኤላ፡ ወደን ብመንግስቲ ተሃዲኑ በዓልቲቤቱን ጓሉን ጠንጢኑ ሃጽ ክብል ከሎ ከም ወላዲት መጠን ከም ዘይቅበልኦ ንማንም ሰብ ርዱእ ነይሩ። ልዕሊ ዅሉ ድማ ወዲ ክደግም እናተጸበይኦ ከለዋ ከምኡ ከጋጥመን ከሎ ክልተ ጓሂ’ዩ ኮይኑወን። እንተኾነ ካብ ሓደጋ ምትራፉን ዘይሩ ዘይሩ ናብ ኣሕዋቱ ምጽንባሩን ስለ ዝተረድአን ንነፍሰን ኣደዓዒሰን ንሮዛ ከተባብዓኣ’የን ወሲነን። ብዘይ ንሱ፡ ጸላኢ ኣብ ዓደን ወኪድባ ዝፈጸሞ ባርባራዊ ግፍዒ ብኣካል ዝረኣያን፡ ኣንጻር መግዛእቲ ንጹር መርገጺ ዝነበረን ሰበይቲ እየን። ማይ ክገብራላ ዝጸንሓ ጀበና ሰኽቲተን ድማ፡ “ስምዒ’ስከ ሮዛ ጓለይ፡ ክንደይ መንእሰያት ድዮም ሽታታ ጠፊኦም ዘለዉ? ሎሚኮ ሰብ ዝኾነ፡ ‘ኣምላኽ ቅድሚ ውላደይ ይግበረኒ’ እናበለ’ዩ ዝምህለል ዘሎ። ሰለሙን ወደይ ከኣ እንቋዕ ደኣ ኣብ ኢድ’ዞም ኣረሜናት ወዲቑ ኣደዳ ማእሰርቲ፡ መግረፍትን ሞትን ኣይኮነ’ምበር ሰብኡት ናብ ዝኸዱዎ’ንደኣሉ ከይዱ! ባዕለይ’ኳ መፋነኹዎ። ካብ ኣሕዋቱ መዓስ በሊጹ። ሕጂ ድማ ንስኺ ቅድሚ ዝኣገረ ነፍስኺ ጥራይ ኣይተሕስሚ፡” ኢለን ብዝከኣለን ኣተባብዓኣ።

ዶክተር ኣብርሃም ንዘረባአን ትቕብል ኣቢሉ፡ “ሰለሙን ሃንደበት ክፍለያ ከሎ ክስምዓ ይኽእል’ዩ። ግን ከኣ ኣብ ኢዶም እንተ ዝወድቕ ነይሩ ክልተ ሞት’ዩ ነይሩ። ሎሚ ይትረፍ ምስ ገድሊ ርክብ ዘለዎ ሰብ ረኺቦም፡ ንመንእሰይ ዘቦኡ ወሰን ኢሎም ከጥፍኡዎ ዝተበገሱ እዮም ዝመስሉ። እዚ ቅድሚ ክልተ ወርሒ ኣብ ባር ጂኖ ዝፈጸሙዎ ግፍዒ እንታይ ክብሃል’ዩ ሕጂ? ኣደይ’ኳ ጽቡቕ ጌርኪ ትዝክሪዮ ትኾኒ፡” ክብል ናይ ደገፍ ዘረባ ኣስዓበ።

“ከመይ ዘይዝክሮ ኣንታ ኣብርሃም ወደይ፡ ወዮ’ኳ ካብቶም ሽዑ ዝሞቱ፡ ወዲ ሓንቲ ኣብ ሰኒታ ዝቕመጣ ዘመድ መሓዛይ ስለ ዝነበረስ ቀብሪ ውዒለ። መቸም ናይዚ ዝፍጽሙዎ ዘለዉ ግፍዒ ብኣምላኽ ይፍደዩዎ ይኾኑ’ምበር እዚኣቶምስ ፍጥረት ሰብ የብሎምን ኣደኻ!”

ሮዛ፡ ግፍዐኛታት መራሕቲ ኣብ ልዕሊ ንጹህ ህዝቢ ዘውርዱዎ ግፍዒ ርእያ ስለ ዘይትፈልጥ ነገራቱ ደንጽዩዋ፡ “ኣብ ቤት መስተ ንዝጸንሐ ሰብ ብዘይ ገለ ምኽንያት ይቐትሉ?” ክትብል ብምግራም ሓተተት። ኣብ ኣእምሮኣ መንግስቲ ክብሃል ከሎ ረብሓ ህዝቢ ዝሕሉ፡ ሕጊ ከስፍን ዝጽዕር፡ ንዓመጸይና ኣብ ቀይዲ ዘእቱ ጓሳ ህዝቢ’ምበር ማዕረ ክንድኡ ዝኣክል ኣረሜናዊ ግፍዒ ይፍጽም’ዩ ዝብል ግምትን መረዳእታን ኣይነበራን።

የዋህነታ ዝተረድአ ኣብርሃም፡ “ቀስ ኢልኪ ክትርድእዮ ኢኺ ሮዛ። ደርግ፡ ገድሊ ኤርትራ ብዘይ ደገፍ ህዝቢ ቀጻልነት የብሉን ዝብል ኣተሓሳስባ ስለ ዘለዎ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ኣጽኒቱ ሃገርና ምዝማት’ዩ ዕላማኡ። ኣብ ኣእምሮ ሰራዊት ደርግ ድማ ዝኾነ ኤርትራዊ መንእሰይ፡ ወላ ሕጻን ይኹን ናይ ጽባሕ ተጋዳላይ ስለ ዝኾነ ክጠፍእ ኣለዎ ዝብል እከይ ዕላማ እዩ ዘሎ። ንኣብነት ኣብዚ ዝተቐስኩዎ ባር፡ ቢልያርዶ ክጻወቱ ብዙሓት መንእሰያት ስለ ዝኣትዉ፡ ብረት ዝዓጠቑ ዓፋኝ መጺኦም ኣላታን የብላን ብኣውቶማቲክ ብረት ዓምቢቦሞም ኣጥፊኦሞም። ብዙሓት ሞይቶም ሓያሎ ከኣ ቈሲሎም። ገለ ካብኣቶም ዝሞቱ ተመሲሎም ስለ ዝደቀሱ ድሒኖም። ደርግ ገና ካብዚ ዝበኣሰ ግፍዒ ክፍጽም’ዩ፡” በላ ኣብቲ ናይ ቀረባ ፍጻሜ ዝሞቱ መንእሰያት ዘኪሩ ልባዊ ሓዘን እናተሰምዖ።

ሮዛ፡ ይትረፍ ዘይበደለ ንጹህ ሰብ ብጥይት ክርሽረሽ፡ ወላ ዝበደለ ሰብ’ውን ብበትሪ ወይ ብእምኒ ዝህረም ይመስላ ኣይነበረን። ትዛረቦ ጠፊኡዋ፡ “ዲዮ ሚዮ! እዚኣቶም ኣኒማሊ እዮም፡” በለት ብድንጋጸ ርእሳ እናነቕነቐት።

ወ/ሮ ገብርኤላ ኣድህቦአን ናብታ ኣብ ሕቝፈአን ተዕለብጥ ዝነበረት ፍረወይኒ ገይረን ስለ ዝነበራ ንዘረባኣ ብዙሕ ኣየቃለባሉን። ንፍርወይኒ ካብ ሕቝፈአን ኣውሪደን፡ “ሮዛ ጓለይ ምርቕቲ ኢኺ። እዚ ዕድል’ዚ መን ይረኽቦ? እንቋዕ ጥራይ እሂን ምሂን ከይተባሃልኩም መዕለቢኡ ከይተፈልጠ ኣይጠፍአ። ቀለብ ሰሙን ዘይብለን ሓሽከት ቈልዑ ዛሕዚሖምለን ዝተቐትሉ ከም ዘለዉ ትፈልጢዶ? ይወኣት’የን ነቲ ዝወረደን ኣስናነን ነኺሰን ብሓቦ ይሓልፎኦ ኣለዋ። ጽንዒ ጥራይ! ከብድኺ እምኒ ኣእትውላ። ንመን ክሕሾ ኢኺ ነፍስኺ ተውድቒ? መፍቶ ጸላኢ ክትኮኒ!” በላኣ ቃላተን ጸቒጠን።

ዘረባአን ንሕልናኣ ተንከፎ። እተን ፈራሕን በቝባቝን ዝመስላኣ ዝነበራ ሓማታ፡ በቲ ኵነታት ስምዒተን ገንፊሉ ነቲ ኣብ ልዕሊ ወደን ዘጋጠመ ነገር ብትብዓት ተጻዊረን ከተባብዓኣ ከለዋ ነፍሳ ነዓቐት። ኒሕን ሓቦን ኣብ ክንዲ ምግባር ብዛዕባ ነፍሳ ጥራይ ብምሕሳብ፡ ሰለሙን ተፈልዩኒ ኢላ ክተስተማስል ከም ዘይብላ ተገንዘበት። ብዝኾነ፡ ትኽኣሎ ኣይትኽኣሎ ንግዜኡ ፍናና ክብ ስለ ዝበለ፡ “ከምኡ ናይ ጓልኣንስተይቲ ነገር ኮይኑ ንግዜኡ ሕልናይ ኣዕሪበ ነይረ’ምበር፡ ካብኡ ዝኸፍእ እንተ ዝወርደንስ እንታይዶ ምገበርኩ’የ? ሕጂ ድማ ንዑኡ ጻዕዳ ይጽንሓዮ፡ ኣነ ድማ ካብ ሰበይ ስለ ዘይበልጽ ክጸሮ’የ። ንኣምላኸይ ካብ ምምስጋን ሓሊፈ ዘማርረሉ ኣብነት የብለይን፡” ዝብል ዘረባ ኣስዓበት።

“ኰርዒዳ’ዛ ጓለይ! ሕጂ ጸባ ኣስቲኽኒ። ኣቦታትና ክምስሉ ንርስቲ ይዋግኣላ ኣንስቲ’ኳ ዝብሉ። በዓል ኣቦኺ ግራዝማች መንግስተ ሰማይ የዋርሶም፡ ሃገር እንዳ’ማቶም ከቕንዑ ምስ ጥልያን ተዓስኪሮም። ምህሮ ስለ ዘይነበሮም ዕስክርና ይኣዪ ቁምነገር ተረኺቡ ብመርዑትና ጠንጢኖምና ባሕሪ ሰጊሮም ክሳብ ሊብያን ሽዋን ዘሚቶም። ንልቢ ክኾነኪ፡ ኣቦኺ ግራዝማች ኣብ ንእዲ ሕጽኖተይ ገዲፎምኒ እዮም ከይዶም። ኣብ ሊብያን ኣብ ኢትዮጵያን ሓሙሽተ ዓመት ከርተት ኢሎምን ቈሲሎምን ክሳዕ ዝምለሱና፡ ምስቲ ዅሉ ሕሰምን መከራን ኣብ ኪዳንና ጸኒዕና ኢና ተጸቢናዮም። እዚ ዅሉ ከርተት ምእንቲ ጥልያን ክሕሾ እዩ’ምበር ንኤረትሪያ እንታይ ወቲፎምላ። ደቅና ግን ዕድሎም ጸቢቑ ሳላ ዝተማህሩን ተንኰል ጸላኢ ሳላ ዝፈለጡዎን፡ ኣቦታቶም ዘባላሸዉዎ ነገር ምእንቲ ከዕርዩ ንመሬቶምን ንህዝቦምን ይጋደሉ’ለዉ። ኤረትሪያ ኸኣ ሎሚ ዘይኮነ ቀደም’ያ ነምሓራ ‘ፎእ!’ ኢላቶም። ስለዚ፡ ካልእ ገዲፍና ‘ኪዳነምሕረት ጽላላ ክተንብረሎም ጥራይ ጸሎትና ኣይንጋደፎም፡” ኢለን በረካ ቀድሓላ።

ናብ ሰማዓይ ተቐዪሩ ሓንሳብ ናብ ኣዲኡ ሓንሳብ ኣንብ ሮዛ ክጥምት ዝጸንሐ ኣብርሃም ሰዓቱ ርእዩ ብድድ ብምባል፡ “እሞ ኣነ ክገድፈክን’የ። ደሓር ንኤልሳ ሒዘያ ክመጽእ’የ፡” ኢሉ ተፋነወን።

ድሕሪ በረካ ብዘረባ ዘረባ ማሪያ ተላዕለት። ግዜ ምሳሕ ክሳብ ዝኣክል ድማ ኣብ ናይ ማሪያ ዕላል ተቘሪነን ነዊሕ ጕጅም በላ።

ይቕጽል

8ይ ምዕራፍ መበል 63 ክፋል ዝመጽእ 27 ግንቦት

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleካብ መዘክረይ . . . .
Next Article ‘ከመይ መጺኻ፧ ከመይ ጸኒሑካ ዓዲ፧ እዋይ ኣስመራ ሽኮር ኣሕሕ. . . ከመይ ኣላ፧”
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?