Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ሮዛን ሰሌን

ሮዛን ሰሌን

0
By Mekonnen T. on April 25, 2015 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል (ሃንችባክ)

6ይ ምዕራፍ መበል 54 ክፋል

ሃብቶም ድምጺ መኪና ሰሚዑ ከንብባ ዝጸንሐ መጽሓፍ ኣቋሪጹ ጽን በለ። መኪና ሰለሙን ኮይና ስለ ዝተሰምዓቶ ማዕጾ ከፊቱ ንደገ ወጽአ። ሰለሙን ካብ መኪና ወሪዱ ናብኡ ገጹ ክመጽእ ምስ ረኣዮ፡ “እሂ’ታ ሰሌ፡ ናይ ደሓን ዲኻ?” ክብል ሓተቶ ስክፍታኡ እናዛየደ።

“ገዛኻ ዕጸዎ’ሞ ቀልጥፍ ናብ መኪና ስዓበኒ!” በሎ ድምጹ ኣትሒቱ። ገጹ ገልቢጡ ድማ ናብታ ሞቶረኣ ዘይጠፍአ መኪና ተመልሰ።

ሃብቶም ዘረባ ሰለሙን ኣዝዩ ስለ ዘሻቐሎ ገዝኡ ዓጽዩ ብቕጽበት ኣርከቦ። ኣብ መኪና ምስ ኣተወ፡ ሰለሙን ብዛዕባ’ቲ ዘጋጠሞ ነገር ቃላት ከየብዝሐ ኣሕጽር ኣቢሉ ገለጸሉ። ዝኣምኖ ዓርኩን መቓልስቱን ኣብ ኢድ ጸላኢ ዘይምውዳቑን፡ ስርሓቶም ከይዕንቀፍ ካብ ዝብል ዕላማ ነታ መባዝሒት ብድፍረት ሒዙዋ ምምጽኡን ከሕጕሶ ከሎ፡ ካብ ዝፈትዋ በዓልቲቤቱን ዕሸል ጓሉን ክፍለ ብምዃኑ ግን ብልቡ ሓዘነ። ብፍላይ ኣብ ኣእምሮ ሮዛ ክፍጠር ዝኽእል ኣሉታዊ ስምዒት ኣመና ኣተሓሳሰቦ። ዝን ኢሉ ጸኒሑ፡ “በል ሕጂ ቀልጢፍና ካብዚ ንርሓቕ። ናብ ካምቦ ኣስመራ ገጽና ንኺድ፡” በሎ ብዝተረጋግአ መንፈስ።

ዝኾነ ቃል ከየምለቝ ሓያል ምስ ተጓዕዙ ሃብቶም፡ “ናብ የማን ገጽካ  ተጠወ፡ ንየማን ኣብል፡” እናበለ መንገዲ ክሕብሮ ጀመረ። ኣብቲ ዝሓሰቦ ቦታ ምስ ቀረቡ፡ “ደው በል፡” ድሕሪ ምባል ዋና ገዛ ምህላዉ ከረጋግጽ ናብቲ ብጸጋሞም ዝነበረ ኣፍደገ ሰጐመ። ማዕጾ ኳሕኵሑ ምስ ተኸፍተሉ ምስቲ ሰብ ድሕሪ ምዝርራብ ናብ ሰለሙን ተመሊሱ፡ “ሰሌ ንዓ ውረድ። ክሳዕ ዝምለስ ኣብዚ ክትጸንሓኒ ኢኻ፡”  ኢሉ መሪሑዎ  ንውሽጢ ገዛ ሰጐመ።

ዋና ገዛ ብርሃነ ኣብ ልዳት ተቐበሎም። ሃብቶም ምሸት ምድሪ ምስ ካልኣዩ ምምጽኡ ገለ ኣሰካፊ ነገር ከም ዘሎ ተጋህደሉ። ሃብቶም ብደዉ ምስ ኣላለዮም፡ “ብርሃነ እንተ ጥዒሙካ ድራር ኣምጽኣሉ፡ ኣነ ቀልጢፈ ክምለሰኩም’የ። ሰሌ ድማ ሮዛ መታን ከይትሻቐል ቴለፎን ደውለላ ኢኻ፡” ኢሉዎ ነታ መባዝሒት ክውግን ሓዲጉዎም ናብ ካምቦ ደቀምሓረ ተበገሰ።

“ኣይተላለናን’ምበር ቅድሚ ዓመት ኣቢሉ ኣብ ጋራጅ እንዳ ወዲሃይለ  መኪና እናዕረኹ ከለኹ ተራኺብና ኔርና። ድሕሪ ቐትሪ እዩ ነይሩ፡ ሓንቲ ትልሓም ኣቕሓ ሒዝካ መጺእካስ ክሳዕ ዝውድኡልካ ቍሩብ ኣዕሊልና ኔርና።

ሰለሙን ግር ኢሉዎ ንገለ ካልኢታት ክሓስብ ጸኒሑ፡ “ጽቡቕ ኣለኻ፡ ዘኪረዮ። ቍሩብ ጸሊምካ’ንዲኻ ገግየካ፡” ድሕሪ ምባል ብዛዕባ ጋራጃትን ሓፈሻዊ ኵነታት ኣዲስኣበባን ድሕሪ ምዕላሎም ብርሃነ ብድድ ኢሉ ብምትሳእ፡ “እሞ ክሳዕ ድራር ዘምጽኣልካ ጕዳይ ቴለፎንካ ወድእ፡” ኢሉ ናብታ ከም መደቀሲ ክፍሊ ዝጥቀመላ ካልኣይቲ ክፍሊ መርሖ። ጃኬት ደሪቡ ድማ፡ “በል መጻእኩ፡” ኢሉዎ ስልጣንያ ሒዙ ንደገ ወጽአ። ብርሃነ ንበይኑ ዝነብር ሰብ ስለ ዝነበረ እታ ገዛ ዝጠቀም ኣቕሑ ኣይነበራን። ኣብታ ሰለሙን ዝኣተዋ መደቀሲት ክፍሊ፡ ብዘይካ ምሉእ ሰብነትካ ዘርኢ መስትያት ዝነበሮ ከብሒ፡ ንእስ ኢሉ ከረደንሳን ኣብ ጐድኒ ዓራት ዝነበረት ብኤለትሪክ እትሰርሕ ዓባይ ሬድዮን ካልእ ንብረት ኣይነበራን። ኣብታ ከም ሳሎን እተገልግል ቀዳመይቲ ክፍሊ ድማ ኣብ ማእከል ምድሪቤት እርግ ዝበለ ናይ ቀደም ዓይነት ሶፋ፡ ንእስ ኢላ ቴለቪዥን፡ ብሓደ ኵርናዕ ድማ ጋዕገልጠም ናይ ክሽነ ዝሓዘ ጠረጴዛ፡ ናይ ጋዝ እቶን፡ ኣብ መንደቕ ዝተንጠልጠሉ ክልተ ሰለስተ ኣሳእል መላእኽትን ነይሩ።

ሰለሙን ስልኪ ምስ ደወለ፡ ኣብታ ብጽምዋ ተዋሒጣ ዝነበረት እንዳ ሰለሙን ቴለፎን ጭርር . . .!” በለት። ሮዛ ካብ ዓራት ነጢራ ብዘይ ሳእኒ ናብ ሳሎን ብምጕያይ ኣልዓለታ። “ሃለው!” ዝብል ድምጺ ሰለሙን ምስ ሰምዐት፡ “ተመስገን ኣምላኽ! ሰሌ ሓወይ ብሓቂ ብህይወት ኣለኻ?” በለቶ እናትደናፈቐት።

“እሂ ሮዛ፡ ደንጕዩ ኢልኪ ዲኺ ዝሰማዕክዮ ኣሎ?”

“ሰዓት ሸውዓተን ፈረቓን ኣቢሉ ሓደ ንዓኻ ዝደሊ ጕልቡት ሰብኣይ መጺኡና ነይሩ። ምስኡ ድማ ላንድሮቨር ናይ ፖሊስ ነይራ። ንምዃኑ ኣበይ ኣለኻ? ኣነ ፈሪሐ’ለኹ ንበይነይ ኣይሓድርን’የ፡” በለቶ ድምጻ ብፊቕታ እናተቘራረጸ።

“ስምዕኒ ሮዛ፡ ኣይትብከዪ’ሞ ሓንሳብ ጽን ኢልኪ ድማ ስምዕኒ። ክሳዕ ጽባሕ ብኣካል ተራኺብና ብሰፊሑ ነዕልል ዝኾነ ሰብ ብዛዕባይ እንተ ሓቲቱኪ፡ ‘ተመሲሑ ምስ ወጽአ ኣይተቐልቀለን’ ኢልኪ ጥራይ መልስሉ። ሰሚዕክኒዶ? ጽባሕ ቅድሚ ቐትሪ ሃብቶም ናባይ ሒዙኪ ክመጽእ’ዩ ኣጆኺ ኣይትፍርሒ፡” ኢሉ ቴለፎን ክዓጽዋ ክብል ጓሉ ተዘኪራቶ፡ “ንፍሬታ ከኣ ምሳኺ ተማልእያ። ወላ ሓንቲ ዘፍርሕ ነገር የብልክን። ቻው ደሓን ሕደሪ፡” ኢሉ ስልኪ ዓጸወ።

“ቻው ሰሌ፡” በለቶ ብዕርንስ ዝበለ ድምጺ።

ሃብቶም ስርሑ ወዲኡ ክምለስ ከሎ፡ ሰለሙን ድሮ ድራር በሊዑ ምስ ብርሃነ ከዕልል ጸንሖ። ሰለሙን ዘትረፎ ጽቡሕ እንጌራ ርእዩ፡ “እንታይ ደኣ ዘይበላዕካ?” እናበለ ክኵልስ ጀመረ። ብእዋኑ ግዲ ተደሪሩ ጥሜት ተሰሚዑዎ ነይሩ። ክልተ ሰለስተ ግዜ ምስ ኰለሰ ናብ ሰለሙን እናጠመተ፡ “ናይዚ ኰለል ዝበልኩዎ ግዲ ኾይኑ ጠምየ’ንድየ። ናብ ሮዛኸ ደዊልካዶ?” ክብል ተወከሶ።

ሰለሙን ኣብ ሓሳብ ኣትዩ ጸኒሑ፡ “ግደፈና’ስኪ፡ ዘይምድዋል ምሓሸኒ ነይሩ። መስኪነይቲ ብብኽያት ክተዛርበኒ ኣይከኣለትን። ፖሊስ ንገዛ መጺኦም ስለ ዝነበሩ ብህይወት ዘለኹ ኣይመሰላን። ጨሪሻ ርዒዳ እያ ዘላ። ብዝኾነ ኣጆኺ ደሓን ጽባሕ ሃብቶም ናባይ ሒዙኪ ክመጽእ’ዩ ኢለ ምስ ኣደዓዓስኩዋ ቍሩብ ትሓይሽ። ከመይ ኢላ ከም ትሓድር’ኳ እንድዒ፡ ከም ገለ እንተ ጠዓመካ ደሓር ክትእለያ ፈትን ኢኻ፡” በሎ ብውሽጡ እናተቐልወ።

እቲ ዝዓበየ ሽግር ናታ ምዃኑ ከሎ ገና ርዱእ’ዩ ነይሩ። ጕዕዞ ገድሊ መሪር’ዩ ሰለሙን። ጸድፍን ገደልን፡ እሾኽን ዳንዴርን፡ ሰልምን ዓዘቕትን፡ ጥሜትን ጽምእን፡ ጸበባን ስቓይን ዝመልኦ ጽንኵር ጕዕዞ እዩ። እዚ ፍጻሜ’ዚ ኸኣ ከም ሓደ መርኣያ ክውሰድ ይከኣል። ኣብ ገድሊ ትሳተፍ እንተ’ሊኻ ነቲ ዝኸፍአ ነገር ክትዳሎ እዩ ዘለካ። ብዝኾነ ግን ኣብ ውዱእ ነገር ብዙሕ ካብ ምዝራብ ግዜ ከይቀተልና ኣብ ስራሕና እንተ ኣተና ይሓይሽ፡” ድሕሪ ምባል፡ ቈላሕታኡ ናብቲ ኣብ ፊቱ ዝነበረ ብርሃነ እናሰደደ፡ “እሞ መዓስ ክትብገስ ኢኻ ብርሂን? ኵሉ ነገር  ናባኻ እዩ ክወድቕ ሕጂ፡” በሎ ሃብቶም።

ብርሃነ ርእሱ እናደረዘ፡ “ዋእ! ጽባሕ ጽዒነ መኪና ምዕርራይ እንተ ወዲአ ድሕሪ ጽባሕ ንግሆ ክብገስ’የ ዝሓስብ። ምናልባሽ እንተ ዘይሰሊጡኒ ግን ድሕሪ ጽባሕ ሰንበት ስለ ዝኾነ ሰኑየ ሰሉስ ገጸይ’የ ክብገስ፡” ክብል መለሰሉ።

“ሰለሙን ግድነት ጽባሕ ክወጽእ ስለ ዘለዎ፡ ጽባሕ ዝረኸብካዮ ጽዕነት ሒዝካ ክትብገስ ፈትን፡ ምኽንያቱ ሰለሙን ክውዕል ክሓድር ኣይክእልን’ዩ። ጽባሕ ክብገስ እንተ ዘይክኢሉ ስእሉ ናብ ኩላተን መደበራት ፖሊስን ብሎኮታትን  ክዝርጋሕ’ዩ። ስለዚ፡ ጽባሕ ክትብገስ ዘይትኽእል እንተዄንካ እቲ ጕዳይ ግዜ ዝህብ ስለ ዘይኮነ፡ ጽባሕ ዝብገሱ እሙናት ሰብ መካይን ክትረክብ ክትክእል ኣለካ፡” ክብል ኣትሪሩ መልእኽቱ ኣሕለፈ።

ብርሃነ ክብደት ናይቲ ጕዳይ ምስ ሰምዐ፡ “እቲ ነገር ማዕረ ክንድኡ ህጹጽ እንተኾይኑ ብዙሕ ኣይትሸገር። ወሸለ ንሕና ንሰርሖ ነገር ተረኺቡ። ኣነ ጽባሕ ኣንጊሀ ክጽዕን’የ ጸገም የሎን። ፊልትሮ ናፍታን ዘይትን’የ ክቕየር ሓሲበ ነይረ፡ ምስላጥ ዝኣቢ እንተ መሲሉ ኣብ ምላሸይ ክገብሮ ስለ ዝኽእል፡ ብወገንካ ጥራይ ወድእ’ምበር፡ እንተ ደንጐኹ ጽባሕ ኣለ ትረ ኣቢለ ክብገስ’የ፡” ኢሉ ኣቕሰኖ።

“ግርም! ከምኡ እንተኾይኑ ኣይታንትኻ ኣብዚ ክትሓድጐ ኢኻ። እቲ መደብ፡ ሰለሙን ከም ኣይታንቲ ተመሲሉ ቅያሩ ክኸይድ ስለ ዝኾነ፡ ርስሕ ኢሉ ኮምፕላስዮነ፡ ቆብዕ ከምኡ’ውን ሳእኒ ቀርበሉ። ካልእ ብወገነይ ዝቕረብ ነገራት እንተ’ልዩ ጽባሕ ፍርቂ መዓልቲ ሒዘሉ ክመጽእ’የ። ሕጂ ግን ክገድፈኩም’የ ደሓን ሕደሩ፡” ኢሉዎም ብድድ በለ። ዘረባኡ ሓጺርን ንጹርን’ዩ ነይሩ።

ክልቲኦም ከፋንዉዎ ብድድ በሉ። ክሳብ ኣፍደገ ደድሕሪኡ ብምስዓብ በብወገኖም፡ “እሞ ቻው፡ ደሓን ሕደር፡” ኢሎሞ ዝባኖም ገልቢጦም ኣብ ዓራት ተገምሰሱ። ኣብ መደቀሲኦም ኮይኖም ነገለ ደቓይቕ ምስ ኣዕለሉ፡ ብርሃነ መኪና ከተዓራሪ ኣብ ጋራጅ ስለ ዝወዓለ፡ “በል ኣነ ፈዚዘ ስለ ዘለኹ ክገድፈካ’የ። ኣይትሓዘለይ ምሸት ኣይክእልን’የ፡” ኢሉ ኮቦርታ ተሸፈነ።

ሰለሙን ድቃስ ከም ዘይወስዶ ይፈልጥ’ኳ እንተ ነበረ ከሰክፎ ስለ ዘይደለየ፡ “ኣነ’ውን ደኺመ’ለኹ ንደቅስ፡” ኢሉ ንማለቱ ተጐልበበ።

“ጽባሕ ኣንጊሀ ስለ ዝብገስ፡ ገዛ ብደገ ዓጽየ መፍትሕ ብትሕቲ ማዕጾ ከስልዀልካ እየ። ምናልባሽ ናብ ሽቓቕ ክትከይድ እንተ ደሊኻ ከይትጽገም፡ ውጽእ ምስ በልካ ንየማን ምስ ተጠወኻ እያ። ንቝርሲ ዝኸውን እንቋቕሖን ካልእ ኣስቤዛን ኣብ ልዕሊ ጠረጴዛ ክገድፈልካ እየ ባዕልኻ ስራሕ። ንደገ ምውጻእ ከይትጸልኦ’ምበር በዚ ኵርናዕ ጥውይ ኢልካ ቤትቍርሲ ኣሎ ግን ይትረፍካ፡” በሎ ኣብ ፊቱ ተንጠልጢላ ናብ ዝነበረት ናይ መድሃኔኣለም ስእሊ እናጠመተ።

“ኣብ ስክፍታዶ ኣእቲናካ ኣንታ ብርሃነ፡ እዚ ዅሉ መዓስ ኣድላዪ ነይሩ።”

ብርሃነ ድሮ ጸሎት ክገብር ስለ ዝጀመረ ኣይመለሰሉን። ክልተ ኣእዳዉ ንላዕሊ ዘርጊሑ ኣዒንቱ ብምዕማት፡ ቀደም ብንእሽቶኡ ከሎ ካብ ኣቦኡ ዝተማህራ ሓጻር ጸሎት ብትሕቲ መልሓሱ ደጊሙ መብራህቲ ድሕሪ ምጥፋእ፡ ርእሱ ኣብ መተርኣስ ኣውደቐ። ኣየላበወን ብኡ ንብኡ ከረው ኢሉ ደቀሰ።

በንጻሩ ሰለሙን በዓልቲቤቱ ብድሕሪኡ ተሕልፎ ህይወት ንስግኣቱ ዝያዳ ክብ ስለ ዘበሎ ኣእምሮኡ ምቛም ኣበዮ። ዝብላዕ ዝስተ ከይትስእን ዘይኮነ፡ ሃንደበት ክፍለያ ከሎ ክትጽመሞ ዘይትኽእል ጕዳይ ምዃኑ ኣጸቢቑ ስለ ዝፈልጥ ኣዝዩ ተረበሸ። ብሓሳብ ተዋሒጡ ክድቅስ ኣይከኣለን። “ብሰላም ኣስመራ ክትበጽሕ እንተ ኽኢላ፡ ኣብርሃምን ኣደይን ከኣ ጽቡቕ ገይሮም እንተ’ደዓዒሶማ፡” እናበለ ብሓሳብ ክህውትት ጀመረ። ካብ ኣዲስኣበባ ክሳብ ሳሕል ዘሎ መንገዲ ክንደይ መዓልታት ክወስደሉ ከም ዝኽእል ክፈልጦ ዘይሕሰብ’ኳ እንተ ነበረ፡ ክግምግሞ ግን ፈተነ። ብሓሳብ ድሮ ኣብ ሳሕል በጺሑ ክዕለም፡ ታዕሊም ወዲኡ ኣብ ፊልም ይርእዮ ካብ ዝነበረ ናይ ካውቦይ ኣገባብ ብዘይፍለ ክታዀስ፡ ፈንጂ ከጻውድ፡ ጦርሰራዊት ክማርኽ ህያው ኮይኑ ተራእዮ። ብዛዕባ ርእሲዓዲ ብዙሕ ይሰምዕ ስለ ዝነበረ ድማ ጕዕዞኡ ናብኡ ምዃኑ ከም ውዱእ ወሲዱ፡ “ካብዚ ጥራይ እውጻእ’ምበር እንተ ደንጐኹ ድሕሪ ሰሙን ኣብ ርእሲዓዲ ኣለኹ። ካብኡ ናብ ሳሕል ምህታፍ ጥራይ’ዩ ዝተርፍ. . .” እናበለ ካብ ሓደ ሓሳብ ናብ ካልእ ሓድሽ ሓሳብ ክናጠር ጸኒሑ ድቃስ መጺኡዎ ብነዊሕ ኣምበሃቘ።

ሃንደበት ማዕጾ ተዃሕኵሐ። ሰለሙን ኣብ ዘለዎ ደረቐ። ሽዑ ዝዅሕኵሕ ሰብ በዓል ደሓን ከም ዘይኮነ ገሚቱ መሬት እኵት በሎ። መኪናኡ ብስቱር ክከታተሉዋ ስለ ዘምሰዩ ንሃብቶም ምራሕ ብምባል ኣገዲዶሞ ይኾኑ ዝብል ሓሳብ ቅጅል በሎ። ገለ ድምጺ ክሰምዕ’ሞ እቲ ነገር ከምኡ እንተኾይኑ ነፍሱ ክወጽእ ተዳለወ። ኣብታ ሓጻር ህሞት ብኸመይ ከምልጥ ከም ዝኽእል ኣበርቲዑ ክሓስብ ጀመረ። ሃብቶም ሽጕጡ ከይሓደገሉ ምኻዱ እናንጸርጸረ፡ እታ እንኮ መፍትሒት ምህዳም ጥራይ’ያ ኣብ ዝብል መደምደምታ በጽሐ።

ኣብ ዓሚቝ ድቃስ ዝጸንሐ ብርሃነ፡ “መን!” በለ ዓይኑ እናሓሰየ።

“ክፈት ኣንተ የፔትሮዶላር ቅጥረኛ!” ዝብል ተሪር ድምጺ ተቓልሐ።

“ነገራቱ ምርዳእ ስኢኑዎ፡ “መኒ’ኻ?” ደገመ ባዕጊጉ ከሎ።

ሰለሙን መስኮት ቍሩብ ፈንቒቑ ብሸነኽ የማን ናብ ዘሎ ድርኵዅት እንተ ጠመተ፡ ሰለስተ ድልዱላት ሰባት ከሕሸዅሽዅ ሰምዖም። ‘ኦሮማይ! ጠፊአ’ ኢሉ ብምሕሳብ፡ ብርሃነ ማዕጾ ከፊቱሎም ናብ ውሽጢ ክኣትዉ ከለዉ ንሱ ኣላታን የብላን በመስኮት ነጢሩ ክሃድም ተዳለወ። ብርግጽ ንዑኡ ዝደልዩ ኣባላት ስለያ ምዃኖም ኣይተጠራጠረን። ይኹን’ምበር ብርሃነ መብራህቲ ክውልዕን እቶም ክዅሕኵሑ ዝጸንሑ ሰባት እናሰሓቑ ክሃድሙን ሓንቲ ኮነ። ብርሃነ ማዕጾ ድሕሪ ምኽፋት፡ “ጽንሑ’ቱም ደቂሰበይቲ! ስድታት! በዓል መን ምዃንኩም ፈሊጠኩም ኣለኹ። ከርናፋት ኣእዱግ! ንዓኻትኩም እንተ ዘይኮይነ ኸኣ ወዲሓለፎም ኣይኮንኩን፡” ብምባል ናይ ዘለዎ ተጻረፈን ተጃህረን። ሰለሙን ነገራቱ ምርዳእ ስኢኑዎ ፈዚዙ ናብ ኣፍደገ ይጥምት ነበረ።

እቶም መንእሰያት ኣብ መርዓ ስዋ ጸጊቦም ስለ ዘምሰዩ፡ “ምን ልታደርግ ነው የኛ ኣንበጣ በሊታ? ችጋራም ትግሬ!” ኢሎም እናሰሓቑ መንገዶም ጸረጉ።

ሰለሙን ኣብታ ሓጻር ህሞት ብዙሕ ምስቅልቅል ዝበለ ሓሳባት ከተኣናግድ ጸኒሑ፡ “ኡፍ ! ተመስገን ኣምላኽ! እንቋዕ ተሃዊኸ ኣይዘለልኩ፡” በለ ብውሽጡ። ቈላሕታኡ ናብ ብርሃነ እናሰደደ፡ “እንታይ ዝኾኑ’ዮም በጃኻ?” ክብል ተወከሶ ከምዛ ብርቱዕ ፍርሒ ውሒጡዎ ዘይጸንሐ።

“ኣንታ ወዲ ካብዚ ናይ ኣስመራ ቶግ ቶግ ንነጀው ድቃስ ለይቲ ስኢንና ኣለና። እንታይ ከም ንገብር ጠፊኡና እዩ ዘሎ። እዞም ጐረባብትና ከም ዝብሉዎ ዓናትር ኢና ዝብሉ ዓዋሉ ናይዚ ዞና እዮም። ክንደይ መዓልቲ ተሓቢእና ተጸቢናዮም ክንዕወተሎም ግን ኣይከኣልናን። ኣብ መንግስቲ ከይንኸሶም ከኣ ዝሰምዓና ኣይንረክብን ኢና ኢልና ትም ኢልና። መንነቶም ከይፈለጥናኸ መን ኢልና ክንከስስ? ሽግር ኢና’ኮ ረኺብና ዘለና!” በለ ተስፋ ብዝቘረጸ ድምጺ።

ሰለሙን ብዝሰምዖ እናተገረመ፡ “ከምዚኸ ኣሎ ድዩ ወደይ? እዚ ገዛውትና ደኣ ሰላም’ንድዩ። ገለ ክትገብር ኣለካ። ከምዚ’ልካ ደኣ ናብራ ዘይኮነ፡” ኢሉዎ ኮበርታኡ ተሸፊኑ ዳግማይ ክድቅስ ፈተነ።

“በንቋሲቶም ትምጻእ! ብእልፊ መዕበያ ዝበደሎም ዓዋሉ ክንህወኽ! ካብ ጥዕምቲ ድቃሰይ ኰሊፎምኒ ይኰለፉ!” እናበለ መብራህቲ ኣጥፊኡ ከም ብሓድሽ ተገምሰሰ። ሰለሙን ልቡ ተረጋጊኡ ክድቅስ ፈተነ። ኣእምሮኡ በቲ ፍሉይ ፍጻሜ ስለ ዘይቀሰነ ግን ሰለም ከየበለ ሰዓት ክልተ ቀረበ። ኣጋ ደርሆ ነቆ ድማ ሕልምን ሃተፍተፍን ዝዓብለሎ ድቃስ ጠለሞ።

ይቕጽል

መበል 55 ክፋል ዝመጽእ ረቡዕ

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleዳስ ሓውያ
Next Article ቤት ማእሰርቲ
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?