Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Tuesday, June 17, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»ልበ ወልድ»ፍቕራዊ ዛንታ ኣብ ምእላሽ

ፍቕራዊ ዛንታ ኣብ ምእላሽ

2
By Mekonnen T. on April 18, 2015 ልበ ወልድ
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ደራሲ፡ ሸሊ ባንክስ
ተርጓሚ፡ ኣማረ ወልደስላሰ

ኣብ ኵርናዕ ሓደ እንዳ ሻሂ፡ ክልተ ሰባት ጥቓ ንጥቓ ተቐሚጦም ከም ዘለዉ ተዓዘብኩ። ኣብ መንጎኦም ባህታ ዘይህብ ጸጥታ ኸም ዝሰፈነ’ውን ተገንብኩ። ርክቦም ከምቲ ዝሓሰቡዎ ኸም ዘይጠዓየ ብቐሊሉ ይስትብሃል።

ሓደኦም ብተደጋጋሚ ዘረባ ይፍልም፡ እቲ ኻልእ ይምልስ። ቍሩብ ጸኒሖም ክልተኦም የስቅጡ።ንኽልተኦም ዘመሳስል ረቛሒ ዘሎ ኣይመስልን።

ንሓድሕዶም ክፋለጡ’ውን ባህጊ ኣየሕደሩን። ኣብ መወዳእታ፡ ‘ምናልባት፡ ዕድል ዘራኸቦም ሰባት እዮም ዝዀኑ!’ ኢለ ብምሕሳብ፡ ዘይክእሎ ዕዮ ገዛ ኽሰርሕ ብምብጋሰይ ኣማረርኩ።

ጽባሕ ዕዮ ገዛ እነረክበሉ መዓልቲ’ዩ። ዛጊት ከኣ ወላ ሓንቲ ምልእቲ ሓሳብ’ውን ኣየካወንኩን።
ስለ ምንታይ እየ ፍቕራዊ ዛንታ ኸዳሉ ዝመረጽኩ፧

ንዘላታ ተወሰኸታ ኸም ዝበሃል፡ ዋጋ ዘህለኽኩዎ ኮረንቲ ዝተጻሕፎ ዕዳ ዝመልክት ቍራጽ ወረቐት ድማ ኣብ ጣውላይ ከም ዘሎ ተገንዘብኩ።

ብዅሉ ምሉ ሓርበተኒ። ኣብ መወዳእታ፡ ቀቢጸ ተስፋ ብዝዓብለሎ ዅነተ-ኣእምሮ ተደፌአ ነታ ኣብ ጥቓይ ዘላ ስልኪ ኣልዒለ ኽዛረብ ጀመርኩ።

“ኣቢጋል፡ መቸም ንስኻ ዛንታት ፍቕሪ ትፈልጥ ኢኻ። ሓገዝካ የድልየኒ ኣሎ።”

“እንታይ ክሕግዘካ፧”

“ፍቕሪ ሓዘል ዛንታ።”

“ብፍቕራዊ ዛንታ እትኣምን ኣይመሰለንን።”

“ሎሚ ኣሚነ ኣለኹ። ጽባሕ’ውን ከምኡ። ብውሑዱ ኽሳዕ ሰዓት ሓሙሽተ ድሕሪ ቐትሪ ኽግደስ እየ። ጽባሕ ዘረክቦ ዕዮ ገዛ ረኺበ ኣለኹ።”

“እንታይ ኢኻ ትጽሕፍ ዘለኻ፧”

“እኩባት ፍቕራዊ ሓጸርቲ ዛንታታት ኣብ ዘለዎ ዕዮ ኸበርክት ተሓቲተ ኣለኹ። ሕራይ ክብል እኳ ኣይነበረንን፡ ግን ክሕተም እዩ ዝብል ተስፋ እንተ ተዋሂቡ ኽትልእኽ ትድረኽ ኢኻ።”

“እንኳዕ ደስ በለካ! ፍረ ጻማኻ ምርካብ ክትጅምር ኢኻ።”
“የቐንየለይ፡ ኣይትርሰን ግን። ነዚ ዛንታዚ ንምጽሓፍ መበገሲ ኸድልየኒ እዩ። ነዚ እየ ደዊለልካ። ፍቕራዊ ዛንታ ምስ ዘለዎም ሰባት ስለ ትውዕል፡ ተመኵሮኻ ኽተካፍለኒን ሓሳብ ክረክብን እየ ደልየ።”
“ልዕሊ እዚ ትብሎ ዘለኻ ኽገብረልካ እኽእል እየ። ቅድሚ ኽልተ መዓልቲ፡ ካብ ኵሉ ዝበለጸ ፍቕራዊ ዛንታ ሰሚዐ ኣለኹ። እዚ ዛንታዚ እንተ ዘይጠቒሙካ፡ ካልእ ክጠቕመካ ኣይክእልን።”
“ቅድሚ ሓያሎ ዓመታት እዩ። ኤድዋርድ ዝስሙ ሰብኣይ፡ ቻርሎተ ንዝተባህለት ሰበይቲ፡ ኣብ ማዳ ስጋ ጠቢሶም ምስ ዝምገቡ ተቐማጦ ሓንቲ ሓውሲ ኸተማ ረኸባ። ቻርሎተ ኣብ ከተማ እያ ዓብያ።”
“ቻርሎተ ኻብ ግዜ ቝልዕነታ ጀሚራ፡ ኵሉ መዓልቲ፡ ሓያሎ እንስሳ ዘቤት ዝረብሑሉ ገፊሕ መካብብያን ዓቢ መንበሪ ገዛን ክትውንን ትሓልም ነበረት። መምህር ክትከውን ስልጢና ብዲግሪ ምስ ተመረቐት ድማ፡ ሃገራዊ ግቡኣ ኽተማልእ፡ ንስድራኣን ኣዕሩኽታን ተሰናቢታ ኣቕሑታ ብምጥርናፍ ወፈረት። ስድራኣን ኣዕሩኽታን ከምኡ ዓይነት ዕላማ ኸም ዝነበራ ኣይፈለጡን። ብኡንብኡ ድማ መኪናኣ እናዘወረት ናብ ምዕራብ ገጻ ተጓዕዘት።”
“ካብ ከተማ ብዝረሓቐት፡ እናተሓጐሰት ተጓዕዘት። ነቲ ኽትነብረሉ መጺኣ ዘላ ምስ ረኣየት ከኣ ብስምዒት ኣጣቕዐት። እቲ ገዛ ኸምቲ እትሓልሞ እኳ እንተ ዘይኰነ፡ መጠነኛ ግፍሒን ቀጽሪን ግን ነበሮ። ቻርሎተ፡ ኣብቲ ገዛ ምንባር ብዝጀመረት ኣዕሩኽ ክተጥሪ ፈለመት። ሓደ ኻብቶም ኣዕሩኻ እዚ ኣብ ማዳ ዝጥበስ ስጋ ዘዳለወን ዝዓደማን እዩ።”
“ኤድዋርድ ናብቲ እንግዶት ደንጒዩ እዩ መጺኡ። ንሱ ንጉሆ ዅዕሶ ኽጻወት ምስ ወጸ፡ ብኡ ኣቢሉ፡ ምስ ደቂ ጋንታኡ ቢራ ምእንቲ ኽሰቲ ተኣልየ። ናብቲ ኣብ ደገ ዝተገብረ እንግዶት ክኸይድ ኣይደለየን። እንዳ ሓዉ ሰለ ዝዀነ ግን ክተርፍ ኣይከኣለን።”
ደንጒዩ ኣብቲ ድግስ ዝተጸንበረ ኤድዋርድ፡ ንቻርሎተ ረኣያ። ብኡንብኡ ድማ ትርግታ ልቡ ናህሪ ኽትውስኽ ከላ ተፈለጦ። ኣብታ ዕለትቲኣ፡ ብቝልጡፍ ምስኣ ተላልዩ፡ ካብኣ ኸይተፈልየ ኣብ ጐና ወዓለ። ቻርሎተ፡ ገዚፍ ገዛ፡ ዓቢ ቐጽሪን ሓያሎ እንስሳ ዘቤትን ምውናን ኣብ ሕልማ ኸም ዝመጻ ነገረቶ። ነዚ ሕልሚዚ ዝሰምዐ ኤድዋርድ ዝደለየቶ ኸማልአላ ብምስጢር ተመባጽዐ።”
“ኤድዋርድ ግዜ ኣይወሰደን። ንጽባሒቱ፡ ወለዱ ቕድሚ ሽዱሽተ ወርሒ ኣብ ዝመቐሉዎ ቦታ ገዛ ኽሃንጽ ጀመረ። ዛጊት፡ ተርባጽ ይዅን ታህዋኽ ከየርኣየ፡ አርክበሉ እየ እናበለ ቐሲኑ እኳ እንተ ጸንሐ፡ ኣብ ሽዑ በጺሑ ግን ብዛዕባኡ ጥራይ ምሕሳብ ኣዘውተረ።”
“ንሱ፡ ነቲ ኣብ ደገ ኣብ ዝተገብረ እንግዶት ካብ ቻርሎተ ንዝሰምዖ ብምሉኡ ብጽሑፍ ኣስፊሩ ተንቀሳቐሰ። ብዅሉ ምሉ ኸምታ ዝበለቶ ገይሩ ኽሰርሖ ድማ ወጠነ። ካብ ማዕጾ ገዛ ናብቲ ቐጽሪ ልዳት ዝወስድ መንገዲ’ውን እንተ ዀነ፡ ከምቲ ንሳ እትደልዮ ዓይነት ገይሩ ኽሰርሖ ተበገሰ።”
“ነቲ ገዛ ቐስ ብቐስ ክሃንጾ ጀመረ። ኣብ ሓደ ግዜ ሓደ ምስማር ኣብ ሓደ ሉሕ እናረቅዐ ስራሑ ኣሰላሰለ። ብኸምዚ፡ ቀትሪ ስራሑ ምስ ወድአን ጸሓይ ምስ ዓረበትን፡ ብሓፈሻ፡ ኣብ መዓልቲ ንኽልተ ሰዓት እናዓየየ ነቲ ገዛ ዛዘሞ። ኣብ መወዳእታ ነፍስ ወከፍ ሰሙን ከኣ ንቻርሎተ ናብ ደገ ወሲዱ ኣዛወራ።”
“ንሳቶም፡ ኣብታ ኸተማ ኣብ ዝርከብ እንኮ ቤት ብልዒ እናኸዱ ተመገቡ። ድሕረኡ ቝሩብ ተዛዊሮም ኣብ ሓንቲ ማይ ዝዓቘረት ስፍራ ኸይዶም ይሕንብሱ። ቻርሎተ፡ ኤድዋርድ እንታይ ይገብረላ ኸም ዘሎ ኣይፈለጠትን። ብኸምዚ ንሽዱሽተ ወርሒ ቐጸሉ። ንሱ፡ ምልእቲ ኸተማ ሚስጢር ምእንቲ ኽትዕቅብ ቃል ኣእትዩዋ ነበረ። ወላ ሓደ ኽልተ ዝዀና ምላቝ ዘረባታት እንተ ኣጋጠማ እቲ ምስጢር ኣይተቓልዐን።”
“ሓደ መዓልቲ፡ እቲ ህንጻ ተዛዘመ። ሓደ ሰሙን ቅድሚ ምዝዛም ህንጻ ኤድዋርድ ናብ ዓቢ ኸተማ ኸይዱ ቐለበት ተማልአ። ሽዑኡ፡ ኣብ ሓደ ሰንበት ንጉሆ ኤድዋርድ ንቻርሎተንን ነታ ቐለበትን ሒዙ ናብቲ ገዛ ብምኻድ ነዘን ክልተ ዳሕረዎት ወፈየላ።”
“ቻርሎተን ነቲ ‘ክምርዓወኪዶ፧’ ዝብል ወኸሳ ኤድዋርድ ብደስታ ተቐበለቶ። ብዘይ ገለ ወዓል ሕደር ከኣ፡ ኣቑሑታ ጠራኒፋ፡ ኣብታ ዕለትቲኣ ናብቲ ገዛ ገዓዘት። እቲ ገዛ ልክዕ ከምቲ ዝሓለመቶ ዓይነት ኰይኑ ረኸበቶ።”
“ብዙሕ ከይደንጐዩ ቓል ኪዳን ኣሰሩ። ነበርቲ እታ ኸተማ ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምእንቲ ኽርከቡ ተዓደሙ። እቲ ድግስ፡ ኣብ ድሕሪ ገዛኦም ኣብ ዝርከብ ሰፊሕ ቀጽሪ ተኻየደ። ቻርሎተን ኤድዋርድን ካብቲ ኸባቢ ኸይተንቀሳቐሱ ተቐመጡ። ንደቆም ኣብኡ ኣዕበዩዩዎም። ደቂ ደቆም ድማ ኣብ ግዜ ትምህርታዊ ዕረፍቲ ናብኡ እናመጹ ግዜኦም ኣሕለፉ።”
“መዓልቱ ዝኣኸለት ኤድዋርድ ቅድሚ ሸሞንተ ወርሒ ኣቢሉ ኻብዛ ዓለም ተፈልየ። ቻርሎተ ግን ገና ብህይወት ትነብር ኣላ። ክሳዕ መወዳእታ ኣብኡ ኸም ትጸንሕ ድማ ውጥን ኣለዋ።
“ከመይ እዩ እዚ ዛንታ፧” ኣቢጋል ሓተተኒ።
“ከምኡ ዓይነት ዛንታ ዲኻ ትደሊ ነይርካ፧” ደጊሙ ሓተተኒ።
“እንታይ ክወጾ! ይበል ዛንታ! ሕጂ፡ መበገሲ ዝዀነኒ ዓቢ ሓሳብ ረኺበ ኣለኹ። ንምዃኑ ነዚ ዛንታዚ ኻበይ ኢኻ ሰሚዕካዮ፧”

“ካብ ኣደ ዓባየይ ቻርሎተ።”
“እንታይ በልካ፧ እሞ ዛንታስ ሓቀኛ እዩ። እነ ደኣ ልብ ወለድ እንድዩ መሲሉኒ።”
“ነፍስ ወከፍ ቃል ሓቂ እዩ። እንኳዕ በል ዝጠቕመካ ዀነ።”
ብኡንብኡ፡ ንእጀታ እታ ስልከይ ኣብ ቦታኣ ኣቐሚጠ፡ ክጽሕፍ ተበገስኩ። ኣይደንጐኹን፡ ነቲ ዝሰማዕኩዎ ፍቕራዊ ዛንታ ኣብ ክልተ ሚእቲ ቓላት ጸሚቘ ዕዮ ገዛይ ኣዳልየ ኣረከብኩ።

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleሮዛን ሰሌን
Next Article ዓጽሚ ከይነቅዕ
Mekonnen T.

Related Posts

ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

November 13, 2020
Read More

ማይ ጸሎት

July 14, 2020
Read More

ኣንቶንዮ

October 29, 2018
Read More

2 Comments

  1. yinabi on July 1, 2015 8:59 am

    great man keep going bro

  2. Abel Bereke on August 24, 2017 1:25 am

    ጽቡቅ ዛንታ

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?