ብሳላ መልሓሱ ዕድሉ ርሒሱ
ፈላጥ እና ተባህለ ንነዊሕ ቀጸለ።
ብግብሪ ኣብ ዕምሪ መርሚሩ ከፍሪ
ብሰሪ ዓቕሚ ተሽምመ ኣብ ወጥሪ።
ከፈልቕ ተረሮ
ንነብሱ ምስ ሊቕ እንተዋዳደሮ
ተሰወጦ ምዃኑ ደንቘሮ
ንምህሮ ብኣንኵሮ ሀ ኢሉ ጀመሮ፣
ምስቶም ተማሃሮ ክስሕል ኣእምሮ
ባዶ ተደመሮ ባዶ
እናበለ ንልቡ ኣበዶ፣
ድሕሪኡ ፍልጠት ገሊሉ ፍልጠት ክነስእ
ፍጹም ጕልበቱ ዘይ ሓብእ
መሃይም ከጥፍእ።
መታን ዓለም ከይትሰግእ፣
ብንቕሓቱ ንነብሱ ገሚቱ
ነብስኻ ምፍላጥ ርእይዎ ዕምቘቱ
ብገዛእ ኣዒንቱ ጠሚቱ ንውሽጡ፣
ሚኪኤል መዓሾ (ወዲ ሮማ)