Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ይኣኽለና 

ይኣኽለና 

0
By Mekonnen T. on April 2, 2015 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ይኣኽለና ሓወይ፡ ወግሐ-ጸብሐ ደብዳበ

ሓንካስ መንካስ ፊደል፡ ብቐለም ‘ተላሕመጠ

እንሀልካ ኣንብቦ፡ ስእሊ ቤትካ፡  ስእሊ ስድራኻ

ኣብ ጻዕዳ ወረቐት፡ ርአ ጉራምራ፡ ናይ ኣነባብራ!

ኣስተውዕል ኣብል’ሞ፡ ቀደም እናዘከርካ፡  ጠምታ ኣደኻ

 ጐላጉል  ናይ ማዳ፡ ከም ጸሊም ነጸላ፡ ተሰጢሑ ኣብ ገጻ!

ነብሳ ረሲዓ’ላ፡ “’ዞም ደቀይ” እናበለት፡ ከተካውን ናብራ

ሓሳብ ከኣ ኣለዋ፡ ከም ከቢድ ጾር፡ ረሸሽ ዘብላ!

 ከምኡ እዩ በል ናብራና፡ ከም’ቲ ኣብ ስእሊ ዘሎ

እጉድ ኢልና ንተኣኻኸል፡ ምስ ግዜ ንመሓዞ

ንተሓቋቐፍ ንጣበቕ፡ ትንፋስ ንቀባበል፡ ፈውሲ ቑሪ

ንተሓላሎ ንእርነብ፡ ጸሎት ንድሕድሖ፡ ኣብ ክንዲ እኽሊ።

ኣለሊኻዮዶ ኣቦኻ፡ ወይስ ቁሩብ ድንግርግር ኢሉካ?

 እቲ ቀደም’ኳ፡ ብጽላሎቱ እንዲኻ ትፈልዮ ዝነበርካ፡

ኣቕርብ ኣቢልካ ንበቦ’ሞ፡ ኣብ ሰሌዳ ገጹ

ኣብ ዓሰርተ ዓመት፡ ዕስራ ዓመት እዩ ነቢሩ።

 ህጻን ሓፍትኻ’ኳ፡ እታ ሕሳስ ልደ፡ ኣፍ ዘየጽረየት

ዘመን ኣለልያስ፡ ከም ሻሙ ትዓቢ፡ ክሕንቅቕ ዘይበለት።

ወጅህና ግርም እዩ ተሳንዩ ዘሎ፡ ምስ ሰዓትን ዘመንን

ኩሉ ወዮ ምስ ኰነ፡ ስእነትን ቁራቦን።

ትዝክሮዶ’ታ ን’ቦና?

ከም በዓል ዛውያ ፋረ፡ ምስ ምሉእ ግርማኡ

ረዚን ኣንደበቱ፡ ከም ንጉስ ዝኽበር፡ ስድራ ዝግዝኣቱ፡

ተመን ጓሲሱ፡  ምስ ምሉእ ጁባኡ፡ ኩርዕርዕ ኢሉ ዝኣቱ፡

ስድራና ጉጽጉጽ ክትብል፡ ኣዕይንቱ እንተ ኣፍጢጡ!

ሎሚ ደኣ ሓናኽ እንድዩ ዀይኑ፡ ኣዕይንቲ ስድራ ጸሊኡ

ጥምት እንተ ኣቢልካዮ፡  ጥቕስ ኰይኑ መልሱ

አረ ጩራታት ኣዒንቱስ ንቑልቁል እናተተኽላ

መኣትዎ ከም ዝጨነቐን፡ ምድሪ ቤት እየን ዝፍሕራ!

ኣቤት እንተ ትርእዮ፡ ኣብ ማእከል ቤቱ፡  ስቕታኡ ከሰክፍ

ኣብ መንገዲ ኣርባዓ’ሞ፡ ብዓውታ’ዩ ዝልፍልፍ።

ኣስመረት ሓፍትኻ እውን፡ ትምህርቲ ጠንጢና፡ ወጺኣ’ያ ግዳም

እንጌራ ትምእርር፡ ኣጓብዝ ድማ ይጓየዩ ክብሉላ ዳምዳም!

ግናስ፡ መዓስ’ሞ  ንበይና  ዀይና ናብ ሽቕለት ትወፍር

ቀልብታትና ምስኣ ይነቅል፡ ትሽቕል ውዒልና፡ ትሽቕል ንሓድር።

ኣቦይ ከኣ

“ኣስመረት ጓለይ. . . ገለዶ. . .” በቃ፡ ሽቑርር ይብል ዘረባኡ ከይመልአ

ነብሱ እናወደአ፡ ቅርሺ ወዲ ቅርሺ ካብ ጓሉ እንተ ረኸበ!

ሰብኣይ ምዃን ተቐቢጹዎ፡ “እንደሊኡ” ኢሉ፡ ትም እዩ ዝብል፡

ሹም ምዃን ምስ ገደፎስ፡ ንጉስና ቀቢጽና፡ ነነብስና ንእድብ፡

ግርም ገይርካ ደኣ  ጠምቶ፡ እነሀልካ ባዕሉ፡ እነሀልካ ምስሉ

ኣብ’ዚ እውን ከምኡ እዩ ዘሎ፡ ከም’ታ ዝረኣኻዮ ኣብ ስእሉ

ባህ ንኽብለካ ኢሉ እዩ’ሞ፡ ፍሽኽ ኢሉ ዘሎ

ላዕሊ-ላዕሊ ገዲፍካስ፡ ግልህልህ ደኣ ኣብሎ!

ከይትሻቐል ከኣ ሳራ ሓፍትኻ፡ ኣብ ስእሊ ስድራና ብዘይምህላዋ

“እንታይ ክረኣየሉ፡ ‘ንታይ ክሰኣለሉ” ኢላ ዕጭ ሓንፊፋ።

ኣቦኻን ኣደኻን፡ ጸሎቶም የብጽሑ፡  ናብ ክልተ ሰማዕቲ

ገሊኡ ናብ ላዕሊ – ናብ ፈጣሪ፡ ገሊኡ ናብ ስግር ባሕሪ

ከም መልኣኽ ገዛና፡ ጸጽባሕ የልዕሉኻ፡ ምስ ኣቦይ እዝጊ!

ከላ በል እንድዕሉ፡ ንሕናስ ክኢልና ኣይንዛረቦን!

ደጊም ደብዳቤ ኣይትጸበ፡ ወረቐት ዝብሎ የብሉን

እንሀልካ ስእሊ፡ እንሀለካ ምስሊ፡ ተዀይጡ ኣብ ዘበኑ

ኣዕይንቲ እናተነጽጋዶ፡ ብመልሓስ ይውርዘ ዀይኑ!

ናተይ ከኣ ክነግረካ እቲ ዘለኹዎ፡ ኣይ ረጊአ ኣይ ነቒለ

ስቕታ ኣቦን ኣደን እጸናጸን፡ ከም ሰበይ ልሳነይ ለጊመ

እንሓንሳብ ብዘይድምጺ “ሃጽ በል” ክብሉኒ እሰምዖም

እንሓንሳብ ከኣ “ኣይትግደፈና” ዝብል ምሕጽንታኦም!

አቋምተካ ኣብ ክልተ ኣንፈት፡ ኣብ ዓድን ስደትን ተገቲረ

ኣይፍለጥን እዩ’ሞ፡ ወስ እንተ በልካስ ገለ ምገበርኩ ኢለ።

ይኣኽለና በል በቃ

ይትረፈካ እቲ ጽሑፍ፡ ኣብ ኢድካ እንከሎ፡ ስእሊ ናይ ስድራ

ዝገበርካ ክትገብርሲ፡ ኣብኡ ኣለካ ዘረባ፡ ኣብኡ ኣለካ ዛንታ!

ደሓን ኩን ዝሓወይ፡ “ሰላም” ከኣ ይብሉኻ፡ ኩላቶም ስድራና

ደብዳበስ ይትረፍ ደሓን፡ ከመይ ከም ዘለኻ፡ ስእሊ ስደደልና።

888

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleጠዓሞት፡ ቢንያም “ናይ ሎምዘበን መገሻ እንታይ’ዩ ቁንቁኛኣ᎒”
Next Article ሳላ ኣበራትና
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?