Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ጠዓሞት፡ ቢንያም “ናይ ሎምዘበን መገሻ እንታይ’ዩ ቁንቁኛኣ᎒”

ጠዓሞት፡ ቢንያም “ናይ ሎምዘበን መገሻ እንታይ’ዩ ቁንቁኛኣ᎒”

0
By Mekonnen T. on April 1, 2015 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

መበል 23 ክፋል

ሲራክ ከይደቀሰ’ዩ ሓዲሩ ‘መስለኒ ኣንጊሁ’ዩ ገዛ መጽዩ። ኣንጊሁ ናይ ሱዳን ኣቕቲሩ ናይ ኤርትራ’ዩ።  ኣብ ሱዳን ሰዓት 9፡00 ማለት ዳርጋ ደርሆ ኖቆ’ዩ ኣብ ኤርትራ። ኩሉ ምንቅስቓስ  እታ ከተማ ድሕሪ ሰዓት ዓሰርተ ኣቢሉ’ዩ ዝጅምር። ሲራክ ገንዘቡ ከም ዝወደኦ ኣጸቢቐ ኣረጋገጽኩ። ንሱ ሒዙዎ ዝመጸ ምኽኒት ደርሆ ጻሕቲራ ትፈልጦ ምስጢር’ዩ። ከም ኣባሃህልኡ ድማ እቲ ከሰላ ዘእተወና ኣባል ስለያ ሱዳን ወይ ከኣ ኣንሚ ገንዘብ ወስኽ እናበለ ከም ዝረበሾ’ዩ። ምስቲ ኣባል ስለያ ሱዳን ስምምዕና ካብ ኣበሩፍ ናብ ከሰላ ከእትወና’ዩ ኔሩ። ኣእትዩና ገንዘቡ ከኣ ወሲዱ’ዩ። ከም ወዮ ገንዘብ ዓላ ንዔላ ዝበሃል ገንዘብ ኣሰጋገርቲ ስገረዶብ’ውን ንግዚያዊ ሓጎስን ፈንጠዝያን’ዩ ዝውዕል እምበር ብዙሕ ቁመነገር ኣይግበሮን’ዩ። ብዝኾነ ክኸደለይ ክብል ሓደ ምኽኒት ሂበ’የ ኣፋንየዮ። ኣብቲ ሽዑ ገንዘብ ከም ዘይብለይ ኣሜሪካ ምስኣተኹ ግን ክሰደሉ ከም ዝኾንኩ’የ ኣእሚነዮ። ብውሽጠይ ግን ዋላ ሰሊጡኒ እንተኸይደ እሞ ኣብ ሰልዲ ምሳድድ እንተበጺሐ ከም ዘይሰደሉ’የ ዝፈልጥ ኔረ።

ንሲራክ ምስ ኣፋኒና ሰብኣይ ሓፍቱ ንዑቕባይ እቲ ብስሙ ዝተቐበሎ ካብ ሓወይ ዝመጸ ገንዘብ ካብ ዌስተርን ዩንዮን ኣውጺኡ ስለዘረከበና ንሙስጠፋ ንምርካብ ናብ ዲኤም ዝበሃል ቦታ ክንከይድ ኔሩና። ካብ ዲኤም’ውን ናብ ካልእ ቦታ ኢና ክንከይድ። እቲ ወዲ ዝነበረሉ ቦታ ኣዚዩ ርሑቕ’ዩ። እቲ ኣብ ኣስመራ ዲቪ ምስ በጽሓኒ ነቲ ፎርም ታይፕ ጌሩ ናብ ኤምባሲ ኣሜሪካ ዘፋነወኒ ወዲ ሙስጦፋ’ዩ ስሙ ኔሩ። እዚ ናይ ሕጂ ናይ መውጽኢ ቪዛ ዘሳልጥ ከኣ ምስጦፋ’ዩ ስሙ እቲ ስራሕ ምምስሳል ኣስማቶምን ገረመኒ። ኣብ ካርቱም ናብቲ እንዳ ኢምግረሽን ሱዳን ኣትዮም ዝሳልጡ ኤርትራውያን ውሑዳት’ዮም። ዝኾነ ናብ ዱባይ፡ ናብ ቱርኪ ወይ ካልእ ዝገይሽ ኤርትራዊ “መን’ዩ ዘሳልጠልካ  ዘሎ ኩስቶ ድዩ ንሱ ደኣ ስሱዕ’ዩ እምበር ንፉዕ’ዩ ስርሑ ጽፉፍ’ዩ፡ ኩስቶ ድዩ እዉይ ናቱስ ምስ ሞትካ’ዩ ክድንጉ መዓት’ዩ” ወዘተ ዝብል ዕላል ዝዕለሎም ደላሎ’ዮም። ምስጦፋ ኣቐዲሙ ንዑቕባይ ናብ ገለ ሃገር ከሳልጠልካ ኢሉ ዝወሰደሉ ገንዘብ ኔሩ።  እቲ ወረቐት ስለዘይሰለጠ  ከኣ ገንዘቡ ክመልሰሉ ይግባእ ኔሩ። እንተኾነ ብሎሚ ጽባሕ ኮለል እናበሎ እንከሎ’የ ኣነ መጽየ። ዑቕባይ ብስራሕ ምስጦፋ ይተኣማመን’ዩ። እንተ እቲ ስስዐ  ከም ዘለዎ ግን  ይኣምን’ዩ።

ምስጦፋ ኣብታ ንእሽቶ ጸባብ ክፍሉ ንበይኑ’ዩ ጸኒሑና። ጽሩይ ጻዕዳ ጀለብያ ምስ ሰንደል ጫማ ተኸዲኑ ኣብታ ናይ ጎማ መንበሩ ኮፍ ኢሉ ሽጋራ የትክኽ ነበረ። ንብረቱ ብወጃሃላይ ኣተሓሕዛ ከም ዝሕዞ ገና እትው ክትብል እንከለኻ’ዩ ዝርደኣካ። ኣብ ትሕቲ ዓራት ዝተቐመጠ ሓደ ሰለስተ ቅያር ጫማ፡ ኣብ መንደቕ ኣብ ዕብይ ዝበለ ምስማር ዝተንጠልጠለ ጃኬት፡ ኣብ ጣውላ ዛሕ ዝበለ ካርታታት ገለ ካብቲ ብግቡእ ዘይተቐመጠ ንብረት’ዩ። ዑቕባይ ኣቐዲሙ ኣብ ተሌፎን ነጊሩዎ ስለዝነበረ ናብ ኣሜርካ ዘእቱ ቪዛ ከም ዝሓዝኩ ምስጦፋ ፈሊጡ ኔሩ’ዩ። ናብ ገዝኡ እትው ምስ በልና ከኣ

“እዚ ዲዩ እቲ ወዲ᎒ ማሻላህ ዕድለኛ ኢኻ፡ ሰበይተይ ምስ ሓንቲ ጓለይ ኣብ ቴክሳስ’ያ ዘላ” በለኒ ንሰላምታ ኢዱ እናሰደደ። ኣልቡም ስሒቡ ከቐብለኒ ኣይደንጎየን።

“እዚኣ’ያ በዓልቲ ቤተይ ናብ ኣሜሪካ ካብ ትኸይድ ሰለስተ ዓመታ ጌራ’ላ። ኣነ’ውን ሕጂስ ከሳልጥ’የ እናተቐራረብኩ’የ”  በለኒ ናብ ስእሊ በዓልቲ ቤቱ እናመልከተ። ቴክስሳ ከመይ ዝበለ ከተማ ከም ዝኾነ ብዓይነይ ክስእሎ ኣይከኣልኩን። ቴክሳስ ክለዓል እንከሎ ኣቦታትና ዝኽደንዎ ባርኔጣ ዝመስል ቆብዕ፡ ወይ ኣብ ኣስመራ ዝነበረ እንዳ ቴክሳስ ዝበሃል መዘናግዒ’ዩ ዝረኣየኒ። ካብኡ ሓሊፉ ቴክሳስ ክፍለ ግዝኣት ድዩ ከተማ ኣምር ኣይነበረንን። ከም ሓቂ ከኣ እተን ዝያዳ ዝጥቀሳ ከተማታት ኣብ ቴክሳስ ብጀካ ዳላስ ብዙሕ ይስምዕ ኣይነበርኩን።  ከምዚ ሕጂ እንተዝኸውን

“ኣብ ቴክሳስ ደኣ ኣበይ ከተማ᎒ ሳንታኣንቶንዮ፡ ዳላስ፡ ዋላ ሂዩስቶ ወይስ ኣብ ካልእ᎒” ኢለ ምሓተትኩዎ።

ድሕሪ ቁሩብ ዕላል ዑቕባይ ነታ ኣብ ጅቡኡ ሒዙዋ ዝነበረ ፓስፓርተይ ኣውጺኡ ንምስጦፋ ኣረከቦ። እታ ናብ ኣመሪካ መእተዊ ቪዛ ካብ ዝህረመላ ክሳብ ካርቱም ካብ ኢደይ ዘይተፈልየት ፓስፓርተይ ምስጦፋ ክረከባ እንከሎ ኣብ ክንዲ ዝሕጎስ ዓይነይ ጽልምትምት በለኒ። ነብሰይ ከኣ ባዶ ኮይኑ ተሰማዓኒ። ህይወተይ ኣብታ ፓስፓርት’ዩ ዝምርኮስ ኔሩ፡ ንሳ እንተዘየላ እዚ ኩሉ ድኻምን  ናይ ግዜን ገንዘብን መስዋእቲ ከንቱ ክኸውን’ዩ። ሳዕቤኑ ከኣ ብቐሊል ዝግመት ኣይከውንን።  ዑቕባይ በጀካ እታ ፓስፓርት ንመሳለጢ ዝኸውን 500 ዶላር ከኣ ሃቦ። ምስጦፋ ነተን ገንዘብ ምስ ተቐበለ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልታት ወዲኡ ከምጻኣልና ከም ዝኾነ ሓበረና። ብድሕሪ ገንዘብን ፓስፖርትን ምሃብ ኣብቲ ገዛ ዘጽንሕ ጉዳይ ስለዘይነበረና ደሓን ሕደር ኢልናዮ ናብ ገዛና ኣምራሕና።

ክልተ ምኒባስን ክልተ ራግሻን ወሲድና ኢና ገዛና ክንምለስ። በዚ ድማ ፈለማ ናብቲ ቀንዲ ጎደና ተእትወና ራግሻ ወሰድና። ካብኡ ናብ ሚኒባስ ምጽባይ ኮይኑ ሚኒባስ ምስ መጸትልና ናብ ሱግ ኣሻዓብ ዝርከብ መናሃርያ ምኒባሳት ከድና። እተን ምኒባሳት ነናብ ዝኸዳሉ ከባቢ ጹሑፍ ኣለወን። በዚ መሰረት ናብ ሰሓፋ ዘለጥ ትወስድ ሚንባስ ሒዝና ናብ ሰሓፋ ኣምራሕና። ኣብ ሰሓፋ ኣብቲ ቀንዲ ጎደና ወሪድና ድማ ናብ ገዛና ተብጻሓና ራግሻ ደው ኣቢልና ተሰቒልና ኣብ ጥቓ ገዛና ወረድና።

ናብ ገዛ ብዝተሰላቸወ ድኹም መንፈስ’የ በጺሐ። ዑቕባይ ካርቱም ካብ ዝኣቱ ከምኡ ኮይነ ርእዩኒ ኣይፈልጥን’ዩ ኔሩ። ኩነታተይ ስለዝተረደኦ ከኣ

“ሞኬ እንታይ ደኣ ዝን ኢልካ ᎒” በለኒ

“እንድዒ ነዛ ፓስፓርት ከምዛ ዋዛ ኣረክብ ኣቢልናዮ መጺና፡ ኣሜሪካ ክኸደላ እንተፈቲኑስ ኣበይዶ ክንፈልጥ ኢና᎒” ስክፍታይ ገለጽኩሉ

“ኬድ ኬድ ከምኡ ኣይገብሩን’ዮም በዚስ ተኣማመን ናይ ገንዘብ ስስዐ ደኣ ኣለዎም እምበር ከምኡስ ኣጆኻ” በለኒ።

እቲ ኩነታት ፍርሐይ ንሓደ  ቺካጎ ዝበሃል ኣብ ከተማ ዓዲ ቐይሕ ዝነብር ዝነበረ ምልኩዕ ጎበዝ’ዩ ኣዘኪሩኒ። ቺካጎ  ኣብ መወዳእታ 80ታት ከምቲ ዝብሎ ካብ ኣሜርካ ናብ ሱዳን ክምርዖ ኢሉ ምስ ከደ እቶም ዝኣትዎም እንዳቤተሰቡ ገዛ ቀይሮም ስለዝጸንሕዎ ነቲ ንብረቱ ኣብ ጎረቤት ገዲፉ ገዛ እንዳቤተሰቡ ክደሊ ኮለል ክብል ድሕሪ ምውዓል ኣማስይኡ ገዛ እንዳቤተሰቡ ረኺቡዎ ናብቲ ንብረቱ ዘቐመጠሉ ቦታ እንተተመልሰ ንብረት ኣቐምጡለይ ዝብሎም ሰብኣይን ሰበይትን ኤርትራውያን ነቲ ንብረት ሒዞም ካብቲ ቦታ ተኣልዮም ጸንሕዎ። ቺካጎ ኣብ ኢዱ ዝነበራ ኣብ ናይ ሽጋራ ባኮ ዝሓበአን 10,000 ዶላር ገዲፍካ ንብረቱ ገንዝቡ፡ፓስፓርቱን ካልእ ወረቓቕቱን በቶም ሰባት ተወሲዱ ጸንሖ። ንሱ ዕብድብ ኢሉ ነቶም ሰባት ከትሕዞም ኮለል ኢሉ ክሰልጦ ስለዘይከኣለ ናብ ሕማምን ጭንቀትን ኣድሃበሉ። ድሒሩ ዝበጽሖ ወረ  እቲ ኤርትራዊ ነታ ፓስፓርት ኣሜሪካ ኣትዩላ ዝብል’ዩ። ብዝኾነ ቺካጎ ብሓገዝ ስድራቤት ናብ ስዑድያ ኣትዩ ኣብ ስዑድያ ቁሩብ ዓመት ተቐሚጡ ነቲ ዓዲ ስለዘይፈተዎ ናብ ኤርትራ ሃገሩ ተመልሰ። ቺካጎ ካብ ፈለማ’ዩ ዘይቀንዖ። ኣብ ኣሜሪካ እንከሎ ካብ ሓንቲ ጓል ኣባት ኣሜሪካዊት (ማለት ሬድ ኢንድያን ወይ ነቲቭ) ክልተ ቆልዓ ወሊዱ ኔሩ። እታ ዝወለደላ ኣሜሪካዊት ክልተ ደቃ ሒዛ ካብኡ ስለዝጠፍ አት ኩነታት ድቁን ኣበይ ከም ዘየለዉ ኣይፈልጥን ነበረ።

ኣብ ሱዳን ብዛዕባ ጥልመትን ምስናዕን ፓስፕርት ብዙሕ ዕላል’ዩ ዝዕለል። ገለ ፓስፓርት ዝተሰርቆም ወይ ካልእ ሽግር ዘጋጠሞም’ውን ኣብ እምዱርማን ካብ ቢንቶ ጸዲፎም ህይወቶም ዘሕለፉ ነበሩ። እዚ ግን ናይ 80ታት ወይ 90ታት’ዩ ዝኸውን እምበር ኣብ 2000 ስ ይትረፍ ፓስፓርት ክትስንዕ በታ ዘይተሰነዐት ንምእታው’ውን ክንደይ መስናኽል ኢኻ ትሓልፍ።

ንሰንበቱ ናብ ቤተ ክርስትያን ከድና። ኣብ ኣፍደገ ናይቲ ቤተ ክርስትያን ገፊሕ ዕዳጋ ስለዝነበረ ካብኡ በርበረ፡ ሽሮ፡ ክዳንውቲ ሓበሻ፡ ንባህሊ ኢትዮጵያ፡ ኤርትራ ሱዳን ዘንጸባርቕ በቢ ዓይነቱ ቅዲ ዘለዎ ቅርጻ ቅርጺ ኣብኡ ስለዝርከብ ካብኡ ዘድልየኒ ነገር ንምግዛእ’ዩ። ቅድሚኡ ግን እቲ ቦታ ክርእዮ ስለዘለኒ ከም ቀደመና ክልተ ምኒባሳት ቀያይርና ኣብቲ ቦታ ተረኸብና። እቲ ቤተ ክርስትያን ረሲዔዮ ኣለኹ እምበር እንዳመድሃኒኣለም ወይ እንዳ ቁዱስ ሚካኤል’ዩ። ኣቕቲርና ስለዝኸድና ቅዳሴ ተወዲኡ ሰብ ኣብ ቅድሚ እቲ ቤተ ክርስትያን ኣብ ዝርከብ ናብ ዕዳጋ ዝተቐየረ ቦታ’ዩ ፋሕ ኢሉ’ዩ ጸኒሑና። ዝቕጥቅጡን ዝብይዱን ስለዘይነበሩዎ እምበር መደበር ዘዘኻኽር ቦታ’ዩ። ሓያሎ ነጋዶ በብዓይነቱ ክዳውንቲ ዘርጊሖም ይሸጡ። ኣብ ገለ በርበረ በቢኪሎ ተፈልዩ ይሽየጥ፡ ሽሮ፡ ጥሕኒ፡ መስቀል፡ መቑጸርያ፡ ስፈ፡ በቢዓይነቱ ቅርጻ ቅርጺ ዛሕ ኢሉ ንመሸጣ ድሉው ነበረ። ኣብቲ ዕዳጋ ዝነበሩ ኤትራውያን ስደተኛታት ብውሕዱ ክሳብ 500 ዝኾኑ መብዛሕትኦም መንእስያት’ዮም። ሓደ ሓደ ኣዴታት ጸጸኒሐ ይርኢ ነበርኩ። ቆልዑ’ውን ብዙሓት ክበሃሉ ኣይክእሉን ካብ’ተን ዓበይቲ ኣዴታት ዝበዝሑ ኣይነበሩን።

ብጀካ እቲ እንዳ ክዳንውቲ፡ በርበረን ካልእን ዝሽየጠሉ ቦታ ኣብ ሓደ ክልተ ቦታታት መጻሕፍቲ’ውን ማእለያ ዘይብሉ’ዩ ተዘርጊሑ ኔሩ። ሓደ ክልተ መጽሓፍ ክገዝእ ኢለ ወስ እንተበልኩ እታ ዝሓሰረት ንእሽቶ ናይ ግጥሚ መጽሓፍ ብሕሳብ ናቕፋ 80 ወይ 100 ትሽየጥ ነበረት። ዝተረፈ ልበወለዳትን ካልእ ዓበይቲ መጻሕፍትን ካብ 200 ንላዕሊ’ዩ ኔሩ። ይፍታሓላ ተጓዓዛይ’የ ኣብ ዝሓሰብኩዎ ኣይበጻሕኩን በልኩዋ ንነብሰይ።

መንእሰያት ኣዋልድን ኣዋዳት ገለን ብጉጅለ ገለን በቢ ክልተ ደው ኢሎም ከዕልሉ ክስሕቁ ይረኣዩ ነበሩ። ገለ ከምዚ ከማይ ሓደስቲ ክኾኑ ከም ዝኽእሉ እናገመትኩ ኣብ ቅድመይ ካባይ ርሕቕ ኢሎም ሓደ ኣርባዕተ ዝኾኑ ኣወዳት ምስ ክልተ ኣዋልድ ደው ኢሎም ረኣኹ። መንገደይ ናብኦም ገጽ ስለዝነበረ እናቐረብኩዎም ምስ ከድኩ ሓደ ካብኦም ፍሽኽ ክብልኒ ተዓዘብኩ። ፈለማ ናይ ኣጋጣሚ መሲሉኒ ሸለል ክብሎ ሓሲበ ኔረ እንተኾነ ፍሽኽ ምባሉ ስለዘየቋረጸ እፈልጦ ከይከውን ካብ ዝብል ሓሳብ ኣጸቢቐ ክርእዮ ተገደድኩ። ንፋለጥ ኢና። ቀዲሙኒ ድዩ ቀዲመዮ ናብ ሱዳን መጽየ እምበር ኣብ ኣስመራ ኢና ንፋለጥ። ንሕልና ዕረፍቲ ዝህብ ዜና’የ ዝርኢ ኔረ። ሄኖክ ዝበሃል ቆማት ቀይሕ መንእሰይ እዩ። እቲ’ኳ ኣብ ኣስመራ ኣብ ኤምባሲ ኣሜሪካ ምሳይ ቪዛ ዝተዋህበን ኣብ ሆስፒታል ኦሮታ ናባይ ገጹ ክመጽእ ርእየዮ ገጽ ዝኸላእኩዎን መንእሰይ። ከሰላ ምስ ኣተኹ ካብቶም ዝዝክሮምን ዝረኣዩንን ኣወዳት’ዩ ኔሩ። ክሳብ ቪዛ ዝወሃብ በጺሑ ኣብ መንገዲ ክጎናደብ ይደልዮ ኣይነበርኩን። ግን ከኣ ስለዘይፈልጦ ክኣምኖ ስለዘይከኣልኩ ምሳይ ንዓናይ ክብሎ ኣይደፈርኩን። ምስ ሄኖክ ምስ ተሰዓዓምና ሓደ ዳኒኤል ዝበሃል መማጽእቱ’ውን ሓቑፉ ተሰዓመኒ። ክልቲኦም ብሓደ’ዮም መጽዮም። ንዳኒኤል ኣብቲ ኤምባሲ ኣየስተብሃልኩሉን ኔረ እምበር ንሱ’ውን ምሳና’ዩ ዲቪ በጺሑዎ ቪዛ ወሲዱ’ዩ።

“ዎው ደስ ዝብል ነገር’ዩ ዝገርመካ ኩሉ ግዜ ኢና ብኣኻ ንሓስብ ኔርና፡ ካብታ ቪዛ ዝተዋሃብናላ ክሳብ ሱዳን ንኣቱ ዋይ እቲ ኣቦ ስድራስ ሱዳን ኣትዩዶ ይኸውን ኢና ንብል ኔርና” በለኒ ሄኖክ ምስ ስድራይ ናብቲ ኤምባሲ ክመላለስ ስለዝረኣየኒ በዓል ሓዳር ከም ዝኮንኩ ጽቡቕ ጌሩ’ዩ ዝፈልጥ።

ኣነውን “ንዳኒኤል ኣይፈለጥኩዎን ኔረ ንዓኻ ግን ወትሩ’የ ዝዝክረካ ብፍላይ ካብ ተሰነይ ከሰላ ክሳብ ንኣቱ ኣብቲ ጉዕዞ ሰብ ምውሳኽ ጸገም ከም ዘይምጽእ ምስ ረኣኹዎ ብኻ ነዚ ወዲ ሓቲተዮ ኢለ ይጠዓስ ኔረ።”

“ገጽ እንዲኻ ከሊእካኒ እምበር ኣነስ ኣብታ ሆስፒታል ምስ ረኣኹኻ ክሓተካ ሓሲበ ኔረ። እቲ ዘስገረና ወዲ ሳልሳይ ሰብ ርኸቡለይ ስለዝበለና ክንሓተካ ሓሲብና ኔርና”  ሄኖክ ብዛዕባ እቲ ዝነበረ ኩነታት ገለጸለይ

“ኣነ ከኣ ዝገርመካ እቲ ዘስገረኒ ወዲ ካልእ ሰብ ኣምጻኣለይ ኢሉኒ ክሓተካ ይሓስብ  ኔረ ግን በቃ ኣይገበርኩዎን” በልክዎ።

“መን ኣምጺኡካ᎒” ሓተቱኒ

“ሲራክ ዝበሃል ንእሽቶ ወዲ’ዩ ንዓኹምከ᎒” ንስለ ሕቶ’የምበር ካብ ኣሰጋገርቲ ስሙ ዝፈልጦ’ኳ ኣይነበረኒ።

“ንዓና ኣማን ዝበሃል ሓሪፍ ወዲ’ዩ ኣምጺኡና ብእግርኻ ዲኻ ብመኪና᎒” ሓተቱኒ ሪገኦም

“ኣነስ ብእግረይ’የ ንሱ ከማን መሪሑኒ ዲዩ መሪሐዮ እጠራጠር’የ መንገዲ ብዙሕ ኣይፈልጥን’ዩ” በልክዎም

“ ዎው እንታይ ትብል ንሕና ደኣ ብመኪና እንዲና መጺና በል እዚ ወዲ ከይትገድፎ ከነላልየካ ኢና ስድራኻ ንሱ’ዩ ዘምጻኣልካ” ሄኖክ በይነይ ክሰግር ከም ዝኾንኩ ርግጸኛ ነበረ ምኽንያቱ ቪዛ ንዓይ ጥራሕ ስለዝተዋሃብኩ በይኑ’ዩ ዝሰገር ኢሉ ገሚቱ መስለኒ። ኣነ ንዑቕባይ ንሶም ከኣ ነቶም ምስ ኦም ዝነበሩ ሰባት ደው ስለዘበልናዮም ተሌፎኖም ወሲደ ክድውለሎም ከም ዝኾንኩን ብዛዕባ ኣማን ዝኣክል ሓበሬታ ክህቡኒ ከም ዝደልን ሓቢረዮም ኣብቲ ቦታ ገዲፍናዮም ናብ ካልእና ሰገርና።

ኣብቲ ዓመት ዲቪ ዝበጽሓና ሰባት 830 ክንከውን እንከለና ርግጸኛ እየ እቶም ስሊጡዎም ናብ ሱዳን ይኹን ካልኦት ሃገራት ዝሰገሩ ሰባት ካብ 20 ከም ዘይንበዝሕ። ኤርትራ ካብተ ዓመታዊ ዜግታታ ዲቪ ካብ ዝበጽሖም ሰባት ኣብተን ቀዳሞት 10 ሃገራት’ያ ትምደብ። እቲ ምኽንያት ከኣ ኣብ ኣሜሪካ ውሑዳት ኣህዛብ ዘለውወን ሃገራት ዝበዝሐ ኮታ ስለዝወሃበን’ዩ። ኢትዮጵያ ዓመታዊ 5000 ሰባት ብዲቪ ክትሰድድ እንከላ ብደረጃ ሃገር ግን ኣብ ድሕሪ ኤርትራ’ያ ትስራዕ ምኽንያቱ 800 ካብ 4 ሚልዮን ህዝቢ ምስ 5000 ካብ 70 ሚሊዮን ከተወዳደሮ እንከለኻ ብሚኢታዊት ናይ ኤርትራ ይበዝሕ። እቲ መስርሕ ሰሊጡ ናብ ኣሜርካ ብዲቪ ዝኣትው ኤርትራውያን እንተረኢናዮ  ግን ኤርትራ ኣብ መወዳእታ ምስተሰርዐት።

ይቕጽል

መበል 24 ክፋል ዝመጽእ ቀዳም

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleሰለስተ መላእኽትን 26 ሰዓትን
Next Article ይኣኽለና 
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?