Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ሮዛን ሰሌን

ሮዛን ሰሌን

0
By Mekonnen T. on April 1, 2015 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል

መበል 50 ክፋል

*             *        *

ድሕሪ ውግእ ኣስመራ ዳርጋ ኩላቶም ኤርትራውያን ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስኣበባ፡ ብሰንክ’ቲ ነፍስወከፍ ተመሃራይ ናብ ገጠራት ከይዱ ኣብ ልምዓት ክሳተፍ ኣለዎ ዝብል፡ ንተመሃሮ ካብ ከተማታት ንምርሓቕ ዝዕላማኡ እድገት በህብረት ዘመቻ ዝብል ኣዋጅ ተጓሕጕሖም ንሜዳ ወሓዙ። እቶም ዝተረፉ ድማ በብዝጥዕሞም መንገዲ ከም ዝተሰለፉ ርዱእ ነይሩ። ሰለሙን፡ ብፍላይ ነቶም ብዙሕ ዝቐርቦም ዝነበረ ተመሃሮ ብሓደ ኢና ንኸይድ ይብሎም ከም ዘይነበረ ድሕሪኦም ምትራፉ ሕልናኡ ክወቕሶ ስለ ዝጀመረ ድቃስ ለይቲ ሰኣነ። ብዕረፍቲ ኣመኽንዩ በዓልቲቤቱን ጓሉን ሒዙ ነስመራ ክኸይድ’ሞ ብኡ ኣቢሉ ክስለፍ ወሰነ። ነዚ መታን ክጥዕሞ ድማ ዋንነት መኪናኡ ብመንገዲ ጥላሁን ናብ ሮዛ ኣተሓላለፎ። ሓደ ምሸት ምስ ሃብቶም ናብ ካዛንችስ እናኸዱ ከለዉ፡ “እንታይ ኢና ንጽበ ዘለና? ሓዲኡ ዘይንገብር፡” ክብል ተወከሶ።

“እንታይ ኢልካ?” ክብል ብሕቶ መለሰሉ ሃብቶም ኣስጊሉ ጸኒሑ።

“ንስኻ ትብሎ እንድዒ’ምበር ብወገነይ ንሜዳ ክብገስ ወሲነ’ለኹ። ካብ ሕጂ ንንየው ኣብ ኣዲስኣበባ ዘጸቢ ነገር ዘሎና ኣይመስለንን። ደንጕና’ኳ፡” በሎ ዕቱብነት ብዝዓብለሎ ኣዘራርባ።

ሃብቶም ንገዛእ ርእሱ ከም ካልኦት መዛኑኡ ንሜዳ ክብገስ ሃረር ይብል’ኳ እንተ ነበረ፡ ብስምዒቱ ዝግዛእ ሰብ ግን ኣይነበረን። “ኣየ ሰለሙን! ቃልሲ ክብሃል ከሎ ብረት ተሓንጊጥካ ጥራይ ድዩ መሲሉካ? ኣብዚ ትዓሞ ዘለኻ ስራሕ ኣቃሊልካ ትርእዮ ኣለኻ። ካባይ ጀሚርካ ንሜዳ ክኸይድ ዘይብህግ ሰብ የሎን። ኣብዚ ክንፍጽሞ ዝተኣዘዝና ስራሕ ጠንጢንና ክንከይድ ከም ዘይንኽእል ምፍላጥ ግን ኣገዳሲ እዩ። ውትህድርና ኸኣ ክተርክበሉ ኢኻ። ውዒልና ሓዲርና ኩላትና ናብኡ ኢና፡” ክብል ብትርር ዝበለ ድምጺ መለሰሉ።

ሰለሙን ብዝሰምዖ ስለ ዘይዓገበ፡ “ብዛዕባ ናይ ምውዳብ ስራሓት እንተዄንካ ምእንቲ ርእሱ መንእሰይ ዘቦኡ ጸሪሩ እዩ መን ኣሎ ዝውደብ? ንጽሑፋት ምብዛሕ ከኣ ወላ ቅድሚ ምብጋሰይ ነታ ዱፕሊኬተር ሰሪቐ ከውጽኣ። ካብ ናይ ብቐደማይ ዝኸፍእ ነገር የሎን። ከም ገለ ሃንደበት እንተ ተተሓዝኩ ክልተ ሞት’ዩ። ቅድሚ ሕጂ ብዛዕባ ሓደገኛነት ምስጢራዊ ስራሓት ዝበልካኒ ዘረባ ሕጂ’ዩ ዝስቈረኒ ዘሎ። ናተይ እንተኾይኑ ዝመጽአ ይምጻእ ኣይጽግመንን’ዩ። ሮዛ ግን እንታይ ትኹን?” ክብል መለሰሉ።

“ብዛዕባ ምስጢራዊ ስራሓት ኣብ ዝተዘራረብናሉ እዋን ዝሓበርኩኻ ነገር ከመይ ኢልካ ረሲዕካዮ? ሕጂ’ውን ሓልዮት ሮዛን ነፍስኻን’ዩ ዘዛርበካ ዘሎ’ምበር ብዛዕባ ቃልሲ ትሓስብ ዘለኻ ኣይትመስልን።”

ሰለሙን ብሕፍረት ተዋሒጡ ዝዛረቦ ጠፍኦ። ድሮ ኣብ ገዝኡ ስለ ዝበጽሑ ኣብ መኪና ኮይኖም ዘረባኦም ቀጸሉ። ሰለሙን ካልኦት መዛኑኡ ናብ ሜዳ ስለ ዝኸዱ መንፈሳዊ ቅንኢ ሓዲሩዎ ክስዕቦም ብርቱዕ ሃረርታ ነይሩዎ ጥራይ ዘይኮነ፡ ማዕረ ማዕረ ማዕረኡ እቲ ስራሕ ሓደገኛ እናኾነ ስለ ዝኸደ ከይእሰር ይሰግእ ነይሩ። ልዕሊ ዅሉ ዘሰከፎ ድማ ጕዳይ ሮዛ ነይሩ። “እሞ ንሮዛ ከሎ ገና ነስመራ እንተ ሰደድኩዋኸ ከመይ ይመስለካ? ምኽንያቱ ዝኾነ ነገር እንተ’ጋጠመ ንውልቀይ ኣይጽግመንን’ዩ፡”

ሃብቶም ቍሩብ ዝን ኢሉ ድሕሪ ምጽናሕ ንርእይቶኡ ከተባብዖ ስለ ዘይመረጸ፡ “ሕራይ’ስኪ ንሮዛ እንታይ ኢልካ ኢኻ ክተመኽንየላ? ርግጽ’ዩ እቲ ኵነታት እናጸንከረ ይኸይድ ከም ዘሎ ርዱእ’ዩ። ሕማቕ ኣሎ ጽቡቕ ኣሎ ዋንነት መኪና ብስማ ጌርካዮ ምጽናሕ ዝድገፍ ነገር’ዩ። ካብኡ ተረፈ ግን ከሎ ገና ክፉእ ከጋጥም’ዩ ኢልካ ምሕሳብ ትርጕም የብሉን፡” ኢሉ ተፋነዎ።

ሰለሙን፡ ሃብቶም ዓርኩ ብዛዕባ መርዓን ሓዳርን ከስዕቦ ዝኽእል ጸገም ዝሓበሮ ነገር እናስተንተነ ኣብ ገዝኡ ኣተወ። ፍረወይኒ ካብ ሕቝፊ ኣዲኣ ወሪዳ እናጐየየት ምስ ተቐበለቶ ካብ ሓሳቡ ከይተላቐቐ ጸኒሑ ሰብነቱ ከም ስርዓት ግንብንብ በሎ። ስምዒቱ ሓቢኡ ከጻውታ ፈተነ። ሮዛ ግን ዝን ክብል ስለ ዘስተውዓለትሉ፡ “እንታይ ሰሚዕካ ዲኻ ሰሌ፡” ኢላ ብሕቶ ኣዋጠረቶ።

ዝምልሶ ጠፊኡዎ ኣብ ሓሳብ ድሕሪ ምእታው፡ “ይገርመኪ እዩ ሮዛ፡ ኣብ መንገዲ ልክዕ ነቦይ ዝመስሉ ሰብኣይ ርእየስ ቀው ኢለ ጠሚተዮም። ክሳዕ ሕጂ ድማ ካብ ኣእምሮይ ምልጋስ ኣብዮምኒ ጸኒሖም። ካን ቍርጽ ኣቢልካ ነቦይ እዮም ዝመስሉ፡” ዝብል ናይ ሸፈጥ መልሲ ሃባ።

ሻቕሎት ሰለሙን ግን ኣብዚ ኣየብቅዐን። ኣብ ወርሑ ቈመና ወዲሓትኖኡ መተዓብይቱን መንእሰይ ካብ ቤትሻሂ ሃጸይነት ተወሲዱ ግዳይ ማሕነቕቲ ስልኪ ዓፋኝ ከም ዝኾነ ሰምዐ። ኣዝዩ ይፈትዎ ስለ ዝነበረ ብሓዘን ተዀምተረ። ብሰንኪ ሽዑ ቅንያት ዝተኸስተ ደሮና ዝተሓወሶ ንፋስ ሰዓል ሒዛቶ ሑእ! ክብል ስለ ዝቐነየ ኵሉ ተደራረቦ። ኣብ ከምዚ ኵነታት ከሎ ድማ ርእሱ ጭርውርው እናበሎ፡ ቀትሪ ካብ ሃብቶም ዝተቐበለን ጽሑፋት ሒዙ ንስራሕ ተበገሰ። ‘ሎምስ ብኻ ደቂሰ ኣምስየ፡’ እናበለ ግን ኣባዚሑ ወድአን። ብኡንብኡ ንሃብቶም ኣረኪቡዎ ንገዝኡ ምስ ተመልሰ ፈውሲ ርእሲ ውሒጡ ኮበርታ ተደብዲቡ ደቀሰ።

ንጽባሒቱ ንግሆ ንቤትጽሕፈት ምትኩ ተጽሪ ዝነበረት ሰራሕተኛ ጽሬት ምድሪቤት እናዀስተረት ከላ፡ ኣብ ትሕቲ ከብሒ ተሸጕጣ ጫፋ ጥራይ ቍሩብ ተቐልቂላ ዝነበረት ወረቐት ብመዀስተር ሰሓበታ። እታ ወረቐት ኣብ ኣየር ድሕሪ ምሕንባስ ኣብ ማእከል’ቲ ምድሪቤት ወደቐት። እታ ሰራሕተኛ ነታ ብሓደ ገጻ ጥራይ ዝተጻሕፋ ወረቐት ኣልዒላ ብዙሕ ከይተገደሰት ኣብ ልዕሊ ጠረጴዛ ኣቶ ምትኩ እናንበረታ ከላ፡ በጋጣሚ ሰለሙን ብመስኮት ሰላም ኢሉዋ ንቤትዕዮኡ ክሓልፍ ትርእዮ ነይራ። ኣንጊሁ ስለ ዝኣትው ኵሉ ግዜ’ዮም ዝራኸቡ ነይሮም።

ሽዑ ንግሆ ምትኩ ክሰቲ ስለ ዝሓደረ ርብዒ ሰዓት ደንጕዩ እዩ ኣብ ስራሕ ኣትዩ። ኣብ ኵርሱ ኮፍ ኢሉ ናብታ ብሸነኽ ጸጋም ናይቲ ጠረጴዛ ዝነበረት ወረቐት ቍሊሕ ድሕሪ ምባል ናይ ስራሕ መሲሉዎ ኣልዓላ። ከቢዱዎ ስለ ዝነበረ ግን ከይተገደሰ ብሸነኽ የማን ኣብ ዝነበረ መቐመጥ ፋይል ደርበያ። ምትኩ ከይሰተየ ዘይሓድር’ኳ እንተ ነበረ ሳሕቲ’ዩ ዝሰክር፡ ንሱ’ውን ኣብ ቀዳመ ሰንበት። ሽዑ ለይቲ ግን ናይ ሻምበልነት መዓርግ ዝተቐበለ ዓርኩን መተዓብይቱን ኣየለ ናይ ደስደስ ጂን ክሰቲ ስለ ዝሓደረ፡ ርእሱ ተፈሊጹ ይትረፍ ክሰርሕ ኮፍ ክብል’ውን ኣይከኣለን። ኣብ ቅድሚኡ ዝነበረ ወረቓቕቲ ንኽርእዮ’ውን ጸልኦ። ከም ባህሪ፡ ይትረፍ ካብ ስራሕ ከብኵር ንሓንቲ ደቒቕ’ውን ዘይድንጕይ፡ ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት ቤትማሕተም ተሪር ቍጽጽርን ቀይድን ዘዘውትር፡ ማይ ቀጠነ ኢሉ ክቋየቝ ዝውዕል ሰብ’ዩ ነይሩ። በዚ ምኽንያት’ዚ፡ ብዘይካ ሓደ ክልተ መቀባበልቲ ወረ፡ ዳርጋ ዝበዝሑ ሰራሕተኛታት ቤትማሕተም ብዓይኒ ጽልኢ’ዮም ዝጥምቱዎ። ዓይኑ ጓህሪ መሲሉ መሲሉ ድቃስ ጥራይ ይረኣዮ ስለ ዝነበረ ሽጋራ ወሊዑ ክበራበር ፈተነ። ለውጢ ስለ ዘይረኸበሉ፡ “ኣሕ! ኣየለ ኣባላሽዩኒ ሓዲሩ፡” በለ ብውሽጡ። ዕረ እናጠዓሞ ድማ ንጸሓፊቱ፡ “ተጸሊኡኒ ከይደ’ለኹ፡” ኢሉ ድሕሪ ምሕባር ናብ ገዝኡ ተዓዝረ። ድቅስ ውዒሉ ፋዱስን ፈረቓን እናተመጣልዐ ተስአ። ዝሑል ማይ ተሓጺቡ ምሳሕ ክበልዕ እንተ ፈተነ ሸውሃቱ ስለ ዝተዓጽወ ንማለቱ ተቐሪቡ’ምበር ዳርጋ ኣይበልዐን። ብርጭቆ ምሉእ ማይ ገልቢጡ ክዳኑ ድሕሪ ምቕያር ድማ ናብ ስራሕ ተመልሰ።

ኣብ ጠረጴዛ ኮፍ ኢሉ ሽጋራኡ እናሰሓበ ከሎ፡ ንግሆ ብሸነኽ የማን ናብ ዝነበረ መቐመጥ ፋይል ሰው ዘበላ ወረቐት ኣቓልቦኡ ሰሓበት። ብየማናይ ኢዱ ኣልዒሉ ከንብባ ጀመረ። ትሕዝቶኣ ምርዳእ’ኳ እንተ ሓርበቶ፡ ካብቲ ፖለቲካዊ፡ ፋሺስታዊ ስርዓት ደርግ፡ ደሞክራሲ ወዘተ ዝብል ቃላት ተራ ወረቐት ከም ዘይኮነት ክግንዘብ ግዜ ኣይወሰደሉን። ኣርእስቲ ዘይብላ ምንባራ ድማ ካብ ሓደ ምሉእ ጽሑፍ ዝተፈንጨለት ከም ዝኾነት ተገንዘበ። እቲ ጽሑፍ ብቋንቋ ትግርኛ ምዃኑ ክርድኦ ከሎ፡ እታ ወረቐት ብኸመይ መንገዲ ኣብ ቤትጽሕፈቱ ክትኣቱ ከም ዝኸኣለት ግን ምስጢረ ስላሴ ኮኖ። ነቲ ክርድኦ ዘይከኣለ ቃላት እናሰገረ ደጋጊሙ ኣንበባ። ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ፡ ህዝቢ ኤርትራ ዝብላ ቃላት ክደጋገማ ምስ ተዓዘበ፡ ንገለ ካልኢታት ዝን ድሕሪ ምባል ሓደ ሓሳብ ብልጭ በሎ። ኣብ ክንዲ ንጸሓፊቱ ምሕታት ቅድም ምስ ሻምበል ኣየለ ክማኸር ብምውሳን ስልኪ ደወለሉ። ሻምበል በጋጣሚ ኣብ ቤትጽሕፈቱ ስለ ዝጸንሐ ኣይደንጐየን ኣብ ውሽጢ ርብዒ ሰዓት ከተፍ በለ።

ሻምበል ንመግለጺ ምትኩ ድሕሪ ምስማዕ፡ ነታ ወረቐት ብኽልቲኡ ገጻት ገላቢጡ ኣንበባ። ምስቲ ጕዳይ ክተኣሳሰር ዝኽእል ቀለልቲ ሕቶታት ድሕሪ ምቕራብ፡ “እዚ ጽሑፍ’ዚ ጸጸኒሑ ብናይ ኤርትራ ተገንጸልቲ ጕጅለታት ኣብ ከተማ ዝጥቃዕን ብምስጢር ዝዝርጋሕን ዘሎ እዩ። ምንጪ ናይዚ ጽሑፋትዚ ንምርካብ ጽዑቕ ስለያዊ ስራሓት’ኳ እንተ’ካየድና ድኻምና ዛጊት ዕዉት ክኸውን ኣይከኣለን። እቲ ሓርቢቱና ዘሎ፡ ካብ ዘበነ ሃይለስላሴ ኣትሒዞም ክሳብ ሕጂ ምስጢራዊ ጽሑፋቶም ክዝርግሑ ከለዉ ዝኾነ ፍንጪ ክንረክብ ዘይምኽኣልና እዩ። ቅድሚ ዓመት እቲ ቀንዲ ኣንቀሳቓሲ ናይቲ ጕጅለ ተታሒዙ ከብቅዕ፡ መርመርቲ ነስመራ ሒዞሞ ምስ ከዱ ብሸለልትነቶም ምስጢር ከየውጽእ ኢሉ ነፍሱ ቀቲሉ። ናቱ ሞት ግን ንግዜኡ ጥራይ’ዩ ዓንቂፉዎም፡ ምኽንያቱ ምብታን ናይ’ቲ ጽሑፋት ንወርሒ ተዓጊሱ ድሕሪ ምጽናሕ ዳግማይ ክዝርጋሕ ጀሚሩ።

ብዝኾነ ናብ ጕዳይ ናይዛ ሰንካም ወረቐት ክምለስ ግን ንዘስተውዓለ ሰብ እዛ ጽሕፍቲ’ዚኣ ንባዕላ ብትሕዝቶኣ ይኹን ዓይነት ወረቐት ካብቲ ክሳብ ሕጂ ኣብ ኣዲስኣበባን ካልኦት ከተማታት ሃገርናን ዝዝርጋሕ ዘሎ ጽሑፋት ዝኾነ ፍልልይ የብላን። ሕጂ እቲ ክምለስ ዘለዎ ምንጪ ናይዛ ወረቐት’ዚኣ ካበይ’ዩ ዝብል ኣዋጣሪ ሕቶ’ዩ፡” ኢሉ ቆቢዑ ኣውጺኡ ኣብ ልዕሊ ጠረጴዛ ብምንባር ርእሱ ንላዕልን ታሕትን ነቕነቐ። ንገለ ካልኢታት ኣብታ ክፍሊ ከቢድ ህድኣት ሰፈነ።

ሻምበል ሽጋራ ወሊዑ ድሕሪ ምስሓብ፡ “ንበይና ተፈልያ ምጽናሓ እቲ ነገር ዝተሓላለኸ’ኳ እንተ መሰለ፡ ምንጫ ግን ካብ ኣባላት ናይዚ ትካል ክኸውን ኣለዎ ዝብል ግምት’ዩ ዘሎኒ። ኣሰር ኣጻብዕ ክንምርምር ምኸኣልና ኔርና፡ ተሓዝታ ስለ ዝበዛሕና ግን ውጽኢታዊ ክኸውን ኣይክእልን’ዩ። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ ገለ ፍንጪ ከይረኸብና ብመን ከም እንጅምር ምርድዳእ ከድልየና እዩ። ብዝኾነ መበገሲ ዝኾነና ነገር እንተ ረኸብና ኣቐዲምና ብሰራሕተኛ ጽሬት እንተ ጀመርና ዝሓሸ ኮይኑ ይስምዓኒ። ንሳ ኵሉ ግዜ ቅድሚ ዝኾነ ሰብ ኣብ ቤትጽሕፈትካ ስለ ትኣቱ፡ ምናልባሽ ትፈልጦ ነገር ክህልዋ ይኽእል’ዩ ዝብል ግምት ኣሎኒ። ስለዚ፡ ጽባሕ ንግሆ ብሓባር ክንምርምራ ክንፍትን ኢና። ሕጂ ግን ነዛ ወረቐት ንኤግዚቢት ናብ መደበር ክወስዳ ስለ ዝኾንኩ ቅዳሕ ክተትርፍ ኣለካ፡” ኢሉ ነታ ሒዙዋ ዝነበረ ወረቐት ኣቐበሎ።

ምትኩ ካብ ኵርሱ ተሲኡ ናብ ናይ ጸሓፊቱ ክፍሊ ድሕሪ ምእታው ጸሓፊቱ ከይትርእየሉ እናተሰከፈ ባዕሉ ቅዳሕ ገይሩ ተመልሰ። ሻምበል ኣየለ ኣብ ጠረጴዛ ኣቐሚጡዋ ዝነበረ ወተሃደራዊት ቆቢዑ እናወደየ፡ “ካብዛ ሰራሕተኛ ጽሬት መበገሲ ዝኾነና ነገር ክንረክብ እንተ ዘይክኢልና ጸሓፊትካን ኣብዚ ቅንያት እዚ ናብ ቤትጽሕፈትካ ዝኣተዉ ሰባትን ተጠርጠርቲ ክኾኑ እዮም። ብተወሳኺ ናይ ነፍስወከፍ ሰራሕተኛ ውልቃዊ ማህደር ወይ ፋይል ክትቅርበለይ ኢኻ። ናብ ጸሓፊትካ ክምለስ ግን ከመይ ዓይነት ሰብ’ያ፡ እምንቲ ድያ?” ክብል ሓተቶ።

“ብዛዕባ ሃገራውነታ ኣይትጠራጠር ጓል ከመይ ዝኣመሰሉ ሓርበኛ እያ። ከም ሰብ መጠን ረዛን ኮይና፡ ቅድሚ ክልተ ዓመትን ገለን ምስ ሓደ ሰለሙን ዝብሃል ኣብዚ ትካልና ከም ናይ ቴክኒክ ሓላፊ ዝሰርሕ ሰብ ዙረት ጀሚራ ነይራ። ሽዑ ሓዳር ስለ ዘይነበሮ ዝምርዓዋ መሲሉዋ ምስኡ ኢድን ጓንትን ኮይና ነይራ። ናይ’ዚኣቶም ነገር ግን ኵሉ ወዮ እዩ ሽዑ ሽዑ ጠንጢኑዋ። ኣብ ልዕለና ንዕቀት ስለ ዘለዎም ነሕዋትና ክምርዓዉወን ድሌት ከም ዘይብሎም ይርድኣካ ይኸውን። ኣብ ጕዳይና ክምለስ ግን ኣነ ከም ዝፈልጣ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጕዳይ ትጥርጠር ጓል ኣይኮነትን። ካብኡ ተረፈ ደሓን የሕድረና ጽባሕ ንርእዮ።”

“እዚ ንባዕሉ ሓደ ሓበሬታ እዩ። ኣንፈትና ናበይ ክቐንዕ ከም ዘለዎ ምፍላጥ’ውን ቀሊል ነገር ኣይኮነን። እሞ እናኸድኩ እየ። ከይረሳዕኩ ግን ብዛዕባ’ዚ ጕዳይ’ዚ ምስ ማንም ሰብ ከይትዛረብ ሓደራኻ፡ ጽባሕ የራኽበና።”

ይቕጽል  . . . . .

 

መበል 51 ክፋል ዝመጽእ  Sunday April 5

 

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleቁ.2 ፍቕሪ ሓቂ
Next Article ሰለስተ መላእኽትን 26 ሰዓትን
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?