Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ሮዛን ሰሌን

ሮዛን ሰሌን

0
By Mekonnen T. on March 27, 2015 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል

መበል 48 ክፋል

ጥላሁን ዘረባኡ ብምጅማር፡ “ኣታ ወዲ ክሳብ ሕጂ ብንጹር ዝተፈልጠ ነገር የሎን። ክልተ ሰባት ኣብ መደቀሲ ክፍሎም ኮይኖም ነታጕ ከጻውዱ ከለዉ ተለመዴናት ግዲ ነይሮም እቲ ቦምባ ተባሪዑ ለኪሙዎም’ዩ ዝብሃል።” በሎ።

“ዕላማኦም እንታይ ነይሩ ማለት’ዩ? ኣብ ሓደ ጠምባስ መዕረፊ ኣጋይሽ ከምኡ ዝኣመሰለ ስርሒት ምፍታኖም ብዙሕ ኣይርድኣካን’ዩ?”

“ከምኡ ኣይኮነን። እቲ ስርሒት ንሆቴል ዋቢሸበሌ እዩ ተሓሲቡ ነይሩ እዩ ዝብሃል። ካብ ገለ ሰባት ከም ዝሰማዕኩዎ ብድሮኡ ሰዓት ሓሙሽተ ናይ ድሕሪ ቐትሪ ቢሉ፡ ክልተ ሰብ ናብዛ ኣብ ጥቓ ዋቢሸበሌ እትርከብ መዕረፊ ኣጋይሽ ዓዓራቶም ይሕዙ’ሞ ክሰትዩ የምስዩ። ንጽባሒቱ ሰዓት ሓሙሽተ ናይ ኣጋ ምሸት ሓደ ብታክሲ ዝመጽአ ሰብ ኣብ መደቀሲ ክፍሎም ኣትዩ ክረኽቦም ከሎ እቲ በዓል ታክሲ ቢራ ሒዙ ይጽበዮ ነይሩ። እቲ ሰብ ብዙሕ ኣይደንጐየን ተመሊሱ ምስቲ በዓል ታክሲ ቢራ እናሰተዩ ከለዉ ድምጺ ነታጕ ተሰሚዑ። ክልቲኦም ድማ ዝቐድሑዎ ቢራ ከይሰተዩዎ ካብቲ ቦታ እግረይ ኣውጽእኒ ኢሎም ተበቍጾም። ድሕር’ዚ እዚ ሓበሬታ’ዚ ብቕጽበት ናብ መንግስቲ ስለ ዝበጽሐ መተሃደራት ኣብዛ ከተማ ከም ሽሾ ተፈንዮም ኣብ ከባቢ ሰንጋተራ፡ ከባቢ ተክለ ሃይማኖትን ቤተመንግስትን ንታክሲ ዘቦአን ወሰን ኢሎም ክፍትሹወን ኣምስዮም።

መጋብሩ ዝፈለጠ ሰለሙን ቅድሚ ሰሙን ዘጋጠሞ ኣዋጣሪ ኵነታት ተራእዮ። ነቲ ስርሒት ዝፈጸመ መን ምዃኑ ክፈልጥ ስለ ዝደለየ ድማ፡ “ናይ መን ክኸውን ይኽእል ግን?” ዝብል ሕቶ ኣስዓበሉ።

ጥላሁን ሽጋራ ወሊዑ ድሕሪ ምስሓብ፡ “ናይ ዝኾነ ተቓዋሚ ምንቅስቓስ ክኸውን ይኽእል’ዩ። እዚ ስርዓት’ዚ ድሌት ህዝቢ ክሳብ ዘየማልአ ከምዚ ዓይነት ስርሒታት ክቕጽል ምዃኑ ፍሉጥ’ዩ። እዚ ወተሃደራዊ ጕጅለ’ዚ ኸኣ ወላ’ኳ ንነፍሱ ግዝያዊ ኢሉ እንተ ኣጠመቐ፡ እንተኾይኑሉ ስልጣኑ ከደልድልን ንህዝቢ ከም ዊንታኡ ክረግጾን’ዩ ዕላማኡ። ፖለቲካዊ ተሞክሮን ብቕዓት ምሕደራን ስለ ዘይብሉን ግን ንገለ ተበለጽቲ ምሁራት ክኸስቦም ከም ዝፍትን ርዱእ’ዩ። እቲ ዘሕዝን ግን ህዝቢ ኢትዮጵያ ቅኑዓት መራሕቲ ክረክብ ዘይተዓደለ ህዝቢ ምዃኑ ጥራይ’ዩ፡” ክብል መለሰሉ ትስፋ ብዝቘረጸ ኵነተ ኣእምሮ።

“ካብ ዝነበረ ስርዓት ግን ዝሓሸ ክኸውን ይኽእል’ዩ ዝብል ግምት ኣሎኒ። ዓመት ኣብ ዘይመልእ ግዜ ክትፈርዶ ኸኣ ኣጸጋሚ ኮይኑ ይስምዓኒ።” ኣሚኑሉ ዘይኮነ፡ ርእይቶ ጥላሁን ንምስማዕ ዘፍሰሶ ቃላት’ዩ ነይሩ።

“እዚ’ኳ የዋህነት ጥራይ’ዩ ክኸውን ዝኽእል። ኣማን ዓንዶም ብጃንሆይ ዝተበደለ ሰብዩ’ሞ ለውጢ የምጽእ ይኸውን ኢልካ እንተ ሓሲብካ ኣይትሓዘለይ ትጋገ’ለኻ። ንሱ ንውትህድርና’ምበር ንምምሕዳር ዝተፈጥረ ሰብ ኣይኮነን። ደሓር ከኣ ደርግ ክሳብ ዝደልዎ ንመትሓዚ ሰራዊትን ጕዳይ ኤርትራ ኣብ ምፍታሕን ከም ምስሊ ክጥቀመሉ ከም ዝደለየ ፍለጥ። ኣብታ መንግስቲ ከም ካምቻ ዝቕየረላ፡ ንህላዌ ሰብኣዊ መሰልን ደሞክራስን ከም ቍርን ኣስሓይታን ዝፈርሑ ምልካውያን መራሕቲ ዝዕንድሩላ ኣፍሪቃ ትነብር ከም ዘለኻ ትርስዖ ኣለኻ’መስለኒ።”

“ካብ ናይ ወተሃደራት ጕጅለ ደሞክራሲ ክትጽበ ኣይትኽእልን ኢኻ። ንግዜኡ ከም ዝበልካዮ ስምዒት ህዝቢ መዝሚዞም ስልጣኖም ከደልድሉ ይፍትኑ ይኾኑ። ካብ ዝሓለፈ ስርዓት ግን ኣይመሃሩን ትብሎም?”

“ኣግሂደ ክነግረካ ሰሌ፡ ይትረፍ ነዞም ትማሊ ትማሊ ንህዝቢ ክጭፍጭፉ ጸኒሖም ሎሚ ኣብ ስልጣን ኵድጭ ዝበሉ ሰብ ጽሩራ፡ ነቶም ካብ ደሙ ንጹሃት ኢና ዝብሉ ውጹኣት ፖለቲከኛታት’ውን ኣሚነ ኣይፈልጥን’የ። ቀደም ከምዚ ሎሚ ከይጐራሕኩ ይመስለኒ ነይሩ። ኣብ ልዕሊ ኣቦይ ድሕሪ ዝወረደ ግፍዒ ግን ኵሉ ብላሽ ምዃኑ ተረዲኡኒ። እቲ ዘገርም በደረጃ እዩ ዝፈላለ’ምበር ኣብ ምሉእ ዓለም ዘለዉ ሓርበኛታት ኢና፡ ወከልቲ ህዝቢ ኢና በሃልቲ ምስሉያት ፖለቲከኛታት፡ ናይ ስነሓሳብ ፍልልዮም ብዘየገድስ ኣብ ባህሪ መጺእካ ሓደ እዮም። ዝኾነ መራሒ ኣብ ስልጣን ምስ ደየበ ሕማም ናይ ስልጣን ስለ ዘጥቅዖ ካብ ናይ ቀደም ባህርያቱ ይቕይር’ሞ፡ መቓልስቱ ድሕሪ ምርሳዕ ካልእ ሰብ ከም ዝኸውን ፍለጥ፡” ኢሉ ብርጭቆኡ ናብ ኣፉ ተኺሉ ጸንቀቓ።

ጥላሁን ረሲኑ ምዝራቡ ተገሪሙ ጠመቶ። መልእኽቱ ስለ ዘይበርሃሉ፡ “ብግቡእ ተረዲአካ እንተ’ልየ ነቲ ገስጋስን ኣድሓርሓርን ስርዓታት ብማዕረ ትዅንኖ ዘለኻ ኮይኑ ተሰሚዑኒ። ዝያዳ እንተ ተነጽረለይ ጽቡቕ ነይሩ፡” በሎ።

“ብጌጋ ትርድኣኒ ኣለኻ ሰሌ። ኣነ ንስነሓሳብ ኣይነቐፍኩን። ነቒፈ’ውን ኣይፈልጥን። ብስም ርእሰማልነት ይኹን ብስም ማሕበርነት እናሸቀጡ፡ ብመሰል ህዝቢ ንዘሽካዕልሉ መራሕቲ ሃገር ኢና በሃልቲ እየ ዝቃወም ዘለኹ። ከም ጥላሁን መጠን ንሰባት ወዲሰ ስለ ዘይፈልጥ፡ ንማርክስ፡ ንሌኒን ወይ ንማኦ ክውድሰልካ ትጽበ እንተ’ሊኻ ቅበጽ። ኣብ ዓለም ንረብሓ ህዝብ’ምበር ንስልጣኑ ደው ዘይበለ ተቓላሳይ እንተ’ልዩ ቼ ጉቬራ ጥራይ እዩ።”

ሰለሙን፡ እቶም ከም ዓበይቲ ሰውራውያን ዝኣምነሎም መራሕቲ ክከሻመሹ ምስ ሰምዐ ከም ስርዓት ተቘጥዐ። “ብሚልዮናት ንዝቝጸር ህዝቢ ካብ ኣደራዕ መግዛእትን ምዝመዛን ሓራ ዘውጽኡ፡ ዓለም ዝመስከረሎም ሰውራውያን መራሕቲ ከመይ ኢልካ ተቋናጽቦም ኣለኻ? ከምኡ ክትብል ከለኻ ንነፍስኻ ማዕረ ሓደ ናይ ሃጸይነት ኣሜሪካ ኵርኩር ትሰርዓ ከም ዘለኻ ይርድኣኮዶ’ሎ?” ክብል ሐተቶ ስምዒት ብዝተሓወሶ መንፈስ።

“ጥላሁን ንበይኑ ክርትም ኢሉ ሰሓቐ። ፖለቲካ እንተ’ልዒልካ ከም ዘይንሰማማዕ ካብ መጀመርያ ተረዲኡኒ ነይሩ። ብዝኾነ ግን ኵርኩር ሃጸይነት ኣይኮንኩን እንተ በልኩኻ ኣናርኪስት፡ ትሮትስካይት፡ ሰዓቢ ኣልባንያ ዝብል ስም ክትህበኒ ትኽእል ኢኻ። ድሕሪ ሞት ኣቦይ ግን ኣብ ሓደ ኣድማሳዊ ሓቂ ከም ዝበጻሕኩ ክገልጸልካ ፍቐደለይ፡” ኢሉ ካብታ ኣብ ጠረጴዛ ኮፍ ኢላ ዝነበረት ጥርሙዝ ዊሲኪ ናብታ ጥራያ ዝነበረት ብርጭቆኡ ቀድሐ።

ዘረባኡ ብምቕጻል፡ “ኣቦይ ነፍሱ ይምሓር፡ ጥልዕ ጕምብሕ በሃላይ ስለ ዘይነበረ፡ ሕጻብ እግሩ ዘይኣኽሉ ርእሰምትእምማን ዝጐድሎም ሓርበኛታት ኔርና በሃልቲ ቀኒኦምሉ። ለይትን መዓልትን ውዲት ኣሊሞም ድማ ብዘይ ፍርዲ ኣብ ኣለም በቃኝ ከም ዝእሰር ገይሮሞ። ምስ ኣደይ ነዛ ዓይንና ክንርእዮ’ውን ኣይፍቀደናን ነይሩ። ኣብ መወዳእታ ድማ ብሓማም ማሲኑ ሞይቱ። ሽዑ’የ ብዘይ ልበይ ኣብ ናይ ፖለቲካ ዓለም ዝኣተኹ። ካብ ረፑብሊክ ናይ ኣሪስቶትል ጀሚርካ፡ ናይ ማክያቬሊ ዘ ፕሪንስ፡ ካብ መበል ዓሰርተ ሸውዓተ ክፍለ ዘመን ጀሚሮም ክሳብ መበል ዓሰርተ ትሽዓተ ክፍለ ዘመን ዝተቐልቀሉ ከም በዓል ዴቪድ ሪካርዶ፡ ሄግል፡ ማርክስ፡ ኤንጅልስ ዝኣመሰሉ ክላሲካውያን ፈላስፋታትን፡ መራሕቲ ሰውራ ናይ ዝነበሩ ሌኒን፡ ስታሊን፡ ማኦ ኮታ ክሳዕ ዝሑል ኵናት ኣብ ርሱን ደረጃ ዝበጽሕ ናይ ዝተቐልቀሉ ፍሉጣት ደረስቲ ዘይገንጸልኩዎ መጽሓፍ የሎን። ኣብ ኩላቶም ዝተዓዘብኩዎ ሓደ ጠባይ ነይሩ። ከሎ ገና ከም ትነጽጐ ይርድኣኒ’ዩ። ነፍስወከፎም ምስ ብጾቱ ዝነበሮ ዘይተጻራሪ ወይ ካልኣዊ ግርጭት ኣብ ክንዲ ብልዝብ ብምቕንጻል ይፈትሖ ነይሩ። ካብዚኣቶም ቁምነገር ትጽበ?”

ሰለሙን ክውድእ ኣይተጸበዮን፡ “ብፍጹም! ኣይቅበለካን’የ። ኣብ ልዕሊ ህዝቢ በደል ዝፈጸሙ ከም በዓል ትሮትስኪ ዝኣመሰሉ ገበነኛታት ክቕጽዑ የብሎምን ትብል ከም ዘለኻ ይርድኣካዶ’ሎ? እዚ’ሞ ከምዚ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ብየማን ንዝጸፍዓካ ጸጋማይ ምዕጕርትኻ ሃቦ ምባል’ዩ፡” ክብል ኰለፎ።

“ገበነኛታት ኣይቀጽዑ ኣይኮንኩን ዝብለካ ዘለኹ። ዝያዳ ንጹር መታን ክኾነልካ ስታሊን ንጸላእቱ ኣብ ሕጋዊ ቤትፍርዲ ኣቕሪቡዎም ይፈልጥ እንተኾይኑ መልሰለይ። በዚ ኣዘራርባኻ ስታሊን ምስጢራዊ ቤትፍርድታት ኣቝሙ ገበን ንዘይነበሮም ንጹሃት ዜጋታት ከም ዘቕሃሞም ትፈልጥ ኣይመስለንን። ኣብ ባህላዊ ሰውራ ቺና ዝተፈጸመ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትከ ምስ ምንታይ ክቝጸር’ዩ? ኣብ ዝተፈላለየ ሰውራታት ‘ንሰውራ ቀዲምኩሞ ኬድኩም፡ ባቡር ሰውራ ሓዲጋትኩም ከይዳ፡ ጸጋማውያን ኢኹም፡ የማናዊ ዝምባሌ የጥቅዓኩም’ዩ’ ተባሂሎም ብጭካኔ ዝተቐንጸሉ ዘይተነግረሎም ምሁራት ባእታታት እንተ ጸብጺብካዮም ከኣ እቲ ዝርዝር መወዳእታ የብሉን። እቲ ቀንዲ ነጥቢ፡ ዝኾነ መራሒ ወላ’ቲ ኣዝዩ ሰውራዊ ክብሃል ዝጸንሐ ስልጣን ምስ ሓዘ ባህርያቱ ዝቕይር ምዃኑ እዩ።”

ሰለሙን ኣብ ወጥሪ ኣትዩ ሕስይስይ ድሕሪ ምባል፡ “እዚ ትብሎ ዘለኻ ነገር ከም ሓደ ኣብ እዋን ደርባዊ ቃልሲ ሳሕቲ ዘጋጥም ዘይተደልየ ተርእዮ እንተ ዘይኮይኑ ከም ሓደ ልሙድ ጠባይ ዴስነት ጌርካ ክትወስዶ ዝከኣል ኣይኮነን። ሃጸያዊ ስርዓት ኣመሪካ ድማ ከም ዘጋንኖ ፍለጥ፡” ዝብል ሓጺር መልሲ ሃቦ።

“ኣብዘን ዴሳውያን ትብለን ዘለኻ ሃገራት ዘሎ ዴሳዊ ሰልፍታት ኣግሂዱ፡ ‘ህዝቢ ይብላዕ ይስተ’ምበር ብዛዕባ ምሕደራ ሃገር ክዛረብ ዓቕሙ ኣይኮነን። ዴሳዊ ሰልፊ ብህዝቢ ንህዝቢ ዝቘመ ኣካል ስለ ዝኾነ፡ ልዕሊኡ ብዛዕባ መሰላት ህዝቢ ክዛረብ ዝኽእል ኣካል የሎን፡’ ከም ዝብል ስለ ዝፈልጥ ብዙሕ ኣይገርመንን’ዩ። ኣብ ከም በዓል ሩስያ ዝኣመሰላ ሃገራት ኣብ ዴስነት ከም ዘይትኣምን ዓው ኢልካ እንተ ተዛሪብካ ህይወትካ ኣብ ሓደጋ ከም ዝወድቕ ክትፈልጥ ኣለካ። ወኪል ሃጸይነት ተባሂልካ ሽዑ ትቕዘፍ ወይ ድማ ንዓመታት፡ ኣብታ ንሽዱሽተ ወርሒ ብዅምራ በረድ ትሽፈን ሳይበርያ ትበሊ። ናይዚኣተን ገዲፈ ግን ናይዘን ትማሊ ትማሊ ናጻ ዝወጽኣ ሃገራት ኣፍሪቃ’የ ክሓተካ ዝደሊ።”

“ብዛዕባ ሃገራት ኣፍሪቃ እንተ ጀሚርና’ኳ ብዙሕ ክትዛረብ ምዃንካ ከሎ ገና ተጋሂዱለይ ኣሎ፡” በሎ ሰለሙን እናሰሓቐ።

“እዞም ናይ ሕጂ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ኣንጻር ኢውሮጳውያን ገዛእቲ ክቃለሱ ከለዉ ዕላማና ‘ናጽነት፡ ደሞክራሲ፡ ማዕርነትን ፍትሕን ምስፋን’ዩ፡’ እናበሉ እዮም ዝጭርሑ ነይሮም። ኣብ ናይ ስልጣን ኮረሻ ኵይጥ ምስ በሉ ግን፡ ‘ደሞክራሲ ግዜኡ ኣይኮነን፡ ምርጫ ክነካይድን ህዝባዊ መንግስቲ ክንተክልን እንተዄንና መሰጋገሪ ግዜ ከድልየና’ዩ፡’ ዝብል ምስምስ እናቕረቡ መብጽዓ ህዝቢ ጠሊሞም። እቲ ዘገርም ከኣ ህዝቢ፡ ‘ግሉጽነት ይሃሉ፡ ፍትሒ ይጐድል ኣሎ፡ መሰል ዜጋታት ይተሓሎ፡’ እንተ’በለ ኣደዳ ማእሰርትን መግረፍትን እናገበሩዎ ከለዉ፡ ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጕንዲ ከይኣለኻ ኣብ ዓይኒ እንዳ’ማትካ ዘሎ በሰር ምውጻእ ከም ዝብሃል፡ ‘ዓሌታዊት ደቡብ ኣፍሪቃ ከምዚ ኣቢሳ፡ ክንድዚ ሃገራውያን ኣሲራ፡ ቀቲላ፡ ጨውያ፡’ ኢሎም ምዝራቦም ይገድድ። እቲ ናታ ንሓማታ ዝብሉኻ ከምዚ’ዩ። ኣፍሪቃ ግን ደሓን’ያ ጓና ዘፍትወላ ክፍለ ዓለም’ያ።”

ሰለሙን ክምልሰሉ ተረቢጹ ጸኒሑ፡ “ኣፍሪቃ ናብ ምሉእነት ዘለዎ ደሞክራሲ ክትሰጋገር ግዜ ከም ዘድልያ ትርስዖ’ለኻ ጥላሁን። እዘን ሕጂ፡ ‘ደሞክራሲ ተኺልና፡ መሰል ዜጋታትና ሕሉው’ዩ፡ ማሕበራዊ ድሕነት ዘለዎ ስርዓታት ኣቝምና፡’ ዝብላ ዘለዋ ናይ ቡርጅዋ ስርዓታት ዝተኸላ ምዕራባውያን ሃገራት፡ ቅድሚ ሚእቲ ዓመታት ካልእ ይትረፍ ኣልኮላዊ መስተ ብሕጊ ዝኽልክላ፡ ሰንበት ቤተክርስትያን ንዘይከደ ሰብ ኣረማዊ ኢኻ እናበላ ብዘስካሕክሕ ኣገባብ ብሓዊ ዘቃጽላ ዝነበራ’የን። ክሳብ ሕጂ መሰል ጸለምቲ ከም ዘየኽብራ ከኣ ንዓኻ ምስጢር ኣይኮነን። ኣፍሪቃ ከምዚ ናተን ንውሱናት ደርብታት ዘገልግል ደሞክራሲ ክትተክል ኣለዋ ትብል እንተ’ሊኻ፡ ንኣፍሪቃ መፍቶ ሓድሽ መግዛእቲ ናይ ሃጸይነት ኣሜሪካን ኤውሮጳን ክትገብራ ምፍታን ስለ ዝኾነ፡ ኣይትሓዘለይ ግጉይ መስመር ትኽተል ኣለኻ፡ ኣይቅበለካን’የ፡” በሎ ገጹ ኣሲሩ።

“ብጌጋ ኣይትረድኣኒ ሰሌ፡ ኣነ ርእሰማላዊ ይኹን ዴሳዊ ኣተሓሳስባ ዝኽተል ሰብ ኣይኮንኩን። ዘዛርበኒ ዘሎ ስም ወይ ስነሓሳብ ኣይኮነን። ኣብ ኣፍሪቃ ይኹን ኣብ ኤውሮጳ፡ ኣሜሪካ ወይ እስያ፡ ጸሊም ይኹን ጻዕዳ ወይ ብጫ፡ ዝተኸተለ መንግስቲ ይከተል፡ ርእሰማልነት በሎ ዴስነት፡ ምዕቡል ሃገር ይኹን ድሑር ወዲሰብ ብባህሪኡ ናጻ እዩ። ንናጽነቱ ዝተዅበሉ ማንም ኣካል የሎን። ስለዚ፡ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰል ይከበር፡ መንግስቲ ኣነ ጥራይ’የ ዝፈልጥ፡ ዝበልኩኹም ጌርኩም ኪዱ፡ ኣነ ዘይቅበሎ ሓቂ ኣይትዛረቡ፡ ርእይቶ ኣይትሃቡ ክብል የብሉን’የ ዝብል ዘለኹ፡” ኢሉ መደረ።

“ሓሳባትካ እድግፎ እየ። ግን ፍሉይ ኵነታት ኣፍሪቃ ኣብ ግምት ክኣትው ኣለዎ። ድሕረት፡ ድኽነት፡ ድንቁርና ስለ ዘሎ ጥር ኢልካ ደሞክራሲ ክተተኣታቱ እንተዄንካ፡ ነቲ ህዝቢ መፍቶ ሓደ ክልተ ተበለጽቲ ጌርካ ኣብ ኣደራዕ ምውዳቑ ኮይኑ ይስምዓኒ። ስለዚ፡ ቅድም እቲ ህዝቢ ብቝጠባ ክምዕብልን ክነቅሕን ይግብኦ። ነዚ ክገብራ ዝኽእላ ከኣ ገስገስቲ ሰልፍታት ጥራይ’የን።”

“እዚ ትብሎ ዘለኻ ዕድመ ስልጣኖም ከናውሑ ዝደልዩ ውልቀ መለኽቲ መራሕቲ ዝደጋግሙዎ ዘረባ እዩ። ምኽንያቱ ቀዳማይ ጸላኢኦም ህዝቢ ምዃኑ ይፈልጡ እዮም። ከምኡ ስለ ዝኾነ መሰጋገሪ መንግስቲዶ፡ ህዝቢ ክነቅሕዶ እናበሉ በንጻሩ ግን ህዝቢ ድፉን ኮይኑ ከም ዝነብርን ብውሽጢ ውሽጢ ብዓሌትን ሃይማኖትን ወገንን ከባብን ከም ዝፈላለ እናገበሩ፡ መፍቶ ጸቢብ ጕጅላዊ ረብሓኦም ይገብሩዎ። ብወገነይ ኣብ መንጎ ሴኩቱረ ናይ ጊኒን ፊደል ካስትሮ ናይ ኪዩባን ሓንቲ ፍልልይ ኣይረኣኹን። ንደሞክራስን ፍትሕን ተቓሊስና ዝብሉ ሰባት’ዮም ነይሮም። ኣብ ኮረሻ ስልጣን ምስ ደየቡ ግን እነሆ ልዕሊ ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመት ኮይኑ መሰል ህዝቢ ረጊጾም ብኣዋጅ የመሓድሩ ኣለዉ። ስርወ ንግስነት ከይፈጥሩ ኢኻ ትሰግእ። ፍረ እንተ ዘፍርዩኸ ጸሊእካዶ! ኣብ ኪዩባ ናይ ስእነት ማዕርነት ክዕምብብ ከሎ፡ ጊኒ ድማ ናይ ማዕርነት ስእነት ዝነገሰላ ካብተን ዝደኸያ ሃገራት ኣፍሪቃ ሓንቲ ምዃና እየ ዝፈልጥ።

“ብዛዕባ ቍጠባዊ ምዕባለ ካብ ተዛረብካ ግን ደሞክራስን ቍጠባዊ ምዕባለን ተማራዅሱ ከም ዝኸይድ ክትርዳእ ኣለካ። ደሞክራስያዊ ሃዋህዉን ግሉጽነትን ዘይብላ ሃገር ቍጠባኣ ብጻህያይ ከም ዝተሓንቀ ግራት ወይ መንሽሮ ከም ዝሓመመ ሰብ’ዩ ዝኸውን። ምኽንያቱ ብሰንኪ ስእነት ፍትሕን ሕግን ብብልሽውና እዩ ዝብከል። ስለዚ፡ እቲ ቀንዲ ጸገም ናይዘን ዘይማዕበላ ሃገራት ናይ ሕጊ ልዕልነት ዘይምህላውን ጠገለ ዘይብሉ ናይ መራሕተን ስስዐ ስልጣንን ኮይኑ እዩ ዝስምዓኒ። ህዝቢ ድማ ክዅብኰብ ዘይኮነ ክምራሕ እዩ ዝደሊ። ‘ካብ ህዝቢ ንላዕሊ ዘስተውዕል፡ ካብ ህዝቢ ንላዕሊ ንነገራት ክመዝን ዝኽእል ባዕለይ ኣለኹ፡ ንስኻትኩም እንታይ ትፈልጡ፡’ ዝብል መራሒ እንተ’ልዩ ናይ ስልጣን ሕማም ዘለዎ ውልቀመላኺ ጥራይ’ዩ ክኸውን ዝኽእል።”

ሰለሙን ንመጐተ ጥላሁን ብዓቕሊ ክከታተል ጸኒሑ፡ “ኵሉ ንሕጊ ተገዛኢ ክኸውን ኣለዎ ዝብል መርገጺኻ እቕበሎ እየ። ኣብ መንጎ ኣድሓርሓርን ገስጋስን ስርዓታት ዘሎ መሰረታዊ ፍልልይ ከየነጸርካ ብድፉኑ ብዛዕባ ደሞክራስን ሰብኣዊ መሰልን ምዝራብካ ግን ኣይደገፍኩዎን፡” ክብል ርእይቶኡ ደርጕሓሉ።

“ኣይትሓዘለይ ሰሌ፡ ምእንቲ ህዝቢ’የ ተቓሊሰ ዝብል ዴሳዊ ሰልፊ ሩስያ ወይ ቺና፡ ንኣባላቱ ልዕል’ቲ ተራ ህዝቢ ሓለፋ ዝህብ እንተኾይኑ፡ ኣንጻር’ቲ ዝተቓለሰሉ መትከል’ዩ ዝሰርሕ ዘሎ። ብኡ’የ ኸኣ መንግስታት ብሰነሓሳቦም ወይ ብዝእውጁዎ ቅዋም ዘይኮነ፡ ብግብራዊ ኣሰራርሓኦም ክምዘኑ’ለዎም ዝበልኩኻ። ልዕሊ ሕጊ ክኾኑ ዝጀመሩ ስርዓታት ብኣጋኡ ጌጋታቶም እንተ ዘይኣሪሞም ኣብ ናይ ታሪኽ ጐሓፍ ከም ዝድርበዩ ታሪኽ ዝምስክሮ ሓቂ እዩ።” ኣዘራርባ ጥላሁን መግናሕታዊ ቃና ዝተሓወሶ ነይሩ።

ከምዚ’ሎም ክካትዑን ክማጐቱን ልዕሊ ክልተ ሰዓት ሓለፈ። እታ ክፍሊ ብጻዕቂ ትኪ ሽጋራ ዒግ ኢላ ነይራ። ወናኒት ባር ንጥላሁን ደልያ እትው ውጽእ ኣብዝሐት። ሰለሙን ኵነታታ ኣስተውዒሉ ሰዓቱ ርእዩ ብድድ በለ።

ጥላሁን፡ “ቍሩብ ተጸበየኒ ከብጽሓካ’የ፡” በሎ።

ኮፍ ክብል ድንዕ በለ። ኣማኒት ጥላሁን ኣብ ጐድኑ ኮፍ ኢላ ምስ ረኣያ ግን ናጻ መታን ክገድፎ፡ “ኮፍ በል ጥራይ ብታክሲ ክኸይድ’የ፡” ኢሉ ተፋነዎ።

ይቕጽል  . . . . .

መበል 49 ክፋል ዝመጽእ  29 መጋቢት

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleክሊሸ (cliché) – ሓደ ካብ ነውርታት ግጥሚ
Next Article ንምንታይ ትገጥም?
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?