Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ሓጺር ገምጋም ውድድር ግጥሚ ጕጅለ ዛራ ገጠምቲ ኣብ ፈይስቡክ

ሓጺር ገምጋም ውድድር ግጥሚ ጕጅለ ዛራ ገጠምቲ ኣብ ፈይስቡክ

0
By Mekonnen T. on March 2, 2015 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

 

ጕጅለ ዛራ ገጠምቲ ኣብ ፈይስቡክ ብምኽንያት ካልኣይ ዓመት ምቛም’ታ ጕጅለ ንኻልኣይ ግዜ ውድድር ግጥሚ ዓዲማ። ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ተመሳሳሊ ኣጋጣሚ፡ ኣብ ዝተጸወዐ ውድድር 41 ግጥምታት ንውድድር ቀሪበን ምንባረን ይዝከር።ኣብ’ዚ ናይ ሎም ዓመት ውድድር ድማ 26 ግጥምታት ቀሪበን። እዘን ግጥምታት ካብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ዓለም ዝተላእካ ኰይነን፡ ኵለን ድማ ብዘይ ስም ገጠምተን ንምምያ ናብ ደያኑ ቀሪበን።

ደያኑ፡ ንትሕዝቶ ግጥሚ ኣብ’ዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ኣትኲሮም ፈቲሾም፤

  1. ቴክኒካዊ መዳይ፤

ሀ. ቅዶትን ረምታን (rhyme & rhythm)፤ ውሁዳትን ናይ ባዕሎም ዋሕዚ ተኸቲሎም’ዶ?

ለ. ባእታታት ግጥሚ፤ ካብ ዝዀነ ስዲ ጽሑፍ ከፍልዩዋ ዝኽእሉ’ዶ ነይሮም?

ሐ. ምውዳእን ምስባርን መስመራት፤ እዚኦም ብዓይኒ ዝረኣዩ ምልክታት: ኣተኵሮ ኣንባቢ’ታ ግጥሚ ብምስሓብ ናብ ቀንዲ ኣገዳስነት እቲ ስራሕ ንኸድህብ ይገብሩ’ዶ? ቅዶት ኣብ ዘይብላ ግጥሚ: ምስባር መስመራት ኣገዳሲ ዝዀነ ነዊሕ ዕረፍቲ ንምፍጣር ድዮም ተዘውቲሮም?

መ. ስርዓተ-ነጥቢ፡ ግድፈት ፊደላትን ስዋሱን፤ እታ ግጥሚ: ኣገባባት ጽሕፈትን ስርዓተ-ነጥቢ ተጠቒማ ኣንባቢ ንኽርድኣ ሓገዝ ትገብር’ዶ? ግድፈት ቃላት ንዋሕዚ ቋንቋ’ታ ግጥሚ ይዀልፍ’ዶ? ዝንቡዕ ኣሰራርዓ ቃላት ዝተሰንዐን ንጻረ ትርጕም ዘጥፍእን ድዩ?

  1. መበቈላውነት፤ ኣብ ፍርሉይ ምሃዝነት፡ መረጻ ቃላት፡ ኣጠቓቕማ ቋንቋ (ዘይተሓላለኸን ንጹርን ኣበሃህላታት) ዝተኰረ ኰይኑ፡

ሀ. ምርጫ ቃላት (ዲክሽን) እታ ግጥሚ ዕላማኣ ንኽትሃርም ኣኽኢሎማ’ዶ? ለካታት ወይ ምኑዋት ኣገላልጻታት ዝድለ ትርጕም ኣብ ምሕላፍ ድኻም ፈጢሮምላ’ዶ?

ለ. ከበድቲ ቃላትን ዘይምትሕልላኽን – ኣብ’ታ ግጥሚ ንዕምቈት ትርጕም ዘየበርክቱ ከበድቲ ቃላት ተዘውቲሮም’ዶ? ዘይተሓላለኸ ኣገላልጻታት’ታ ግጥሚ ዕምቈት ኣለዎም’ዶ?

ሐ. ቍጥብነት – ንዕምቈት ሓሳባት ዝምጥን ቍጡብ ኣገላልጻ’ዶ ተጠቒማ እታ ግጥሚ? ነዋሕቲ ኣገላልጻታት ንዕምቈት ሓሳብ’ታ ግጥሚ ይንክዩሉ’ዶ?

  1. ዕላማ፤

ሀ. ትሕዝቶ ኣብ ግብሪ ምውዓል – እታ ግጥሚ ክትነቅል እንከላ ንዝዓለመቶ ኣብ ግብሪ ኣውዒላቶ’ዶ? ብዘይ ምትእትታው ገጣማይ ናብ መደምደምታ ትበጽሕ’ዶ?

ለ. ትሕዝቶን ስጥመትን (Coherence) – ኣብ’ታ ግጥሚ ቀሪቦም ዝርከቡ ሓሳባት ብሓባር ሓደ ምልኣት ይፈጥሩ’ዶ? ሓደ ‘ትርጕም’ እንተሎ ኣብ’ታ ግጥሚ: እቲ ትርጕም ብግብሪ ተፈጺሙ’ዶ?

  1. ዝምድና ምስ ሕብረተ-ሰብ፤

ሀ. ኣገዳስነት (Significance/Scope) – እታ ግጥሚ ተመኵሮ ደቂ-ሰብ ተንጸባርቕ እንተዀይና: ርድኢትና ኣብ ምስፋሕ ክሳብ ክንደይ ተዓዊታ?

ለ. ኣድማሳውነት (Universality) – ርእሰ-ነገር እታ ግጥሚ ንገጣሚኣ ጥራይ ድዩ ዋላ ንኹነታት ደቂ-ሰብ ብሓፈሻ ዝምልከት’ዩ? ናብ ካልእ ቋንቋ ምስ እትትርጐም: ትሕዝቶኣ ንኣንበብታ ክርድኦም ይኽእል’ዶ?

  1. ስራይ፤

ሀ. መንፈስን ተምሳሌትን (Mood and Imagery) – ንመልእኽቲ’ታ ግጥሚ ብምርዳእ: ኣብኣ ዝርከቡ ስምዒታት ክስምዑና ይኽእሉ’ዶ? ወይ ነቶም ዝቐረቡ ምስልታት ብኣእምሮና ክንቀርጾም ክኢልና’ዶ?

ለ. ኢርትዓውያን ባእታታት – መጐትን ክውንነታዊ ጭብጢን ዘይገልጾም ባእታታት’ታ ግጥሚ ተኣማኒ ኣቀራርባ ኣለዎም’ዶ?

እዘን ዝቐረባ 26 ግጥምታት፡ ብሓፈሻ ትሑት ብቕዓት ዝተንጸባረቐለን ነይረን። ኣብ ነሓድሕደን ብዝተገብረ ንጽጽር ግን፡ መጀምርያ ሸሞንተ ዝሓሻ ዝተባህላ ድሕሪ ምምራጽ፡ ሰለስተ ዕዉታት ንምርካብ ተኻኢሉ ኣሎ። ኣብ መስርሕ ምምያ ጐሊሖም ዝተራኣዩ ድኻማት እዘን ግጥሚ፡ እዞም ዝስዕቡ ይርከቡዎም፤

– ኣብ ርእሰ-ነገር ዘይምትኳር

– ንጹራት ዘይኰኑ ኣበሃህላታት

– ሌጣ ጽሑፋት (ባእታታት ግጥሚ ዘይካትቱ)

– ኣብ መዋቲ ኣርእስቲ ምትኳር

– ድኹም መረጻ ቋንቋ

– ዘይጽፉፍ ኣጠቓቕማ ስርዓተ-ነጥቢን ግድፈት ፊደላትን ወዘተ።

ካብ ዝቐረባ፡ እተን ሸሞንተ ዝሓሻ ተባሂለን ዝተመርጻ’ውን ነፍሲ-ወከፍን ናተን ብልጫን ድኻማትን ዝነበረን እየን። እዚ ነተን ሰለስተ ተዓወቲ’ውን ዝምልከት’ዩ። በዚ መሰረት እተን ሸሞንተ (8) ግጥምታት፤

ሀ. ጣዕሳ

ለ. ካን

ሐ. ቱቱላ

መ. ብዓል ኣደ

ረ. የቐንየልይ ወርሒ

ሰ. መትዓብይቲ

ሸ. ኣበይ ፈሊጦማ

ቀ. ጥፍኣት፡ ዝብላ እየን።

ካብ’ዚአን ድማ ዝሓሸ ስጥመትን ውህደትን፡ ኣጠቓቕማ ስርዓተ-ነጥቢ፡ ፍሉይነት ኩርናዕ ኣጠማምታ፡ ባእታታት ስነ-ግጥሚ፡ መበቈላዊነት፡ ኣድማሳዊነትን ካልኦትን ዝተንጸባረቐለን ዝተባህላ እዘን ስዒበን ዝርከባ ሰለስተ (3) ንሽልማት በቒዐን፤

1ይቲ የቐንየለይ ወርሒ

2ይቲ ጣዕሳ

3ይቲ መትዓብይቲ

ደያኑ፤

  1. ሮቤል ተኽላይ
  2. ቴድሮስ ማርቆስ
  3. ሚካኤል ተኽለ (ማይኮ ተኽለ)
  4. ሽሻይ ገብሩ (ሲስ ማሳዋ)
  5. ቴድሮስ ኣብርሃም

ለካቲት 27፡ 2015

*       *      *

ብመሰረት ውሳኔ ገምጋም ደያኑ እዘን ተጠቒሰን ዘለዋ ሰለስተ ግጥምታት ገጠምተን እዞም ዝስዕቡ እዮም ኮይኖም ካብ ተሳተፍቲ ዝተወፈየ መጠን ገንዘብ ከኣ እቲ ሽልማት ብኸምዚ ተመቓሪሑ’ሎ

  1. የቐንየለይ ወርሒ ብርሃነ ገብረሂወት 300.00 ዶላር
  2. ጣዕሳ ቦኽረ ገብረየሱስ 200.00 ዶላር
  3. መትዓብይቲ ትርግታ ዘመን 150.00 ዶላር

2ይ ውድድር ዛራ ገጠምቲ ሸሞንተ ዕውታት ገጠምትን ግጥምታቶምን

  1. የቐንየለይ ወርሒ -ብርሃነ ገብረሂወት
  2. ጣዕሳ – ቦኽረ ገብረየሱስ
  3. መትዓብይቲ – ትርግታ ዘመን

ዝተረፋ 5 ግጥምታት ተርታ የብለንን

መ. ቱቱላ ዘመን – 888

ረ. ኣበይ ፈሊጦማ- ክብሮም ደሞዝ

ሰ. ካን -ሳባ ኪዳነ

ሸ. በዓል- ኣደይ ተስፊት የውሃንስ

ቀ. ጥፍኣት -ተስፉ ሓጎስ

 

 

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleጠዓሞት፡ ቢንያም “ናይ ሎምዘበን መገሻ እንታይ’ዩ ቁንቁኛኣ᎒”
Next Article የቐንየለይ ወርሒ
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?