Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Thursday, May 22, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»ልበ ወልድ»ናፍቖት ኣደይ ኢታይ

ናፍቖት ኣደይ ኢታይ

0
By Mekonnen T. on February 28, 2015 ልበ ወልድ
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ዮሃንስ ኣብርሃም

ድሕሪ ረፈረንዱም ሓደ ዓመት ኣቢሉ ኢዩ። እቲ ኣብ ሚላኖ ኢጣልያ ዝነበረ መድሃኔ ወደይ ጠለብ ገይሩለይ ምስ ከድኩ፣ ድሕሪ ሓደ ሰሙን ድማ ነቶም ኣብ ናፖሊ ይቕመጡ ዝነበሩ እንዳ ሚዛን ሓፍተይ ክበጽሖም ከድኩ። ብናፍቖት ምፍልላይ ናይ ነዊሕ ዓመታት ተተጠማጢምና ምስተሰዓዓምና፣ ሚዛን ሓብተይ “በል ኣደይ ኢታይ ከኣ ኣብዚ ኣለዋ፣ ሰላም በለን…” እናበለት፣ ናብ ሓማታ ኣደይ ኣድሓነት ዝነበርኦ ክፍሊ መርሓትኒ።

“ኣደይ ኢታይ! ኣደይ ኢታይ…!” ደጋጊማ ብዓውታ ምስ ኣድሃየተን ነቲ መቑጸርያ እናፈለያ ዝደግሞኦ ዝነበራ ጸሎት ኣመንግየን ኣንፈተን ናባና ገበራ። ዓይነን’ውን ኣብቂዑ ከምዝነበረ በቲ ስሒቱና ዝነበረ ጠመተ የዒንተን ተረዳእኩ።

“ግርማጼን ሓወይ ካብ ዓዲ መጺኡ! ሰላም ይብለክሎ…”

“እእ? እንታይ ኢኺ ትብልንቲ?…እንታይ ኢኺ ደሊኺ ሕጂ’ኸ?

ዘይ ከምትርኢተን ኣዘራርብአንን ድምጸንን ምስ ሙሉእ ሓይሉ ኢዩ ነይሩ።

ኣብ መንጎ ጸሎተን ዝኾለፍናየን ባህ ዝበለን ይመስላ ኣይነበራን።

 

“…ግርማጼን ሓወይ ክርእየኪ ካብ ዓዲ መጺኡ” ድምጻ ክብ ኣቢላ ደገመትለን።

ኣብ ዓዲ ግርም ኢየ ዝሰማምዐን ነይረ። ረሲዐናኒ ዶኾን ይኾና ኢለ እናሓሰብኩ እንከለኹ መቑጸርያአን ድርብይ ኣቢለን፣

“ግርማጼን ሓወይ ዲኺ ትብሊ ዘለኺ’ንቲ! ኢሂ’ሞ ግርማጼን….ድሓን ዲዩ…?! “ ሓተታ።

“ካብ ዓዲ መጺኡ’ሎ ስዓምዮ…”

ናብቲ ኮፍ ዝበልኦ ሳሎን ደኒነ ሰዓምክወን። ክልተ አእዳወይ ገጥ ኣቢለን ሓዛኒ። “ንስኻ ግርማጼን ወዲ’ያ ክንፈ ኢኻ?!” ነቲ ሚዛን ዝበለተን ስለዘይኣመና፣ ርእየን ከየረጋግጻ ድማ ኣዒንተን ስለዝጠለመን፣ ኣጥቢቐን ሓተታኒ።

“ኣነ’የ… ኣነ ግርማጼን፣ ከመይ ትኾና’ለኽን ኣደይ ኢታይ”

“ኣንታ! ብሓቂ ካብ ዓድና ኢኻ ትመጽእ ዘለኻ?! “ ነታ ከባብ ቆቢዐን ኣውጺአን ነቲ ጡጥ ዝመስል ሓድሽ ብቋልያ ጸጉረን ሓኸኻ።

“ኣንቲ ካብ ዓድና’ምበር ካበይ ክመጽእ ….ኡፍ…” ኣንጸርጸረት ሚዛን።

“ጥዕናኽን ከመይ ኣለኽን ኣደይ ኢታይ?” ጨደርኩ።

ቅድሚ ንሕቶይ ምምላሰን ታቦት ዓድናን ኣስማት መላእኽትን በብሓደ እናረቑሓ ደጋጊመን ኣመስገና።

“ኮፍ እስከ በል ዝወደይ፣ ኮፍ በል ኣብዛ ጎነይ! ዘለኽዎ ሃለዋት ድኣ እንታይ ሃለዋት ኣለዎ፣ ሃለዋት ዶ ኮይኑ! ሃለዋት የብለይን ኣዴኻ!”

ክልተ የእዳወን ኣብ ኣብራኸን እናጠፍጠፋ ብሓውሲ ቁዛመ ምስ መለሳለይ በቲ ዘይተጸበኽዎ መልሰን ሰንቢደ ንሚዛን ሓፍተይ ጠመትክዋ።

“ኣመላ’ዩ…። ንዘዝመጸ ጋሻ ከምኡ እንተዘይ’ላ ትሓምም’ያ” መለሰትለይ። ብዘረባአን ከምዝሓረቐት ኣይከወለቶን።

“እንታይ ኢያ ትብለካ ዘላ? ምዃን ንሳ እንታይ ገይራ፣ ወደይ’ዩ ተጻዊቱለይ…”

እቲ ኩነታት ግር ከምዝበለኒ ዘስተብሃለት ሚዛን፣ ንሳሎን ንኺድ ኢላትኒ ተበገሰት።

ኣደይ ኢታይ ዘረብኣ ግዲ ሰሚዐንዖ ወይ ገሚተን፣ ቆብ ኣቢለን ሓዛኒ። ነቲ ስጋ ዘይነበሮ ሩሐን ተመልኪተ ትሪ ኣእዳወን ገረመኒ።

“ደሃይ ዓድና ንገረኒ ግርማጼን ወደይ! ዓደይ ናፊቐ፣ ዓደይ ናፊቐ!” በቲ ፈጥፈጥ ዝብል የእዳወን ደረተን ጠብጠባ፣ ክቱር ናፍቖት ከምዝነበረን በርሃለይ።

“ክመጽእ’የ፣ ነደይ ኢታይ ቁሩብ ከዕልለን…” በልክዋ ነታ ትጽበየኒ ዝነበረት ሚዛን።

“ሳንዳይ ብርነሽ ከመይ ኣለዋ?” ብዛዕባ ወላዲተይ ኢየን ዝሓታ ነይረን።

“ደሓን’ያ ደሓን፣ ትኣርግ ጥራሕ” መለስኩለን። ይጻንዐን ኢዩ ኢለ እናሓሰብኩ ድምጸይ ካብታ ክፍሊ ሓሊፉ ኣብ ጎረባብቲ ይስማዕ ነይሩ ይኸውን’ዩ።

“እርጋን? እርጋን ዓድና ደኣ ዝተመረቐ እንድኣሉ ዝረኽቦ ግርማይ ወደይ! ኣነ’ኸ ደኣ እንታይ ይብሃል መጻወቲ ቈልዑ ኮይነ ተሪፈ ዘለኹ!”

“ከምኡ’ባ ኣይትበላ ኣደይ ኢታይ፣ ዘይ ምስወድኽን ዘለኽን፣ ደሓር ድማ መን’ሞ ኣለክን ኣብ ዓዲ፣ ኣብዚ ምስደቅኽን ማሙቓ’ምበር” ከደዓዕሰን ፈተንኩ።

“ደሓን ናይቲ ወደይስ ይጽንሓልካ… ናይ ዓድና ጥራሕ የዕልለኒ…”

ማዕረ ክንድኡ ስለምንታይ ጸሊእክናኦ ኢለ ክሓተን ሓሲበ፣ ነታ ሕቶ ንግዚኡ ኣጽናሕክዋ።

“ዓድና ደኣ ናጻ ወጺኣ፣ ደቅና ኣትዮም፣ ንሕጎስ ኣለና… ናብራና ናብራ ዓዃይ ድማ ከምቲ ትፈልጥኦ እንድኣሉ… እናዘርኡ’የ ገዲፈዮም፣ ማይ’ውን ጽቡቕ ጀሚሩ ቀንዩ”

“ናይ ደቅናስ ሰሚዐ ዝወደይ! ንወላዲተ ኣምላክ ተንበርኪኸ ከመስግን’ኳ ውዒለ! ኣሰና፣ ኣሰና ግዳ! ጥዑም ኣስማዕካኒ… ጥዑም ርኸብ…” በላኒ ነቲ ንማለቱ’ውን ስኒ ዘይተረፎ ጓህማም ግርጻነን ብደስታ እናገልሃ።

“እሞ እቲ ዋለኻ ዓድናስ ሕጅ’ኸ ጨፈቕፈቕ’ዶ ይብል ኣሎ? እቲ ንግሆ ማይ ጥሪቕ እናበለ ሳእንና ኣብ ኢድና ሒዝና ክሳብ ብርክና እናተዋሓጥና ክንወፍር ኣየ’ወ!” ኣስተንተና። ጥር ኢለን ጨፈቃ ዓድና ምዝካረን ገሪሙኒ ሰሓቕኩ።

“ኣንትን ኣደይ ኢታይ ጨፈቃ ድኣ እንታይ ክትዝክራሉ? ኣብዚ’ኸ ጭቃ’ዶ የለን’ዩ?” ከዛርበን ኢለ’የ።

“እንታይ ክህሉ’ንታ! እቲ ብሩኽ ጭቃ ዓድናስ ኣብዚ ክህሉ! ኣንታ ግርማጼነይ ሓንቲ ነገር ክሓተካን’ዶ ግዳ ሕራይ በለኒ…” ሃሰስ ኢለን ኢደይ ድሕሪ ምጭባጥ መልሰይ ተጸበያ።

“ዝኽእሎ እንተኾይነ ድኣ ሕራይ፣ ዓቕመይ ጥራሕ ይኹን እምበር …”

ኣየወድኣንን።

“ሕራይ ትበልካ እታ ማርያም! ብርክኻ ይጽናዕ! ብደቅኻ ክበር! ጽኑዕ ርገጽ….” ዝደለይኦ ቅድሚ ምሕታተን ምርቓ ኣብ ርእሲ ምርቓ ደራረባኒ።

“ከምዚ ትርእየኒ ኣብዚ ካብ ዝመጽእ ዓሰርተ ክልተ ዓመት አሕሊፈ ኣለኹ፣ እንሀልካ ምስ መጻእኩ እዚ ርጉም ናብ መን ክንሰደኪ፣ ኣይትኸድን ኢኺ፣ እናበለ ምስዳድ ኣብዩኒ። ሕጂ ድማ ዝወደይ ብዝጊ መጺእኻኒ ኣለኻ…” ዝያዳ ኣትሪረን ጨበጣኒ’ሞ ዘረብአን ቀጸላ።

“…ኣብዚ ምስ መጻኹ ዓይነይ ዓዊረ! እዝነይ ጸሚመ! እንታይ ተሪፉኒ…ሞት’ያ ተሪፋትኒ! ኣብታ መሬት ዓደይ ክቕበር ውሰደኒ! ኣብቶም ካህናት ዓድና ክፍታሕ ውሰደኒ!”

 

ብቃላተን ልበይ እኳ እንተተንከፍኩ በይነይ ንዘይውድኦ ቃል ክኣትወለን ግን ዝክኣል ኣይነበረን።

“ደሓን ኣደይ ኢታይ፣ ንተኸስተ ከዛርቦ ኢየ። ሕራይ እንተይሉ ባዕለይ ሒዘክን እኸይድ…”

እንታይ ከምዝበልኩ ተረዲእወን ድዩ ኣይተረድአንን “ኣንታ ብሩኽ!” እናበላ ደጋጊመን መረቓኒ።

“ኣንታ ግርማይ ወደይ እታ ዳዕሮ ሰበነስ ኣላዶ?” ሃንደበት፣ ዝፈልጥኣ ሰብ ከምዝዘከራ ክሳደን ኣቕኒነን እናነነዋ፣ ብዛዕባ እታ ኣብ ማእከል ዓድና ዝነበረት ዓባይ ዳዕሮ ሓተታ።

“እቲ ብስጉርፍኦ ኣኣሪና ክንበልዖስ እቲ ዳዕሮ ዓድና ክንደይ ይምቅር ነይሩ!”

“ኣንትን ኣደይ ኢታይ፣ ንሱ ድኣ ኣይ መርዑት ከለኽን እንዲዩ! ዋላ ናይ ሽዑ ዲዩ ዘናፍቐክን?”

“ኣየ ኣብ ልበይ እንተትኣቱ! ናይ ዓድና ድኣ እንታይ’ሞ ዝናፈቕ ዘየለ?! በዓል ደስታ፣ በዓል ጉዐይ….ኩላተን ይርኣያኒ… እቲ ጨና ናይ ደንበና ከይተረፈ ዊን ይብለኒ! ሽሮ ዊን ይብለኒ፣ ናይዚ ዓዲ ሽሮ ድዩ መሺልካ! ኣየ’ወ ካብቲ ጻሕሊ ሕኽኽ ኣቢልካ ክትበልዖስ እቲ ደበልዋ ዓድና ክንደይ ይጥዕም ነይሩ! ቆንጣሮ ደበልዋ ግዳ ኣይተማላእካን ግርማይ ወደይ?” ብሃርፎት ምራቐን ወሓጣ።

“ተማሊአ እምበር! ንሚዛን ክትሰርሓልክን ክነግራ’የ” እንዳ ወደይ ዝበዝሐ ገዲፈሎም እምበር ሓቀይ’የ ነይረ።

“ብሩኽ እንዲኻ – ብሩኽ ከምተን ኣዴኻ!” ብዛዕባ ኣደይ ከዕልላኒ ጀሚራ። እንተኾነ ግን ሓንሳብ ከይጸንሓ’የን ናብቲ ዝርዝር ናፍቖተን ዳግማይ ተመሊሰን።

ብዛዕባ ኣደይ እናዕለልና እንከለና፣ ኣንስቲ ዓድና ግዲ ዘኪረን እታ ክሳብ ሕጂ እትመላለሰኒ ዘረብአን ኣስዓባ።

“ኣንታ ግርማይ ወደይ እተን ኣንስቲ ዓድናስ ሕጂኸ ተሸብሊለንዶ የልቅሳ?” ሰንቢደ።

“እ? …እንታይ ኢኽን ትብላ ኣንትን ኣደይ ኢታይ!” ሰሓቕን ሓዘንን ተፈራረቐኒ።

“ኣየ’ወ ሳንዳይ ምላሹ ምስ ሞታ ዘልቀስናዮ! ኣብ ደንብአን ተኣኪብና ብኽይ ክንውዕለለን ሕጂ ኮይኑ ይስምዓኒ!”

ብዛዕባ’ተን ዓመት ቅድሚ ንዓዲ ጥልያን ምብጋሰን ዝሞታ ሳንድአን’የን ዝዛረባ ነይረን።

“ኣንታ ግርማይ ወደይ! ኣብዚኣ እንተሞትኩስ መን’ዩ ከልቅሰለይ? ሳልስቲ’ኳ ኣየልቅሱለይን። ዓዲ ሰብ ዘለኹ ድዩ መሲሉካ?! ከምዛ ድንሽ ፍሕር ኣቢሎም ምስ ኣእተዉኒ ዝዝክረን’ኳ የለ! እሞ ድማ ኣብ ዘይ ናይ ዓደይ ሓመድ! እቲ ዓጽመይ ከመይ ኢሉ’ዩ ክሞቖ ግርማይ ወደይ? ኣብ ዘይ ሓመዱ፣ የማነ ጸጋሙ ጓኖት ኣካቢቦሞስ ከመይሉ’ዩ ክቐስን ግርማይ ወደይ? እስከ መልሸለይ! ወይ ኣነ ተካል! ኣድሓነት ተካል….” ነታ ንእሽቶ ጓዕማም ርእሰን እናጠለቓን፣ ብርከን ብኢደን እናጠፍጠፋን ቆዘማ።

“ሓደራኻ ዝወደይ፣ ቅድሚ ዓደይ ምኻደይ እንተሞትኩ ድማ ሬሳይ ክትወስድዎ! መሬት ዓደይ ናፊቐ፣ ሓደራኻ! እዚ ርጉም ይፈልጦ’የ ኣብዚኣ ክቐብረኒ’ዩ። እንታይ’ሞ ኣብ ኢድ ሰብ ወደቕቲ እንዶ ገይሩና ፈጣሪ። ኣበይ’ሞ ሓመድ ዓድኻ ባዕልኻ እትው ኢልካ ከምዛ ጋቢ ትድረቦ እንተትኸውን…”

ተኸስተ እንተዘይኮልፈና፣ ኣነ ክሰምዕ ኣደይ ኢታይ ታህን ናፍቖተን ዘውጸኣሉ ረኺበን ክጸውያ ገና ምቐጸልና።

“ቲባስታ ማማ…! ” ይእከልኪ ኣደ፣ ማለቱ’ዩ።

“ንዓ ኣያ ግርማይ በጃኻ! ዘረባ ኣረጊት ኣይውዳእን’ዩ፣ ናየደይ’ሞ ከኣ ምረት ጥራሕ’ዩ። ኣብቲ ዓዲ እንታይ ከምዝገደፈት እንድዒ፣ ዓደይ ውሰዱኒ ክትብል ትንፋስና ኣምሊቓትና ኢያ” ንሱ ብግደኡ ጸገሙ ገለጸለይ።

ኣይመለስኩሉን።

ኣብ ሳሎን ኮፍ ምስ በልና እቲ ወዲ ሽዱሽተ ዓመት ወዲ ሓብተይ፣ ሰላም ክብለኒ መጸ። ኣብ ሑቕፈይ ኮፍ ኣቢለ በተን ቀቁሩብ ዝፍትነን ጥልያን “ዓባይካ ከይጽምወን ተዕልለን’ዶ?” ሓተትክዎ።

“ምያ ኖና ኖን ሳ ኑላ!” ‘’ዓባየይ ዋላ ሓንቲ ኣይትፈልጥን’ያ’፣ መለሰለይ።

‘…ጥልያን ኣይትፈልጥ፣ ጽውጽዋይ ኣይትነግር፣ ትጸርፈና ጥራሕ!’ ቀጸለ። ናይ ልቡ ኣማሪሩ፣ ምስ ኩራኡ ኢዩ ገሊጹለይ።

ምስ ተኸስተ በይንና ክንዛወር ምስ ወጻእና ኣደይ ኢታይ ኣልዒለ ዘረባ ጀመርኩሉ።

“ኣይትቀየመለይ ተኸስተ፣ ኣደይ ኢታይ ኣዴኻ’የን ንዓኻ ይቐርባ፣ ማዕረ ክንዲ’ዚ ነዚ ቦታ እንተጸሊአንኦ ግን እንታይ ግዲ ዘብል ኣለካ… ዓዲ ዘይትሰደን፣ ክሳብ’ታ ዘለዋ ኣብታ ቤተክርስትያነን እናተሳለማ ምጸንሓ”

“ፔርፋቮረ! ገርሂ ኣይትኹን ኣያ! ኣብኡ ከይዳ መን’ዩ ክኣልያ? ኣብቲ ደገ-ሰላም ክትልምን ምስጀመረት መን ድዩ ዝጽረፍ? ካልእ ድማ፣ ደም ብዝሒ ኣላታ ኣብኡ መን ይከታተላ? ሽዑ፣ ምለሱኒ እንተበለትከ ናብዝን ናብትን መበሊ ንኽእሎዶ? ቆልዑ’ኮ ኢና ነዕቢ ዘለና ኣያ! ናብራ ኤውሮጳ ባዕልና ንፈልጦ” ኣንጸርጽሮት ሓዊሱ መለሰለይ።

ባዕልና ቤተሰባ ዘይንኣልያ እንተይለዮ ካብ ክሳድ ንላዕሊ ከምዝመስሎ ስለዘይጠፍኣኒ ኣይተመላለስክዎን።

“በል ሓደራኻ…” በልክዎ ኣብ መወዳእታ፣ “…ካልእ ይትረፍ፣ እቲ ሬሳአን ግን ኣብታ ዓድና ከምዝዓርፍ ግበር” ዝበለ ይበል ኢለ’ምበር ኣጋውሉ ናይ ነፋሪት ከፊሉ ሬስአን ዓዲ ከእቱ ዘሕልን ሓቦ ከምዘይነበሮ ይነግረኒ ነይሩ።

ተኸስተ ዓይኑ ተኺሉ ጠመተኒ፣ ባህ ኣይበሎን ጥራሕ ዘይኮነስ ዝኾረየ’ውን መሲሉ ተሰምዓኒ።

“ደሓን ሕራይ ኣያ፣ ኣይትሸገር ሕራይ።”

ምስ ወጅሃቱ ዘይሰማማዕ ቃላት’ኳ እንተነበረ፣ ኪንዮኡ ክብሎ ዝኽእል የለን ኢለ ስለዝሓሰብኩ ዘረባ ኣደይ ኢታይ እናሓቐየኒ ስቕ ኢለ መንገደይ ቀጸልኩ።

***

ሕጂ፣ ለበዋ ኣደይ ኢታይ ዓሰርተ ሽዱሽተ ዓመቱ የሕሊፉ’ሎ። ምስ ሞታ ሬሳአን ኣይተሰደልናን። ዳስ ተኺልና ግን ከምቲ ግቡእ ሓዚንናለን። ተኸስተ ወደን ቅድሚ ግዜኡ ዓሚ ምስ ሞተ ግን በዓልቲ ቤቱ ብነፋሪት ውቅያኖሳት ሰንጢቓ ኣብ መሬት ዓዱ የዕሪፋቶ። ሽዑ፣ ምስ ኣደይ ኢታይ ቦታ እንተዝቀያየሩ ክንደይ ምሓሸ እናበልኩ ንበይነይ ኣስተንቲነ። ሎም ዘበን ግን ነቲ “ናይ ሓድሽ ዓመት እንታይ ክሰደልካ” እናበለ ዝሓተኒ መድሃኔ ወደይ ክድውል እንከሎ፣ ነቲ ናፍቖት ዓዱ ዘይወጸሉ ኣዕጽምቲ ኣደይ ኢታይ ምስ መሬት መፈጠሩ ኣተሓቛቑፎ ክብሎ መዲበ ኣለኹ። ከምኡ እንተገይሩ እቲ ኣብ ሓድሽ ዓመት ዝገበረለይ ዝበለጸ ህያብ ክኸውን’ዩ።

2011 ኣስመራ

 

 

 

 

 

 

 

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleጠዓሞት፡ቢንያም “ናይ ሎምዘበን መገሻ እንታይ’ዩ ቁንቁኛኣ?”
Next Article ጠዓሞት፡ ቢንያም “ናይ ሎምዘበን መገሻ እንታይ’ዩ ቁንቁኛኣ᎒”
Mekonnen T.

Related Posts

ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

November 13, 2020
Read More

ማይ ጸሎት

July 14, 2020
Read More

ኣንቶንዮ

October 29, 2018
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?