Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Wednesday, June 4, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»ልበ ወልድ»ነፋሒቶ

ነፋሒቶ

0
By Mekonnen T. on February 14, 2015 ልበ ወልድ
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ደራሲ፡ ኣንቱዋን ቸኮቭ

ትርጉም፡ መም ኣማረ ወልደስላሴ

ኣዛዚ ሓለውቲ ጸጥታ ኦቹምየሎቭ ሓዲሽ ካቦት ወድዩ፡ ኣብ ዕዳጋ ኣብ ዝርከብ ኣደባባይ ተዘዋወረ። ኣብ ኢዱ ገለ ጥቕላል ነገር ዓቲሩ ነበረ። ኣብ ጐኑ ሓደ ቀይሕ ዝጸጕሩን የልድሪን ዝስሙን ሓላዊ ጸጥታ ኣዝገመ።

እዚ ኣብ ጐኒ ኣዛዚ ዝተረኽበ የልድሪን ዝስሙ ሓላዊ ጸጥታ፡ ኣብ ኢዱ ዝተሃገረ ክሽምሽ (ዓይነት ፍረ) ዓቲሩ ነበረ። ኣብቲ ከባቢ ጸጥታ ሰፈነ። ኣብ ኣፍደገ ድኳናትን ኣብያተ መግቢን ተዓኒዶም ዝጥምቱ ሰባት ብትርኢቶም ጕሁያት መሰሉ።

“እምበኣር ነኺስክኒ። ኣንቲ ኣውረ፡ ለኺፍክኒ ማለት ድዩ?” እዛ ዘረባ ኣብ እዝኒ ኣዛዚ ኦቹምየሎቭ ኣተወት። “ኣቱም ቈልዑ፡ ቀልጢፍኩም ሓዙዋ። ነታ ከልቢ ኣርክቡዋ። ሰብ ነኺሳ ክትሃድም የብላን። ሕራይዶ? ተላይ ኣይትዘንግዑ!” እዚ ዘረባ እዚ’ውን ተቓልሐ።

ኣብቲ ህሞት’ቲ ዝተቐንዘወት ከልቢ ትውጭጭ ከም ዘላ ተስተብሃለ። ኣዛዚ ኦቹምየሎቭ ናብቲ ድምጺ ዝስመዐሉ ከባቢ ምስ ተጠውየ፡ ሓንቲ ከልቢ ነታ ሓንቲ ኣንጠልጢላ ብሰለስተ ኣእጋራ እናነጠረት ትሃድም ከም ዝነበረት ተዓዘበ።

እታ ከልቢ ኣብ ቅድሚኣ ናብ ዝርከብ ቍጥቋጥ ኣምርሐት። ሓደ ካብ ጡጥ ዝተሰርሐ ጥብቆን ዘይተለጕመ ጂለን ዝወደየ ሰብኣይ ድማ ደድሕሪኣ ጐየየ። ኣይደንጐየን ከኣ ንዳሕረዋይ እግራ ኣትዒቱ ብምሓዝ ደው ኣበላ።

ከም ብሓዲሽ ከኣ ውጫጨ ቃንዛን ድምጺ ሰባትን ተሓዋወሰ። “ኣይትስደዳ፡ ኣይትስደዳ!” ብዙሓት ተዳህዩ። እቲ ድምጺ ንሓያሎ ሰባት ዓደመ። ኣብ ውሽጢ ድኳናት ኰይኖም ክሻየጡ ዝጸንሑ፡ እንታይ ከም ዝተፈጸመ ንምዕዛብ ተቐልቀሉ።

ኣደባባይ ብሃደንቲ ወረ ተመልአት።

“ገለ ዕግርግር ከም ዝተፈጥረ እምበር መሲሉ!” በለ ሓላዊ ጸጥታ ናብ ሓለቓኡ ተጸጊዑ።

ሓለቓ ኦቹምየሎቭ ናብ ጸጋም ገጹ ተጠውዩ ብቐጥታ ናብቲ እኩብ ህዝቢ ኣምርሐ።

ንሱ፡ ዘይተለጕመ ጅለ ተኸዲኑ ዝጐይይ ሰብ ተመልከተ። እቲ ሰብ ድሮ ኣብ ልዳት ናይቲ ኣዕጫው ዝሽየጠሉ ስፍራ በጺሑ ነበረ። ኣብ የማነይቲ ኢዱ ንእትርከብ ኣጻብዕቱ ሰፍ ኣቢሉ ድማ ነቲ እኩብ ህዝቢ ኣርኣያ።

እታ ኣጻብዕቱ ትደሚ’ያ ነይራ። ሰኺሩ ከም ዘሎ’ውን ገጹ ኣመልከተ። ኣብ ገጹ፡ “ጽንሒ ኣንቲ ርግምቲ ነዚ ዘውረድክለይ ጕድኣት ክትዓድይዮ ኢኺ።” ዝብል ስምዒት ይንበብ። ኣብታ ኣጻብዕቱ ድማ “ተዓዊተልካ’የ!” ዝብል መልእኽቲ ይመሓላለፍ።

ሓለቓ ኦቹምየሎቭ፡ ነዚ ሰብኣይ ኣለለዮ። ህርይኪን ዝተባህለ ሓጓዳይ ምዃኑ ከመቕጽበት ፈለጦ። እታ ከም ገበነኛ ዝተሓስበት በሊሕ ኣፍንጫን ኣፍን ከምኡ’ውን ዝዓጠረ ሕቖ ዘለዋ ኵርኵር ኣብ ማእከል እቲ ህዝቢ ከብዲ ኢዳ ዘርጊሓ ረፈጥ በለት።

እዛ ኵርኵር ራዕዲ ከም ዝኣተዋ ተፈልጠ። ካብ ኣዒንታ ንብዓት ክፈስስ ተራእየ።

“እንታይ እዩ ኣጓኒፉኩም?” ነቲ እኩብ ህዝቢ ፈጕፊጉ ናብ ውሽጢ ዝኣተወ ሓለቓ ኦቹምየሎቭ ተዛረበ። “ስለምንታይ ወጪጭካ? ስለምንታይከ ንኢድካ ተወዛውዛ ኣለኻ?”

“ክቡር ጐይታ! በዚ ጐደናዚ እዘዋወር ነይረ።” ህርይኪን ንኣፉ ብኢዱ እናዓበሰ ድሕሪ ምስዓል ተዛረበ። “ሽዑ ምስ ሚትሪ ሚትሪች፡ ብዛዕባ ዝነድድ ዕንጨይቲ ተመያዪጠ። ኣብቲ ህሞት’ቲ እዛ እትዕዘባ ዘለኻ ኵርኵር ብዘይ ገለ ምኽኒት ንኣጻብዕተይ ነኺሳቶ። ክቡር ጐይታ! ኣነ ሰራሕተኛ እየ። ነዚ ዘውረደትለይ ጕድኣት ካሕሳ እሓትሉ ኣለኹ። ስለምንታይሲ፡ ንሓደ ሰሙን ዝኣክል ነዛ ኢደይ ኣይክሰርሐላን’የ። ምናልባት፡ እዚ ነገር’ዚ ኣብ ሕግታት መንግስቲ ኣይሰፈረን ይኸውን። ዝዀነ እንስሳ ኣብ ወዲሰብ ጕድኣት እንተውሪዱ ከም ገበነኛ ኣይሕሰብን ይኸውን። እዚ ነገር እዚ ክሕሰበሉ ኣለዎ እምበር ብሸለልትነት እንተተሓሊፉ፡ ወዲ ሰብ ክህሰይ’ዩ።”

“ጽቡቕ፡ ኣዝዩ ዝነኣድ ዘረባ!” በለ ኦቹምየቭ ብስምዒት። ንሱ፡ እናሰዓለን ንሽፋሽፍቱ ንላዕሊ እናገምጠለን ተዛረበ። ከም መጠን ኣዛዚ ድማ ነገራት ምእንቲ ከጻሪ ሕቶታት ከቕርብ ጀመረ።

 

“ጽቡቕ! እዛ ኵርኵር ናይ መን’ያ? ኣነ ብወገነይ ነዚ ተፈጺሙ ዘሎ ገበን ብሸለልትነት ዝሓልፎ ኣይኰነኩን። ስምዑ፡ እዞም እንስሳታት፡ ፈቐዱኡ ክዀሉ ዕድል ክወሃቦም የብሉን። ዋናታቶም ዓቢ ምህሮ ክረኽቡ ኣለዎም።” ሓላፊ ኦቹምየሎቭ ነዚ ብዝተዛረበ ቍሩብ ኣስተንፈሰ እሞ ናብ የልድሪን ገጹ ተጠውዩ ዘረባኡ ቀጸለ።

“ስማዕ የልድሪን፡ እዛ ኵርኵር እንታይ ዓይነት ገበን ከም ዝፈጸመት መዝግብ! ድሕሪኡ ኸኣ ዋናኣ መን ከም ዝበሃል መጽናዕቲ ኣካይድ! ብኡነት ኢለ እዛ ኵርኵር እዚኣ ክትሕነቕ ኣለዋ። ኣነ ብወገነይ ሕምምቲ’ያ ዝብል ግምት ኣለኒ።” ሓሳብ ኣቕረበ ንሱ።

“እዛ ኵርኵር ናይ ጀነራል ዚጋሎቭ’ያ ኢለ’የ ዝግምት።” ካብቶም እኩባት ሓደ ሰብ ተዛረበ።

“ጀነራል ዝጋሎቭዶ ዝብል ደሃይዶ ሰሚዐ ሓቀይ? እስኪ ጁባይ ንኸውጽእ ሓግዙኒ። ዳህሪ ገይሩለይ ኣሎ። ስማዕ የልድሪን ሙቐት በርቲዑ። ምናልባት፡ ዝናብ ክመጽእ ምዃኑ ዘመላኽት ኵነታት ኣየር ከይኰነ ኣይተርፍን። ሓደ ነገር ከዓ ከጻሪ ደልየ ኣለኹ። እዛ ኵርኵር ብምንታይ ምኽንያት ክትነኽሰካ ክኢላ? ነዚኣ ጥዑይ ገይርካ ኣብርሃለይ። ኦቹምየሎቭ ጸጸኒሑ ይጥወ። ጸጸኒሑ ኸኣ ዘረባኡ ይቕጽል።

“ብርግጽ’የ ዝብለካ፡ እዛ ኵርኵር እዚኣ ወላ ትዝለል፡ ኣብ ኣጻብዕትኻ ክትበጽሕ ኣይትኽእልን። ርአያንዶ ንኡሽተይ እኮ እያ። ንስኻ ኸኣ፡ ሓቂ ይሓይሽ ክንዲ ጐቦ እትኣክል ፍጥረት ኢኻ። ሕስብ እሞ ኣብሎ፡ ነዚ ኣጻብዕትኻ ብገዛእ ጽፍርኻ ባሕጪርካዮ ኣለኻ። ድሕረኡ፡ ካሕሳ ዝብል ሓሳብ ኣብ ኣእምሮኻ ተኣንጊዱ። መቸም ንዓኻትኩም ኣጸቢቕና ንፈልጠኩም ኢና። ኣንቱም ዲያብሎሳት ንዓና ከተተዓሻሽዉና ከም ዘይትኽእሉ እባ ፍለጡ።”

“እዚ ሰብ’ዚ ከላግጽ ክብል ኣብ ገጽ እዛ ኵርኵር ንሽጋራኡ ኣጸጊዑዎ። በዚ’ያ ተቘጢዓ። ነጢራ ኸኣ ነኺሳቶ። ሓቂ ክንዛረብ እንተደኣ ኰይንና ከምዚ’ዩ እቲ ፍጻመ ክቡር ጐይታይ። ብመሰረቱ እዚ ሰብ’ዚ በሃም’ዩ።” በለ ሓደ ካብቶም እኩባት።

“እዚ ዝበሃል ዘሎ ብምሉኡ ውጹእ ሓሶት’ዩ ክቡር ጐይታ። ————ንስኻ ኣብቲ ስፍራ ኣይነበርካን። ዝረአኻዮ ፍጻመ ኸኣ የለን። ከመይ ገይርካ ኢኻ ደኣ ትምስክር? ክቡር ጐይታ! በሊሕ ሰብ’ዮም። መን ሓቂ መን ሓሶት ተዛሪቡ ዝጠፍኦም ከይመስለካ።” ሓሳብ ኣቕረበ ህርይኪን።

“ኣይትካትዑ!” ብትሪ ተደሃየ የልድሪን።

“እዛ እንስሳ ጀነራል ዝውንኑዋ ኵርኵር ኣይኰነትን! ኰራኵር ጀነራል ከምዚ ዓይነት ኣይኰናን። ናቶም፡ ንሃድን ዘገልግላ ኣኽላባት እየን። ኣብርሀ ንሱ።

“እዚ ትብሎ ዘለኻ ሓቂ ከም ዝዀነ ኣጸቢቕካ ትፈልጦ ዲኻ?”

“እወ ክቡር ጐይታይ።” መለሰ የልድሪን

“ኣንታ ኣነ’ውን እኮ እኽላባት ጀነራል ዓቢ ቍም-ነገር ክዓይዩ ከም ዝውዕሉ እፈልጥ’የ። ጽሩይ ዓሌት ኣለዎም። ተረዲኡኒ ሕጂ። እዚ ነገር’ዚ ክሸፋፈን ዘይግበኦ ጕዳይ’ዩ። ከምዚ ዓይነት ኵርኵር ኣብ ጐደና እናተዘዋወረ፡ ሓደጋ ክፈጥር ዕድል ክወሃቦ የብሉን። ስምዑ፡ እዚ መትሓዚ ዘይብሉ እንስሳ ኣብ ፐትርስበርግ ወይ መስኮው ትም ኢሉ ክዘውዋወር እንተውዒሉ እንታይ ከም ዝስዕብዶ ምገመትኩም? ምስ ረኸቡዎ ሓኒቖም ምቐተሉዎ። ህርዩኪን፡ ሓቂ ክንዛረብ እንተዀይና ንስኻ በዚ ኵርኵርዚ ተሃሲኻ ኢኻ። ነዚ ነገር እዚ ስቕ ኢልና ኣይንሓድጎን።”

“ክቡር ጐይታ! እዛ እንስሳ ምናልባት’ውን ናይቶም ጀነራል ክትከውን ትኽእል’ያ። ኣብ ገጻ ምንም ጽሕፈት የለን። ዘንጊዐ’የ እምበር፡ ሓደ መዓልቲ ኣብቲ ገፊሕ ቀጽሮም ነዛ ኵርኵር እትመስል ርእየ ነይረ እየ።” በለ የልድሪን ነቲ ኣቐዲሙ ዝሃቦ ቃል እናዓጸፈ።

“ኣይትጠራጠሩ። እዚ ኵርኵር’ዚ ናይ ጀነራል’ዩ።” ሓደ ካብቶም እኩባት ነቲ ምስክርነት ኣራጐዶ።

 

“ካቦተይ ክለብስ እስከታ ሓግዘኒ። የልድሪን፡ ረኣዮ’ሞ፡ እዚ ንፋስኮ ከም ጕድ ክነፍስ ጀሚሩ’ዩ። ተቐዚሐ እምበር። ነዛ ኵርኵር ናብ እንዳ ጀነራል ውሰዳ! ኣብኡ ምስ በጻሕካ ድማ ከም ብሓዲሽ መርመራ ኣካይድ። ኣብ መንገዲ ረኺበ ከም ዝሰደድኩሎም ድማ ሓብሮም። ድሕሪ ሕጂ ናብ ጐደና ከየውጽኡዋ’ውን ንገሮም። ምናልባት ከኣ ዋጋ ዘለዋ ከልቢ ክትከውን ትኽእል’ያ። ዝዀነ ዕዋላ፡ ፍንፉን ኣብ ገጻ ሽጋራ እንተወሊዑላ እታ ከልቢ ክትጽየቕ ትኽእል’ያ። ከልቢኮ ተነቃፊት’ያ። ኢድካ ኣውርዶ ኣንታ ዓሻ። ኣንታ ርእሲ ሓምሓም ጥርዓንካ ዋጋ የብሉን። እቲ ጌጋ ናትካ ምዃኑ ርዱእ’ዩ።”

“ኣብ እንዳ ጀነራል ዝሰርሕ ከሻኒ መጺኡ ኣሎ ሕተቱዎ። ዎ ፕሮሆር ንዓ እስኪ ናብዚ፡ እዚኣ ከልቢ እዚኣ ናትኩም ድያ?”

“ከምዚኣ ዓይነት ከልቢ የብልናን።” “ደጊም ኵሉ ነገር በሪሁ’ዩ። እዛ ከልቢ ብራርያ’ያ። ብራርያ እንተዀይና ኸኣ ክትቅተል ኣለዋ።”

“ብራርያስ ኣይኰነትን። እዛ ከልቢዚኣ ሓው ጀነራል’ዩ ዋናኣ። ጀነራል ከኣ ነዛ ከልቢ ኣመና ይፈትዉዋ እዮም።”

“ሓዊ ክቡር ጀነራል ኣብዚ ኣሎ ዲኻ ትብለኒ ዘለኻ? ቭላድሚር ኢቫኒች ማለትካ ድዩ ሓቀይ?” ኦቹምየሎቭ ገጹ እናብርሀ ሓተተ። “ክበጽሐና ደዀን’ዩ መጺኡ?” ኣጥቢቑ ሓተተ ሓላፊ ጸጥታ።

“እወ!”

“ኣይፈለጥኩን ጸኒሐ። እምበኣር እዚኣስ ናይ ክቡርነቶም ኵርኵር’ያ። ተማልአያ ምስኻ። ሕማቕ ኵርኵር እኳ ኣይኰነትን ግን ንኣጻብዕቲ እዚ ሰብ’ዚ መንጪታ ኣላ። ንዒ በሊ ስለ ምንታይ ተንቀጥቅጢ። እዚ ዕዋላ’ኳ ሓሪቑ እዩ ዘሎ። ጽቡቕ ገበርክዮ።”

ከሻኒ ፕሮሆር ነታ ከልቢ ይጽውዓ። ካብቲ እንዳ ዕንጨይቲ ኣውጺኡ ድማ ተማሊኡዋ ይኸይድ። እቲ እኩብ ህዝቢ ብህርይኪን የላግጽ።

“ወረ ገና፡ ማር ማር ክሳዕ ዝብለካ ከጕህየካ’የ።” ኦቹምየሎቭ የፈራርሖ። ካቦቱ ደሪቡ ድማ ጕዕዞኡ ቀጸለ ሓለቓ ኦቹምየሎቭ።

 

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleጠዓሞት፡ቢኒያም “ናይ ሎምዘበን መገሻ እንታይ’ዩ ቁንቁኛኣ?”
Next Article ሮዛን ሰሌን
Mekonnen T.

Related Posts

ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

November 13, 2020
Read More

ማይ ጸሎት

July 14, 2020
Read More

ኣንቶንዮ

October 29, 2018
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?