Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ሮዛን ሰሌን

ሮዛን ሰሌን

0
By Mekonnen T. on February 22, 2015 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል (ሃንችባክ)

5ይ ምዕራፍ መበል 44 ክፋል

*        *        *

ሓደ መዓልቲ ሰዓት ሸውዓተ ናይ ምሸት፡ ህዱእ ንፋስ እናነፈሰ ከሎ፡ ሰለሙን ከምቲ ልሙድ ከባዝሖ ዝጸንሐ ጽሑፋት ወዲኡ ኣብ መኪና ድሕሪ ምእታው፡ ብሸነኽ ኣፍደገ ድምጺ መኪና ሰምዐ። ብቕጽበት ናብ ቤትጽሕፈቱ ምትኩ ተመሊሱ ዝኾነ ምልክት ከም ዘይሓደገ ድሕሪ ምርግጋጽ፡ መብራህቲ ኣጥፊኡ ብሸነኽ ጸጋም ናብ ዝነበረ ዓይኒ ምድሪ ተጓየየ። መኪና ኣብ ፊት ቤትጽሕፈትት ምትኩ ደው ምስ በለት ድማ ሽንቲ ማይ ክደፍእ ዝጸንሐ ብምምሳል ካብ ዓይኒ ምድሪ ወጽአ።

ምትኩ ንሰለሙን ካብ መኪና እናወጽአ ብማዕዶ ስለ ዝረኣዮ፡ “እንደም ኣመሸህ ኣንተ ትግሬ?” በሎ። ክብርሆ ከሎ ከምኡ ኢሉ’ዩ ዝጽውዖ።

“ከመይ ኣምሲኻ ኣቶ ምትኩ?” ኢሉ ኢዱ ጨበጦ ሰለሙን።

“ሰሊጡካዶ?”

ቢራ ሃንገፍ ምስ በሎ ቍሩብ ብምዝናይ፡ “ኣብ ጽቡቕ ግዜ ኢና ረዲእናያ፡ ቍሩብ እንተ ንድንጕይ ዓቢ ኣቕሃ ምሰበረት ነይራ። ብዝኾነ ንግዜኡ ተጸጊና’ላ። መቀያየሪ ኣቕሑ ግን ቀልጢፉ ክመጽእ ኣለዎ፡ እምበር ከምዚ’ልና ክንከይድ ኣይንኽእልን ኢና። ናይ ደሓን ደኣ መጺእካ?” ሓተቶ ሰለሙን።

“እቲ ንቤትማሕተምና ተኣዚዙ ዝነበረ ጥረ ነገራትን መቀያየሪ ኣቕሑን መጺኡ ከም ዘሎ ኣይሓበርኩኻን ድየ?”

“ዘይፈለጥኩ!”

“ድሮ ዓሰብ ኣትዩስ እቲ ወኪል ግምሩክ ጽባሕ ንግሆ ክብገስ ስለ ዝኾነ፡ ጽባሕ ንግሆ ካብ ምትሳእ እተን ስነዳት ተርኒፈየን ክሃድር ይሕሸኒ ኢለ፡” በሎ ምትኩ ናብ ቤትስፅገፈቱ እናሰጐመ።

ሰለሙን ብመጠኑ ተረጋጊኡ፡ “እሞ ኣብዚ ሰሙንዚ ንቕበሎ ንኸውን’ምበር፡” እናበሎ ናብቲ ቤትማሕተም ገጹ ቀጸለ። ሓላዪ ተመሲሉ ክርአ ዝተዛረቦ ቃላት እንተ ዘይኮይኑ ከም ሓቂ ብዛዕባ መቀያየሪ ኣቕሑ ወይ ሽግር ሓተምቲ ዓጢጡዎ ዝተዛረቦ ኣይነበረን። ቤት ማሕተም ዓጽዩ ናብ መኪናኡ እናተመልሰ ከሎ ምትኩ ድሮ ካብ ቤትጽሕፈቱ ወጺኡ፡ “እሞ ደሓን ሕደር ኣቶ ሰለሙን ተሃዊከ እየ ዘለኹ፡” ኢሉዎ መኪናኡ ኣልዒሉ ብናህሪ ተዓዝረ።

ሰለሙን ምሉእ ብምሉእ ኣይቀሰነን። ኣብ መኪናኡ ኮፍ ኢሉ ምትኩ ክከታተሎ መጺኡ ከይከውን ተመራመረ። ንሓጺር ህሞት ምስ ሕልናኡ ድሕሪ ምክታዕ ግን ‘ሓፈሻዊ ኵነታቱ ናይ ታህዋኽ’ዩ ዝመስል፡ ምስተ ሰትዩ ድማ ኣብ ከምኡ ነገር ከተኵር ዝኽእል ኣይመስለንን። ግን ከኣ ወላ እቲ ነገር ከምኡ ይምሰል ምጥንቃቕ ዝመስሉዎ ነገር የሎን፡’ ኣብ ዝብል መደምደምታ በጽሐ። ኣብ ባኮ ዝተጠርነፈ ጽሑፋቱ ተሰኪሙ ድማ ናብ እንዳ ሃብቶም ተበገሰ።

ሃብቶም ኣብ ዓራት ጎቦ ኮይኑ ሽጋራ ከትክኽ ጸንሖ። ሰዓቱ እናረኣየ፡ “ሎምስ ዝደንጐኻ ኮይኑዶ ተሰሚዑኒ?” በሎ ካብ ዓራት እናተስአ።

“ስቕ ደኣ በል። ናይ ሎሚ ኣይዝረብን’ዩ፡ ንዋራ እየ ወጺአ፡’ ብምባል ነቲ ዘጋጠመ ኵነታት ገለጸሉ።

ሃብቶም ጽን ኢሉ ክሰምዖ ጸኒሑ፡ ወዲሰብ ካብ ሽግር’ዩ ዝምሃር። ክሳብ ሎሚ ብዘይ ጸገም ስራሕና ክነሳልጥ ስለ ዝጸናሕና ዘንጊዕና ኔርና ሕጂ ግን ጥንቃቐ ክንገብር ኣለና። ናይ ሎሚ ፍጻሜ ቀሊል ትምህርቲ ኣይኮነን፡” በሎ።

“ብኸመይ ኢና’ሞ ክንጥንቀቕ?”

“ካልእ እንተ ተረፈ ብፍላይ ጽሑፋት ናይ ምብዛሕ መደብ ክህልወና ከሎ፡ ንምትኩ ኣበይ ከም ዘምሲ ክንከታተሎ ክንክእል ኣለና። እዚ ናይ ሎሚ ኣጋታሚ ናይ ተንኰል ዘይክኸውን ይኽእል እዩ። ግን ከኣ ኣዝዩ ሓደገኛ ኣጋታሚ እዩ ነይሩ። ንምዃኑ ምትኩ ከመይ ዓይነት ሰብዩ?”

“እታ ወዲ ክሳብ ሕጂ ብዛዕባኡ ተገዲሰ ዝኣከብኩዎ ሓበሬታ የሎን። ግን ደቂቕ’ኳ እንተ ዘይኮነ ንግዜኡ መበገሲ ክኾነና ዝኽእል ሓበሬታ ኣይሰኣንን’ዩ። ከም ባህሪ ስሱዕ፡ እፈልጥ’የ በሃሊ ኮይኑ፡ መስተ የዘውትር’ዩ። ኣብ ደቂኣንስትዮ ግን ክንድቲ ኣይኮነን። ብዘይካ ሓደ መዓልቲ ዳርጋ ኣብ መስተ ተራኺብና ኣይንፈልጥን ኢና። ብቐረባ ዝፈልጡዎ ሰባት፡ ኣብ ዝኾነ ዕላሉ ንሃጸይ ቴድሮስ ኣመና ከድንቖ ከሎ፡ ንሃጸይ ምኒሊክ ግን ወላ’ኳ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ስልጣኔ ጩራ እንተ ኸፈተን ንኢታልያውያን እንተ ሰዓረን፡ ኤርትራ ግዝኣት ባዕዲ ክትከውን ስለ ዘፍቀደ ታሪኻዊ ጕድለት ዝፈጸመ መራሒ’ዩ ብምባል ኣትሪሩ እዩ ዝነቕፎ ይብሉ። ብዘይካዚ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ከሎ ቃርማ ነይሩ እዮም ዝብሉዎ፡”

ሃብቶም ክስሕባ ዝጸንሐ ሽጋራ ቈጽዩ፡ “እዚ ደኣ ሓደገና ሰብ’ንድዩ!” ኢሉ ተወሳኺ ሓበሬታ ክሰምዕ ጽን በለ።

“ትውልደይ ካብ ነገስታት ወሎን ቤገምድርን’የ ኢሉ ዝጀሃር ኣዝዩ ትምክሕታዊ ሰብ ኣብ ራሲ ምኳኑ፡ የፋሲል ዘር! እናበለ ክፍክር ባዕለይውን ሰሚዐዮ ኣለኹ። ብዘይካዚ እዚ ሒዙዎ ዘሎ ናይ ሓላፍነት ቦታ ኣያ በያ ረኺቡዎ’ምበር፡ ከም ግቡእ ንሓደ ልዕለኡ ትምህርትን ግድምናን ዘለዎ ያሲን ዝብሃል ሓላፊ ህሳብ ወዲሃረር እዩ ዝግባእ ነይሩ እዮም ዝብሉ። ካብዚ ዝተበገሰ ድማ እዚ ዝብለካ ዘለኹ ወዲሃረር ብፍላይ መስተ ኣብ ዘብዝሓሉ እዋን ንምትኩ ዓው ኢሉ፡ “ኣንተ ፊዩዳሊስት ነህ፡ ሪኣክሽነሪ!” እናበለ ኣብ ገጹ’ዩ ዝጸርፎ። ካልእ ገዲፍካ ግን ምትኩ ከይሰተየ ዝሓድረሉ ለይቲ ስለ ዘየሎ ብልጫ ኣሎና በሃላይየ።”

“ሰኽራም ዘምጽኦ ሓበሬታ ቀሊል ኣይኮነን ሰሌ። ስለዚ፡ ብዛዕባ ምትኩ ንምፍላጥ ንያሲን ክትቀርቦ ኣለካ። ካልእ እንተ ተረፈ፡ ጥላሁን ኣበይ ይሰቲ? መዓስ ይሰቲ? ምስ በዓል መን ይዘውር? እንተ ፈሊጥና ጽሑፋትና ኣብ እነባዝሓሉ ግዜ ህላዌኡ ተኸታቲልና መደብና ክንሰርዕ ንኽእል ኮይኑ ይስምዓኒ። ስራሕና ውህስነት ክህልዎ ግደነት ስለ ዝኾነ ነዚ ጕዳይ’ዚ ብዕቱብ ክንሕዞ ኣለና።”

“ናቱስ ግዲ የብልካን። ያሲን ኣደሬ ስለ ዝኾነ፡ “ታድያስ ያስመራ ልጅ?” እናበለ ጽቡቕ ስለ ዝቐርበኒ ጸገም የሎን። ኣብ መስተ ግን ክልተ መዓልቲ ኢና ተራኺብና። ሽዑ ድማ ብዘይመተን ሰኺሩ ሃለፍ ክብል ስለ ዝጀመረ፡ ብሓይሊ ኣተሲአ ገዝኡ ኣብጺሐዮ፡” ኢሉ ሰዓቱ ረኣየ ሰለሙን።

ሃብቶም ኵነታቱ ኣስተውዒሉ፡ “እሞ ወዲእና’ለና፡ ዝባሕ ናይ ምሸት ንራኸብ፡” በሎ ካብ ኵርሱ እናተስአ።

 

*        *        *

 

ሮዛ በቐትሩ ቀጨውጨው ክትብል’ያ ውዒላ። ኣብ ዓራት ጎቦ ትኸውን፡ ከም ብሓድሽ ተሲኣ ኣብ ውሽጢ ገዛ ዘውርወር ትብልሞ፡ ዳግማይ ናብ ዓራት ከይዳ ጎቦ ትኸውን። ኣጋ ሰዓት ኣርባዕተ ግን ቅርጸት ስለ ዝጀመራ ሰለሙን ክሳብ ዝመጽእ ዳርጋ ካብ ዓራት ከይተስአት ውዒላ።

ሰለሙን ካብ ስራሕ ኣትዩ ኣብ ሳሎን ምስ ሰኣና ናብ መደቀሲ ክፍሊ ሓለፈ። ደቂሳ ምስ ረኣያ፡ “ተጸሊኡኪ ድዩ ሮዚና?” በላ ጁባኡ እናውጽአ።

“እንድዒ እንታይ ከም ዝደለየኒ ቅርጸት ገይሩለይ ውዒሉ፡” ክትብል መለሰትሉ ከም ሓፍ ኢላ ኣብ መተርኣስ እናተጸግዐት።

“መዓስ ጀሚሩኪ?” እናበለ ኣብ ዓራት ኮፍ በለ።

“ሰዓት ኣርባዕተ ገጹ፡” ኢላ ከብዳ ሸቓሹቑዋ ግዲ ኮይኑ ገጻ እናጨማደደት። “ኣምላኽ ይመስገን ሕጂ ሕሹኒ’ምበር ሕማቕ’የ ውዒለ፡” በለቶ።

“ስለምንታይ ግን ቴለፎን ዘይደወልክለይ?”

“ይገድፈኒ ይኸውን ኢለ ከሸግረካ ኣይደለኹን።”

“ንምዃኑ መዓልትኺ ቀሪቡ ድዩ?”

“መዓልተይሲ ዳርጋ ኣኺሉ’ዩ።”

“ክንደይ መዓልቲ ተሪፉኪ?”

“እስኪ ጽናሕ፡” ኢላ ኣዋርሕ ክትቈጽር ዝን ድሕሪ ምባል፡ ርእሳ ኣቕኒዓ፡ “ክልተ መዓልቲ ደኣ ከይከውን ተሪፉኒ ዘሎ፡” ክትብል መለሰትሉ።

መልሳ ምስ ሰምዐ ከም ስንብድ ኢሉ፡ “ኣንቲ ሮዛ፡ ብ ክልተ መዓልቲ በጺሕኪ ደኣ እንታይ ትጽበዪ ኣለኺ? ንዒ በጃኺ ተስኢ። ቀልጢፍና ጥራይ ናብ ሆስፒታል ክንበገስ ኣለና፡” ኢሉ ሸበድበድ በለ።

ሮዛ ካብ ገለ ጐረባብታ ኣብ ሆስፒታል ደቂተባዕትዮ መሕረስቲ ከም ዘለዉ ከዕልላ ሰሚዓ ስለ ዝነበረት ክትብገስ ኣይደለየትን። ብቕንያቱ ካብ ኣብ ሆስፒታል ትሓርስ፡ ብሓንቲ ልምዳዊት መሕረሲት ክትገላገል መዲባ ነይራ። ድሮ’ውን ብመንገዲ ሓንቲ ጐረቤታ ምስ ሓንቲ ልምዳዊት መሕረሲት ተራኺባስ ተረዳዲኣ ነይራ።

ሰለሙን፡ “ንኺድ ጥራይ!” እናበለ ብኢዱ ደጊፉ ብቐስታ ካብ ዓራት ምስ ኣተስኣ ግን ከይፈተወትሕራይ ኢላ ብድድ በለት። ክዳና ቀዪራ ድማ ኣብ መንኵቡ ተደጊፋ ሰለይ እናበለት ተበገሰት።

ኣብ መንገዲ ትሓርስ ኮይኑ ስለ ዝተሰምዖ፡ ሓጐጽጐጽ ከየብላ እናተሰከፈ መኪና ብህድኣት ተጓዕዘ። ድሕሪ ዕስራ ደቓይቕ ኣብ ቀጽሪ ዘውዲቱ ሆስፒታል ምስ በጽሐ፡ ንሮዛ ኣመዝጊቡ ኣብ ክፍሊ መወልዳን ኣእተዋ። ውጽኢት ክሳብ ዝንገሮ ኣብ ኮሪደር እናዕለበተ ከሎ፡ ኣቓልቦኡ ብሓንቲ ናብኡ ገጻ ክትስጕም ዝረኣያ ንውሕ ኢላ፡ ፈካኽ ስና ነርስ ተሳሕበ። ኮደብ ኮደብ እናበለት ናብኡ ቀሪባ፡ “ነዛ ሕጂ ዝኣተወት ሮዛ ትብሃል ጥንስቲ ሒዝኩም ዝመጻእኩም ዲኹም?” ክትብል ተወከስቶ ኵርትዕ ብዝበለ ድምጺ። ሰለሙን ብእወታ መለሰላ። ኣቃጫጫ ግን ደስ ኣይበሎን።

“እሞ ኣብዚ ክትሓድር ስለ ዝኾነት ኣብ ክፍሊ መዝገብ ኬድኩም ስምኩምን ቍጽሪ ቴለፎንኩምን ሓዲግኩም ክትብገሱ ትኽእሉ ኢኹም፡” ኢላቶ ብግስ በለት።

“ቅድሚ ምኻደይ ክርእያ እክእል ድየ?” ክብል ሓተታ ገና ከይሰጐመት ከላ።

“ናብ ዘላቶ ክፍሊ ምእታው ክልኩል’ዩ፡ ደሓር ከኣ ዘሰክፍ ነገር’ኮ የሎን። ትሓርሰሉ ግዜ ፍሉጥ ስለ ዘይኮነ ቀንፈዘው ናይ ዝበልኩም ትረጕም የብሉን፡ እንታይ ዝበለ መከራ ረኸብና!’ ኢላቶ ዝባና ገልበጠት። ለኸፍከፍ ክትብል ኣስተውዒሉላ ስለ ዝጸንሐ ብትሕትና እዩ ዝዛረባ ነይሩ።

“እንታይ መሲሉኪ ሲስተር . . .” ኢሉ ክሓታ ዘረባ ጀመረ። ንሳ ግን ዘረባኡ ክውድእ ዕድል ኣይሃበቶን። ገጻ ገልቢጣ ተገሪጫ ድሕሪ ምጥማቱ፡ “ክንደይ ግዜ ኣሎ ዘረባ! ክንሰርሕ’ምበር ክንናገር ኣይመጻእናን፡” እናበለት ጠንጢናቶ መንገዳ ቀጸለት።

ሰለሙን ኵርናዕ ተተውያ ካብ ገጹ ክሳብ ትኽወል ኣብ ዝነበሮ ተዓኒዱ ጠመታ። ብትሕቲ መልሓሱ፡ “ናይ እንዳ መን ባእባእ እያ ደቀይ’ዚኣ!” ኢሉ፡ ንሮዛ ተሕርሳ ካልእ ሰብ ክትኮነሉ እናተመነየ ኣብ ክፍሊ መዝገብ ኣድራሳኡ ገዲፉ ናብ ገዝኡ ተበገሰ። ብዛዕባ’ታ ገንጫር ነርስ ጥራይ እናሓሰበ ድማ መኪናኡ ኣልዒሉ ከይተረድኦ ኣብ ኣፍደገ ገዝኡ በጽሐ።

ማዕጾ ከፊቱ ኣብ ሳሎን ኮፍ በለ። ሰንፈላል ኮይኑ ብዓቕሊጽበት ናብ መደቀሲ ክፍሊ ከደ። ልክዕ ከም ሃደ ዝተዘርዐ ዝራብዕ ካብ መደቀሲ ክፍሊ ናብ ሳሎን፡ ካብኡ ናብ ክሽነ፡ ከም ብሓድሽ ናብ መደቀሲ ክፍሊ ክመላለስ፡ ሓንሳብ ብመስኮት ክቕልቀል ግዜ ድራር ኣኸለ። ሸውሃቱ ተዓጽዩ ስለ ዝነበረ ግን ክበልዕ ኣይከኣለን። መደቀሲ እንተኾኖ ኢሉ ካብ ባር ኦመድላ ክልተ ቢራ ክመጽእ ድንዕ በለ። ብድሕሪኡ ካብ ሆስፒታል ከይድውሉሉ ተሰኪፉ ግን ነቲ ሓሳብ ኣዋደቖ። ሰዓት ትሽዓተ ምስ ኣኸለ ኣብ ኦኣራት ጎቦ ኮይኑ ብሰላም ተገላጊላ ዝብል ብስራት ክጽበ ብሃንቀውታ ጭትም ክብል ኣምሰየ። እናናሳዕ ሰዓቱ እናረኣየ ክሳብ ሰዓት ዓሰርተ ምስ ተጸበየ፡ ተስፋ ቈሪጹ ክድቅስ ፈተነ። ድቃስ ግን በየን ይምጻእ።

ቅድሚ ወርሒ ኣቢሉ፡ በዓልቲቤቱ ንሓደ መሳርሕቶም ብሰንኪ ኣብ ሕርሲ ዘጋጠማ ምምራዝ ደም ከም ዝሞተት ስለ ዝፈልጥ፡ ኣእምሮኡ ኣዝዩ ተረቢሹ እዩ ሓዲሩ። ለይቲ ምእንቲ ርእሳ ክትብል ምስ ወግሀት፡ ብጥሜት ተካኢሉ ሰልሃው ኢሉዎ ነይሩ። ቀልቡ ምስ ሮዛ ጥራይ ብምንባሩ ግን ቍርሲ ከይበልዐ ደሃያ ክፈልጥ ኣንጊሁ ናብ ሆስፒታል ክኸይድ ክሰባሸብ ጀመረ። ጭሕሙ እናላጸየ ከሎ ቴለፎን ጭር! በለት። ካብ ሆስፒታል ምዃኑ እናተኣማመነ ምስ ዓፍራኡ ናብ ሳሎን ብምጕያይ ቴሌፎን ኣልዒሉ፡ “ሃለው! ካብ ሆስፒታል ድዩ?” በለ ኣበርቲዑ እናኣተንፈሰ።

“ካብ ዘውዲቱ ሆስፒታል’ዩ፡ በኦኣልዪቤትኩም ሃሪሰን ስለ ዘለዋ መጺእኩም ክትወዱወን. . .” ዝብል ቀጢን ናይ ጓልኣንስተይቲ ድምጺ ምስ ሰምዐ፡ ዝቕጽል መልእኽቲ ከይሰምዐ ቴለፎን ዓጽዩ ናብ ኦኣይኒ ምድሪ ተመልሰ። ካብ ምሒር ታሕጓስ ዝተላዕለ ጭሕሙ ልጹይን ዘይልጹይን ገይሩ፡ ክዳኑ ከይቀየረ መኪናኡ ኣተስአ። ከም ንፋስ እናተወንጨፈን ኣብ ቅድሚኡ ዝጸንሖኦ መካይን እናሓለፈን ድማ ኣብ ቀጽሪ ሆስፒታል በጽሐ። መፍትሕ መኪና ኣብ ኢዱ ሓጨልጨል እናበለ ናብ ክፍሊ መዝገብ ከምርሕ ከሎ፡ እታ ብድሮኡ ዝጸንሃቶ ልኽፍቲ ከይትጸንሖ ኣዝዩ ተሰከፈ። ተረና ዝነበረት ነርስ፡ “ኣቶ ሰለሙን ዲኹም?” በለቶ ብፍሕሹው ገጽ።

ብእወታ ምስ መለሰላ፡ “በዓልቴቤትኩም ዕድለኛ’ያ፡ ሰዓት ሃደ ናይ ለይቲ ብዘይገለ ጸገም ተገላጊለን ኣለዋ፡” ኢላ መሪሓቶ ሮዛ ናብ ዝነበረቶ ክፍሊ ተበገሰት። ንጸጋም ተተውያ ትኽ ኢላ ድሕሪ ምኻድ፡ ንሓንቲ ዕጽውቲ ገዛ ሓሊፋ ኣብ ሓንቲ ኣርባዕተ ዓራት ዝነበራ ክፍሊ ኣተወት። “ጽብቕቲ ጓል ወሊድኩም፡” ኢላ ኣብ ፊቱ ናብ ዝነበረት ዓራት ኣመልኪታትሉ ድምጺ ሰሚዓ ሓዲጋቶም ወጽአት።

ሮዛ ነታ ዕሸል ጓላ ሓቝፋታ ምስ ረኣያ፡ ብታሕጓስ ተፈንጭሐ። ሮዛ፡ “ወዲ እየ ዝወልድ እንታይ ትዓብስ ጓል’ያ፡” ክትብል ከላ ንሱ ግን፡ “ጓል ኢኺ ትወልዲ፡ ጓል’ያ ናባዪት ስድራኣ፡” እዩ ዝብል ነይሩ።

ሮዛ ብብሩህ ገጽ ፍሽኽ በለቶ። ናብኣ ቀሪቡ ነታ ናይ ሰዓታት ዕድመ ዘለዋ ዕሸል ቀው ኢሉ ጠመታ። ካብ ሕቝፊ ኣዲኣ መንጢሉ ክስዕማ ኣይጸልአን። በንጻር’ቲ ተረቢሹዎ ዝሓደረ ምሉእ ቅሳነት ተሰምዖ።

ሮዛ ብድሮኡ ዝነበሮ ዘይርጉእ ኵነታት ኣስተውዒላትሉ ስለ ዝነበረት፡ “እሂ ሰሌ፡ ተሻቒልካዶ ሓዲርካ?” በለቶ ኣንቃዕሪራ ናብተን ድቃስ ብምስኣን ስኢነን ዓዝዒዘን ዝነበራ ኣዒንቱ እናጠመተት።

“እንታይ’ሞ ክብለኪ’የ፡ ለይቲ ሓራሳት እዩ ዝብሃል። ምሉእ ለይቲ ቴለፎን ክድውላ እየን ኢለ ከዕለብጥ ጥራይ ሰለም ከየበልኩ ሓዲረ። ክንደይ ይሓስማ ጓለይ ሽዑ ንግር እንተ’በላኒ እንታይ ይጐድለን?”

“ሽዑስ ክድውላልካ ኣይክእላን’የን ሰሌ፡ ላዕልን ታሕትን ክብላ’የን ሓዲረን። ህይወት ኣይኮነን ዘለዎኦ።

ነርስ ገለ ወረቃቕቲ ሒዛ ድሕሪ ምምላስ ናብ ሮዛ ብምቕራብ፡ “እሞ ቀስ ኢልኪዶ ክትትስኢ ሮዛ?” እናበለት ነታ ዕሸል ብቐስታ ምስ ተቐበለታ፡ ሮዛ ካብ ዓራት ብምውራድ ንጓላ ካብ ነርስ ተቐቢላ ብዝግታ እናሰጐመት ብዘይ ገለ ጸገም ኣብ መኪና በጽሐት። ሰለሙን ነተን ዝርካበን መካይን ብዝግታ ሓሊፉ ኣብ ገዛ ምስ በጽሑ፡ ነታ ዕሸል ካብ ሮዛ ተቐቢሉ ኣብ ዓራት ኣደቀሳ። ብኡንብኡ ንስድርኡ መታን ከበስሮም ናብ ኣስመራ ቴለፎን ደወለ። ናብ ሃብቶም ዓርኩ ደዊሉ’ውን፡ “ብልግነት ከሲርካ ዓርከይ ሮዛ ጓል ተገላጊላ፡” ምስ በሎ፡ “እንቋዕ ጥራይ ብሰላም ተገላገለት’ምበር ብልግነትስ ከርክበሉ’የ ናበይ ከይከደኒ ፈሪሕካ። ክሳብ ዝመጽእ ግን ንሮዛ ሓራስ ኣንበሳ ይግበርኪ ኢሉኪ በለለይ፡” ክብል መለሰሉ። ሰለሙን ምስ ሃብቶም ዝጀመሮ ዕላል ከይወድአ ከሎ፡ እንቋዕ ማርያም መሓራኺ ዝብላ ሰለስተ ጐረባብቲ ተመራሪሐን ናብ ሳሎን ኣተዋ። ሰለሙን ድማ በጊዕ ክገዝእ ናብ በግ ተራ ነቐለ።

 

 

*        *        *

ይቕጽል

6ይ ምዕራፍ መበል 45 ክፋል ረቡዕ 25 ለካቲት

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleጠዓሞት፡ ቢንያም ናይ ሎምዘበን መገሻ እንታይ’ዩ ቁንቁኛኣ᎒”
Next Article ምድንቋር ይሕሾ
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?