Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ጀግንነታዊ ቅያ ሓድጉ ገብረኣብ

ጀግንነታዊ ቅያ ሓድጉ ገብረኣብ

0
By Mekonnen T. on January 1, 2015 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

*ዛንታ ቢንያም፡ ዛንታ ኤርትራዊ መንእሰይ’ዩ !*

ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ምስ ሓንቲ ብዕድመ ንእስ ዝበለት ጓል ኣብ ቻት እናዕለልኩ “ትጽሕፎ ልበ-ወለድ ኣዝየ ዘድንቖ ብጣዕሚ ደስ ዝብል’ዩ” በለትኒ። ኣነ ከኣ ገለ ካብ ሓጸርቲ ዛንታተይ ዘንበበት ስለዝመሰለኒ “ኣየነተን ፈቲኺ᎒” ምስ በልኩዋ “ኩሉ እቲ ኣብ ጠዓሞት፡ ቢንያም ትጽሕፎ” በለትኒ። “ዋእ ኣብ ጠዓሞት፡ቢንያም ደኣ’ሞ ልበወለድ ጽሒፈ ዘይፈልጥ” በልኩዋ። ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ’ውን ሓደ ደሓን ኣፍልጦ ኣለዎ ዝብሎ ጋዜጠኛን ጸሓፍን “እዚ ናይ ጠዓሞት ቢንያም ኩሉ ሓቂ’ዪ ኖ ᎒” ብምባል ሓተተኒ። ኣብ ጠዓሞት ቢንያም ክሳዕ ሕጂ ልበወለድ ኣይጸሓፍኩን። ዝጽሕፍ’ውን ኣይመስለንን። ህይወት ኤርትራውያን ብኣዚዩ ኣደነቕቲ ፍጻሜታትን ሕልኽላኻትን እናሓለፈ ከሎ ልበወለድ ዘጽሕፍ ምኽንያት ዘለኒ ኣይመስለንን። እቲ ጽሑፍ ሰሓቢ ክኸውን ኣብነታትን ምስላታትን ክውስኸሉ ወይ ተነባቢ ክኸውን ቃላት ክመርጸሉ እኽእል እኽውን፡ እንተ እቲ ፈጻሜታት ግን ሓቂ’ዩ። ነፍሲ ወከፍ ፍጻሜ ከኣ ዋና ኣለዎ። ቅድሚ ካብ ሃገር ምውጽአይ ን

ኣስታት ክልተ ዓመት ዝኸውን ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ዓምዲ ኣጋጣሚ ዝተፈላለየ ጽሑፋት ኣበርኪተ ኔረ። ኩሉ እቲ ጽሑፋት ዘጋጠመኒ ወይ ኣብቲ ፍጻሜ ዝነበሩ ሰባት ዘዕለሉን እዩ ኔሩ። ሓያሎ ካብ ኣንበብቲ ግን ልበወለድ ዝመስሎም ኔሮም። ኣብቲ እዋን ብስራሕ ምኽንያት (ማለት ቪድዮ ንምቕራጽ) ናብ ሓያሎ መርዓታት እኸይድ ብምንባረይ ዝበዝሐ እቲ ፍጻሜታት ኣብ መርዓ ዘጋጥም ፍሉይ ነገር’ዩ ኔሩ። ሓንቲ ጥር ትብል ልበወለድ ግን ኣብ ዓምዲ ኣጋጣሚ ኣየበርከትኩን። ሕጂ’ውን ጠዓሞት፡ቢንያም ልበወለድ ኣይክተአንግድን እያ። እቲ ምእማንን ዘይምእማንን ን ኣንባበቲ ዝግደፍ ኮይኑ እቲ ጽሑፍ ግን ሓቀይና ፍጻሜ እምበር ልበወለድ ኣይኮነን።

ኣብ’ታ ሓጻር ናይ ምግዳል ግዜ ኣብ ሓይሊ ባሕሪ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን ወትሩ ተገርመኒ ዕላል ኔራ። ኣባል ጋራጅ ባሕርያ ዝኾነ ተጋዳላይ (ኣገዳስነት እንተልዩዎ ስሙ ምጥቃስ’ውን ይከኣል’ዩ) ዘምለጠላ ከባድ ናይ ሞትን ሕየትን ኣጋጣሚ ኔራ። ኣብ 1985 ተጋደልቲ ህዝባዊ ግምባር ካብ ባረንቱ ከዝልቑ እንከለው እዚ ተጋዳላይ ተወጊኡ ስለዝነበረ ኣብቲ ምዝላቕ ወይ ህድማ ከምቲ ዘድሊ ከድምዕ ኣይከኣለን። ንዕኡ ዝስከሙ ብጾቱ ከኣ ኣብ ትሕቲ ጸላኢ ክኣትዉ ኣይደለዩን። ስለዚ ገዲፎሞ ክኸዱ ደለዩ። እንተ ገዲፎሞ ከኣ ጸላኢ ክማርኾ’ዩ። ብዝኾነ መውጋእቱ ክሳብ ክንደይ ከቢድ ኔሩ እንድዒ ከምቲ መብዛሕትኡ ግዜ ዝገብርዎ ማለት ቡምባ ኢድ ገዲፎምሎም ዝኸዱ’ሞ ክማረኹ እንተቐሪቦም ነብሶም ዝፍጅሩ ወይ ካልእ ስጉምቲ ዝወስዱ ቡምባ ኢድ ገዲፎምሉ ኣብ ክንዲ ምኻድ ሓደ ካብቶም ሓለፍቲ ክወጽእ ዘይክእል እንተኾኑ ኣካሪጅናዮ ምኻድ’ያ ብምባል ሽጉጥ መዚዙ ክቐትሎ ኣቕንዓሉ። ውጉእ ተጋዳላይ ናይ ነብሲ ጉዳይ ኮይኑ “ ክፍትን ዕድል ሃቡኒ ክፍትን” በለ። በዚ ድማ ምስ ሓያል መውጋእቱ ብእግሩ ፈቲኑ ምስ ብጾቱ ካብ መስዋኣትን ምምራኽን ኣምለጠ። መበገሲ ጽሑፈይ ነዚ ብዝርዝር ከዘንትወልኩም ዘይኮንኩ ክልቲአን እተን ፍጻሜታት ቁሩብ ዘመሳስል ስለዘለወን’የ ክተኣሳስረን ፈቲነ።

ኣብ 2005 ዓም በዓል ሃማደኤ ዞባ ደቡብ ኣብ ከተማ ሰገነይቲ ክካየድ ስለዝተመደበ ኣብቲ በዓል ንጀግነት ደቂ ኣንስትዮ ሓፋሽ ውዱባት ዝምልከት መደብ ከቕርብ ብምባል ንበዓል ወይዘሮ ለተብርሃን ሽፍታ (ቂጣው ዝብል ፊልም ዝተሰርሓለን) ወይዘሮ ቅዱሳን ወይ ኣደይ ቀደስ ( እታ ኣደ ትብል ፊልም ዝተሰርሓትለን ሓርበኛ) ወሲኸ ን ሓሙሽተ ደቂ ኣንስትዮ ኣበርክቶአን ኣብ ቃልሲ ኤርትራ ክፍትሾ ፈቲነ ኔረ። ኣብቲ ዘካይዶ ዝነበርኩ ስራሕ ምስ ኣደይ ቀደስ ተራኺበ እናዕለልኩ እንከለኹ ሓንቲ ብዙሕ ግምት ዘይሃብኣ ዕላል ንኣቓልቦይ ሰሓበቶ። ምስ ወደን ሓድጉ ገብርኣብ ኣብ 1996 ኣብ ኣለቡ ምስ ጀርመን ጂ ቲ ዜድ ዝበሃል ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበር እናሰራሕኩ እንከለኹ ጽቡቕ ሌላ ኔሩና። ንኣደይ ቀደስ’ውን ኣብ ኣስመራ ኣብ ሓደ ፋብሪካ ሰሪሐን እናተናበራ እንከለዋ ካብ 1998 ኣትሒዘ’የ ዝፈልጠን። ብዝኾነ ኣብቲ ምዝንው ሓደ ኣገዳሲ ዕላል ወስ ስለዘበላለይ ንሓድጉ ረኺበ ከዕልሎ ወሰነኩ። እቲ ፍጻሜ ከምዚ ይመስል።

ናይ 1999 ዓም ኩናት እግሪ መኸል ከምቲ ኩሉ ዝፍለጦ ብዓወት ሰራዊት ኤርትራ’ዩ ተዛዚሙ። ሰራዊት ኢትዮጵያ ብሓደ ጸቢብ ቦታ ፈንጢሱ ብምእታው ብጾሮና ጌሩ ኣስመራ ንምቁጽጻር’ዩ ኔሩ ትልሙ፡ ከምቲ ዝተነግረና ማለት’ዩ። ናይ 1990 ተጋዳላይ ሓድጉ ተጣይሱ ኔሩ “ወያነ ወሪሮምና ሃገር ኣድሕን1” ተባሂሉ ከምቲ ኩሉ ተጣይሱ ዝነበረሞ ከካብ ዝነበሮ ቦታ ዝኸተተ ጥዩስ ተጋዳላይ ንሱ’ውን ናብርኡ ሓዳሩ ሓዲጉ’ዩ ከቲቱ። ሓድጉ ሓደ ወደን (ሓፍቲ ጓል ግን ኣላቶ) ንወይዘሮ ቅድሳን ኮይኑ ክልተ ኣሕዋቱ ማለት ጭንዓይን ወዲ ሓደራን ኣብ ግዜ ገድሊ ተሰዊኦም’ዮም። ሓድጉ ኣብ ኩናት እግሪ መኸል ምስ ኣሃዱኡ ኮይኑ ብጀግነት እናተዋገአ እንከሎ ኣብ ኢዱን እግሩን መውጋእቲ ስለዘጋጠሞ ብጾቱ ነቲ ማህረምቱ ጀኒኖም ካብቲ ውግእ ዝካየደሉ ዝነበረ ቦታ ኣውጺኦም ብዙሕ ከይረሓቑ ኣብ ሓደ ጽላል ኮፍ ኣቢሎም ገዲፎሞ ከዱ። ሓድጉ ኣብ ዕጥቁ ክልተ ቦምባ’የን ኔረንኦ ዝመጸ ክመጽእ ከኣ ኣብታ ጽላል ተጎምብዩ ይከታተል ነበረ። እታ ኣሃድኡ ነቲ ብዕለት 17 ጸረ መጥቃዕቲ ጌሮም ንሰራዊት ኢትዮጵያ ኣልቂቖም ዝሓዝዎ ስለዝነበረ ሓድጉ ከባቢ ሰዓት 4:00 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ምምላስ እቲ ቦታ’ዩ ተወጊኡ። ኣሃድ ኡ ን ቁርብ ግዜ ንቕድሚት ደፊ ኦም ከዱ። እንተኾነ እቲ ዓወት ብኸምኡ ኣይቀጸለን፡ ኩነታት ተቐያይሩ ሰራዊት ኢትዮጵያ ደፊኦም ነቲ ቦታ ኣምለስዎ። ሓድጉ ዝነበራ ጽላልን ካልእን ከኣ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣተወ። ሰራዊት ኢትዮጵያ ንቕድሚት ገስገሱ። ሓድጉ ክማረኽ እንተቐሪቡ ንሓንቲ ካብተን ክልተ ቦምባታት ካብ ሰፈራ ኣውጺኡ ነብሱ ፈንጂሩ ክስዋእ ድሉው ንምዃን ኣብ ኢዱ ጨበጣ። እንተኾነ ኣብታ ጽላል ናይ ሓንቲ ንእሽቶ ሰራው ውጉእ ወታሃደር ኤርትራ ከም ዘሎ ዘስተውዓለ ሰብ ስለዘይነበረ ዝማረኾ ኣይነበረን። ሰራዊት ኢትዮጵያ ነቲ ቦታ ተቖጻጺሮም ድሮ ናብ ውሽጢ ሓሊፎም ስለዝነበሩ እቲ ቦታ ሰብ ዝበሃል ኣይነበሮን።

ግዜ ናብ ምምሳዩ ገጽ እናኸደ እንከሎ ሓደ ብድሕሪት ካብ ብጾቱ ተሪፉ ዝነበረ ኣብ ፈለማ ዕስራታት ዝርከብ ወታሃደር ናብ ብጾቱ ከርክብ ዘብ ዘብ እናበለ ሓድጉ ኣስተውዓለሉ። እቲ ወታሃደር ምሉእ ብረትን ዕጥቅን’ዩ ኔሩዎ። ሓድጉ ኣማዕድዩ ምስረኣዮ ብሓያል ድምጺ “ኣንተ ቁም በል!” በሎ። ወዲ ብስምባደ ኣብታ ዝነበራ ቦታ ደው በለ። “ኣውርዶ ብረትካ” ድማ በሎ ኣስዒቡ። ወታሃደር ሃንደበት ስለዝኾኖ ናብ ዘብሎ የብለይን ተቐዲመ’የ ግዲ’ሉ ከምታ ዝተባህላ ብረቱን ዕጥቁን ኣብ መሬት ኣቐመጦ። “ካብኡ ረሓቕ ናዓ ናባይ ቅረብ” ኢሉ ምስ ኣዘዘ ወዲ ናብታ ሓድጉ ኣጽሊሉላ ዝነበረ ቦታ መጸ። ወታህደር ዝረኣዮ ምእማን ሰኣነ። ሓድጉ ኣብ ኢዱን እግሩን ተሃሪሙ ክንቀሳቐስ ኣይክእልን’ዩ። ኣብ ኢዱ ግን ቡምባ ጨቢጡ ከም ዘሎ ረኣዮ። ሓድጉ በቲ ኮልታፍ ኣምሓሪኛኡ ጌሩ ተስኪምካ ናብታ ሻዕቢያ ዘልዉዋ ቦታ ተብጽሓኒ በሎ። ወታህደር ተማሪኹ’ዩ፡ ዝተባህሎ ጥራሕ ክገብር ከም ዘለዎ ኣሚኑ ንሓድጉ ሓዚሉ ጉዕዞ ጀመረ። ሓድጉ ነታ ቦምባ ኢድ ኣብ ኣፍልቡ ጨቢጡ ይጓዓዝ ስለዝነበረ እቲ ወታሃደር እታ ቡምባ ትኹርኩሖ ኔራ’ያ። ሓድጉ ደይ መደይ ኢሉ’ዩ ከምኡ ጌሩዋ። ኣቐዲሙ’ውን ኣጠንቂቕዎ ኔሩ’ዩ ናብ ብጾትካ እንተኣእቲኻኒ ክልቴና የለናን ነዛ ቦምባ ክትኩሳ ከም ዝኾንኩ ፍለጥ ኢሉዎ ነበረ። እቲ ወታሃደር ካብቲ ሰራዊት ኢትዮጲያ ዓሪዱሉ ዝነበረ ቦታ እናተኸወለ ብዕሙቕ ዝበለ ቦታ እናተጓዕዘ ተጠዋውዩ ኣብ ፊት ወታሃደራት ኤርትራ ዝሓዝዎ ድፋዕ በጽሐ። እቶም ሰራዊት ፈለማ ክልተ ወታሃደራት ኢትዮጵያ ተሓዚዛሎም ዝመጹ ዝመጹ እምበር ምሩኽ ሓዛላይ ማራኺ ተሓዛላይ ኣይመሰሎምን። ብዝኾነ ሓድጉ ብዘይ ተጻብ ኦ ብሳላ ትብዓቱ ሕደ ወታህደር ማሪኹ ካብ መውጋእትን መስዋትን ኣምለጠ።

እቲ ወታሃደር ሓድሽ ከም ዝነበረን ቅድሚ ቁሩብ እዋን ካብ ናዝሬት ከም ተኸትበን ንሓድጉ ኣዕሊሉዎ ነበረ። ሓድጉ ናብ ብጾቱ ምስ ኣተወ ነቲ ወታሃደር “ንዓ” ኢሎም ክወስድዎ ምስ ፈተኑ “ካባይ ኣይትፈልይዎን ኢኹም” ብምባል ምሃብ ከል ኦም ። ናይ ወታሃደር ነገር ስለዝይፍለጥ ካብ ኡ እልይ ኣቢሎም ክርሽንዎ ይኽእሉ’ዮም ብዝብል ጥርጣረ ስለዘሕደረ ካብ ኢዱ ክሰዶ ኣይደለየን። ክሳብ ዓላ ምሳይ’ዩ ዝኸይድ ካብኡ ከኣ ናብ እንዳምሩኻት ይወስድዎ እምበር ኣብዚ ኣይህበኩምን’የ ስለዝበሎም። እቶም ሰራዊት’ውን ድፍረት ሓድጉ ብዝግባእ ስለዝፈልጡ ካብ ድልየቱ ከትርፍዎ ኣይደለዩን። በዚ ድማ ሓድጉ ነቲ ዝማረኾ ወታሃደር ሒዙ ኣብታ ውጉኣት ተብጽሕ መኪና ተሰቒሉ ዓላ ናብ ዝነበረ ሕክምና ከደ። ከምቲ ዝበሎ ነቲ ምሩኽ ናብ ምሩኻት ከም ዝጽንበር ጌሩ ከኣ ኣመት ሕክምንኡ ገበረ። ሓድጉ ኣብ 2004 ብደረጃ ኣዛዚ ሓይሊ ኮይኑ’ዩ ዝሰርሕ ኔሩ። ክሳብ ሕጂ ኣብ ምክልኻል ድዩ ዘሎ ወይ ከምቲ መብዛሕቱ መንእሰይ ለውጢ ዘይብሉ ከርተት ዝበዝሖ ናይ ውትህድርና ህይወት ምስ መረሮ ናብ ስደት ዝመርሕ ናብ ስደት ኣምሪሑ ደሃዩ የብለይን። ገለ ደሃዩ ዝፈልጡ ሰባት ግን ነዛ ጽሑፍ ምስ ኣንበቡ ከዕልሉና እትስፎ።

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleዝምድና ሶፍያን ዘርኣይ ደረስን ዞማ ዘሞኦም ነቦይ ሳሚኤልዶ ካልእ ?
Next Article ዕላል ወዲ ጉዕኖ ምስ ጓል ስካንዲናቪያ
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?