Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ጠዓሞት፡ ቢንያም * ዝረኣየ ዓይኑ ይብራህ!*

ጠዓሞት፡ ቢንያም * ዝረኣየ ዓይኑ ይብራህ!*

0
By Mekonnen T. on December 27, 2014 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

መኮነን ተስፋይ

ኤርትራውያን ነዛ ምሕጽንታ እዚኣ ካብ ንለምዳ ሓያሎ ዓመታት ኣቑጺርና ኣለና። ብፍላይ ኣብዘን ዝሓለፈ 10 ዓመታት ብብዝሒ ካብ ዝጥቀሳ ሓረጋት ወይ ምሉኣት ሓሳባት ሓንቲ’ያ እንተበልኩ ዘጋነንኩ ኣይመስለንን። ኣብዚ ሰሙን’ዚ ኣብ መላእ ዓለም ንእንርከብ ኤትራውያን ኣሰምባዲ ዜና ኮይኑ ቀንዩ ዘሎ ሞት ናይ 13 ቆልዑ ካብኦም ከኣ ሰለስተ ኣሓት (ኣርያም፡ሪታን ሆሳእናን) ካብ ኤርትራ ናብ ሱዳን ክወጹ ተቐቲሎም ዝብል’ዩ። በቢ ዓመቱ ዝወለድካዮም ቆልዑ ኣብ ሓደ ረፍዲ እሞ ድማ በቲ ዕድመኻ ምሉእ ዝተጋደልካሉ ስርዓት ተቐቲሎም ክብሉኻ እንከለው ናይ ሞት ሞት’ዩ። ስድራ እዘን ሰለስተ ቆልዑ ኣሕዋት ክልቲኦም ተጋደልቲ ዝነበሩ ኮይኖም ኣቦ ክሳብ ሕጂ ኣብ ምክልኻል ከም ዝርከብ፡ ኣደ ድማ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ካናዳ ኣብ መገሻ ከም ዘላ ኣብ መርበባት ሓበሬታ ኤርትራውያን ዝጥቀስ ዘሎ ዘሕዝን ዜና’ዩ።

እዚ ፍጻሜ ወዮ ደኣ ደቂ ሰባት ዘዝደሓረ ይሕድሰና ኮይኑ እምበር መዓልታዊ ፍጻሜ’ዩ። ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ውላዱ፡ ሓዉ ወይ ሓፍቱ፡ዓርኩ፡ ዘመዱ፡ ጎረቤቱ ወይ ዘመድ ጎረቤቱ ጠፊኡዎ’ሎ። ጠዓሞት ቢንያም ንሎሚ ኣብዚ ጉዳይ ኣተኩራ ገለ ሓናጢጣ ኣላ። እዚ ኣሰንባዲ ዜና እናሃለወ ንዕኡ ሰጊረ ናብ’ቲ ኣቐዲመ ዘዳልኹዎ ጽሑፍ ክሰግር ሕልናይ ኣይፈቐደለይን።

ኣብ 2006 ቀቀድሚ ሃገረይ ገዲፈ ምስዳደይ፡ ኣብ መንደፈራ፡ ሰራየ ዘጋጠመ ሓደ ፍጻሜ ኔሩ። ብዙሕ ዋዕዋዕን ብኽያትን ዘይነበሮ ዳስ ተስካር ኣብ ሕምብርቲ እታ ከተማ ተተኺሉ ሓያሎ ቤተሰብን ፈተውትን ክበጽሑ ወዓሉ። ተስካር ትገብር ዝነበረት ሰበይቲ ኣብ መንጎ እቲ ውራይ ሰባት ኣብ ደገ ይደልዩዋ ከም ዘለው ስለዝተሓበራ ናብ ደገ ወጸት። ኣብ ደገ ኣብ ሓደ እልይ ዝበለ ቦታ ዝጽበዩ ዝነበሩ ሰብ ደሓን ዝመስሉ ግን ዘይሰብ ደሓን ሓንሳብ ደሊናኪ ኣለና ብምባል ናብታ ኣዳልዩማ ዝነበሩ መኪና ሰቒሎማ ተዓዘሩ። ውራይ ዝተረፉ ቤተሰብን ፈተውትን እናሳሰዩ ቀጺሉ። ብኩነታታ ዝተሻቐሉ ስድራ ከኣ ሰንፈላል ኮኑ። ንበዓልቲ ውራይ ኣብ መንጎ ሓዘናን ውራያን ዝወሰዱዋ እቶም ኣብ ጥቓ ፒያሳ መንደፈራ ኣብ ሆቴል ሞሞና ነበር ዝዓስከሩ ኣባላት ጸጥታ’ዮም ኔሮም። ኣባላት ጸጥታ ነዛ ተጠቓሲት ሰብ “ ወዳ ዶብ ክሰግር እንከሎ ስለዝሞተ ተስካር ትገብር ኣላ” ዝብል ሓበሬታ ስለዝበጽሖም’ዮም ንሕቶ ወሲዶማ።

“እዚ ትገብርዮ ዘለኺ ተስካር ናይ መን ተስካር’ዩ᎒”

ሕቶ ኣንዳ ጸጥታ’ዩ

“ናይ ወደይ” ንዓት እናሰዓራ’ያ ትምልሰሎም ኔራ

“ኣበይ ሞይቱ ወድኺ ᎒”

“ኣብ ዶብ”

“ከም ዝሞተ ብምንታይ ኣረጋጊጽኪ᎒”

“ናብቲ ዝተገበሶ ቦታ ብሰላም ስለዘይ ኣተወ ከም ዝሞተ እየ ዝፈልጥ” ኣርኪቦም ሓቆም እናበለት ቕጭ መጽዩዋ’ያ ትምልሰሎም ኔራ።

“ከም ዝሞተ መን ነጊሩኪ᎒”

“ከም ዝሞተ ዝነገረኒ ሰብ የለን ወደይ ግን ብህይወት የለን” ብውሽጣ ስም እቲ ነጋሪ ኣሕሊፋ ከይትህብ ቃል ኣትያ’ያ/

ኣባላት ጸጥታ ዶብ ክሰግር ናይ ዝቐተሉዎ ውላዳ 50,000 ናቕፋ ክፈሊ ክብልዋ ከም ዘይክእሉ ይፈልጡ’ዮም። እንተበሉ’ውን መን ይምጉቶም፡ “ምስ ደገ ዝማቲ መን ተማጓቲ” ይኹን እምበር ዕላምኦም ካልእ ግዳይ ዝኸውን ሰብ ንምንዳይ’ዩ ኔሩ። ኣደ ግን ጽንዕቲ ብምንባራ ብቐሊሉ ትደሃል ሰብ ኣይነበረትን። ሓያሎ ሕቶታት ድሕሪ ምሕታትቶ ናብ ገዛኣ ሰደድዋ። ነዛ ኣደ ሞት ውላዳ ዘርድኣ ሰብ ናይ ቀረባ ቤተሰባ ኮይኑ ኣባል ምክክታል ዶባት’ዩ። ንሱ ብዓዲ ዃላ ጌሮም ናብ ኢትዮጳያ ክሰገሩ ናይ ዝረኸብዎም’ሞ ዝቐተልዎም መንእሰያት ሬሳ ምስ ረኣየ ሓደ ካብ’ቶም ዝተቐትሉ ናይ ቀረባ ዘመዱ ኮይኑ ስለዝጸንሐ። ቀስ ኢሉ ናብ ኣደቲ ሞዋቲ ብምኻድ “ኣብ ስነፈላል ምንባር ዋጋ የብሉን ኩስቶ ዶብ ክሰግር ከሎ ቀቲሎሞ’ዮም ሬስኡ’ውን ብዓይነይ ርእየዮ!” ክብል ኣርድኣ። ኣደ ከኣ ሰብ ዘይርእዮ ሓዘን ሓዚና ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ተስካር ውላዳ ስለዝገበረት ተሓቲታ። ኣብ ኤርትራ ደኣ ብግምጣሉ’ዩ እምበር ክትሓትት ዝግባኣስ ንሳ’ያ ኔራ።

ኣብ 2008 ዓም ካብ ሰገነይቲ ብማይ ዓይኒ ኣቢሎም ናብ ኢትዮጵያ ክሰገሩ ዝተበገሱ ኣርባዕተ መንእሰያት ማለት ክልተ ወድን ክልተ ጓልን ክሳብ’ዛ ለይቲ ሎሚ ኣብዚ ኣትዮም ዝብል ሰብ ኣይተረኽበን። ስም ናይ’ቶም ክልተ ደቂ ተባዕትዩ እኳ እንተዘይፈለጥኩዎ እተን ክልተ ኣዋልድ ግን ኣምለሰት ሓጎስ ብርሑቕ ዝፈልጣ ዝነበርኩ ቆማት ምልክዕቲ ጓል’ያ። ትንሰኤ ገብረዝጊ (ቻንቹ) ከኣ ብቕረባ ዝፈልጣን ዘይርሳዓን ጓል’ያ። ትንሰኤ ሽሕ’ኳ ስድራቤታ ዘውጹላ ስም ትኹን ኣብ ከተማ ሰገነይቲ ግን ዝያዳ በታ ቻንቹ ትብል ሳጓ’ያ ትፍለጥ። ቻንቹ ድሕሪ ትምህርታ ዝነበረ ትርፊ ግዜኣ ኣብ ኩዳር ኣሕምልቲ ብምሻጥ ስድራቤታ ትሕግዝ፡ ሰሓቕ ዘይፈላያ ተጻዋቲት ጓል’ያ ኔራ። ቻንቹ ቤት ትምህርታ ወኪላ ኩዕሶ መርበብ ትጻወት ብምንባራን ወትሩ ፍሽኽታን ጸወታን ዘይፍለያ ሕጉስት መንእሰይ ብምዃናን ብዙሕ ሰብ’ዩ ዝፈልጣ። ኣብቲ እዋን ኣብ ፎቖዶ ቦታታት “ዝረኣየ ዓይኑ ይብራህ” ዝብል ሓበሬታ ተጠቒዑ እኳ እንተነበረ ኣብዚኣ ኣትየን ወይ ኣብዚኣ ኣትዮም ዝብል ሰብ ስለዘይተረኽበ ስድራቤት ቀቢጾም ተስካር ደቆም ጌሮም፡ ሕርር ኢሎም ተሪፎም።10603638_1515012958771725_152741156613916871_n[2]

                                                ሓንቲ ካብ ግዳያት ኣምለሰት ሓጎስ

 

ኣብ ካናዳ ዝቕመጥ ሓደ መንእሰይ ምስ ሰበይቱ ኣብ ዓዲ ዝገደፋ ጓል ትሸዓተ ዓመት ጓሉ ናብ ካናዳ ከምጽኣ ብምባል ኣዲኣ ናብ ተሰነይ ሒዛታ ብምውራድ ናብ ሱዳን ከተስግራ መንገዲ ከትጣይቕ ቀነየት። በቲ ናታ መንገዲ ዝሓሸ ዝበለቶ ኣደ ብሕጋዊ መንገዲ ክትወጽእ ስለትኽእል ንጓላ ኣብ ተሰነይ ምስ ሰብ ገዲፋ ናብ ከሳላ ብኣውቶቡስ ክትከይድ ደሓር ካብ ሱዳን ናብ ተሰነይ ኣትዮም ዘውጽኡ ሰባት ረኺባ ጓላ ክትእክብ ብምወሳን ወረቐታ ኣሳሊጣ ናብ ከሰላ ከደት። ከሰላ ከይዳ በቶም ይፈልጡ’ዮም ትብሎም ሰባት ተመሪሓ ምስ ኣቦ ጓላ ብምዝርራብ ገንዘብ ከፊሎም ጓሎም ዘምጻኣሎም ኣሰጋጋሪ ናብ ተሰነይ ሰደዱ። ኣስጋሪ መንእሰይ ኤርትራዊ ኮይኑ ስሙን ስም ኣቡኡን መንነቱን ፍሉጥ ነበረ። ተሰነይ ኣትዩ ናብ ከሰላ ከስግራ ዝተሓበሮ ጓል ተቐቢሉ መሬት ጽልምት ምስ በለሉ ሒዙዋ ተበገሰ። ኣደ ኣብ ከሰላ፡ ኣቦ ኣብ ካናዳ ኮይኖም ጓሎም ብሰላም ክትኣትወሎም ብልቦም ጸሎት እናዕረጉ ብህንጡይነት ተጸበዩ። ኣስጋሪ ክመጽእ ስለዘይከኣለ ትጽቢት ነውሖም። ጓሎም ካብ ተሰነይ ከም ዝተበገሰት ድሮ መረጋገጺ ተዋሂቡዎም’ዩ። ይኹን እምበር ከሰላ ካብዘይትኣቱ ሳልስቲ ኮነ። ሻቕሎት ወላዲት ሰማይ ዓረገ። ኣዕገርገረት፡ ነቲ ወዲ ዝፈልጡ ዝበሃሉ “ኩስቶዶ ርኢኹም” እንተተባህለ ርኢና ዝበል ሰብ ተሳእነ። እንታይ ረኺቡዎም ንሱን እታ ትሕቲ ዕድመ ጓልን ጥራሕ’ዮም ዝፈልጡ። ደሃይ ጓሉ ሽታ ማይ ዝኾኖ ኣቦ ጓሉ ክደሊ ስርሑ ገዲፉን ሱዳንን ካል ኦት ሃገራ ት በጺሑ ደሃይ ኣይረኸበን። ኣደ ናብ ኤርትራ ተመሊሳ ናብ ፖሊስ ብምምልካት ጓላ ክትድለየላ ለመናኣ ኣቕረበት። ባዕሎም ቀተልቲ ባዕሎም ደለይቲ ኪኾኑ ይኽእሉ ወይ’ውን ካልእ ኣጓኑፊዎም ክኽውን ይኽእል። ደሃይ ጓልን ኣስጋሪኣን ከይተረኽበ ዓመታት ኣቑጸረ።

ሓደ እዋን ኣብ 2007 ኣብ ግርማይካ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ምስ ዓበይቲ ዓድን ኣብቲ ከባቢ ናይ ዝነበሩ ኣዘዝቲ ሰራዊትን ኣኼባ ክገብር እንከሎ ሓደ ኣዛዚ ቦጠለኒ ካብኡስ ያኢ ጽቡቕ ስራሕ ንሰርሕ ኣለና ኢሉ’ዩ ሓሲቡዎ “ኩቡር ፕረዚደንት ኣብዚ ናይ ስግረ ዶብ ጉዳይ እዚ ምቕታል ካብ ንጅምር ናይ ብሓቂ ስግረ ዶብ ብብዝሒ ጎዲሉ’ዩ” ብምባል ርእይቶኡ ሃበ። ኢሳያስ ይዋሳእ’ዩ ኔሩ። ብዝኾነ ብነድሪ ገጹ ጸዊጉ ኣዚዩ ዝሓረቐ ብምምሳል “እንታይ ኢልካ᎒ ምቕታል ካብ ንጅምር ! መን ቅተሉ ኢሉ᎒ መን’ዩ ቅተል ኢሉካ᎒ ኣብ ስግረ ዶብ ሰብ ክሰግር ርእየ ኢልካ ቀቲልካ እንተኾይንካ ተሓታቲ ባዕልኻ ኢኻ፡ እዚ መንግስቲ እዚ ዶብ ንዝሰግሩ ቅተሉ ኣይበለን” ብምባል ኣጉባዕባዓሉ። ወዮ ደኣ ኣሉ ልማዱ’ዩ ‘ምበር ካድራት ህግደፍ ኣብ ኩሉ ከተማታት ኣብ ናይ ህብዚ ኣኼባ ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ዶብ ክሰገር ዝተረኽበ ኣብ ዝተረኽቦ ቦታ ክቕተል’ዩ ብምባል የፈራርሑ ኔሮም’ዮም እዚ ድማ ትእዛዝ ኢሳያስ እምበር ትእዛዝ እቶም ካድራት ከም ዘይኮነ ማንም ዝስሕቶ ኣይኮነን። ብዝኾነ ድሕሪ እቲ ኣኼባ እቲ “ሳላ ዝቐተልና ስግረ ዶብ ጎዲሉ” ብምባል ተነይቱ ዝተዛረበ ኣዛዚ ኣብ ዝቕጽል ግዜ ተሳሒብካ ኣለኻ ተባሂሉ ዝሓሸ ቦታ ከም ዝወሃቦ ካብ ተመሳሳሊ ኣብነታት ክትዕዘብ ዝኸብድ ኣይኮነን።

ኣብ ዝመጽእ ግዜ ሓደ ዘይተዛዘመ ዛንታ ስለዘሎ ምስ ተዛዘመ ሒዘልኩም ክቐርብ’የ። ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ብስደት ዝነበር ዘሎ ኤርትራዊ መንእሰይ (ስሙ ሽዑ ክጠቕሶ’የ) ደሃይ ክልተ ደቁ (ጓል 15ን ወዲ 8 ዓመትን) ንእሽቶ ሓፍቱን ጓል 25 ዓመት ካብ ዝጠፍኦ 10 ኣዋርሕ ስለዝገበረ መዕለቢኦም ክፈልጥ ናብ ኢትዮጵያ ብምኻድ ላዕልን ታሕትን ኣብ ምባል ይርከብ። ዝርዝር እቲ ጽሑፍ ኣብ ካልእ እዋን ምስ ምሉእ ትሕዝቶኦ ኣብ ጠዓሞት ቢንያም ክቐርብ’ዩ።

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleታሪኽ ዘርኣይ ደረስ-ፍርቁ ጽንጽዋይ
Next Article ዝምድና ሶፍያን ዘርኣይ ደረስን ዞማ ዘሞኦም ነቦይ ሳሚኤልዶ ካልእ ?
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?