Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ግጥሚ ቀደም

ግጥሚ ቀደም

0
By Mekonnen T. on December 25, 2014 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

 ኣብ ቅያ ህዝብና (ብሓው ሰለሞን ገብረክርስቶስ) ኣብ ዝተጻሕፈት መጽሓፍ ኣብ ገጽ 134-136 ዝሰፈረት ኮይና ኣባ ጅሮም ኣባ ገብረመድህን ዘእግር መኸል- ሰራየ ኣብ መጽሓፍ ፊደል ኣስመራ 1909 ዓ.ም ዘስፈሩዋ ኢያ።

ሓሽከር ኤርትራ ኣብ ትሪፖሊ
ኣሸሸ’ባ በሉ ሓሽከር ሰዓርቲ
ወዳጀ ኣባጽሕ ባሕሪ ሰገርቲ…
መላምል ወዳጀ ኣቱም መሽከርከርቲ
ሓመልኩሙዎም ን’ቶም ጸላእቲ
ሓረድኩሙዎም ከማል ከም ከብቲ
ሰላዕኩምዎም በምሳል ኣንስቲ
ደቂ ሓበሻ ወዮም ምልምል ሰቲ
መን ይዳረጎም ዘይሰጣን በዓቲ
ጥይቶም ሰንጣቒ ዓይኖም ጨማቲ
መድፍዖም ኮልሳሲ ሳንጀኦም በትባቲ
ቱርኪ ቱርኪ ክንደይ’ሞ ትርስዕ
ጠበንጃኻ ክትግፈፍ ኣበዮ ባጽዕ
ዕርድኻ ክትክተር ኢድካ ከተጣቕዕ
ኣብ ጎዳጉዲ (15 ሕዳር 1875) ዕምርኻ ክጠፍእ
ጎልጎል ጉራዕ (7-9 መጋቢት 1876) ልብኻ ክጠፍእ
መገዲ ሓጺሩ ስምካ ክኸፍእ
ኣይሓበሻንዶ ዘበለካ ሲጥ፡ ሲዕ
ጸሊማይንዶ ዘበለካ ድፍእ
ጣልያንን ኤርትራን ብስምምዕ
ሕመቕዶ ይመጾም ትርፊ ብርትዕ
ትሪፖሊ ኣትዮም ዘበሉኻ ክስእ
ሃገርካ ዘሚቶም የብሉኻ ሰጋእ
ግደፍ ተማረኽ ብሓቂ ብርቱዕ
ሓበሻ ጉማ ከመምበሳ ብርቱዕ
ሱልጣንካ በንቂሩ ከይብሎ ብመድፍዕ
ቱርኪ ቱርኪ ክንደይሞ ትርስዕ
ከምዚይዶ ተፈልጡ ከም ኣማልኽቲ
መንግስቲ ጣልያን ሰማይ ነፈርቲ
እዝጊ ኣምከረኩም ንዓድ ጥዕምቲ
ጽቡቕ ወዓልኩም ዕውቲ ለይቲ
ምድሪ ጉልትኹም ሰማይ ርስቲ
ግዝኣት ፊቶሪዮ ድንያ’ትክልቲ
ሃገር ኢጣልያ ናይ ዓለም ገነቲ
ረኤኹምዋዶ ብግርማ ትንግርቲ
ሓወጽኩምዋ ናይ ዓለም ሕምብርቲ
ሮማ’ምበርያ ናይ ቀደም ጥንቲ
መሰረት ሃይማኖት ሱር መንግስቲ
ንጉስ ብግርማ ጳጳስ ብመጻሕፍቲ
ጸኒዓ ትነብር ንዘልዓለም ጥንቲ
ቁጭ በልኩምዋ ኣቀይታውቲ
ቃሕ ይብላ ሓበሽተይቲ
ንኣኹም ዝፈረት ኣምበሲት
ኣራዊት ወሊዳ ከም ኣራዊት
ኮሸም ዘብልዎ ነዕጽምቲ
ባሕሪ ሰጊሮም ሽሕ ማረኽቲ
ንጻዕዳ ቱርኪ ብጥይት መንደድቲ
እልል በላ እሰይ መራዕቲ
ሓብሻ ስዒሮም ምስ ግብጣን ትንንቲ
እልል እባ በሉ ብቓንዳ መለኽቲ
ሳላ ጣልያን መን ዘይብል ትሪፖሊ
ሓሽከር ኤርትራ ዝቕርድድ ከም ሓምሊ
ሓረዶ ገመዶ ኣሻቡ ትማሊ
ንመንግስቲ ቱርኪ ከም ክዳን ዘብሊ
ዓሻ ወደል ከም ኣድጊ ሃላሊ
ከሰላ ኣባሪሩ ሰዓቦ ትሪፖሊ
ወረ ኢጣልያ ካብ ቀደም ዘየለሊ
ወረ ሓበሻ ካብ ቀደም ዘይደሊ
ዝገጥሞም ዘይብሎም ብሓይሊ
ብርኮም ዘይደክም ከም ሰጋር በቕሊ
ቀልቦም ብሩህ ሰብ ብዙሕ ዓቕሊ
ኣኳደድሉ ጎልጎል ትሪፖሊ
ነፋራይ ዝላ ኦም እግሮም ደባሊ
ኣያ ጥልያን ከሎ ኩናቶም ሰሓሊ
ጥበብ ጠፊ ኡዎ በይኑ ሓካሊ
ጓና’ምበር ዘይብሉ መቕለሊ
ዘጥቅዖ እምበር ዘይብሉ መልዓሊ
ዓገቱኻ ኣውደቑኻ ኣብዛ ሓጉሊ
ኣያ ጥልያን በዓል ሮማ
ትሪፖሊ ተኺሉ ዕላማ

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleሓቂ ብሓቂ
Next Article ታሪኽ ዘርኣይ ደረስ-ፍርቁ ጽንጽዋይ
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?