Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Thursday, May 8, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ሮዛን ሰሌን

ሮዛን ሰሌን

0
By Mekonnen T. on December 17, 2014 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

 

ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል (ሃንችባክ)

ራብዓይ ምዕራፍ መበል 32 ክፋል

*        *        *

ፊልም ድሕሪ ምውድኡ ኣብ ኣፍደገ ዝነበረ ጻዕቂ ሰብ ሓሊፎም ኣብ መኪና ደየቡ። ሮዛ መንፈሳ ተሓዲሱ ነይሩ። ናበይ ይኸዱ ከም ዘለዉ ምርዳእ ስኢኑዋ ኣብ የማነ ጸጋም ናብ ዝነበረ ህንጻታትን ሸናዕ ዝብል ዝነበረ ህዝብን እናተዓዘበት ከይተረድኣ ኣብ ቀጽሪ ሆቴል ግዮን ኣተዉ። ብስፍሓት ናይቲ ቀጽርን፡ ግርማ ናይቶም ኣብ ውሽጡ ዝነበሩ ዕሙራት ዕምባባታትን ዓበይቲ ኣግራብን ተመሲጣ ኣብ ጥቓ መኪና ዘዘው በለት። ሆቴል ግዮን ክብሃል ከሎ ክንድኡ ዝሰፍሕ ቀጽሪ ዘለዎ ይመስላ ኣይነበረን።

ሰለሙን ቍሩብ ፍንትት ኢሉ ክጽበያ ጸኒሑ ምስ ደንጐየቶ፡ “ንኺድባ ሮዛ፡” ክብል ኣድሃያ። ገጻ ገልቢጣ ምስ ኣርከበቶ ተተሓሒዞም ናብቲ ሰፊሕ ኣደራሽ ብምእታው ኣብ ሓደ ኵርናዕ ተቐመጡ። ኣብቲ ኣደራሽ ብርክት ዝበሉ ደቂሃገርን ወጻእተኛታትን መሊኦም ነይሮም። ካብቶም ስራሕ ጽዒቑዎም ንየው ነጀው ዝብሉ ዝነበሩ መሳሰይቲ ሓደ ክእዘዞም ምስ ቀረበ፡ ሰለሙን ድምጹ ኣትሒቱ ክልተ ሜሎቲ ቢራ ከምጽእ ኣዘዞ።

ሮዛ ነቲ ኣዝዩ ዝሓደሳ ከባቢ ክትዕዘብ እንታይ ከም ዝተኣዘዘ ከይሰምዐት ስለ ዝጸንሐት ክልተ ቢራ ምስ ብርጭቆታቱ ደበኽ ክብል ምስ ተዓዘበት፡ “ስኩዛ ግበረለይ ሰሌ ሓወይ፡ ቢራ ኣይሰትን’የ ከስክረኒ’ዩ፡” በለቶ ናይ ሕንቅቕቲ ቈልዓ ብዝስመስል ኣዘራርባ።

“ካብ ናይ ሎሚ ዝዓቢ ፌስታ ስለ ዘይብልና ግድነት ቢራ ኢኺ ትሰትዪ። እንተ ሰኸርኪ ኸኣ ምሳይ ኢኺ ዘለኺ፡” ብምባል እናሰሓቐ ነቲ ዓፍዓፍ ዝብል ቢራ ዝሓዘ ብርጭቆ ኣዕተራ።

“እነግረካ’ለኹ ሰሌ ደሓር ምስካመይ ከይከፍኣካ፡” ኢላ ብግደኣ ፍሽኽ እናበለት ነታ ብርጭቆ ተቐቢላ ኣብ ጠረጴዛ ኣንበረታ። ብፍጥረታ መስተ ዘይትፈቱ ስለ ዝነበረት ስለ ዝኾነት እያ’ምበር፡ ጠቕሊላ ናብ እንዳ ሰለሙን ክትግዕዝ ካብ ትውስን ንደሓር ስክፍታኣ ስለ ዝተቐንጠጠላ ንማለቱ ዝተዛረበቶ ቃላት’ዩ ነይሩ።

ሰለሙን ነተን ዝፈልጠን ድሩታትት ቃላት ጣልያንኛ ተጠቒሙ፡ “ኣላ ቱዋ ሳሉተ!” ኢሉ ብርጭቆኡ ምስ ኣልዓለ ሮዛ ድማ፡ “ሳሉተ!” እናበለት ደድሕሪኡ ብርጭቆኣ ብምልዓል ቍሩብ ጥዕም ኣቢላ ገጻ ኣሰረት። ጽንሕ ኢላ ካልኣይ ግዜ ምዑጕ ኣበለት። ቀስ እናበለት ብርጭቆኣ ምስ ኣጕደለትላ ሃዋሃዋ መሊሱላ ክትልሕፎ ጀመረት። ነቲ ከትከት ዝብል ቢራ ገና ፍርቂ ከየብጽሓቶ ከላ ኸኣ ዙረት ድማ ክቕልጥፍን ውዕዉዕ መንፈስ ወሪሱዋ ሕፍረታ ክቕንጠጠላን ጀመረ። “ኣብ ህይወተይ ሎሚ ንካልኣይ ግዜ መስተ እጥዕም ኣለኹ። እታ ናይ መጀመርያ መዓልቲ’ኳ ንዘልኣለም ኣይርስዓን’የ። በጋጣሚ ክዝክራ ከለኹ ጥራይ ነፍሰይ ከም ገለ ይገብረኒ ነይሩ፡” ብምባል ማይ ዘይጠዓመ ዕላል ኣበገሰት።

ዝበዝሕ ግዜ ንዕላሎም ባዕሉ ይብሕቶ ስለ ዝነበረ ዕላላ ክሰምዕ ተሃንጥዩ፡ “እስኪ በሊ ከመይ ነይራ ናይ ሽዑ መዓልቲ ኵነታት? በጋጣሚ ጽቡቕ ዕላል ኣበጊስኪ ኣለኺ፡” ብምባል ዕላላ ክትቅጽል ደፋፍኣ።

ክትዛረበሉ ዘይትደሊ ስቱር ኣርእስቲ ብምንባሩ ኣብ ዝርዝር ክትኣቱ ኣይፈተወትን ነይራ። ካብ ሰለሙን ትሓብኦ ነገር ክህልዋ ከም ዘይክእል ተገንዚባ ግን ምስ ዝነበራ ድርኺት ናይ መስተ ክትነግሮ ስለ ዝተደረኸት ዕላላ ብፍኑው መንፈስ ብምቕጻል፡ “ኣብ ኮምቦኒ ከለና ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ኣቢሉ’ዩ፡” ኢላ ጀመረት። “ፖቨረታ ሞይታ’ምበር ላውራ ትብሃል ካባይ ብዓመት ትዓቢ ዝፈትዋ መሓዛይ ካብ መመገቢ ናይ ደናግል ቪኖ ሰሪቓ ናብ መደቀሲ ክፍልና ትመጽእ። ሽዑ ዝኾነ ነገር ዘይንፈልጥ ደቂ ዓሰርተ ኣርባዕተ ዓመት ኣቢልና ኢና ኔርና። ድሕሪ ፍርቂ ሰዓት ነዛ ጥርሙዝ ቪኖ ከይተረድኣና ጸንቂቕናያ። ገና ከይወዳእናያ ከለና ግን ክንስሕቕ፡ ክንደጓደጕን ዓው ዓው ክንብልን ጀሚርና። ኣብ መወዳእታ ኩላትና ምስ ሰኸርና ላውራ . . .” ኢላ ክትቅጽል ስለ ዘይከኣለት ብሕፍረት ደነነት።

ሰለሙን እቲ መሳጢ ኮይኑ ዝረኸቦ ዕላላ ከይኵለፎ ሰጊኡ፡ “ቀጽሊ’ጆኺ ንዓይ እንታይ ክትሓብእለይ ኢኺ’ሞ ሮዛ? እንታይ ኢኽን ጌርክን? ጥራይ ዲኽን ወጺእክን?” ክብል ሓተታ ገለ ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኣዕሩኽቱ፡ መማህርቶም ዝነበራ ኣዋልድ ኣብ መደቀሲ ክፍለን ይገብርኦ ነይረን ኢሎም ዘዕለሉዎ ዘኪሩ።

“ዳርጋ ከምኡ ዓይነት’ዩ። ማለተይ መጀመርያ ላውራ ሃሩር ኮይኑኒ ኢላ ጥራያ ወጺኣ፡ ንዓኣ ርኢና ከኣ ኩላትና ክዳውንትና ኣውጺእና፡” ኢላ ድሕሪ ምስሓቕ፡ “መስተ ክሳብ ክንደይ ሓደገኛ ምዃኑ ሽዑ እየ ዝፈለጥኩ፡” በለቶ።

ንፈለማ ግዜ ደፊራን ናጻ ኮይናን ክተዕልሎ ምኽኣላ ዕግበት እናተሰምዖ ቢራኡ ረሲዑ ውራይ ምስማዕ ገበረ። ይኹንም’በር ወላ ትስተ ካብ ሮዛ ክንድኡ ዝኣክል ተሃዋሲ ዕላል ኣይተጸበየን።

ሮዛ ከይተረድኣ ክልተ ግዜ ካብ ብርጭቆኣ ምዒጓ፡” ብድሕሪኡ ላውራ ናባይ እናጠመተት፡ ‘እስኪ ናይ መን ጡብ ይዓቢ?’ ኢላ ኣጡባትና ክትሕዘና ምስ ጀመረት ነፍስወከፍና ‘ናተይ ይዓቢ፡ ናተይ’ባ፡’ እናበልና ኣጡባትና ክንተሓሓዝ ጀሚርና። ካባይ ጀሚርካ ምስቲ ንኡስ ዕድመናን ኣብ ገዳም ዕጹዋት ምንባርናን ካብ ግርህነት ተበጊስና’ምበር ንፈልጦ ነገር ኣይነበረናን። ሕጂ ክሓስቦ ከለኹ ካብ ኩላትና ዝያዳ ፍልጠትን ጕርሕን ዝነበራ ላውራ ምንባራ ይስቈረኒ። ከሕጽረልካ ግን ነታ ካልኣይቲ ጥርሙዝ ብዘይካ’ታ ድሮ ምስ ተሰነፈት ክትበኪ ዝጀመረት ካብ ኩላትና ዝነኣሰት፡ ሰለስተና ልሕስ ኣቢልናያ ክንዝምር ድሕሪ ምምሳይ ኣብ ዘዝነበርናዮ ከም ኵቦ ነቒጽና ሓዲርና። ንጽባሒቱ ሓለቓ ገዳም ኵነታትና ምስ ፈለጠት፡ ብተምላስ ዘባላሸናዮ መደቀሲና ከም ነጽርዮ ድሕሪ ምግባር፡ ከም መቕጻዕቲ ሓቋቝና ክስበር ክሳብ ዝቐርብ ንሰሙን ብዘይ ዕረፍቲ ስሚንቶ ክተወልውለናን ክዳውንቲ ክተሕጽበናን ቀንያ። መቸም ሶር ካተሪና በጋጣሚ ናብ ኢታልያ ገይሻ ነይራ’ምበር ኣዝያ ምጐሃየት ነይራ። ምስ ተመልሰት ከኣ ድሮ ዝተቐጻዕናሉን ዝተናዘዝናሉን ጕዳይ ስለ ዝኾነ ደሓን ይእተዋ ኣይነገራልናን ተረሲዑ ተሪፉ። ብድሕሪኡ መስተ ክዝክር ከለኹ ትሮፖ እየ ዝፈርሕ፡” ብምባል ብዛዕባ መስተ ዝነበራ ተሞክሮ ዛዘመት።

ሰለሙን ተገዲሱ ብተመስጦ ክሰምዓ ጸኒሑ፡ ነቢት ምስ በለት ነቦኡ ዘከረ። “ነቢት ደኣ ይትረፍ ንዓኻትክን መዓንጣ ዘይቈጸርክን ንዓቢ ሰብ’ኳ ጽቡቕ ዘይህቦ። ደሓር ከኣ መሳኪን ኣብ ጥራይ ከብድኽን ሰቲኽንኦ ትኾና፡” በላ።

ሕፍረትን ደስታን ተሓዋዊሱዋ ኢዳ ናብ ከንፈራ እናሰደደት፡ ናይ ሽዑስ ስቕ ደኣ በል ኣይዝረብን’ዩ። ተመሊሰ ክዝክሮ ከለኹ ኣብ ጽፍረይ ክኣቱ እየ ዝደሊ ነይረ። ሎሚ ንመጀመርያ ግዜ ድፍረት ረኺበ ምሳኻ እዕልለሉ ኣለኹ። ሕጂ ኸኣ ቢራ ከምኡ ከይገረብኒ’የ ፈሪሐ፡” በለቶ ኣብ ውሽጢ ሰብነታ ፉሕታ እናተሰምዓ።

ሰለሙን ናብታ ተፋሪቓ ዝነበረት ብርጭቆኣ እናጠመተ፡ “ኣጆኺ፡ ናይ ሽዑን ናይ ሎምን በበይኑ’ዩ። ስተዪ ጥራይ፡” ድሕሪ ምባል፡ “እዛ ላውራ ትብልያ መሓዛኺ ግን ኵሉ ግዜ ኢኺ ትዝክርያ እንታይ ኮይና’ያ ሞይታ?” ክብል ተወከሳ።

ገጻ ሃንደበት ክቀያየር ጀመረ። ዝን ኢላ ጸኒሓ፡ “እንታይ ክገብረልካ ኢሉ፡ ክትጕሂ ኢኻ ሰሌ፡” በለቶ ብዝቓዘነ ድምጺ።

“እንተ ዘይነጊርክኒ’ኮ ዝያዳ እየ ክጭነቕ።”

“ጠጥዑሙ ነዕልል በጃኻ።”

ሰሌ ተገዳስነቱ ዝያዳ ክብ ኢሉ፡ “ደሓን ኣሕጽር ኣቢልኪ ግለጽለይ ሮዛ፡” ምኽንያቱ ከም ዝበልኩኺ ዝያዳ እየ ክህንጠ ኢሉ ተረረ።

“እንታይ ይመስለካ፡ እታ ጓል ምስ ኣዲኣ ዝዓበየት ሓንፈጽ ኮይና፡ ኣዲኣ ትሓምም ስለ ዝነበረት ጸጸኒሓ ትበጽሓ ነይራ። ኣብ ከምዚ ኵነታት ከላ በብቝሩብ ምስ ሓደ ከምኣ ሓንፈጽ መተዓብይታ መንእሰይ ዕርክነት ትጅምር። ኣቦኣ ገና ቈልዓ ከላ ምስ ኣዲኣ ተሰሓሒቡ ናብ ኢጣልያ ምስ ከደ እዩ። እዚ ዝብለካ ጨካን ወዲ ናፍቖት ኣቦኣ ከም ዘለዋ ፈሊጡ፡ ‘ተተሓሒዝና ኣቦኺ ናብ ዘለዎ ዓዲ ማለት ናብ ፓዶቫ ክንከይድ ኢና፡’ እናበለ ይሓባብላ’ሞ በዚ ተታሊላ፡ ‘ማማ ሓሚማ ክርእያ ከይደ ኣለኹ፡’ እናበለት ንገለ መዓልታት ናብ ገዛኣ ምስ ተመላለሰት ጥንሲ ትሕዝ። እቲ ወዲ፡ ‘ኣጆኺ ወረቓቕትና ኣሳሊጥና ምስ ወዳእና ናብ ዓዲጥልያን ኬድና ክንምርዖ ኢና፡’ ይብላ ከም ዘይነበረ፡ ናብ ፓዶቫ ክትከይድ እናተጸበየት ከላ ጠንጢኑዋ ናብ ዓዲ ጥልያን ተሳፊሩ። ዘኪረዮ ሳልቫቶረ እዩ ዝብሃል።

“ቈልዓ ከም ዝጠለማ ምስ ፈለጠት ብብስጭት ንሰሙን ዝኣክል ድሕሪ ምዕልባጥ፡ ኣበይ ከም ዝረኸብቶ እንድዒ ሰዪቸንቶ፡ (ስሚ ከረን) ዝብሉዎ መርዚ ሰትያ ሞይታ። ሰዓት ሓሙሽተ ኣቢሉ ኣብ ቡራኬ ጸኒሕና ናብ መደቀሲ ክፍልና እንተ ኣተና፡ ኣብ ናይ ሽቓቕ ስሚንቶ ተዘርጊሓ ምስ ረኣናያ ገዛ ኣውያት ብኣውያት ጌርናያ፡” ኢላ መንዲላ ብምውጻእ ንብዓታ ድሕሪ ምድራዝ፡ “ላውራ ውዕይቲ እያ ነይራ ግን ከኣ ኣዝያ ገርሀኛን ቅንዕትን። ረሲዐልካ’ባ፡ ኣብ ሰሙኑ እታ ሓለቓ ገዳም ናይ ላውራ መልእኽቲ እዩ ኣንብቦኦ ኢላ ሓንቲ ኣብ ጁባኣ ዝጸንሐት ፍርቂ ገጽ ጽሕፍቲ ሂባትና። ‘ንኹልኻትክን መሓዙተይ ደቂማሕበር፡ ሰላም ንዓኻትክን ይኹን። መንገዲ ኣምላኽ ስሒተ ኣብ ዓቢ ሓጥያት ስለ ዝወደቕኩ ኣብ ጸሎትክን ክትዝክራኒ እልምነክን። ንዝበደልኩኽን ከኣ ይቕረ በላለይ። ኣብ ዘለኽን ኣሊኽን ንጽህናኽን ሓሊኽን ተጓዓዛ። ካብ ተንኰል ናይ ደቂተባዕትዮ ተጠንቀቓ። ካባይ ክትመሃራ እላበወክን። ኣብ ህይወትክን ከኣ ጽቡቕ እምነየልክን . . .’ ዝብል ትሕዝቶ ነይሩዋ። ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዘዕለልኩኻ ብዘይካኣ ካልእ መሓዛ ስለ ዘይነበረኒ ኣዝየ’የ ዝፈትዋ ነይረ። ብዙሕ ሓዚነ፡ ብሰንኪ ሞታ ድማ ነቲ ቦታ ፈጺመ ጸሊአዮ፡” በለቶ በቲ ክዕርንስ ዝጀመረ ድምጻ።

ሰለሙን በቲ ዘሕዝን ታሪኽ መሓዛኣ ሓዘን ተሰምዖ። ነቲ ፍሕሹው ዝነበረ ሃዋህዉ ከይተረድኦ ተኣፋፊ ጕዳይ ኣልዒሉ ብምብካሉ እናጠዓሶ፡ “ይቕሬታ ግበርለይ ሮዛ፡ እናነገርክኒ ዘይምስምዐይ በዲለ። ካላስ! ረስዕዮ ሕጂ ካልእና ነዕልል እናሰተና ኸኣ፡” ኢሉ ብርጭቆኣ ኣቐበላ። ኣብ ፊቱ ናብ ዝነበረ መነጽር ዝወደየ ጽልም ኢሉ ወድን ጸጕራ ቅሚጦ ክመስል ንላዕሊ ኰሚራቶ ዝነበረት ካልኣይቱን ክጥምት ጸኒሑ፡ “ሕስብ እንተ’በልኩዎ ከመይ ኢልክን ንናብራ ገዳም ብዓቕሊ ተጻዊርክን ትነብራ ከም ዝነበርክን ግርምዩ ዝብለኒ። ንምዃኑ ንቤተሰብክን ክትበጽሓ ይፍቀደልክንዶ ነይሩ?” ክብል ሓተታ።

“እንታይ ይመስለካ ሰሌ፡ ንቤተሰብ ክትርኢ ወይ ክትበጽሕ ዝኽልክለካ ሕጊ የሎን። ቤትሰብካ ክርእዩኻ’ውን ጸገም ኣይኮነን። ሓንሳብ መንገዲ ኣምላኽ እንተ ሒዝካ ግን ንኸምዚ ነገራት ብዙሕ ኣይትግደሰሉን ኢኻ። ብትምህርቲ ክርስቶስ ተዀስኵስካ እንተ ዓቢኻ ካልእ ዓለም ዘሎ ኮይኑ ስለ ዘይስምዓካ፡ ብዘይካ መንፈሳዊ ኣተሓሳስባ፡ ፍቕርን ሰናይ ተግባርን ካልእ ኣብ ኣእምሮኻ ዝቕልቀል ነገር የሎን። ጐይታና እየሱስ ክርስቶስ’ኳ ምእንታና ክብል ኣብ መስቀል ዝተሸንከረ ስለምንታይ ኣነኸ ኣገልጋሊት እየሱስ ዘይከውን ዝብል ሓሳብ ኣብ ሕልናኻ ይሰርጽ። ነዛ በራሲት ስጋኻ ክሒድካ ድማ ቀልብኻን ሓሳብካን ናብ መንገዲ ኣምላኽ ተቕንዖ። ንሕልናኻ ክሳዕ ዝተገዛእካ ድማ ኵሉ ነገር ቀሊል’ዩ።”

“እዚ ኵሉ ክትብል ከላ ሰለሙን ብዛዕባ’ታ ስቕለት ጐይታና እየሱስ ዝተዛረበታ ምሉእ ሓሳባት ክመራመር ንዝቐጸለ ዘረባኣ ኣየድሃበሉን። ቅድሚ ኣዋርሕ ምስ ሃብቶም ዓርኩ ብዛዕባ ታሪኽ ሮማዊ ስልጣኔን ሕግታቱን ክካትዑ ከለዉ፡ ሮማዊ ግዝኣት ተቓወምትን ኣነዓዓብትን ንዝበሎምን ኣመንቲ ክርስትናን ሓዊሱ ኣብ መስቀል ወይ ጕንዲ ክሽንከሩ ይፈርዶም ከም ዝነበረ፡ ብፍላይ ስፓርታኩስ ዝመርሖም በሽሓት ዝቝጸሩ ባሮት፡ ክራሱስ ብዝተባህለ መራሒ ሰራዊት ንግስነት ሮማ ተሳዒሮም ምስ ተማረኹ፡ ክሳብ ሰለስተ ሽሕ ዝኣኽሉ ካብኣቶም ኣብቲ መንገዲ ኣፒያ ብዝብል ስም ዝፍለጥ ዓቢ ጽርግያ ከም እተሰቕሉ ትዝ በሎ። ካብቲ ምዉቕ ዕላል ከይዓናቕፋን ከይትቕየሞን ስለ ዝተሰከፈ ግን ክቃወማ ድፍረት ኣይረኸበን ትም ኢሉ ምስማዕ ቀጺሉ።

“ሮዛ ዘረባኣ ብምቕጻል፡ “ደሓር ከኣ ዝበዝሓ ካብተን ደናግል ጸዓዱ ስለ ዝነበራ፡ ክንደይ ጥዑም መነባብሮ ጠንጢነን ከም ዝመነና ይረድኣና ስለ ዝነበራ፡ እዚኣተን’ኳ ዝተጻወርኦ ንብል ኔርና። እዚ ክብለካ ከለኹ ሽዑ ንፈልጦ ነገር ስለ ዘይነበረና ንጻዕዳ ዘቦኡ ከም ሓደ ብጹእን ሃብታምን ፍጥረት ጌርና ኢና ንርእዮ ኔርና። ብድሕሪኡ ግን ሓንቲ ኣብ ሮማ በጺሓ ዝመጽአት ድንግል፡ ኣብ ዓዲጥልያን ሰረቕቲ፡ ድኻታት፡ ኣብ ገዳም፡ ‘ዳሚ ፓነ’ ዝብሉ ለመንቲ ኣለዉ። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ስካሪኮ ቀንጠመንጢ ክኣርዩ ዝውዕሉ ጸዓዱ ከም ዝረኣየት ምስ ኣዕለለትና ንጥልያን ጨሪሸ ንዒቐዮም፡” ክትብል ሓድሽ ነገር ኣስመዓቶ።

ሕላገት መግዛእቲ ጥልያን ዓሌትነት ምንባሩ ዘኪሩ፡ ኣብ ገዳማት ከይተረፈ ክሰርብ ምኽኣሉ ብዙሕ ኣይገረሞን። “ብቐደሙ ጸዓዱ ሚስዮናውያን ወንጌል ክንሰብኽ፡ ንጸለምቲ ጭውነት ክንምህሮም ብዝብል ሽርሒ፡ ኣብ ምድረ ኣፍሪቃ ምስ ረገጹ ደድሕሪኦም ዝሰዓበ መግዛእታዊ ሰራዊት ንኣፍሪቃውያን ክጭፍጭፍን፡ ከም ሳርዲን ኣብ መራክብ እናዓሸገ ናብ ኣመሪካ ከስግሮም ከሎ ትም ኢሎም ምዕዛቦም፡ ንዓሌትነት ምብራኾምዶ ኣይነበረን?” እናበለ ክሓስብ ጸኒሑ ኣቓልቦኡ ናብ ሮዛ ብምምላስ፡ “ስምዒ’ንዶ ሮዛ፡ ይትረፍ ንስኺ ምስኣተን ዝዓበኺ፡ ገለ ጥቕሞም ምስ ጥልያን ዝተኣሳሰር ሰባት ከይተረፉ፡ ‘ኣየ ጥልያን ጻዕዳ! ኣስካፋ ቀሊዑ ባኒ ዝህብ፡ ጻዕዳ ገጹ ጻዕዳ ልቡ፡’ ይብሉ ነይሮም ይብሃል። ኣብ እዋን ዓደይ ዓደይ ከኣ ሻራ ጥልያን ዝኾኑ ደቂሃገር ፕሮ ኢጣልያ ዝብሃል ብውሽጢ ውሽጢ ብመንግስቲ ጥልያን ዝዕንገል ሰልፊ መስሪቶም፡ ኢጣልያ ንኤርትራ ብሕድሪ ክተጽንሓ ይማጐቱ ነይሮም። መግዛእቲ ጥልያን ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዘስዓቦ ዓሌታዊ ጭቈናን ግፍዕን ጠፊኡዎም ድዩ? ኢልካ ትግረም። ከም ኣብነት ኣዞም ዓርኪ’ቦይ ባሻይ ተስፋልደት ዝብሃሉ ከይተረፉ ኣባል ፕሮ ኢጣልያ ነይሮም። ዘኪርክዮም ትኾኒ፡” በላ ብሓውሲ ሕቶ።

“ንጓሎም ክትምርዖ ሓሲብካ ዝነበርካ ሰብኣይ ድዮም ሓቀይ?”

“ጽቡቕ ኣለኺ። እቶም ሰብኣይ ሕጂ ለባምን መስተውዓልን’ዮም። ምስቲ ኵሉ ልቦናኦም ግን ኣብ ክንዲ ኤርትራ ከም ናጻ ሃገር ክትቀውም ዝጣበቑ፡ ካብ ጸሊም ዝገዝኣካ ጻዕዳ ክገዝኣካ ይሓይሽ ኣብ ዝብል ዕላማ ኣሚኖም ካብቶም ቀንዲ ሓለፍቲ ናይቲ ሰልፊ ነይሮም። ሽዑ ከም በዓል ራእሲ ተሰማ ዝኣመሰሉ ኤርትራ ንኤርትራውያን ዝብሉ ዝነበሩ ደቂ ሃገር ራቢጣ ተባሂሎም ዝህደኑሉ ዝነበሩ ግዜ እዩ። ክገርመኪ ኣቦይ ባሻይ ክሳብ ሕጂ፡ “ኢጣልያ ንውሱን ግዜ ኣመሓዲራትና እንተ ትነብር ኤርትራ ኣብ ትሕቲ እዛ ዓማጺት ኢትዮጵያ ካብ ምቝራን ምደሓነት ነይራ እናበሉ’ዮም ዘስቈርቍሩ፡” ኢሉ ካብ ብርጭቆኡ ጽጽው ኣበለ።

ሮዛ በቲ ናብ ታሪኽ ዝዘንበለ ዕላል ተሳሒባ ቀው ኢላ ክትጥምቶ ጸኒሓ ብርጭቆኣ ኣልዒላ ጐርዳዕ ኣበለት። “ኣብዚ ዓዲ’ኳ ኢጣልያውያን ኣዝዮም ጽሉኣት እዮም። የፋሺስት ዘር እናበሉ ክጸርፉዎም ኢኻ ትሰምዕ።”

“ክጸልኡዎም ግድነት’ዩ፡ ምኽንያቱ ኣብርሃም ደቦጭን ሞገስ ኣስገዶምን ዝብሃሉ ክልተ ጀጋኑ ኤርትራውያን ንግራዝያኒ ብቦምባ ንምቕታል ኣብ ዝገበሩዎ ዘይዕዉት ፈተነ፡ ኣዲስኣበባ ብደም ጨቅያ ነይራ እዩ ዝብሃል። ሓቃቶም እንተ ኾይኖም፡ ሽዑ ሰላሳ ሽሕ ነበርቲ ኣዲስኣበባ ብኣረሜናዊ ኣገባብ ከም ዝተቐትሉ እዩ ዝዕለል። በዓል ኣነ ሕጂ ሳላ ዕድመና ንመግዛእቲ ጥልያን ኣየርከብናሉን። ካብ ስድራና ሕማቕ ታሪኽ ንሰምዓሎም ስለ ዝነበርና ግን ኣመና ኢና ንጸልኦም። ደሓር ከኣ ከም ዝበልኩኺ ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ንዕቀት ስለ ዝነበሮም ገና ቈልዑ ከለና፡ ኣብ ዓድና እናተቐመጡ እንታይ ኣዲኦም’ዮም ዝዕበዩልና ዝብል ስምዒት ነይሩና። ኣብ ግዜ ንእስነትና ንገብሮ ዝነበርና ከዕልለኪ። በዓል ወዲማኢል፡ ክፍሎም፡ ጀማል ዝብሃሉ ካባና ፍርዝን ዝብሉ ደቂ ገዛውትና ነይሮም። ሽዑ ጐረባብትና ዝነበሩ በርጠጥ በሃልቲ ኢጣልያውያን፡ ምስ ኣንስቶም ወይ ደቆም ተተሓሒዞም ዘወር ክብሉ እንተ ርእዮሞም፡ ‘ኪዱ ከምዚ በሉዎም፡’ ኢሎም ይልእኩና። ንሕና ድማ ትርጕሙ ዘይንፈልጦ ዘረባ ሒዝና ናብኣቶም ቅርብ ብምባል፡ ‘ቺቺልያኖ፡ ፋሺስቲ፡ ባፋንኩሎ!’ ኢልናዮም ሃዲምና ንምለስ ኔርና።

ሮዛ ዘረባኡ ከይወድአ ክሳብ ትነብዕ ሰሓቐት።

“ንሳቶም ድማ ሓሪቖም፡ ‘ማለዲኳቲ! ብሩቲ ኔየሪ!’ ኢሎም ይጸርፉና። ሓደ ሓደ ግዜ ኸኣ ኣኽላባቶም ይፍንዉልና ነይሮም። ንሕና ድማ ንጽባሒቱ ወይ ኣብ ሳልስቱ ከም ኣመሎም ክናፈሱ ኢሎም ምስ ኣንስቶምን ደቆምን ክዛወሩ ከለዉ፡ ከየለልዩና ኣብ ኵርናዕ ተሓቢእና ንጸንሕ’ሞ፡ ብማንቲግ ጌርና ኣእጋሮም ኮራሕ ክነብሎም ከለና፡ ‘ኢኞራንቲ! ላድሪ ገለ መለ፡’ ኢሎም እናተጻረፉ ደድሕረና ክስዕቡ ይፍትኑ ነይሮም።

ኣብ መንጎ ኣሰላፊ ክልተ ቢራ ሒዙ ብምምጻእ፡ “ሰብ ዝኣዘዘልኩም’ዩ፡” ኢሉ ብኢዱ ናብ ሓደ ኣብ ማዕዶ ኮፍ ኢሉ ዝነበረ ሰብ ኣመልከተሎም። ሰለሙን “እንታዋይ ደኣ ኾይኑ?” ኢሉ ናብ ከባቢኡ ቍሊሕ እንተ በለ ኣብ ስግሮም ንጥላሁን ምስ ሓንቲ ቀያሕ ምዕጕር ዝበለት ሰበይቲ ኮፍ ኢሉ ክስሕቕ ረኣዮ። ዓይኒ ንዓይኒ ምስ ተጋጠሙ፡ ሰለሙን ብድድ ኢሉ ናብኡ ብምኻድ ሰላም በሎም።

ይቕጽል . . . . . .

ራብዓይ ምዕራፍ መበል 33 ክፋል ዝመጽእ ሰንበት 21 ታሕሳስ

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleምስ ህያው ገጸ ባህርያት! * 3ይ ክፋል *
Next Article ጠዓሞት፡ ቢኒያም *ከማዓልካ መልኣከ ሞት !*
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?