Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ሮዛን ሰሌን

ሮዛን ሰሌን

1
By Mekonnen T. on December 7, 2014 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል (ሃንችባክ)

ራብዓይ ምዕራፍ መበል 29 ክፋል

*             *             *

ማሪያ፡ ሰለሙን ናብ ኣዲስኣበባ ድሕሪ ምምላሱ ኣብ መበል ራብዓይ መዓልቲ ኣዝያ ተዳኸመት። ህላዌ ሮዛ ካብ ትሰምዕ ንደሓር ኣእምሮኣ እምብዛ ተረቢሹ ናይ ሕልና ዕረፍቲ ስኢና። ሸውሃታ ጨሪሹ’ኳ እንተ ተዓጽወ፡ ብሰንኪ መልመስቲ መሓውራ ናብ መጻጉዕ ስለ ዝተቐየረት ደገ ኣብ ምውጻእ ዘሎ ዕላጅ ጸሊኣ ምግቢ ጠቕሊላ ስለ ዝተሓሰመት ጸገም ኣይምኾነን። ልዕሊ ኵሉ ዝኸፍኣ ነገር ግን ስእነት ድቃስ ነይሩ። ይትረፍ ቀትሪ ለይቲ ልዕሊ ክልተ ሰዓት እንተ ደቂሳ መን ከምኣ፡ ንሳተን’ውን ብዘባህርር ሕልምታትን ሃተፍተፍን ዝተዓብለላ። ቍሩብ ቀም ክተብል ከላ መናፍስቲ ዝዛረቡዋ ዘለዉ ኮይኑ ይስምዓ ነይሩ። ነዚ ተርእዮ’ዚ ንሳልስቲ ተጸሚማቶ። ድሕሪኡ ግን ካብቲ ንሕልናኣ እናዃሕኵሐ ድቃስ ለይቲ ከሊኡ ናይ ሕልና ዕረፍቲ ዝሓረማ ምስጢር ገሊጻ ክትዓርፍ ወሲና። ማዕረኡ ተወሳኺ ጸቕጢ ዝፈጠረላ ግን ጕዳይ ሮዛ ነይሩ።

ሰብ ብተፈጥሮኡ ስሱዕ፡ ቀናእ፡ ጨካን፡ ተንኰለኛ. . . ዝብል ዝተፈላለየ ቅጽላት ክወሃቦ ዝኽእል ፍጥረት’ኳ እንተኾነ፡ ልቡ ንለውሃትን ርህራሀን፡ ጣዕሳን ምሕረትን፡ ፍቕርን ልግስን ዝኣመሰሉ ሰናይ ተግባራት ቦታ የብላን ማለት ኣይኮነን። ማሪያ’ውን ስጋ ዝለበሰት ፍጥረት ስለ ዝኾነት፡ ልክዕ ከምቲ ሓደ ንምሉእ ዕድመኡ ንሰላማውያን ሰባት ከጋፍዕን ክቐትልን ጸኒሑ፡ ሓደ መዓልቲ ከም ኣመሉ ክዘርፍ እናተጓዕዘ ከሎ፡ ማይ ምስታይ ዝጸገሞ ድዉይ ሰብ ምስ ኣጓነፎ ልቡ ራህሪሃ ብክልተ ኣእዳዉ ሓፊኑ ካብ ፈልፋሊ ማይ ጐረሮኡ ዘጥለለሉ ዓማጺ፡ ንዓለም ክትሰናበታ ምስ ቀረበት ንተንኰላታን እከይ ተግባራታን ዝሸፈነ መጋረጃ ቀንጢጣ ናብ መንገዲ ኣምላኽ ክትምለስ ግድነት ኮይኑዋ።

ማሪያ ክትበጽሓ ንዝመጽአት ናይ ቀደም መሓዛኣ ምስ ኣፋነወታ ቈላሕታኣ ኣብ ፊታ ናብ ዝነበረት ናይ መንደቕ ሰዓት ሰደደት። ልክዕ ሰዓት ሓሙሽተን ፈረቓን ነይሩ። ነፍሰወከፍ ደቒቕ ናይ ስቓይ ህይወት ምዃና ስለ ዝገመተት፡ ሓሳባ ከይቀየረት ከላ ካብቲ ንሕልናኣ ሳጽዩ ድቃስ ዝኸልኣ ስቓይ ክትገላገል ብምምራጽ ንባሻይ ተስፋልደት ምስ ዓርኮም ግራዝማች ስዩም ሓቢሮም ከምጽኡዋ መልእኽቲ ሰደደትሎም። ክልቲኦም ኣዕሩኽ ኣፈርክቡ ከም ዝተባህሉ ብሃታሃታ ጠበሽ በሉ። መቐመጫኣ ጽዖት ስለ ዝገበረላ ብየማናይ ጐድና ደቂሳ በተን ቀደም ሰብ ዘዛርባ ዝነበራ፡ ሕጂ ግን ኣብ ዓሚቝ ጉድጓድ ዝኣተዋ ዝመስላ ኣዒንታ ውሪሕሪሕ ክትብል ጸንሓቶም።

ግራዝማች ርእይ ምስ ኣበሉዋ፡ “ኣምላክነ!” እናበሉ ብስንባድ ርእሶም ሓዙ። ድሕሪ ሞት ትኩእ ወዳ ሓደ ግዜ ጥራይ ስለ ዝበጽሑዋ ከምኡ ኢላ ዝተደነሰት ይመሰሎም ኣይነበረን። “ኣየ ደቂኣዳም ክንዕሹ. . .! ከምዚኣ ኢላ ንትፈርስ ነፍሲ ትም ኢልና ሕግብግብ ንብለላ!” በሉ ብውሽጦም። በተን ዓጽምን ቈርበትን ጥራይ ተሪፈን ቀሸም ዝመስላ ኣእዳዋ ሰላም ምስ በለቶም፡ ኵርሲ ስሒቦም ኣብ ጐድኒ ዓርኮም ተቐመጡ።

“ተመስገን ፈጣሪ ኵሉ ኣምላክ! ከምዚ’ልኪ ትጸንሕና ዘይመሰለኒ፡” በሉዋ ባሻይ ባርኔጣኦም ኣብ ጐድኖም ኣብ ዝነበረት ንእስ ኢላ ጠረጴዛ እናኣቐመጡ።

ማሪያ ኣዒንታ ተኺላ ናብኣቶም ክትጥምት ድሕሪ ምጽናሕ፡ “ኡፍ! ኢላ ብነዊሕ ድሕሪ ምትንፋስ፡ “ኣይትሓዙለይ ከድክመኩም ፈትየ ዘይኮነ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ስለ ዝኾነ እየ ጸዊዐኩም፡” ብምባል ድኽም ብዘበለ ድምጺ ዘረባኣ ጀመረት። ክልቲኦም ኣዕሩኽ ተስዕቦ ቃላት ጽቡቕ ገይሮም መታን ክሰምዑ መናብሮም ሓዀኽ ሓዀኽ ኣቢሎም ብምስሓብ ናብ ጥቓኣ ቀረቡ።

“ዕድመይ ምሉእ ሓጢያተኛ ብምዃን ካብ እግዝኣብሄር ኣምላኸይ ርሒቐ’የ ዝነብር ነይረ። ምስ ሓጢያተይ ክቕበር ስለ ዘይደለኹ ግን ነፍሰስጋይ ንዝወድአ ምስጢረይ ነጊፈ ክገልጸልኩም ተቐሪበ ኣለኹ።”

ዘረባኣ ንኽልቲኦም ሃንደበት ስለ ዝኾኖም ነንሓድሕዶም ተጠማመቱ። ይኹን’ምበር ኣብ ማይ ከም ዝኣተወት ኣንጭዋ ዝኾነ ቃል ከየምለቝ ጽን ምባል ቀጸሉ። “ቅድሚ ራብዕቲ እቲ ኣብ ኣዲስኣበባ ዝነብር ንእሽቶ ወድኹም፡” ኢላ ብኢዳ ናብ ግራዝማች ኣመልከተት። ዘረባኣ ብምቕጻል፡ “ደብዳቤ ሒዙ ካብ ዝመጽኣኒ ንነጀው ባሕሪ ከብደይ ሓበጭበጭ ክብለኒ ጀሚሩ። ንጽባሒቱ’ውን ዶቶር ኣብርሃም ወድኹም መጺኡ ብዛዕባ ንክልተኹም ኣጋጢሙ ዘሎ ጕዳይ መርዓ ዝፈጠሮ ጸገም ብዝርዝር ገሊጹለይ። ሽዑ እቲ ጨካን ዝነበረ ልበይ ከም ቅጽበት ራህሪሁ። ካብ ሓጥያተይ ክናሳሕን ምስጢረይ ክገልጽን ግን ጸድፊ ኮይኑ ተሰሚዑኒ። ኣምላኽ ዝሓሰቦ ግን ከቶ ኣይተርፍን’ዩ።”

“ክንደይ ይሓስም ጓለይ! ማስጣኺባ የውርደሉ። ኣብ ርእሲ ሕማምኪ ካልእ ኣበሳዶ ወሲኹልኪ’ዚ ርጕም ውላድ!” በሉ ግራዝማች ርእሶም እናሓዙ።

“ኣይትፍረዱሉ ደሓን፡ መልእኽቱ እዩ ኣብጺሑ ዝበደሎ ነገር የብሉን። ንለይቱ ከውታ ምስ ኮነ፡ ማሪያ! ማሪያ! ዝብል ድምጺ ዝሰማዕኩ መሲሉኒ ጽን እንተ በልኩ፡ ካብዚ መጺኡ ክብሎ ዘይከኣልኩ መቓልሕ ዘሰነዮ ቃላት፡ ‘ዘልኣለማዊ ዕረፍቲ ክትረኽቢ እንተዄንኪ ካብ ሓጥያትኪ ተናስሒ፡’ ዝብል ትእዛዝ ሰሚዐ። ሰንቢደ ብር እንተ በልኩ ንበይነይ ኣብ ጸላም። ርዒደ። ሰብነተይ ብረሃጽ ተሓጺቡ። ብክቱር ፍርሒ እናንቀጠቀጥኩ፡ ‘እንታይ እዩ ወሪዱኒ? ኣምላኽ ካብ ሰሪ መዓቱ ኣውጽኣኒ፡’ ብምባል ጸሎተይ ኣብጺሐ ከም ብሓድሽ ክድቅስ ፈቲነ። ምእንቲ ርእሱ ሰዓት ክልተ ሰዓት’የ ዝድቅስ ነይረ። ምሉእ ለይቲ ግን ሰለም ከየበልኩ መሬት ወጊሓ። እቲ ድቃስ ከም ሻሙ ምኾነ፡ ልዕሊ ዅሉ እቲ ናይ ሕልና ዕረፍቲ ምስኣን ከፊኡኒ። ካብኡ ናብኡ ዘዛርበኒ ሰብ ስለ ዝረክብ ቀትሪ ይሕሸኒ። ከምዚ ዝብለኩም ንጽባሒቱ ኣጋይሽ መጺአናኒ ውዒለን ቡን ክንሰቲ ገለ ክንብል መሬት ዓሪባ። ሓቂ ዘረባ ድሒረስ ስቕ ኢልካ ናይ ሃተፍተፍ ነገር’ዩ ዝኸውን ዝብል ግምት ሒዘ ኣዋዲቐዮ ነይረ። ካልኣይን ሳልሳይን መዓልቲ ልክዕ ከምኡ ምስ ደገመኒ ግን ኣእምሮይ ተናዊጹ ካን ዝሕዞን ዘረምስሶን ጠፊኡኒ። ምንሳሕ ሃው ዝበለ ገደል፡ ትም ምባል ከኣ ብህይወተይ ከለኹ ብሓዊ ካብ ምጥባስ ዝገድድ ስቓይ ኮይኑኒ። ምሉእ መዓልቲ ዝገብሮ ጨኒቑኒ ክቝሎ ውዒለ። ኣብ ምሉእ ህይወተይ ከም ሎሚ መዓልቲ ገይረ ምፍጣረይ ጸሊአ ኣይፈልጥን። ቅድሚ ፍርቂ ሰዓት ግን ሓንቲ መሓዛይ ሓደ ንሕልናይ ዝተንከፈ ዛንታ ምስ ኣዕለለትኒ፡ ንዕድመይ ምሉእ ጋሪዱኒ ዝነበረ ብርቱዕ ሓጹር ጥሒሰ መንገዲ ድሕነት ክመርጽን ብንጽህና ክሰናበተኩምን ወሲነ፡” ኢላ ከቢድ ጾር ከም ዘራገፈ ሰብ እንቅዓ ኣተንፈሰት። ጐረሮኣ ብጽምኢ ማይ ቃዕቃዕ ግዲ ኢሉዋ፡ “ማይ” በለቶም ብጸጋማይ ኢዳ ናብ ኣፋ ኣመልከተት።

እቶም እንታይ ክተስምዓና እያ ኢሎም ኣዒንቶም ተኺሎም ክጥምቱዋ፡ ክሳዶም ክደርቕ ዝቐረበ ኣዕሩኽ ካብ ሕልሚ ከም ዝተበራበሩ ብሓንሳብ ብድድ በሉ። ባሻይ ንዓርኮም ኮፍ ክብሉ ብኢዶም ኣመልኪቶም ብተሎ ናብ ክሽነ ገጾም ኣምርሑ። ብሰንኪ ምግቢ ዘይምብላዕ ኣዝያ ተዳኺማ ከም ዘላ ተረዲኦም ሰራሕተኛኣ ዘቐበለቶም ኩባያ ሻህን ማይን ሒዞም ድሕሪ ምምላስ፡ “እስኪ ቅድም ነዛ ሻሂ ስተዪያ፡ ሓይሊ ክትህበኪ’ያ፡” እናበሉ ነታ ዝያዳ ሽኮር ዝነበራ ቢኬሪ ሻሂ ኣቐበሉዋ። “ፊት፡” ኢላ ኣብ ጐድና ኣብ ዝነበረት ጠረጴዛ ክተቐምጣ ወስ በለት።”

“ኣይፋልክን ማሪያ! ቀስ ኢልኪ ደኣ ስተዪያ፡ ክትጠቕመኪ እያ፡” በሉዋ ክልቲኦም እናተቐባበሉ። ደፋእ ኢላ ክሳዕ ትውድኣ ድማ ድምጺ ከየምለቝ ብትዕግስቲ ተጸበዩዋ።

ማሪያ ቍሩብ ማይ ምዒጓ ዘረባኣ ቀጸለት። “ኣይትቀየሙኒ ኣብ ከብደይ ሕርኽርኽ ዝብለኒ ነገራት ከትርፍ ስለ ዘይደሊ ነቲ ጕዳይ ካብ ሱሩ ነጊፈ እየ ክገልጸልኩም፡” ኢላ መልሶም ክትሰምዕ ከም ዝደለየት በብሓደ ጠመተቶም።

እታ ሻሂ ትንፋስ ከም ዝዘርኣትላ ካብቲ ብመጠኑ ዝተቐየረ ድምጻ ርዱእ ነይሩ። እቶም ነፍስወከፍ ቃል ከይተምልጦም ንከናፍራ ዝጥምቱ ዝነበሩ ሰብኡት መልሶም ትጽበ ዘላ ኮይኑ ስለ ዝተረድኦም፡ “እወ! ጽቡቕ ኣለኺ፡ ኵሉ ገሊጽኪ ምግልጋል ይሕሸኪ፡ ምግልጋል ዝመስሉዎ የሎን፡” በሉዋ ብናይ ሓባር ድምጺ።

“በሉ ካብ መሰረቱ ክጅምረልኩም። ሕጂ’ኳ ዓመታት ኮይኑ፡ ካባኹም ጠኒሰስ ብጽሕቲ ወርሒ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን’ዩ። እስኪ . . .፡ እወ ሓቀይ ኣለኹ፡ ሸሞንተ ወርሐይ ወዲአ ነይረ። ኣብዛ ትርእዩዋ ሳሎን ምስ ኣስካሉ ኮፍ ኢልና ቡን እናሰተና ነዕልል ኔርና። እዛ መሓዛይ ዝነበረት ኣስካሉ ፈሊጥኩማዶ ኣለኹም?” ብፍላይ ናብ ግራዝማች ዘቕረበቶ ሕቶ’ዩ ነይሩ።

“ኣስካሉ እዛ ኣብ ኦስፔዳለ ናይ ሓራሳት ሓኪም ዝነበረት ዲኺ ትብሊ ዘለኺ? ” ክብሉ ብሕቶ መለሱላ ግራዝማች።

“ፈሊጥካያ’ለኻ። እዛ መሓዛኣ ዝነበረት ቀያሕ ጕልብትቲ፡” ወሰኹ ባሻይ።

“መስኪነይቲ ዓሚ’ንድያኸ ዝሞተት፡” ኢሎም ብእወታ ርእሶም ነቐነቑ ግራዝማች ሓንሳብ ናብ ዓርኮም ሓንሳብ ናብ ማሪያ እናጠመቱ።

“ብዝኾነ ወዲ ክወልድ ዝነበረኒ ሃረርታ ስለ ትፈልጥ፡ ኣወል ቡን እናሰተና ከለና፡ ‘ወዲ ክትገላገሊ ኢኺ፡’ ትብለኒ’ሞ፡ ወዲ እንተ ወሊደ ክትእክቡኒ ተስፋ ስለ ዝነበረኒ ዘረባኣ ብሓጐስ ፍንጭሕ ኣቢሉኒ። ‘ወዲ እንተ ወሊደ ነደይ ማርያም እንታይ ዘይሃብክኒ ክብላ። ከም ኣፍኪ ይግበረለይ’ምበር ኣነ’ኳ ጓል ዝወልድ ኮይኑ እዩ ዝስምዓኒ ዘሎ ኣስካሉ ሓውተይ፡’ ምስ በልኩዋ፡ ‘ንዒ’ስኪ ቅረቢ’ ኢላ ከብደይ ድሕሪ ምጥውዋቕ፡ ‘ወዲ እንተ ወሊድኪ እንታይ ትዓድዪ?’ ትብለኒ። ኣነ ድማ እቲ ነገር ኣብቲ ዅሉ ድሒሩ ዝሰዓበ ሕልኽላኽ ይበጽሕ ኣይበልኩዎን ከምዛ ዋዛ፡ ‘ናይ ዓመት ክራይ ገዛ ክምሕረኪ መብጽዓ ይኹነኒ፡’ እብላ። ሽዑ ኣብዚ ዓሚ ዝሸጥኩዎ ገዛይ እያ ትነብር ነይራ። ‘በሊ መብጽዓኺ ከይትጠልሚ ምሓልለይ፡’ ትብለትኒ’ሞ፡ ጓል ገርሂ ልባ ድማ እንታይ ከም ዘርኣየኒ፡ ‘ስጋ ኣሸብር ሓወይ!’ ኢለ ኣብ ኢዳ ጠቒዐ ምሒለላ። ርኸብዮ ኢሉኒ እዩ’ምበር ዘይሽዑ መዓልቲ’ኳ በሸብር ሓወይ ከም ዋዛ ምሒለ ኣይፈልጥን። መርገሙ’ውን ይኸውን ኣብዚ ዅሉ ዘብጽሓኒ።

“ኣብ ወርሑ ሕማም ሕርሲ ተታሒዘ ኦስፔዳለ ምስ ኣተኹ ሕማም ደሓር ደኣ ከፊኡኒ’ምበር ብዘይ ገለ ጸገም ወዲ ተገላጊለ። ሓጐሰይ ካን ምጻሩ ስኢነዮ እንተ በልኩኹም ኣይትኣምኑንን ትኾኑ። ደጊም ሞት ከም ኣዳም ኢለ። ለካ ኣነ ከይፈለጥኩ ኣብ ገዛይ ሰለስተ ዓመት ዝተቐመጠት ዝማም ዝተባህለት ጓል ዓድና ምሳይ ብሓደ ለይቲ ሓሪሳ ነይራ። ከም ዝበልኩኹም ሽዑ ሕማም ደሓር ስለ ዝጀመረኒ ዝፈለጥኩዎ ነገር’ኳ እንተ ዘይነበረ፡ ኣብ ወርሐይ ብዘረባ ዘረባ ድሕሪ ሕርሳ ከም ዝሞተት፡ እታ ዕሸል ከኣ ኣብ ኮምቦኒ ትዓቢ ከም ዘላ ሰሚዐ። ኣምላኽ ነዚ ጸበባ’ዚ ርኸብዮ ኢሉኒ እዩ’ምበር ጸባው’የ ነይረ፡ ነታ ዕሸል ምስ ትኩእ ወደይ ከዕብያ ጸገም ኣይነበረን። ንዝማም ተቐዪመያ ስለ ዝነበርኩ ግን ልበይ ጨኪኑ። ሽዑ ስስዐን ቂምታን ጥራይ’ዩ ነይሩ ሃይማኖተይ፡” ድሕሪ ምባል ብየማናይ ጐድና ስለ ዝረብረበት፡ “ንጸጋምዶ ክትግምጥሉኒ፡” በለቶም። ተደጋጊፎም ብቐስታ ናብ ጸጋማይ ጐድና ምስ ገምጠሉዋ፡ ኵርስታቶም ስሒቦም ኣብ ቅድሚኣ ኵድም በሉ። ነቲ ከቢድ ምስጢር ክሰምዑ ኣዝዮም ስለ ዝተረበጹ ህንጡይነቶም ሰማይ ዓሪጉ ኣዒንቶም ተኺሎምዮም ዝጥምቱዋ ነይሮም።

ኣበይ ከም ዝበጽሐት ዘኪራ፡ “ድሕሪ ዓሰርተ ክልተ ዓመት፡ ቅድሚ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ምዃኑ እዩ፡ ኣስካሉ ከም ኣመላ ጥንሲ ክትሰድድ ከላ ሓንቲ ጓል ሃብታም ኣብ ኢዳ ትዓርፋ’ሞ ብገበን ተኸሲሳ ተኣሲራ። ፍርዳ ምስ ወድአት ካብ ስራሕ ስለ ዝሰጐጕዋ ኣብ ጸገም ወዲቓ። መቸም ከም መሓዛይ መጠን ዓቕመይ ብገንዘብ ሓጊዘያ፡ ክራይ ገዛ’ውን ፍርቂ ጥራይ’የ ዘኽፍላ ነይረ። ሓሻሽ ስለ ዝነበረት ግን ኣየናይ ገንዘብ እዩ ክኣኽላ? ዓቕማ ርእያ ኣብ ክንዲ ትነብር ኣብ ጥራይ መዓኮራ ክዳውንቲ ክትቀያይር፡ ጥዑም ክትበልዕን ክትሰትን ከም ድላያ ጠንቀላዕላዕ ክትብልን ትደሊ ነይራ። ብዙሕ ግዜ፡ ‘ኣንቲ ኣስካሉ ሓውተይ፡ ወላ ኣብ ገለ ነጐስዮ ወይ ሪስቶራንተ ካሴሪ ኴንኪ ዘይትሰርሒ?’ ኢለ እንተ መኸርኩዋ፡ ‘ኣነ ጓል ባይረ ኣነ ክልተ ግዜ ክርአ ኣይደልን’የ፡’ ክትብል ተገንጪራ ትምልሰለይ ነይራ። ደሓር’ኳ ረብሪበ ዘረባ ገዲፈዮ። ዓሻ ኮይና’ምበር ዘይከምኣ ንፉዓት ካልእ ሰሪሐን’የን ዝኣትዋ ነይረን። ንሳ ግን ፍጥረት ሰብ ኣይነበራን። እዚ ክብለኩም ከለኹ፡ ዘይትስክሕ ሰብ ኮይና ድያ፡ ኣመል ከይተርፍ ድዩ ክርድኣኒ ኣይክእልን፡ ሳሕቲ ምስጢር ይዕቅባ’የን ንዝበለተን መንእሰያት ጥንሲ ትሰደለን ነይራ እያ። ወዛሕዛሕ ንዝለመደት ኣስካሉ ግን ፋይዳ ኣይነበሮን። እዚኣስ እንቋዕ ኣብ ባንክ ትሰርሕ ኣይነበረት!

“ብዝኾነ ከምዚ ዝብለኩም ወግሐ ጸብሐ ገንዘብ’ምበር ደልየ ጥራይ ኮይኑ ዘረባኣ። ካን ቅጥዒ ዘይብሉ ኮይኑ። ሓደ መዓልቲ ዓሰርተ ሳዕ ገንዘብ ሃብኒ ምባላ ደም ጥዒሙኒ፡ ‘ቫይ ቪያ! ድሕሪ ሕጂ ገንዘብ ከይትሓትኒ። ፍሒረ የምጽኦ የለኹን መዓረይ! ቍሩብ ደም የብልክን ድዩ?’ እንተ በልኩዋ፡ ዘይፈልጦ ናጤባ ዱብ ኣቢላትለይ፡” በለቶም ኣብ ፊታ ተንጠልጢላ ናብ ዝነበረት ስእሊ ወዳ እናሰደደት። ክልቲኦም ናብታ ኣብ መንደቕ ተሰቒላ ዝነበረት ትኩእ ወዲ ዓሰርተ ሰለስተ ዓመት ኣቢሉ ከሎ ምስ ሓደ ካልኣዩ ቈልዓ ብደዉ ዝተሳእላ ፎቶግራፍ ጠሚቶም ብሓዘን ተዋሕጡ። ማሪያ ንባዕላ ነታ ስእሊ ሓንሳብ ምስ ጠመተታ ብኽያት ስለ ዝሰዓራ ዘረባኣ ክትቅጽል ኣይከኣለትን።

“ደሓንዶ ኣይጸናሕክን ማሪያ! በጃኺ ንየው በልዮ ብኽያት። ትኩእ ብብኽያት ዝምለስ ነይሩ እንተዝኸውን ውሑድ ኣይበኸናሉን። ደሓር ከኣ ኩላትና ነበርቲ መዓስ ኴንና። ስምዕና በጃኺ!” ብምባል ካብ ብኽያታ ከዕግሱዋ ፈተኑ።

“እወ! ካብ ሓመድ ተፈጢርና ናብ ሓመድ ኢና። ነዛ ነፍስናስ እንታይዶ ሒዝናላ ኢና? ወዲሰብ ተወሊዱ ክብሃል ከሎ ሞይቱ ማለት እዩ’ኮ። ካባይ ጀሚርካ ግን ሳላ ዕሽነትና ነዛ ዓለም ንዘልኣለም ንረግጻ እዩ ዝመስለና። ሕጂ ኸኣ ዘለኽዮ ኵነታት ይኣክል፡ ነፍስኺ ኣይተሕስሚ ማሪያ። ኣምላኽ ከኣ ናቱ’ዩ ወሲዱ፡ ንሕናስ ናይ መን ዲና? ቀጽሊ ጥራይ፡” ወሰኹ ግራዝማች።

ይቕጽል . . . . . .

ራብዓይ ምዕራፍ መበል 30 ክፋል ዝመጽእ ረቡዕ 10 ታሕሳስ

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleሮዛን ሰሌን
Next Article ሮዛን ሰሌን
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

1 Comment

  1. tekle on December 8, 2014 8:44 am

    ድርሰት ናይ ምግምጋም ክእለትን ሞያን የብለይን። ይኹን እምበር እዚ ድርሰት መሳጥን መሃርን ስለ ዝኾነ ከይነኣድኩ ኣይሓልፍን።

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?