Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Tuesday, March 10, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ንዘርኣይ ደረስ ዝተገብረ መልቀስ

ንዘርኣይ ደረስ ዝተገብረ መልቀስ

0
By Mekonnen T. on October 18, 2014 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ኣብ “ጎመራው ዘርዓይ ደረስ” ዝብል መጽሓፍ ብዛዕባ ዘርኣይ ደረስ ዝፈጸሞ ታሪኽ ዘዘንቱ ኣብ ግዜ ሃይለስላሴ ዝተጻሕፈ መጽሓፍ ኣብ ገጽ 164ን ክሳብ 166ን ሰፊራ ትርከብ ግጥሚ ኣላ። እዛ ግጥሚ ሞት ዘርኣይ ደረስ ኣብ መላእ ኤርትራ ምስ ተሰምዐ ብግራዝማች ዘር ኣይ ሰቛር ዝተባህሉ ተወላዲ ድግሳ ኣከለ-ጉዛይ ተጻሒፋ ኣብ ሰሙናዊ ጋዜጣ ኣብ 4ይ ዓመት ቁጽሪ 187 ሓሙስ 29 ጥቅምቲ 1938 ዓም ዝወጸት’ያ። ገለ ክፋል ናይዛ ግጥሚ ኣብ መላእ ኤርትራ ዝርከባ ዝነበራ ኣብያተ ትምህርቲ ከም መዝሙር ይጥቀሙላ ምንባሮም እቲ ጽሑፍ የዘንቱ።

ኣብ ቀብሪ ኣቶ ዘርአይ ወልደ ኣንበሳ ዘእምነገደ ይሁዳ እተለቕሰ መልቀስ

ዘርኣይ ክንዲ ኣንበሳ፡ መኹሲ ወዲ ድግሳ

ነዛ ዓባይ ሞያኻ በየን ክቕልሳ ኣብ ሮማ ኽነሳ

ኬላግጹ መጹ ጓሳ ወዲ ጓሳ

ወዮ ሓየት ረባዕ መሲሉዎም ሬሳ

ኣፉ ትም እንተበለ ዓይኑ እንተደቀሳ

ተበራበረ’ሞ ዘርኣይ ክንዲ ኣንበሳ

ጉራደ መዘዘ ገበሮም ኩልሰሳ

ኣብ ማእከሎም ኣትዩ ጎልጎሎም ጠሓሳ

ወዲ ማይ ፈለጋ ኣይገደፍካን ጣዕሳ

ሽምካ ክትተርፍ ኢያ ዘልዓለም ሓዲሳ

ኣንታ እዚ ወዲባ ክንደይከ ይደፍር!

ወይ ንመኳንንቶም ወይ ንንጉሶም ዘይሓፍር!

ንዱቸ ዘይፈርህ ንሕዝቦም ዚደፍር

ዓዱ ብዝጸረፉ ብብዙሕ ከናፍር

ኣብቲ ማእከል ሮማ ብጉራደ ዝጭፍር

ኣብ ማእከል የኹድድ ሰባኡት የንፈርፍር

ወዲ ተስፋንድራስ ሓርማዝ ጉርጉር

ካልእ እንኪደሃል ንሱ ይስዕር

ጽምድ ወዓልካዮም ከም ኣባዑር

ወዲ ሓየት ኢኻ ሰቢሩ ዝግዕር።

ንኖኡ ነሕዋቱ ከይዝክር

ጸርፊ ምስ መረሮ ገበረ መስተንክር

ኣንታ ሕነ ዓዱ መንገዱ ዜብኩር።

ናትካ ሞያስ ዚገርም ዜስተንክር

ነቶም ጀጋኑና ናይ ቀደም የዘክር።

ሎምንዶ ተመልስ ኣብ ኣልጋ ክትፍክር

ኣብ ማእከል ዓድኻ ክትዝቲ ክትመክር።

ኣነ ተዓዊተ ስርሐይ ፈጺመ

ድጊም ይኣኽለኒ እንታይለዮ ዕድመ

ይፋቐሩ ግና ክስታን ምስ ኣስላመ

ብሓይሊ ፈጣሪ ትንቢት ተፈጸመ።

ንሓውካ ገዲፍካ ምስ እኖኻ

ኣብ ማእከል ከተማ ሓየት በረኻ

እሞ ንበይንኻ ብጻይ ዘይብልኻ

ኣንታ ዘርኣይ ሓወይ እንታይ መእተዊኻ

ናይ ጸላኢ ኣርዑት ምሒር ከቢዱኒ

ልበይ ነዲዱኒ ደመይ ፈሊሑኒ

ምእንቲ እታ ዓደይ እታ ተኽሊ ወይኒ

ይውግኡኒ ደኣ ይፈላልጹኒ

ዘራፍ ኣቶ ዘርኣይ ወዲ ብተይ ግኒ

ሓመድ ፈሲሱካ ጸቒጡካ እምኒ

እንከይተደስተካ ብሞት ሙሶሊኒ።

ሓዋ ዓዲ ገረድ ኣምበሳዶ ይዋረድ

ዓደይ ክትቃለል ኣነኸ ዘይሕረድ

ጥይት ዘይፈሰኒ ከም ዝናብ ከም በረድ

ኣብ ዳሕራይ ወለዶ በደለይ ኪፍረድ

ወዲ ማይ ፈለጋ ሓዊ ጸዓዘጋ

ወድኺ ሃዘጋ ናተይ ሒነ ኣልጋ

ዝገዝፍ ምንጋጋ ገፊሕ መሐግሐጋ

ባርያ ገቢሩኒ ዘይሃበለይ ዋጋ

ምንም ከይበደልኩ ከይገበርኩ ጌጋ

ሳላ ብሪታንያ ናይ ኢትዮጵያ ዳልጋ

ሎሚ ግን ሰሚዐ ተመሊሳ ኣልጋ

ደመይ ዘፍሰስኩላ ኣብ ማእከል ዕዳጋ።

ነዛ ኢትዮጵያ ደመይ ዘፍሰስኩላ

ንዝኽሪ ኪኸውን ዓጽመይ ኣምጽኡላ

ኣብ ማእከል ሓማሴን ጨርሒ ጨርሑላ

ዝፈሰሰ ደመይ ትሓፍስ ይግበራ

ነዛ ነብሰይ ድማ ኣምላኽ ይቀበላ

ናይ ሰማዕታት ኣኽሊል ባዕሉ ይኸልሳ

ኢትዮጵያ ዓድኻ’ውን ትበለካ ዋይ ኣነ

ናትካ ሞትስ እምብዛ ኣሕቆንቆነ

ወልደ ኣንበሳ ኩሩዕ ዝገነነ

ወድኺ ሃዘጋ ምስ ዓደ’በነ

ናይ በረኻ ሓየት ዘይዳነ።

ይበኽያልካ ኣሎዋ ዓንሰባ ምስ ዓዲ ንኣምን

ብብረት ዚሰብር፡ ብፋረ ዚዝንን።

ይበኽያልካ ኣለዋ መራጉዝ ምስ ዓዲ ሕይስ

ማእከል ሮማ ንስኻ ክትገይሽ

ካብ ናይ ካልኦትሲ ስሬኻ ይሓይሽ።

ዘይትምለስ ደኣ ዓራት ከተጣይስ

ይበኽያልካ ኣሎዋ ተኸላ ድባዛና

ወድ ዓደቦታት ወድ ጅግና

ብሕጻኑ ዝወጸ ፈተና

ወዳጀኸ ሓየት ወዳጀኸ ፋና።

ይበኽዩልካ ኣለው ሻሁ ከይተረፉ ሽፋ ምስ ዕማሮ

ወዲ ሒላኽስቶስ ወዲ ቃንዳ ጽሎ

ወዲ ተስፋንድራስ ወዲ ዕቃዳ ጽሎ

ወዲ ወልደንኪኤል ወዲ ቃንዳ ጽሎ

ኣደራሽኩም ሽሻይ ዚዕደሎ

ጠያይትኩም ዚብል በሎ በሎ

ዘርኣይ ወልደንበሳ ብርኪ ሊሎ

ንስኻ ትኽእሎስ መን ይኽእሎ

ይበኽዩልካ ኣሎዉ ሓልሓል ምስ ቤት ታውቀ

ስረ ብድሕሬኻ ዕደ ሰብ ተዓጥቀ።

ይበኽዩልካ ኣሎው ዓድሕማኻ ዓደከለ ጉዛይ

ወድ ጓንጉል ብሽቶል መጋዛይ

ወድ ራእሲ ከም ማዕበል ወሓዛይ

ዓርከየ በጃኻ ዓርከየ መዓዛይ።

ይበኽዩልካ ኣለው ሃዘጋ ምስ ሽምጅብኑቕ

ኣረ ጅግንነትካስ ንዓለም ዚንቕንቕ

በሊሕ ጉራዴኻ ፋሽስቲ ዚሓንቕ

ናትካ ሞትስ እምብዛ የሕነቕንቕ።

ይበኽያልካ ኣሎዋ ሃዘጋ ምስ ዓዲ ሽማግለ

ዓጣቕ ልዕለ ትሕተ ድርብ ስረ

ናይ ልቡ ዚገብር ከም ዘዝመረ

ኣንቆልቁሉ ዚወግኦም ኣርሓ ትግረ።

ይበኽያልካ ኣሎዋ እዘን ተከለ ዓገባ

ወዲ ተስፋንድራስ ወዲ ሓየት ሉባ

ወዲ ጎሚዳ ወዲ ሓየት ሉባ

ምትር ወዓልካዮም እልፊ ዱባ

ንበይንኻ ዘሕለፍካ ጸባባ።

  • ዘርኣይ ሰቛር፡ ዘብሔረ ድግሳ፡ ኣከለ-ጉዛይ

 

 

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleምዕንባብ ብምንታይ፧
Next Article ሕጥቦ_ሽኮር
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?