Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Tuesday, March 10, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ወርሕን ጸልማትን

ወርሕን ጸልማትን

0
By Mekonnen T. on October 11, 2014 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ጸሓፊ፡ ዳኒኤል ክብረት

ተርጓሚ፡ መኮነን ተስፋይ

ብ1786 ዓ.ም. ዝተጻሕፈት ጥንታዊ ኣባሃህላታት ዝሓዘት ሓንቲ “An Ethiopian Saga” ትብል መጽሓፍ ከንብብ ከለኹ “ንወርሒ እናረኣኻ፡ ንጸልማት ከኣ እናተጠንቀቕካ ተጓዓዝ” ዝብል ያታዊ ብሂል ረኣኹ። እዚ በቶም ናይ ጥንቲ ሰባት ዝተዋህበ ናይ ለባማት ምኽሪ እዩ። ናይ ጥንቲ ተጓዓዛዝቲ ጣፍ ተእሪ ኣብ እትመስል ወርሒ ምጉዓዝ ክልተ ጥቕሚ ይረኽቡ ነበሩ። በቲ ሓደ ወገን ካብ ከጋጥሞም ዝኽእል ሙቐትን ጸሓይን ይናገፉ። በቲ ካልእ ከኣ ነቲ መንገዲ ካብ ርሑቕ ስለዘይርእይዎ “ለካ ነዊሕ ጉዕዞ ኢዩ ተሪፉኒ ዘሎ” ብምባል ንያቶም ኣየዕርቡን። ብፍላይ እቶም መንገደኛታት ብዝሕ እንተኢሎም፡ እክብ ኢሎም ኣብ ሓደ ጸግዒ ናይ ገዛ ወይ ኣብ ትሕቲ ገረብ ኣዕሪፎም ኣብ ኣጋ ወጋሕታ ማለት ከባቢ ሰዓት ሰለስተ ናይ ለይቲ ተንሲኦም ናይ ወርሒ ብርሃን እናተኸተሉ ይጓዓዙ። ኣብቲ ግዜ’ቲ እዮም እምበኣር ነታ ወርሒ እናረኣዩ ነቲ ጸልማት እናተጠንቀቑ ዝጓዓዙ።

ተጓዓዝቲ ነታ ወርሒ ዝርእይዋ ንኽልተ ነገር’ዮም። በቲ ሓደ ወገን እታ ወርሒ ፈለማ እናደመቐት ዳሓር እናሃሰሰት ምኻዳ ለይቲ ተዛዚሙ ቀትሪ ይመጽእ ከም ዘሎ’ያ ትሕብሮም። ብፍላይ እቶም ኣብ ምደረ በዳ ዝነብሩ ኣህዛብ እታ ወርሒ እናሃሰሰት ምኻዳ ንዕኦም ብስራት ኣይኮነን። ሙቐት ይመጽእ ከም ዘሎ’ያ ተርድኦም ዘላ። እቲ ናይ ጸሓይ ሙቐት ከኣ ንሶም ይኹኑ እንስሳታቶም ክጻወርዎ ከቢድ እዩ። በቲ ካልእ ሸነኽ፡ ናይ ወርሒ ብርሃን እናተኸተሉ ዝጓዓዝሉ ምኽንያት ኣብቲ ከባቢ ካልእ ብርሃን ስለዘየለ ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ደበና ክትክወል ከላ ከዕርፉ ምስ ወጸት ከኣ ቅልጥፍ ቅልጥፍ ኢሎም ተጓዒዞም መንገዶም ስለዘሰላስሉ እዩ። ኣብዚ ጉዕዞ’ዚ ተገዳስነቶምን ኣተኩሮኦምን ኣብታ ወርሒ ጥራሕ ኣይኮነን። ሽሕ’ኳ እታ ወርሒ መንገዶም ክርእዮ ትሓግዞም እቲ ዓሞቕቲ ቦታታትን ገደላትን ህልም ዝበለ ጸልማት’ዩ ዝፈጥር። ጸግዒ ጸግዒ ካብቲ ናይ ወርሒ ብርሃን ተኸዊሉ ፍልይ ዝበለ ጸልማት’ዩ ዝፈጥር። እዚ ከኣ እቲ ናይ’ታ ወርሒ ብርሃን ዘቃልዖም ኣራዊት መሕብኢ፡ ናይ ሸፋቱ ከኣ ቀንዲ መናሃርያ’ዩ ዝኸውን። ሓደ ሓደ ግዜ እታ ወርሒ ኳዕ ኢላ ክትወጽእ እንከላ ካብቲ ዝተቐልዐ ከባቢ የማነ ጸጋም ኣዚዩ ዘፍርሕን እንታይ ሒዙ ከም ዘሎ ዘይፍለጥን ኩነታት ይፍጠር’ዩ።

ናይ ወርሒ ብርሃን ከም ናይ ጸሓይ ኣይኮነን። ናይ ጸሓይ ብርሃን ምስ ሙቖቱ ስለዝመጽእ ነቲ ከባቢ ይቕይሮ’ዩ። እቲ ናይ ብርሃን ጩራ ከኣ ዋላ መኸወሊ ይገበረሉ ሰንጢቑ ክሓልፍ ዓቕሚ ኣለዎ። ናይ ጸሓይ ብርሃን ካብ ወርሒ ዝበልጽ መልክዕ ኣለዎ። ወርሒ ግን ድምቀት’ዩ ዘለዋ ከባቢኣ ተመልክዖ እምበር ኣይተሙቖን ኢያ። በዚ ዝተበገሰ ኣብ ወርሒ ዝጓዓዙ ሰባት የማነ ጸጋሞም የፍርሖም’ዩ። ካብ ዝኾነ ርሕቀት ንላዕሊ ብናይ ወርሒ ብርሃን እቲ መንገዲ ምርኣይ ኣጸጋሚ’ዩ። ስለዚ እዩ ከኣ “ነቲ ጸልማት ተጠንቀቐሉ ዝበሃል” ሓደ ሓደ ግዜ ህይወት ከም ናይ ወርሒ መንገዲ እያ። ብርሃንን ጸልማትን፡ ድምቀትን ፍርሕን ሓቢሮም ይጸንሑኻ። ክትጓዓዝ እንከለኻ መንገድኻ ትፈልጦ ኢኻ። እንተኾነ ካብ መንገድኻ ንየማነ ጸጋም ዝጽበየካ መጻወድያ ብዝግባእ ዘይክትፈልጦ ትኽእል ኢኻ። ከምታ ቅንዕ ክትብል እንከለኻ ትርኣየካ ድምቕቲ ወርሒ ኣዚዮም ዝደመቑ ተስፋታት፡ ዓወታትን ኣጋጣሚታትን ክትረክብ ኢኻ። ይኹን እምበር ነታ ድምቕቲ ወርሒ ርኢኻ ብናይ ሓሶት ትስፋ ክትምላእ ከለኻ በየማነ ጸጋምካ ዓሞቕቲ ቦታታት፡ ኣጻድፍ፡ ስንጭሮታት፡ ዘፍርሑ ኣራዊት ወይ’ውን ዝዓጠቐ ጻላኢ ካጋጥመካ ይኽእል’ዩ።

ተጓዓዛይ ነታ ወርሒ ከድንቕ እኹል ዕረፍቲ ኣይረክብን’ዩ። ክጓዓዝ ኣለዎ። ኣብ ሓደ ቦታ ደው ኢሉ ብፍቕራ ተዓዚሙ፡ ብሓጎስ ዘቕቢቡ፡ በቲ ብርሃን ተመሲጡ “ከዚመላ’የ፡ ክደርፈላ’የ” እንተኢሉ ካብ ዘይፈልጦ ገደል ቅልቅል ቅልቅል ዝብሉ ኣራዊት ወይ ጸላእቲ ኣይሳኣኑን’ዮም። እንተገደደ እንተገደደ ዝጻባእ ዋላ ኣይኹን ዘሰንብድ ጣሕሸምሸምታ ኣይሳኣንን’ዩ። ስለዚ በቲ ሓደ በቲ ጎቦ ልቡ ቅንዕ ኢሉ መልክዕ ወርሒ እናረኣ፡ በቲ ሓደ ልቡ ከኣ መንገዱ እናስተውዓለ። ሓሓሊፉ የማነ ጸጋም እናቋመተ ይጓዓዝ።

ህይወት ልክዕ ከምታ ወርሒ ጽብቕቲ፡ ንበረለይ፡ ንበረለይ ትብል፡ ሓንሳብ ዋላ’ኳ እንተጎደለት ካልእ ግዜ ትመልእ። ኳዕ ኢላ መንገዲ ተርኢ። ብተስፋን ብህንጥዩነትን ዝተመልአት’ያ። ህይወት ከም ድምቕቲ ወርሒ መሊኡ ዝፈስስ መልክዓ ዝድረፈላን ተናፋቒትን’ያ። ብኻልእ ወገን ከኣ ህይወት ተስፋን ባህታን፡ ርውየትን ሰላምን ጥራሕ ኣይኮነትን። ተጓዓዛይ ነታ ወርሒ ጥራሕ እናረኣየ ብኣኣ ኸኣ እናተሓጎሰ ጥራሕ ክጓዓዝ ከም ዘይከኣሎ። ህይወት ስንጭሮታትን ኣጻድፍን፡ ጫካን ኣራዊትን ኣለውዋ። ከምቲ ናይ ወርሒ ድምቀት ዘሐጉሰና፡ ናይ ጫካታት ጽላሎት፡ ናይ ገደል ስቕታ፡ ናይ’ቶም ኣብቲ ጫካ ዘለዉ ኣራዊት ተንኮል ከኣ የፍርሕ’ዩ። ሓደ ኣብኡ እንታይ ከም ዘሎ ዘይፍለጥ ምዃኑ፡ ካልእ ከኣ ኣብኡ ኣራዊትን ጸላእትን ክህልው ስለዝኽእሉ። ናይ ወርሒ ድምቀትን ብርሃንን እኳ እንተፈተናዮ ግዜ ሂብናውን ከነስተማቕሮ ዋላ እንተደለና እቲ የማን ጸጋም ዘሎ ጸልማትን ፍርሕን ግን ንኣስተብህሎ ዝኸውን እኹል ግዜ ኣይህበናን። ብዛዕባ’ቲ ጸልማት’ውን ንሓስብ ኢና። ነቲ ጸልማት’ውን ክንርእዮ ንደሊ ኢና። ነቲ ጸጥታን ግብ ዝበለ ጸልማት’ውን ከነጽንዖ ንሓስብ ኢና። ካብ ግምትና ተበጊስና ከኣ ንፈርሕ።

ዝሓለፈ ንዝክር፡ ብዛዕባ’ቶም ዝሓለፉ’ውን ንሓስብ። በዚ ዓይነት መንገዲ ዝተጓዕዙ ሰባትን ብዛዕብኦም ዝተነግረና ዛንታን ከኣ ንዝክር። እቲ ተባህለን ዝርርብን’ውን ነምጽኦ ኢና። ነቲ ጸልማትን ስቕትኡን ከኣ ትርጉም ንህበሉ። ንጠራጠር። ጣሕሸምሸምታን ድምጺ ኣራግጻ እንስሳታትን ኩሉ ጽን ንብሎ። ንነፍሲ ወከፍ ድምጺ ከኣ ትርጉም ንህቦ። ከምዚ እናበልና ከኣ በቲ ናይ ወርሒ ድምቀት ተሓጉስና በቲ የማነ ጸጋም ናይ ጸልማት ከኣ ሰጊእና ንጓዓዝ። ህይወት ከምዚ ኢያ። ተስፋ ጥራሕ ኣይኮነትን ስግኣት’ውን ኣለዋ። ሓጎስ ጥራሕ ኣይኮነትን ሓዘን’ውን ኣለዋ። ትርአ ጥራሕ ኣይኮነትን ዘይረአ ክፋል’ውን ኣለዋ። ትፍለጥ ጥራሕ ኣይኮነትን ዘይፍለጥ ኣካላት’ውን ኣለዋ። ነዚ እዮም ከኣ እቶም ቀዳሞት “ነታ ወርሒ እናረኣኻ፡ ካብቲ ጸልማት ከኣ እናተጠንቀቕካ ተጓዓዝ” ዝብሉና። ነታ ወርሒ ንዘርይእዩ ሰባት ህይወት ደብዛዝ’ያ። ብምስልቻውን ፍርሕን ዝተመልአት። ዝኾነ ናይ ሓጎስ ጩራ ዘይረኣያ ምናምን’ያ። ሽግርን ከልበትበትን ጥራሕ ዝሰፈና። ነቲ ጸልማት ንዘይርእዩ ሰባት ከኣ ህይወት ሓጎስን ፈንጠዝያን፡ ሰላምን ዕጋበትን፡ ፌስታን ዳንኬራን ጥራሕ’ያ። ክልቲኦም ግን ጎዳእቲ ኢዮም። ነታ ወርሒ ንዘይርእዩ ሰባት ንህይወት ከጠዓዕምዋ ዕድል ኣይረኽቡን’ዮም። ካብ ህይወት ዝኾነ ጽቡቕ ነገር ኣይጽበዩን’ዮም። ፈጺሙ ባህ ዝብል ነገር ኣይረኣዮምን’ዩ። ዝኾነ ዓይነት መልክዕ ወይ ጽባቐ ኣይግለጸሎምን’ዩ። ኩሉ ጸልማት’ዩ ንዕኦም። ነቲ ጸልማት ንዘይረእዩ ሰባት ከኣ ዝኾነ ምድላዋት፡ ጥንቃቐን ሽግር ናይ ምፍታሕ ጥበብን የብሎን። ነቲ ልሙዕ ሳዕሪ እናረኣዪ ናብ ጸድፊ ናይ ምእታው ዕጫ’ዩ ዝገጥሞም። ነቲ ማዓር እምበር ናይ ንህቢ ምንኻስ፡ ነታ ጽገሬዳ እምበር ነቲ እሾኽ ኣይርእዩን’ዮም። ህይወት ምዝላልን ምዝናጥን፡ ምብላዕን ምስታይን፡ ምስሓቕን ምጽዋትን ጥራሕ ይመስሎም። ስለዚ ኣብ ዝተነኸስሉ ወይ ኣብ ዝተወግ ኡሉ ግዜ ይስንብዱ። ቀልጢፎም ተስፋ ይቖርጹ።

ኣብ ህይወት በቲ ምቹእ መንገዲ ንምጉዓዝ ዝሓሸ ሜላ ነታ ወርሒ ምድናቕ’ሞ በቲ ብርሃና ምጉዓዝ፡ ከምኡ ከኣ ነቲ ጸልማት ብምንጥንቃቕ’ዩ። ህይወት ኣብ መንጎ ናይ ወርሒ ብርሃንን ጸልማትን ዝተፈጥረት ረቓቕ መንገዲ’ያ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ኪኢላ ሰብ ሚዛኑ ይሕሉ’ዩ። ኣብዚ ጉዳይ በሊሕ ሰብ ሓደ ዓይኑ ናብ ወርሒ፡ እቲ ሓደ ዓይኑ ከኣ ኣብቲ ጸልማት ተኺሉ’ዩ ዝጓዓዝ። ኪኢላ ሰብ ክልተ ዓይኑ ኣብ ሓደ ቦታ ኣይተኽለንን። ብዙሕ ግዜ ንሓደ ነገር ብኽልተ ዓይንና ኢና ንርእዮ። ክንርእዮ ዘለና ግን ከምቲ ናይ ወርሕን ጸልማትን እዩ። ንወርሒ በታ ሓንቲ ዓይንና ነቲ ጸልማት ከኣ በቲ ካልእ። ህይወት ኣብ መንጎ ጸልማትን ወርሕን ምጉዓዝ እዩ።

 

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleፊ…..ጽ
Next Article ዛራ ጥበባት: ማሰኛታትን መላቐስትን
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?