Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Saturday, June 7, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ኣይትኺዲ!!

ኣይትኺዲ!!

0
By Mekonnen T. on April 17, 2016 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ኣንቲ ዘይትምኖ ከም’ዛ ዕራብ ጸሓይ

ኣንቲ ዘይትጽገብ ጥዕምቲ ደሃይ

በልና ‘ባ ምንባር ተላመዱ

የማነ ጸጋም ጠምቱ ኣይትተዓነዱ።

ምንባር የፍርሕ’ዩ ከም’ዛ ጸላም

ትብዓት ይሓትት ሕልናኻ ዘይምጥላም

ይጉዳእ’ዩ ስምዒት ይዝረግ’ዩ ሕልሚ

ፍሽኽታ ከይተኸወለ ቅጽበት ትደሚ።

ይቕሬታ ዝእግሞ ዕርቂ ዘሰንብዶ

ብራርያ ፍቕሪ ለበዋ ዘይከብዶ

ኣብ ቃሉ ዘየትክል ምብዝሑ

ውሉድ ንወላዲ ምግንሑ

እኩብ ድምሩ ናብራና በትኒሑ።

ኣንቲ ተድላ ኣንቲ ሰሓቕ

መኣስ ብኣካልኪ መንፈስኪ ውን ኣይርሓቕ

ኣይትኺዲ ጸሓይ መዓልቲ ቁጸሪ

ሓደራ ኣይትዕረቢ ይብራህ’ዚ ቀትሪ

ንስኺ እቲ ንቡር ግበሪ።

መፈስሂት ልቢ ዕንባባ ንዓይኒ

ቀረባ ርሕቕቲ ጥራይ ተወናውኒ

ካብ ልቢ ..ካልኢት ዘይትጠፍኢ

ክትኮኒ ኢኺ ብርኩት ቀውዒ።

ኣይተጋገኽን ወለላኺ ዝዕርዕሮ ‘ሎ

ፈቃር መሲሉ ዝስምመኪ ‘ሎ

ግና ስለ ሕዙን! ኣይትኺዲ ስልምቲ

ተስፋ ብዙሓት ከይተጸልምቲ።

ኣይትኺዲ ጽላል ስምኪ ይንበር

ጎዳኢኺ ይጎዳእ ጸላኢኺ ይሰበር

ሰብ ሎሚ ኣበይ’ሞ ይኽእሎ

እምበር ሓቅኺ ፍቕሪ ዋጋ’ዩ ዝኽፈሎ።

ነብሶም ዘይረኸቡ ርእሶም ዘይፈትዉ

ጽባሕ ከይንስእና ዝብሉኺ ‘ለዉ

ኣለዉ ምኻድኪ ዝረአ ዝመስሎም

ብሽታ ዝተነፍሑ ሓሳቦም ዝጻወተሎም።

ወዲ ብርሃን ..ብርሃን ምስ ተነፍጎ

ኣደ ልዋም..ለይታ ልዋም ምስ ጨነቖ

ነዚ እንክትርእዪ ቁዛን ትስርሒ

ንግስነት ምስ ኣወጀት ፍርሒ።

ይገርመኪ ‘ዩ ነገረ ተፈጥሮ

ነቲ ንብህጎ ነቲ ንምድሮ

ባዕልና ዘይንነብሮ

ኣባና በጺሑ ፍትሒ ‘ቲ ፍሽለታ

ጨቆንቲ ክንስና ኩልና ደለይታ።

ንስኺ ግን ኣይትከወሊ ተጸመሚ

ንበራበር ንኸውን ካብ’ዚ ከቢድ ሕልሚ

ድሕሪ ገልጠምጠም ይቕየር’ዩ ታሪኽ

ክመጽእ ‘ዩ ትወጽእሉ በሪኽ።

ዝግ ምስ በለ መጥፍኢና ንፋስ

ኣብ ሑቕፎኺ ‘ሎ ትንፋስ

ኩሉ ከጽልለልኪ ክትግርሚ ክትማርኺ

ኣይትኺዲ ጸዋር ፈጣሪ ይሓሉኺ።

         ተስፊት ዮውሃንስ

        14-04-2016

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleእሩምን ምዕሩይን ትግርኛ
Next Article “ዕላል ሓደ ሰዓት ኣብ ካምፓስ”
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?