Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Tuesday, September 15, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ድምጺ ኤርትራውያን ደቀንስትዮ ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ

    September 15, 2026
    Read More

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ድምጺ ኤርትራውያን ደቀንስትዮ ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ

ድምጺ ኤርትራውያን ደቀንስትዮ ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ

0
By Mekonnen T. on September 15, 2026 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ድምጺ ኤርትራውያን ደቀንስትዮ ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ

ምንጪ ጽሑፍ፡ THREADS OF FREEDOM

ጸሓፊት፡ ጸጋኣለም ወልደማርያም

ትርጉም፡ ገ/ሚካኤል ፍስሃየ፡

(እዚ ጽሑፍ’ዚ፡ ካብ’ታ THREADS OF FREEDOM እትብል ብጸጋኣለም ወ/ማርያም ዝተጻሕፈት፡ ንኣበርክቶ ኤርትራውያን ደቀንስትዮ ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ እተዘንቱ መጽሓፍ ዝተወስደ’ዩ። ኣብ’ዚ ጽሑፍ’ዚ ቀሪቡ ዘሎ ዛንታ ካብ’ቲ ኣብ ገጽ 137-144 ናይ’ዛ መጽሓፍ ሰፊሩ ዘሎ ጽሑፍ ዝተወስደ ኮይኑ፡ ንተሞክሮ ገድሊ ጁምዓ ዑመር ዓብደላ ዝገልጽ ዛንታ’ዩ።)

ጁምዓ ዑመር ዓብደላ፡

‘ብዕላማ ሓደ ዝኾንና፡ ብሓባራዊ እምነታት ዝተኣሳሰርና፡ ድምጽና ንሰውራ ዘቃልሕ ኢና ኔርና’

ጁምዓ ንስለ ህዝባ ክትቃለስ ምስ ወሰነት፡ ንሳን መሓዝኣ ሳልሓን ናብ ቃልሲ ክጽንበራ እንተድኣ ኮይነን ናብ ሓደ ጎቦ ክድይባ ከም ዘሎወን ተነግረን። ናብ’ቲ ጎቦ ምድያብ ማለት ድማ ልዕሊ ኣካላዊ ምሕኳር ዝርአ ነበረ- ናብ ሓደ ዝኣምናሉ፡ ኣዝዩ ሓደገኛን ኣብ ምምእዛኑ ተራአን ከበርክታሉ ዘሎወንን መጻኢ። ሓደ ከም ግብረመልሲ ናይ ዓመጽ ዝጀመረ ጉዕዞ፡ ኣማስያኡ እዉጅ ዕላማ ኮነ፡፡ ዋላ’ኳ ኣብ ቅድሚኤን ዘሎ ጉዕዞ ብኸቢድ ፈተነ ዝመልአ እንተነበረ፡ ውሳነአን ግን ኣብነት ናይ’ቲ ንጽንኩር ኩነታት ፊት ንፊት ዝገጠመ ድጉል ሓርበኝነት ኮይኑ ቀጸለ።

ጁምዓ፡ ካብ ኣቡኣ ዑመር ዓብደላን ኣዲኣ ሓሊማ ዑመር መሓመድን ኣብ ጥቓ ዓዲ ቀይሕ እትርከብ ቆሓይቶ ዝተባህለት ዓዲ ተወሊዳ ዓበየት፡፡ ምስ ሰለስተ ኣሕዋታን ክልተ ኣሓታን ብምዃን ኣብ ሓረስቶት ስድራቤት ከብቲ እናሓለወትን ንኣቦኣ ኣብ ሕርሻዊ ንጥፈታት እናሓገዘትን ዝዓበየት ጁምዓ፡ ኣዲኣ ጌና ንእሽቶ ከላ ስለዝሞተት፡ ካብ መጀመርታ ዓመታት ዕድሚኣ ሓያል ኮናይ ንኽትዓቢ ዓቢ ተራ ዝተጻወተ ኣቦኣ ነበረ።

ኣብ መፋርቕ 1960ታት፡ ኣብ’ቲ ከባቢ ብሓንሳብ ተኣኪብካ ምንቅስቓስ ንቐጻሊ ስግኣት ዘቃልዓካ ፍጻመ’ዩ ኔሩ። ምኽንያቱ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ወተሃደራቱ ብጻዕቂ ዘንቀሳቕሰሉ ጊዜ’ዩ ኔሩ፡፡ ወተሃደራት ኢትዮጵያ፡ ከም ግብረመልሲ ናይ’ቲ ጽልዋኡ እናዓበየ ዝመጽእ ዝነበረ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ) ኣብ’ቲ ከባቢ ብዘይዕረፍቲ ዳህሳስ የካይዱ ነበሩ፡፡ እቲ ጥቕዓት ብስዉር ዘይኮነስ ብቐትሪ ምድሪ’ዩ ዝፍጸም ኔሩ። ጁምዓ ድማ ከብቲ ክሕረዳ፡ ገዛውቲ ክውረርን ክብሪ ህዝባ ክቕንጠጥን ብዓይና ተዓዘበት። እቲ ስቓይ ሓባራዊ፡ እቲ ፍርሒ ድም ቀጻሊ ነበረ።

ኣብ መንጎ’ዚ ራዕዲ’ዚ ግን ሕሹኽታ ተቓውሞ ክስማዕ ጀመረ። ተጋደልቲ ተሓኤ ብለይቲ ናብ’ተን ዓድታት ሰሊኾም ብምእታው፡ መልእኽቶም የሕልፉ፡ ህዝቢ ብኸመይ ክምክትን ብኸመይ ንብረቱ ከምልስን ከም ዘሎዎ የንቁሑን ነበሩ። ኣብ’ዚ ጊዜ’ዚዩ እምበኣር ጁምዓ ሓደ ፍሉይ ርድኢት ከተሕድር ዝኸኣለት- ኢትዮጵያውያን ሓለውቲ (ተኸላከልቲ) ዘይኮኑስ ወረርቲ ምዃኖም፣ እቶም ንሂወቶም ኣብ ሓደጋ ኣእትዮም ምስ’ቶም ደቂ ዓዲ ዝዘራረቡ ዝነበሩ ድማ ሸፋቱ ዘይኮኑስ ሓራ ዘውጽኡ ምዃኖም ተረድአት።

ወተሃደራት ኢትዮጵያ፡ ንተጋደልቲ ተሓኤ ይሃድኑ ከም ዘሎዉ’ዮም ዝምጉቱ ኔሮም። እንተኾነ፡ ተግባራቶም ነቲ ዝብሉዎ ዘፍሽል’ዩ ኔሩ- ዓድታት ይቓጸላ፡ በርጌስ ህዝቢ ይቕተል፡ ከብቲ ይዝመታ ነበራ። ጁምዓ እዚ ኩሉ ራዕድን ሓዘንን ክፍጸምን መንፈስ ህዝባ ቀስ ብቐስ ክብሕጎግን ከሎ ትዕዝብ ነበረት። ዋላ’ኳ ጌና ንእሽቶ እንተነበረት እቲ ሓቂ ግን ይርድኣ ነበረ። ተጋደልቲ ተሓኤ ነቶም ሰብኡት ኣንጻር መግዛእቲ ክለዓሉ ከም ዘሎዎም ክደፋፍእዎም ከሎዉ፡ ቃላቶም ኣብ ውሽጢ ኣእምሮኣ ኣትዩ ይኹሕኹሕ ነበረ። እቲ ዝብሉዎ ዝነበሩ ድማ ተራ ፖለቲካዊ ጭርሖ ዘይኮነስ መቓልሕ ናይ’ቲ ንሳ እተሕልፎ ዝነበረት መከራን ናይ ምግዳል ሃንቀውታኣን’ዩ ኔሩ። ምስኦም ክትጋደል ድማ በሃገት። ዘይፍትሓውነት ከብቅዕ እንተኾይኑ፡ ሓደ ሰብ ንመሰሉ ደው ክብልን ክቃለስን ኣሎዎ፡ በዚ ድማ ናብ’ቶም ተጋደልቲ ክትጽንበር ከም ዘሎዋ ምስ ገዛእ ርእሳ ምጉት ጀመረት።

ጁምዓ ኣብ ሂወታ ኲናት ዝረኣየትሉ ህሞት

ኣብ’ቲ ጁምዓ ዝነበረትሉ ከባቢ ኲናት ኣጋጠመ። ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከም መራሒ ኮማንዶ ኮይኑ ዝሰርሕ ዝነበረ ተለንተ ዑመር ዝተባህለ ፍሉጥ ኤርትራዊ፡ ኣብ ከባቢ ዓዶም ዓሪዱ ነበረ። ምሕደራኡ ብጭካነ ዝፍለጥ ኮይኑ ጁምዓ ድማ ኣብ ትሕቲ ጽልዋ እቲ ጨካን ባህርያቱ ዝዓበየት ነበረት። ኣብ ሓደ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ፡ ተለንተ ዑመር ክቕተል ከሎ፡ ሓደ ካብ’ቶም ኣብ’ቲ ተልእኾ ዝነበሩ ተጋደልቲ ተሓኤ ድማ ተሰውአ፡፡ እዛ ፍጻመ’ዚኣ ንኹሉ ዝቐየረት ነበረት- ብደምን እምቢታን ዝተጻሕፈት፡ ምጅማር ሓድሽ ምዕራፍ ዘበሰረት ኮነት። ሓይልታት ኢትዮጵያ፡ ነቶም ደቂ ዓዲ ምስ ተሓኤ ትተሓጋገዙ ኢኹም ብምባል፡ ዝገደደ ጎነጻዊ ግብረመልሲ ኣካየዱ፡፡ ኣብ’ዚ ጊዜ’ዚ፡ ጁምዓን ሳሊሓን ነዚ ንምብዳህ ንጡፋት ተጋደልቲ ክኾና ከም ዘሎወን ወሰና። ጁምዓን ሳልሓን፡ ካብ ስቕታ ንትግባረ ብምምራጽ፡ ኣብ’ቲ ካብ ተጋደልቲ ኩሉ ነገር ዝጠልብ ቃልሲ ተሳተፍቲ ብምዃን ናብ ታሪኽ ሰተት ኢለን ኣተዋ።

ተሓኤ ቀዋሚ መዓስከር ኣይነበሮምን- ብሰላሕታ ይንቀሳቐሱ፡ ቅልጡፍ መጥቃዕቲ ይፍጽሙ፡ ናይ ጸላኢ መጥቃዕቲ ከይመጾም ካብ’ቲ ቦታ ይስወሩ። ሓይሎም፡ እቲ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዝገብርዎ ምንቅስቓስ ክኸውን ከሎ፡ ዘይተገማትነት ድማ ምንጪ ተስፋኦም ነበረ። ንሓደ ቀዋሚ ቦታ ዘይብሉ ጉጅለ፡ ንሓደ ብሕሹኽታ ዝንቀሳቐስ ጽላሎታዊ ጉጅለ ክትጽንበሮ ዘይከኣል ክመስል ይኽእል’ዩ፡ ይኹን ድኣምበር ጁምዓን ሳሊሓን ንኣባላት ተሓኤ ክረኽባኦም እንተኾይነን ናብ ሓደ ፍሉይ ጎቦ ክድይባ ከም ዘሎወን’ዩ ተነጊርወን።

ኣማስያኡ ድማ ጁምዓን ሳሊሓን፡ ናብ ሓንቲ ብግራዝማች ዓሊ ሹም እትምራሕ ኣሃዱ ተጋደልቲ ተሓኤ በጽሓ። ዓሊ ሹም፡ ኣስማተንን ንምንታይ ከም ዝመጻን ሓተተን። ጁምዓ ብዘይጥርጥር ከም’ዚ ክትብል መለሰት፡ ‘ክንጋደል ኢና መጽኢና’ በለት። ግራዝማች በዳሂ ሕቶታት ኣይሓተታን፡ ብኣንጻሩ ንሳ ከይሰምዐት ናብ ኣቦኣ መልክእኽቲ ሰደደ። ኣቦኣ ነቲ ንሳ ዝመረጸቶ መገዲ ስለዘይተቐበሎ፡ መጺኡ ናብ ገዛ ሒዙዋ ከደ። እንተኾነ ምስ ተመለሰት’ውን ንሓጺር ጊዜ ጥራይ ጸንሐት።

ኣቦኣ፡ ስርዓት ክትገብር’ያ፡ ናብ’ቲ ዝተለምደ ውሑስ ናብራን ልምድን ድማ ክትምለስ’ያ ዝብል ተስፋ ኣሕደረ፡፡ እንተኾነ፡ ጁምዓ ድሮ ነቲ ኣባታዊ ምስምስን ባህላዊ ትጽቢታትን ክመልሶ ዘይክእል ደረጃ ኣተሓሳስባ ሓሊፋቶ ነበረት። እቲ ንሓጺር ጊዜ ዝነበረ ምምላስ ድማ ጊዝያዊ ደውታ ጥራይ ነበረ። ኣብ ውሽጣ ዝነበረ ስምዒት ዝያዳ ተጎሃሃረ፣ እቲ ናብ’ቲ ጎቦ ንኽትወጽእ ዝገበራ እምነት ድማ ዝያዳ ዓሞቝ። ከም ሓንቲ  ንሰውራ ከም ዋኒና ጌራ ዝጸዓደት ጓለንስይቲ መጠን ከኣ ምሉእ ብምሉእ ናብ’ቲ ቃልሲ ተጸምበረት።

ካብ’ቲ ክልተ ተጋደልቲ ተሓኤ ናብ ከተማ ዓዲ ቐይሕ ብለይቲ ሰሊኾም ብምእታው ንሓደ ፍሉጥ ናይ መንግስቲ ጃሱስ (ናይ እዝኒ) ዝቐንጸሉሉ ጊዜ ድማ ብዙሕ ኣይጸንሐትን። ሓደ ተጋዳላይ ሓርነት ኣብ’ቲ ስርሒት ክስዋእ ከሎ፡ እቲ ካልኣዩ ብኸቢድ ተሃሪሙ ኣብ ገዛ እንዳ ጁምዓ ተዓቝበ። ስድራቤት ጁምዓ ሰጋእ መጋእ ኣይበሉን፡ መግቢ ሂቦም፡ ቁስሉ ሓኪሞም፡ ብምስጢር ኣዕቆብዎ። ካብ ገዛ እንዳ ጁምዓ ድማ ብሕቡእ ኣውጽኡዎ። ግብረመልሲ ሰራዊት ኢትዮጵያ ቅልጡፍን ጭካነ ዝመልኦን ነበረ፡ ኣብ ምልእቲ’ታ ከተማ ድማ ሕነ ናይ ምፍዳይ ስጉምቲ ወሰዱ፡ ነቲ ቃልሲ ይድግፍ’ዩ ኢሎም ዝጠርጠርዎ ነፍስ ወከፍ ሰብ ኣጥቅዑ።

ካብ ብዓቲ ናብ ቅድመ-ግንባር

ነቲ ህዝቢ ምስ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝነበሮ ምትእስሳር ንምብታኽ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ እተን ዓድታት ብምሉአን ቦታአን ለቒቐን ናብ ከተማ ክኣትዋ ከም ዘሎወን ኣዘዘ። ዓዲ ጁምዓ ድማ ሓንቲ ካብ’ዘን ቦታአን ለቒቐን ናብ ዓዲ ቀይሕ ዝኣተዋ ዓድታት ነበረት። እቲ ህዝቢ ካብ ፍርሒ ዝተላዕለ’ዩ ነቲ ትእዛዝ ተቐቢልዎ፡ ኣቦ ጁምዓ ግን ከብቱ ገዲፉ ክኸይድ ወይ’ውን ደቁ ናብ’ቲ ከቢድ ናይ ከተማ ሂወት ክቃልዑ ስለዘይደለየ፡ ካልእ ስጉምቲ ክወስድ መረጸ- ነቲ ዓዲ ናይ ምልቃቕ ትእዛዝ ብምቅዋም ስድራቤቱ ሒዙ ናብ ሓደ ኣብ ጥቓ ቆሓይቶ ዝርከብ ብዓቲ ኣምርሐን ናይ ስረት ሂውቱ ቀጸለን።

ኣብ’ዚ ጊዜ’ዚ፡ ጁምዓ ደጊማ ናብ ሶይራ መሊቛ ከደት። ብዙሕ ከይደንጎየት ድማ ካልኦት ጉጅለ ተጋደልቲ ተሓኤ ረኽበት፡ እዛ ጉጅለ’ዚኣ ብዓብደላ ዳውድ እትምራሕ ጉጀለ ናበረት። ንሱ’ውን ተመሳሳሊ ሕቶ ሓተታ፡ ንሳ ድማ ‘ክጋደል መጺኤ’ ብምባል ተመሳሳሊ መልሲ መለሰት።

ኣብ’ዚ ጊዜ’ዚ ሓደ ሓሳብ ሓሰበት፡ ኣቦኣ ናይ ግድን ክደልያ ምዃኑ ስለዝተረድአት፡ ነቦኣ ክጽውዑላ ተማሕጸነቶም። ኣቦኣ ምስ መጸ ብዘይ ውልውል ነገረቶ፡፡ ኣብ ኣዒንታ ሕራነ፡ ኣብ ድምጻ ድማ ቆራጽነት ተዓዘበ። ኣብ መወዳእታ ነቲ ኩነታት ተረድኦ- ኣይተኻትዐን፡ ኣይተቓወመን፡ ገጹ መሊሱ ከኣ ከደ።

ድሓር ድማ ምስ ሓንቲ ብድሕሪኣ ሓደ ሰሙን ጸኒሓ ናብ’ቲ ቃልሲ ዝተጸምበረት፡ ራሕማ ሳልሕ ዝተባህለ ካልእ ተጋዳሊት ጓለንስተይቲ ተራኸበት። ጁምዓ ነዚ ዛንታ’ዚ ኩሉ ጊዜ ብኸ’ዚ ዝስዕብ ተገልጾ፡ ‘ገለ ሰባት ኣነን ሳልሓ መሓዛይን ናብ ተሓኤ ዝተሰለፍና ቀዳሞት ደቀንስትዮ ምዃንና ይርስዕዎ’ዮም’ ትብል። ‘ራሕማ ቀዳመይቲ ከም ዝኾነት ጌሮም’ዮም ዘወርዩ፡ መጀመርያ ኣነን ሳልሓን መጺእና ናብ ገዛ ከም ዝመለሱናን፡ ኣነ ዳግማይ ተመሊሰ ከም ዝተሰለፍኩን ኣይፈልጡን’ዮም’ ትውስኽ። ብድሕሪ’ዚ ጁምዓን ራሕማን ኣብ’ታ ብዓብደልከሪም ኣሕመድ እትምራሕ ሳልሰይቲ ሓይሊ ተመደባ። ቀዋሚ መዓስከር ስለዘይነበረ፡ እታ ሓይሊ ምስ ኩነታት ኲናት ካብ ቦታ ናብ ቦታ ብቐጻሊ ትንቀሳቐስ ነበረት።

ካብ ቅድመ-ግንባር ናብ ክሕምና

ጁምዓን ራሕማን ምስ’ታ ሓይሊ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ጸንሓ፡፡ እንተኾነ፡ ጸኒሑ ሓደ ውሳነ ተወሰነ- ኣዝየን ንኣሽቱ ብምንባረን ኣብ ቅድመ ግንባር ክቕጽላ ኣይተደልየን። በዚ መሰረት ናብ ከሰላ- ሱዳን ተላኢኸን ኣብ ሕክምና ዳግም ተመደባ። ኣብ’ዚ ጊዜ’ዚ ንቑሱላት ይኣልያ፡ ባንደጅ የጽርያ፡ ንዝቕንዘዉ የተሃዳድኣን ስረት እንታይ ማለት ምዃኑ ይምሃርኦን ነበራ። ምሸት ምሸት ድማ ምስ ሓንቲ ዛንታ ጽንዓትን ሓባራዊ ዕላማን ዝቋደሳላ ስድራቤት ተጋዳላይ ሓርነት ይሓድራ ነበራ። ሓደ ካብ’ቶም ኣብኡ ዝሕከሙ ዝነበሩ ተሃዳላይ ድማ ክሳብ ዝሓዊ ከም መምህር ኮይኑ ይምህር ነበረ።

ኣብ መወዳእታ ሱሳታት ግን፡ እቶም ቀሊል መውጋእቲ ዝነበሮም ተጋደልቲ፡ ኣብ ከባቢኦም ኣብ ዝርከባ ዓድታት ክሕከሙ ጀመሩ፡፡ እዚ ድማ ነቶም ቁሱላትን ነቲ ምቅንስቓስን ካብ ሓደጋ ክከላኸል ኣብ ዝኽእል ከውሊ ይፍጸም ነበረ። እቶም ከቢድ መውጋእቲ ዝነበሮም ተጋደልቲ ግን ኣብ’ቲ ቀጻሊ ክንክን ዝረኽቡሉን ህላዌኦም ዘረጋገጸሉን ሆስፒታላት ሱዳን ክሕከሙ ስለዝነበሮም ስግር-ዶብ ይለኣኹ ነበሩ። ኣብ 1969 ግን ኣብ ዒራቕ፡ ንደቀንስትዮ ሕክምናዊ ትምህርቲ ዝወሃበሉ ገለ ዕድላት ተፈጥረ። ጁምዓ ሓንቲ ካብተን ንውጉኣት ብጾታ ንምሕካም ብዓቕመን ዝተኣማመና ውፉያት ብጾት ዝሓዘት ጉጅለ ንምዃን ተመርጸት። ገዛእ ርእሰን ነቲ ሕክምናዊ ክንክንን መኸተን ብማዕረ ዝፍጸመሉ መጻኢ ንምድላው ድማ ብዲሲፕሊንን ብጽንዓትን ትምህርተን ተኸታተላ፡፡

ኣብ 1970፡ ሓደ ጉጅለ ተሓኤ ናብ ዒራቕ መጺኡ ስለዝነበረ፡ እተን ደቀንስትዮ፡ ሰልጢነን፡ ተለዊጠንን ብጾተን ንምግልጋል ድሉዋት ኮይነንን ምስኦም ናብ ሜዳ ተመልሳ። ገሊኤን ነቶም ኣብ ሱዳን ዝነበሩ ቁሱላት ንምግልጋል ኣብ’ቲ ኣብ ሱዳን ዝርከብ ሕክምና ክተርፋ ከሎዋ፡ ገሊኤን ድማ ናብ’ቲ ማእከላይ ሕክምና ተሓኤ ዝርከበሉ ደብረ ሳላ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቦታ መጻ። በዚ ድማ እዚ ቦታ’ዚ መቓልሕ ኲናትን ሕውየትን ብሓደ ረምታ ዝተራኸቡሉ ቦታ ኮነ።

ጁምዓ፡ ኣብ መንጎ’ቶም ተጋደልቲ ንሓዋ ረኸበቶ፡ እንተኾነ ከቢድ ጓሂ ኣጋጠማ

ኣብ 1971፡ ጁምዓ ከም ተጋዳሊት፡ ኣብ ቀዳማይ ጉባኤ ተሓኤ ተሳተፈት፡፡ ኣብ’ዚ ዋዕላ፡ ንምንቅስቓሳት ተማሃሮ ዝውክላ ካብ ደገ ዝመጻ ከባቢ 10 ደቀንስትዮ ነበራ፡፡ ካልኦት ድማ ካብ ውሽጢ ኤርትራ ናብ ብረታዊ ቃልሲ ዝተጸምንበራ ነበራ።

ጁምዓ፡ ‘ደቂ ተባዕትዮ ኩሉ ጊዜ የነኣእሱና’ዮም፡፡ ኣብ ዓዲ፡ ተራ ናትና ሸለል ይብሃል፡ ተቐባልነት ኣይረክብን፡ ኣብ ሕቶ ምልክት ይኣቱን ብሰላሕታ ተቓውሞ ምስ ገጠሞን’ዩ’ በለት። እዚ ድማ ብውልቃ ዘይኮነስ ናይ ሓባር ምዃኑ ገለጸት። ነቲ ኣብ መንጎ ምንእኣስን ሓልዮትን ዘሎ ረቂቕ ፍልልይ ስለዝተረድኡ ድማ ስሒቖም ሓለፍዎ፡፡ እቶም ደቂ ተባዕትዮ ብዘይ ሕቶ፡ ምኽሪ ብምልጋስን ፍሉይ ሓለዋ ብምግባርን ከም ቆልዓ’ዮም ዝከናኸኑወን ኔሮም። እዚ ድማ ኣብ ርእሲኤን ካብ ዘሎዎም ምጥርጣር ዝብገስ ሓልዮት’ዩ ኔሩ፡፡ ይኹን ድኣምበር፡ ክብረት ብትዕግስትን ዘይዕጸፍ ተሳትፎን ዝርከብ ምዃኑ ብምርዳእ ቃልሰን ቀጸላ።

ሓንቲ ጁምዓ ዘይትርስዓ ህሞት፡ እታ ሓደ ሰብ ብዛዕባ ሓደ ካብ ሶርያ ዝመጸ ዑስማን ዑመር ዓብደላ ዝተባህለ ተጋዳላይ ክዛረብ ከሎ ዝሰማዓትላ ዕለት ነበረት። ኣብ ጀመርታ፡ ብዛዕባ ሓዋ ይዛረቡ ምህላዎም ኣይተረድኣን ኔሩ፡ ሓንሳብ ደው ኢላ ድሕሪ ምስምዓ ግን ብዛዕባ ሓዋ ይዛረቡ ምህላዎም ኣስተውዓለት። ቀስ ኢላ ድማ ‘ሓወይ ኣባል ሓራካ’ዩ ኔሩ፡ ድሓር ድማ ተለንተ ዑመር ምስ ተቐትለ ናብ ካይሮ ከይዱ፡ ብድሕሪኡ ሓርነታዊ ቃልሲ ንምቕጻል ናብ ኤርትራ ተመሊሱ፡ መሊሱ ድማ ንወተሃደራዊ ስልጠና ናብ ሶርያ ከይዱ።’ በለት።

ስሙ ደጊማ ሰምዓቶ’ሞ ‘እዚ፡ ስም ሓወ’ዩ’ በለት። ብድሕሪ’ዚ ክትረኽቦ ትኽእል እንተኾይና ሓተተት። መልእኽቲ ተሰደደሉ’ሞ ክበጽሓ መጸ፡ ኣብ ናይ ንጉሆ ሰዓታት ተራኸቡ፡ ሽዑ መዓልቲ ናይ ምሸት ድማ ኣብ ገለብ ዝተባህለ ቦታ ኣብ ዝተገብረ ኲናት ተሰውአ። ንጊዜ ብኸምዚ ዝመቅል ህሞት ኣሎ። ብድሕሪ’ዚ ጁምዓ፡ ‘ከም ሓፍቱን ከም ተጋዳሊትን መጠን፡ ልክዕ ከም ኣብ ነፍስ ወከፍ ምዕራፍ ናይ’ዚ ቃልሲ’ዚ ዝተስፍየት ፈትሊ፡ ንስሙ ክዝክሮ’የ’ በለት፡ ከምኡ ድማ ገበረት።

ስሙ፡ ኣብ ነፍስ ወከፍ እትስጉማ ስጕሚ፡ ኣብ ነፍስ ወከፍ እተዘንትዋ ዛንታ፡ ኣብ ነፍስ ወከፍ እትሕክማ ቁስሊ ከም ፈትሊ ዝተሰፍየት’ያ። እዚ ካብ ዝኽሪ ናልዕሊ’ዩ፣ ብናህሪ ዝግስግስ ነገር’ዩ፣ እዚ፡ እቲ ንቕድሚት ዝደፍኣ ስዉር ሓይሊ’ዩ፣ እዚ ምኽንያት ቀጻልነታን ክሳብ ሕጂ እትኣምነሉ ምኽኑይነታን’ዩ፡፡

ነቲ ቃልሲ፡ ደረጃ ብደረጃ ኣሐየልዎ

ኣብ መጀመርታ፡ ብዙሓት ስለያዊ ሓበሬታ ዝእክባን ሓገዝ ዝህባን ደቀንስትዮ ናብ ከተማታት ተላእካ። ገለ ኣብ ከተማታት ክሰርሓ ከሎዋ፡ ገለ ድማ ነቲ ቃልሲ ዘድሊ ነገራት ንምምላእ ኣብ ምሉእ ዞባታት ከም ዝዝርግሓ ተገብረ። ኣብ’ቲ ሽዑ ጊዜ ስሩዕ ናይ ደቀንስትዮ ውዳቤታት ኣይነበረን። ብወልቂ ወይ ድማ ብንኡስ ናይ ውፉያት ጉጅለታት ብምዃን ገንዘብ የዋጽኣ፡ ንመግቢ ዝኸውን ኮረንሾ የዳልዋ፡ ምስ መሰየ ባንዴራ ይሰፍያ፡ ብዝኸኣልኦ መጠን መድሃኒትን ካልእ ቀረባትን የበርክታ ነበራ። እዚ ድማ ሓደ ካብ’ቲ ነቲ ምንቅስቓስ ደረጃ ብደረጃ ናብ ዓወት ዘብጽሖ ስዉር ዕዮ ነበረ።

ማሕበር ደቀንስትዮ ንምምስራት ኣብ ውሳነ ምስ ተበጽሐ፡ ኣብ’ቲ ኣብ ከሰላ ዝተኻየደ መስራቲ ጉባኤ ደቀንስትዮ ዝሳተፋ 4 ተጋደልቲ ሓርነት ተመርጻ። ምስ ካልኦት ብምዃን ድማ ሕግታትን መምርሕታትን ናይ’ቲ ማሕበር ካብ ባይታ ተበጊሰን ነደፋን ንህጹጽነትን ራእን ዘንጸባርቕ መቓን ኣማእዘናን። ካብ ማሕበር ሰራሕተኛታትን መንእስያትን ዝተወከሉ ደቂተባዕትዮ ድማ ከም ተዓዘብቲ ጥራይ ተሳተፉ። እተን ደቀንስትዮ ማዕርነት ተቓሊስካ እትረኽቦ ድኣምበር ማንም ከም ህያብ ዝህበካ ከም ዘይኮነ ዝተረድኣ ነበራ።

ኣብ መንጎ’ተን ካብ ሜዳ ዝመጻን ካብ ግብጽን ካብ ካልእ ቦታታትን ዝመጻን ደቀንስትዮ ዝኾነ ፍልልይ ኣይነበረን። ጁምዓ፡ ነቲ ህሞት ብኸም’ዚ ትገልጾ ‘ድምጽና ንሰውራ ዘቃልሕ፡ ብዕላማ ሓደ ዝኾንና፡ ብሓባራዊ እምነታት ዝተኣሳሰርና ኢና ኔርና’ ትብል። ደቀንስትዮ፡ ነዚ ሓቂ’ዚ ክዉን ንምግባር፡ ካብ ዝተፈላለየ ቦታን ድሕረ-ባይታን ብምምጻእ ኣብ ምውዳብ፡ ኣብ ምሕብሓብን ኣብ መኸተን ግቡአን ፈጺመን’የን። ሓድነተን ከኣ ናይ ኣፍ ዘይኮነስ ብግብራዊ ተሞክሮ ዝተረኽበ ሓድነት’ዩ። እዚ ቃልሲ’ዚ ንዕአን’ውን ዝምልከት ምዃኑ፡ ኣብ ነፍስ ወከፍ ርክብ፡ ኣብ ነፍስ ወከፍ ተልእኾ፡ ኣብ ነፍስ ወከፍ ተኣፋፊ ህሞት፡ ኣብ ነንሓድሕደን መብጽዓአን ኣሐዲሰን’የን።

ኣብ 1975፡ ጁምዓ ስድራቤታ ንምርኣይ ናብ ኣከለ-ጉዛይ ኣብ ዝኸደትሉ ጊዜ፡ ደቀንስትዮ ንኽስለፋ ኣንቅሐትን ንምርኢት ኤክስፖ ዝኸውን ባህላዊ ንብረት ኣከበትን። ዕላማ ናይ’ቲ ኤክስፖ ድማ ባህላዊ ብዙሕነት ብሄራት ኤርትራ ንምልላይ ዝዓለመ ነበረ።

ዳግማይ ኲናት ተወልዐ። መጀመርያ ኣብ ዓረት፡ ድሓር ድማ ኣብ’ቲ ኢትዮጵያውያን ከም ደጀን ናይ ተሓኤ ዝፈልጡዎ ዝነበሩ ቆሓይቶ ኲናት ተኸፍተ። ጁምዓ ነቲ ጎቦታት ከም ከብዲ ኢዳ’ያ ትፈልጦ፡ ነቶም ተጋደልቲ ድማ ናብ ሓደ ኣጽዋር ተኸዚንሉ ዝነበረ ቦታ መሪሓቶም ከደት። ጸላኢ ኣብ’ቲ ኲናት ተሳዕረ’ሞ፡ ቀልጢፉ ጭካነ ናብ ዝመልኦ ሕነ ናይ ምፍዳይ ስጉምቲ ኣተወ። ሰራዊት ኢትዮጵያ ንህዝብን መሬትን ምቕጻዕ ብዝብል ዕላማ፡ ከብቲ ሓረዱን ንጹህ ሲቪል ህዝቢ ኣሰሩን።

ብድሕሪ’ዚ ጁምዓ ነተን ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ሱዳን ዝነበራ ደቀንስትዮ ናብ ሜዳ ዝስለፋሉ ኩነታት ንምፍጣር እቲ ረቂቅ ናይ ምንቅቓሕ ተልእኾ ተዋህባ። እቲ ሱዳን ምስ ኢትዮጵያ ዝነበራ ምሕዝነት ድማ ንዝኾነ ናይ ምውዳብ ንጥፈታት ከቢድ ከም ዝኸውን ገበሮ። እተን ደቀንስትዮ፡ ኣዝማደን ዝበጽሓ ቤተሰብ ተመሲለንን ናይ’ቲ መዓስከር ሂወት ተላቢሰንን ብሰላሕታ ብምእታው፡ ናይ መኸተ መርበባት ይምስርታ ነበራ።

ርክባት ብምስጢር’ዮም ዝካየዱ ኔሮም- ኩሉ ጊዜ ብምሸትን ኣብ ዕጹው ማዕጾን። ገለ ካብ’ቲ ንጥፈታተን ድማ፡ ንኣሽቱ ሓገዛት የተኣኻኽባ፡ ብዛዕባ ኩነታት ተጋደልቲ የንቅሓን ህዝቢ ተስፋ ከም ዝገብር ይገብራ ነበራ። ንትራንስፖርትን ንመግብን ዝኸውን እኹል ገንዘብ ይወሃበን ኔሩ’ዩ፡ እንተኾነ፡ እቲ ሓቀኛ ስንቀን ግን፡ እምነት፡ ትብዓትን ኣብ ቃልሲ ናይ ምቕጻል ድሌትን’ዩ ዝነበረ።

 

ናይ ቀረባ ስደት

ኣብ መወዳእታ 1981፡ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ) ተሳዒራ ናብ ሱዳን ከተዝልቕ ተገደደት። ጁምዓ፡ እቲ ኣብ ራሳይ ዘጋጠመ ፍጻመ ጽገና (ምትዕርራይ) ዘይኮነስ ወተሃደራዊ ዕልዋ’ዩ ኔሩ ትብል። ‘ንሓደ ውድብ ኣባላቱ ብምቕታልን ብምእሳርን ኣይተዐርዮን ኢኻ’ ብምባል ድማ፡ ናይ ጓህን ኣብያን ድምጻ ብዓውታ ተስምዕ።

ከም ብዙሓት ተጋደልቲ ተሓኤ፡ ጁምዓ’ውን ናብ ሱዳን ኣዝለቐት፡ ኣብ ሱዳን ከኣ ምስ ጃብር ኣሕመድ ተመርዓወት’ሞ ወዲ ወለዱ። ብዙሓት ኤርትራውያን ናብ ኤውሮጳ ወይ ኣሜሪካ’ኳ እንተተሰደዱ፡ ጅምዓ ግን ኣብ’ታ ናብ ሃገራ ቀረባ ዝኾነት ሱዳን ጸንሐትን መነባብሮኣ ኣብ ካርቱም ገበረትን። ‘ካብ ኤርትራ ክርሕቕ ኣይደለኹን’ ትብል ጁምዓ። ውሳናኣ ዓው ዘይብል ናይ መኸተ ተግባርን ኣብያ ነቲ ምስ ዝተቓለሰትሉ መሬት ዘሎዋ ስምዒታውን ጂኦግራፊያውን ምትእስሳር ዝበተኸ ፍጻመን ነበረ።

መጀመርያ ኣብ ካርቱም’ያ ተዓቚባ ኔራ፡ እንተኾነ ኣብ’ቲ ከባቢ ዳግማይ ኲናት ምስ ተወልዐ፡ ከም ኩሎም ካልኦት ዳግማይ ካብ’ታ ከተማ ክትወጽእ ተገደደት። ኣብ’ዚ ሕጂ ጊዜ፡ ነቲ ንነፍስ ወከፍ ምዕራፍ ናይ ጉዕዞኣ ዘማእዘነ ህዱእ ጽንዓትን ነቲ ከቢድ ዝኽርን ተሰኪማ ኣብ ከሰላ ትነብር ኣላ።

ጁምዓ፡ ዋላ’ውን ስደት ይኹን፡ ካብ ኤርትራ ከይረሓቐት ንምጽናሕ ዝገበረቶ ውሳነ፡ ነቲ ድሙቕ ሓቂ ዘግህድ’ዩ- ሓርነት ኣብ ዓውደ-ኲናት ብእትገብሮ ቃልሲ ጥራይ ዘይኮነስ፡ በቶም ንዘይምርሳዑ ጽኑዕ ምርጫ ሒዞም ዝቕጽሉ ሰባት’ውን ዝግለጽ’ዩ። መጀመርታ ኣብ ካርቱም ሕጂ ድማ ኣብ ከሰላ ክትነብር ምምራጻ፡ ንቕርበት ቦታ፡ ከም መኸተን ከም ሓደ ካብ መሬቱ፡ ካብ ዝክርታቱን ካብ ዘይተወድአ ቃልሱን ንኸይርሕቕ ዝትጥቀመሉ ኣገባብ ኮይኑ ክግለጽ ዝኽእል ህያው ምስክር’ዩ። ኣብ’ዚ ናይ ጁምዓ ዛንታ፡ ጌና ምስ ሕሉፍ ታሪኹ ዝቃለስ ‘ጽኑዕ ተኣማንነት ንመሬት-ዓደቦ’ ክንርኢ ክኢልና ኢና።

 

 

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More
Leave A Reply Cancel Reply

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ድምጺ ኤርትራውያን ደቀንስትዮ ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ

September 15, 2026

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?