Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Monday, May 12, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ዛራ ጥበባት ማሰኛታትን መላቐስትን

ዛራ ጥበባት ማሰኛታትን መላቐስትን

0
By Mekonnen T. on October 22, 2014 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ማሰን መልቀስን ኣቶ ተወልደ መዓሾ

2ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

መኮነን ተስፋይ

ሰላማት ተኸታተልቲ ማሰን መልቀስን ኣብ ዛራ ጥበባት፡ ንሎሚ ረቡዕ’ውን ከምቲ ቃል ዝኣተኹዎ መሰረት 2ይ ክፋል መቐጸልታ ማሰን መልቀስን ኣቶ ተወልደ መዓሾ ሒዘልኩም ቀሪበ ኣለኹ ሰናይ ንባብ፡-

ሓደ ሰብ ውላድ እንተ ሞይትዎ ከምዚ’ዮም ዝብሉ፡-

ውላድ ኢሎሞ ጸላኢና ይውለዶ

ኣሽንኳይ’ዶ ብምራን ጠሚርካ ክትሰዶ

ኣሽንኳይ’ዶ ገኒዝካ ናብ ጉድጓድ ክትሰዶ

ልኢኽካዮ’ኳ ኣይዶንጒ ብማዕዶ፡፡

ክልተ ኣሕዋት ምስ ሞቱ ከኣ ከምዚ በሉ፡-

ኣንታ ካልእ ኣባጅጎ’ዶኾን ተወሊዱ

እቲ ናይ ቀደምስ ክንድዚ’ዶ ክሒዱ።

ንንፉዕ ዝፈትዉዎ ሰብ እንተ ሞይቱ ከኣ ከም’ዚ ኢሎም የልቅሱሉ ነበሩ፡፡ ንኣብነት ንሓደ ገብረመድህን ዝበሃል ንፉዕ ሰብኣይ ወየ ዝበሉሉ፡

ገብረመድህን ብርሃነ

ብሆባይ ነዊቱ ዝዛገነ

እዚ ሃገር ኣለዎ’ዶ ምስሌነ

ማይጫዕዳ ኣለዋ’ዶ ምስሌነ

ኣንታ ከም’ዚ ከማይ ከምዚ ኣነ

እዚ ስልጣን ንዓኻ ምኾነ።

ኣቶ ተወልደ መዓሾ ምስ ሓደ ኣብ ከባቢኦም ዝነበሩ በዓል ስልጣን ጽልኢ ስልዝነበሮም ሰባት ብሽምግልና ዓሪቕዕም ነቲ ባእሲ ዝግ ኣበልዎ። ሓደ መዓልቲ ወላዲቶም ነቶም በዓል ስልጣን ይሞታ’ሞ ኣቶ ተወልደ ከኣ ናብ ቐብሪ ተጸዊዖም ከዱ። ኣብቲ ቐብሪ እቶም በዓል ስልጣን ብኣቶ ተወልደ መዓሾ ንወላዲቶም ዝግበረለን መልቀስ ክሰምዑ ደለዩ። ይኹን እምበር ኣቶ ተወልደ ኣየልቀሱን። ሽዑ እቶም ሓዘንተኛ በዓል ስልጣን ብድድ ኢሎም ከምዚ ክብሉ ኣልቀሱ፡-

ኣንታ እዛ ኣደይ ብሓቂ ዲያ ሞይታ

ኣንታ እዛ ኣደይ ብሓቂ ዲያ ሞይታ

ኣለኹም’ዶ ኣንታ ኣዝማዳ ኣሕዋታ

ተቐባሊት ጋሻ’ያ ፈታዊት ኣሕዋታ

ማርያም ትቀበላ ኣብ ገነታ።

ሽዑ ኣቶ ተወልደ መዓሾ ብድድ ኢሎም

ኣንታ ኣደኻ ዘይሞታ ኣደ መን ደኣ ክሞታ

ብእንግሊዝ በሊዐን ብምልእታ

ብጣልያን በሊዐን ብምልእታ

ብሃጸይ ቴድሮስ በሊዐን ብምልእታ

ብሃጸይ የውሃንስ በሊዐን ብምልእታ

ኣንታ ኣዴኻ ዘይሞታ ደኣ ኣደ መን ክሞታ

ቆልዑ’ኳ ይሞቱ ኣለዉ ከይጸገቡ ጣይታ

ይሙታ’ምበር ይገተታ

ዕድሚኤን በሊዐን ዕድመ መን ክዘመታ።

*     *     *

ሰብ ነገር ጉዳዮም መዕለቢ ከይተገብረሉ ንንውሕ ዝበለ እዋን ኣብ እንዳ ዳኛ ብምምልላስ ላሕ ይብሉ ኣብ ዝነበሩሉ ግዜ እዩ። ግዜኦም፡ ጉልበቶም፡ጸጋ ኦም ኣብ ዝኸሰሩሉ ካብ ኡ ሓሊፎም ብዘይኮነ ይቐየዱ ኣብ ዝነበሩሉ ነቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ዓዲዃላ ዘነበረ ዘይምቹእ ኩነታትን ዘይፍትሓዊ ፈራዲ ንምሽምጣጥ፡-

ናብ ቤት ፍርዲ ከድኩ ነጸላይ ሰሚደ

ተ ኣሲረ እምበር ናብ ካርሸሊ ከይደ

ኣይረኸብኩን ዝሰምዓኒ ዋላ ሓደ

ምስ ቀተልቲ ነብሲ ኢደይ ተቐይደ

ሃይለመለኮት ወደይ ሕነ ኣቦኻ ፍደ።

ጣፈይ ወዲ እዎ ዝጎረደ

ብጭርናዕ ልቡ ዝነደደ

ኣነ ሓዊ ህሙን ወዲ ሓዊ ስንደ

መኻንን ግድግዳን ኩሉ ሓደ

ከም ማይ ጉንበት ነጒዱ ዝኸደ

ኣነ ደሞ ምሳኹም ተሳዲደ

ከመይ ኢኻ ገብረልዑል ዳንደ

እዚ ሃገር እናእወየ ከደ

ኣብ ዓመቱ ሓንቲ ዘይፈረደ

ዓራትካ ዘይብላ ናይ ሰብ ግደ

መን ከኣ ኣዋሰበኩም ክልተ ሓደ።

ገብረልዑል ዳብሎስ ገርግስ መሳኽቲ

ኣብ ሱር ጡበን ዘይብጽሐን ነንስቲ

ነፍዓበት ዶ ሰደዱኻ ንጥንቲ

እንዳ ኩሉ ከይደ ኢደይ ተቐይደ

ያቁም እቲ ባንዳ ዝገደደ

ብሽጋራ ልቡ ዝነደደ

ወዲ ተላ ማሉ ዝገደደ

ሳላ ከንቲባ ተማኑ ዝተወልደ

ኣብራሃ ግን ሳላ ዝተወልደ

ርእዩኒ ደኒኑ ከደ።

*   *     *

ደጊያት ካሕሳይ ኣደጎልቦ ሓደ ካብቶም ብሕጹብ መዓንጣ፡ ኢዶም ዝርጉሕ ኣብ ቆሓይን ልሉያት ዘነበሩ ኢዩ። ውሽጦም ውሻጢ ኦም ዝፈለጠ ተወልደ መዓሾ እዚ ዝስዕብ ምስ ገጠመሎም ድልዱል ብዕራይ ኣግዘምዎ፤

ድርብ ጎይታ በዓል ኣደጎልቦ

ወዲ ተፈሪ በዓል ወርቂ ዘቦ

ብዕራይ ንዝደለ ብዕራይ ትህቦ

ሓላው መረብ መጋረጃ ኣድያቦ

ዝቐረበ ብስርዓት ተቕርቦ

ኣሰርካ ዝፈልጥ ብደም ህቦ

ዝረሓቐ ብጥይት ተቕርቦ

ምሳኻ ዝላዘብ እዝጊ ዝሃቦ

ጎይታ ጸባ ዓጓ ጎይታ ኣጅቦ

እንክገይሽ ድራር ጋሻ ትህቦ።

*       *       *

ሓጂ ሓሰን ዝበሃሉ ሃብታም ነጋዳይ በዓል ዓዲ ዃላ ምስ ሞቱ ኣብ ቀብሮም እዚ ዝስዕብ መልቀስ ጌሮም ኔሮም ኣቶ ተወልደ መዓሾ

ሓጂ ሓሰን ረኺብኩም ጸገማ

ጎይታ ዓዲ ዃላ’ዛ ለምለም ከተማ

ጎይታ መንደፈራ’ዛ ለምለም ከተማ

ጎይታ ኣስመራ’ዛ ለምለም ከተማ

ርሻን ዝገዛኹም ከም ሰብ ሮማ

መኪናኹም ጅንየ ዝስከማ

ኣንስትኹም ጃኖ ዝጉምጎማ

ካብ ዓራት ተንሲኤን ናብ ጎፍ ጫማ

ሃብቲ ገዲፉኩማ ብዝዙማ

ብኸያሎም ሓሊማ ፋጡማ

ሃጸይ የውሃንስ ከይዶም ንመተማ

ኣይተመልሱን በሊዑዎም ጉማ

ኣየጽንሕካ ዓለም ኣብ ምጥላማ፡፡

ማሰን መልቀስን ኣቶ ተወልደ መዓሾ እዚ ጠቒሰዮ ዘለኹ ጥራሕ ኣይኮነን፡፡ እዚ ብመጠኑ ኣብ መጽሓፈይ መጽሓፍ እዝኒ መሰታ ቐዳሞት ሰፊሩ ዝርከብ ኮይኑ፡ ኣቶ ሰለሙን ጸሃየ ኣብ መጽሓፉ መጽሓፍ “ማሰን መልቀስን ቀዳሞት” ካብ ገጽ 300 ክሳብ ገጽ 315 ብዛዕባ ተወልደ መዓሾ ሓያለ ማሰን መልቀስን ከስፍር እንከሎ፡ መምህር ዑቅቢት ሓድጉ ከኣ ክሳዕ ሕጂ ደኣ ከንብባን ኣብ ኢደይ ከትእዋን ኣይከኣልኩን እምበር “በለ ተወልደ መዓሾ” ብዝብል ኣርእስቲ መጽሓፍ ኣዳልዮም ናብ ሕትመት ከም ዘብቅዑን ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት፡ ዓመተ 2013 ኣብ ኣስመራ ከም ዝተመረቐት ብመራኸቢ ብዙሃን ተኸታቲለዮ ኔረ፡፡ ገለ ካብዘን ፍርያት ናይዘን ክልተ መጻሕፍቲ ኣብ ዝቕጽል ወስ ከብል ክብፍትን’የ ንሎሚ ግን ክሳዕ ኣብ ዝመጽእ ናይ ካልኦት ፍርያት ማሰን መልቀስን ሒዘልኩም ዝቐርብ ደሓን ቅነ፡፡

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleስለምንታይ ስልማት ኖቤል ኣብ ዓውደ ቁጽሪ (Mathemathics) ከም ዘይወሃብ ንፈልጥዶ?
Next Article ሮዛን ሰሌን
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?