Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Thursday, May 29, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ሮዛን ሰሌን

ሮዛን ሰሌን

0
By Mekonnen T. on May 17, 2015 Home, ልበ ወልድ
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል (ሃንዝባክ

መበል 60 ክፋል

ኣብ ዝቐነየ መዓልታት እቶም መንእሰያት ሽዳታቶምን ነጸላታቶምን ኣዳልዮም ሎሚዶ ጽባሕ ንብገስ እናበሉ ብሃንቀውታ ክጽበዩ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሓደ ምሸት ሓደ ማእከላይ ቍመት ዘለዎ ሸሪፎ ዝብሃል ተጋዳላይ፡ “ሰላማት” ኢሉ ናብቲ መረባዕ ብምእታው ምስ በረምበራስ ተዘራረበ። ከም ብሓድሽ ገጹ ናብኣቶም ገልቢጡ፡ “እሞ ብጾት! ምብጋስና እዩ፡ ሽዳን ነጸላን ኣቦስቶ ጌርኩም ዲኹም?” ክብል ተወከሶም። ኩላቶም ብእወታ መለሱሉ። ካብ ክቱር ታሕጓስ ዝተላዕለ ገና ተበገስ ከይተባህሉ ሳናጡኦም ኣብ መናኵቦም ኣንጠልጢሎም ንበረምበራስ ክሰናበቱዎም ብድድ ብድድ በሉ።

በረምበራስ ብወገኖም ካብ ኵርሶም ብምትሳእ፡ “ጽኑዕ የርግጽኩም ሃብሮማት ደቀይ፡ ጥይት ጸላኢ ማይ ይግበረልኩም። ዓወት ሒዝኩም ትመጽኡና ይግበርኩም፡” ኢሎም መረቑዎም። ገና ካብቲ ገዛ ከይወጽኡ ከለዉ፡ ሓደ ኣብ ምዕጕርቱ ንኣሽቱ ጥባሕ ዝነበርኦ ሕጽር ኢሉ ተጋዳላይ ተጸንበሮም። ተበገስ ኮይኑ ጕዕዞኦም ምስ ጀመሩ፡ ሰለሙንን ብጾቱን ምስ ኣሳጕማ’ቶም ክዳረጉ ስለ ዘይከኣሉ ዳርጋ ዘብዘብ ሓዊሶም’ዮም ዝጐዓዙ ነይሮም። ጸሓይ ወርቂ ዝተጠምዐት ዓባይ ሰተታ ክትመስል ብሸነኽ ምዕራብ ርሒቖም ይረኣዩ ናብ ዝነበሩ ጎቦታት ክትጥሕል ከላ፡ ብየማነ ጸጋሞም ማዕጺድ ሃረፍ ዝኾነ ጣፋትን ዝወለደ መሻሉን እናሓለፉ ሓያል መንገዲ ተጓዕዙ። ዓይኒ እናሓዘ ብዝኸደ መጠን፡ ብሸነኽ ምብራቕ ክንዮ’ቲ በላሕቲ ጎቦታት ተሓቢኣ ዝጸንሐት ምልእቲ ወርሒ ድሙቕ መስትያት ዝመስል ሓምራዊ ሕብሪ ሒዛ ተቐልቀለት። ብብርሃና እናተሓገዙ ድማ ነቲ ኣፍልቡ ነፊሑ ዝረኣዮም ዝነበረ እምባ ተዂሎ በጻሕናዮ እናበሉ ኣሳጕማኦም ከይነከዩ ጕዕዞኦም ቀጸሉ። ልክዕ ሰዓት ሸሞንተ ምስ ኣኸለ፡ ነቲ ዘይውዳእ ዝመስል ዝነበረ ጐልጎል ሃዘሞ ጸንፊፎም፡ ንቀላይ በዓልቴት ብምስንጣቕ ኣብታ ብኣትክልቲ ማንጉስን ብርትኳንን ዝማዕረገት ማይዓይኒ በጽሑ።

እንጌራ በሊዖም ሻሂ ምስ ሰተዩ ቍሩብ ትንፋስ መለሱ። እቲ ጕዕዞ ብፍላይ ነቶም መንገዲ ዘይለመዱ መንእሰያት በዳሂ ነይሩ። እታ ድምቕቲ ወርሒ ንጕዕዞ ለይቲ ዓዳሚት ስለ ዝነበረት፡ እቶም ዝመርሑዎም ዝነበሩ ክልተ ተጋደልቲ ካብኣቶም ፍልይ ኢሎም ብትሑት ድምጺ ድሕሪ ምምይያጥ፡ “ንበገስ በሉ ብጾት” በሉዎም። ሰዓት ሰለስተ ናይ ለይቲ ኣብ መንጎ ክልተ ጎቦ ኣብ ዕምቝ ዝበለ ቦታ ዝተደኰነት ተውሮ እትብሃል ዓዲ በጺሖም ኣብ ሓደ ብርኽ ዝበለ ኵርኳሕ ዝበዝሖ ቦታ ደቀሱ። ምሉእ ለይቲ ክይድ ስለ ዝሓደሩ ካብ ክቱር ድኻም ዝተላዕለ፡ ይትረፍ እቶም ብምቾት ኣብ ዓራት ጠንቀላዕላዕ ምባል’ምበር ናይ እግሪ ጕዕዞ ዘይለመዱ ሓደስቲ፡ እቶም ተጋደልቲ ከይተረፉ ከም ምዉት ነቒጾም ሓደሩ። ንጽባሒቱ መሬት ወገግ ምስ በለሎም፡ ብርቱዕ ኣስሃይታ እናቘርመዶም ናብ ማእከል’ታ ዓዲ ኣቕንዑ። ኣብ ዝባኖም ዛዕዛዕታ ተሰኪሞም ዝሓደሩ ኣቝጽልቲ ጸሓይ ክትበርቀሎም ዝምህለሉ ዘለዉ ይመስሉ ነበሩ። ንኣለዳ ዝወፍራ ከብትን ንመኼዳ ዝብገሱ ኣብ መናኩቦም መስአ ዝተሰከሙ ሓረስቶት’ውን ኣእዱግ እናዀብኮቡ ክስጕሙ ይረኣዩ ነይሮም።

ኣብ ተውሮ ቍርሲ በሊዖም ቍሩብ ድሕሪ ምዕራፍ፡ ጸሓይ ከይመረረት ከላ ንማይዕዳጋ ንጸጋም ገዲፎም ናብ ማይሓ ድሕሪ ምእታው፡ ኣብኡ ካልኦት ብጾቶም ስለ ዝጸንሑዎም፡ ኵነታት ጸላኢ ከጣልሉን ምሳሕ ክበልዑን ዘይሓሰቡዎ ክልተ ሰዓት ጸንሑ። ምድረ ሰማይ ብሸነኽ ኣጻድፍ ናይ ባሕሪ እናተደባበነ ከሎ መንገዶም ብምቕጻል ድማ ንከተማ ደቀምሓረ ንጸጋሞም ብማዕዶ እናረኣዩዋ እግሪ ዓቐብ ኣፈልባ ብቕልጣፈ ቈሪጹዋ። ዓበይቲ ደናጕላ ዝበዝሖ ጻሕጋር መንገዲ ተኸቲሎም ናብ ቀይሕኮር ዘውርድ ቍልቍል ብምሓዝ ናብ ሰፈር ኣጣል ገጾም ድሕሪ ምህታፍ ድማ ሰዓት ክልተ ናይ ድሕሪ ቀትሪ ንጐልጎል ዓላ ሰንጢቖም ብሰላም ኣብ መዕረፊ ቦታኦም በጽሑ።

ሰብነቱ ብድኻም ረሸሸ ኢሉዎ ዝነበረ ሰለሙን እትው ምስ በሉ ሳንጣኡ ተተርኢሱ ኣብ እግርቲ ዓበይቲ ዓላታት ጎቦ ኮነ። ኣብ ኣፍደገቲ ናብ ምብራቕ ዝጥመት ዓቢ ህድሞ ገለ ተጋደልቲ ሓዊ ኣናኺሶም ሻሂ ክስኽትቱ ንየው ነጀው ክብሉ ከለዉ፡ ዝተረፉ ድማ ዕጥቆም እናሰፈዩ የዕልሉ ነይሮም። ሓደ ቅጥን ኢሉ ካብ ኩላቶም ዝነኣሰ ዝመስል ፍሩያት ኣዓኢንቱ ተጋዳላይ ኣእጋሮም ክሕጸቡ ማይ ኣቐበሎም። ድሕሪ ዕስራ ደቃይቕ ኣቢሉ፡ ኣብ ቍራጽ ገረወይና ዝፈልሐት ሽኮር ዝበዝሓታ ሻሂ ተቐድሓትሎም። ጥሜት’ኳ ደሓን ነይሮም፡ ክቱር ድኻም ስለ ዝጸንሖም ግን ነታ ለጐግ ትብል ሻሂ ሻሂ ብቕጫ ኣኻፊዮም ብቕጽበት ጨለጡዋ። ትንፋስ ረኺቦም ኣብ ነንሓድሕዶም ዕላል ምስ ጀመሩ፡ ሓደ ካብቶም ተጋደልቲ ሻሂኦም ከም ዝወድኡዎ ኣስተውዒሉ፡ “ኣታ ወዲሓጂ፡ እንታይ ደኣ ዘንጊዕኩም? ሃየ’ባ ደምዑዎም፡” በለ ኣቐዲሙ ሻሂ ናብ ዝቐድሓሎም ብጻዩ እናጠመተ።

እቶም ኣጋይሽ ዝተደምዑዎ ሻሂ ብዝግታ ሰትዮም ጕጅም ክብሉ ጀመሩ። ንውሱናት ደቓይቕ ኣብ ነንሓድሕዶም ከዕልሉ ጸኒሖም፡ በብቝሩብ እቶም ኣብ ዋኒኖም ተጸሚዶም ዝጸንሑ ተጋደልቲ ተሓወሱዎም። ኣብ መንጎ’ዚ ሓደ ነዊሕ ስረን ወተሃደራዊ ካምቻን ተኸዲኑ ዝነበረ ድልዱል ዝኣካላቱ ንውሕ ኢሉ ተጋዳላይ፡ “ብጾት፡ በሉ ኣይትጋየሹ። ደጊም ናብራ ገድሊ ልመዱዎ፡” በሎም ኣብ ጥቓኦም ኣሳፊሑ ኮፍ እናበለ።

“ቀልጢፍኩም ጥራይ ንሳሕል ስደዱና’ምበር ናብራ ገድልስ ክንደየናይ ክጽጽግመ ኢልካዮ ክንለምዶ ኢና፡” በሎ ሓደ ካብኣቶም። እቶም ዝተረፉ ብጾቱ ንዑኡ ብምድጋፍ በብወገኖም፡ “ቀልጢፍኩም ኣፋንዉና ጥራይ፡ ጸገም የሎን። ካባኻትኩምዶ  ከይከፍኣና፡” ክብሉ መለሱ።

“ታዕሊም ደኣ ናበይ ከይከደኩም ክተርክቡሉ ኢኹም፡ ሃየ ጥራይ ኣብ ከተማታት እንታይ ይብሃል ከም ዘሎ ኣዕልሉና፡” መለሰሎም’ቲ ብጻይ። ነፍስወከፍ ተጋዳላይ ብዛዕባ ህሉው ኵነታት ኢትዮጵያ ክሓትት፡ ንሳቶም ከኣ ነናይ ዝነበሩዎ ከባቦ ኵነታት ክምልሱ ሰዓት ሓሙሽተ ሓለፈ። ዕላል በብቝሩብ ምስ ደኸመ ኵሉ ሰብ ከምባህቝ ጀመረ። ኣብ መንጎ ሓደ ሰብ ተሲኡ፡ “ተርከብዶ ሻሂ?” በለ ብዓውታ ናብቲ ክቕህም ጀሚሩ ዝነበረ ሓዊ እናሰጐመ።

“ተርከብ! ተርከብ!” መለሱሉ ኩላቶም ብሓባር።

ብኸምዚ ግዜ ከመይ ይሓልፍ ከም ዘሎ ከይተፈለጦም ውዒሎም ሓዲሮም። ኣብ ሳልስቶም ምስቶም ተጋደልቲ ጽቡቕ ተላልዮምስ ብሳጓታቶም ክጽውዑዎምን ክጨራረቑን ጀመሩ። ትርጕም ናይተን መጀመርያ ጋን ሰሪሐንኦም ዝነበራ፡ ጦፍ፡ ታባ፡ ደምዓ ወዘተ ዝብላ ቃላት’ውን ጽቡቕ ገይሮም ኣጽኒዖመን። ኣብ መበል ካልኣይ ሰሙኖም ሰዓት ሰለስተን ፈረቓን ናይ ድሕሪ ቀትሪ፡ ምድረሰማይ ብደበና ተሸፊኑ ዝሑል ኣየር እናነፈሰ ከሎ፡ ካብቶም ለሚዶሞም ዝቐነዩ ብጾት እናተደፋነቑ ተፈላለዩ። ኣቡዓምራ ዝብሉዎ ጽልም ኢሉ፡ ሓጺር ተጋዳላይ መሪሑዎም ድማ ናብቲ ብእንዳ ግራዝማች ተኽለሃይማኖት ዝፍለጥ ዕሙር ኣታኽልቲ ብርትኳን ዝነበሮ ናይ ሕርሻ ቦታ ተበገሱ። ዕስራ ደቃይቕ ተጓዒዞም ኣብ ልዕል’ቲ ጀርዲን ዘሎ ንእስ ኢሉ ሩባ ምስ በጽሑ፡ ናብ ሓሙሽተ ሚእቲ ዝጽግዑ መንእሰያት ገለ በበርባዕተ፡ ገለ በብሓሙሽተ ኮፍ ኢሎም ገለ ድማ ብደዎም ጕጅም ክብሉ ተዓዘቡ። ንዓታቶም ኣሽሓት ኮይኖም ተራእዩዎም። ብታሕጓስ ክፍንጭሑ ቀረቡ። ኣቡዓምራ፡ “ሓንሳብ ጽንሑኒ፡” ኢሉ ገዲፉዎም ብምኻድ ምስቶም ኣብ ሓደ ወሰን ኮፍ ኢሎም ዝነበሩ ወተሃደራዊ ጃኬት ዝገበሩ ክልተ ሓለፍቲ ተዘራረበ። እቲ ብርቱዕ ጭሕሚ ዝነበሮ ቀይሕ፡ ድሒሮም ወዲሃይለ ምዃኑ ዝፈለጡዎ ምስ ካልኣዩ ድሕሪ ምምይያጥ፡ ንኣቡዓምራ ምስቶም መንእሰያት ክጽንብሮም ሓበሮ።

ኣቡዓምራ ናብኣቶም ብምምላስ ሒዙዎም ናብቶም እኩባት ድሕሪ ምኻድ፡ “እሞ ኣብ ዓወት የራኽበና፡” ኢሉ ተፋነዎም። ንሳቶም ድማ ምስቶም ኣብቲ ሑጻ ኣብሪኾም ዝነበሩ ብምሕዋስ ንሳሕል ዝኸዱላ ደቒቕ ተጸበዩ።

ሰዓት ሓሙሽተ ምስ ኣከለ፡ “ሓፍ በል!” ዝብል ድምጺ ተሰምዐ። ብኡንብኡ ተበገስ ኮነ። እቶም ብሃገራዊ ዕላማን ወንን ሃገር ሓራ ንምግባር ዝተላዕሉ መንእሰያት ከኣ ዓጠምጠም እናበሉ፡ ንጐላጉል ሰምሃር ጥሒሱ፡ ኣጻምእ ቦታታት ቈሪጾም፡ ጎቦታትን ስንጭሮታትን ሳሕል ሰናጢቖም፡ ድሕሪ ናይ ሸሞንተ መዓልቲ ኣድካሚ ጕዕዞ ኣብ መደበር ታዕሊም ማህሚመት በጽሑ።

ይቕጽል

መበል 61 ክፋል ዝመጽእ  20 ግንቦት

 

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleኤርትራዊ ክንድምንታይ መሬት’ዩ ዘድልዮ?
Next Article ሮዛን ሰሌን
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?