Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ትርጓሜ ምስላታትናን ብሂላታትናን ብመጽናዕቲ ዝተደገፈ እንተዝኽዉን

ትርጓሜ ምስላታትናን ብሂላታትናን ብመጽናዕቲ ዝተደገፈ እንተዝኽዉን

0
By Mekonnen T. on October 19, 2015 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ክብሮም ታደሰ ስብሃቱ

ነዚ ጽሓሑፍ እዚ ከዳሉ ዝደረኽኒ ምኽንያት በቲ ንባህልን ስነጥበብን ሃገርና ብፍላይ ድማ ንኣፈ-ታሪኽ፡ ግጥሚ፡ ማሰን መልቀስን ኣብ ተዛረብቲ ቋንቋ ትግርኛ ህዝቢ ኤርትራ ንምስናድ ዘይሕለል ጻዕሪ ዘካይድ ዘሎ መምህር መኮነን ተስፋይ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ብ”ሰብ ጸውዕ እንተበልኩዎስ በዓል በለስ”  እትብል ኣርእስቲ ዝሓዘት ኣገዳሲት ግን ተኣፋፊት ትርጓሜ ዘለዋ ብሂል (ብሂል ክብላ እመርጽ ካብ ምስላ ምባላ) ኤርትራዊያን ኣብ መርበብ ፋስቡክ ምዝዘርጋሓ`ዩ።  ኣብቲ ጽሑፍ፡ እዛ ብሂል ካባቢ 30 ዓመት (ኣብ ከባቢ 1985 ተዘሪባ ማለት`ዩ) ዕድመ ዘለዋን፡ ንገለ ሕብረተሰብ ንምቁንጻብ ዝተባህለንት ምዃናን ዘአንፍት ሓበሬታ ተጠቒሱ ንረኽቦ። እንተኾነ ግን ብመሰረት ኣብ 2005 ኣብ ዝገበርኩዎ ኣፈናዊ መጽናዕቲ ብዛዕባ እዛ ምስላ ቁሩብ ዘይናታ ትርጓሜ ዝተዋህባ ኮይኑ ይስመዓኒ። እዚ ማለት ግን እዚ ኣነ ዘቕርቦ ዘለኹ ሚእቲ ካብ ሚእቲ ሓቂ`ዩ ማለተይ ዘይኮነስ፡ ንዝያዳ እሂን ምሂን ንምብህሃልን ነቲ ጽሑፍ ንምህብታሙን`ዩ። ስለዚ ኣብ ርእሲ መምህር መኮነን ስለቲ ተበግስኡ ክብርን ምስጋናን እምበር ቅሬታ የብለይን።

ብሰንኪ`ቲ ክረምቲ መጸ ከተማታት ኤርትራ ብመሸጣ በለስ ዘዕለቕልቓ`ዩ መስለኒ፡ ታሪኽን ንግዲን በለስ ከጽንዕ ምስተሃንጠኹ`የ ነይረ። ኣብ 2005 ኣብ ምዝዛም ናይ ቀዳማይ ዲግሪ መጽናኦተይ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ኣብ ዝግበር ናይ ምድላዉ ዓንቀጽ (ሪሰርች ፕሮጀክት) እተን ቀዳሞት ከጽንዐን ዝደለኽወን ኣርእስታት ንግዲ በለስን ስዋን`የን ነይረን። ኣቐዲምካ ግን መሸጣ በለስን ስዋን ከም ዓውደ መጽናዕቲ ክቐርብ ይኽእል`ዶ ኣይክእልን ንምፍላጥ ኣፈናዊ መጽናዕቲ (ፓይሎት ሳርቨይ) ከካይድ ነይሩኒ። ኣካይደ ከኣ። ነገረ ስዋ ቅሩብ ክብድ ዝበለት፡ በለስ ግን ንምርምር ጽብቕቲ ኮይነን ረኺበየን። እንተኾነ ግን ሓንቲ ካብ ብጸይትናን (ጓል ክፍለይ) ምስ ሓደ ካብ መመህራንናን ኮይና ድሮ ብዛዕባ `መጽናዕቲ ንግዲ በለስ ኣብ ኣስመራ` ብዝተሰየመ ኣርእስቲ ስለዝቐደመትኒ፡ ኣነ ናብ ካልእ ኣርእስቲ ክቕይር ተገዲደ። እቲ ዝረኸብክዎ ኣፈናይ ድሕረባይታ ብሂል በለስ ምስ`ዛ መም ሞኮነ ተስፋይ ዘገለጻን ምስቲ ኣብ ኣእሙረይ ስኢለዮ ዝነበርኩን ሕቆን ከብዲን ኮይኑ`የ ረኺበዮ።

ኣብ ከበሳታት ኤርትራ ንሓላፊ መንገዲ ሸዊት ንኽጥዕም ወይ ስዋ እንተሉይካ ንኽሰቲ ምዕዳም ኣዝዩ ዝዉቱርን ብሉጽን ባህሊ`ዩ ነይሩ። ገለ ኣሰሮም`ዉን ኣብ ርሑቕ ገጠራት ክሳብ ሕጂ ይዝዉተሩ ኣለዉ። በዚ ምኽንያት`ዩ መስለኒ፡ በለስን (ከም ኩሉ ወቕታዊ ሸዊት) ስዋን ምሻጥ ኣዝዩ ጽዩፍ ዝገብሮ ዝነበረ። ኣንተኾነ ግን ምስ ምምጻእ ባዕዳዊያን ገዛእቲ ቁሸታት ኤርትራ ናብ ከተማታታ ክቕየራ ጀሚረን። ብዙሕ ህዝቢ ድማ ካብ ገጠራን ናብ ክተማታት ዉሒዙ። ብፍላይ በቲ መንግስቲ ጥልያን ዝገብሮ ዝነበረ ናይ ትሕተ ቕርጺ ወፍርታት፡ ካብ ርሑቕ ገጠራት ኤርትራን ትግራይን ከይተረፈ ናብ ከተማታት ኤርትራ ብፍላይ ድማ ናብ ኣስመራ ተሰዲዶም። ምጅማር መሸጣ ስዋን በለስን ከምኡ`ዉን ምንዝርና (ከም ምንጪ ገንዘብ ማለት) እምበኣር ምስዚ ከምዝተኣሳሰር ይንገር። ንምንጻሩ ግን ዝያዳን ዝተወደበን መጽናዕቲ ዝሓትት`ዩ።

መሸጣ ስዋን ምንዝርናን (ብገንዘብ) ኣብ ግዜ ጥልያን ማለት ነቶም ካብ ሓዳሮም ርሒቖም ኣብ ከተማታትን ኣብ ርሑቕ ከባቢታት ተደኲነን  ኣብ ዝነበራ ናይ ህንጻ መዓስከራት  ዝነብሩ ዝነበሩ መናእሰይን ሰብኡትን ከምኡ`ዉን ንወተሃደራትን ንምእንጋድ ከምዝተጀመረ ይዝንቶ። ናይ ሎሚ ዛዕባይ ግን ብዛዕባ እታ መምህር መኮነን ዘንቀላ ኣርእስቲ ስለዝኾነት፡ እንሻላህ፡ ብዛዕባ ስዋን ምንዝርናን ካልእ መዓልቲ ይጽሕፎ እኸዉን፡ ወይ`ዉን ካልኦት ዝህጅሩ እንተተረኽቡ ኣይፍለጥን። በሉ ናብ በለስና ንመለስ።

በለስ ብዝያዳ ኣብ ከባቢ ሰገንይቲ፡ ኣብ ምብራቓውን ደቡባቢ-ምዕራብን (ካብ ሽከቲ ንምዕራብ) ንከተማ ኣስመራ ከቢቦማ ኣብ ዘለዉ ኣጻድፍ፡ ኣብ ምዕራባዊ ጽልማን (ከባቢ እምባ ዓራቶ) ኣብ ካልኦት ከባቢታት ዞባ ደቡብ ብመጠኑ ኣብ ንሕሪሻ ዘይምቹእ ጎቦታትን ከም ናይ በረኻ ፍረ ወይ`ዉን ኣብ ገደናታትን እንደሓሰራትን ከም ሓጹር ኮይኑ ተተኺሉ ንረኽቦ። ፍረበለስ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንእብነት ካብ ሽከቲ ንምዕራብ ዝርከባ ዓድታት (ከም በዓል ዓዲ ሓዮ ዝተባህላ ዓድታት) ፍረ በለስ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ከም ጹማቕ`ዉን የዳልዉዎ እዮም። ኣብ ግዜ ደርቂ ድማ በለስ ከም መግቢ እንስሳ ኮይኑ ንሓረስቶት ሃገርና ንነዊሕ ዓመታት እሙን ጉዝጓዝ ከምዝኾኖም ይንገር።

e15ed746abb43e022d6406e5641f01cc

መሸጣ በለስ (ኣብ ኣስመራ) ካብ መሸጣ ስዋን ምንዝርናን ድሒሩ ኣብ ግዜ እንግሊዝን ሃይለስላሴን ከም ዝተጀመረ ይንገር። ብልክዕ ግን እዚ ዓመተ ምህረት`ዚ ተጀሚሩ ኢልካ ክፍለጥ ኣሸጋሪ`ዩ። ምስ ምስዓር ጥልያን ምምጻእ እንግሊዝ ናብ ኤርትራ፡ ኣብ ትሕተ ቅርጺ ዝግበር ዝነበረ ወፍርታት ደዉ ብምባሉ፡ ብዙሓት ሰባት ግዳይ ሽቕለት ኣልቦትነት ኮይኖም`ዮም። መብዛሕተኦም ናብ ሕርሾም ክምለሱ እንከለዉ፡ ዉሑዳት ድማ ኣብ ሰራዊት ክኽተቡ ተገዲዶም (መሪጾም)። ብዙሓት ካብ ርሑቕ ከባቢታት ኤርትራን ትግራይን ዝመጹ ግን ኣብ`ቲ ዝዉቱር ዘይኮነ ሞያታት ንኣብነት፡ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ምርፋዕ፡ ዉሑዳት ከኣ ኣብ በለስ ምሻጥ፡ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ኣብ እንዳስዋ፡ ባራት፡ ምንዝርና ብምዉፋር ሂወቶም ክመርሑ ጀሚሮም።

መሸጣ በለስ መጀመርያ ብገንዘብ ዘይኮነስ ብእኽሊ ከምዝተጀመረ`ዩ ዝንገር። ካብ ከተማታት ዝመጹ ነጋዶን ካብተን በለስ ዘይበቑለለን ዓድታትን (ንባህጊ ሸዊት ንምርዋይ)ዝመጹ ሰባት ብእኽሊ (ብፍላይ ከኣ ስገም) ከላዉጥዎ ጀሚሮም። እቶም ነጋዶ ኣብ ከተማታት ወይ ኣብ ወሰናስን ዓበይቲ ጽርግያታ ከይዶም ብገንዘብ ይሸጡዎ ነይሮም። ብዝያዳ ግን ንግዲ በለስ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ`ዩ ተበራቲዑ። ንሰደድ ዝቐነዐ ዘመናዊ ሕሪሻ ንምግባሩ`ዉን መደባት ተሓንጺጹስ ተጀማሚሩ`ዉን እኳ እንተነበር ክሳብ ሕጂ ዝነኣድ ስራሕ ኣይተሰርሐን ዘሎ።

እታ ብሂል፡ “ሰብ ጸውዕ እንተበልኩዎስ በዓል በለስ” ፡ ብኸመይ መጽያ? መን`ከ ኢልዋ? ዝብል ሕቶታት ብልክዕ ክፍለጥ ዝከኣል ኣይመስለንን። ከምቲ ኣቐዲመ ኣብ ላዕሊ ዝገለጽክዎ፡ ኣብ 2005 ኣብ ዝገበርኩዎ ኣፈናዊ መጽናዕቲ (ዓበይቲ ሰባትን ምሁራንን ብምሕታት ማለት`ዩ)፡ መጀመራያ ብሓደ ተረካብ ዘረባ ድርብይ ዘብል ነጋዳይ ከምዝተባህለት`ያ ትንገር። ኣብቲ ግዜ እቲ ነጋዶ ኣብ እንዳስዋ`ዮም ዉዕላት ዘካይዱ ነይሮም። ንብረት ብነብረት ኣላዊጥካ ምግዛእ ዝዉቱር`ዩ ነይሩ። ኣብቲ ዝግበር ምስግጋር ዋንነት ንብረት ግን ርጡባትን ፍሉጣትን መሰኻክር የድልዩ ነይሮም`ዮም። ሓደ ግዜ ግን፡ ሓደ ነጋዳይ ንሓደ ሸያጢ በለስ ከም ምስክር ማለት ነቲ ምልዉዋጥ ንብረት ኣብ ቅድሚኡ ከምዝተገብረ ምስክር ክኸዉን ይዕድሞ`ሞ፡ እቲ ተረካብ ዘረባ ዘይፍለዮ ነጋዳይ `ኣንታ ሰብ ጸውዕ እንተበልኩዎ`ስ በዓል በለስ` ሒዚለይ መጺኡ ክብል ንቕንዕና ዘይብሉ ንግዲ ባህ ከምዘይበሎ ንምግላጽ ብሕርቃን ዝተዛረባ ሕጥቦ`ያ። እዚ  ዝበለሉ ምኽናያት እቶም ናይ’ቲ ግዚ`ቲ ሸየጥቲ በለስ ካበይ ከምዝመጹ ዘይፍለጡ፡ ሎሚ ኣብ ሓደ እንዳ ስዋ ሓዲሮም ንጽባሒቱ ዘይምለሱ፡ ሎሚ ርኢኻዮም ንጽባሕኪቱ ናበይ ከምዝኸዱ ኣሰሮም ስለዘይርከብ`ዩ እቲ ነጋዳይ ዘይርጡብ ምስክር ሒዝካ ምምጻእስ ኣይናይቅንዕናን ንምባል ዝበላ`ያ እምበር፡ ብፍሉይ ንትግራዋይ (ወይ ካብ ህዝቢ ዓጋመ ዝመጸ ሰብ) ንምቁንጻብ ወይ ምስትንዓቕ ዝተባህለት ከምዘይኮነት`የ ዝረኸብኩዋ። ስለዚ “ዓሻ ዝተኸሎ  ለባም ነይነቕሎ” ዘይኮነስ፡ `ለባማት ዝበሉዎ  ዓያሹ ዘይናቱ ትርጉም` ዝሃብዎ ኮይኑ ይስመዓኒ። ስለዚ፡ ዕድመ እዛ ብሂልን ትርጉማን ምስቲ መምህር መኮነን ተስፋይ ዝጸሓፎ ጽሑፍ ቁሩብ ተጋራጫዊ ኮንይኑ ንረኽቦ።

ኣብ መዛዘሚ፡ መምህር መኮነን ምንጪ  ጽሑፍካ (ግዚያዊን ግጉይን ፕለቲካዊ ንፋስ ዘይዓፈኖ) እንተተካፍለና ብዙሕ ምስተመሃርና። ብዝተኻእለ መጠን ብመጽናዕቲ ዝተደገፈ፡ ንኣብነት ከምቲ ዓበይቲን ፈላጣትን ብምዉካስ መዳርግቲ ዘይርከቦ ስራሕ ኣብ መጽሓፍ `እዝኒ መሰታ ቀዳሞት’ ዝሰራሕካዮ፡ ኣብ ምትርጓም ምስላታትናን ብሂላትናን`ዉን ብተመሳሳሊ ኣገባብ እንተትጥቀም ምሓሸ ምበልኩ።

የቐንየለይ

 

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Article“ሰብ ጸውዕ እንተበልኩዎስ በዓል በለስ”
Next Article ሮዛን ሰሌን
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?