Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»“ሰብ ጸውዕ እንተበልኩዎስ በዓል በለስ”

“ሰብ ጸውዕ እንተበልኩዎስ በዓል በለስ”

0
By Mekonnen T. on October 19, 2015 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

በዓል በለስ ከ ሰብዶ ኣይኮነን ?
እዛ ምስላ’ዚኣ ኣብ ተዛረብቲ ትግርኛ ነዊሕ ዘየቑጸረት ኣበሃህላ’ያ። ብግምተይ ናይ 30 ዓመት ዕድመ’ዩ ዝህልዋ ዝኸውን። ከምቲ ለባማት ክምስሉ “ዓሻ ዝተኸሎ ለባም ነይነቕሎ” ዝበልዎ ዓያሹ ዝተኸልዎ ለባማት ክነቕልዎ ዝግባእ ብዙሕ ኣበሃህላታት’ዩ ዘሎ። ሸቕጥ በለስ ካብ ሸቕጥ ባናና ስለምንታይ’ዩ ዝፍለ? በለስ እሾኽ ስለዘለዎ? ደኺምካ ርሂጽካ ስለተምጽኦ ? ሕሱር ስለዝኾነ?ብዙሓት ክምለሱ ዝግብኦም ሕቶታት ኣለው። ኣብ ኤርትራውያን ብዛዕባ በለስ ክለዓል እንከሎ ቅጅል ዝብሉና ህዝቢ ጎረቤትና ተጋሩ’ዮም። እዚ እቲ ኣብ ኣእምሮና ዝቕረጽናዮ ነገር ደኣሉ ኮይኑ’ምበር ኣነ ብውልቀይ ካብ ዝዝክሮ ብዛዕባ በለስ ክለዓል እንከሎ ካብ 100 ሰባት ምናልባት ሓደ ክልተ ተጋሩ እንተዘከርኩ’ምበር ካልኦት ዝፈልጦም ኩሎም ኤርትራውያን’ዮም። ካብ እዋን ስርዓት ደርጊ ክሳዕ’ዛ ካብ ሃገር ዝወጻኹላ 2007 ክረምቲ ክረምቲ በለስ ሸይጦም ስድረኦም ዝሕግዙ፡ ናይ ዝመጽእ ዓመት ናይ ትምህርትን ካልእ ወጻኢታትን ዝሽፍኑ ኤርትራውያን ማእለያ የብሎምን። በለስ ኣብ ከበሳ ብፍላይ ኣብ ምብራቓዊ ሸነኽ ናይ ኣከለጉዛይን ሓማሴንን ኣዚዩ ዝውቱር ዝኾነ ፍረ’ዩ። ክረምቲ መጸ ብጀካ’ቲ ብሸቐጥ በለስ ዝመሓዳደር ድኻ፡ ኣብ ገጠራት ኣነ ብዝፈልጦ ጥራሕ ኣብ በዓል ላዕላይ ዓረት ማለት ደርዓ፡ ሰምዲ፡ ሓላይ፡ ሓድሽ ዓዲ፡ ማይሓረሳትን ካልኦት ዓድታትን በለስ ናይ ክረምቲ ቀለብ ናይ’ቲ ህዝቢ’ዩ። በለስ ዝወፍር መንእሰይ ወይ ጎርዞ ዘለዋ ስድራ ክረምቲ ጸጊባ’ያ ትሓልፎ። ኣብቲ ክረምቲ ብጀካ ሓምሊ ድማ ካልእ ዝኾነ ኣስቤዛ ኣየድልያን ነታ ስድራ። ኣብ ከባቢ ከተማ ዝርከባ ገጠራት ሓያሎ ስድራቤታት በለስ ሸይጠን ብዙሕ ቀዳዳት ገዛ ይዓብሳ’የን። ኣብ በዓል ሰገነይቲ በለስ ካብ ሰለድ ዝበሃል ሃብታም ቦታ ይኹን ካልእ ብኣግማል ተጻዒኑ’ዩ ዝመጽእ። ካብኡ ድማ ብዳክሱም ዝበሃላ ንእስ ዝበላ ናይ ጽዕነት መካይን ናብ ኣስመራን ካልእ ከባቢን ይከፋፈል። ገለ ገለ ዓድታት ነቶም ካብ ከተማ መጽዮም በለስ ወሲዶም ክሸጡ ንዝመጹ ሰባት ናብቲ ናይ በለስ በረኻ መእተዊ ገንዘብ ዘኽፍላ ኣለዋ። ሕምብርተን ዝበሃል ኣብ ከባቢ ዓዲ ቐይሕ ዝርከብ ቦታ ሎሚ ደኣ በሪሱ ይኸውን እምበር ቅድምስ ኣረይቲ በለስ 3 ብር ወይ 5 ብር ከፊሎም’ዮም ገረይወና ወይ ዓቢ ዘምቢል ምሉእ በለስ መሊኦም’ዮም ናብ ከተማ ከይዶም ሸይጦም ስድር ኦም ዝሕግዙ ኔሮም። ልክዕ’ዩ ኣብ ግዜ ክረምቲ ካብ ትግራይ ተሰዲዶም ዝመጹ ሰባት ኣብቲ በለስ ብብዝሒ ዝርከበሉ በረኻ ከሪሞም ዝምለሱ ሰባት ኔሮም’ዮም ይኹን እምበር ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝርከባ ዓድታት’ውን ግዜ ኣብ ዝሓሰመ እዋን ጠቒለለን ናብቲ ናይ በለስ በረኻ ዝስደዳሉ ግዜ ኔሩ’ዩ። ብዝኾነ ብዛዕባ በለስ ብዙሕ ክበሃል ይኽእል’ዩ። በለስ ምሻጥን ምእራይን ከም ሕሱር ስራሕን መናሸውን ጌርካ ምውሳድን ምጥማትን ብወገነይ ክእረም ዝግብኦ ኮይኑ ይስመዓኒ። ከምቲ ሓደ መራሒ ናይ ኣሜሪካ “ንሃገርና ዘድልያ ጽሩይ ሓንጎልን ረሳሕ ኣእዳውን’ዩ” ዝበሎ ንሕና ኤርትራውያን’ውን ስራሕ ክንንዕቕ ወይ ነቲ ስራሕ ዝሰርሕዎ ሰባት ከነናሹን ዘይስነምባራዊ ዝኾነ ቃላት ይኹን ምስላ ካብ ምጥቃም ክንቁጠብን ይግባኣና።

12106728_10205060934023496_7879024386431325558_n

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleሮዛን ሰሌን
Next Article ትርጓሜ ምስላታትናን ብሂላታትናን ብመጽናዕቲ ዝተደገፈ እንተዝኽዉን
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?