Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Tuesday, May 13, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ፋዶ፦ ደጕዓ ሕሉፍ ዝና፡ ቅኒት ቅብጸት ራእይ

ፋዶ፦ ደጕዓ ሕሉፍ ዝና፡ ቅኒት ቅብጸት ራእይ

0
By Mekonnen T. on July 10, 2015 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

 ወይኒ ሱሌማን

1 ሰነ 2015፡ ሊዛቦን፡ ፖርቱጋል

እቲ ትካል ኣዝዩ ጸቢብ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ብግዳም ንዝመጽእ ዓማዊ ዝኸውን መርገጺ እግሪ ኣይነበሮን። ፈጓፊጕና ቁሩብ ምስ ሰጎምና ክልተ መጻምድቲ ፍሕሽው ፍሽኽታ ብምልጋስ፡ ክንቀርበልኩም ንኽእል ኢና፡ ብዝመልእኽቱ ምልክት ዓደሙና። ቴንክዩ ምስ በልና፡ ጌርነ! ብምምላሶም፡ “እሞ ናይ ስጋ ገይርኩማ ኢኩም ቀሪብኩምልና፡” በልናዮም። ኵልና ሰሓቕ ደርጓሕናዮ። ካብታ ዝነበርናያ ክፍሊ ሕልፍ ኢልካ ክንዳኣ ዝምጽባባ ካልእ ገፊሕ ዝልዳታ ክፍሊ ኣላ። መናድቕ እተን ክፍልታት ፍጹም መፈላለይ ዘይብሉ ኣሳእል እተሰቕሎ እዩ፤ ዝተፈላለዩ ሰባት ዝተፈላለየ  ሕብሪ ቘርበትን ዓሌትን ዝደጋገሞ ኣሳእል። ሓደ ሰብ ግና ዳርጋ ኣብ ኩለን  ስእልታት ይረአ፦ ዋና እቲ ባር።

ጠሚና ስለ ዝነበርና፡ ሜኑ ሃሰስ ክንብል ኣብቲ መን እዩ ተኣዛዛይ መን እዩ ዓሚል ዘይተለልየሉ እኩብ ሰብ ኣቋመትና። ስማት ሓደስቲ ጀርመናውያን መሓዙትና‘ኳ ከይተላለና፡ ዕብይ ዝበሉ ምዕሩግ ሽማግለ ኣብ ጥቓና ናብ ዝነበረ መንደቕ ቀሪቦም ናይቲ ትካል መብራህቲ ምሉእ ብምሉእ ኣጥፍእዎ። ኩሉ ሰብ ከምዛ ዝተነግረ፡ ኣነ ብዕንድተይ፡ ብሓንሳብ ጣቕዒት ደርጕሖ። ብቛንቛ ፖርቱጋል ምስ ተዛረበ፡ ኣብ መፈላለዪ እታ ካልአይቲ ክፍሊ ተንጠልጢለን ዝነበራ ክልተ ጊታር ካብ መመስቀሊአን ተላዕላ። ብብርሃን‘ተን ተወሊዐን ዝነበራ ተለቪዥናት ተሓጊዝ ኣብ ቅድሚ እቶም ሙዚቀኛታት ደው ዝበለት ምልክዕቲ መንእሰይ ኣማዕደኹ። ኣይጸንሐትን ከኣ፡ ንዋዕዋዕ እቲ ባር ብሓደ ህሞት ጸጥ ዘበለ ድምጻ ኣጋውሐቶ። ቀጸለት…! ምስ ነፍስወከፍ ካብ ኣፋ እተውጽኦ ቃል ተለለወት…! ካብ መቓምጦይ ተንሲአ ደፋፊአ ምስ ካሜራይ ኣብ ጥቓኣ በጻሕኩ። ምስኣል ከም ዘይፍቀድን ዝኾነ ማሕታ ብርሃን ክገብር ከም ዘይብለይን ኣብ ጐድነይ ዝነበረ በጻሒ ሓበረኒ። ንምሉእ መንፈስ እቲ ዘያምን ተዓዛብን ስለ ዝርብሽ እዩ። ሓቂ! ኣነውን ካብ ክስእል ክሰምዕ ፈተኹ። ስዉንዋኖ፡ በቲ ከም ውኖኣ እትቈጻጸሮ ድምጻን ስምዒታዊ ምንቅስቓሳታን ንምሉእ ገዛ ተቘጻጸረቶ። ከም ደራፊት ንሓንቲ ኻልኢት’ኳ ናብ ተዓዛቢ ቛሕ ከይበለት ብዕሙት ዓይና ምስቲ እተፍስሶ ዝነበረት ዜማ ሒዛትና ተነቑተት።

ጸጕሪ መላእ ኣካለይ ክክየፍ ተሰማዓኒ። ብኣግርሞት ክዛረብ ኣብ ከባብየይ ቍሊሕምሊሕ ኣብዛሕኩ። መን ከዛርበኒ! ኩሉ ሰብ ርእሱ እናነቕነቐ ይቝዝም ነበረ። ‚ኣብዚ እነሀ ሌጣ ክእለትን ሙዚቃን!‘ ብዘስምዕ ዝንታ ንነፍስወከፍ ካልኢት የስተማቕር ነበረ። እዛ ለይለይ ኣልጊባ ብሰለስተ ደርፍታት ምስ ለብለበትና፡ ወዮ ሽማግለ ሕጂውን ሕልፍ ኢሎም መብራህቲ ወልዑ። ኣብ ሃለፍታ ዝጸንሐ ተዓዛቢ ንሓድሕዱ ብምግራም ክጭድር፡ ባር ኣብ ሓጺር ህሞት ሆጭ በለት።

weini 1
ባር ኣ ታስቻ ቺኮ

ብሙዚቃ ንክትምሰጥ ቋንቋ ከምዘይጋርደካ  ዘገንዝብ ክብሎ እደፍር፡ ብፍልይቲ ጊታር ፖርቱጋል (Guittara Pourtuguesa) ዝጽወት ልኡም ግን ከኣ እህህታ ዝረርዎ ቅኒት ቍዛም እዩ፦ ፋዶ። ፖርቱጋላውያን፡ ብሙዚቃ ፋዶ ንፍቕሪ፡ ንስእነት፡ ንምፍልላይን ንትዝታን የዝይሙዎ።

“ንሕና ፖርቱጋላውያን ከቢድ ጓሂ ኣሎና። ፋዶ ኸኣ ጓሂና፡ ምፍልላይና ፡ ስእነትና፡ ስዕረትና…ብሓፈሻ፡ ኵሉ ተሃንና እነስተንፍሰሉ ባህላዊ ሙዚቃና እዩ“ ትብል ካሎሪና፡ እታ ተርታኣ ሓልያ ሰለስተ ደርፍታት ዝጋበዘትና፡ ኣዘንጊዐ ክስእላ‘ኳ ዝኸኣልኩ ኻልእ መንእሰይ።

weini 2
ካሮሊና

 

“ንሕና ከቢድ ጓሂ ዘሎና ህዝቢ ኢና!” ዕሽሽ ኢልካ ዘይትሕለፍ፡ ብብዙሓት ፖርቱጋላውያን እትደጋገም ሓረግ እያ። ኣብ ታክሲ ዀነ ኣብ ኣብያተ-ሻሂ ንዝጸንሑኒ ፖርቱጋላውያን ኣብ ዘዘራረብኩሉ፡ ከቢድ ጓሂ ከም ዘለዎምን ትጽቢቶም ከምዚ ከም ዘይነበረን ኣፍኣሙለይ። “ክልተ ጊዜ እተረኣና ህዝቢ ኢና” ክብሉ ንዕላል ካሎሪና የራጕዱ።

ኣብ መፋርቕ15 ክፍለዘመን፡ ንከም እኒ ብባሕሪ ንደቡብ ኣፍሪቃ ከምኡውን ክሳብ ህንዲ መንገዲ ዝዳህሰሰ ዳህሳሲ ቫስኮ ዳ ጋማን ውሩይ መርከበኛ ልዑል ሀንሪን ዘፍረየት ፖርቱጋል፡ ሓደ እዋን ኣብ ታሪኽ ዓለም ዝሃብተመን ዝዓበየን ርእሰ-ሓያላን ግዝኣት ዝነበራ እያ። በቲ ኻልእ መዳይ፡ ቅድሚ ፍርቂ ዘመን ኣቢሉ፡ ሃገራት ዓለም ካብ ዝረኣያኦ ዝሓሰመ፡ ምናልባትውን፡ እተራቐቐ ናይ ጭቈና ሜላ ዝኽተል ዲክታቶራዊ መሪሕነት ነጊሱስ ዓንዲሩላ። ፖርቱጋላውያን ንነዊሕ ዘመናት እተነየቱሉ ናይ ዳህሳስን ስልጣነን ታሪኾም እናደገሙ ምስ ሓበኖም ከይነብሩ ዝገበረ፡ ብማርሴሎ ኬታኖ ዝምራሕ ዝነበረ ዲክታቶራዊ ስርዓት፡ ኣብ 1974 ሮዛ ሰውራ (ካርኔሽን ሪቮሉሽን)“ ብእተሰምየ ቃልሲ ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ። ቅዋሙ ኣጽዲቑ ክነሱ፡ ጽልዋ ማሕበርነትን ጸጋማውያንን ተሓንጊጡ ዴሞክራስያዊ ወተሃደራዊ መንግስቲ ተኺሉ ስለ ዝነበረ ግና፡ ነዚ ሎሚ ብማሕበራዊ ዴሞክራስያዊ ሰልፊ ዝምራሕ ዘሎ ስርዓተ መንግስቲ ፖርቱጋል ባይታ ኣንጺፉ እዩ። እዚ ዳሕረዋይ ሰልፊውን፡ ንቓንዛን በሰላን ህዝቢ ብቐንዱ፡ ንቝጠባዊ ጠለብ ሓድሽ ወለዶ ከኣ ብዓብይኡ ዝምልሽ ከም ዘይኮነ ብዙሓት ይወቕሱ።

ከም ሳዕቤኑ፡ ሎሚ ሽቕለት-ኣልቦነት፡ ትሑት ክፍሊት ኩሉ ዓያዪ፡ ብፍላይ ንምሁራትን ንክኢላታትን ጐሊሑ ዝርአ ጸገማት እዩ። ፖለቲካዊ ፖሊስ (ንሃገራዊ ድሕነት እንካ ኣዘኻኸሩኒ) ብዝብል ስያመ፡ ንደቂቕ ምንቅስቓስ ውልቀሰባት እናተቘጻጸሩ፡ ክሳዕ ናጻ ናይ ስራሕ መሰል ዝነፍጉ፡ ብፍላይ እኳ ስነጥበብን መራኸብታት ብዙሓንን ዝዕፍኑ፡ ምስ መትከልና ይጻረሩዮም ንዝብልዎም ውልቀሰባት ብዘሕቅቁ ተለኣኣኽቲ ዲክታቶራዊ መሪሕነት ፍርሒ ወሪርዋ ዝነበረት ሃገር፡ ናይ ትማል ፖርቱጋል እያ፤ ቍጠባዊ ሕቶ ዘይምለሸላ፡ በሰላ ትማል እናሓኸኸት እትደምይ ከኣ ናይ ሎሚ ፖርቱጋል። መንእሰያት ነቒሖም ስለ መሰሎም ከይለዓሉ ብማለት፡ ዲክታቶራዊ መሪሕነት እታ ሃገር ዕጸፋርስ 10 ዕጽፊ ትሕቲ ዋጋ ሽጋራ ከምዝሽየጥ ይገብር ምንባሩ ይዝንተው። ምናልባት ነዚ ሎሚ ተጠቃምነት ዕጸፋርስ ሕጋዊ ዝገበረ መንግስቲ ፖርቱጋል ባይታ ዘንጸፈሉ ድማ ይመስል። ህሉው ወለዶ፦ ብመንነቱ ዘይኰርዕ፡ ንለውጢ ወኒ ዘይብሉ፡ ንናብራ ጐረባብቲ ሃገራት ዘንባህቝን፡ ኣብ ባራት ፋዶ ብዝቝዘም ዛንታ ተስፋ ምቝራጽን ስእነትን ዝልሎ ኮይኑ ክትረኽቦ ኣየገርምን። ብሰሪ መሪር ሕሉፍን ዘይውሑስ መጻእን ከይኮነ ኣይተርፍን፡ ፖርቱጋላውያን ምስቲ ካብ ኣስታት ሓደ ዘመን ንነጀው ምስ ህይወቶም ምትእስሳር ዘለዎ፡ እህህታኦም ዘስተንፍሱሉ መበቈላዊ ሙዚቃ ፋዶ ቃልኪዳኖም እናሻዕ ዘሐድሱ ዘለዉ።

ንምሕጻር፡ እቲ ነዊሕ ዝርዝሩ ጥራይ’ኳ፡ ካብ ዕስክርና ትሪፖሊ ጀሚርካ፡ ንመትከል፡ ንህልኽ፡ ንመን መለኸን ስለ ሪምን ከየባተኸ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ኣብ እተኻየደ ውግኣት፡ ከይዱ ዘይተመልሰ፡ ተመርዕዩ ዘይተሓጸነ፡ ብዓብይኡ ዘይወለደ፡ ሕቝፊ ወላዲት ዘቝረረ ሓደ ከም ሓሙስ፡ ዘሪኡ ዘይሓቘፈ፡ ተማሂሩ ከየማእዘነ ዝቝጸየላ ሃገር እነሀት ናይ ሎሚ ኤርትራ። ተመርዕያ ዝማእመነት፡ ተጸብያ ዘይረኸበት፡ ሃንቀው ኢላ ዝቐበጸት፡ ተቘኒና ተሓኒና ረኣዪ ዝሰኣነት፡ ንዓመታት ንእዲ እናኣማዕደወት ብቝሪ እተበልዐት፡ ካብ መስዋእቲ ኣቦ መስዋእቲ ሓው፡ ካብ መስዋእቲ ሓው መስዋእቲ ውሉድ፤ ካብ ስደት ኣፍቃሪ ስደት ሓው፡ ካብ ስደት ሓው ስደት ውሉድ፡ ኵሉ መፈጸምታኡ ንብዓትን ቅባጸትን እናተበራረዩላ፡ ሒናን ኵሕልን ዘይጸገበት መርዓት፡ ሓብትን ኣደን ኤርትራ…፡ ንታሪኽ ኣመዓባብላ ሙዚቃ ፋዶ ምስ ተገንዘብኩ ኣብ ኣእምሮይ ብልጭ በለኒ። ግናኸ እዋንናን ኵነታትናን በቲ ናትና ፋዶ ቝዘማና እነስተንፍሰሉ ሙዚቃዶ ይፈጥር ይህልው? ወይስ ኣብቲ ዘሕዝን እናመሰለ ክነስቀጥቕጠሉ ዝወዓል ዘሎ ጓይላ። ኣብ ቀብርኻ ከም ምስዕሳዕ ክውሰድ ዝከኣል ሓደ እዋን፡ ድምጻዊ ዮሃንስ ትካቦ  ሓድነት እትብል ደርፉ፡ ጌጋ ይኽልኣለይ፡ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ እናኣቕረባ፡ ሓያሎ ሰብ ወኒ ድዮም ሰብ ግኒ ኣብ መድረኽ ወሪዶም ከስቀጥቅጡላ ተዓዚበ።

ይኸደየለዉን ናይ ኣጋምሸትየ ደሃይ ስኢኖም ገለ ናይዞም ቈልዑትየ

ይጥቀሙናለ‘ዉ እንዳ ኢንተርነትየ ታይ መርበቡ ደኣ ታይ ሰክዒትየ

ኩሎም ይገፉለዉ ብዘይ መለሳየ ዓለምከ ባሕሪ ኮይና ንሕናኸ ዓሳ ዶ(2)

ንሕናስ ንዓሳ

ንሕናኸ ዓሳ ዶ(2)

እናኻኸሳዶ ይነኻኸሳ

ንሕናስ ንዓሳ

እናበለ እዩ ዝድርባ፡ መልእኽታ ኣታ እዚዶ ይግባኣና እንተ ዀይኑ፡ እዚ ደኣሞ ከሳዕስዓናዶ ይግባኦ እዩ? ተቘጢዑ ዘብኪ ንዘሎ‘ኮ፡ እንተ ወጽኣሉ ብኽያቱ ወዲኡ ዘፍ ክብል ትገድፎ። ኣብቲ ዝቑዘሞስ ንቖዝም ደኣ፡ ኣብቲ ዝድጐዖ ንደጉዕ፡ ኣብቲ ዝልቀሶ ከኣ ነልቅስ፤ ብጽሩይ ስምዒት ንመዓልቲ ሳዕስዒት ክንከውን ምእንቲ።

ካብ 1820ታት ኣትሒዙ ኣብ ፖርቱጋል ታሪኽ ዘለዎ ሙዚቃ ፋዶ፡ ፋቱም ካብ  ዝብል ቃል ላቲን ዝመጸ ዀይኑ፡ ቃል ብቓሉ ጽሕፍቶ ተባሂሉ ይትርጐም። ዝበዝሕ እዋን ናይ ምስቍርቋርን ሓዘንን  ህርመታትን ግጥምታትን እዩ ዘለዎ። ስእነት፡ ናይ ሓዋሩ ምፍልላይን ቅባጸትን እቶም ኣብ ሙዚቃ ፋዶ ብዙሕ ዝተባህለሎም ኣርእስታትዮም። ህይወት ባሕሪ፡ ምፍልላይ ባሕረኛታት ካብ ኣፍቀርቶምን ስድራቤቶምን፡ ድኽነትን  ዘኸትሎ ከቢድ ጓህን ጽሕፍቶን ቀንዲ ዛዕባ ፋዶ እዮም። ፋዶ ምስ ህይወት ገባሮ ሰራሕተኛታት መራኽብ፡ ባሕረኛታት ገፈፍቲ ዓሳን ብትሑት ክፍሊት ዝዓዩ ናይ ጕልበት ሰራሕተኛታትን ሰፊሕ ምትእስሳር ዘለዎ ሙዚቃ እዩ። ንሓያሎ ዓመታት ብትሑታት ደርቢ ሕብረተሰብን ፋይቶታትን እተፈትወ ሙዚቃ ተባሂሉ ብላዕለዎት ደርብን ምሁራንን ፖርቱጋል ተቐባልነት ኣይነበሮን።

ከም በጻሒ ናብ ከተማ ሊዛቦን ክትብገስ ከሎኻ እትውከሶ ሓበሬታ፡ ህላወ ሙዚቃ ፋዶ ዘአንግዳ ትካላት ዘበስረካን ዘወናውነካን እዩ። ቅድሚ ንመገሻ ምብጋሰይ ክውከሶ ዝከኣልኩ እተመሰጥኩሉ፡ ውሩይ ኣመሪካዊ ከሻንን፡ ናይ ተሌቭዥን ገጸ-ባህርይን ኣንቶኒ ቦርዳይን፡ ኣብ ሓያሎ ከተማታት ዓለም እናተዘዋወረ ዘዳልዎ ” ኖ ሪዘርቬሽን” ዝኣርእስቱ፡ ባህላዊ ክሽነታትን ልምዲ ኣህዛብ ከንጸባርቕ ዝህቅን ሰነዳዊ ፊልም’ዩ።  ፋዶ ኣለዎ ኣብ እተባህለሉ ኵሉ ቦታታት ኰሊልና ምስ ረብረብና፡ ሰሉስን ሓሙስን ጥራይ ፋዶ ኣብ እተአንግድ ባር ኣ ታስቻ ቺኮ ከምዘየለ ርጉጽ ወሲድናዮ፡ ክንበልዕ ምስ ኣተና ኢና ተጨዊና። ከምዛ ጭውያ እዚኣስ ይድገመና ደኣ! ኣማስያኡስ ድራር‘ኳ ኣይዘከርናዮ።

“ሎሚ ደኣ ኣብዚ ገዛ ፋዶ ኣሎድዩ?” ተወከስክዋ፡ ካብ ጥቃና ዝነበረት ጣውላ ተላዒላ መሳጢ ፋዶ ንዘቕረበት ካሮሊና።

“ከም ግቡእ ደኣ ኖ ኖ፡ ግና ሓደ ሓደ ጊዜ እቲ ሙድ ኣብ ዝዕምረሉ ካብ ዘዘለናዮ ተጸዋዊዕና ብዘይ ፕሮግራም ኣብ ሓደ ቦታ ፋዶ ነቕርብ ኢና።”

ውህደት ፋዲስታታትን ሰብ ትካላትን መሲጡኒ። ስለ እንጀራኦም ኢሎም ተሳንዮም ምስራሖም እቲ ኻልእ ምኽንያት ክኸውን ይኽእል እዩ። እንጀራኻ‘ውን ስለ ኽብሪ ሞያኻ ምስ እትስዕቦ መልክዕ ኣለዎ። ነቲ መንፈስ ሓሊኻ ምቕራብ ንባዕሉ‘ኳ መግለጺ ኽብሪ ሞያ እዩ። ኣብዛ ናይ ሰሙን እዋን ምብጻሐይ፡ ኣብ እተፈላለያ ኣብያተመዘክር፡ ባህላዊ ማእከላትን ኵሉ ገጻት እታ ከተማን ምስ ብዝሒ በጻሕቲ ተጸቓቒጠ ክበጽሕ ፈቲነ እየ። ብዝሒ በጻሕቲ ኣብ ኩሉ ትካላትን ኣብያተመዘክርን ዝረኣኽዎ ከቢድ ዕዮ ቱሪዝም ፖርቱጋላውያን ተደሚርዎ፡ ዝጠንተወት፡ አረ ሓንሳእውን ዝሃብተመት፡ ሎሚ ግና ሓንቲ ካብ ድኻታት ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረት ኰይና እትርከብ ፖርቱጋል ብዓቢኡ፡ ታሪኻዊት ከተማ ሊዛቦን ከኣ ብፍላይ፡ ጊዜ ገጹ ዝመልሰላ ዘሎ ይመስል።

weini 3

ምስ ተዘዋወርኩ፡ ብሓያሎ ስነህንጻዊ ስርሓት ተመሲጠ እየ። ኣብ 1755 ዳርጋ ንምሉእ ክፋል እታ ሃገር ዘዕነወ ምንቅጥቃጥ ምድሪ እንተ ዘየጋጥም፡ ስልጣነታት ጥንታዊ  ስነህንጻ ፖርቱጋል  ማዕረ ኽንደይ ካብዚ ንላዕሊ መደነቐኒ ዓጂቡኒ።

 

ፍርቂ መዓልቲ እየ ኣብዚ ቤተመዘከር ኣትየ፡ ፋዶ ፖርቱጋላውያን ዝገደፈለይ የብሉን። ቤተመዘክር ፋዶ ኣርፊደ ኣብ ገማግም ፈለግ ታጉስ ከዕርፍ ኣብራኸይ ምስ ዓጸፍኩ፡ ነቲ መዕረፊ ኣዒንቲ ዘይብሉ ኣድማስ ኣትላንቲክ ውቅያኖስ ኣብ ቦታ እቲ 2,509,000 ትርብዒት ኪሎሜትር ዝስፍሓቱ ማእከላይ ባሕሪ ብዓይነ-ሕልና ከቐምጦ ሃቀንኩ። ኣብ ሕምብርቲ ማእከላይ ባሕሪ፡ ምስ ሓሳረ መከራ ንጣር ተስፋ ክርእዩ፡ብላዕሊ ሰማይ ብታሕቲ ባሕሪ ዀይንዎም ሓንትስ መሬት ክረግጹ ሃረር ዝብሉ ዕሸላት ኤርትራ፡ ትረኻኦም ብዝፈጠረለይ ስእሊ፡ኣብ ውሽጦም ኣትየ ስምዒቶም ክፈልጥ ደለኹ።  ተዘከረትኒ እባ ከኣ ዝገደደ፡ ተዘከረትኒ እታ፡ ግብኣተ-ባህሪ ንዘይተርፋ ኣብ ቅልውላው ሕርስን ጻዕረሞትን ዝነበረት ሓፍተይ። ክተተንፍስ እናተጋደለት ትንፋስ ካብ ኣካላ ክፍለ! እናጐድኣንስ ሕሰብዮ ሕሰብዮ መጻኒ። ብቑዘማ እቲ ዳርጋ ምሉእ ረፍዲ ክቋደሶ ዘርፈድኩ ፋዶ ግዲ ተተባቢዐ፡ እምበር ምስ ውኖይስ ሞይተ‘ኳ ክዝክሮ ኣይደሊ። ኣብ ቁስልኻዶ ጨው ይንስነስ ኰይኑ።

ፋዶ ዓለምለካዊ ተፈላጥነት ንኽረክብ ዓቢ ኣበርክቶ ካብ ዝገበሩ ስነጥበበኛታት፡ ኣሚልያ ረድሪጎስ ብኣብነት ካብ ዝጥቀሱ ሓንቲ እያ። ብዘዝየመቶም ሓያሎ ቅኒታት ፋዶ ተዘካሪ ስም ዘሕደረት ኣሚልያ “ንግስቲ ፋዶ” ብዝብል ቅጽል ትፍለጥ። ኣብ ምምዕባል ፋዶ ሓያል ተራ ተጻዊታ እያ። ኣሚልያ፡ ህብብቲ ተዋሳኢትውን  ነይራ። ምስ ከም እኒ ፍሉጥ ደራስን ገጣምን ፈርናንዶ ፔሶዋ ሎሚ ሓወልቲ ከተማ ሊዛቦን ኰይና ትርከብ። ፔሶዋን ኣሚሊያን ካብ ኣሳእሎም፡ ብስሞም እተጸውዐ ህዝባዊ ቦታታትን ናይ ስነጥበብ ማእከላትን ዝሓልፍ፡ ጐደናታት እታ ኣብ ሓያሎ ስርሓቶም፡ ሊዝቧ እናበሉ ብፍቕሪ ዘስተንተኑላ ፍትውቲ ከተማኦም ፍርያቶም ብዝሸጣ ትካላት ዘዕለቕለቐት እያ።

weini 4

ኣብ ጨርሒ ዀይንካ ንኣስመራ ከም ምምዕዳው፡ ኣብ ኣልፋማ ከምኡውን እቲ ብባርዮ ኣልቶ (ናይ ቀደም ከተማ) ዝጽዋዕ ከባቢ ብምዃን፡ኣብ ጎቦ እተደኮነት ምልእቲ ከተማ ሊዛቦንን ገማግም ውቅያኖሳን ከተማዕድው ይከኣል። እቲ ብባርዮ ኣልቶ ዝፍለጥ ናይ ቀደም ክፍሊ እታ ከተማ ብደቀባትን በጻሕትን መዓልታዊ ይንገድ። ነቲ ጥንታዊ ላዕለዋይ ክፋል ከተማ ባርዮኣልቶ ምስዚ ሓድሽ ዘመናዊ ክፍሊ እዛ ኸተማ ዘራኽብ መደያይቦ (ኤለቫዶር) ካልእ ኣደናቒ ምስሊ እታ ኸተማ እዩ። ከተማ ሊዛቦን ኣብ ጎቦን ኵርባን ብምድኳና፡ መጐዓዝያ ብኣጋርን መጽዓኛታትን ኣብ ዝነበረሉ ዘመን፡ ሽግር ካብ ላዕላይ ወገን ከተማ ናብ ታሕተዋይን ሓድሽን ከባቢ ዝመላለስ ነባሪ ንምቕላል ሲቪላውን ወታሃደራውን ኢንጅነር ዝነበረ ሮበርቶ ኣርሜንዮ ድሕሪ ዘቕረቦ ሓሳብ፡ ኣብ 1896 ናይ ፈረንሳ መበቆል ዘለዎ፡ ራውል መስኒር፡ ብእተባህለ ካልእ ኢንጂነር እተነድፈ ዕዉት ስራሕ፡ ሊዝቦናውያን ካብ ላዕሊ ንታሕቲ፡ ወይ ውን ብኣንጻሩ፡ ብሒደት ደቓይቕ  ክመላለሱ ኣኽኢልዎም ኣሎ።

weini 5
ኤለቫዶር(መደያየቢ)፣ ብላዕለዋይ ሸነኽ

 

ባርዮ ኣልቶ፡ ቢካ ባህላዊ ኤስፐረሶ ምስ ሕብስቲ ዘአንግዳ ናይ ልዕሊ 100 ዓመታት ታሪኽ ዘለወን ካፈታትን ኣብያተብልዕን ዝሓቘፈ እዩ። ውሩይ ፖርቱጋላዊ  ገጣሚ፡ጸሓፊ፡ ሃያሲ፡ ፈላስፋን ተርጓምን ፈርናንዶ ፔሶዋ ኣብ ኣፍደገኣ ጸሓይ እናተጸልወ የንብብን ይጽሕፍን ከም ዝነበረ ዝዝንተወላ ካፈ ኣ ብራዚሊራ ኣብ 1905 እያ ኣገልግሎት ጀሚራ። ካፈ ኣ ብራዚሊራ ንልዕሊ ሚእቲ ዓመታት ዝናኣ ዓቂባ ትኸይድ ኣላ። ኣብ መበል 47 ዓመቱ ብሞት ንእተፈልየ፡ ብጽሑፋቱን ግጥምታቱን ንምስሊ ከተማ ሊዛቦን፡ ብዓቢኡ ምስሊ ፖርቱጋል፡ ዘጉልሐ ቐንዲ ዓሚላ ፔሶዋ፡ ናይ ኣስራዚ ሓወልቱ ኣብ ቅርዓታ ቀሪጻ ትርከብ። ንፔሶዋ እናኣቋመትካ፡ ወይውን መጽሓፉ እናኣንበብካ ቢካኻ ክትጭልጥ ምስ እትደሊ እምበኣር፡ ወትሩ ረፋድ ተመሃሮ እታ ኣብ ፊትታ ካፈተሪያ እተርከብ ናይ ፋይን ኣርት ዩኒቨርሲቲን በጻሕትን ኰራሲ ንምሓዝ ምቅድዳም ከይፈለሙ ክተንግህ የድልየካ።

weini 7
ኤለቫዶር(መደያየቢ)፣ ምሉእ ገጽ
weini 6
ሓወልቲ ኣስራዚ ፈርናንዶ ፔሳዋ፣ኣብ ካፈ ኣ ብራዚሊራ

ፋዶ፡ ቢካ(ሓጻር ቡን)፡ ህይወት ባሕሪን ትራምን (ጥንታዊት ባቡር ከተማ) ምስሊ ፖርቱጋልዮም። ቀባእትን ዘየምትን ዘይሓልፍወን ኣርእስታት ከኣ እየን። ብምቹእ ኩነታት ኣየራ፡ ደግነትን ምቕሉልነትን ነበርታ ንኣስመራ ተዘኻኽረካ። ኣብ ምዕራባዊ ኣይበርያዊ ፐኒንዙላ፡ ፈለግ ታጉስን ኣትላንቲክ ውቅያኖስን ዝቕናታ ርእሰ ከተማ ፖርቱጋል፡ ሊዛቦን፡ ተቐማጦኣ ሊዝቧ እናበሉ እዮም ብቕብጥሮት ዝጽውዕዋ። ካብ ፖርቱጋላውያን ዘይትሰንፍ ኣስመረይቲ፡ ኣስመራይ፡ ኣስመራና ኤርትራና እናበልና ብመበቆልና ልዕሊ ሓለፋ እንንየት ኮይኑ ዝስመዓኒ ኤርትራውያን፡ እዛ ኤርትራና ዘመን ተመሊሱላ ክራር፡ ጭራዋጣ፡ ውህደት ወኻዕታን ምዕባለን ዝኣርማኣ፡ ንበጻሕቲ ይኽፋእ ይሕመቕ፡ ከም ሊዛቦን እተማህረትሉ ዀነ እተዳህከትሉ ሕሉፋ ክትምጥው ተተስፈኩሞ፡ ትሕግዙኒዶ?

ሰሌዳ ሓበሬታታት ጎደና ሓርነት፡ መርድእ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝጠፍኡ ተሰሊሙ ዝነበረሉ ሓደ ቅንያት፡ ብሰንፈላል ምስ ዓፍራ እቲ ዝኣዘዝናዮ ካፑቺኖ እናተጻወትና ዝዕለል ስኢንና ስቕ ምስ ኣብዛሕና፡ ሓንቲ ካብ መንጐና፦ “በጃኻትክን ትንቢት ኢሳይያስ  ምዕራፍ 60 ገዛ ምስ ከድክን ኣንብባኦ። እግዚኣብሄር ነዛ ዓዲ ገጹ ክመልሰላ እዩ፡ ተስፋ ጥራይ ኣይንቝረጽ“ ዝበለቶ ወትሩ እዝክሮ፦

ብርሃንኪ መጺኡ፡ ክብሪ እግዚኣብሄር ከኣ ወጺኡልኪ እዩ እሞ፡ ተንስኢ፡ ብርሂ። እንሆ፡ ጸልማት ንምድሪ፡ ጣቓ ድማ ንህዝብታት የጐልብቦም፡ ግናኸ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሌኺ ኪወጽእ፡ ክብሩውን ኣብ ልዕሌኺ ኪርአ እዩ። ኣህዛብ ናብ ብርሃንኪ፡ ነገስታት ከኣ ናብ ጸዳል ምብራቕኪ ኺመጹ እዮም። ኣዒንትኺ ናብ ዙርያ ቛሕ ኣብሊ እሞ ጠምቲ፡ ኵሎም ተኣኪቦም ናባኺ ይመጹ ኣለዉ፡ ኣወዳትኪ ካብ ርሑቕ፡ ኣዋልድኪውን ተሓቚፈን ይመጹ ኣለዉ። ምልኣት ባሕሪ ናባኺ ኪምለስ፡ ሃብቲ ኣህዛብ ከኣ ናባኺ ኺመጽእ እዩ እሞ፡ ሽዑ ኽትርእዪ፡ ብታሕጓስ ድማ ክተንጸባርቒ ኢኺ፡ ልብኺውን ትርግርግ ኪብልን ኪርሕብን እዩ። ትንቢት ኢሳይያስ፡ 60፡1-5

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleእሞ የለን
Next Article ሮዛን ሰሌን
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?