Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Tuesday, March 10, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ፈትኑ እየ ዝብለኩም

ፈትኑ እየ ዝብለኩም

0
By Mekonnen T. on August 2, 2016 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ዓወት መንግስታኣብ

ሆላንድ

ንነዊሕ እዋን ኣብ መዝገበይ ዓቂበያ ዝነበርኩ ጽሕፍቲ እያ። ንመዘከርታ ኩሎም ተማሃሮ ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ብፍላይ ድማ ንሑሴን ስዒድ ትኹነለይ።

ደርባን ኣጋይሻ ክትቅበል ኣእዳዋ ዘርጊሓ ኔራ። ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝርከቦም መራሕቲ፡ ሚኒስተራት፡ ኣምበሳደራትን፡ ፖለቲከኛታትን ኣህጉር ኣፍሪቃ ኣብ ዋዕላ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ (ው/ሓ/ኣ) ክሳተፉ ድሮ ናብታ ከተማ ኣትዮም ኔሮም። ካብ ሰሜን ንደቡብ፡ ካብ ምብራቕ ንምዕራብ፡ ብዘይካ ሞሮኮ ካብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ዘይተወከለት ሃገር ኣይነበረትን። ዑዱማት ፖለቲከኛታት፡ ውልቀሰባት፡ ወከልቲ ዞባውን ኣህጉራውን ውድባት፡ ጋዜጤኛታትን እውን ዘርጠብጠብ እናበሉ ናብታ ከተማ ምእታው ኣየቋረጹን። ብዘይካኦም ከባቢ 600 ንኸውን ኤርትራውያን ተማሃሮ ካብ ዝተፈላለያ ዩኒቨርስቲታትን ስነኪነትን ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብታ ከተማ ተኣኻኺብና ኔርና። ኣብ ዋዜማ ናይቲ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ናብ “ሕብረት ኣፍሪቃ” ዝሰጋገረሉ ዋዕላ፡ ኢሳያያስ ኣፈወርቂ ሰሚናር ክገብረልና መደብ ተታሒዙሉ ኔሩ።

8 ሓምለ 2002 ብኽልተ ሚኒባስ ተመራሪሕና ናብቲ ሰሚናር ዝካየደሉ ኣዳራሽ ነቐልና። ኣውራ ጎደናታት እታ ከተማ ብሕብረ ባንዴራታት ተሰሊሙ ኔሩ። ቀጠልያ ባንዴራ ው/ሕ/ኣ ብቢጫ ሽራጥን ካርታ ኣፍሪቃን ማዕሪጋ ደጋጊማ ኣብ ዓይነይ ኣተወት። ባንዴራ ደቡብ ኣፍሪቃ—-ኬንያ—ኡጋንዳ—ጋና—በብሓደ ኣለለኹወን። ኣበይ ኣለዋ? ክደልየን ዝጸናሕኩ ባንዴራ ኤርትራን ኢትዮጽያን ኣብ ሞንጎ እተን ባንዴራታት ረኣኹወን። ዘይሓወየ በሰላ ኩናት ተሰኪመን ብንፋስ የንበልብላ ኔረን። ብዛዕባ እቲ ኣብ ሞንጎ እዘን ኣሓት ሃገራት ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት እናእስተንተንኩ እታ ሚኒባስ ብናህሪ ተሓንበበት።

ኣብ ግንቦት 1998 ኲናት ክውላዕ እንከሎ ሳልሳይ ዓመት ተማሃራይ ዩኒቨርስቲ እየ ኔረ። ሓቂ ይሓይሽ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ብድሌትና ክንከትት ከለና ኲናት ከም ኣባልዓ እንጀራ ቀሊል እዩ ዝመስለኒ ኔሩ። ምስ 525 በጺሑኒ ናብ ግንባር ቡሬ ምስከተትኩ ግን ኲናት በላዒ ሰብ ሙኳኑ ክፈልጥ ግዜ ኣይወሰድኩን። ተሓጋጋዚ ፐርሰናል ስለዝነበርኩ እቲ ኣሃዱ ኣብቲ ኲናት ዝወረዶ ክሳራ ክፈልጥ ዕድል ኔሩኒ። ጸብጻብ ስውኣትን ሃለዋቶም ዘይተፈልጠን እናረኣኹ እግረም ኔረ። ኣብ ሓንቲ ኲናት ክንድዚ ስውኣትን ሃለዋቶም ዘይተፈልጠን?! ከመይ ድዩ ኔሩ?! ኣብቲ ኲናት ዝተሳተፉ ዋርሳይ እቲ ኲናት ክሳዕ ክንደይ ከቢድ ከምዝነበረ ክሳዕ ዘዕልሉኒ ነቲ ጸብጻብ ክቕበሎ ኣይካኣልኩን። ብቓላት እቶም ዋርሳይ፡ እቲ ኲናት ሰራዊት ክልቲኡ ወገን ከም ወራድ መርዓ ዝተሓዋወሰሉ ደማዊ እዩ ኔሩ። ካብ ክልቲኡ ወገን ዝተተኮሰ ከቢድ ብረት ብኣልማማ ኣብ ማእከሎም ይዓልብ ኔሩ። ምጥቃዕ ይኹን ምዝላቕ ዝተወደበ ኣይነበረን። ተጠርኒፉ ዝኣተወ ሰብ ዘርጠብጠብ እናበለ እዩ ወጺኡ። ካብ ብጥይት ብጽምኢ ማይ ዝወደቐ ይበዝሕ። ተስፋ ቆሪጹ ነብሱ ዘጥፍእን ኣንፈቱ ስሒቱ ኣብ ፈቖድኡ ዝተደርበየን እውን ኔሩ እዩ።

ሚኒባስ ኣብ ኣፍደገ እቲ ኣዳራሽ ደው በለት። ኩላትና ተማሃሮ ብመስርዕ ተፈቲሽና ናብቲ ኣዳራሽ ብምእታው በቦታና ሓዝና። ኢሳያይስ ኣፈወርቂ፡ ብኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ተስፋሚካኤል ገራህቱን ዮውሃንስ ዝብሃል ቀዳማይ ጸሓፊ ናይቲ ኤምባሲን ዓጀብቱን ተሰንዩ ናብቲ ኣዳራሽ ኣተወ። ኩላትና ተማሃሮ ካብ ኮፍ መበሊና ተንሲእና ብኽብሪ ተቐበልናዮ። ናብቲ ዝተዳለወሉ መድረክ ደይቡ ኮፍ ክሳዕ ዝብል ድማ ብርክና ከይሰበርና ብድሙቕ ጣቕዒት ኣሰነናዮ። ገጹ ኣሲሩ ኮፍ ክንብል ክሳዕ ዘመልክተልና ጣቕዒት ኣየቋረጽናን። ኣብ ካልኣይ መስመር ኮፍ ኢለ ስለዝነበርኩ ካብ ቀረባ ርሕቀት ክርእዮ ዕድል ኔሩኒ። ሸነቡ ሓንሳብ ንጆሴፍ ስታሊን፡ ጸኒሑ ንሳዳም ሑሴን፡ ካብኡ ቀጺሉ ንፒኖሸ እናኣዛኻኸረኒን፥ ኣብራኹ ክሳዕ ክንድኡ ነዊሕ ሙኳኑ እናተገርመኩን፥ ካብ ላዕሊ ንታሕቲ ጠመትኩዎ።

ተማሃሮ ኮፍ ኢልና ጸጥታ ምስሰፈነ ወዲ ገራህቱ መእተዊ ዘረባ (ወደሳ’ውን ክብሃል ይካኣል እዩ) ኣስሚዑ ነቲ መድረኽ ከፈቶ። ብድሕሪ’ዚ ኢሳይያስ መድረኽ ሒዙ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ሃገርን ብዛዕባ’ቲ ሽዑ ዝበጋገስ ዝነበረ “ወፍሪ ዋርሳይ ይካኣሎ”ን ስፍሕ ዝበለ መግለጺ ሃበና። ሓቂ ይሓይሽ ኣብታ ሰዓት እቲኣ “ወፍሪ ዋርሳይ ይካኣሎ” ንመንእሰያት ኤርትራ መወዳእታ ኣብ ዘይብሉ ምዝመዛ ክጸምዶም ዝተኣልመ ፍሕሶ’ዩ ኢለ ክግምት ኣይከኣልኩን። ብኵናት ኢትዮ-ኤርትራ ዝዓነወት ሃገር ንምህናጽ ዝወጸ ማርሻል ፕላን ሙኳኑ ርድኢት ኣሕዲረ ነቲ ሰሚናር ብኽፉት ልቢ ተኻታተልኩዎ። ኢሳይያስ ዘረባኡ ወዲኡ መድረኽ ንሕቶ ተማሃሮ ክፉት ክሳዕ ዝኸውን ድማ ሕርኽርኽ ዝበለኒ ኣይነበረን።

መድረኽ ንሕቶ ተኸፍተ። ሓደ ቅድሚ ሽዑ ርእየዮ ዘይፈልጥ ተማሃራይ ሕቶኡ ከቕርብ ዕድል ተዋሂቡዎ ማይክ ጨቢጡ ብሕጽር ዝበለ ነብሱ ድሕሪ ምልላይ ትሕትና ብዝተመልአ ኣገባብ ከምዚ ክብል ሓተተ። “ ክቡር ፕረሲዳንት ግዜኻ ሰዊእካ ሰሚናር ስለዝገበርካልና ነመስግነካ። ብወገንና ትምህርትና ዛዚምና ናብ ሃገርና ክንምለስን ኣብ “ወፍሪ ዋርሳይ ይካኣሎ” ክንሳተፍን ድሌት ኣለና። መንግስቲኸ ናብራና ንምምሕያሽ እንታይ ዝሓሰበልና መደብ ወይ መታባብዒ ኣሎ?”

ትምህርተይ ዛዚመ ናብ ሃገረይ ክምለስ ወዲኤዮ ስለዝነበርኩ ንመጻኢየይ ትድህስስ ቅንዕቲ ሕቶ ገይረ እየ ቆጺረያ። ብርግጽ ኣብቲ ግዜ እቲ ኢድ መንግስቲ ኤርትራ ዝጽበያ ብዙሓት ኣእዳው ከምዝነበራ እፈልጥ ኔረ። ብዓቢኡ እቶም ምእላይ ዘድልዮም ስድራ ስውኣትን ስንኩላትን ኣለዉ። ካብኡ ቀጺሎም’ውን ዕድሚኦም ኣብ ከርተት ዘሕለፍዎ ተጋደልቲ ክስርዑ እዮም። ገና ኣብ ሓለዋ ሃገር ተጸሚዶም ዝነበሩ ዋርሳይ’ውን ቀዳምነት ክወሃቦም እዩ። ድሕሪ እዚኦም ግን ንሕና’ውን ኣለና። ምናልባት ገዛውቲ ተሰሪሑ ክወሃበና ኣይንሓትትን ንኸውን። ርእስና ነእትወሉ ሕሱር ገዛ ኽራይ ክዳለወልና ምሕታትና ግን ባህርያዊ እዩ ኔሩ። ምስ ደረጃ ትምህርትና ዝዳረግ ደሞዝ ክኽፈለና’ውን ኣይንሓትትን ንኸውን። ኢድ ሰብ ዘይንጥምተሉ ደሞዝ ክንጽበ ግን ባህርያዊ እዩ ኔሩ።

“ እዛ ሕቶ ተጽብየያ ኔረ” ኢስይያስ ክሳዱ እናነቕነቐ ዘረባኡ ጀመረ። “ ካብ ኣስመራ ናብዚ ክብገስ ከለኹ ሃገሮም ክምለሱ፡ ከይጠፍኡ፡ ምዓዶም ኢሎም ነጊርሙኒ ነይሮም። ገንዘብ እንተሎ ጸገም የለን፡ ዓውለማ ከማዓራርዮ እዩ ኢለ መሊሰሎም (ሓጻር ሰሓቕ ቃጫ)። ሎሚ ሳላ ግሎባላይዘሽን ሰባት ካብ ደገ ከተምጽእ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ሚነዋለን ሰራሕተኛታት ህንጻን ንደሊ ኔርና። ኣይረኸብናን። ካብ ስሪላንካ፡ ፍሊፒንስን ህንድን ኣምጺእና። ትማሊ ሓሙሽተ ኣርኪተክትስ ንደሊ ኔርና ካብ ፍሊፒንስ ኣምጺእናዮም። ፕሮፌሰር ክንረክብ እንተዘይክኢልና፡ ህንዲ ኬድና ከነምጽእ ንክእል ኢና። ስለዚ “ ዝኾነ ሰብ ኣሜሪካ ክኸይድ እደሊ’የ” እንተ ኢሉ——ፈትን ጥራሕ’የ ዝብሎ (እንደገና ሓጻር ሰሓቕ ቃጫ)—ኣብኡ ከይዱ ሕሱር ስራሕ ክረክብ ይኽእል’ዩ (ፍሽኽታ ንዕቀት )”

ኢሳይያስ ነታ ብጽቡቕ መንፈስ ዝቐረበት ሕቶ በታ ካብ ኣስመራ ኣትሒዙ ዘዳለዋ ዕደ ዝኾነት መልሲ ሕሪሕራይ ገይሩ ምስተስሃላ ኣእዛነይ ክኣምን ኣይከኣልኩን። ልበይ ተሰቢሩ ክነሰይ ጣቕዒት ሰሚዐ ብዘይ ልበይ ኣጣቓዕኩ። “ እንታይ ድዩ ኢሉና? ንስኻትኩም ጥፍኡ ንሕና ካብ ስሪላንካ፡ ፍሊፒንስን ህንድን ክንትክኣኩም ንኽእል ኢና! ንምንታይ ደኣ ኣጣቒዕና? ኣመል ኮይንና?! ምጥቃዕ ባህሊ ጌርናዮ?! ሙኳን ጣቕዒት ሓደ ዓንጃል ክጅምሮ ይኽእል’ዩ። ጣቕዒት ሓሳዊ’ዩ። ጣቕዒት ውሕጅ’ዩ። ጣቕዒት ተላባዓይ’ዩ። ብዓቢኡ ጣቕዒት መጋገዪ እዩ” ምስ ነብሰይ ተፈላሲፈ ከባቢየይ ኣቛመትኩ። ምስ ሓደ ተማሃራይ ዓይኒ ንዓይኒ ተጋጨና። ኣብ ኣዒንቱ መንፈስ ስደት ዘንበብኩ መሰለኒ። “ ኣቐዲሙ መዲቡዎ ዝጸነሐዶ ይኸውን ወይስ እዛ ዘረባ ደፊኣቶ? በዚ ይኹን በቲ፡ ከምዚ ዝበለ ዘረባስ ከመይ ኢሉ ካብ ኣፍ ሓደ መራሒ ሃገር ይወጽእ? ኣሻሓት ከፊልካ ንዘምሃርካዮ ተማሃራይ ከመይ ኢልካ ግሎባላይዘሽን ኣሚንካ ጥፋእ ትብሎ? ካብ ካልእ ሃገራት ክኢላታት እናኣምጻእካ ሃገር ክትሃንጽ ምሕሳብከ እንታይ ፓሊሲ ይብሃል? ወይ ጉድ! ንሙኳኑ እቶም ካብ ካልእ ሃገራት ዝጥለቡ ክኢላታት ብሸርፊ ወጻኢ (እቲ ተማሃራይ ካብ ዝሓተቶ መታባብዒ ዝተዓጻጸፈ እኳ ድኣ) ከምዝኽፈሉ ይርድኦ ድዩ እዚ ሰብኣይ? እንታይ ክንገብር ደኣ ይደልየና ኣሎ? በታ ዝወጻእናያ ወጺእና ክንተርፍ? ከም ደቂ ዛግራ ኣብ ፍቖዶ ሃገራት ፋሕ ብትን ክንብል? ከም ኣብ ጥቃ ትኪ ዘሎ ቆልዓ ከብክየና ግዲ እዩ መጺኡ?! ሄ—-ሄ—ሄ ኣነኸ እሞ?! ብርግጽ ኣብ ጥቓ ትኪ እየ ዘለኹ፡ ቆልዓ ግን ኣይኮንኩን? ፈትን ኢልኒ ኢለ ዝፍትኖ ስደት የለን። ሃገረይ ገዲፈ ክጠፍእ ዋላ ኢሳይያስ’ውን ኣይትነግረንን ኢኻ” ንኣእምሮይ ብዕዮ ጸመድኩዋ።——

—— ኣብ ሓሳብ ተዋሒጠ ከለኹ ድሮ ሑሴን ዝብሃል ተማሃራይ ሕቶኡ ከቕርብ ጀሚሩ ኔሩ። ምስቲ ተማሃራይ ዓሙቕ ደኣ ኣይኮነን’ምበር ካብ ኣስመራ ኣትሒዝና ፍልጠት ኔሩና። እታ ሕቶ ብኸመይ ከምዝጀመራ ኣይሰማዕኩዎን። እታ ቀንዲ ነጥቢ ግን ኣይሓለፈትንን።
“ መንግስቲ መዓስ’ዩ እሱራት ዝፈትሕ ወይ ናብ ፍርዲ ዘቕርቦም?” ሓጻርን ንጽርትን እያ። ኢሳይያስ ጥፍጣፉ ክሳዕ ዝውሕጥ ሕርቃን ኣብ ገጹ ክዕው ክብል ረኣኩዎ።
“ መን ዝተኣሰረ ትፈልጥ? ስም ክትጠቅስ ትኽእልዶ?” ንሑሴን ኣፋጠጠሉ።
“ኣቦይ ኣሎ” ሑሴን ከይተዳህለን ጥቕስ ከይበለን መለሰ።
“መን ይባሃል ኣቦኻ?” ኢሳይያስ ኣዒንቱ ተኸለሉ። ሑሴን ሕንቕንቕ እናበለ ስም ኣቡኡ ረቑሐ። መብዛሕቱ ተማሃራይ ትንፋሱ ውሒጡ ኣብ ምክትታል ተጸምደ። ተሓጓሚ ከሎ ተሓዚ ይጠርጥ ከምዝብሃል ገለ ካባና’ውን ብድፍረት ሑሴን ዝፈራሕና መሰልና።
“ ጓንታናሞ በይ ትፈልጦዶ?” ኢሳይያስ ርኹስ መንፈስ ከምዝኣትዎ ሰብ ንፍሕፍሕ ክብል ኣስተወዓልኩሉ። ኣብ ቋሕ ሰም ካብ ሓታታይ ናብ ተሓታታይ ዝተሰጋገረ ሑሴን ኣይመለሰን። ምናልባት “ጓንታናሞ በይ” ከመይ ኣቢላ ምስታ ዝሓተታ ሕቶ ተታሓሒዛ ከሳላስል መሪጹ ይኸውን። ምናልባት’ውን ከምዚ ከማይ “ጓንታናሞ በይ” ቦኽሪ እዝኑ ኔራ ትኸውን። ጓንታና’ሞ በይ? ጓንታና’ሞ በይ?ብትሕቲ መልሓሰይ ደጋገምኩዋ። ፈጺማ ወቓሕ ክትብለኒ ኣይከኣለትን። ነቲ ኣብ ጎነይ ኮፍ ኢሉ ዝነበረ ተማሃራይ ኢደይን ዓይነይን ኣሰንየ ሓተትኩዎ። ከምዘይፈልጣ ብተመሳሳሊ መንገዲ ሓበረኒ። ንምንታይ ተላዒላ? ኣበይ ኮን ትኸውን? መልሲ ንምርካብ ኣዒንተይ ናብ ኢሳይያስ መለስኩወን።

“ “ጓንታናሞ በይ” ኣሜሪካ ስግኣት ሃገራዊ ድሕነታ ንዝኾኑ ኣባላት (ኣል)ቃዒዳ ትኣስረሉ ኣብ ኲባ ዝርከብ ቤት ማሰርቲ እዩ—-” ኢሳይያስ “ ፍለጡ” ብዝመስል ኣዘራርባ ተዛሪቡ ንሓጺር ህሞት ትም በለ። ኣብታ ህሞት ርቕቕ ዝበለት ፍሽኽታ ኣብ ገጹ ቅልቅል ኢላ ህልም ክትብል ዝረኣኹ መሰለኒ። ኣቐዲመ እዛ ፍሽኽታ እዚኣ ብመስኮት ተሌቢዥን ደጋጊመ ይርእያ ኔረ’የ። ሓደ ዓርከይ’ውን ኣስተውዒልላስ “ፍሽድዐ” ከምትብሃል ነጊሩኒ ኔሩ ። ብድሕሪ እታ ፍሽድዐ ወትሩ እንክሒራ ዘረባ ከምትስዕብ’ውን እዚ ዓርከይ እዩ ኣዕሊልኒ። እንታይ ዓይነት እንክሒራ ኮን’ዩ ክዛረብ? እዝነይ ጸልየ ተጸበኹ።

“ ንሕና’ውን ንሃገራዊ ድሕነትና ኣስጋእቲ እዮም ኢልና ዝኣመንናሎም ሰባት ንኣስረሉ ናትና ጓንታናሞ ኣለና። እንተደሊና ንዘይተወሰነ ግዜ ” ነታ እንክሒራ ዘረባ ተፋኣ። ጽቡቕ ገይረ ዝረኣኹዋ “ፍሽደዐ” እንደገና ቅልቅል ኢላ ድርግም በለት። ከምታ ዓርከይ ዝበላ- ፍሽደዓ- ካብ ፍሽኽታን ብድዐን ዝተዳቐለት’ያ። ኣእዛነይ ነቲ ዝስዕብ ዘረባ ኢሳይያስ ክሰምዓ ጸለኹወን።

“ ነዞም ሰባት ኣብ ፍሉይን ዕጹውን መጋባኣያ ኣብ ዝመረጽናዮ ግዜ ናብ ፍርዲ ከነቕርቦም ኢና” ኢሳይያስ ሓንሳብ ናብ ሑሴን ሓንሳብ ናባና ናብቶም ተጋባእቲ ኣንጎላሓጠ። እቲ ኣዳራሽ ብስምባደን ምግራምን ተሃሪሙ ጸጥ በለ። ፍርሒ ብሙሉእ ሓይላ ኣብቲ ኣዳራሽ ዝወደቐት መሰለት። እቲ መልእኽቲ እንተላይ ነቶም ኣብ መስከረም 2001 ዝተኣስሩ ጉጅለ 15፡ ጋዜጠኛታትን ፖለቲከኛታትን ዕላማ ዝገበረ ምንባሩ ኣይሰሓትኩዎን። ካልኦት ጸላም ከደነ ብስርቕ ምርቕ ዝተኣስሩ ውልቀሰባት’ውን ኣይተናሓፉን። ብዘየሻሙ ቃላት ክሳዕ ደስ ዝበሎ ግዜ ክኣስሮምን ደስ ኣብ ዝበሎ ግዜ ናብ ፍርዲ ከቕርቦምን ሙኳኑ’ዩ ዝሕብረና ኔሩ። ክንደይ ግዜ ኾን ክኣስሮም ይኸውን? መዓስ ኮን ደስ ኢሉዎ ናብ ፍርዲ የቕርቦም ይኸውን? ኢሳይያስ ጥራሕ ዝምልሶ ሕቶታት እዩ።

ኣዒንተይ ብድንጋጸ ተመሊአን ናብቲ ከቢድ መርድእ መኪቱ ደው ኢሉ ዝነበረ ሑሴን ተኸልኩወን። ገጹ ትኪ ተኸዲኑ ከናፍሩ ብሕንሕነ ይነክስ ኔሩ። ልበይ ኣብ ቀረባ እያ ጸኒሓ። ኣብ ኢሳይይስ ተሪፋትኒ ዝነበረት ንእሽተይ እምነት ሓዊ ከምዝሃረማ ጠስሚ ክትመክኽ ተፈለጠኒ።

ዓወት መንግስትኣብ
ሓምለ 10/ 2002

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleብ”ኻልእ ሓርነት የለን” እትብል ደርፊ ተሓታቲ ቖርጫጭዶ ዋላ ሄኖክ ታደሰ? (ደራፊዶ ‘ገጣሚ’?)
Next Article ግዜ፥ ሎም ብሰብ ግዜ ፡ ጽባሕ ንሰብ ግዜ!
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?