Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ፈለማ ሰብ’የ

ፈለማ ሰብ’የ

0
By Mekonnen T. on December 14, 2014 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ብዲያቆን ዳኒኤል ክብረት

ትርጉም መኮነን ተስፋይ

ሓደ ፈታውየይ ኣብ ዝተፈላለየ ሰኪዔት ሓበሬታታትን ዝርርባትን “ፈለማ ኦሮሞ’የ፡ ፈለማ ትግርኛ’የ፡ ፈለማ ኣምሓራይ’የ” ዝብል ክትዕ ረኣየሞ “ንስኻ ፈለማ እንታይ ኢኻ᎒” ክብል ሓተተኒ።

ኣነ ፈለማ ሰብ’የ። ሰብ ኮይነ’የ ተፈጢረ። እግዚኣብሄር ንሰብ’ዩ ፈጢሩ። ጉጅለ፡ብሄር፡ቀቢላ፡ እንዳ ዝበሃሉ ነገራት ፈጢሩ ዝብል ትምህርቲ ወይ መጽሓፍ ኣይረኸብኩን። ክብሪ፡ስልጣን፡ ጥበብ፡ ንፈጣሪ ምምሳል ንወዲ ሰብ’ዩ ተዋሂቡ። መላእኽቲ ክፍጠሩ እንከለው ብማሕበር’ዮም ተፈጢሮም። ኣብ ሓደ ኢዮም ተረኺቦም። ወዲ ሰብ ግን ክፍጠር እንከሎ በቢተራ እዩ። ፈለማ ኣዳም ካብኡ ሄዋን ብድሕሪኡ ቃኤል ካብኡ ኣቤል እናበሉ በቢተራ ተፈጢሮም። ጉጅለታት ወዲ ሰብ ባዕሉ ፈጠሮም ደኣምበር ሓቢሮሞ ኣይተፈጥሩን። ፈለማ ሰብነተይ ኢዩ ኔሩ። ደሓር ጉጅለይ መጽዩ። ድሒሩ ዝመጸ ጉጅለ ነቲ ቀዲሙ ዝመጸ ሰብነተይ ካብዚ ኣይትሕለፍ ካብዚ ኣይትውጻእ፡ካብዚ ኣይትዝለል ካብዚ’ውን ኣይትሳገር ኢሉዎ። እቲ ጉጅለ ብኣይ ክጽዋዕ ዝነበሮ። ንገዛእ ርእሱ ህልውና ክብል ንዓይ በጃ ጌሩኒ። ንሱ ከይመጸ ከሎ ግን ኣነ እቲ ሰብ’የ ኔረ። ፈለማ ሰብ ስለዝነበርኩ ፈለማ ሰብ’ዩ ክኽበር ዘለዎ። ፈለሚ ሰብነተይ እዩ መሰል ዘድልዩ። ሰብነተይ ኣሲርካ፡ቀጥቂጥካ፡ቀቲልካ፡ ጨዊኻ እንድሕሪ ኣጥፊእካኒ ጉጅለይ ኣበይ ትረኽቦ᎒ ንዓይ ገዲፍካ ከመይ ጌርካ ነቲ ኣነ ዝፈጠርኩዎ ጉጅለ ክብሪ ትህብ። እዚሞ ሓሶት’ዩ። ዋህዮታት ቀቲልካ ሰብ ከተንብር ኣይትኽእልን ኢኻ። ገጻት ቀዲድካ ኸ መጽሓፍ ከመይ ጌሩ ክነብር። ነተን ከብቲ ሓሪድካ ብዛዕባ ጉጅለአን ምጭናቕ እንታይ ማለት’ዩ።

ሃገር ይቕየር’ዩ፥ ቋንቋ ይልወጥ’ዩ፡ ባህሊ ይልወጥ’ዩ፡ እምነት ይቕየር’ዩ፡ እንዳ ይቕየር’ዩ፡ ሰብነት ግን ኣነ’የ። ነዚኦም ኩሎም ምቕያር ዝኸኣልኩ ሰብ ስለዝኾንኩ እዩ። ሰብ ኮይነ ስለዝተፈጠርኩ ምስ ሰባት እነበር። ንበይነይ ዘይክእሎም ነገራት ብሓባር ንኸሳልጦ። ሽዑ ናይ ሓባር መረዳድኢ የድልየኒ። ቋንቋ፡ ባህሊ፡ልምዲ፡ወግዒ፡ስርዓት ከኣ ይመጹ። እዚኦም ኩሎም ሰባት ብሓባር ንምንባር፡ ክነበሩ ከለው ከኣ ናይ ሓባር ዝኾነ ረብሓ ክህልዎም ንምግባር ብኣይ ብሰብ ዝተፈጥሩ’ዮም። ክገድፉኒ ኣይክእሉን’ዮም። ክገድፎም ግን እኽል’የ። ብዘይ ብኦም ክነበር ይኽእል’የ። ብዘይ ብኣይ ግን ክነበሩ ኣይክእሉን’ዮም። ኣነ እየ ዋንኦም።

ስለዚ እየ ፈለማ ሰብ’የ ዝበልኩ። ሰብ ስለዝኾንኩ ናይ ደቂ ሰባት ኩሉ ነገር ይምልከተኒ’ዩ። ናይ ሰብ ነገር ኩሉ የሕስበኒ’ዩ። እቲ ሰብ ዝኾነ ይኹን፡ ዝኾነ ዓይነት ቋንቋ ይሃልዎ፡ ዝኾነ ዓይነት ባህሊ ይከተል፡ ንሱ ንዓይን ንዕኡን ኣየራኸበናን። ዘራኸበና ሰብ ስለዝኾና’ዩ። ናይ እሱር ጉዳይ ይምልከተኒ’ዩ፡ ምኽንያቱ ሰብ ስለዝተኣስረ፡ናይ መዋቲ ጉዳይ የሕዝነኒ’ዩ፡ ምኽንያቱ ሰብ ስለዝሞተ፡ ናይ ግፉዕ መልቀስ ይስማዓኒ’ዪ፡ ምኽንያቱ ወዲ ሰብ ስለዝተገፍዐ፡ ናይ ዝተጨውየ ንብዓት ይስማዓኒ’ዩ፡ ምኽንያቱ ሰብ ስለዝተጨውየ።

ከም ሰብ ብዝፈጠሮ ዝጠፍእ፡ ብዝሰርሖ መከራ ዝርኢ፡ ብዘመጸኦ ነገር ዝኸይድ፡ ብዝረኸቦ ምኽንያት ዝእሰር ፍጡር ርእየ ኣይፈልጥን። ባዕሉ ዘምጸኦም እንዳታት፡ ነገዳት፡ጉጅለታት ንባዕሉ ከይርእን መፈጠሩ ከም ዝርስዕን ጌሮሞ’ዮም። ሰብ ኮይኑ ተፈጢሩ ሰብ ምዃኑ ከም ዝርስዕ። እክለ ከምዚ ኮይኑ” ክብልዎ እንከለው “ወዲ ኣይነይቲ ሃገር፡ ናይ ኣየናይ ወገን’ዩ፡ ሰብና ድዩ” ዓሌቱ፡ እንዳ ኡ ወይ ቀቢሉኡ እናበለ እናጽበበ ይሓትት።

ናይቲ ሰብ መንነት ካብ ናቱ ጉጅለ እናረሓቐ ብዝኸደ ቁጽሪ ጭንቀቱ ይጎድል። ሓደ ሓድ ግዜ’ውን ከም ዓወት ይቖጽሮ። ናቱ ወገን ዝተጠቕዐ ኮይኑ ክስምዖ እንከሎ ግን ከም ሓራስ ነብሪ ኮይኑ እዩ ዝለዓል። ባዕሉ ብዝፈጠሮ ሓጹር ነብሱ ሓጺሩ። መራኸቢኡ ሰብነት ረሲዑዎ’ዩ። እንተኾነ ግን፡ ሰብ እኮ ሰብ’ዩ። ፈለማ ሰብ’ዩ። ሰብ ስለዝኾነ እዩ ከምኡ ኮይኑ። ሃይማኖት ክህልዎ ዝኸኣለ ሰብ ስለዝኾነ’ዩ። ባህሊ ክህልዎ ዝኸኣለ ሰብ ስለዝኾነ’ዩ። ብቋንቋኡ ዝተዛረበ’ውን ሰብ ስለዝኾነ’ዩ። ዝተፈላለየ ኣረኣእያ ዝሓዘ’ውን ሰብ ስለዝኾነ’ዩ። ፈለማ ሰብ’ዩ።

እቲ ባህሊ፡እቲ እምነት፡እቲ ቋንቋ፡ እቲ ኣተሓሳስባ፡ እቲ ልምዲ፡ ከም ዝኽበር፡ መሰሉ ከይግፈፍ፡ ትርጉም ዘይብሉ ኮይኑ ከይተርፍ ዝፈርሕ’ውን ሰብ ስለዝኾነ’ዩ። ኣብኡ ሰብ ስለዘሎ’ዩ። ናይቲ ሰልፊ፡ ናይቲ ማሕበር፡ ናይቲ ጉጅለ መሰልን ክብርን ክሕሎ ዝጣበቐሉ ስለዝ ኣምነሉ፡ ስለዝቕበሎ፡ ስለዝሳማማዓኒ ኣይኮነን። ሰብ ስለዘለዎ’ዩ። ናይ ሰብ ስለዝኾነ’ዩ። ብዝተፈለየ መልክዕ ዝተወደበ፡ ብዝተፈልየ መንገዲ ዝሓሰበ፡ ብዝተፈልየ ኣገባብ ዝኸደ፡ ብዝተፈልየ መንገዲ ዝኣመነ ፡ ብዝተፈለየ ኣገባብ ዝተፈላሰፈ ሰብ ስለዝኾነ’ዩ።

እቲ ፍልልይ ዝፈጠረ’ውን ሰብ እኳ’ዩ። እቶም ካልኦት ፍጡራት እቲ ፍልልይ ተፈጢሩዎም እምበር ባዕሎም ኣይፈጠሩዎን። ወዲ ሰብ ግን ባህሊ፡ ቋንቋ፡ልምዲ፡ስርዓት፡ ሃገር፡ ኣረኣእያ፡ ኣተሓሳስባ፡ ዝብሃሉ ነገራት ኣምጺኡ ናይ ባዕሉ ፍልልይ ባዕሉ ዝፈጠረ ፍጡር’ዩ። ስለምንታይ᎒ እንተ ኢልና ሰብ ስለዝኾነ። እዚኦም ኩሎም ዝኽበሩ፡ ሰብ ክኽበር እንከሎ’ዩ። እዚኦም ኩሎም ዝህልው ሰብ ክህሉ እንክሎ’ዩ። ኣምሓራይ ይኹን፡ ኦሮሞ፡ ሶማላዊ ይኹን ህንድን ቻይናን ኮይኑ እንግሊዝን ጣልያንን ኮይኑ ዝተወለደ የለን። ኩሉ ሰብ ኮይኑ’ዩ ተወሊዱ። ባህሊ፡ ቋንቋ፡ ኣከዳድና፡ ሃገር፡ ለምዲዎ እምበር ጥራሕ ነብሱ ፡ቋንቋ ከይፈለጠ፡ ወገን ከይሃለዎ እዩ ተወሊዱ።

ሕጂ ኣለውኒ ዝብሎም ፍልልያት እንተዝጥቀሱ ኣብ ትሕቲ እቶም ፍልልያት ኣነ ደው ኢለ ኣለኹ። ሰብ’የ። ፈለማ ሰብ’የ። መወዳእታ’ውን ሰብ’የ።

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleምስ ህያው ገጸ ባህርያት! * 2ይ ክፋል *
Next Article ጠዓሞት፡ ቢንያም *ሓደ ኤርትራዊ ምስ 24 ናይጀርያውያን *
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?