Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ጾመ-ሓጎስ

ጾመ-ሓጎስ

0
By Mekonnen T. on October 3, 2014 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ብኢደይ ዘይተጻሕፈት ልበይ ዝወቀጣ

ካብ ኣጸድ ልበይ ዕምባባ ሕቚፋ

ትብጻሕ’ዛ ደብዳቤ ረቂቕ ክንፊ ኣብቊላ።

ካብ’ዚ…..

ካብዚ ምደረ-ሓጥኣን ናብ ምድረ-ጻድቓን

ካብዚ ምደረ ጸልማት ናብ ምደረ-ብርሃናት

ካብዛ ኣምዐ ዓለም ናብ ገነተ-ኣርያም።

ህያብ ድማ ትኹን ህያብ ፍቕሪ

ንዓኹም ኣሕዋትና ዘሕደገና ባሕሪ።

ሰብ ምስ በልዖ ሓርነትኩም ስደት ዝመረጽኩም

ምስ እልፊ ራኢኹም ምስ እልፊ ባህግኹም

ጉዕዞ ኣብ ምውድኡ ቀሪብና ‘ናበልኩም

በዚ በላዒ ሂወት ብባሕሪ ዝተኸተርኩም፣

መንእሰያት ኣሕዋት ኣሓት

ጻዕዳ ልቦም ሙቁራት ህጻናት

ዛራ ፍቕረን ለዋሃት ኣዴታት

ኣብ ላምፓዱሳ ዝኸተረኩም ሞት፣

ንዝክረኩም ኣለና ዝኽሪ ዉሽጢ

ኪኖ ብኣእዛን ዝስማዕ ብልቢ።

ንዝክረኩም ኣለና ብኣስተንትኖ

ማዕበል ሓዘን ንልብና ‘ናጸፍዖ

ካብ’ቲ ማዕበል ባሕሪ

ከፊኡና እንሆ!።

ኣብ’ዚ ዓመተ- መልቀስ ዕልልታ ዘይስመዖ

ኣብዚ ዓመተ-ቀብሪ መርዓ ዝተረስዖ

ገጽና’ናተሕጽበ ብንብዓት ኣዒንቲ

ዉሽጥና’ናተባሕጎገ ብንብዓት ልቢ

ንዝክረኩም ኣለና ዝክሪ ጥልቀት ዉሽጢ።

ንፋረድ ከኣ’ባ ምስ ሰብን ምስ ባሕርን

ተሓተቱ ንብሎም ብክቡር ሂወትኩም።

እንቋዕ ኣይሃለኹሞ’ዚ ናትና ህላወ

ነዚ ደረቕ ምንባር ካብ ሚዃን ዝረሓቐ

እንቋዕ ኣይሃለኹሞ’ዚ ንሕና ንነብሮ

ነዚ ሞይቶም’ምበር ተወልዶም ዘይስመዖ

ዓሕ!’ናበላዕካ ንብዓት ዝስተዮ።

ግደ ሓቂ !…

ሞይትኩም ኣይብልን’የ ተንሲእኩም ‘ምበር

ሓሲርኩም ኣይብልን’የ ከቢርኩም’ምበር

ተረጊምኩም ኣይብልን’የ ተመሪቕኩም’ምበር

ተፈንፊኩም ኣይብልን’የ ተሓሪኹም’ምበር።

ካብ’ዛ ምድረ ፍዳ ምድረ ከርተት

ብመገሻ ባሕሪ’ኹም ኣቲኹም ናብ ገነት።

ሕሰምኩም ከርተትኩም ኣብ ባሕሪ ተሪፉ

ኣብ ሰማያዊ ስፍራ መላእክቲ ዝበርሉ

ትረኣዩኒ’ለኹም ናብዝን ናብትን ትብሉ

ኣኽናፍ ጽድቂ’ብቊልኩም ብተምሳጥ ትበሩ።

ትረኣዩኒ’ለኹም ብዓይነ-ልቢ

ሕሰምኩም ቃንዛኹም ተወዲኡ ‘ምድሪ

ምስ ጻድቃነ ሰማይ ምስ ቅዱሳን ሰማእቲ

ብርሃን ተኸዲንኩም ጸጋ ሰማያዊ።

ንሕና ድማ!…..

ኣብ’ዚ ዘመነ-መርድእ ሓዘን ዝነገሶ

ኣብ’ዚ ዘመነ ብኽያት ሰሓቕ ዝተቀብጾ

እንሀና ጾይምና ጾመ-ሓጎስ

ብቐብሪ ተሃሪምና ብመልቀስ ንድበስ!።

ጸጋይ መሓሪ(ተመርዖ)

02/10/2014

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleሮዛን ሰሌን
Next Article እንዳ ‘ቱፍ-ቱፍና’
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?