Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ጻውዒት ንዕርቂ ዓርሞሽሽ !

ጻውዒት ንዕርቂ ዓርሞሽሽ !

0
By Mekonnen T. on August 27, 2016 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ኣንታ እዚ ግጥሚ ክጥዕም

ንዘይ ይጋጠሙ ዘጋጥም

ግጥሚ መንግስቲ’ዩ ቃላት ሰራዊቱ

ልዕልና ዘይፈልጥ ዝኣቱ ቲሒቱ

እንታይ ድኣ ወደይ ሰማይን ምድርን ካብ ኣጋጠመ

ብፍትሓውነቱ ካብ ዘይ ሕመ

ዘየቃርቦም ድኣ ዘይዓርቆም

ነዞም ክልተ መንፈስ ዕጥቆም

ዘይፍትኖም ዋላ ኣየሕምቆም

ስለ ግጥሚ ኢሉ ዘይጥውቆም

ፍግም ኢሉ ኣብ ብርኮም ዘይወድቆም!

ግጥሚ ሓያል ምስ ዛዕጎለ ዕንቁ

ተራእዩ እንድ’ዩ ንባሕሪ ጠሊቑ

ካብቲ ሲኦል መስመስ ዝብል በርቁ

ነቲ ጥሉል ከውጽኦ መዝሒቑ

 ንኽረምቲ ነጒዱ ኣንጔድጒዱ

ኣብቲ ሓጋይ ምስ እምነ ሓመዱ

ነቲ በርቂ ሴፉ ኣንበጥቢጡ

ነቲ ውሕጅ ምስ ገፈጥመፈጡ

ነቲ ኲናት ምስ ገፈል መዓቱ

ማይ ዝገብሮ ብኽእለቱ።

እናበለ ወትሩ ኣይመክኽን

ብቖሎ ጥጥቖ ኣይምብርከኽን

ድፍረት ካብ ሃለዎ ናይ ሰብን መልኣኽን

ኣብ ቅድሚ ሓቂ ካብ በለ ኣይሓንኽን

ንምንታይ ኣይዓርቆምን ሰይጣንን ኣምላኽን!?

ሽዑ’ኮ’ዩ ፍቅሪ ዝስተማቐር

እከይ ግብሪ ኣዕሚቑ ዝቕበር

ኣብ ጽፍሩ ዝኣቱ ፈገርመገር

ወዲ ኣዳም ደቂሱ ዝነብር።

ነዚ ድማ ግጥሚ’ዩ ዝገጥሞ

ኣብ ቅድሚ ፈጣሪ ‘ታይ ከይጽግሞ

እንካብ ኮነ ንሕውየታ ዓለም

‘ሞ ገጣሚ እንካብ ዘይበቅቕ ደም

 ስዉር ካብ ኮነ ምስጢሩ ዘይሕለም

እንታይ ኣለዎ እንተጥፍኤ ቀለም።

እምበር ካልእ እንታይ ሓቂ’ለዎ

ጻድቕ ይበልዎ ሓጥእ ይበልዎ

ኣብ ሓቂ ዘይቀውም ወትሩ ምስ ኣድልዎ

ድማ ይብሃለሉ ሰይጣን ኣስሒትዎ

ንወዮ ሰይጣንከ መን ኣሰይጢንዎ?

ሓያል ግጥሚ ብሓይሉ ከስወንውን

ዘንጉ ተኻኺሉ እንክልምን

ተወንዚፉ ጽባቐን ቀዳውን

ሓቂቕ ሓቂ ኣዕጢቑ ከእምን

ዕርቂ ፍቶ ኢሉ ምስዝልምን

ፈጣሪ እውን ይጥዓስ ይኸውን!

 እሞ ዘይዓርቆም ብኽእለት ጥበቡ

ኣብ ሎቆታ መዓር ኣንዘብዚቡ

ሓቅን ፍትሕን ብግህዶ ኣዋሲቡ

ዘይፈጥሮ ወዲ ጓሉ ሂቡ?

ወዲ ጓሉ ተረካቢ ሕድሪ

ተመረቕ ዝበሎ ፈጣሪ

ካብቲ ሰይጣን ስልጣን ከይሓተተ

ካብ ፈጣሪ ምሕረት እናጠለበ

ኮፍ ዘየብሎም ኣርሕቡ እናበለ

ዓለምኮ ብሰይጣን ጸቢቡ እናሃለ

ደቂ ደቁ እናተባዝሑ

ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናተጨርሑ!

ጻድቕ ዝበልካዮ ካብ መንኰሰ

መን ድኣሞ ተኻሕሰ?

ውሒዶም’ወ ፈጣሪ ዝሓዙ

እቶም ኣመንቲ’ውን እናመንኮሱ

ደብሪ ደደይቦም እናፈለሱ

እተን ደናግል እውን ብድንግለን

ከይወለዳ ንዓለም መኒነን

ዕዝር እናበላ ምስ ንብረተን!

ከየፍረያ ሓድጊ ከይገደፋ

ምእንቲ ክርስቶስ ኢለን እናሓለፋ

ሰይጣን ክራባሕ ረኺቡ ዳጌፋ።

መፍትኡ ረኺቡ’ወ ወዮ ሰይጣን

 ካብዚ ካብቲ ገፋፊጡ ሽሕጣን

እናመንጠለ ብግፍዕን ሓረጣን

ዓለም ገዚኡዋ በቲ ናቱ ስልጣን!

እሞ ግጥሚ እንታይ ይጽበሎ

ነዚ መዓት መዓስዩ ከዝሕሎ?

እምበር ሰይጣንሲ የፋጺዩ ዘሎ፡

እንተዝሕባእ መዓስ ተጸሊኡ

ሎምስ ከኣ ናብ ርሻን ወጺኡ

ማክሮፎን ጨቢጡ ከም ደራፋይ

ጠምጠም ይብሎ ንግዜ ተወናጫፋይ

ንወዲ ሰብ ጌሩ ተወላፋይ!

ሰብ ድማ ፎኪስ ከምዚ ሓሰር ንፋይ

ስስዐ ዝስዕሮ መህነፍናፋይ

ረሳዒ ኮይኑ ምዃኑ ሓላፋይ።

ለምንባ በልዎ ንግጥሚ በዓል ዜማ

ዕርቂ ፍጠር ክሃጥም ቁዘማ

“ኣምላኽ ምሕረት ኣዝዝ” ኢልካ ደጋግማ

ሰይጣን ድማ እቶ ናብ ዋዜማ

ማቕ ተኸዲንካ ሓሞኽሽቲ ድግማ

ናይቶም ዝነደዱ ብናትካ ላኼማ

ንስሓ ተናሳሕ ትዕቢትካ ኣህድማ

ነጺህካ ሕተቶ ከም ማርያም ኣርሴማ!

እወ ግጥሚ  ሴፍ ሓቅኻ ኣንጔድጉድ

ፈውሲ ከይተማህዘ ሕማማት ከይስውድ

ጥዕና መኺኑ ቁልቁለት ከይወርድ

ወዮ ሕማም መናቱ ከይወልድ!

እቲ ሕማቕ ኣብ ሕማቕ እንተዂደደ

እቲ ጽቡቅ ስቅ ኢሉ እንተኸደ

በዓል ሕማቅ እናተወላለደ

በዓል ጽቡቅ ቁጽሩ እንተወሓደ

ክውለድዩ ሽዑ ዝገደደ

ሰኣን ዕርቂ ሓያላት ክልተ!

እሞ ግጥሚ ልቢ ወስኽ

ፈትን እምበር ንምንታይ ትሓንኽ

ሰኣን ሕቶ ሰኣን ፍትንፍትን

ርጉም ሰይጣን መሊሱ ከይስይጥን

ኣንታ ግጥሚ ንኹሉ ትፍትን

ፈትኖ’ንዶ ርእስኻ ኣይተድንን

ንፈጣሪ ኩሉ ንዝውንን

ተዛረቦ ልሳንካ ኣይከደን

“ፈጢርካዮ እንዲኻ ዋላ ሰይጣን ይኹን

ምሕረት ፍለጥ” በሎ ኣይትጨክን!

(ፈጣሪ እውን ይምሕሮ ይኸውን)

እወ በሎ፡

ወዲ ሰብ እኳ ፈሪዱ ዝምሕር

ንመዋእል ኢሉሞ ይፍክር

ንጽባሑ ሓሲቡ ይሓድር

ንስኻ ግን ኩሉ ኣብ ኢዱ ሕዱር

መሓሮንዶ ፍቅሪ ይኹን መዝሙር

ብኽንፊ ሕልና ሓቢርና ክንነፍር

ሰብ ክእደብ ሰብ እዚ ዘይሓፍር

“ሰይጣን ኣስሒቱኒ” እናበለ ከይነብር

ንፈጣሪ በሎ ዕርቂ ግበር።

ሰይጣውንቲ ድማ ግብርኹም ኣክቡ

ወተሃደራትኩም ካብ እከይ ሰሓቡ

መናፍስቲ እከይ ሰብ ዛዕጎል ጠንቋሎ

ኢድኩም ሃቡ በሎም ስራይኩም ይእከሎ

ንስኹም ተዕርፉ ሰብ ድማ ይቐሎ።

መላእኽቲ ድማ ሴፎም የቐምጡ

ሓጺን ወዲ ሓጺን ተደርብዮም የስቅጡ

ደጊም መሳሕቶ የለዉን መሓጥኦ

ኣይሂ ማይ ዘኒቡ ትእዛዝ የጥፍኦ

ወንጌሉ ኦሪቱ ፍቕሪ ይጽሓፎ

ዘዝተመነኻዮ ይኹን ሕቖፎ ሕቆፎ

መልኣኽ ሰብ ሳጥናኤል ብሓደ ይንፈሩ

ይዋሰቡ ድማ ፍሉይ ሰብ ይፍጠሩ!

ምስዚ ሰይጣን እወ ምስዚ ግናይ ግብሩ

ደቂሱ ዘይሓድር ፍቅሪ እንተጒሂሩ

በቲ ክፍኣት ግብሩ ንዓለም ወሪሩ

ካብ ዘጽድፈና ድኽመትና በርቢሩ

ዕርቂ ግበር ፍትሒ ንሓዋሩ

ሽዑ እንድዩ ሞት ሓጥያት ዕርቂ እንተተጌሩ!

ዊንታና ጸጋይ

ዝባን ስንቀይ

ነሓሰ 2016

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleመልእኽቲ ናፍቖት ካብ ኣስመራን ከረንን
Next Article እተን ጠያይት መስከረም
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?